ሓፈሻዊ ኣኼባ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ12 መስከረም 2025 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ጉዳይ እስራኤልን ፍልጥኤምን ንህላወ ክልተ ሃገራት ኣፍልጦ ብምሃብ ክፍታሕ ይግበኦ ዝብል ውሳነ ብዝለዓለ ድምጺ ከም ዝደገፈ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፈን ካብ ዘድመጻ 164 ሃገራት 142 ነቲ ሓሳብ ደገፍ፡ 10 ተቓውሞን 12 ከኣ ተዓቅቦ ከም ዘመዝገባ እቲ ዜና ሓቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ነታንያሁ እቲ ውሳነ ምስተወሰነ፡ 24 ሰዓታት ኣብ ዘይመልአ ግዜ ነቲ “ፍልጥኤም እትበሃል ሃገር ብፍጹም ኣይትህሉን” ብዝብል ከም ዝነጸጎ ተሓቢሩ።
ነዚ ህላወ ክልተ ሃገራት ዝድፍ “ኣዋጅ ነው ዮርክ” ዝተሰምየ ሓሳብ፡ እዋናውን ንድሕሪት ዘይምለስን ንዝተባህለሉ መፍትሒ፡ ቀንዲ ተቓወምቱ እስራኤል ባዕላን ከም ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝኣመሰላ ናይ ቀረባ መሻርኽታ ሃገራትን ምዃነን ተጠቒሱ።
እቲ ሓፈሻዊ ባይቶ ተመያይጡ ብዝለዓለ ድምጺ ዘጽደቖ እሞ እንተተግቢሩ፡ ኣብ ጋዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጠጠው ኣቢሉ ውሕስነትን ቀጻልነትን ዘለዎ ሰላም ከምጽእ ዝኽል ንእስራኤል ፍልስጥኤም ከም ነጻ ሃገራት ኣፍልጦ ምሃብ ዝብል ሓሳብ ዝሓዘ ብፈረንሳን ሳዑዲ ዕረቢያን ተነዲፉ ዝቐረበ ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ዝጸደቐ ንድፊ ኣብ ጋዛ ኣንጻር እስራኤል ዝዋጋእ ዘሎ ጉጅለ ሓማስ፡ ጅሆ ሒዝዎም ዘሎ እስራኤላውያን ክፈትሕን ዕጥቁ ነቲ ኣፍልጦ ዝወሃቦ መንግስቲ ፍልስጥኤም የረክብን ዝብል ሓሳብ ከም ዝርከቦ ተሓቢሩ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ፍልስጥኤም ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ ፍረንሳን ሳዑድያን ነቲ ክትግበር ዘለዎ ዝበሎ ንድፊ ብሓባር ብምቕራበን ኣመስጊኑ፡ ግቡእ ኣፍልጦ ፍልጥኤም ብዘረጋግጽ ጐበጣ እስራኤል ንከብቅዕ ከም ዝጸውዐ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ። ኣብዚ ኣኼባ ኢትዮጵያ ዕቃበ ከተመዝግብ እንከላ፡ ኤርትራ ግና ምስተን ምጽቃጥ ዝመረጻ እያ ተሰሪዓ።
ባህግና Eri Bahgna Media 14 09 2025፡ ፈሊጡ ዝደቀሰስ ሓርማዝ ነይንቕንቖ፡ ንትማሊ ምርሳዕ፡ ንሎምን ጽባሕንውን ኣየድምዕንዩ።
Written by Eri-BahgnaMedia
ብጸውዒት ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት፡ ኣሜሪካ፡ ግብጺ፡ ሳዑዲ ዓረቢያን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ንሰላም ሱዳን ዝምልከት ሰፊሕን ዓሚቕን ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ፡ ብ12 መስከረም 2025 ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብቲ ድሕሪ ሰፊሕ፡ ምይይጥ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ; ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝኸፍኤ ደረጃ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘስዓበን ንዞባዊ ጸጥታን ምርግጋእን ሓደገኛ ከም ዝኾነን ተጠቒሱ። እቶም ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ሽግር ሱዳን ንከብቅዕ ዝከኣሎም ዘበለ ከም ዝገብሩ ቃል ምእታዎም’ውን ተመልኪቱ።
ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ መፍትሒ ዝበልዎም፡ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣስፊሮም ይርከቡ። ናይ ሱዳን ልኡላውነትን ሓድነትን ንሰላም ወሳኒ ምዃኑ። ሽግር ሱዳን ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዘይፍታሕ ኮይኑ፡ ኩሎም ወገናት ንጽጉማት ሰብኣዊ ረዲኤት ዝቐርበሉ መንገዲ ኣብ ምኽፋት ክተሓባበሩ ወሳኒ ከምዝኾነ፡ መጻኢ ምምሕዳር ሱዳን ህዝቢ ብዝመርጾን ዝውስኖን ኣሳታፊ ክኸውን። ናይ ግዳም ሓይልታት ኣጽዋር ብምቕራብ ውግእ ንኽጋደድ ካብ ዝገብርዎ ኢድ ኣእታውነት ክቑጠቡ። ዝብሉ ከም ዝርከብዎም ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺኦም ኣስፊሮም።
እቶም ሚኒስተራት፡ እዚ ዝተጠቕሰ ውሳነታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ውሕስነት ዘለዎ ተኲሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ክብጻሕ መሰረታዊ ምዃኑ ኣመልኪቶም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ህዝቢ ሱዳን ብጸበብትን ሕሉፋትን ዘይዝወር ሲቪላዊ መንግስቲ ናይ ምምስራት ዕድል ንክህልዎ ኣስሚረምሉ። ኣብ ርእሲዚ እቶም ሚኒስተራት ናይቲ ዘቕረብዎ መፍትሕታት ኣተገባብራ ከም ዝከታተሉ እውን ተሰማሚዖም።
ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ወገናት መንገዲ ሰላም ንክሕዙ ተጽዕኖኦም ከሕይሉ፡ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ድሕንነት ሲቪላውያን ክሕልዉ፡ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ምዝራግ ንክቑጠቡ፡ ኣብ ምምዝባልን ምዝራግን ንዝሳተፉ ናይዚ ዞባ ሓይልታት ካብ ተግባሮም ንክእደቡ፡ ከም ዝሰርሑ ኣብ ስምምዕ ምብጸሖም ከኣ ኣብቲ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺኦም ኣስፊሮም።
እዘን ወገን ፈልየን ኣብ ውግእ ሱዳን ደገፍ ብምቕራብ ብተጻራሪ ተሰሊፈን ዝጸንሐ ኣብዚ ስምምዕ ምብጸሓን ተስፋ ዝህብ ኮይኑ፡ ኤርትራ ወገን ፈልያ ምስ ግብጽን ሱዕድ ዓረብን ተሰሊፋ ዝጸንሐት ክነሳ፡ ኣብዚ ኣሜሪካ ጸዊዓ ዘተሓባበረቶ ኣኼባ ዘይምስታፋ ክሳብ ክንደይ ብኣሜሪካ ትንጸል ከም ዘላ የመልክት።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንመላእ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ንዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ እንኳዕ ናይ ክረምቲ ጸልማትን ደልሃመትን ሓሊፉ፡ ናብ ብርሃን፡ ብፍላይ ድማ ንኣመንቲ ክርስትና ናብ በዓል ቅዱስ ዮሃንስን፡ ሓድሽ ዓመት ግእዝን ብሰላም ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና።
መጻኢና ጸረ ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ስዒርና፡ ዝተረሓሓቐ ህዝብና ተቐራሪቡ፡ ውግእን ወረ ውግእን ተወጊዱ፡ ሰላምን ርግኣትን እነረጋግጸሉ ክኾነልና ብስም ምሪሕነትን መላእ ኣባላትን ሰዲህኤ ዘለኒ ሰናይ ትምኒት እገልጽ።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ
10 መስከረም 2025
ኣብዚ እዋንዚ ስም ኤርትራን ኢትዮጵያን ክለዓል እንከሎ፡ እንተ ብጉርሒ እንተ ብገርሂ ዝፍጠር፡ ኣብቲ ብዛዕባ ኤርትራ ዝበሃል ናይ ኣረዳድኣ ፍልልይ ኣሎ። ካብቲ ፍልልያት ዝንጸባረቐሉ ዘሎ እዋናዊ ኣበሃህላታት፡ ናብ ኤርትራ ገጹ ዝስንዘር ዘሎ መደረታት መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚት ዝጥቀስ እዩ። እንተኾነ ብጽሞናን ብቕንዕናን ንዝከታተል፡ እቲ ኣባላት ዝተፈላለዩ ሕብረተሰብን መድያታትን ኢትዮጵያ ዝጽሕፍዎን ዘንብብዎን ገዲፍካ፡ ቀዳማይ ሚኒስተሮምን ኣብ ዝተፈላለዩ ሲቪላውን ወተሃደራውን ጽፍሕታት ዝርከቡ ላዕለዎት ሓልፍቲ በብግዜኡ እሞ ብዘየሻሙ፡ ኣፎም ደም ክሳብ ዝወጽእ“ሕቶና ናይ ወደብ ተጠቃምነት ዘይኮነስ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ ናትና’ዩ” ዝብልዎ ንምርዳእ ተርጓማይ ዘድልዮ ኣይኮነን።
ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረዳድኣ ዘለዎም ዝመርሕዎ መንግስቲ “ክዛመድ እየ” ዝብል ኤርትራዊ ኣካል፡ ኮነ ኢሉ ዝኣትዎ ዘሎ ደሓር ዘጣዕሶ ምዃኑ ክእመን ይግብኦ እምበር፡ ነቲ ዋናታቱ ዘነጸርዎ ኣባሃህላ ዘይትርጉሙ ብምሃብን ብምጽብባቕን ከቕርቦ ኣይግባእን። ኣብ ርእሲ’ዚ ግጉይ መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ንህዝቢ ናብ ዘየዋጽእ መንገዲ ምምራሕ ምዃኑ ከሎ ጋና ምግንዛብ የድሊ። እቲ ኣበሃህላ ንጹርን ስኑድን ክነሱ፡ ዘይመስል ሕብርታት ቀባቢእካ ንዝሻቐሉ ወገናት ክትጥብር ምፍታን፡ “ንርእስኻ ተጋጊኻ ንኻሎት ምልካም” ስለ ዝኾነ፡ በሃልቱ ቀይሕ መስመር ከይጥሕሱ፡ ብጽሞና ክሓስብሉን ናብ ንቡር ክምለሱን ይግበኦም።
ሓሓሊፉ እውን ካብ ሃገርና ወጻኢ ንቃለስ ስለ ዘለና፡ ጉዳይ ልኡላውነት ቀዳምነትና ኣይኮነን። ልኡላውነት ኣብ ዓድኻ ኮይንካ ጥራይ እተከላኸለሉ ዕማም እዩ ክበሃል ይስማዕ እዩ። ወዮ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን የገድሰኒ ኢልካ እሞ ኣብ ኤርትራ መቃለሲ ባይታ ስኢንካ ኣብ ወጻኢ ኮንካ ንለውጢ እንዳተቓለስካስ፡ “ኣብ ሉኡላውነት በጺሕካ” ነዓይ ዝምልከት ኣይኮነን ብምባል፡ ኣንጻር ልኡላውነትካ ዘንቀደ እሞ ተመሓዘዎ ዘላኻ ወገን ከይተረፈ ክዕዘበካ እዩ። ምኽንያቱ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኣበይ ኮንካን መዓስን ብዘየገስ፡ ኣብ እንግደዓ ኩሉ ደላይ ለውጥን ምዕባለን ኤርትራዊ ዜጋ ዘሎ ጾር እምበር፡ ይጽናሓለይ ዝባሃል፡ ንሓንሳብ ትርዕሞ ንሓንሳብ ከኣ ተዋድቖ ሓላፍነት ኣይኮነን።
እዚ ኩሉ ምስምስ ምስቲ ናይ ምትግባር ዓቕሙ ብዘየገድስ፡ “ልኡላውነት ኤርትራ ከይገሃስኩ ኣይዓርፍን’የ” ዝብል ሓይሊ ንምዝማድ ዝመሃዝ ዘሎ እንተዘይኮኑ፡ ሰኣን ኣፍልጦ ዝመጽአ እዩ ኢልካ ተደዓዕሶ ኣይኮነን። ምናልባት ምስቲ “ንሰውራ ኤርትራን ሓርበኛታቱን፡ ብሽፍትነትን ሸፋቱን” ዝገልጽ ኣተሓሳስባ ዝምድና ከይህልዎ ዝሰግኡ’ውን ብዙሓት እዮም። ነዚ እዩ ከኣ፡ “ፈሊጡ ዝደቀሰሲ ሓርማዝ ነይንቕንቖ ደኣ ከይከውን” ዘብል። “ሎሚ ልኡላውነት ኤርትራኮ ኣብ ኢድ ኤርትራዊ ኣይኮነን ዘሎ ስለዚ ኣብ ኢድና ብዛዕባ ዘየለ ክንግደስ ኣይግበኣናን” ክሳብ ምባል ዝበጽሑ’ውን ይስምዑ’ዮም። ”ኣብ ትሕቲ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ባህሪ ዘለዎ ሓይሊ?” ዝብል ኣዛራቢ ምዃኑ ርዱእ እዩ፡ እንተኾነ “ልኡላውነት ኤርትራ ካብ ዋንነት ወጻኢ ኮይኑ” ኣብ ሃዋሁው ተንጠልጢሉ ዘሎ ከምዘይኮነ ምርዳእ ግድን የድሊ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ኳ፡ “ኤርትራ ድሕሪቲ ህዝባ ኣህጉራዊ ተዓዘብቲ ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ዳርጋ ብምሉእ ድምጺ ነጻነት ዝደገፈሉ ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም)፡ ካብ 28 ጉንበት 1993 ጀሚራ መበል 182 ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ዝተመዝገበት ልኡላዊት ሃገር እይ። ግና ድማ፡ ብሓደ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ዝበሃል፡ እንኮ በሓቲ ፖለቲካዊ ውብድ እትግዛእ ዘላ እያ” ዝብል ምስክርነቱ እዩ ዝህብ። እዚ ምስክርነት’ዚ ንክብርን ልዕልናን ህዝብን ሃገርን ዝወሃብ ቀዋሚ መረጋገጺ እምበር፡ ህግደፍ ክህሉ እንከሎ ዝህሉ፡ ክኸይድ እንከሎ ድማ ሒዝዎ ዝኸይድ ዘይምዃኑ ምግንዛብ ከኣ ካልእ ኣገዳሲ ቁምነገር እዩ። ኣብ ክንዲ ንህግደፍ ተቓሊስካ ምስዓር፡ ንዕኡ ዝረኸብካ መሲሉካ፡ ብኤርትራዊ ሃገራውነትን ልኡላውነትን ምውጋይ መሰረታዊ ገጽ ናይቲ ጌጋ’ዩ።
ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ንናይ ለውጢ ቃልሲ ዘሕይል እምበር ዘዕንቅፍ ኣይኮነን። ምእንቲ’ዚ እዩ ከኣ ምዕቃብ ልኡላውነትን ምዕዋት ናይ ለውጢ ቃልስን ተመላላእቲ እምበር፡ ንሓዲኦም ነጺልካ ምውሳድ ዘየዕውት ዝኸውን። ሃገር ከየውሓስካ “ብናይ መንግስቲ ለውጢ ጥራይ” ኣመሳሚስካ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ከተውሕስ ምሕላም፡ “ግራት ከይሓዝካ ምሩጽ ዘርኢ ከም ምንዳይ” ዝቑጸር ዝንቡዕ ኣቀማምጣ ዛዕባታት እዩ።
ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ድሕሪ ስሩዕ ኣኼባኡ ምክያድ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ፡ ብዝኾነ መንገዲ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ክንውንን ኢና ብዝብል ኣንጻር ልዑላውነት ኤርትራ የለዓዕል ከም ዘሎ ብወግዒ ዝገለጾ’ዩ። እዚ ሕቶዚ ብታሪኻዊ ይኹን ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን መዐቀኒ ቅቡል ስለ ዘይኮነ፡ ከም ዝቃወሞ ኣረጋጊጹ።” ዝበሎ ንገለ ካብቲ ዝንዛሕ ምድንጋራት ንምውጋድ የኽእል’ዩ ብዝብል እዩ።
ነዚ ብዛዕባ ምትፍናን ክልቲአን ሃገራት የማነ ጸጋም ዝገማዳሕ ዘሎ፡ ናብ ንክልቲኡ ህዝብታት ዘየርብሕ ውግእ ከይምዕብል ዘስግእ ተርእዮታት ቅኑዕ መልክዕ ኣብ ምትሓዝ ወሳኒ ዕማም ዝጽበዮ ዘሎ፡ ብሓፈሻ ህዝብና ክኸውን እንከሎ፡ ብፍላይ ከኣ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ቅድሚኡ፡ ሓቢርካ እንተዘይኮይኑ በበይንኻ ዘይስገር ብደሆ ይጽበዮ ከምዘሎ ተደጋጊሙ ዝግለጽ’ዩ። ነዚ ዝምልከት’ውን መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ “1ይ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ፡ 2ይ ምዕቃብ ልዑላውነት፡ 3ይ ምሕላው ሓድነት ህዝብን 4ይ ድማ ምትካል ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ኣብ ዝብሉ 4ተ መሰረታዊ ኣዕኑድ ኣትኪሉ ዝተጠርነፈ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ንምሕያል ዘለዎ ድልዉነት እናረጋገጸ፡ ዝሰፍሐ ጽላል ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ንክምስረት ከም ወትሩ ዕዙዝ ጸዋዒት ኣቕሪቡ።” ኢሉ።
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሓድሽ ፍቕሪ ዝነበረሉ መድረኻት፡ ንሰማዒኡ ብዘደንጸወ መደረታት፡ ብሓፈሻ ንልኡላውነት ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ንወደ ዓሰብን ገማግም ቀይሕ ባሕርናን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኣበሃህልታት ደጋጊሙ ብምቅላሑ ክሳብ ክንደይ ህዝቢ ኤርትራ ተቖጢዑን ተሻቒሉን ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ እውን እቲ ተግባር ብኻለኦት፡ መልክዑ ብዝቐየረ ኣገባብ ከይድገም እሞ ናብ ሓደጋ ዝወስድ ኣንፈት ከይሕዝ፡ ነቲ ኩነታት ብንቕሓትን ኣተኩሮን ንኽከታተሎ ብትሪ ነዘኻኽሮ።
ህንጸቱ ኣብ ወርሒ ማዝያ 2011 ዝተጀመረ ዓብይ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ፡ ብ9 መስከረም 2025 ብወግዒ ተመሪቑ። ኣብቲ ምምራቕ መራሕቲ ኬንያ፡ ጅቡቲ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማሊያን በርባዶስን ከምኡ እውን ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ዋና ጸሓፊ ኢጋድን ወሲኹ ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያንን ወጻእተኛታት ዕዱማት ተረኺቦም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ካብ ዘስመዖ ዘረባ “ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይ ኑክሌር ስራሕ ክትጅምርያ” ዝብል ይርከቦ።
እዚ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንወገን ምዕራብ 718 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ፡ ህንጸቱ 14 ዓመታት ዝወሰደ ሓጽቢ ካብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣስታት 40 ኪሎ ሜተር ርሑቑ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ጉባ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዝተደኮነ፡ ንዓቕሚ ኤለክትሪክ ናይታ ሃገር ብዕጽፊ ከዕብዮ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ።
እዚ 170 ሜትሮ ዝንውሓቱ፡ 145 ሜትሮ ዝውርዱ፡ ኣስታት 74 ቢልዮን ሜትሮ ኪዩብ/ኩቢክ ሜትሮ ማይ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዎ፡ 5,150 ሜጋዋት ዘመንጩ፡ 13 ተርባይት ዘለዎ፡ ንህንጸቱ ከባቢ 5 ቢልዮን ዶላር ዝሓተተ እዩ። ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ሓይሊ ኤለክትሪ ዘመንጩ ሓጽቢ ምዃኑ ከኣ ይንገረሉ። እቲ ናይ ምምንጫው ዓቕሙ ካብ ናይ ግብጺ ሓጽቢ ኣስዋን ዝያዳ ዕጽፊ ምዃኑ ጸብጻብ ቢቢሲ የመልክት።
እቲ ሓጽቢ ብዝዓቖሮ ማይ ተፈጢሩ ዘሎ ቀላይ፡ “ንጋት/ወጋሕታ” ዝብል ስም ተዋሂብዎ። እዚ ሓድሽ ቀላይ ካብቲ ጣና ዝበሃል ዝዓበየ ተፈጥሮኣዊ ቀላይ ኢትዮጵያ ልዕሊ ዕጽፊ ኮይኑ፡ 145 ኪሎ ሜተር ንውሓትን ኣስታት 70 ናእሽቱ ደሴታትን ኣለዎ። ኢትዮጵያ ካብዚ ሓጽቢ ኣብ ዓመት 1 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ክትረክብ ትጽቢት ኣለዋ።
ኢትዮጵያ ነዚ ሓጽቢ ተመርቖ ዘላ፡ ብግብጽን ሱዳንን ተሪር ተቓውሞ ይቐርባ እናሃለወ እያ። ምኽንያቱ ክልቲአን ሃገራት ናይዚ ሓጽቢ ብዘይናታተን ስምምዕ ተሃኒጹ ማይ ምምልኡን ምምሕዳሩን ኣብ ልሊአን ዋሕዲ ማይ ከየጋጥመን ዝሰግኣ ብምዃነን’የ። መንቀሊ ቀላያት ፈለግ ኒል፡ ኣብ ኡጋንዳ ዝርከብ ቪክቶርያን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጣናን እዮም። መዓርፎኡ ከኣ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዘራኽብ ቀላይ መዲተራኒያን እዩ።
ናብዚ 6,650 ኪ/ሜ ዝንውሓቱ ፈለግ ኒል ዝተፈላለየ ዓቐን ማይ ዘበርክታ ሃገራት፡ ዲሞክራሲያዊት ረፐብሊክ ኮንጎ፡ ታንዛንያ፡ ቡሩንዲ፡ ሩዋንዳ፡ ኡጋንዳ፡ ኬንያ፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳንን ግብጽን እየ። ማያዊ ዓቕሚ ፈለግ ኒል ኣብቲ ዝለዓለ ናይ ዝናብ ግዜ 7, 620 ቢልዮን ሜትሮ ኪዩብ/ኩቢክ ሜትሮ ዝበጽሕ ኮይኑ፡ ካብዚ እቲ 85% ካብ ኢትዮጵያ ዝፈስስ እዩ።
ዓረብ ሊግ ኣብ መበል 164 ናይ ሚኒስተራት ኣኼባኡ፡ ብ5 መስከረም 2025 ኢትዮጵያ ኣብ ምምላእን ምምሕዳርን እቲ ዓብይ ሓጽቢ በይናዊ ውሳነ ካብ ምውሳድ ክትቁጠብ ደጊሙ ከም ዝጸውዓ ኢጅብት ቱደይ (Egypt today) ዝተባህለት ጋዜጣ ካብ ካይሮ ኣፍሊጣ።
እቶም ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ዓረብ ሊግ፡ ኣብ መወዳእታ ኣኼባኦም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ናይቲ ሊግ ኣባላት ግብጽን ሱዳንን ናይ ማይ ውሕስነት ንምርግጋጽ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕ ምብጻሕ ህጹጽ ተደላይነት ከም ዘለዎ ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብቲ ዝግበር ስምምዕ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ዕቤት ድሌት ኣብ ግምት ክኣቱ ከም ዝግባእ እውን ኣስሚረምሉ። ብዝተፈልየ መልክዑ ድማ እቲ ኣኼባ ሚንስተራት ብዝኾነ መንገዲ ናይ ግብጽን ሱዳንን ማያዊ ድሕንነት ምወሓስ ኣካል ዓረባዊ ጸጥታ ዝኸውን’ዩ እውን ኢሉ።
ናይ ሱዳንን ግብጽን ማያዊ ድሕንነት ዝጥሓስ ዝኾነ ውሳነ፡ ብዝኾነ መልክዕ ተቐባልነት የብሉን ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ኢትዮጵያ ንግብጽን ሱዳንን ብዝጐድእ ብበይናዊ ውሳነኣ ምቕጸላ ከም ዘሕዘኖም ከኣ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዞም ድማ ስጉምቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብ2025 ኣብ ሱዳን ዝተኸተመ “ናይ ኣጠቓቕማ መትከላት” ዝብል ስምምዕን ዓለምለኻዊ ሕግታትን ዝጠሓሰ እዩ ኢሉ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ዝጠሓሰቶ ሕግታትን ስምምዓትን ተመሊሳ ክትርእዮ ጸዊዑ።
ብዘይካዚ እቲ መዋጸኦ፡ ኩለን ናብ ሩባ ኒል ማይ ዘበርክታ ሃገራት ዝሰማማዓሉ ሓባዊ ስምምዕ ክብጻሕ ምኽኣልዩ ምስበለ እቲ መግለጺ፡ ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳይ ዓረብ ሊግ፡ ኣብ ቀጻኢ ኣኼባኦም ዝረአ ምዕባለታት ብምክትታልን ምቁጽጻርን ነቲ ዛዕባ፡ ናይ ግብጽን ሱዳንን ናይ ማይ ድሕንነት ንምድሓ ኣጀንዳኦም ገይሮም ክሕዝዎ ከም ዝተሰማምዑ ተሓቢሩ። እዚ መግለጺ ሚኒስተራት ዓረብ ሊግ ዝወጽእ ዘሎ፡ ኣብ ድሮ ምምራቕ እቲ ዓብይ ሓጽቢ ኢትዮጵያ ምዃኑ ኣዛራራቢ እዩ።