እዛ ንኣትዋ ዘለና ሓዳስ ዓመት 2026፡ ናይ ሰላም፡ ጥዕናን ቅሳነትን ክትኮነልና፡ ብሓፈሻ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገሩን ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራን ዘለና ሰናይ ትምኒት ንገልጽ።

ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ሃገርናን ክብሪ ህዝብናን  ዝረአ ዘሎ  ዓመጸኛ  ደበና ዝበነላ፡ ከምኡ ድማ ኣብቲ ነካይዶ ዘለና ናይ ሓርነት ቃልሲ፡ ወጽዓን በደልን ህግደፍ ተቐንጢጡ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ህዝብና ዝወሓሰላ ዓመት ክትኮነልና፡   ትምኒትና ዕዝዙ  እዩ።

 በዓል ለደተ-ክርስቶስ ብኣቋጻጽራ ግእዝ ከኣ፡ ከምቲ ናይ 25 ታሕሳስ 2025 ልደት፡ ናይ ቅሳነትን ሓጐስን ክኾነልና ብስም ኩሎም ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ሰዲህኤ ትምኒትና ልዑል ምዃኑ ንገልጸልኩም።

ባሕቲ ጥሪ 2026

እነሆ “2025 ዛዚምና ናብ 2026 ኣብ እንሰጋገረሉእዋን  በጺሕና። በዚ ኣጋጣሚ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ክትኣቱ እንከለኻ፡ መጻኢ ሰናይ ክኾነልካ ምምናይ ንቡር እዩ’ሞ፡ እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2026 በዓላት ልደተ-ጥምቀትን ብሰላም ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም።”  ንብል።

 እዛ መጻእኩኹም ትብል ዘላ ሓዳስ ዓመት፡ ጉዕዞኣ እትጅምረሉ ናይ ግዜ ዑደት መስርዑ ሓልዩ ቀጻሊ እዩ። ወዮ  ምስቲ ዘዝመጸ ናይ ግዜ ምቕይያር ስለ ዘይንስጉምን ኣብ እዋኑ ክፍጸሙ ዘለዎም  ስለ ዘይነተግብርን እዛ ዓመት እዚኣስ ከምቲ “መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ዝበሃል ከይተፈለጠትና’ያ ሓሊፋ” ንብል ኢና። ዘይተሓጐስናላ ዓመት እንተኮይና ከኣ፡ ምናልባት ንናትካ ድኽመት ንምሽፋን እውን፡ እዛ ዓመትዚኣስ እንኳዕ ከደትልና  እንብለሉ ኩነታት’ውን የጋጥም።

ብፍላይ ምስቲ ሃገርናን ህዝብናን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ሕሱም ኩነታት ክንመዝኖ  እንከለና፡ ዓመት መጸት ነቲ ዝጽበየና ናይ ሰላምን ብሓባር ምውፋርን ስለ ዘይበቓዕናዮ፡ “መጻኢ ይቕደወና”  ኢልና ኢና ነፋንዋ። እቲ ምቕዳውን ዘይምቕዳውን ግና ካብቶም ተውሳእቲ እምበር፡ ካብቲ ወትሩ ዘይቕየር ሰሙናትን ኣዋርሕን ከምዘይኮነ ምግንዛብ የድሊ።

እቲ ናይ ዓመታት ምትኽኻእ፡ ክንስዕቦ እንተዘይኮይና ጠጠው ከነብሎ ኮነ፡ ከነቐልጥፎ ወይ’ውን ከነደንጉዮ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ንሕና ኣብ ናይ ጉዕዞ መስርሕ ክንገብሮ ዝግበኣና ከምቲ ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ ዝበሃል፡ ነቲ ብተፈጥሮ ብናጻ ዝተዋህበና ናይ ግዜ ህያብ ዘይምብኻን ኣብ ኣጠቓቕማኡ ምውሕላልን ምስትውዓልን እዩ። ኣብ ምትኽኻእ ዘለዋ ሓላፊትን ተካኢትን ዓመታት ዝረኻኸበኦ ዕማም ኣለወን። ንሱ ድማ እቲ ንሕና እንጐዓዞ መስርሕ እዩ። ምእንቲዚ እዩ ድማ፡ ኣብ መጻኢ ዕዉታት ንክንከውን፡ ኣብ ባሕቲ ሓድሽ ዓመት ኮይና ሰናይ ናይ ዓወት ትምኒት እንገልጽ። ኣብቲ መስርሕ ክንድቲ ንምነዮዶ ንተግህ ወይ ኣይፋልናን?” ከኣ ብተመኩሮ ከም ዝተዓዘብናዮ ብዳሂ እዩ። ብናትና ድኽመት ኮነ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ብዝኾኑ ወድዓዊ ምኽንያታት ውጽኢትና ኣንጻርቲ ዝተመነናዮ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ  ብዙሕ እዩ።

ኣብ ዓመተ 2025፡ ኤርትራን ህዝባን ከመይ ከም ዝሓለፍዎ  ኩልና ክንከታተሎ ጸኒሕና ኢና። ነቶም ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጦምን ሕልናኦም ንረብሓ ህግደፍ ዝሸጡን  ኤርትራዊ ወገናት ገዲፍካ፡ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ  ጨካንን ጠላምን ተግባራት ናይቲ  ጉጅለ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ብዘይፍለ፡ ኣጨናቒ እዩ ነይሩ ምባሉ ከረዳደኣና ዝኽእል’ዩ።

ክሳብ ሕጂ ብዝተዓዘብናዮ፡ ንመጻኢ’ውን  ህግዲፍ  ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከውርዶ ዝጸንሐ ጭካነን በደልን ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ክሳብ ተሳዒሩ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራ ዝወድቕ፡ ኣብ 2026’ውን ዝገጥመና ብደሆ ካብ ዝሓለፈ ዝተፈልየ ስለ ዘይከውን፡ ክንቅረበሉ ዝግበኣና’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ወጽዓ ካብዚ እንተነዊሑ፡ ንህልውና ህዝብናን ሃገርናን ዝኸበደ መዘዝ  ዘስዕብ ስለዝኾነ። ምእንት’ዚ፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ከኣ ሕቶ ሓቢርካ ምቅላስ ንምምላስ፡ ክንጸባበ እነባኽኖ ግዜ ተመሊሱ ስለ ዝሃስየና፡ ነቲ “ግዜ ከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝብል  ምሳልያዊ   ብሂል ክንመሃረሉ ይግባእ። 

ህገደፍ ሎሚኸ ካብ ዝሓለፈ ተመኩረኡ ተማሂሩ ደኾን፡ ናይ ውግእ ከበሮ ካብ ምውቃዕ ይእደብ  ይኸውን? ዝብል፡ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ሕቶ ነይሩ ይኸውን።  እንተኾነ ኢሳያስ ብዘይውግእን ህውከትን ስለዘይነብር፡ ካብ ምንዳይ ህውከት ዝዕገስ ኣይኮነን። ድሕሪ ፍሽለቱ ኣብ ውግእ ትግራይ፡ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኣይክኣቱን እዩ ዝብል ግምት ዝነበሮም ኤትራውያን’ውን ነይሮም’ዮም። ብግብሪ ከኣ፡  ከምቲ ኣመል ምስ መግነዝ  ዝበሃል፡ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ምእታዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዘቤታዊ ዛዕባ  ኢትዮጵያ ኣትዩ፡ “ምስ ፋኖ ኣምሓራ፡ ሓይልታት ትግራይን ኦሮሞን” ሕግብግብ ይብል ከምዘሎ፡ መዛረቢ ብዙሓት መዲያታት ኮይኑ ዘሎ እዩ። ኢዱ ኣብ ጉዳይ ሱዳን እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ኣብ ምብላሕ ወጥሪ ግብጽን ኢትዮጵያን’ውን ከምኡ።  

ካብ ዓመት 2024 ጀሚሩ፡ ዘይርጉእ ኣካይዳ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዘይሕጋዊ ሕቶ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን ወደብ ዓሰብን ተወሲኽዎ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ምስሕሓብ ዝያዳ ይውጠር ከም ዘሎ ንዕዘቦን ንቃለሶን ዘለና እዩ። ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን ኣህጉራውን ዞባውን ትካላትን ከይተረፉ፡ ኣብዛ ንኣትዋ ዘለና ዓመተ-2026 ናብ ውግእ ገጹ ከይምዕብል ሻቕሎቶም ይገልጹ ኣለዉ።  ነዓና ነቶም ሰብ ጉዳይ ከኣ ኣብዛ ሓዳስ ዓመት ዝያዳ ዘሻቕለናን ብትኹረት እንከታተሎን ክኸውን እዩ።

ብደረጃ ዓለም፡ 2026 ካብ 2025 ኣትወርሶ ዘላ ዘይተፈትሐ ሽግራት እንተመዘናዮ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ካብቲ ዝጸንሖ ብዝገደደ ኣሕዲርዎ ዘሎ ስግኣት ከቢድ እዩ። ርሑቕ ከይከድና፡ ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን፡ ሶማልያን ንኤርትራን ህዝባን ብዝጸሉ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ደበና ውግእ ዘሻቕል እዩ።  ስለዚ ነዚ ኩሉ ከቢቡና ዘሎ ስግኣት ውግእ ቀንጢጥካ ናብ ራህዋን ቅሳነትን ናይ ምስጓም ሓላፍነት ዝስከም፡ ሎሚ’ውን ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ እውን ብሓባር ከተኩርሉ ዝግበኦም’ዩ።

ብደረጃ ዓለም፡ ኩነታት ዩኩረይንን ሩስያን፡ ፍልስጥኤምን እስራኤልን፡ ኢራንን እስራኤልን ከምኡ’ውን  ምምሕዳር ሮላንድ ትራምፕ ዝፍትኖ ዘሎ ዶብ ሰገር ናይ ምስፍሕፋሕ ወስታታትን፡ ካለኦትን ኣብ 2025 ኣሻቐልቲ ኮይኖም ዝጸንሑ ኩርነዓት እዮም። ኣብ 2026 ናበይ ገጾም ከም ዝምዕብሉ ድማ ዓለምና  ብስግኣት እትጽበዮም ዘላ እዮም። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሃገራ ዝጸንሑ ስደተኛታት  ዜጋታት  ዝተፈላለያ ሃገራት ትፈጥሮ ዘላ ስንባደ’ውን ኣብ 2026 ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ዘይፍለጥ እዩ።  

ስለዚ ኣብዛ ሓዳስ ዓመት ምስ መላእ ህዝብና፡ ካብ ጨንቂ ናብ ራህዋ ፈንጢስና ክንሰግር፡ ብዙሓት ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ከነዕርዮም ዝግበኣና፡ ዘይስገሩ ቅድመ-ኩነታት ኣለዉና። ኣብዚ መሪሕ ግደ ዝጻወት እሞ ግድን ከነማልኦ ዝግበኣና ፡ ንስለ ምጭራሕን ምእዋጅን ዘይኮነ፡ ብግብሪ ሓቢርካ ኣብ ትሕቲ ሰፊሕ ናይ ሓባር ጽላል ብናይ ሓባር ንቕሎ ኣንጻር ህግደፍ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ ሓደ ካብ ድኽመታትና ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ። ስለዚ ካብዚ ድኽመት’ዚ ንምውጻእ ብፍላይ ከም ፖሓኤ ጀሚርናዮ ዘለና ጻዕሪ ምድልዳልን ምስፋሕን ኣብ 2026 ካብ ዝጽበዩና ዕማማት ክኸውን እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከኣ፡ በቲ ሓደ ወገን ሰልፋዊ መሳርዑ ምድልዳልን ምስፋሕን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ዓቕምታት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ምሕያልን፡ ጽላል ሓይልታት ለውጢ ኣብ ምስፋሕን ካብ ናይ 2026 ኣጀንዳታቱ ሓደ ገይሩ ክቃለሰሉ እዩ።

ሚእትን ሰለስተን (103)፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያን መንእሰያትን 5 መሰጋገርቶምን መራሕ መኪናን ምስታ ዝጐዓዚላ ዝነበሩ ሲኒትራክ ዝዓይነታ ናይ ጽዕነት መኪና፡ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ኦሞ ወረዳ ሓመር ከም ዝተኣስሩ ኮሚሽነር ጌታነህ ወልደሃና ዝባህለ፡ ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ፖሊስ ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ብ27 ታሕሳስ 2025 ኣፍሊጡ።

እቶም ኤርትራውያን ግዳያት ዕላመኦም ናብ ኬንያ ምስጋርን ድሕሪኡ ብኡጋንዳ ኣቢልካ ምቕጻልን ምንባሩ እውን እቲ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቶም ኤርትራውያን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ መርመራ ፖሊስ ደቡብ ኢትዮጵያ ከም ዘለዉን ካብቲ ቦታ ጉዳዮም ድሕሪ ምጽራዩ ናብ ኤርትራ ከይስጐጉ ዝብል ግምት ከም ዘሎ እቲ ዜና ተሓቢሩ።

ኤርትራውያን ካብ ትግራይ ብዝጅምር ኣሸሓት ዶላራት ዘኽፍል መርበብ፡ ብኢትዮጵያ ኣቢሎም ናብ ኬንያ ክሰግሩ እንከለዉ ብተደጋጋሚ ዕንቅፋታትን ማእሰርትን እኳ ዘጋጥሞም እንተኾነ፡ ብስንክቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ተስፋ ዘቑርጽ ኩነታት፡ በዚ ዘውሑስ ኣቕጣጫ ዘካይድዎ ጉዕዞ ቀጻሊ ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ።  

قضية الاظمةا لتنظيمية في مؤسساتنا السياسية ومنظمات المجتمع المدني ـ أزمة ليست جديدة لكنها مستمرة , وتؤثر على قدرتنا في بناء عمل وطني وفعال.

بالرغم من نجاحنا مرارا في عقد مؤتمرات واسعة, وتشكيل تحالفات, وكتابة أنظمة سياسية متقنة الا ان المشكلة تبداء بعد هذه النجاجات مباشرة . فالالتزام بما تم الاتفاق عليه يكون ضعيفا وتبدأ الخلافات وتتوقف المشاريع , واحيانا يتشظى الجسم الكبير الى مجموعات أصغر.

هذه الظاهرة لها اسباب عديدة منها : ضعف التربية التنظيمية التي تعلم الانضباط واحترام القوانين المتفق عليها فضلا عن اللوائح والنظام الاساسي , بلاضافة الي غياب الثقة , وفي حالة تحالف التنظيمات تغليب مصالح التنظيم على حساب مصالح التحالف, مع تأثيرات بيئة الشتات التي تزيد التباينات في الرؤى والاساليب.

استمرار هذا الوضع لا يضعف التنظيمات فقط بل يعرقل عمل المقاومة كله , ويسهم هذا العمل في اعادة احياء نظام الهقدف المتوفي سريريا منذ أمد بعيد.

ولان التشخيص نصف العلاج الطريق للخروج من هذه الدائرة والحلول موجودة اذا توفرت الارادة  , و من بين هذه الحلول :

. تعزيز ثقافة الالتزام المؤسسي والاحتكام الى اللوائح

. انشاء اجسام رقابية تعالج الاخطاء مبكرا

. معالجة الخلاف داخليا بدل الانشقاق

. وبناء التحالفات خطوة خطوة على أساس تجارب نجاحة مشتركة لا على المنيات.

أن الازمة التنظيمية التي نعاني منها ليست قدرا مكتوبا وانما داء يمكن علاجه. ومتى ما تحولت المؤتمرات من حدث شكلي الى ممارسات ومتى ما اصبحت اللوائح اقوى من اي اعتبار اخر بتأكيد سنرى عمل ارتري موحد , قوي قادر على حمل امال شعبنا في التغيير.

 

Saturday, 27 December 2025 22:13

Dimtsi Harnnet Sweden 27.12.2025

Written by

እስራኤል ብ26 ታሕሳስ 2025፡ ንሶማሊላንድ ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኣፍልጦ ብምሃበ ቀዳመይቲ  ካብ ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና። እዚ ኣፍልጦ ዝሃበታ ሶማሊላንድ “ስምምዕ ኣብረሃም” ዝብል ውዕል ተቐቢላ ክትግብር ቅርብቲ ምዃና ምስ ኣረጋገጸት፡ ክልቲአን ሃገራት ብዝኽተመኦ ናይ ሓባር ስምምዕ ምዃኑ ሮይተርስ  ሓቢሩ። በቲ ውዕል መሰረት ሶማሊላንድ ካብ ጋዛ ስደተኛታት ክትቅበል’ያ ዝብል ተረድኦ ኣሎ። ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ብዛዕባቲ ጉዳይ ምስ መሓዝኡ ፕረሲደንት እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ ብተለፎን ከም ዝተዛረበ ድማ ተሓቢሩ።

ናታንያሁ ሃገሩ ሶማሊላንድ ን30 ዓመታት ዝኣክል ተንጠልጢሉ ዝጸንሓ ትጽቢታ፡ ነቲ ብተበግሶ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ትራምፕ ዝተኸተመ “ስምምዕ ኣብረሃም”  ምሉእ ብምሉእ ከም እትትግብሮ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተዋህበ ኣፍልጦ ምዃኑ  ኣረጋጊጹ።

እቲ ስጉምቲ ነቲ ሶማሊላንድ ብ1991 ካብ ሶማሊያ ተፈልያ “ናጻ ሃገር እየ” ኢላ ክነሳ፡ ክሳብ ሎሚ ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ከይረኸበት ዝጸንሓቶ ኣፍደገ ዝኸፍ እዩ ተባሂሉ። ነዚ ኩነታት ዝተኸታተለ ካቢነ ሚኒስተራት ሶማሊያ መቃድሾ ከኣ ነቲ ኩነታት ንምምዛንን መርገጹ ንምግላጽን ህጹጽ ኣኼባ ከም ዘካይድ  ኣልጀዚራ ሓቢራ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ፡ ድሕሪቲ ውሳነ ናብ ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ዓብደል ራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ ደዊሉ፡ “እንኳዕ ኣሕጐሰካ” ድሕሪ ምባል፡ ሶማሊላንድ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ንከተስፍን ዘለዎ እምነት ገሊጽሉ። ወጻኢ ጉዳይ እስራኤል ብወገኑ እቲ ስምምዕን ኣፍልጦን ድሕሪ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ክካየድ ዝጸንሐ ጽዑቕ ዘተን  ክልቲኦም መራሕቲ ምውሳኖምን፡ ኣብ ስምምዕ ምኽፋት ኢምባሲታትን ምልውዋጥ ኣንበሳድራትን ዝተበጽሐ  ምዃኑ ኣፍሊጡ። ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ብወገኑ ሃገሩ “ስምምዕ ኣብረሃም” ምሉእ ብምሉእ ከተተግብር ቅርብቲ ምዃና ኣረጋጊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ሶማሊያ፡ ግብጺ፡ ቱርክን ጅቡትን ንስጉምቲ እስራኤል ብትሪ ከም ዝነጸግዎ ጋዜጣ  ጀሩሳሌም ፖስት ኣፍሊጣ።

ኢትዮጵያ ብ2024 ምስ ሶማሊላንድ፡ ንሳ ኣፍልጦ ክትሃብ ሶማሊላንድ ድማ መህነጺ ሓይሊ ባሕሪ ዝኸውን ገምገም ባሕሪ ንክትህባ ዝእምት መሰማምዒ እማመ ብምኽታም ቀዳመይቲ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ እትህብ ሃገር ክትከውንያ ዝብል ግምት ነይሩ። እንተኾነ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ሓሳቡ ቀይሩ ብመንጎኝነት ቱርኪ ምስ መቃድሾ ስለ ዝተዓርቀ ኣይቀጸሎን።

መንግስታዊ ኣካል ኢትዮጵያ አገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ኢትዮጵያ ሕቶ ስደተኛ ናይ ምምላስ ተግባር ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ኣፍሊጦም። ናይዚ ጠንቂ ብሰንኪ ብእዋኑ እኹል ገንዘብ ዘይምርካብ ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ። በዚ ድማ መሰረታዊ ዝኾኑ  መግቢ፡ ማይን ሕክምናን ምቕራብ ኣይተኻእለን ተባሂሉ። ነዚ ጸገም ተቓሊዖም ዘለዉ ስደተኛታት ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ምዃኖም ከኣ ተፈሊጡ።

ናብታ ብዝሒ ምዕቋብ ስደተኛታት ካብ ኣፍሪቃ 2ይ ደረጃ እትሕዝ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ክውሕዙ ካብ ዘገደዱ ምኽንያታት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ግርጭታትን ኣብ ሶማሊያ ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቅን ምዃኖም ድማ  እቶም ኣካላት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም። እተን ነቶም ስደተኛታት መሰረታዊ ነገራት ዘቕርባ ዝነበራ ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ኣቕርቦተን ኣብ 2025 ብ70% ከም ዝነከያ  ተጠቒሱ።

ወይዘሮ ጠይባ ሓሰን ዝተባህለት ሓላፊት ናይቲ አገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ትካል ኢትዮጵያ ብወገና፡ ሃገራ እቶም ስደተኛታት ንክዕቆቡ ዕድል ምሃብ እምበር፡ መሰረታዊ ነገራት ናይ ምቕራብ ዓቕሚ ከምዘየብላን ሕብረተሰብ ዓለም ሓላፍነት ክስከም ከም ዘለዎን ምፍላጣ’ውን ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ወይዘሮ ኣሲሳቶው ንድየ በወገና፡ ኣብ ኣዝዩ ኣጨናቒ ጉዳይ ኢና ዘለና ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘሎ ኩነታት “ሕቶ ስደተኛታት ምምላስ ይቐጽልዶ ኣይቐጽል ኣብ ቀረባ ግዜ ክንውስን ኣብ እንግደደሉ ኩነት ኢና ዘለና” ኢላ። ናይቲ ጸገም ስፍሓት ክትገልጽ እንከላ ከኣ ትካል መግቢ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ካብቲ ዝህቦ ዝነበረ ቀረብ 40% ከጉድል ከም ዝተገደደ ሓቢራ።

ዝልታን ሚሊሲክ ዝተባህለ ዳይረክተር ትካል መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ በቲ ዘለዎ ዝተሓተ ደረጃ  ንምቕጻል ንመጻኢ 6 ኣዋርሕ 90 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድልዮም ጠቒሱ፡ እዚ እንተዘይተረኺቡ ግና ኣብ መጻኢ ኣዋርሕ ኣገልግለቶም ምሉእብምሉእ ከቋርጹ ከም ዝግደዱ ኣፍሊጡ።

በዚ ኩነታት ይሳቐዩ ካብ ዘለዉ ግዳያት ኣለምዋጭ ኣብ ዝበሃል መደበር ስደተኛታት ከባቢ ዳባት-ጎንደር ዘተዓቚቦም ዘለዉ ኤርትራውያን  ቅድሚት ዝስርዑ እዮም።

Thursday, 25 December 2025 19:47

Dimtsi Harnnet Kassel 25.12.2025

Written by
Page 2 of 628