ጅነራል ጻድቃን ገ/ትንሳኤ፡ ምክትል ፕረሲደት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ “ትግራይ ናይ ኤርትራን ትግራይን ዓውዲ ውግእ ክትከውን ኣይትኽእልን እያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ “ኣፍሪቃ ሪፖርተር” ኣብ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ ሰፊሕ ጽሑፍ ኣውጺኡ። ኣብዚ ጽሑፉ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወጥሪ ይሕይል ኣብ ዘለወሉ ክልል ትግራይ ኣብ ማእከል ከም እትቕርቀር ጠቒሱ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝኾነ ግዜ ውግእ ክባራዕ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣስፊሩ።
ብሰንክ’ቲ ውግእ ከም ሱዳን ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ሃገራትን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ተጐቲቶም ናብቲ ውግእ ክኣትዉ ከም ዝኽእሉ ጠቒሱ፡ ትግራይ በቲ ዘለዋ ኣገዳሲ ዓቕሚ ማኣከል ናይቲ ግጭትን ውጽኢቱን ክትከውን ከም እትኽእል ገሊጹ። ከምቲ ንቡር ግና ትግራይ ካብቲ ውግእ ተዓቂባ ንሰላም ክትሰርሕ ይግበኣ ምኽንያቱ ትግራይ ቅድሚ ሕጂ ብውግእ ስለ ዝተሳቐየት ምርጨኣ ንሰላም ምስራሕ ክኸው ስለ ዝግበኦ ኢሉ።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ምቅርራብ ቀስብቀስ እንዳተጸንቀቐ ስለ ዝመጸ፡ ናብ ውግእ ምእታወን ዘይተርፍ እዩ ድሕሪ ምባል ድማ፡ እቲ ናይ ውግእ ምድላዋት ዳርጋ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃኡ ዝበጸሐ ከም ዝመስልን ንድሕሪት ምምላሱ ከምዘይከኣልን ኣብቲ ነዊሕ ጽሑፉ ኣስፊሩ። ብመንጽር’ዚ ትግራይ ኣብ ወሳኒ፡ ጀኦግራፍያዊ፡ ታሪኻውን ባህላውን ከምኡ እውን ፖለቲካዊ መራኸቢ ቦታ ስለ እትርከብ ኣዝያ ብውግእ ዝተሃስየት እያ ክብል ኣስፊሩ።
ትግራይ ካብቲ ጀኦግራፍያዊ ዓቐና ዝያዳ፡ ፖለቲካዊ ኣገዳስነት ስለ ዘለዋ፡ ኣቀማምጠኣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸላዊ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ንጉርብትና ኣብ ዝምልከት እውን ምስ ሱዳንን ኤርትራ ዘራኽብ ዓለምለኻዊ ዶባት ከም ዘለዋን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ከኣ ምስ ኣምሓራን ዓፋርን እትዳወብ ኢሉ።
ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት ክጠቅስ እንከሎ፡ ድማ ኢሳያስን ደገፍቱን፡ ብወተሃደራዊ ኣብነት ንእስራኤል ብቁጠባዊ ዕቤት ሲንጋፖር ከምኡ ድማ ብማሕበራዊ ዕቤት ደንማርክን መሲሎም ክቐርቡ ከም ዝደልዩ ጠቒሱ። ኣስዒቡ ከኣ ነዚ ንምርግጋጽ ኣብ ናቶም ዓቕሚ ዘይኮኑ ዝምርኮሱ፡ ኣብ ሃብቲ ጐረባብቶም ክንጥልጠሉ እዮም ዝደልዩ ክብል ገሊጽዎም። ቀጺሉ ከኣ ስስዐ ኤርትራ ካብ ግዜ ነጻነት ጀሚሩ እናገደደ ክመጽእ ከም ዝጸንሓ ጽሒፉ።
መንግስቲ ኤርትራን ነቲ መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ ውድብን፡ ኣገዳሲነት ትግራይ ስለ ዝፈልጥዎ፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ዘሎ ትግርኛ ዝዛረብ ሓዎም ክዕወቱ ከምዘይክእሉ ስለ ዝርድኡ፡ ኣብ ጸገም ከም ዝርከቡ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይድዎ ውግእ፡ ብዘይትግራይ ክዕወቱስ ይትረፍ ክህልዉ እውን ኣይክእሉን እዮም ይብል።
ድሕሪቲ ቅድሚ ሕጂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓቢሮም ኣንጻራ ዘካየድዎ ኣጽናቲ ውግእ፡ ትግራይ ሎሚ’ውን ናብ ውግእ ክትኣቱ ከገድዳ ከም ዝኽእል ብምጥቃስ፡ ከም ምርጫ ግና ንትግራይ ዘዋጸኣ ነቲ ኣገዳሲ ውዕል ፕሪቶርያ ምትግባር እዩ ይብል እሞ፡ ዋላ’ኳ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሓጺር ግዜ ክውዳእዩ ዝብሉ እንተኾኑ፡ ውግእ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተናወሐ ክኸውን እዩ’ውን ኢሉ።
እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ውግእ፡ ንክንደይ ግዜ ይካየድ ብዘየገድስ፡ ውጽኢቱ ዞባዊ ዕንወት’ውን ከም ዘኸትል ኣስፊሩ፡ ኣተሓሒዙ ከኣ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ናይ ሃገራት ድሕርቲ ውግእ ክቕየር ከም ዝኽእል ዘለዎ እምነት ኣስፊሩ። ኣብ መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ከኸትል ከም ዝኽእል ከኣ ሓቢሩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ ካይካየድ ዝፍረሓሉ ዘሎ ግዜ፡ ዓለም ኣብ ከም ናይ ዩክረይንን ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ዛዕባታት ኣብ ዝተጸምደትሉ ምዃኑ’ውን ኣብቲ ጽሑፉ ኣስፊሩ።
ናይቲ ውግእ ናይ መወዳእታ ዕድል ኣብ ትግራይ ከይከውን ዘለዎ ስግኣት ዝጠቐሰ ጀነራል ጻድቃን፡ በዚ መሰረት ደጊሙ ምርጫ ትግራይ ወግእ ዓጺፍካ ውዕል ፕሪቶርያ ምትግባርን ኣብ ሕውየት ምስራሕን ከም ዝኸውን ጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ህግደፍፍ ብወገኑ ነዚ ገምጋማዊ ጽሕፉ ጀነራል ጻድቃን ገ/ትንሳኤ ብመንገዲ የመነ ገብረመስቀል (ቻርሊ) ናይ ተቓውሞ መልሲ ሂብሉ’ሎ።
ሞት ገዲም ተጋዳላይ ሃነጸ ካሕሳይ ብዘሕዝን ኩነታት ሰሚዕናዮ። ተጋዳላይ ሃነጸ ኣብ 1957 ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ድብድብ ኣብ እትበሃል ዓዲ ተወሊዱ፡ ኣብ ደቀምሓረ ክሳብ መበል 11 ክፍሊ ተማሂሩ። ድሕሪኡ ብዝሓደሮ ሃገራዊ ስምዒት ሃገራዊ ግቡኡ ንክፍጽም ብ1975 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰሊፉ፡ መባእታዊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣብ ናባጋደ ኬቦ ይተባህለ መደበር ምስ ወሰደ ኣብ ሓይሊ 372 ተመዲብዲ እናተቓለሰ ብ1977 ኣብ ሰላዕዳዕሮ ተወጊኡ።
ድሕሪ መውጋእቱ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምጣነ ሃብቲ ክፍሊ ኮኦፐራቲቨ ተመዲቡ ክሳብ ተሓኤ ናብ ሱዳን እትኣቱ ተቓሊሱ። ኣብ 1983 ድማ ኣብ መንጎ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራን ብዝተገብረ ስምምዕ መሰረት ቃልሱ ኣብ ምቕጻል እንከሎ፣ ስዒቡ ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ካብ ዝተኣስሩ ካድራት ሰውራዊ ባይቶ ሓደ ነይሩ። ካብ ማእስርቲ ምስ ወጸ ቃልሱ ብምቕጻል ከኣ ኣብ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ካርቱም ብደረጃ ኣቦመንበር ጫንፈርን ካልእ ጽፍሕታትን ዝተቓለሰ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ህጻናት ነጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ንክረኽቡ ርኡይ ጻዕሪ ካብ ዝገበሩ ካድራት ውድብ ሓደ ነይሩ። ነፍሰ-ሄር ሃነጸ ከም ሰብ ተጻዋታይ፡ ተዋዛያይ፡ ለጋስን ኣብ መትከሉ ጽኑዕን ከም ዝነበረ ከኣ መቓልስቱ እንምስክሮ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ክሳብ ዕለተ ዕርፍቱ ኣብዝኣመነሉ ውድብ ብትብዓ ክቃለስ ጸኒሑ
እንተኾነ ሞት ዘይተርፍ ዕዳ ስለ ዝኾነ፡ እነሆ ብ9 መጋቢት 2025 ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ ዓሪፉ ከምቶም ቅድሚኡ ዝሓለፉ ሓርበኛታት፡ ናይታ ዝተቓለሰላ ሃገሩ ሓመድ ኣዳም ተነፊግዎ፡ ኣብታ ዝዓረፈላ ኡጋንዳ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ሓው ሃነጸ ካሕሳይ ኣብ ቃልሲ ብዝኸፈሎ ዋጋ እናተዘከረ ዝነብር ኮይኑ፡ ብስም ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብዕርፍቱ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ “ንመዋቲ መንግስተ-ሰማያት የዋርሶ፡ ንቤተሰቡን ፈተውቱን ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃቦም” ንብል።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ
8 መጋቢት 2025 ዓለም-ለኸ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ ዝኽበረሉ ኣጋጣሚ፡ ጋዜጠኛ ሄኖክ ተኽለን ተወልደ ስእለን ድማ “ሕጋዊ ህዝባዊ ትካል መራኸቢ ብዙሃን ኤሪፒኤም” ንምምስራት፡ ካብ ዘካይድዎ ዑደታቶም ሓደ ስለ ዝነበረ ዝተረኽብሉ ነይሩ። ምስ ደለይቲ-ፍትሒ ኤርትራውያን ዝወደብዎ ናይ ሓባር ርክብ ኣብ ኦክላንድ ስለ ዝነበረ ብድምቀት ተሰላሲሉ።
ነቲ በዓል ዘሰናድአ ሽማግለ ደለይቲ-ፍትሒ፡ ንተሳተፍቲ ኣኼባ “እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም” ብምባልን ስዉኣት ብምዝካርን 8 መጋቢት 2025 ዓለም-ለኸ መዓልቲ ደቀንስትዮ እውን ብምዝካር ነታ ዕለት ዘለዎ ኣኽብሮት ብምግላጽ ኣኼባ ተኸፊቱ።
ኣማሓደርቲ ኤሪፒኤም ሕጋዊ ህዝባዊ ትካል መራኸቢ ብዙሃን ንምቛም ኣብ ከተማታት ሰሜን ኣመሪካ ዘካይድዎ ዘለዉ ዑደት፡ ድምጺ ውጹዓት ኤርትራውያን፡ ኣካላት ደለይቲ ፍትሒ ምንቅስቓሳትን ውዱባትን ብምዃን ናይ ዜና፥ ሓበሬታ፥ ምንቕቃሕን ምልዕዓልን ተራ ዝጻወት፡ ብፍትሕን ማዕርነትን ንኹሎም ምልኪ ብምልጋስ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ስርዓት ንምትካል ዝቃለሱ ዘተኣናግድ መድረኽ ንምፍጣር ይጉስጉሱ ኣለዉ። እቲ ትካል ሕጋዊ ፍቓድ ብምርካብ፡ ብግዱሳት ተሳተፍቲ ተነዲፉ ብጉባአ ዝጸድቕ ሕጋዊ መምርሕን መሪሕነትን ዝቐውም፥ ዋንነቱን ተሓታትነቱን ድማ ናይ ዘቖሞ ህዝቢ ክኽውን ዝዓለመ እዩ። ናብቲ መደብ ንምስታፍ ዘኽእል መምርሕታትን ቅጥዕታትን ድማ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዓዲሎም።
ተነዲፉ ዘሎ ዕላማን ቅርጻን ትካል ዘርኢ ብዝርዝር ንተሳተፍቲ ኣብሪሆም። ንሕቶታት ተሳተፍቲ መሊሶም፡ ርእይቶታትን ምትብባዕን ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ተቐቢሎምን። እቲ መግለጺ ብዝርዝር ኣብ ቪድዮታት ኤሪፒኤም ስለ ዝርከብ፡ ግዱሳት ካብኡ ክከታተሉን ክግንዘቡን ይኽእሉ። ብተወሳኺ ጋዜጠኛ ሄኖክ ኣብ ዛዛሚ ኣኼባ ምስጋናኡ ንተሳተፍቲ “ብፍላይ ከኣ ንገዳይም ተጋደልቲ ኣብ ዝገበርናዮ ዑደት ትሳተፉን ተተባብዑናን ንስኹም ኢኹም። ንሕና ድማ ዘጽናሕኩምልና ዕላማን ሞያ ቃልሲን ድማ ክንቅጽሎ ኢ”’ ብምባል ሞገሱ ገሊጹ።
ተሳተፍቲ ኣኼባ፥ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ጀብሃን ሻዕብያን ብዝተፈላለዩ ስርዒታዊ ኣገባባት ንሃገራዊ ናጽነትና ዘበርከቱ፡ ከምኡውን ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርና ንምዕቃብ ኣብ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ቃልሲ ዝተሳተፉ፡ ኣብ ምንቅስቓሳት ይኣክልን ብርጌድ ንሓመዱን ዝነጥፉ፡ ብስኒትን ሓልዮትን ንሓርነት ህዝብናን ቅዋማዊ ፍትሓዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካልን ዝቃለሱ ዘለዉ እዮም። መርኣያ ደገፎም ከኣ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼ $11, 000.00 ዶላር ኤሪፒኤም ንምስሳን ተወፍዩ። ኤሪፒኤም እታ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምክትታል ህዝቢ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ እትርከብ መራኸቢ ብዙሃን እያ።
ድሕሪ ኣኼባ ንኽብሪ ዓለም-ለኸ መዓልቲ ደቅንስትዮ ንነፍሲወከፍ ተሳታፊት ዕምባባ ተዓዲሉ፡ ኣብ ማሕበረ-ሰብ በይኤርያ ንጡፍ ተራ ንዝጻወቱ ኣባላት ድማ ናይ ኣፍልጦን ምስጋናን ምስክር ወረቐት ተዓዲሉ። ንኽብሪ ኣጋይሽ ኣማሓደርቲ ኤሪፒኤም ከኣ ኣብ ቤት መግቢ ቀይሕ ባሕሪ ኦክላንድ ሓባራዊ ናይ ድራር እንግዶትን ዕላልን ተኻይዱ።
ኣብ መወዳእታ፡ ንጎስጎስቲ ኣካየድቲ ኤሪፒኤም ዓወት ዘሰነዮ ዑደት ክኾነሎም ብምምናይ፡ ዕዉት ውጽኢታዊ ኣኼባታት ንኽግበር ዘዳለዉ፡ መድረኽ ዝመርሑን ዘወሃሃዱን፡ ትጉሃት ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ በይ-ኤርያ ዕዙዝ ምስጋና ብምቕራብ ተዛዚሙ።
زيارة رئيس حزب الشعي الديمقراطي الرتري الى استراليا
Written by EPDP Information Officeፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራ ሰለስተ ጀነራላት ብግዝያውነት ኣጊዱ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሌ/ ጀ ዮሃንስ ወ/ጊዮርግስ፡ ብ/ ጀ ምግበይ ሃይለ፡ ሌ/ጀ ማሾ በየነ
ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ፡ ብ10 መጋቢት 2025 ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ጀነራላት ግዝያዊ ናይ ምእጋድ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ድምጺ ወያነ ትግራይ ሓቢራ። እቶም ብግዝያውነት ዝተኣገዱ ጀነራላት ሰለስቲኦም መራሕቲ ግንባራት ኮይኖም ክእዝዙ ዝጸንሑ ኮኖም፡ ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ ወልደጊዮር (ጆን መዲድ)፡ ብሪጋዴር ጀነራል ምግበይ ሃይለን ሌተናል ጀነራል ማሾ በየነን እዮም። ንሱ ናብ ነፍሲ ወከፎም ዝጸሓፎ ደብዳበ ተመሳሳሊ ኮይኑ፡ ትሕዝተኦ ከኣ እዚ ዝስዕብ እዩ።
“ካብ ናይ መንግስቲ ውሳነ ወጻኢ፡ መላእ ህዝብና፡ መንእሰያትና፡ ናብ ዕግርግር፡ ሓይልታት ጸጥታ ናብ ሕድሕድ ግጭት ዘኣቱ፡ ኮታስ ህዝብና ናብ ዘይወጾ ዓዘቕቲ ዘእቱ፡ ምንቅስቓስ ሕዚ’ውን ደው ኣይበለን። በዚ መሰረት ንስኹም ኣዘዝቲ ግንባ ካብ 1 መጋቢት 2017 (10 መጋቢት 2025) ጀሚሩ፡ ስርዓት ኣብ ዘለዎ ኣካይዳ ምርድድዳእ ክሳብ ዝግበር፡ ንዘይተወሰነ ግዜ፡ ካብ ናይ ሰራዊት ናይ ምእዛዝ ሓላፍነትኩም ዝተኣገድኹም ምዃንኩም የፍልጥ።” ይብል።
ፕረሲደንት ጌታቸው ረዳ ናይዚ መእገዲ ደብዳበኡ ቅዳሕ፡ ናብ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ምክትል ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ሓላፊ ካቢነ ሰክተር ሰላምን ጸጥታን ከምኡ እውን ናብ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ናይቲ ካቢነ ልኢኹ።
መንእሰያት ናብቲ ዘይውሑስን ዘይሕጋውን ጉዕዞ ባሕሪ እናተዳለዉ
ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ካብ ጅቡቲ ናብ የመን ዘምርሓ ዝነበራ 4ተ ጃላቡ ብጥሓለን ኣሳፊረናኦም ዝነበራ 186 ሰባት ደሃዮም ከም ዝጠፍአ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምፍላጡ ኣልጀዚራ ሓቢራ። ካብዞም 5 የመናውያን መራሕቲ እተን ጀላቡ ዝርከብዎም ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ግዳያት፡ ናይ 2ተ ሰባት ኣስከሬን ጥራይ ከም ዝተረኽበ እቲ ዜና ሓቢሩ። ነዚ ሓደጋ ዝምልከት ሓበሬታ ዝሃበ፡ ወሃቢ ቃል ዓለም ለኻዊ ትካል ስደተኛታት (IOM)፡ ታሚም አለያን ምዃኑ እውን እቲ ዜና ጠቒሱ።
ኣብ የመን ናይቲ ዓለም ለኻዊ ትካል ወኪል፡ ዓብዱሳተር ኢስኮር ብወገኑ፡ እተን ጀላቡ ኣብ ተቐራራቢ ሰዓት ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ሓደጋ ከም ዘጋጠመ ጠቒሱ፡ ናይቲ ሓደጋ ጠንቂ ሓያል ንፋስ ምዃኑ ኣስፊሩ። እተን ጀላቡ ዝተፈላለየ ቁጽሪ ሰባት ኣሳፊረን ከም ዝነበራ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ እቲ ሓደጋታት፡ ካብ ወረዳ ዱህባብ ምምሕዳር የመን ጣዒስ ኣብ ዘይርሕቕ ከባቢ እዩ ተኸሲቱ።
ካብቶም ኣፍሪቃውያን ግዳያት መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ከም ዝነበሩ ዝጠቐሰ እቲ ዜና ኣብ ሓንቲ ካብተን ጃላቡኳ፡ 150 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታትን 4ተ የመናውያንን ከም ዝነበሩ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እዚ ካብ ጅቡቲ ናብ የመን፡ ድሕሪኡ ድማ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ ዝግበር ሓደገኛ ጉዕዞ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ብዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዝውተር ኮይኑ፡ ሓያሎ ግዜ ሓደጋ ዘጋጥመሉ ምዃኑ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ። ኣብ 2023 ጥራይ 97,200 ሰባት በዚ ሓደገኛ መስመር ከም ዝተጓዕዙን እዚ ኣሃዝ ካብቲ ናይ 2021 ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝዛይድን ተጠቒሱ። ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት በዚ ናይ ጂቡቲ-የመን መስመር ጥራይ 2,082 ሰባት ምጥሓሎም እውን ተጸብጺቡ።
በዚ ሓድሽ ጸብጻብ መሰረት፡ እዚ ሓድጋዚ ብፍሉይ ዓይኒ ዝረአ፡ ብሓንሳብ ክንድዚ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ደሃዮም ምጥፋኡ ዘሰንብድ ብምዃኑ ፡ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ድሮ ኣብ ክልል ትግራይ ከባቢ ራያ 9ተ ስድራቤታት ብሓባር ብሞት ደቆም ብ9 መጋቢት 2025 ከም ዝተረድኡ ተፈሊጡ።
ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ኣወስትራልያ ዑደት የካይድ ኣሎ። ኣቦመንበር ሰልፊ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣብ ጀማሪ ዑደቱ፡ ብ9 መጋቢት 2025 እዩ፡ ኣብ ከተማ መልበርን ኣቦመንበር ዞባዊ ሽማግለ ኣወስትራሊያ ምስ ዝርከቦም ኣባላት ሰዲህኤ ኣኼባ ኣካይዱ።
ኣብዚ ፈላሚ ኣኼብኡ፡ ብሓፈሻ ብደረጃ ሰዲህኤን ፖለቲካዊ ሓይልታ ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ክትግበሩ ተታሒዞም ዘለዉ መደባት፡ ብፍላይ ከኣ ጉዳይ ምንቅስቓሳት መንእሰይን ዲፕሎማሲያዊ ርክብን ዝምልከቱ ዛዕባታት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝቕልቀሉ ዘለዉ ጠንቂ ምልዓል ውግእ ከይኾኑ ዘስግኡ ምንቅስቓሳት ብዝምልከት ንተሳተፍቲ ገሊጹ።
ኣብ መብርሂኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ውግእ ስለ ዘይርብሑ፡ “እምቢ ንውግእ፡ ሕራይ ንሰላም” ዝብል ምንቅስቓስ ከካይዱ ከም ዝግበኦም ጠቒሱ። ብሓፈሽኡ ሕብረተ ሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ተጽዕኖ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ዘለዎም መንግስታት እውን እዚ ዝረአ ዘሎ ምስሕሓብ ናብ ውግእ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ብሰላም ዝፍተሓሉ መንገዲ ንምርካብ ጻዕሮም ከሕይሉ ህጹጽ መጸዋዕታታት ምቕራብ ኣድላይ እዩ ኢሉ።
ብዛዕባቲ ብኤርትራውያን መንእሰያት ዝካየድ ዘሎ ማዕበላዊ ቃልሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ከኣ፡ ጉዕዘኦም ብሰንኪ ሕጽረት ተመኩሮን ኣስተብህሎን ከይኩለፍ ምሕጋዞም ኣድላይ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሰዲህኤ ኣብዚ መዳይዚ ንምሕጋዝ ድልዊ ምዃኑ ጠቒሱ። ኣብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ዓለም ዘለዉ ኣባላት ሰዲህኤ ድማ ዓቕሞም ብዝፈቕዶ ናይ ምትሕግጋዝ ግዲኦም ከበርክቱ ኣዘኻኺ። ኣተሓሒዙ መንእሰያት ኣባላት ሰዲህኤ ሰልፎም ናይ ምምራሕ ዓቕሚ ንክድልቡ ይስረሓሉ ከም ዘሎ ኣብሪሁ፡ ንሳቶምውን ነዚ ንምብቃዕን ሓላፍነት ንምስካም ድልውነቶም ከርእዩን ግቡኣቶም ናይ ምፍጻም ቅሩብነት ንክቕጽልዎ ኣዘካኺሩ።
ድሕርቲ ሰፊሕ መብርሂኡ፡ ብኣባላት ንዝቐረቡ ሕቶታት መሊሱ፡ ሓገዝቲ ለበዋታት ከኣ መዝጊቡ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ እቶም ዝተቐበልዎ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ዑደቱ ዕዉት ንክኸውን ንዝገበርዎ ኩለ-መዳያዊ ኣቀባብላ፡ ኣብነታዊ ኣበርክቶን ምቅርራብን ኣመጒሱ። ዑደቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣወስትራልያ ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝገብሮ ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ቀጻሊ ምዃኑ እውን ካብቲ ዝበጻሓና ዜናዊ ጸብጻብ ምርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።
ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝተሳተፍሉ ስሩዕ ኣኼባ ኣባላት ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ሰዲህኤ፡ ብ9 መጋቢት 2025 ተኻይዱ። ኣብዚ ኣባላት ምምሕዳር ካብ ማእከላይ ምስራቅ፡ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዝተሳተፍዎ ኣብ ዓመተ 2025 ንካልኣይ ጊዜ ዝተጋበአ ኣኼባ፡ ብመራኸቢ ብዙሓን እዩ ተቓኒዑ።
ዶክቶር ኣኽሊሉ ግርማይ ኣባል ፈጻሚ ሽማገለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይን ሰዲህኤ፡ ድሕሪ ሰላምታን ንጾመ-ኣርበዓን ሮመዳንን ዘለዎ ሰናይ ትምኒትን ምቓራቡ፡ ድሕሪቲ ዝሓለፈ ርክብ ክሳብዚ ካለኣይ ኣኼባ ዝተሰላሰሉ ስረሓትን ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝዕመሙ ዘለዉ ስረሓትን ዝምልከት ዝርዝር መብርሂ ኣቕሪቡ። ዶር ኣክሊሉ ኣብ መግለጺኡ ኩሉ ምንቅስቓስና ብደረጃ ፖሓኤ ክኸውን እንከሎ ዝያዳ ከም ዘድምዕ ንተሳተፍቲ ምግላጹ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ዝተረኽበ ዜና ጠቒሱ።
ናይቲ ኣኼባ ተሳተፍቲ ንመብርሂ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብጽሞና ድሕሪ ብምስማዕ፡ ኣገደስቲ ርእቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም። ኣብ ለበዋኦም ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ኣባላት ናይተን ንፖሓኤ ዘቆማ ውድባት ኣብ ዝቐልተፈ ተራኺቦም ብሓባር ክሰርሑ ኣድማዒ ከም ዝኸውን ጠቒሶም ነቲ ኣብ መግለጺ ሓላፊ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ዝቐረበ ርእይቶ ደጊፎም። ብመንጽርቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘንጸላሉ ዘሎ፡ ውግእን ወረ ውግእን መሪሕነት ፖሓኤ ውግእ ከስዕቦ ዝኽእል ኩሉ መዳያዊ ክሳራታት ምግንዛብ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ዝያዳ ጻዕርታት ክገብሩን ተጽዕናኦም ከዛይዱን ህጹጽ መጸዋዕታ ንከቕርብ እውን ተሳተፍቲ ምምሕጻኖም ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ።
መበቆል ስም ኤርትራ፡ ሲኑስ ኤሪትርዩስ (Sinus Erythraeus) ዝብል፡ ናይ ግሪኽ ቃል ኮይኑ፡ ትርጉሙ ድማ ቀይሕ ባሕሪ ዝብል ምንባሩ ናይ ታሪኽ ምሁራት ይሰማምዕሉ። ኢጣልያ ካብ 1882 ክሳብ 1889 ኣብ መሬት ኤርትራ ሰላሕታዊ ጉዕዞ ከተካይድ ድሕሪ ምጽናሓ፡ ብ1890 ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓንቲ ሓዳስ ግዝኣት ከም ዝሓዘት ብወግዒ ምስ ኣወጀ። ነታ ሓዳስ ግዝኣታ ከኣ ነቲ ናይ ግሪኽ ቃል ተኸቲላ “ኤርትራ” ኢላ ሰየመታ።
በዚ ከኣ እነሆ መጸውዒ ሃገርና ኤርትራ ኮይኑ ቀጺሉ። ኤርትራውነት ድማ መለልይ ዜግነትና ኮይኑ፡ ኤርትራዊ ሃገርነት ከኣ ኣብ ውሽጥና ዝሰረጸ፡ ንሃገርና ናይ ዘለና ዓሚቚ ፍቕሪ፡ ክብርን ስምዒትን መግለጺ እዩ። ኤርትራውነት ንሃገርና ዘለና ፍቕርን ክብርን እንገልጸሉ ኣምር እምበር፡ ንናይ ካለኦት ዜጋታት ስምዒትን ክብርን እንጸልኣሉ ኣይኮነን።
ኤርትራዊ ዜግነትን ኤርትራውነትን ንምጥፋእ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዝተፈላለዩ ኣካላት ተፈቲኑ ዘይተዓወተ ተጻብኦ እዩ። ቀንዲ ተግባር ናይቲ ብህዝባዊ ቃልሲ ዝሰዓርናዮ ተኸታታሊ መግዛእታዊ ስርዓታት እውን ዕላማኡ ንሱ እዩ ነይሩ። “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን” ዝብል፡ ዝነበረ መግዛእታዊ ቅኒት እውን ናብ ምድምሳስ ኤርትራን ኤትራውነትን ዝዓለመ ምንባሩ፡ ዝባደመ ዓድታት፡ ዝሃለቐን ዝተሰደን ህዝብን፡ ዝጠፍአ ንብረትን ጥሪትን ኤርትራ፡ ኣካል’ቲ ምድምሳስ ኤርትራውነት ምንባሩ ታሪኻዊ ሓቂ እዩ። ኣብዚ ክንጸር ዘለዎ ቁምነገር ድማ፡ “ኤርትራውነት” ታሪኻዊ ባይታ ዘለዎን ንመግዛእታዊ ጭካነን ፈኸራን ብቃልሲ ስዒሩ ዝተኾለዐ መንነት እምበር፡ ብነጻ ዝተለገሰ ህያብ ዘይምዃኑ እዩ።
እዚ ኤርትራውነት ከምቲ ብቓልሲ ህዝቢ ኤርትራን ኩሎም ኤርትራውያን ውዳበታትን ዝተረጋገጸ፡ ኣብ ሕልና ኩሎም ኤርትራውያን ዝሰጸረ ደኣ’በር ንፍሉይ ውድብ፡ ማሕበር፡ ወይ ሃይማኖታዊ፡ ቋንቋውን ካልእን ናይ መንነት ጉጅለን ዝተዓደለ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ ኤርትራውነት ዝምዘዝ ሴፍ ከኣ ኣንጻር ኩሎም ኤርትራውያን ዝዓለመ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ኣብ ሓንቲ ኣብ ትግራይ ከተማ ከተማ መቐለ እናተዳለወት እትዝርጋሕ “ላዛ ትግርኛ” እትበሃል መዲያ፡ ሓደ ተንታኒ ፖለቲካ እየ ባሃሊ፡ “ኤርትራውነት ብበረኪና ድዩ ብኻልእ ክሕጸብ ኣለዎ። እዚ ማለት እቲ ህዝቢ ካብ ኤርትራዊ ዱሲፕሊንን ኤርትራዊ መንነትን ክወጽእ ኣለዎ። ምኽንያቱ ኤርትራውነት ማለት ትግራዋይ ምጽላእ ማለት ስለ ዝኾነ። ኮታ ዲ-ኤርትራናይዘሽን (de-eritreanasation) ክረጋገጽ ኣለዎ” ክብል ተሰሚዑ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ካብ ምእዋጅ ጽንተት ፈሊኻ ክረኤ ዘይክእል መርዚ ዝነዝሐ ተንታኒ፡ ሓደ ካብቶም ትግራይ ኣብ መጻኢ ሃገር ክትከውን እሞ “ካብ ኢትዮጵያውነት ወጺኣ፡ ትግራዋይነት እግሪ ንክተትክል ንቃለስ ኣለና” ዝብሉ ትግራዎት ባእታታት ሓደ ምዃኑ ከኣ፡ ነቲ ጉዳይ ኣዝዩ ዘስደምም ይገብሮ። ክርደኦ ዝነበሮ ከኣ ኤርትራውነት ብደምን ኣዕጽምትን ዝደመቐ፡ ስለዝኾነ፡ ብበረኪና ተሓጺቡ ዝድምሰስ ዘይምዃኑ እዩ።
ምናልባት መንቀሊ ናይዚ ምድማቕ ዩቱብ “ላዛ ትግርኛ” ወይ ድማ፡ ኣብ ልዕሊቲ ኣብ ትግራይ ዘሊሉ ቅድሚ ምእታዉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ደም ዘንበዐ ጉጅለ ህግደፍ ዝሓደሮ ጽልኢ ክኸውን ይኽእል። እዚ ዘሕፍር ኣበሃህላኡ ግና ኣንጻር ህግደፍ ይኹን ካልእ ኤርትራዊ ጉጅለ ዘነጻጸረ ዘይኮነ፡ ኣብ ህልውናን ቀጻልነትን ኤርትራውነት ዘለዎ ክቱር ጽልኢ ዘርኢ እዩ። ምኽንያቱ ኤርትራውነት ኣብ ሕልና ኩሉ ኤርትራዊ ዘሎ፡ እምበር፡ ጽባሕ ንዝሓልፍ ጉጅለ ህግደፍ ዝተዋህበ ፍሉይ ግነዖት ስለ ዘይኮነን። እሞ ድማ ካብቲ “ህዝቢ ትግራይ፡ ናቱ ህልውና ዘለዎ እምበር ንብረት ህወሓት ወይ ካልእ ውዳበ ኣይኮነን” እናበለ ክምጉት ዝውዕል ተንታንን ንሱ ዝዋሰኣሉ መዲያን ከምዚ ዝተጠቕሰ ክስማዕ እንከሎ መመሊሱ የገርም። ነቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ድቕድቕ ናይ ኲናት ጸልማት ምስተዋሕጠ፡ ኣብ ጎኑ ኮይኑ “ዓገብ” ንዝበለ ብዙሕ ኤርትራዊኸ “ብኸመይ እዩ ዝርእዮ?” ዝብል ሕቶ እውን ዘኸትል እዩ።
ዶር ኣብይ ኣሕመድን ንሱ ናይ ዝመርሖ መንግስቲ መድያታትን ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ፡ ኣባትር ከወጣውጡ ዝውዕሉ ዘለዉ፡ ህግደፍ ኣቐዲሙ ከሻድኖምን ኣፍደገ ክኸፍተሎምን ዝጸንሖ ተኸቲሎም ምዃኖም ደጋጊምና እንዝክሮን እነወግዞን እዩ። ተንታኒ መድያ “ላዛ ትግርኛ” እውን፡ ምናልባት ነቲ ገለ ኤርትራውያን ብዝተፈላለዩ መዲያታት ዘቃልሕዎ፡ ንሓድነትን ናይ ቃልሲ ተመኩሮን ህዝቢ ኤርትራ ዘይምጥን፡ ከምኡ ከኣ ንቀጻልነት ኤርትራውነትን ዝጻባእ መግለጽታት ተኸቲሉ ንምርጓድ ዝበሎ ይመስል። ምኽንያቱ ናይቲ ዝበሎ መወከሲ ንክኾንዎ ኣስማት ክልተ ሰለስተ ኣብ መዲያታት ዝነጥፉ ኤርትራውያን ክጠቅስ ስለ ዝተሰምዐ። ስለዚ ከምቲ “ናታ ኣቐሚጣስ ናይ እንዳማታ” ዝበሃል ከይከውን፡ ነቲ ሰፊሕ ኤርትራዊ ምስልን ዜግነትን ንታሕቲ ኣውሪዶም፡ ቋንቋውን ካልእ ትሕቲ ኤርትራዊነት ዝስራዕ ናይ መንነት መርኣያ ንቕድሚት ብምምጻእ ሓድነትና ከዳኽም ዘስግእ ወስታታት ምስማዕ ኣብ ዝተለምደሉ እዋን ዝተባህለ፡ ኤርትራውነት ዘስተናዕቕ ድፍረት ስለ ዝኾነ። ግና ድማ “ንሳቶም ስለ ዝበልዎ ኣነ እንተደገምኩዎ ቅኑዕ እዩ” ምባል ቅቡል መጎት ኣይኮነን።
ህዝቢ ትግራይ ብሓጥያት ሓደ ውድብ ኣይሕተትን ኣይውከልን እዩ” ኢሉ ዝኣምን፡ ፖለቲከኛ’የ ባሃሊ፡ ከመይ ኣቢሉ እዩ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብተግባራት ህግደፍ ተሓታቲ ክገብር ክብል፡ “ኤርትራውነት ካብ ኤርትራውያን ተሓጺቡ ክጠፍእ ኣለዎ” ምባሉ፡ ክሳብ ክንደይ ካብ ክውንነት ከም ዝረሓቐ ምርድኡ ዘጸገም ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ ይጣበቕ ኣለኹ እንዳበልካ፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሳስባ ዝተላዕጠጠን ኣጽናቲ መንፈስ ዝዓብለሎን መልእኽቲ ምትሕልላፍ፡ ቅርሕንቲ ዝዕድም ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናይ ጥዕና ከምዘይኮነ ዘዳዲ ኣይኮነን። እሞ ድማ ህዝቢ ትግራይ፡ ጸላኢ ኣብ ዝዕድመሉ ግዜ ዘይኮነ፡ ፈታውቲ ከብዝሕ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ፡ እቲ ንኤርትራውነት ዘነውር ክሳብ ክንደይ እዩ ንቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝሕግዞ ዘሎ’ውን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእትዎ እዩ።
ስለዚ፡ እዚ ተንታኒ፡ ከምቲ ገለ ተጋሩ ናይ መዲያ ነጠፍቲ እውን ዝበልዎ፡ በቲ ሓደ ወገን ካብ ተደጋጋሚ ወስታታት ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራውነትን ወጺኡ ንዘይሓላፍነታዊ ኣበሃህላኡ ይቕረታ ክሓትት፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ናብ ቀልቡ ተመሊሱ፡ ምእንቲ ነባሪ ሰላም ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓፈሻ፡ ኤርትራን ትግራይን ድማ ብፍይ ኣብ ተረድኦ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣተኲሩ ንክሰርሕ ነተሓሳስቦ።
ወነንቲ መድያታትን ጋዜጠኛታትን እውን፡ መዲያ ክልተ ብልሒ ከምዘለዎ ተገንዚቦም፡ ንግዝያዊ ረብሓ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንነባሪ ናይ ህዝብታት ሰላምን ሰናይ ዝምድናን ክግደሱ ይግበኦም። “ካብ በሃሊኡስ ደጋሚኡ” ንኸይከውን ከኣ፡ ነቶም ዓዲሞም ዘዘራረብዎም ኣጋይሽ ሓላፍነታዊ መንገዲ ብምርኣይ ሞያዊ ስነ-ምግባር ከርእዩ ይግበኦም።
More...
ባህግና Bahgna Media 08.03.2025: ንድርብ ወጽዓ፡ ብድርብ ቃልሲ፡ ብቑዕ መተካእታ ንምፍጣር ንሰጉም
Written by Bahgna MediaMedia
“ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ሕረተሰብ እየን፡ ብዘይተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕወት ሰውራ የለን”፡ ዝብሉ ጭረሖታት ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ምቕያር ሕብረተሰብ ክሳብ ክንደይ ዕዙዝን ብተመኩሮ ዝተረጋገጸን ምዃኑ ዘመልክቱ እዮም። ጓለንስተይቲ ክንድ’ቲ ኣብ ህዝባዊ ዕብየትን ቃልስን ዘለዋ ወሳኒ ብጽሒት፡ ድርብ ወጽዓ ብድርብ ቃልሲ ናይ ምክያድ ሓላፍነታ ከቢድ ምዃኑ ዘመልክት ግንዛበ’ውን እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ድሮ’ቲ “ቕልጡፍ ተግባር” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ ዝዝከር 8 መጋቢት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 2025፡ ንርከብ ስለ ዘለና “እንኳዕ ኣብጸሓክን ኣብጸሓና”።
ኣብዚ እዋንዚ ብሳላቲ ነዊሕ መዋእል ዝወሰደ ቃልስን ንተሳትፎ ጓለንስተይቲ፡ ኣፍልጦ ዝህቡ ስርዓታት በብኩርናዑ ምምስራቶምን፡ ብደረጃ ዓለም ክንርኢ እንከለና፡ ተሳትፎኣ ይብርኽ ምህላዉ ምርዳእ ይከኣከል። በመንጽር ተሳትፎ ኣብ ፓርላማ ኣብነት ንምጥቃ ፡ ኣብ ሩዋንዳ 61.3%፡ ኩባ 53.1%፡ ቦልቪያ 53.1%፡ ሜክሲኮ 48.2%፡ ደቡብ ኣፍሪቃ 42.7%፡ ኡጋንዳ 34% ወንበራት ብደቂ ኣንስትዮ ዝተታሕዘ እዩ። ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ከኣ ብደረጃ ዓለም ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ሓይሊ ኣየር 24.1%፡ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ድማ 21.3% ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን መዛግቲ የርእዩ። እዚ ዝተጠቕሰ ኣሃዛት እኹልዩ ማለት ዘይኮነ፡ ኣብ ዝበረኸ ንምብጻሕ እቲ መንገዲ ተታሒዙ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ።
ኣብ ኤርትራ’ኳ ፓርላማ ስለዘየለ ብዛዕባ ተሳትፎ ዝለዓል ኣይኮነን። ካብታ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ጀግንነት ብምፍጻም እትምጎስ ጓለንስተይቲ ሓንቲ’ኳ ኣብ ወተሃደራዊ መዓርግ ጀነራልነት ዘይምብጸሓ፡ መርኣያ ኤርትራዊት ጓለስተይቲ ክሳብ ክንደይ ካብ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ቃልሲ ዝኸፈለቶ ዋጋ ተነፊጋ ከም ዘላ ዘርኢ እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ግና፡ ህግደፍ ሎሚ እውን ንጓለንስተይቲ ኣብ ልዕልቲ ድርብ ወጽዓ፡ ወጽዓ ብዝድርብ ኣገባብ ካብ ምስታፍ ዓዲ ኣይወዓለን። ኤርትራዊት መንእሰይ ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ኣብ እትጸንሓሉ ዘጋጥማ ሓሳረ መከራ ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ።
ኤርትራዊት ኣብ ግዜ ሰውራ ንወሳኒ ተሳትፎ ጓለንስተይቲ ተግቢራቶ እያ። ኣብ ሃገርና ንዝነበረ ባህላውን ሃይማኖታውን ዕንቅፋታ ፈንጺጋን ንኩሉ ተፈጥሮኣዊ ተጽዕኖታት ተጻዊራን ንትርጉም ማዕርነት ብንቕሓት ተገንዚባ ምስ ወዲ ተባዕታይ ብቑጽሪ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብግብሪ’ውን ኣብ ኩሉ መዳያት ተመዓራርያ ፈጺማቶ እያ። ኹሉ ወዲ ተባዕታይ ዝኸኣሎ ክኢላ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጸብለልታ ዘርኣየትሎም ተመኩሮታት ምንባሮ’ውን ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ሓቂ ከምዚ ክነሱ፡ ብናይ ሓሶት ናይ “ዋዕሮ” መዝሙር ንምትላል ዝግበር ሸርሒ ህግደፍ ከኣ የተዓዛዝብ።
መላእ ህዝቢ ኤርትራ እታ ብቃልሱ ዘረጋገጻ ሃገሩ፡ ከመይ ክትኮነሉ ከም ዝደሊ ዘማዕድዎ ራኢ ነይርዎ እዩ። እንተኾነ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት፡ ብሰንክቲ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ናጽነት ዝተረከበ ደሓር ህግደፍ ዝተባህለ ህዝባዊ ግንባር ዝፈጠሮ ዘይተጸበዮ በሓትነት፡ ኣንጻር ትጽቢቱ ከም ዝኾነት ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እዩ። ስለዚ እያ ድማ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ኣንጻር ትጽቢት እቲ ዝተቓለሰላ መላእ ህዝባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዓለም ደረጃ እውን ናይ ድሕረትን ጥሕሰትን ኣብነት ኮይና እትጠቀስ ሃገር ኮይና ዘላ። ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ እውን ከም ውጽኢት ናይቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ዘካይደቶ ድርብ ቃልሲ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ድርብ ኣወንታ ትጽበ ከም ዝነበረት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት፡ ኣብ ዘዝተወደበቶ ኮይና ዘንጸባረቐቶ ነይሩ። እንተኾነ ብሰንኪ ጥልመት ኢስያስን ጉጅለኡን ሕልማ ኣይተጋህደን። ብግብሪ ከኣ፣ ኣብታ ብቃልሳ ነጻ ዘወጸት ኤርትራ፡ ካብቲ ናብ ቃልሲ ክትወፍር እንከላ ዝነበራ ወጽዓ ብዝገደደ ተደራራቢ ወጽዓታት፡ ኣብ ሃገር ኮነ ኣብ ስደት ብብዙሓት ምጥቃሶም ዘሰክፉ ሕማቕ ተርእዮታት እትሳቐ ዘላ እያ።
ኤርትራ ናይ ሎሚ ካብ ትጽቢት ህዝባ ወጻኢ ምህላዋ፡ እቲ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ህዝቢ ዝሓልፎ ዘሎ መሪር ህይወት ርኡይ ምስክር ኮይኑ፡ ጉዳይ ዲሞክራስን ኩለ-መዳያዊ መሰልን ዘገድሶም ዓበይቲ ትካላት እውን ኣብ ፈቐዶ መድረኽ ኣውያቶም ዘስምዑላ ዘለዉ እያ። እቲ ምረት ዝያዳ ኣብ ልዕሊ ጓለንስተይቲ ዝወርድ ዘሎ ምዃኑ ከኣ ምረት ድርብ ወጽዓ ንዝርዳእ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ልዕሊ’ታ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ንካለኦት ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ዝቃለሳ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ኣብነት ዝኸውን ቅያ ፈጺማ ከተብቅዕ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን በደል፡ ካብ ድርብ ወጽዓ ክትናገፍ ይትረፍስ፡ ተራ ተሳትፎኣ ኣብ ዝተነፍገትሉ እያ እትርከብ።
ህግደፍ ብዘሕፍር ሸፈጥ፡ ብኣጻብዕ ብዝቑጸራ፡ ሕድሪ ሓርበኛታት ኣዴታተን፡ ኣሓተንን ደቀንን ዝጠለማ ባእታታት ሰብ ፍሉይ ሓለፋ ኣሳቲፉ ክወራዘ’ዩ ዝፍትን። ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ግን፡ እቲ “ድርብ ወጽዓ ብድርብ ቃልሲ” ዝብል እምነት ወትሩ ካብ ሕልነኣ ከምዘይወጽእ ርዱእ ኮይኑ፡ 8 መጋቢት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክትዝከር እንከላ ናይ ቃልሲ ሕራነኣ ዝያዳ ከም ዝብርኽ ፍሉጥ እዩ።
ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ኣብ ቅነ 8 መጋቢት ኮይና፡ “ከመይ ኔይረ ኣብ ከመይከ ኣለኹ?” ኢላ ክትሓትት ባህርያዊ እዩ። መልሳ ከኣ “ግደይ ካብ ዝነበሮ ብራኸ ኣንቆልቊሉ” ዝብል ከም ዝኸውን ኩነታታ ዝምስክሮ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝኽሪ ብዛዕባ ብኽመይ ናብቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ዝነበራ ብራኸ፡ ነዚ ህልዊ ኩነታትና ብዝምጥን ትምለስ ክትሓስብ እምበር፡ ስለ ዝጠተልመት ብዘካየደቶ ቃልሲ ክትጠዓስ ከም ዘይግበኣ ፍሉጥ እዩ። ከምቲ ዝተጠልመ ሓርነት ህዝቢ ንምምላስ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ጓለንስተይቲ ንዝካየድ ቃልሲ እውን ብዘይካ ምሕዳሱን ምሕያሉን ካልእ መተካእታ የለን። ደቂ ኣንስትዮ ዘካይዳኦ ዘለዋ ቃልሲ ንተሳትፎ ጥራሕ ዘይኮነ ናብ ማዕረ ክፍሊት ንማዕረ ስራሕ ዝዓለመ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝረአ ዘሎ ግን ንኣገልግሎት ጥራሕ ከም ዝድለያ ክኸውን እንከሎ፡ የሕዝን።
ኣብዚ ምእንቲ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ እንቃለሰሉ ዘለና መድረኽ፡ ድሩትነት ተሳትፎ ጓለንስተይቲ ካብ ዘሻቕሉ ዓበይቲ ብደሆታት ሓደ እዩ። “ብዘይተሳትፎ ጓለንስተይቲ ዝዕወት ሓርነትን ዲሞክራሲን የለን” ዝብል ናይ ብዙሓት እምነት ካብ ኮነ፡ በቲ ብኩራት እትሻቐል ጓለንስተይቲ ጥራይ ዘይኮነት ናይ ኩልና “ናይ ህዝባ ዝኾነት ኤርትራ” እንብህግ ሻቕሎት እዩ። ብፍላይ እተን ሰብ ድርብ ወጽዓ ኤርትራውያን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣርማን መተካእታን ናይተን ሰብ ቅያ ኣደታተን ምዃነን ተረዲደን ኣብ ምብርታዕ’ቲ ክንድቲ ዝድለ ዘይጐልበተ ውዳበታት ደቂ ኣንስትዮ ንክሳተፋ፡ ኣብዚ ቅነ 8 መጋቢት ነዘኻኽረን። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና፡ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ግምትን ቆላሕታን ዝወሃቦ እምበር፡ ካብቲ ቃልሲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ተፈልዩ ዝረኣይ ከምዘይኮነን ኣበርክቶ ኩሉ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ከም ዘድልዮን ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።
8 መጋቢት ስለምንታይ ከም እትዝከር ኣብ በበይኑ ኩርናዕ ዓለም ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ዝረደኣአ ኮይና፡ ግና ድማ ኣብቲ ኣዘኻኽራ፡ ነናብቲ ዝነብራሉ ዘለዋ ሃለዋት ከም ዝቓንይኣ ፍሉጥ እዩ። ብመንጽርዚ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ንጭረሖ “ድርብ ወጽዓ ብድርብ ቃልሲ” ምስቲ ኤርትራን ህዝባን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ህይወት ኣገናዚባ እትበራበረሉ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ።
ኣምኒስት ኢንተርናቲኦናል (Amnesty International)፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ 600 ኤርትራውያን ተገዲዶም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ከም ዝተመልሱ ብምጥቃስ፡ ብሓፈሻ ኣገዲድካ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ከም ዝምለሱ ምግባር ንክኹነን ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።.
ኣምኒስት ኣብቲ ናብ ዓመታዊ ጉባአ ሰብኣዊ መሰል ዘቕረቦ ናይ ቃል ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ብምሕባር፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሃገሮም ወጻኢ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከጋጥሞም ብዛዕባ ዝጸንሐ ሕማቕ ኣጋጣምታት ዘርዚሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ንሓበሬታኡ ከም መወከሲ ዝወስዶ ፍሉይ ተኸታታሊ ሰባብኣዊ ኰነታት ኣብ ኤርትራ፡ በብግዜኡ ከቕርቦ ብዝጸንሐ ጸብጻባት ምዃኑ ብምሕባር፡ ኩነታት ኤርትራውያን ስድተኛታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኣደታትን ህጻናት ዘጋጥም ጸገማት፡ ብዝምልከት ዘቕረቦ ጸብጻብ እዩ። እቲ ሰብኣዊ ትካል ብዛዕባ እቶም ካብ ቱርኪ ተገዲዶም ኣብ መወዳእታ 2024 ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ 180 መንእሰያት እውን ኣብቲ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ዘቕረቦ መተሓሳሰቢ ኣስፊሩ።
ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ኣብቲ ጸብጻቡ፡ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ግዱድን መወዳእታኡ ዘየብሉን ውትህድርናን ብዘይክፍሊት ምዝመዛ ጉልበትን ብዝርዝር ጠቒሱ፡ ካብ እሙናት መዲያታት ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ ብዝብል፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ወርሒ ለካቲት 2025 ጀሚሩ ብሰንክቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፍጠር ዘሎ ወጥሪ፡ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ጐስጓስ የካይድ ከም ዘሎ ኣቃሊዑ።
ኣተሓሒዙ ድማ ኩለን ሃገራት መሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምሕላው፡ ግቡኣተን ንክፍጽማ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ከምኡ ከኣ ካብ 2015 ጀሚሩ ፍሉይ ተኸታታሊ ብምምዛዝ ብዝተገብረ ጻዕሪ ኣብ ኤርትራ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰል ዝተራእየ ምምሕያሽ ከምዘየለ ጠቒሱ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ ሰሜን ጎንደር ኣለምዋጭ ኣብ ዝበሃል መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ወርሒ ጥሪ 2025 ሓሙሽተ ስደተኛታት ብዘይተፈልጡ ሰባት ተጨውዮም ኣስታት 500 ሺሕ ብር ብምኽፋል ከም ዝተፈትሑ ኣብቲ ጸብጻቡ ሓቢሩ።