ምስጋና ኣብ ምዝርጋሕ መጻሕፍቲ ንዝተሳተፍኩም፣

 ብጾት ኣባላት ሰደህኤን ተሓባበርትን

ዝኸበርከንን ዘኸበርኩምን መጽሓፍ "ተሞክሮ ተሓኤ ንሃገራዊ ናጽነትን ማሕበራዊ ፍትሕን" ካልኣይቲ መጽሓፍ ድማ "ታሪኻዊ ግደ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ" ኣብ ህዝቢ ንኽበጽሕ ብዝገበርኩሞ ድኻምን ጻዕርን እንዳኣመስገና፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ውጻኢቱ $2.000,00 /ክልተ ሽሕ ዶላር/ ንማሕበር ኣካለ-ጽጉማን፤ €3.000,00 /ሰለስተ ሽሕ ኤውሮ/ ድማ ንቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ዋድ ሸፊፎይ ምልጋሱ ዝዝከር’ዩ።

ሕጂ’ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ: ነቶም ኣብ መደበር ማሕበር ኣካለጽጉማን ኤርትራ ዝርከቡ ናይ ውግእን ተፈጥሮዊ ጸገም ዘጋጠሞም ዜጋታት ኣባላት ማሕበር ኣካለ ጽጉማን €2.000,00 /ክልተ ሽሕ ኤውሮ/፡ ንቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ዋድ ሸሪፎይ ድማ $2.000,00 /ክልተ ሽሕ ዶላር/ንኽውዕል ተወፍዩ ከም ዘሎ ክንሕብር ንፈቱ።

ዝተወፈየ ሓገዝ ዋላ’ኳ ከምቲ ዝድለ እንተዘይኮነ፥ “ላምካስ ሒሕ ትበለልካ፥ ዋላ ኣይትታሓለበልካ” ከምዝባሃል፥ ኣብ ክልቲኡ ህዝባዊ ትካላት ዝተወፈየ ሓገዝ ገለ ጸገማት ኣብ ምቅላል ተርኡ ክገብር ከምዝኽእል ትስፉዋት ኢና።

ኣሓትን ኣሕዋትን ብሓበራ፡ ኣብ ምዝርጋሕ ንዘርኣኹሞ ትግሃትን ሓልዮትን ነዚ በጺሕናዮ ዘለና እወንታዊ ውጻኢት ተሓባቢርና ስለዘብጻሕናዮ ደጊምና ነመስግን።

ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ይዓንብብ!!

ኣኽበርትኹም

ድራር መንታይ

ፍስሃየ ሓጎስ

ንጉሰ ጸጋይ

Saturday, 30 May 2026 00:18

Dimtsi Harnnet Kassel 28.05.2026

Written by

ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ሕድሕዳዊ ውግእ ጠጠው ብምባል ናብ ዲሞክራሲ ከሰጋግር ዘኽእል ዘተ ንምክያድ ምድላዋት ይግበር ከም ዘሎ ምግላጹ ማዕከን ዜና ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ።

ጀነራል ኣልቡርሃን ብምኽንያት መበል 1447 ዒድ ኣል ኣድሃ ንተሳተፍቲ ኣብ ዘመሓለለፎ መልእኽቲ፡ እቲ ተመዲቡ ዘሎ ውሽጣዊ ሱዳናዊ ዘተ፡ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ሰብ ዋኒን ናብ ሓደ ዘምጽእን መሰረት ህንጸት መጻኢት ሱዳን ኣብ ዘንጽፍን ስምምዕ ከብጻሕ ዘለዎ እምነት ኣስፊሩ። ብዘይካዚ እቲ ዘተ ብዛዕባ መጻኢ ምምሕዳራዊ መትከላትን ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ክትልም ዘለዎ ተስፋ ምግላጹ ተሓቢሩ።

ኣብቲ መልእኽቱ ጀነራል ኣልቡርሃን መንግስቲ ሱዳን ኩሉ እቲ ተተሊሙ ዘሎ ዘተ ዘዕውት ዘበለ ክገብር ቅሩብ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እቲ ዘተ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ከም ዝካየድን ኩሎም ኣብ ሱዳን ዘሎ ስቓይ ዘሕምሞምን ናይቲ ቅልውላው ቀንዲ ግዳይ ዝኾኑን ሱዳናውያን ወገናት ከም ዝሳተፍዎን  ኣፍሊጡ። እቶም ናብቲ ዘተ ዝዕደሙ ብደም ንጹሃት ሱዳናውያን ዘይሕተቱ ከም ዝኾኑ’ውን ኣመልኪቱ።

ኣብ መወዳእታ መልእኽቱ ከኣ ንውጽኢት ናይቶም ብጉዳይ ሱዳን ፈቐዶ ከተማታት ካለኦት ሃገራት ዝካየዱ ኣኼባታት ውሳነታቶም ዝተዓደጉ ብምዃኖም ከምዘይቅበል ብምግላጽ፡ እቶም ዝብጽሑ ውጽኢታት ብናይ ካለኦት ሃገራት ድሌት ዝተጸልዉ እዮም ኢሉ።

ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ከምዚ ዝኣመሰለ መልእኽቲ የመሓላልፍ እምበር፡ እቲ ኣብ ወርሒ ማዝያ 2023 ዝጀመረ ኣብ መንጎቲ ንሱ ዝመርሓን ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕን ሓይልታት ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግእ ናይ ወጻኢ ኢድ ኣእታውነት’ውን ተወሲኽሞ ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ  ምህላዉ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ኤርትራ ጨንፈርት እትኸፍት ዩኒቨርሲቲ ካይሮን ብ2007 ዝተዓጽወት ዩኒቨርሲቲ ኣስመራን

ላዕለዋይ ባይቶ ዩኒቨርሲታት ግብጺ፡ ኣብ ኤርትራ ጨንፈር ክኸፍት ብወግዒ ከም ዝወሰነ፡ ግሎባል ሳት (Global SAT) ዝተባህለት ናይታ ሃገር ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ። እቲ ብሚኒስተር ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ስነፍልጠታዊ ምርምርን ዓብደልዓዚዝ ኮንሶዋ ዝምራሕ ኣካል ነቲ ውሳነ ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣካልቲ ግብጺ ኣፍሪቃዊ ምትእስሳር ትምህርቲ ምስፋሕ እትብሎ መደባ ምዃኑ ምጥቃሱ ተሓቢሩ።

እቲ ስጉምቲ ብቐጥታ ዝምልከቶ ፍሉይ ኮሚተ ክኢላታት ትምህርታዊ ኣካዳሚ ብወገኑ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ጨንፈር ናይ ምኽፋት ውሳነ፡ ናይ ፍልጠትን ዞናዊ ዕቤትን መሰጋገሪ  ድንድል ኮይኑ ከም  ዘገልግል ኣብቲ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።

እቲ ኮሚተ ንኣተገባብራ እቲ ውሳነ ኣብ ዝምልከት ዝከታተል ብናይ ቅድም ሚኒስተር ልምዓት ግብጽን ፕሮፈሴር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካይሮን ኣሕመድ ዳርዊሽ ዝምራሕ ኣፈጻሚ ኣካል ከም ዝመስረተ ምሕባሩ እቲ ዜና ኣስፊሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ስርዓተ-ትምህርቲ ክሕደስ መምርሒ ከም ዝተዋህበ እውን ተፈሊጡ።

ጉጅለ ህግደፍ ተመሃሮ ብ2001 ኣብ ኣተሓሕዛ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ተቓውሞ ምስ ኣስምዑ ዝእሰር ኣሲሩ ብ2003 ሓደስቲ ተመሃሮ ከይቅበል ወሲኑ። ብ2006 ከኣ እታ ዩኒቨርሲቲ ዝምረቑ ተመሃሮ ጥራይ ሒዛ ከም እትተርፍ ገይሩ። ብ2007 ድማ ምሉእ ብምሉእ ዓጽይዋ። በዚ መሰረት “ኤርትራ ብሕታዊት ዋላ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ዘየብላ ሃገር” ክትበሃል ጸኒሓ። እነሆ ሎሚ ከኣ ኣብ ክንዲ ነታ ዝተዓጽወት ዩኒቨርሲቲ ምብርባር ቀዳምነት ዝህብ፡ ጨንፈር ዩኒቨርሲቲ ካይሮ ኣብ ኣስመራ ክኸፍት።

መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብ24 ጉንበት 2026 ኣብ ብዙሕ ኩርነዓት ብኤርትራውያን ተዘኪራ ውዒላ። እዛ ዕለት ምስ ዝተፈላለየን ዝተደባለቐን ስምዒታት ኤርትራውያን ክትዝከር እንከላ፡ ትጽቢት ካብ ዝተገብረሎም  ሓደ፡ “ኣብታ ዕለት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሎሚኸ  እንታይ ኮን ክብል ኢዩ?” ትብል ነይራ። እቲ ትጽቢት ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ነቒልካ ግና፡ “እንታይ ሓድሽ ከየምጽእ” ዝብል ናይ  ብዙሓት በቲ ተመኩሮ ዝሓለፉ መደምደምታ ነይሩ። እቲ መደረ ከኣ ብመንጽር ኤርትራዊ ውድዕነት ከምቲ ዝተገመቶ፡ “እንተፈታሕካዮስ ጥራይ ቁጻር” ኮይኑ።

ኢሳያስ ኣብቲ ኣጋጣሚ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ፡ ኣስታት 22 ደቓይቕ ዝወሰደ  መደረ እዩ ኣስሚዑ።  ኣብ መደርኡ ዝነወሐ ግዜ ዝወሰደሉ ብሓፈሻ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ዝብሎ ኮይኑ፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባቲ ጉዳያት ሃገሩ ከመሓይሽ ዝትስፈወሉ ዝነበረ መራሒ ኣሜሪካ ፕረሲደንት ትራምፕ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ዘተኮረ ነይሩ። ትራምፕ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ሃገራት ንምኽዕባትን ልዕልና ንምርካብን  ዘይተኣደነ ገንዘብ ብምብኻን ንልቓሕ ኣሜሪካ ክሳብ 40 ትሪልዮን ዶላር ከም ዘብጸሐ ድማ ኣቃሊዑ።

ኣብ ኢራን፡ ቬንዝወላ፡ ግሪንላንድ፡ ኩባ፡ ካናዳን ሜክሲኮን ይኽተሎ ብዛዕባ ዘሎ ስምዒታዊ ግህሰትን ምዕጻው ወሽመጥ ሆርሙዝን ቁጠባዊ ማህሰይቱን ጠቒሱ። ብፍላይ ተመኩሮ ቨንዝዋላን ኢራንን መግለጺ ዓብልል-ገብት ፖሊሲ ትራምፕ ምዃኑ ኣቃሊዑ። ትራምፕ “ብመን ከማይ” ተነይቱ ዝዕንድርን ኢደወነናዊ ስጉምትታት ብምውሳድ ናይ ዓለምና ሓያል መሲሉ ክቐርብ ነቲ  እንደጋና ኣመሪካ ዓባይ ክንገብራ” ንዝብል ጭረሖ ዝምጥን  ሓይልን ልዕልና ተክኖለጅን ኣብ ባይታ ከም ዘየለ ብምጥቃስ ከኣ፡ ንትራምፕ ኣነኣኢስዎ። እዚ ነቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ዝምድና ኤርትራን ኣሜሪካን ንምኽዋል ዝቐረበ ዝመስል ኮይኑ፡ ነቲ መደረ ሰሚዖም ብጥሪኡ “እዋይ ኢሳያስ ንትራፕ ዝገበሮ” ዝብሉ ግሩሃት ኣይተሳእኑን።

ኢሳያስ ንትራምፕ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ዝርዝራዊ ኣቀራርባ ብናይ ልኡላውነት ሃገራት ግህሰታትን በይናዊ ስጉምትታትን ክኸሶ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ከም ናይ ቬንዝወላ ዝኣመሰለ ከይውሰድ ስለ ዝሰግአ እዩ ዝብሉ’ኳ እንተለዉ፡ “እቲ ንሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ንቡር ዘየብሉ ግህሰታትከ ይስቆሮዶ ይኸውን?” ዝብል ሕቶ ዘልዕሉ  ተዓዘብቲ እውን ብዙሓት እዮም። ብዓብይኡ ከኣ ኣብ ሕልና ኩሉ ኤርትራዊ “ካብ ብናይ ካለኦት ትወራዘ ናትካ ግዳ ዘይትገብር?” ዝብል ስምዒት ኣሕዲሩ ከምዘሎ ዘዛርብ ኣይኮነን። ኢሳያስ ብዛዕባ ኣህጉራን ዞባውን ምዕባለታት ኣይዛረብ እኳ እንተዘይተባህለ፡ ብዛዕባ ዓንዳሪ ተግባራት ትራምፕን ዞባዊ ምዕባለን ክሳብ ክንድዚ ከጭነቕ እንከሎ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ዘቤታዊ ጸገማታን ክሳብ ክንድዚ ዘይምግዳሱ ከኣ፡ ኣተሓሕዛኡ ክሳብ ክንደይ ከም ልማዱ ደገደገ ምባል ይቕጽል ከምዘሎ ዘረድእ እዩ።

እዚ ንኤርትራን ህዝባን ዘሸብር ዘሎ ትምክሕተኛ ዲክታተር፡ ብዛዕባ ብሕጊ ዘይምቕያድን ኣህጉራዊ ስርዓት ዘይምኽባርን ከምኡ እውን ብዛዕባ ኢደ ወነናዊ ስጉምቲ ክዛረብ እንከሎስ እቲ በይናዊ “ሕገመንግስቲ ናይ ምስራዝ፡ መንእሰያት ደረቱ  ናብ ዘይፍለጥ ውትህድርና ኣገዲድካ ምእታው፡ ንብዙሓት ኣሲርካ ናብ ፍርዲ ዘይምቕራብ፡ ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ሰሪሖም ከምዘይነብሩ ምግባር”  ትዕቢተኛ ተግባሩ ኣይዝከሮን ኣሎ ማለት ድዩ?፡ ብመንጽር’ዚ ኢሳያስ ዓቕምን ዕድልን እንተዝረክብ ከምቲ ትራምፕ “ካብ ዘቤታዊ ምጥሓስ ሕግታት ጀሚሩ፡ ፈቐዶ ሃገራት ዝዕንድሮ ዘሎ፡  ካብ ምግባር ንድሕሪት ኣይመበለን” ዝብል ናይ ብዙሓት ሚዛን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮኡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት እውን ነዚ እዩ ዘመልክት። ነዚ ኣካይዳኡ ትምክሕቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ጥዕና ምጉዳል ጸገም’ውን ዘይተፈልዮ ምዃኑ ዝመዝንዎ ተዓዘብቲ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ብዛዕባቲ ህዝቢ ብሰፊሑ ክንገሮ ዝተጸበዮ ዞባዊ ምዕባለ ክዛረብ እንከሎ፡ ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ዘሎ ኩነታት ዘሰክፍ እዩ ኢልዎ። ኤርትራኸ እቲ ብሰንኩ ተዘንጊዑ ዘሎ ዘቤታዊ ጸገማታን ከቢብዋ ዘሎ ኣሉታዊ ጽልዋን ቅልውላውን ዘሰክፍ ኣይኮነን ይብሎ ኣሎ ማለቱ ድዩ?፡ ግደ ሓቂ ግና ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሱር ዝሰደደን ብዙሓት መልከዓት ዘለዎን ፖለቲካዊ፡ ሰብኣውን ቁጠባውን ቅልውላዋት፡ ኢሳያስ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ስለ ዘይተዛረበሉ፡ ካብቲ ኣሳፊሕዎ ዘሎ ኤርትራዊ ባይታ ክውገድ  እዩ ማለት ከምዘይኮነ ተገንዚብካ ካብ ምቅላሱ መተካእታ የለን።

መራሒ ህግደፍ ትብዓትን ልቦናን እንተዝህልዎ፡ እቲ ቅድሚት ሰሪዑ ክዛረበሉ ዝነበሮ ቀንዲ ዋኒን ዘቤታዊ ዛዕባ እዩ ነይሩ። ብመንጽር እቲ ርኡይ ህልዊ ኩነታት ብዛዕባ ዘቤታዊ ኩነታት ኤርትራ ምዝራብ ማለት “መንገዲ ክንጸርግ ኢና፡ ኣብ ህንጸት መንበሪ ኣባይቲ ክንሰርሕ ኢና፡ ጽሬት ትምህርቲ ክንሕሉ ኢና፡ ኣብ 2026 መስመራት ማይን ኤክትሪክን ክንዝርግሕ ኢና” ዝብሉ ተሓይኾም ዝተደርበዩ፡ ዓመት መጸት ክስምዑን ብተደጋጋሚ ዝጥለሙን  ናይ ሓሶት ቃል ምእታው ኣይኮነን። እንተኾነ ከኣ ኢሳያስ ብዛዕባቲ ዝፍጽሞ በደላትን መዋጸኦታቱን ዘዛርብ ሞራል ከም ዘየብሉ ህዝቢ ኤርትራ እውን ዝጽበዮ እዩ።

ኣይኮነንዶ ኣብ ከም መዓልቲ ናጻነት ዝኣመሰለ ግዜኡ ሓልዩ ዝመጽእ ምኽንያታዊ ኣጋጣሚ፡  መድረኽ ፈጢርካ እውን ክዝረበሉ ብዛዕባ ዝነበሮ፡ ተደጋጋሚ ፈኸራ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ  ኣንጻር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብጐቦጐቦን ነቲ ህዝቢ ብዘይርደኦ ኣሽሙርን ዘይኮነ፡ ብግሉጽን ቀጥታዊ መልክዕን ክዛረበሉን ንህዝቢ ኣቕጣጫ ዘትሕዝ መልእኽቲ ክመሓላለፈሉን መተገብኦ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣሜሪካ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ዝመስል ምዕባለ ከም ዘሎ ዝዝረብ ብዙሕ እዩ። ኣብዚ ዛዓብዚ’ውን እቲ ሓቂ እንታይ ምዃኑ ንህዝቢ ኤርትራ ክንገሮ  እዋናዊ ነይሩ ግና ኣይተገብረን።

ነቲ “ውሽጡ ሕሩር” እንከሎ ዘርእዮ ምዉቕን ፍሱህን ተሳትፎኡ ተዓዚቦም፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ 35 ዓመታት ንዘቤታዊ መግዛእቲ ህግደፍ ሓንጐፋይ ኢሉ ዝቕበሎ መሲልዎም ዝግረሙ ወገናት ኣለዉ። እንተኾነ ኢሳያስን ጉጅለኡን ደኣ ምስ ክብሪ ናጽነት ኤርትራ ከም ቁርዲድ ተጣቢቖም ምፍላዮም ኣጸጊምዎ እንተዘይኮይኑ፡  እቲ ምዉቕ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ በዓል፡ ንክብሪ እታ ረዚን ዋጋ ዝኸፈለላ ናጽነትን ንዝኽሪ እቶም ቃሎም ዝተጠልመ ሰማእታት ተዘይኮይኑ፡ ወጽዓ ህግደፍ ንምምራቕ ዝዓለመ ከምዘኮነ ክዝንጋዕ የብሉን።  

23 مايو / أيار 2026

تهنئة جماهير الشعب الإريتري كافة بمناسبة الذكرى الخامسة والثلاثين ليوم الاستقلال،

إن يوم الاستقلال هو ثمرة نضال وتضحيات عظيمة قدمتها أجيال متعاقبة، ولذلك سيظل خالداً ومصوناً إلى الأبد. ومن هذا المنطلق يحتفل شعبنا في الداخل والخارج، كلٌّ بطريقته، بالذكرى الخامسة والثلاثين ليوم الاستقلال.

وباسمي وباسم القوى السياسية الإريترية، أتقدم بأحر التهاني إلى الشعب الإريتري في كل أنحاء العالم.

وعلى وجه الخصوص، في ظل ما تتعرض له سيادة بلادنا من تحديات داخلية وخارجية، وفي وقت تمضي فيه بعض الدول الكبرى في تنفيذ سياسات تتعارض مع القانون الدولي، فإن واجب الدفاع عن سيادة الوطن يقع على عاتق كل مواطن. وهذا لا يعني القبول بالقوة المستبدة التي خانت وعود إقامة نظام دستوري يقوم على سيادة القانون واحترام حقوق الإنسان والتعددية السياسية، وأقامت بدلاً عنه نظاماً استبدادياً. بل إن الواجب يقتضي أن نتحاور فيما بيننا حول كيف وصلنا إلى هذا الواقع، وكيف يمكننا الخلاص من هذا القمع الذي لا حدود له، لنعيش حياة طبيعية وكريمة.

وانطلاقاً من ذلك، أوجه الرسائل التالية:

1. إن شعبنا، سواء قاوم أو لم يقاوم، يعيش واقع الهجرة والسجون والفقر والمرض، وهو أدرى الناس بحقيقة معاناته. لذلك أدعوكم إلى رفض اعتبار هذا الوضع غير الطبيعي أمراً طبيعياً، وإلى كسر حاجز الخوف والرعب، والنهوض للمطالبة بحقوقكم الإنسانية وكرامتكم.

2. أدعو الجيش الإريتري إلى التوقف عن أن يكون أداة بيد النظام الاستبدادي، والوقوف إلى جانب حماية الوطن والنضال العادل لشعبنا.

3. ليس خافياً على أحد أن المرحلة الراهنة، كما كانت بالأمس، تفرض على القوى الوطنية الإريترية أن تتوحد حول الحد الأدنى المشترك، لتمنح شعبنا الأمل وتكون أكثر تأثيراً. ومن هذا المنطلق، أدعو إلى العمل الجاد من أجل إقامة مظلة وطنية واسعة.

4. أدعو الشباب الإريتري المطالب بالعدالة إلى استعادة الوعود التي تم التفريط بها، والعمل من أجل بناء إريتريا يسودها السلام والازدهار، وذلك عبر التنظيم في إطار وطني ديمقراطي، والتعاون مع جميع المناضلين الوطنيين القدامى.

لقد نجح جيل الأربعينيات في إفشال المخطط الاستعماري الرامي إلى تقسيم إريتريا، ورسخ وحدة الوطن. كما أسس أحزاباً سياسية، وآمن بتعددية شعبنا وناضل من أجلها، لكنه لم يستطع الإفلات من المؤامرة الدولية التي فرضت على إريتريا نظام الفيدرالية تحت التاج الإمبراطوري الإثيوبي

أما جيل الستينيات فقد قدم تضحيات جسيمة، وصان الاستقلال وثبت سيادة الوطن، لكنه فشل في ترسيخ سيادة الشعب، بل خان وعود النضال الوطني وأقام نظاماً استبدادياً. ولذلك فإن تحقيق سيادة الشعب القائمة على العدالة والسلام والازدهار أصبح مهمة الجيل الحالي، وأنا على ثقة بأنكم ستكونون على قدر هذه المسؤولية وستنتصرون.

5. إن إريتريا، بحكم موقعها الاستراتيجي ومواردها الطبيعية، أصبحت محط اهتمام العديد من الدول. ولذلك أدعو إلى تحرك دبلوماسي موحد يمنع استغلال انتهاكات حقوق الإنسان كغطاء لترسيخ الاستبداد.

6. أدعو مؤيدي النظام إلى الكف عن ترديد الشعارات بصورة عمياء، واستخدام عقولهم للحكم على الأمور بإنصاف، والقول إن الصواب صواب والخطأ خطأ. وأخص بالذكر الذين يعيشون في الدول الغربية، بأن يرفعوا أصواتهم للمطالبة بإنهاء حرمان شعبنا من حقوقه الإنسانية والديمقراطية، وخاصة الخدمة الوطنية غير المحددة بزمن، واعتقال الناس دون محاكمة، وعدم تقديم المعتقلين إلى القضاء، والأخطر من ذلك حكم البلاد بصورة مؤقتة ودون دستور طوال خمسة وثلاثين عاماً.

7. إن سعي الحكومة الإثيوبية، سواء عبر التراضي أو بالقوة، للحصول على منفذ بحري تملكه بصورة دائمة، يمثل تهديداً للسلام وحسن الجوار. ولذلك أدعو إلى أن يكون أي استفادة إثيوبية من الموانئ قائمة فقط على اتفاقات تستند إلى القانون الدولي للبحار، بما يحقق مصلحة شعبي إريتريا وإثيوبيا معاً. وإن منطقتنا أنهكتها الحروب، وحان الوقت لأن تتوقف.

النصر للنضال الديمقراطي العادل لشعبنا!!

السقوط للنظام الاستبدادي في أسمرا!!

الخلود والمجد لشهدائنا الأبرار!!

 

 

 

 

ለቨርኩዘን፥ ብቤት ጽሕፈት መንእሰያት ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ዝተዳለወ በዓል ናጽነት ኤርትራ ዝቐረበ መግለጺ

ዝኸበርኩምን  ዝኸበርክንን ኣዳለውቲ ናይዚ በዓልን ዕዱማት ኣጋይሽን።

ኣብዚ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ዕለት በዓል ናጽነትዚ ምሳኹምን ኣብ መንጎኹም ኮይነ ብሓጎስ ክጽንብሎ ከሎኹ ዝስማዓኒ ፍስሓ እዝዩ ድሙቕዩ።

እንቋዕ ናብ በዓል ናጽነት ሃገርና ኣብቅዓናን፡ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩምን።

በዓል ነጻነት ኤርትራ ክዝከር ከሎ፡ እቲ ዘይሕለል መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብማዕሪኡ ስለ ዝዝከረካ ፡ ስምዒታት  ኩርዓትን ሓዘንን ዝተሓዛዘሉ ክኾኑ ዘይተርፎ  ኢዩ`ሞ፡ ብቐዳምነት ክብርን ዝኽርን ነቶም ነዚ ሓቂዚ ዘግሃዱ ድመቓት ስዉኣትና። ክብሮምን ዝኽሮም ዘለዓለማዊዩ።

ክቡራት ዕዱማት!

ህዝቢ ኤርትራ እቲ ንነጻነቱ ዝገበሮ ኩሉ መዳያዊ ምርብራብ ዳርጋ ልዕሊ 100 ዓመታት ዝገንበረ’ዩ። ብርግጽ ህዝቢ ኣኤርትራ ብሙሉሏኡ ነቲ ቃንዛ ብሓደ እዋን ኣስተማቒሩዎ ነይሩዩ ንምባል ዘሸግር እዃ እንተኾነ፡ እቲ ሓቂ  ተቐቢሩ ስለ ዘይቅበር ግን፡ ስላ ተቓለስቲ ኤርትራውያን በበእዋኑ እንዳዓኾዀ፡ ዘይተኣደየ ህይወትን ንብረትን ህዝቢ ኤርትራ በሊዑ ብ24 ግንቦት 1991 ንሰራዊት መግዛኣቲ ስዒሩ ነጻነቱ ተጓናጺፉ።

እቲ ብማዕረ ነቲ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ገዛኢ ስርዓት ካብ ምድሪ ኤርትራ ሓግሒግካ ናይ ምልጋስ ዝተገብረ ጥምጥም፡ ነቲ ዳርጋ ን40 ዓመታት ዝኣክል ንዝነበረ ካልኣዊ ግርጭታት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናብ መሰረታዊ በሪ ምዕባለ ብምርሓው ናብ ግቡኡእ መዓርፎታቱ ንምብጻሕ፡  ኩሉ ዓቕምታት ህዝቢ ኤርትራ ጠርኒፍካ ብምስጓም ኣዝያ ምዕብልቲ ሃገር ናይ ምፍጣር ሕልሚ ንግዜኡ ተዓንቒፉ ምህላዉ ናይ ኣደባብይ ምስጢርዩ። እዛ ብዘይተኣደኒ ቃልስን ኒሕን ክዉንቲ ዝገበርናያ ሃገርና ኤርትራ፡ ደጊም  ድሕሪ ነጻነታ ከምቲ እንድለዮ ዝነበርና ዘይኮነስ፡ ብምልክነት ተዋሒጣ ኣብ ኣፍሪቃስ ይትረፍ፡ ንኸባቢኣ`ውን ዘይተብህግ ድውንቲ ሃገር ኮይና ክንርእያ ብርግጽ ንልቢ ዘሎዎ ዘሕዝንዩ። ዜጋታት ብዘይሕግን ፍትሕን ናብ መወዳኣታ ዘይብሎም ኣብያተ ማኣሰርትታ  ዝወርዱላ፡ መንእሰያታ ብዘይውዳእ  ሃገራዊ ኣገልግሎት ተስፋ ስኢኖም ግደ ስደትን ቅዝፈታትን ዝኾኑላ፡ ኣዴታትን ኣቦታትን ዝጥወሮም ስኢኖምን ዝጽቐብሮም ተሳኣኢኑ ንቡር ኣብዘይረኽብላ፡ ቆልዑት ኤርትራ ፍቕሪ ወለዶም  ጡብ ኣዴታቶም  ዝቐበጹላ ሃገር ክትከውን፡ ክትዛረበሉስ ይተርፈ ክትዝክሮ`ውን ዘጽልእ እዩ።

ክቡራት ተሳተፍቲ!

በዚ ኣጋጣሚዚ ክጠቕሶ ዝደልዮ፡ ኤርትራ ትኽፋእ ትጸብቕ ናትና`ያ። እቲ እንደልዮ ጽባቐ ንኽትጎናጸፍ ከምቲ ናይ ቀደም ዘይሕለል  ቃልሲ ይሓትት ኣሎ። ንሕና ሰዲህኤ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጸገም ካብ መሰረቱ ብምምውሓው ኣብ ኣኤርትራ ራህዋ ንኽነግስ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ኩሉ ኤርትራዊ ኢድ ንኢድ ብምትሕሓዝ ተቓሊሱ ንመጀመርታ ንነብሱ ሓራ ብምውጻእ፡ ንኤርትራ`ውን ብሓርነት ክድብሳ መተካእታ ዘይብሉ ስለዝኾነ፡ ነዚ ንምግባር ዝተወደበ ቃልሲ መሰረቱዩ ብምባል ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ቃልሲ ዝጸናሕናን፡ ንመጻኣኢት ኤርትራ ዝበቅዕ ዕላማታትን መትከላትን ኣስፊርና እንቃለስ ዘሎና ኢና። ነዚ ክዉን ንምግባር ግን  ብኣባላት ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ንበይኖም ዝዕወት ስለዘይኮነ፥ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ለውጢ ኣብ ሓደ ናይ ቃልሲ ጽላል ተጠርኒፉ፡ ኣንጻር ምልኪ ንኽቃለስ ንጽባሕ ኣብዘይባሃሎ መድረኽ ምህላውና ተገንዚብና ሃየ ኢደይ ኢድካ ንበል።

ዓወት ንቓልሲ ህዝቢ ኣኤርትራ

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ

እወ፡ ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስን ልምዓትን

ስለዝሰማዕኩምኒ የመስግን

ክብረት ይሃበለ

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ዞባ ኤውሮጵ

  

Page 2 of 648