ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ መስርሕ ቪዛ ናይ ምክያድ ሓላፍነት ዝነበሮም ኤምባሲታቱ ብዝለዓለ ደረጃ ክንኪ መደብ ኣውጺኡ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ብላዕለዎት ሓለፍቲ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ተወሲኑ፡ ኣብ ኣሾሾይት ፕረስ ዝበጸሐ ሰነድ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ወርሒ ሰነ 2026 ዝትግበር ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበረ 50 መስርሕ ቪዛ ዘይካይድ ኤምባሲታትን ኣብያተ-ጽሕፈት ቆንስላን ናብ 20 ዘውርድ እዩ።
Bottom of Form
እቲ መደብ ኣካልቲ ፕረሲደንት ትራምፕ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብመልክዕ ዝተፈላለዩ ቪዛታት ናብ ሃገሩ ከምዘይኣትዉን እንተ ኣትዮም እውን ኣብ ኣሜሪካ ነዊሕ ከምዘይጸንሑ ንምግባሮምን ዘለዎ ድሌት ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዲፕሎማትን ቆንስላትን ኣሜሪካ እዚ ዛዕባ ተላዒሉ ኣገልግሎት ቪዛ ኣብ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ከምዝንኪ ናይ ምግባሩ መደብ ከም ዘሎ እቲ ዜና ጠቒሱ።
መስርሕ ቪዛ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኣሚሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ብዝተወሰነ ገደብ ጉዕዞ ነኪዩ ጸኒሑ እዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ናብ ኣሚሪካ ቪዛ ዝሓትት ሰብ 15 ሺሕ ዶላር ከትሕዝ ምውሳኑ፡ ድሕሪኡ ድማ ብምኽንያት ተላባዒ ሕማም ኢቦላ ዝሰዓበ ገድብ ጉዕዞ፡ ካብቶም ሕቶ ቪዛ ናብ ኣሜሪካ ዘዳኽሙ ዘለዉ ምዃኖም እውን ተሓቢሩ። በዚ ሓድሽ ሕጊ ኣሜሪካ መሰረት ኣፍሪቃውያን ዜጋታት ናብ ኣሚሪካ ዘእቱ ቪዛ ንምሕታት ናብ ሓንቲ ካብተን እቲ መሰል ዝተዋህባ ሃገራት ናይ ምጉዓዝ ብደሆ ከም ዘጋጥሞም ከሎ ጌና ይግለጽ ኣሎ።
ኣተን ቪዛ ከይህባ ዝእገዳ ሃገራት ዝርከብ ኤምባሲታት ኣሜሪካ ብሉእ ብምሉእ ዘይዕጸዋ ኮይኑነን እቶም ኣብኡ ዝተርፉ ሰራሕተኛታት ንኣሜሪካውያን ዜጋታት ፓስፖርት ዘሕድሱ፡ ዝጠፈአ ዝትክኡን ንፍሉያት ዲፕሎማት ኣገልግሎት ቪዛ ዝህቡን ጥራይ ክኾኑ እዮም። መንግስቲ ኣሜሪካ ነዚ ስጉምቲ ክወስድ ካብ ዘገድዶ ካልእ ምኽንያት ጸጥታዊ ኩነታት ምዃኑ እዩ ዝገልጽ ዘሎ።
እተን 20 መስርሕ ቪዛ ናብ ኣሚሪካ ከካይዳ ኣፍልጦ ዝወሃበን ኣምባሲታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ኣቢጃን፡ ኣክራ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ኬፕታውን፡ ዳካር፡ ዳርኤሰላም፡ ጅቡቲ፡ ጆሃንስበርግ፡ ካምፓላ፡ ኪጋሊ፡ ኪንሻሳ፡ ሌጎስ፡ ሎሜ፡ ሉዋንዳ ፡ ማላቦ፡ ሞንሮቪያ፡ ናይሮቢ፡ ፖርትልዊስ፡ ፕራያን ያውንደን ክኾና እየን።
إرتريا- التوق -: رسالة التوق - نظام حكم مغلق، وتأثيرات عابرة للحدود
Written by إرتريا- التوقባህግና Eri Bahgna Media 31.05.2026 መግለጺ ኣቦ መንበር ፖሓኤ፡ ኢሳያስ ብዛዕባ ትራምፕ ገዲፉ፥ ብዛዕባ ነብሱ ግዳ ዘይዛረብ፡ መግለጺ መንእሰያት ሰልፊ
Written by Eri-Bahgna MediaMedia
ብጻይ ወልደየሱስ ዓማር ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ “ሓጺር መእተዊ ፖለቲካዊ ማሕበራትን ከመይነት ናይ ጽባሕ ሰልፍታት ኤርትራን” ብዝብል ኣርእስቲ ብ30 ጉንበት 2026 ንኣባላት ሰልፊ ኣስተምህሮ ሂቡ። እቲ ኣስተምህሮ “ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ሰዲህኤ” ኣብ ዝሰርዖ ወርሓዊ መድረኽ እዩ ተዋሂቡ።
ወልደየሱስ ኣብቲ ኣስተምህሮኡ ንታሪኻዊ ኣመጻጸኣ ሰልፊ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብቲ ቅድም ማሕበር ይበሃል ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ሰልፊ ተመሳሳሊ ርኢቶ ዘለዎም ሰባት ዝምስርትዎ፡ ከም ግንባርን ምንቅስቓስን ኣብ ህልዊ ኩነታት ጥራይ ዘተኩር ዘይኮነ፡ ኣርሒቕካ ናይ ምምዕዳው ከቢድ ሓላፍነት ዘለዎ ውዳበ እዩ ኢሉ።
ሰልፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅርጻን ዝውንን ውዳበ ምዃኑ ብምብራህ ከኣ፡ ሓደ ካብቲ ሰልፊ ዝልለየሉ ንስልጣን ናይ ምውድዳር ተልእኮ ዘለዎ ምዃኑ’ውን ኣስፊሑ ገሊጹ። ስልፍታት ከከም ፖለቲካዊ ባህሪአን ብዝተፈላለየ ኣስማት ከም ዝጽወዓ ከኣ ገሊጹ።
ናይቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ግዜ ህግደፍ ተነዲፉ ዘይተተግበረ ሕጊ ሰልፍታት ዝርዝር ትሕዝቶ ዝምልከት መብርሂ ዝሃበ ብጻይ ወልደየሱ፡ ኣብቲ ናይ 1952 ሕገምንግስቲ ኤርትራ ከኣ “ህዝቢ ፖለቲካዊ ማሕበር ናይ ምምስራት መሰል ኣለዎ” ዝብል ዓንቀጽ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ተዛማዲ ኣብነታት እውን ጠቒሱ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ 40ታት ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ሰልፍታት ብዝሐንን ፖለቲካዊ ባህረአንን ኣመልኪቱ ተንቲኑ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣብ ቅድሜና ዝጽበየና መሰጋገሪ መድረኽ ከም ዝህሉ ጠቒሱ፡ ነቲ ብደሆ ንምስጋር፡ ግደ ምምስራት ዘተኣማምን ሰልፊ ዕዙዝ ምዃኑ ብኣብነታት ናይ ዝተፈላለዩ ተመኩሮታት ኣሰንዩ ገሊጹ። ብምቕጻል ከኣ ግደ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ዝጽበየና ዘሎ ብደሆ ኣብ ዝምልከት እውን ዘርዚሩ።
ብጻይ ወልደየሱስ መግለጺኡ ብምቕጻል ኣብ ኤርትራዊ ኩነታት ከይተደረተ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ሰልፍታት ኣፍሪቃ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ኣብታ ኣህጉር ሃገራት ካብ መግዛእቲ ናጻ ካብ ምውጻእ ሓሊፈን፡ ሰልፍታት በቲ ኣብ ስልጣ ዝመጽእ ኣካል ተዓብሊለን ብሓደ ሰልፊ ስለ ዝበሓታ ኣድማዒ ዓወት ከምዘየመዝገባ ናይ ሃገራት ተመኩሮ ዳህሲሱ።
ድሕሪቲ ሰፊሕ መግለጺ ብጻይ ወልደየሱስ ዓማር፡ ብተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብ ኤርትራ ዘተኣማምና ሰልፍታት ኣብ ምምስራት ዝህሉ ብደሆታ፡ ሰልፍን ፖለቲካዊ ኣይድዮሎጅን፡ ኣብ ዓለምና ዝቀላቐል ዘሎ ናይ ሓይሊ ትርጉምን፡ ምብርባር ሃይማኖታውን ብሄራውን ስምዒታት ብመንጽር ወሳኒ ግደ ሰልፊ፡ ምምሕዳራዊ ምክፍፋል ኣብ ምምስራት ሰልፊ ዝህልዎ ጽልዋ ዝብሉን ዝኣመሰሉን ዛዕባታት ተላዒሎም ሰፊሕ ምይይጥ ብምክያድን ምስቲ ዛዕባ ዝዛመዱ ለበዋታት ብምቕራብን ኣኼባ ተደምዲሙ።
ሕብረት ኤውሮጳ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣይክዕዘብን’ዩ: ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ግና ክዕዘቡ እዮም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤጉጅለ ተዓዘብቲ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ
ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ናጻ ምጥቃም ዘመናዊ መራኸብታትን ተልእኮ ምዕዛብ ብናጻ ምፍጻምን ዝምልከቱ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሰማማዕ ሰለ ዘይከኣለ፡ 7ይ ዙርያ ምርጫ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ከምዘይዕዘብ ኣፍሊጡ።
ዝያዳ ዝርዝር ናይቶም ዘየሰማምዑ ነጥብታት፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዘይ ገደብ ምንቅስቓስ፡ ምስ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ሲቪላዊ ማሕበራትን ወሃብቲ ድምጺ ዜጋትን ብቐጥታ ምርኻብን ሓበሬታታት ብዘይገደብ ምዝርጋሕን ዝብሉ ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ። በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ኣብዞም ዝተጠቕሱ ዛዕባታት ምስ ሕብረት ኤውሮጳ መረዳድኢ ሰነድ ክኽትሙ ፈቓደኛታት ኣይኮኑን።
እቲ ሕብረት ነቲ ምርጫ ንዝዕዘቡ ሲቪካዊ ማሕበራት ንሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያን ሓገዝ ክገብር ከም ዝጸንሐ ግና ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ባሕቲ ሰነ 2026 ዝካየድ 7ይ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ብናይ ቀደም ፕረሲደንት ኬንያ እሁሩ ከኒያታ ዝምራሕ፡ ካብ ኣባላቱ 61% ደቂ ኣንስትዮ ዝኾና 73 ኣባላት ዘለዉዎ ተዓዛቢ ጉጅለ ብምምዳብ ክዕዘብ ተዳልዩ ከምዘሎ ሓቢሩ።
እቲ ሕብረት ነዚ ጉጅለ ዝመደበ፡ ብፈደራላዊ ሪፐብሊክ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ብዝቐረበሉ ወግዓዊ ዕድመ ምዃኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። ናይቲ ተዓዛቢ ጉጅለ ኣባላት፡ ነባራት ኣንበሳድራት፡ ኣብቲ ሕብረት መስርሕ ምርጫ ዝምልከቶም ክኢላታትን ኣባላት ሲቪካዊ ማሕበራትን ከም ዝርከብዎም እውን እቲ ሕብረት ኣፍሊጡ።
ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ተዓዘብቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ተዋፊሮም፡ መስርሕ ኣጀማምራ ምርጫ፡ ኣደማምጻ፡ ኣተዓጻጽዋን ምቑጻር ድምጽን ብቐጻሊ ክዕዘቡ እዮም። እቲ ምዕዛብ ብመንጽር ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዘውጸኦ ቀጥዕታትን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኽተሎ መትከላት ምርጫን ከም ዝካየድ ድማ ተፈሊጡ። እዚ ጉጅለ ተዓዘብቲ 3 ሰነ 2026 ኣፈናዊ ውጽኢት ትዕዝብቱ ዝምልከት መገልጺ ከውጽእ ትጽቢት ይግበረሉ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኢጋድ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ንምዕዛብ ምድላዉ ወዲኡ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ሓቢሩ። ካብ ጅቡቲ፡ ሶማሊያ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ሰዳንን ኡጋንዳን ዝተዋጽኡ ክኢላታት ኣብዚ ዞባዊ ተዓዛቢ ጉጅለ ከም ዝሳተፉ ከኣ ኣፍሊጡ። ናይቲ ተዓዛቢ ጉጅለ ተልእኮ ናይ ኢትዮጵያ ምርጫ ብመንጽር ግሉጽነት፡ ተኣማንነትን ርትዓውነትን ደረጃኡ ዝሓለወ ምዃኑን ዘይምዃኑ ምርግጋጽ ከም ዝኸውን ኢጋድ ኣፍሊጡ።
ሻውዓይ ዙር ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ዝተፈላለዩ መልከዓት ዘለዎ ቅልውላዋት ይዓር ኣብ ዝሃለወሉ ኩነታት እዩ ዝካየድ ዘሎ። በዚ መሰረት ኣብ ክልል ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ኣይካየድን እዩ። ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ድማ ብሰንኪ ቀጻሊ ውግኣት ኣብ ዝተወሰኑ ወረዳታት ምርጫ ኣይካየድን እዩ። ኣብተን ዝተረፋ ክልላት እውን ስግኣታት ኣሎ። ዝተፈላለያ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜናን ፖለቲከኛታትን እውን ነቲ መስርሕ ምርጫ ብትሪ ይነቕፍዎ’ለዉ።
ምስጋና ኣብ ምዝርጋሕ መጻሕፍቲ ንዝተሳተፍኩም፣
ብጾት ኣባላት ሰደህኤን ተሓባበርትን
ዝኸበርከንን ዘኸበርኩምን መጽሓፍ "ተሞክሮ ተሓኤ ንሃገራዊ ናጽነትን ማሕበራዊ ፍትሕን" ካልኣይቲ መጽሓፍ ድማ "ታሪኻዊ ግደ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ" ኣብ ህዝቢ ንኽበጽሕ ብዝገበርኩሞ ድኻምን ጻዕርን እንዳኣመስገና፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ውጻኢቱ $2.000,00 /ክልተ ሽሕ ዶላር/ ንማሕበር ኣካለ-ጽጉማን፤ €3.000,00 /ሰለስተ ሽሕ ኤውሮ/ ድማ ንቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ዋድ ሸፊፎይ ምልጋሱ ዝዝከር’ዩ።
ሕጂ’ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ: ነቶም ኣብ መደበር ማሕበር ኣካለጽጉማን ኤርትራ ዝርከቡ ናይ ውግእን ተፈጥሮዊ ጸገም ዘጋጠሞም ዜጋታት ኣባላት ማሕበር ኣካለ ጽጉማን €2.000,00 /ክልተ ሽሕ ኤውሮ/፡ ንቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ዋድ ሸሪፎይ ድማ $2.000,00 /ክልተ ሽሕ ዶላር/ንኽውዕል ተወፍዩ ከም ዘሎ ክንሕብር ንፈቱ።
ዝተወፈየ ሓገዝ ዋላ’ኳ ከምቲ ዝድለ እንተዘይኮነ፥ “ላምካስ ሒሕ ትበለልካ፥ ዋላ ኣይትታሓለበልካ” ከምዝባሃል፥ ኣብ ክልቲኡ ህዝባዊ ትካላት ዝተወፈየ ሓገዝ ገለ ጸገማት ኣብ ምቅላል ተርኡ ክገብር ከምዝኽእል ትስፉዋት ኢና።
ኣሓትን ኣሕዋትን ብሓበራ፡ ኣብ ምዝርጋሕ ንዘርኣኹሞ ትግሃትን ሓልዮትን ነዚ በጺሕናዮ ዘለና እወንታዊ ውጻኢት ተሓባቢርና ስለዘብጻሕናዮ ደጊምና ነመስግን።
ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ይዓንብብ!!
ኣኽበርትኹም
ድራር መንታይ
ፍስሃየ ሓጎስ
ንጉሰ ጸጋይ
More...
ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ሕድሕዳዊ ውግእ ጠጠው ብምባል ናብ ዲሞክራሲ ከሰጋግር ዘኽእል ዘተ ንምክያድ ምድላዋት ይግበር ከም ዘሎ ምግላጹ ማዕከን ዜና ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ።
ጀነራል ኣልቡርሃን ብምኽንያት መበል 1447 ዒድ ኣል ኣድሃ ንተሳተፍቲ ኣብ ዘመሓለለፎ መልእኽቲ፡ እቲ ተመዲቡ ዘሎ ውሽጣዊ ሱዳናዊ ዘተ፡ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ሰብ ዋኒን ናብ ሓደ ዘምጽእን መሰረት ህንጸት መጻኢት ሱዳን ኣብ ዘንጽፍን ስምምዕ ከብጻሕ ዘለዎ እምነት ኣስፊሩ። ብዘይካዚ እቲ ዘተ ብዛዕባ መጻኢ ምምሕዳራዊ መትከላትን ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ክትልም ዘለዎ ተስፋ ምግላጹ ተሓቢሩ።
ኣብቲ መልእኽቱ ጀነራል ኣልቡርሃን መንግስቲ ሱዳን ኩሉ እቲ ተተሊሙ ዘሎ ዘተ ዘዕውት ዘበለ ክገብር ቅሩብ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እቲ ዘተ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ከም ዝካየድን ኩሎም ኣብ ሱዳን ዘሎ ስቓይ ዘሕምሞምን ናይቲ ቅልውላው ቀንዲ ግዳይ ዝኾኑን ሱዳናውያን ወገናት ከም ዝሳተፍዎን ኣፍሊጡ። እቶም ናብቲ ዘተ ዝዕደሙ ብደም ንጹሃት ሱዳናውያን ዘይሕተቱ ከም ዝኾኑ’ውን ኣመልኪቱ።
ኣብ መወዳእታ መልእኽቱ ከኣ ንውጽኢት ናይቶም ብጉዳይ ሱዳን ፈቐዶ ከተማታት ካለኦት ሃገራት ዝካየዱ ኣኼባታት ውሳነታቶም ዝተዓደጉ ብምዃኖም ከምዘይቅበል ብምግላጽ፡ እቶም ዝብጽሑ ውጽኢታት ብናይ ካለኦት ሃገራት ድሌት ዝተጸልዉ እዮም ኢሉ።
ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ከምዚ ዝኣመሰለ መልእኽቲ የመሓላልፍ እምበር፡ እቲ ኣብ ወርሒ ማዝያ 2023 ዝጀመረ ኣብ መንጎቲ ንሱ ዝመርሓን ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕን ሓይልታት ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግእ ናይ ወጻኢ ኢድ ኣእታውነት’ውን ተወሲኽሞ ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ ምህላዉ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ኤርትራ ጨንፈርት እትኸፍት ዩኒቨርሲቲ ካይሮን ብ2007 ዝተዓጽወት ዩኒቨርሲቲ ኣስመራን
ላዕለዋይ ባይቶ ዩኒቨርሲታት ግብጺ፡ ኣብ ኤርትራ ጨንፈር ክኸፍት ብወግዒ ከም ዝወሰነ፡ ግሎባል ሳት (Global SAT) ዝተባህለት ናይታ ሃገር ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ። እቲ ብሚኒስተር ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ስነፍልጠታዊ ምርምርን ዓብደልዓዚዝ ኮንሶዋ ዝምራሕ ኣካል ነቲ ውሳነ ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣካልቲ ግብጺ ኣፍሪቃዊ ምትእስሳር ትምህርቲ ምስፋሕ እትብሎ መደባ ምዃኑ ምጥቃሱ ተሓቢሩ።
እቲ ስጉምቲ ብቐጥታ ዝምልከቶ ፍሉይ ኮሚተ ክኢላታት ትምህርታዊ ኣካዳሚ ብወገኑ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ጨንፈር ናይ ምኽፋት ውሳነ፡ ናይ ፍልጠትን ዞናዊ ዕቤትን መሰጋገሪ ድንድል ኮይኑ ከም ዘገልግል ኣብቲ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።
እቲ ኮሚተ ንኣተገባብራ እቲ ውሳነ ኣብ ዝምልከት ዝከታተል ብናይ ቅድም ሚኒስተር ልምዓት ግብጽን ፕሮፈሴር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካይሮን ኣሕመድ ዳርዊሽ ዝምራሕ ኣፈጻሚ ኣካል ከም ዝመስረተ ምሕባሩ እቲ ዜና ኣስፊሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ስርዓተ-ትምህርቲ ክሕደስ መምርሒ ከም ዝተዋህበ እውን ተፈሊጡ።
ጉጅለ ህግደፍ ተመሃሮ ብ2001 ኣብ ኣተሓሕዛ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ተቓውሞ ምስ ኣስምዑ ዝእሰር ኣሲሩ ብ2003 ሓደስቲ ተመሃሮ ከይቅበል ወሲኑ። ብ2006 ከኣ እታ ዩኒቨርሲቲ ዝምረቑ ተመሃሮ ጥራይ ሒዛ ከም እትተርፍ ገይሩ። ብ2007 ድማ ምሉእ ብምሉእ ዓጽይዋ። በዚ መሰረት “ኤርትራ ብሕታዊት ዋላ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ዘየብላ ሃገር” ክትበሃል ጸኒሓ። እነሆ ሎሚ ከኣ ኣብ ክንዲ ነታ ዝተዓጽወት ዩኒቨርሲቲ ምብርባር ቀዳምነት ዝህብ፡ ጨንፈር ዩኒቨርሲቲ ካይሮ ኣብ ኣስመራ ክኸፍት።
ባህግና Eri Bahgna Media 26.05.2026 ብምኽንያት መበል 35 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ዝቐረበ መግለጺ ሓው ገረዝግሄር ተወልደ ኣቦ መንበር ፖሓኤ
Written by Eri-Bahgna MediaMedia
መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብ24 ጉንበት 2026 ኣብ ብዙሕ ኩርነዓት ብኤርትራውያን ተዘኪራ ውዒላ። እዛ ዕለት ምስ ዝተፈላለየን ዝተደባለቐን ስምዒታት ኤርትራውያን ክትዝከር እንከላ፡ ትጽቢት ካብ ዝተገብረሎም ሓደ፡ “ኣብታ ዕለት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሎሚኸ እንታይ ኮን ክብል ኢዩ?” ትብል ነይራ። እቲ ትጽቢት ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ነቒልካ ግና፡ “እንታይ ሓድሽ ከየምጽእ” ዝብል ናይ ብዙሓት በቲ ተመኩሮ ዝሓለፉ መደምደምታ ነይሩ። እቲ መደረ ከኣ ብመንጽር ኤርትራዊ ውድዕነት ከምቲ ዝተገመቶ፡ “እንተፈታሕካዮስ ጥራይ ቁጻር” ኮይኑ።
ኢሳያስ ኣብቲ ኣጋጣሚ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ፡ ኣስታት 22 ደቓይቕ ዝወሰደ መደረ እዩ ኣስሚዑ። ኣብ መደርኡ ዝነወሐ ግዜ ዝወሰደሉ ብሓፈሻ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ዝብሎ ኮይኑ፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባቲ ጉዳያት ሃገሩ ከመሓይሽ ዝትስፈወሉ ዝነበረ መራሒ ኣሜሪካ ፕረሲደንት ትራምፕ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ዘተኮረ ነይሩ። ትራምፕ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ሃገራት ንምኽዕባትን ልዕልና ንምርካብን ዘይተኣደነ ገንዘብ ብምብኻን ንልቓሕ ኣሜሪካ ክሳብ 40 ትሪልዮን ዶላር ከም ዘብጸሐ ድማ ኣቃሊዑ።
ኣብ ኢራን፡ ቬንዝወላ፡ ግሪንላንድ፡ ኩባ፡ ካናዳን ሜክሲኮን ይኽተሎ ብዛዕባ ዘሎ ስምዒታዊ ግህሰትን ምዕጻው ወሽመጥ ሆርሙዝን ቁጠባዊ ማህሰይቱን ጠቒሱ። ብፍላይ ተመኩሮ ቨንዝዋላን ኢራንን መግለጺ ዓብልል-ገብት ፖሊሲ ትራምፕ ምዃኑ ኣቃሊዑ። ትራምፕ “ብመን ከማይ” ተነይቱ ዝዕንድርን ኢደወነናዊ ስጉምትታት ብምውሳድ ናይ ዓለምና ሓያል መሲሉ ክቐርብ ነቲ እንደጋና ኣመሪካ ዓባይ ክንገብራ” ንዝብል ጭረሖ ዝምጥን ሓይልን ልዕልና ተክኖለጅን ኣብ ባይታ ከም ዘየለ ብምጥቃስ ከኣ፡ ንትራምፕ ኣነኣኢስዎ። እዚ ነቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ዝምድና ኤርትራን ኣሜሪካን ንምኽዋል ዝቐረበ ዝመስል ኮይኑ፡ ነቲ መደረ ሰሚዖም ብጥሪኡ “እዋይ ኢሳያስ ንትራፕ ዝገበሮ” ዝብሉ ግሩሃት ኣይተሳእኑን።
ኢሳያስ ንትራምፕ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ዝርዝራዊ ኣቀራርባ ብናይ ልኡላውነት ሃገራት ግህሰታትን በይናዊ ስጉምትታትን ክኸሶ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ከም ናይ ቬንዝወላ ዝኣመሰለ ከይውሰድ ስለ ዝሰግአ እዩ ዝብሉ’ኳ እንተለዉ፡ “እቲ ንሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ንቡር ዘየብሉ ግህሰታትከ ይስቆሮዶ ይኸውን?” ዝብል ሕቶ ዘልዕሉ ተዓዘብቲ እውን ብዙሓት እዮም። ብዓብይኡ ከኣ ኣብ ሕልና ኩሉ ኤርትራዊ “ካብ ብናይ ካለኦት ትወራዘ ናትካ ግዳ ዘይትገብር?” ዝብል ስምዒት ኣሕዲሩ ከምዘሎ ዘዛርብ ኣይኮነን። ኢሳያስ ብዛዕባ ኣህጉራን ዞባውን ምዕባለታት ኣይዛረብ እኳ እንተዘይተባህለ፡ ብዛዕባ ዓንዳሪ ተግባራት ትራምፕን ዞባዊ ምዕባለን ክሳብ ክንድዚ ከጭነቕ እንከሎ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ዘቤታዊ ጸገማታን ክሳብ ክንድዚ ዘይምግዳሱ ከኣ፡ ኣተሓሕዛኡ ክሳብ ክንደይ ከም ልማዱ ደገደገ ምባል ይቕጽል ከምዘሎ ዘረድእ እዩ።
እዚ ንኤርትራን ህዝባን ዘሸብር ዘሎ ትምክሕተኛ ዲክታተር፡ ብዛዕባ ብሕጊ ዘይምቕያድን ኣህጉራዊ ስርዓት ዘይምኽባርን ከምኡ እውን ብዛዕባ ኢደ ወነናዊ ስጉምቲ ክዛረብ እንከሎስ እቲ በይናዊ “ሕገመንግስቲ ናይ ምስራዝ፡ መንእሰያት ደረቱ ናብ ዘይፍለጥ ውትህድርና ኣገዲድካ ምእታው፡ ንብዙሓት ኣሲርካ ናብ ፍርዲ ዘይምቕራብ፡ ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ሰሪሖም ከምዘይነብሩ ምግባር” ትዕቢተኛ ተግባሩ ኣይዝከሮን ኣሎ ማለት ድዩ?፡ ብመንጽር’ዚ ኢሳያስ ዓቕምን ዕድልን እንተዝረክብ ከምቲ ትራምፕ “ካብ ዘቤታዊ ምጥሓስ ሕግታት ጀሚሩ፡ ፈቐዶ ሃገራት ዝዕንድሮ ዘሎ፡ ካብ ምግባር ንድሕሪት ኣይመበለን” ዝብል ናይ ብዙሓት ሚዛን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮኡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት እውን ነዚ እዩ ዘመልክት። ነዚ ኣካይዳኡ ትምክሕቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ጥዕና ምጉዳል ጸገም’ውን ዘይተፈልዮ ምዃኑ ዝመዝንዎ ተዓዘብቲ ውሑዳት ኣይኮኑን።
ብዛዕባቲ ህዝቢ ብሰፊሑ ክንገሮ ዝተጸበዮ ዞባዊ ምዕባለ ክዛረብ እንከሎ፡ ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ዘሎ ኩነታት ዘሰክፍ እዩ ኢልዎ። ኤርትራኸ እቲ ብሰንኩ ተዘንጊዑ ዘሎ ዘቤታዊ ጸገማታን ከቢብዋ ዘሎ ኣሉታዊ ጽልዋን ቅልውላውን ዘሰክፍ ኣይኮነን ይብሎ ኣሎ ማለቱ ድዩ?፡ ግደ ሓቂ ግና ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሱር ዝሰደደን ብዙሓት መልከዓት ዘለዎን ፖለቲካዊ፡ ሰብኣውን ቁጠባውን ቅልውላዋት፡ ኢሳያስ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ስለ ዘይተዛረበሉ፡ ካብቲ ኣሳፊሕዎ ዘሎ ኤርትራዊ ባይታ ክውገድ እዩ ማለት ከምዘይኮነ ተገንዚብካ ካብ ምቅላሱ መተካእታ የለን።
መራሒ ህግደፍ ትብዓትን ልቦናን እንተዝህልዎ፡ እቲ ቅድሚት ሰሪዑ ክዛረበሉ ዝነበሮ ቀንዲ ዋኒን ዘቤታዊ ዛዕባ እዩ ነይሩ። ብመንጽር እቲ ርኡይ ህልዊ ኩነታት ብዛዕባ ዘቤታዊ ኩነታት ኤርትራ ምዝራብ ማለት “መንገዲ ክንጸርግ ኢና፡ ኣብ ህንጸት መንበሪ ኣባይቲ ክንሰርሕ ኢና፡ ጽሬት ትምህርቲ ክንሕሉ ኢና፡ ኣብ 2026 መስመራት ማይን ኤክትሪክን ክንዝርግሕ ኢና” ዝብሉ ተሓይኾም ዝተደርበዩ፡ ዓመት መጸት ክስምዑን ብተደጋጋሚ ዝጥለሙን ናይ ሓሶት ቃል ምእታው ኣይኮነን። እንተኾነ ከኣ ኢሳያስ ብዛዕባቲ ዝፍጽሞ በደላትን መዋጸኦታቱን ዘዛርብ ሞራል ከም ዘየብሉ ህዝቢ ኤርትራ እውን ዝጽበዮ እዩ።
ኣይኮነንዶ ኣብ ከም መዓልቲ ናጻነት ዝኣመሰለ ግዜኡ ሓልዩ ዝመጽእ ምኽንያታዊ ኣጋጣሚ፡ መድረኽ ፈጢርካ እውን ክዝረበሉ ብዛዕባ ዝነበሮ፡ ተደጋጋሚ ፈኸራ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብጐቦጐቦን ነቲ ህዝቢ ብዘይርደኦ ኣሽሙርን ዘይኮነ፡ ብግሉጽን ቀጥታዊ መልክዕን ክዛረበሉን ንህዝቢ ኣቕጣጫ ዘትሕዝ መልእኽቲ ክመሓላለፈሉን መተገብኦ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣሜሪካ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ዝመስል ምዕባለ ከም ዘሎ ዝዝረብ ብዙሕ እዩ። ኣብዚ ዛዓብዚ’ውን እቲ ሓቂ እንታይ ምዃኑ ንህዝቢ ኤርትራ ክንገሮ እዋናዊ ነይሩ ግና ኣይተገብረን።
ነቲ “ውሽጡ ሕሩር” እንከሎ ዘርእዮ ምዉቕን ፍሱህን ተሳትፎኡ ተዓዚቦም፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ 35 ዓመታት ንዘቤታዊ መግዛእቲ ህግደፍ ሓንጐፋይ ኢሉ ዝቕበሎ መሲልዎም ዝግረሙ ወገናት ኣለዉ። እንተኾነ ኢሳያስን ጉጅለኡን ደኣ ምስ ክብሪ ናጽነት ኤርትራ ከም ቁርዲድ ተጣቢቖም ምፍላዮም ኣጸጊምዎ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ምዉቕ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ በዓል፡ ንክብሪ እታ ረዚን ዋጋ ዝኸፈለላ ናጽነትን ንዝኽሪ እቶም ቃሎም ዝተጠልመ ሰማእታት ተዘይኮይኑ፡ ወጽዓ ህግደፍ ንምምራቕ ዝዓለመ ከምዘኮነ ክዝንጋዕ የብሉን።