ሪፖርተራት ብዘይዶብ ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ብምኽንያት 3 ጉንበት 2026 ዓለምለኸ መዓልቲ “ናጻ ፕረስ” ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፥ ኤርትራ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መወዳእታ ከም ዝተሰርዐት ኣፍሊጡ። ኤርትራ ናብዚ ደረጃ ዝወደቐትሉ ምኽንያታት ብዙሕ ምዃኑ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ እቶም ቀንዲ ከኣ ዘይመንግስታዊ መዲያ ዘይምህላው፡ ኣገልግሎት ማሕበራዊ መዲያ ምእጋድን ጋዜጠኛታት ናብ ትካላት ፍትሒ ብዘይምቕራብ መወዳእታኡ ንዘይፍለጥ ነዊሕ ግዜ ምእሳርን ምስዋርን ቅድሚት ዝተስርዑ መዕቀንታት እዮም። ሱዳንን ኢትዮጵያን ከኣ ብቕደም ሰዓብ መበል 118ን 148ን ኮይነን ኣብቲ ዝርዝር ሰፊረን።
3 ጉንበት መዓልቲ ናጻ ፕረስ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1993 ብሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ከተማ ዊንድሆክ ዝተወሰነ ኮይኑ፡ መሰረታዊ ዓላማኡ ከኣ “ናጻነት ምግላጽ ሓሳብ” ንምትብባዕ ምንባሩ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ።
በቲ መግለጺ መሰረት፡ ብጠቕላላ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ደረጃ ናጻ ፕረስ ከንቆልቁል ከም ዝጸንሐ ብምጥቃስ፡ ብፍላይ ኣብዚ ኩነታት 180 ሃገራት ዝተዳህሰሰሉ ናይዚ ዓመት ጸብጻብ፡ ኣዝዩ ብዘሰንብድ ኩነታት ከምዘንቆቆለ ተገሊጹ። በዚ መሰረት ኣብዚ እዋንዚ ካብ ህዝቢ ዓለም ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ኣብቲ “ ኣዝዩ ዝሓመቐ ኩነታት ፕረስ” ዝበሃል ደረጃ ይነብር ከምዘሎ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። ናጽነት ፕረስ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ደረጃ ንክወድቕ ቁጠባዊ፡ ጸጥታውን ደረኽቲ ረቛሕታት’ኳ እንተለዉዎ ግቡእ መስርሕ ፍትሒ ዘይምህላ ድማ እቲ ቀንዲ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ኣብቲ መግለጺ፡ ሉግዘምበርግ፡ ስዊዘርላንድ፡ ኣየርላንድ፡ ፊንላንድ፡ ሽወደን፡ ደንማርክ፡ ኢስቶኒያ፡ ኔዘርላንድን ነርወይን፡ ዓሰርተ ናይ ጽቡቕ ኣብነት ኮይነን ተቒሰን። ኤርትራ፡ ደቡብ ኮርያ፡ ቻይና፡ ኢራን፡ ሳዑዲ ዓረቢያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ቬትናም፡ ቱርከሚስታን፡ ሩሲያን ኣዘርባጃንን ከኣ 10 ኣብ ሕማቕ ኩነታት ናይ ዘለዋ ሃገራት ኣብነት ተባሂለን ተገሊጸን።
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ብተደጋጋሚ እገዳ ከተንብረለንን ከተልዕለንን ካብ ዝጸንሓ ሃገራት ሓንቲ ኤርትራ እያ። ናይቲ እገዳታት ጠንቂ ኣሜሪካ ሃገራት ከምቲ ክኾናላ እትደልየን ዘይምዃን ሓደ ምኽንያት’ዩ። በዚ ኣቢላ ከተረጋግጾ እትደልዮ ረብሓ፡ ሓያልነትን ልዕልናን ንምርግጋጽ ዘለዋ ድሌት ከኣ ካልእ ምኽንያት’ዩ። ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ክብየን ናይ ዝጸንሐ እገዳታት ጠንቂ ከኣ ምስ ናይ ግዳም ሓይልታት ብዝጸንሖ እኩይ ዝምድናታትን ናይ ከባቢ ርግኣትን ሰላምን ምዝራግ ዝመንቀሊኡ ኮይኑ፡ ክወርድን ክድይብን ዝጸንሐ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ብሰንክቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከውርዶ “ዝጸንሐን ዘሎን” ጭቆናን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝመሰረቱ ኣይነበረን። በዚ መሰረት እዮም ከኣ ኤርትራውያን ነቲ ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ማእከሉ ዘይገበረ እገዳ ኣመሪካ “ኣስናን ዘይብሉ” ብዝብል ክነቕፍዎ ዝጸንሑን ዘለዉን።
ኣብዚ እዋንዚ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ዝለዓለሉ ኩነታት “ዳግመ-ርኢቶ” ናይ ምግባር ስጉምቲ ትወስድ ኣላ ዝብል ወረ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ’ሎ። ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ዓረብን ኣፍሪቃን ማሳድ ቦሎስ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ኤርትራ በጺሑ ነይሩ። ኣብዚ መስርሕ ግብጺ ወሲኽካ ሓያሎ ሸምገልቲ ከም ዘለዉ’ውን ይንገር። ናይዚ ናይ ኣሜሪካ ላዕልን ታሕትን መሰረታዊ ምኽንያት ግና ሎሚ እውን ወጽዓ ህዝብና ስለ ዝዓጠጣ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣመሪካ እቲ ውግእ ኢራን ተኸቲሉ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዓቕሉ ዘጽብበሉ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ወጥሪ፡ ናብ መጻብቦ ባብ ኤልመንደብ እንተልሒሙ ንገማግም ባሕሪ ኤርትራ ከም መቆጻጸሪ ንምጥቃም ምዃኑ ዝግመት ኢዩ።
ህግደፍ ነዚ ኣጋጣሚ ከምቲ “ወይ ሓያል ኩን ወይ ምስ ሓያል ተጸጋዕ” ዝበሃል፡ መናውሒ ዕድመ ስልጣኑ ዝኸውን ደገፍ መርከቢ ክጥቀመሉ ስለ ዝደሊ ከም ዝድግፎ ምልክታት የርኢ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ግና እገዳ ኣመሪካ ዝድግፍ’ኳ እንተዘይኮነ፡ መባእታዊ ትጽቢቱ ናይ ግዳም እገዳ ክለዓለሉ ዘይኮነ፡ ካብቲ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ዘቤታዊ እገዳታት ህግደፍ ናጻ ምዃን እዩ።
ህግደፍ ንገዛእ ርእሱ ከም “ፍትሓውን ልኡላውነት ካለኦት ዘይደፍር” ኣምሲሉ ብምቑጻር፡ ነቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊኡ እትውስኖ እገዳታት ዘይፍትሓዊ ኣምሲሉ ብምቕራብዩ ዝኸስስ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወስደ መቕጻዕቲ ኣምሲሉ ብምጥቃስ ከኣ “ዘይፍትሓዊ” እናበለ፡ ብስም ህዝቢ ኤርትራ “ንብዓት ሓርገጽ” ክነብዕ ዝጸንሐ ሓደገኛ ጉጅለ እዩ። ብመጽር ረብሓ ህዝቢ እቲ ቅድሚት ክስራዕ ዝነበሮ እቲ ሱር ሰዲዱ ህዝብና ደዊኑ ዘሎ፡ ዘቤታዊ እገዳ ናይቲ ጉጅለ ክኽውን ነይርዎ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ህግደፍ ኣብ ታሪኹ እገዳ ዝዕድም ከባብያዊ ኢድ ኣእታውነትን ዘይምርግጋእን ኣይፈጸመን ውግኣት ኣይጻሕተረን ማለት ኣይኮነን።
“ኣብ 1994 ምስ መንግስቲ ሱዳን ዝነበሮ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ኣቋሪጹ ንሓደ ጸረ መንግስቲ ጉጅለ ሱዳን ደጊፉ። እዚ ምዕባለ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኢድ ኣእታውነት ንክፍጠር፡ ከባብያዊ ዘይምርግጋእ ከስዕብን ኣብ ልዕሊ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ህዝብና ዘጨነቐን ኩነታት ክፍጠርን ዝገበረ ምንባሩ ኣይርሳዕን። ብዙሓት ዜጋታትና ንብረቶምን ጥሪቶምን ተራስዩ ኣደዳ ማእሰርቲ ክኾኑ እንከለዉ ተሰዊሮም ደሃዮም ዝጠፈአ እውን ውሑዳት ኣይኮኑን።
ኣብ 15-17 ታሓሳስ 1995 ምስ የመን ዘካየዶ ሃንደበታዊ፡ ዘይሓላፍነታውን መሰረት ዘይነበሮን ኣብ መወዳእታ ደሴታት ሓንሽ ንየመን ብምርካብ ዝተዛዘመ ህንዱድ ውግእ ጻሕቲሩ’ዩ።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ኣብ መርሒ ማዝያ 2008 ዶባዊ ወጥሪ ምስ ማዕበለ፡ ቀጺሉ ከኣ፡ 10-13 ሰነ 2008ን ኣብ ከባቢ ዱመራ ውግእ ተኻይዱ። ከምኡ እውን ቀጠር ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበራ ሰላም ናይ ምኽባር ተግባር ብ2017 ምስ ኣቋረጸት እቲ ወጥሪ ጌና መዕለቢ ኣይተገብረሉን።
ህግደፍ ኣብ 2006-2009 ምስ ኢትዮጵያ ንምውድዳር ኣብ ጉዳይ ሶማሊያ ኢድ ብምእታው፡ ሕብረት እስላማዊ ቤት ፍርዲ፡ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት መሊሻን ኣልሸባብን ብምሕጋዝ ኣብቲ እዋንቲ ዝነበረ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ምድኻም ኢድ ከም ዝነበሮ ከኣ ብሰፊሑ ዝተኸሰሉ ነይሩ።
ምስ ኢትዮጵያ ካብቲ ናይ 1998-2000 ጀሚሩ፡ ናይ ትግራይ ውግእ ተወሲኽዎ፡ ናብዚ ሎሚ ማዕቢልዎ ዘሎ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ኣጀንዳ ናብ ዝገብር ደርጃ ዝበጸሐ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ህውከት ዝፈጠረ’ዩ።” እዚኣቶም ኩሎም ንህግደፍ ጠንቂ ዘይምርግጋእ ብምዃን ንክቕጻዕ ካብ ዘቃልዕዎ ስግረ-ዶባዊ ህውከተኛ ተግባራት እዮም።
እቲ ኣገዳሲ ጉዳይ፡ ኣመሪካ ኮነ ካለኦት ኣብ ልዕሊ ህግደፍን ትካላቱን ክውስንዎ ዝጸንሑ እገዳታት “ንህዝቢ ዘይልክምን ጥንቁቑን’ዩ” ክብልዎ ዝጸንሑ ምዃኑ ዝዝከር እዩ። ብግብሪ ግና ንህዝቢ ኤርትራ’ውን ውሽጣዊ ጉዳያቱ ከይርእን ብዛዕባ ለውጢ ኸይሓስብን ከዳህልልዎ ዝጸንሑ እዮም። ህግደፍ ከኣ በዚ ተኸዊሉ ኢዩ ዕድመ ስልጣኑ ዘናውሓሉ ውዲት ዝኣልም። እቲ ዝያዳ ዘደንጹ ከኣ ህግደፍ ካብቲ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ነቒሉ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ኣንቢርዎ ዘሎ እገዳታት በቲ ኣብ ልዕሊኡ ብካለኦት ዝተነብረ እገዳታት ኣማኻንዩ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ካብ ምምላስ ክሃድም ዝፍትን ምዃኑ እዩ። ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣንቢርዎ ዘሎ፡ ኣብ ገዛእ ሃገርካ ናይ ምንባርን ምስራሕን፡ ብናጻ ናይ ምቅስቓስን ሓሳባካ ምግላጽን ምውዳብን መሰል፡ ብዘቖምካዮ ሕግን ዝመረጽካዮም መራሕትን ናይ ምምሕዳር …….ወዘተ እገዳታት እውን ንኣሜርካን ካለኦት ቀጻዕቱን ከላግበሎም’ዩ ዝፍትን።
ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሎሚ’ውን ናይ ኣሜሪካን ህግደፍን ናይ ምእጋድን ዘይምእጋድን ተዋሰኦ ንዓኻ ዘይንታይካ ምዃኑ ተረዲእካ ቆላሕታኻ ኣይትቐይር። እቲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወትካ ኣመዛቢሉ ዘሎ ነዊሕ ዝዕድመኡ እገዳ ህግደፍ ኣብ ምዃኑ ኣስትውዕሎን ተቓለሶን። ድድሕሪቲ ህግደፍ ንዓኡ ንክሕሾ ዝህንድሶ መደናገሪ ጐስጓስ ኣይትጐዓዝ። ቀዳምነት ቃልስኻ ከኣ ብመንጽር እቲ በደላት ናይቲ ጉጅለ ስርዓዮ እምበር፡ ነቲ ኣበሩ ሓቢኡ ንናይ ካለኦት እገዳ ከተራግሞ ዘካይዶ ጐስጓስ ገጽ ኣይትሃቦ።
ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ2 ጉንበት 2026 ጉባአ ኣካይዳ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባአ ኣቦመንበር ኣሰናዲት ሽማግለ ብጻይ የማነ ፍትዊ መስርሕ ምስንዳእ ከመይ ከም ዝነበረ በብደረጃኡ ዘርዚሩ ብምግላጽ፡ ተሳትፎ ኣባላት ዞባ ኣብቲ መስርሕ ዝነኣድ ከም ዝነበረ ከኣ ኣብሪሁ። ኣቦመንበር ሓጻይት ሽማገል ብጻይ ፍሰሃየ ፍትዊ ብወገኑ፡ ነቲ ዞባ ኣብ መጻኢ ንምምራሕ ሕጹያት ኮይኖም ናብ ጉባአ ዝቐርቡ ኣባላት ንምምልማል ዝተገብረ ጻዕሪ ከመይ ከም ዝነበረን ውጽኢቱን ዝሕብር ጸብጻብ ኣቕሪቡ።
ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኣብቲ ጉባአ ኣብ ዘስመዖ ናይ ደገፍን ምትብባዕን ቃል፡ እዚ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ዝካየድ ዘሎ ጉባአ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ተሳተፍቲ ናይ ዝሓለፍዎ መስርሕ ድልዱልን ድኹምን ጐድንታት ገምጊሞም መጻኢ ዝትልምሉ ክኸውን ተስፋይ ልዑል እዩ ኢሉ። እዚ ንከበሉ ዘለና እዋን ወሳንን ናይ ሓይልታት ለውጢ ብሓባር ምቅላስ ከም ዘድሊ ኣብሪሁ። ሰዲህኤ ኣብዚ መዳይዚ ግደኡ ከወፊ ቅሩብ ምዃኑ ብምጥቃስ ከኣ ኣተባቢዑ።
ነቲ ዞባ ክመርሖ ዝጸንሐ ብጻይ ደስበለ ካሕሳይ ብወገኑ፡ እታ ዞባ ክትሰርሖ ዝጸንሐት ኩለ መዳያዊ ዝርዝር ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ኣብቲ ዝሓለፈ ጉዕዞ ኣባላት ዞባ ከርእይዎ ንዝጸንሑ ተወፋይነት ድማ ኣመስጊኑ። ኣብ መጻኢ ክእረሙ ብዛዕባ ዝበሎም ድኽመታት ድማ ኣሚቱ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናይቲ ዞባ ገንዘባዊ፡ ዜናዊ፡ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ምቁጽጻርን ዝምልከቱ ጸብጻባት ቀሪቦም፡ ካብኡ ብምቕጻል፡ ጉባአ ኣብቲ ጸብጻባት ሰፊሕ ምይይጥ ብምክያድ ከም ሰነድ ዞባ ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቕዎ።
ድሕሪዚ ጉባአ ብብጸይቲ ኤርትራ ኣልኣዛር እትምራሕ ሰክረታርያ መዚዙ እናተመርሐ፡ ዝቐረበ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብዕዮ ናይቲ ዞባ ተመያይጡ ኣጽዲቕዎ።
እዚ ጉባአ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰዲህኤርትራ ኣብ መወዳእታ፡ ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ ንመጻኢ 2ተ ዓመታት እትመርሕ 7 ዝኣባላታ ኣካልን ተቖጻጻርን መሪጹን ዝተፈላለዩ ለበዋታት ብምቕራብን ዕማሙ ዛዚሙ።
ካብ ምዝራብ፡ “እንታይ‘ዩ መትረፊኦም በል“ ብዝብል ኣርእስቲ ከም ሰብ ኣብ ሓቂ ተሞርኲሰ ሓሳባተይ ክህብ እንከለኹ፡ ሕልናዊ ዕረፍቲ ይህበኒ። ዝኸበርካ ተዛራባይ፡ ኣነ ከም ሓሳብ ኣቕራቢ ንሕና ከም ደቂ ሰባት 5 ሕዋሳት ዘሎና ክንስና፡ ወዲሰብ ቅድሚ ምዝራቡ ኣንታይ ይብልን ይዛረብን ክፈልጥ ኣለዎ እብል። ኣብዚ እቲ ዘገርም፡ ከም ሰብ ነቲ ዝበሃል ዘረባታት ምስ ሰማዕኩ ብዙሕ እዩ ገሪሙኒ። ምኽንያቱ መጀመርያ ወዲ-ሰብ ክቡር እዩ። ካብ ኣፍካ ዝሃበካ ምዝራብ ሽግሮም ወይ ኩነታቶም ባዕሎም ከም ዝፈልጡዎ ምስትውዓል የድሊ።
ኣነ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን፡ ንነዊሕ ዓመታት ዘስተብሃልኩሉ ሓደ ነገር ኣሎ። ንሱ ከኣ እቲ ዝገርም፡ ዝኾነ ነገራት ናይ ሃገርና እንተብኣዎንታዊ እንተብኣሉታዊ ኣብ ክንዲ ከም ዘለዎ እንዛረበሎምን እንገልጾምን፡ ንኩሉ ነገራት ብዕበጦ- ዕበጦ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኸይድ ዘሎ‘ዩ። እንታይሞ ረኺብና። እንሆ ከኣ ኣብ ፖለቲካዊ - ኤኮኖሚያዊ - ማሕበራዊ ናብራና፡ ብሰንኪ ዘሎ ኩነታትና “ስለምንታይ“ ኢልና ስለ ዘይሓተትና፡ እንሆ ዘዝተወልደ ንስደት ይጐዓዝ ኣሎ። እዚ ከኣ ወዲ-ሰብ መጻኢ ራኢ ክሳብ ዘይሃለዎ ቀጻሊ‘ዩ።
ሕሰብ ኤርትራዊ/ት፡ ኩሉ ስደት ከብቅዕ “ስለምንታይ“ በል። ክቡራትን ክቡራንን፡ ከም ደቂ ሰባት ካብ ስነምግባር ወጻኢ ኢና ንዛረብ ዘሎና። እቲ ዘገርም ናይዞም ኣፎም ዝሃቦም ተዛረብቲ ነቶም “ሃገራዊ ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ“ ተመሪጾም ዝመጹን 2 ግዜ ዓወት ዘመዝገቡን ክንሶም፡ ብሰንኪ ኣብ ዝገሹዎ ምትራፎም ከይሓፈሩ “ደይሪዘርቫ እዮም ፕሮፈሽናል ተጻወትቲ ኣይኮኑን“ እናበሉ ከነኣእሱዎም ከለዉስ ከም ሰብ መጠን ኣይገርመኩምንዶ? ኣንታ ተዛራባይ ጠንቂ መትረፊኦም እንታይ‘ዩ ኣቐዲምካ ክትፈልጥ ይግበኣካ።
ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣእሙራዊ ብስለት ዝተሓወሶ ብክልተ መገዲ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ኣዮም። ኣነ ድማ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን ኣብ ጉዕዞ ሂወቶም ጽቡቕ ዕድል እምነየሎም።
ክፍላይ ተኪአ
ጀርመን
ባህግና Eri-Bahgna Media 03.05.2026 መሰል ዘይብሉ፥ ግቡእካ'ዩ እናተባህለ ዝፍጽም ህዝቢ፡ እቲ ወሳኒ ውሽጣዊ ዓቕሚ'ዩ፥
Written by Eri-Bahgna MediaMedia
ህንጻ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ካርቱም
ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን፡ ብደረጃ ዓለም ብዩኒስኩ (UNESCO) ዝወሃብ ሽልማት ዓለም ለኸ ናጻ ፕረስ 2026 ከም ዝተዓወተ ካብ ካርቱም ተሓቢሩ። እቲ ሽልማት ነቲ ማሕበር ብዩኒስኮ ዝተዋህበ ኣብ ውግእ ናይቲ ማሕበር ኣባላቱ ብዘርኣይዎ፡ ኣንጻር ጥሕሰ መሰል መዲያ ብቑዕ ስነዳ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ።
እቲ ሽልማት እቲ ማሕበር ኣብ ግዜ ውግእ ዘጋጠሙ ጥሕሰታት ብምቅዋም ንዘርኣዮ ትግሃት ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ንግህሰት መሰል መዲያ ዝምልከቱ፡ ብሰንክቲ ውግእ ናይ ዝሞቱ 14 ሰራሕተኛታት መዲያ ወሲኽካ ብዛዕብ 67 ፍጻመታት ከም ዝሰነደ ተሓቢሩ።
ዳይረተር ዩኔስኮ ካለድ ኢል-ኣናኒ፡ ናይቲ ማሕበር ኣባላት ፍሉይ ትብዓትን ተወፋይነትን ከም ዘርኢ’ዩ ገሊጹ። እቲ ትብዓት ናይቶም ጋዜጠኛታት ንካለኦት ክኢላታት እውን ናይ ውፉይነት ምእንቲ ሓቂ ኣብነት ኮይኑ ከም ዝጥቀስ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ዝተዋህበ ሽልማት ኣብ መዳይ ናጻ ፕረስ፡ ድምጺ ንዘይብሎም ድምጺ ብምዃንን ንዲሞክራሲያዊ መሰል ምጥባቕን ናይ ትብዓት መርኣያ እዩ ኢልዎ።
ኣቦመንበር ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ዓብደልመንዑም ኣቡ እድሪስ ብወገኑ፡ እዚ ሽልማት ኣብ ሱዳን መድያታት ኣብ ዝተዳኸማሉ ግዜ ዝተዋህበ ብምዃኑ እዋናዊ እዩ ኢልዎ። ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ሽልማት ፕረስ ንክዓቢ ግደኡ ንክጻወት ናብ ሕብረተሰብ ሱዳን መልእኽቲ ከም ዘመሓላልፍ ኣመልኪቱ። እቲ ሽልማት ንኹሎም ምስቲ ጽንኩር ኩነታት ግቡኦም ንዝፈጸሙ ጋዜጠኛታት ሱዳን ዓብይ መዘከርታ እዩ ክብል ጠቒስዎ። ነቶም ጸኒዖም ዝተቓለስ ጋዜጠኛታት ክብሪ ምዃኑ እውን ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ኣስፊሩ።
እዚ ሽልማት ካብ 1997 ክወሃብ ዝጀመረ፡ ዓመታዊ ኮይኑ፡ ብውልቂ ይኹን ብእኩብ ብሉጽ ስራሕ ንዘርኣዩ ክወሃብ ዝጸንሐ፡ ብደረጃ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዝወሃቡ እዩ።
إرتريا- التوق -: رسالة التوق- الإرتري 01.05.2026
Written by Eritrea. Al-Touqሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ትግራይ ይምዕብል ብዛዕባ ዘሎ ኣስጋኢ ኩነታት ህጹጽ መጸዋዕታ ከም ዘቕረበ ኣዲስ ስታንዳርድ ፖስት ሓቢራ። እቲ ሕብረት ኣብ መጸዋዕታኡ “ዓሚቕ ስኽፍታ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ብህጹጽ፡ ነቲ ዝረአ ዘሎ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ዘይርጉእን ነቲ ናይ 2022 ስምምዕ ንድሕሪት ዝመልስን ኩነታት ዝዓግት ሓላፍነታዊ ስጉምቲ ክወስዱ ኣትሪሩ ጸዊዑ።
ኣብዚ ብ30 ማዝያ 2026 ብናይቲ ሕብረት ወጻኢ ጉዳያት ወሃቢ ቃል ዝወጸ መጸዋዕታ፡ እቲ ሕብረት ኩሎም ወገናት ካብ ዝኾነ ይኹን ተኹታዂ ስጉምቲ ክቑጠቡ ኣዘኻኺሩ፡ ነቲ ህውከት ጠጠው ምባል ብቐጻልነት ከውሕስ ብ2022 ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንከየፍርስዎ ኣትሪሩ ኣጠንቂቑ። ኣተሓሒዙ ድማ ክልቲኦም ወገናት ናብ ሓድሽ ግጭት ካብ ዘእቱ ተግብራት ክቁጠቡ’ውን ኣዘኻኺር።
መግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ብሓይሊ ዘይኮነ፡ ብፖለቲካዊ ዘተ ንክፍታሕ ኣመልኪቱ። ካብዚ ሓሊፉ ክፍጠር ዝኽእል ግጭት ኣዕናዊ ከም ዝኸውን ኣሚቱ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ንክልተ ዓመታት ኣብ ውግእ ጸኒሑ፡ ብሳላ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዕረፍቲ ረኺቡ ዝጸንሐ ከባቢ ብምጥቃስ፡ ሳዕቤኑ ብደረጃ ዞባ እውን ዝልክም ሓደጋ ከስዕብ ከም ዝኽል ኣዘኻኺሩ። እዚ መግለጺ መጠንቀቕታ ዝወጸ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝያዳ ዝዓርግ ዘሎ ናይ ውግእ ሓደጋ ተኸቲሉ ምዃኑ ከኣ ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልኡኽ ኤምባሲ ኣሚሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዝርዝሩ’ኳ እንተዘይተገለ፡ ክልተ ናብ መቐለ ከም ዝተመላለሰ ጠፍሊጡ
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ እቲ 6 ዓመታት ዝሓለፎ እሞ ዝተመርጸሉ መስርሕ ኣብ ፕሪቶርያ ዘይሕጋዊ ዝተባለ ባይቶ ክልል ትግራይ ናብ መድረኽ መጺኡ ንሌተናል ጀነራል ታደስ ወረደ ዝትክእ ፕረሲደንት ንምምራጽ ይሸባሸቡ ኣብ ዘለውሉ ናይ ወጥሪ ግዜ እዩ። ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ብወገኑ፡ እቲ ፕረሲደንትነት ክወስድዎ ከም ዝኽእሉ፡ እንተኾነ ነቲ መስርሕ ስለ ዘይድግፎ ሰላማዊ ምርኽኻብ ስልጣን ከም ዘይገብር ይገልጽ ኣብ ዘለወሉ እዩ።
More...
ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ዓባይ ብሪጣንያ ዜጋታቱ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝገሽሉ ጥንቀቓ ንክገብሩ ዘተሓሳብ መልእኽቲ ብ27 ማዝያ 2026 ከም ዘውጸአ፡ በርሚንግሃም ላይቭ (Birmingham Live) ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ። እቲ መጠንቀቕታ ኣብዚ እዋንዚ ንክሕደስ ዘድለየ፡ ኣብ ኤርትራ ቀጻሊ ናይ ሓደሽ ግፋን ናይ ዕቑር ሰራዊት ምብርባርን ይረአ ብምህላዉ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ናይዚ ጥንቂ ከኣ እቲ ኤርትራ ኣብ እትርከበሉ ዞባ ዝረአ ዘሎ ሓፈሻዊ ዘይምርግጋእ ምዃኑ ኣስፊሩ።
ኣብ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ጸጥታዊ ስጉምትታት ከም ዝውሰዱ ዝጠቐሰ እቲ መጠንቀቕጣ፡ ገያሾ ዜጋታት ዓባይ ብሪጣንያ ንዝኾነ ምዕባለ ምስቲ ዝዕቆብሉ ኣካልን ዘንቀሶም ትካልንብቐጻሊ ክወኻኸሱ ከም ዝግበኦም ምዒዱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ምምዕባል ተኽእሎ ከምዘሎ ኣመልኪቱ። ዜጋታቱ ካብ ጸጥታውን ወተሃዳራውን ትካላት ክርሕቑ ድሕሪ ምምካር ከኣ ብዛዕባ ክፍጠር ዝኽእል ምዕባለ ኣፍልጦ ምስ ዘለዎም ወገናት ምውኽኻስን ሓበሬታ ምልውዋጥን ከም ዘድሊ ኣመልኪቱ።
ኣብቲ መጠንቀቕታ ብፍላይ 25 ኪሎሜተር ብኹሉ መሬታዊ ዶብ ኤርትራ ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ፍሉይ ጥንቃቐ ንክገብሩ ጠቒሱ፡ ሃንደበት ለውጢ እንተደኣ ተፈጢሩ እቶም ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ኮነ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናይ ምንቅስቓስ ዝጽገሞም ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ዘለዎ ስግኣት ሓቢሩ፡
ጸገም እንተደኣ ኣጋጢሙ፡ ናይ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዲፕሎማሲያዊ ኣካላት ብኣካል ሓገዝ ምግባር ኮነ ካብ ኤርትራ ከም ዝወጹ ምግባር ዘይከኣል ክኸውን ከም ዝኽእል ብምሕባር፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት ካብ ገዛ ክወጹን ከም መግብን ማይን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ነገራት ክሕዙን መኺሩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብዛዕ ከም ሰዓታት እቶቶን ዝኣመሰሉን ብመንግስቲ ዝወጹ መምርሕታት ከኽብሩን ከባብያዊ መዲያትታት ክከታተሉን ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቡ።
24.04.2026 إرتريا- التوق -: رسالة التوق- صوتٌ من قلب المعاناة
Written by Eritrea. Al-Touqባህግና Eri-Bahgna Media 26.04.2026 ደግሲ ጀነራል ጻድቃን ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ: መልሱ ዝደጎየ ሕቶ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
Written by Eri-Bahgna MediaMedia
ዝተለምካዮ መደባት ኮነ ዕላማታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ዝተፈላለዩ ዓቕምታትን መሳለጥያታትን የድሊ። ካብዞም ኣድለይቲ ዓቕምታት እቲ ወሳኒ ውሽጣዊ ብቕዓትን ድልዉነትን እዩ። እዚ ማለት ግና ምስ ካለኦት ሓቢርካ ዝፍጠር ዓቕሚ የለን ማለት ኣይኮነን። ምእንቲ እዚ እዩ ከኣ ተወሳኺ ጉልበት ንምርካብ ምስ ካለኦት ሓቢርካ ተጠቃሚ ኣብ እትኾነሉ ኣትኪልካ ምዝማድ ኣድላይ ዝኸውን።
ውሽጣዊ ዓቕሚ ምፍጣር ኣብ ኢድካ ዘሎ ሰብኣውን ነገራውን ጸጋታት ኣዋዲድካ ክትጥቀመሉ ብምኽኣል ዝጅምር መሰረታዊ ዕማም እዩ። ካብኡ ሓሊፉ፡ “እዚ ኣለኒ” ብዝብል ተስፋን ትጽቢትን ጥራይ ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ወሳኒ ውሽጣዊ ዓቕሚ ኣብ ኢድካ ምስ ዘሎ ራኢን ተጠቃምነትን ተመሳሳልነት ምስ ዘለዎም ወገናት ዘተኣማምን ርትዓዊ ሓድነት ከተረጋግጽ ብምኽኣል ዝግለጽ’ውን እዩ። ሓድነቱ ዘየረጋገጸ ዓቕሚ ግና፥ ዋላ ይብዛሕ “ብዙሕን ጥምዙሕን” ካብ ምዃን ሓሊፉ ናይ ለውጢ መሳርሒ ክኸውን ኣይክእልን። በዚ መሰረት እዩ ከኣ ብዝሒ በይኑ ዘተኣማምን ዘይከውን።
መደባት ማሕበረ-ቁጠባ ኮነ ምሕላው ክብሪ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምውሓስ ገንዘብን ካልእ መሳለጥያታትን ዘለዎም ግደ ዘይዝንጋዕ እዩ። ኣድማዕነት ናይዞም ቀረባት እዚኣቶም ግና ብሓድነትን ኩለ-መዳያዊ ዓቕምን ናይቲ ዘንቀሳቕሶም መሪሕ ኣካልን ዝውሰን እዩ ዝኸውን። ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ’ውን ብዝሒ ሰብ ኮነ ዘመናውነት ኣጽዋር፡ በይኖም ዘዕወቱ ከምዘይኮኑን፡ ውሑድ ግና ድማ ሓድነቱ ኣብ ዝደልደለ ህዝቢ ብዝተሰረተ ዓላማን ንጹር ራኢን ዘለዎ ከም ዝስዕር፡ ሓቅነቱ ኣብ ብዙሓት ተመኩሮታት ዝተራእየ እዩ።
እዚ በቲ ብጽንዓትን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ፡ 30 ዓመታት ኣብ ዝወሰደ ቃልሲ ንናጽነት ዝተረጋገጸ ኣብነት’ዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ንሽሾ ሰራዊትን እልቢ ኣጽዋርን መግዛእቲ በዲሁ መስተንክራውን ታሪኻውን ዓወት ዘረጋገጸ፡ ብብዝሑ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዕጽፍታት ዝወሓደ፡ ብኣጽዋር እውን ዝተበልጸን እናሃለወ ብምዃኑ። እዚ ብኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ብሰንክቲ ናይ ሽዑ ውግእ ኣባላት ቤተሰቡ ዝሰኣነ ኢትዮጵያዊ ወገን እውን ዝርሳዕ ኣይኮነን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ዝሓለፈ ዘይምርስዑ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ህልቂት ንከይድገም ክቃለሰሉ ዝግበኦ እውን እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ፡ ኣብ ርእሲቲ ተመኩሮ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዙሓት ውሑዳትን ሰብ ንጹር መትከልን ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሸፈጥቲ ዝተዓወትሉ ተመሳሰልቲ ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል። ነዊሕ ንድሕሪት ከይተመለስካ ኢራን ኣንጻርቲ ብኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊኣ ዝተኸፍተ ኣዝዩ ኣዕናዊ ውግእ ዘርኣየቶ ናይ ምክልኻል መኸተ ኣንጻር ኣብ ልዕሊኣ ሓዊ ናይ ዘዝንባ ነፈርቲ ውግእን መራክብን ህያው ተጠቅሲ’ዩ። እዚ ብብዝሒ ንዝጀሃር ትምክሕታዊ፡ ጽንዓትን ውሽጣዊ ዓቕምን ብዝተዓጥቀ ክብዳህ ከም ዝኽእል ዘርኢ እዩ። እቲ ወሳኒ ውሽጣዊ ዓቕሚ ምዃኑ ዘመልክት’ውን እዩ። እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ በቲ ሓደ ወገን ልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያን ካብ 5 ሚልዮን ምስ ዘይበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ዝሸመቶ ዘመናዊ ኣጽዋርን ብድሕረት ምስ ዘነኣእሶ ዓቕሚ ኤርትራ ኣወዳዲሩ ክወራዘ ንዕዘቦ ዘለና እውን፡ ካብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣብነት ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን።
ብብዝሒ ህዝቢ ተመኪሑ “ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ዓመት ጥራይ ክንዲ ህዝቢ ኤርትራ እያ ትወልድ” ክሳብ ዝብል ትምክሕታዊ ስምዒት ምብጽሑ ከኣ ክሳብ ክንደይ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮ መንግስታት ኢትዮጵያ ዘየዕወተ ብዝሒ ተሸኺሉ ከምዘሎ ዘርኢ ኮይኑ’ሎ። ብዝሒ ኣጽዋርን ሰራዊትን ብዘይፍትሒ፡ ናይ ዓመጽ መሳርሒ እምበር፡ ኣህጉራዊ ሕግታትን ፍትሓዊ መስርሕን ዝዓጽፍ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ።
ኣብ ኢድካ ዘሎ ዓቕሚ ናብ ሓይሊ ኣማዕቢልካ፡ ናብ ወሳኒ ደረጃ ምብራኹ፡ ክንድቲ ብራኸኡን ግደኡን ምርግጋጹ በዳሂ እዩ። ውሽጣዊ ዓቕሚ ተሰሪሑ ዝወሃበካ ዘይኮነ፡ ግቡእ ዋጋ ንምኽፋል ድልዊ ኮይንካ ኣብ ውሽጥኻ ብዝካየድ ናይ ምብቃዕ ቃልሲ ዝረጋገጽ እዩ። ኤርትራውያን ብሰንክ’ቲ ስልጣን በይኑ ጠቕሊሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝዕንድር ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ወሳኒ ኤርትራዊ ውሽጣዊ ዓቕሚ ዝፈጥር ዘተኣማምን ሓድነት ምርግጋጽ ክሳብ ክንደይ ፈታኒ ኮይኑ ከምዘሎ ንነብሮ ዘለና እዩ።
ኣብ ደንበ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ እውን እዚ ፈተና’ዚ ህልዊ እዩ። እቲ ተስፋ ዝህብ ግና፡ ብፍላይ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ወሳንን ተኣፍፍን እዋን፡ ሓቢሩ ዝስለፍ ቀያሪ ዓቕሚ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ምፍጣር ዘይስገር ቅድመ-ኩነት ምዃኑ ናይ ሓባር ተረድኦ ኣብ ዝኾነሉ ደረጃ ምብጽሕና እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ግንዛበ ኣብ ዝተጠርየሉ ቅሩብነትን ሓልዮትን እንተ ኣሰንይዎ፡ ውጽኢታዊ ምዃን ከም ዝከኣል ዘመላኽት ኮይኑ’ሎ።
ንውሽጣዊ ዓቕምኻ ቀዳምነት ካብ ምሃብን መሰረታዊ ጸገማት ህዝቢ ካብ ምፍታሕን ሃዲምካ፡ ናብ ደገ ዘመዓዱ ኣጀንዳ ብምፍጣር፡ ናይ ህዝቢ ኣቓልቦ ካብ ውሽጣዊ ጉዳዩ ጠምዚዝካ ከተርሕቖ ምፍታን መሰረታዊ ፍታሕ ዘየምጽእ ከንቱ ፈተነ ምዃኑ ኣብ ተመኩሮ ህግደፍን ብልጽግናን ዝረኤ ዘሎ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዮም ከኣ ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ነቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ምስ ዓለምለኻዊ ሕግታት ብምርጻም፡ ኣንጻር ኤርትራን ህዝባን ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶታት፡ ኣቓልቦ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ናይ ምጥምዛዝ ሃቐነ ፈልዮም ዘይርእይዎ ዘለዉ።
ኣብዚ እዋንዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ኣብ ምምሕዳር ዘቤታዊ ጉዳያቱ ኮነ፡ ናብ ኤርትራ ብዘቕንዐ ዕንደራኡ ሒዝዎ ዘሎ ኣፍራሲ ኣቕጣጫ፡ ቅኑዕ ከምዘይጸንሐ ክእመን ከም ዝተገደደ ዘመልክት ምስጢራዊ ገምጋም ኣለዎ ይበሃል ኣሎ። እዚ ግና ብፍላይ ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት፡ ካብቲ ከቃልሖ ዝጸንሐን ዘሎን ዘይሓላፍነታዊ መንገዲ ጠቕሊሉ ክወጽእ እዩ ኢልካ እምነት እተንብረሉ ዘይኮነ፡ ከምቲ “ዝብእሲ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ” ዝበሃል፡ መዳህለሊ ከም ዝኸውን ተገማቲ ኢዩ።