ባህግና Bahgna Media 17.08.2025፡ ሕቶ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ብመንጽር ሕጊ ባሕሪ
Written by Eri-BahgnaMedia
ሶማሊላንድን ብኣኣ ዝግደስ ሰነተር ክሩዝን
ኣሜሪካዊ ሰነተር ተድ ክሩዝ፡ ኣሜሪካ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ንክትህባ ናብ ፕረሲዳንት ትራምፕ ደብዳበ ከም ዝጸሓፈ፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ኣብ ሰኔት ኣመሪካ ኣቦመንበር ንኡስ ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታትን ግሎባላዊ ፖሊሲ ጥዕናን ዝኾነ ሰነተር ነዚ ዘፍለጠ ብ15 ነሃሰ 2025 እዩ።
እቲ ሰነተር ኣብቲ ደብዳበኡ፡ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ ኣገዳሲ ዛዕባ ኮይኑ ቀሪቡ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ብኣኣ ኣቢልካ ናይ ኣሜሪካ ጸጥታዊ ረብሓ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ምርግጋጽ ከም ዝከኣል ኣዘኻኺሩ። ሶማሊላንድ ኣብ ወሽመጥ ኣደን ተጸጊዓ ኣብ ጐኒ’ቲ ኣብ ዓለምና ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነ መተሓላለፊ መራክብ ከም እትርከብ እውን ጠቒሱ። ብዘይካዚ ሶማሊላንድ ኣብ ምቁጽጻር ዞባዊ ራዕድን ናይ መራክብ ምጭዋይን ንምቁጽጻር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ከበርክት ዝኽእል ብቑዕ ሓይሊ ባሕሪ ከም ዘለዋ ከኣ ኣፍሊጡ። እታ ንእሽቶ ሃገር መሓዛ ኣሜሪካ ንከይትኸውን ዝጻብእዋ ብዙሓት ወገናት ከምዘለዉ ጠቒሱ፡ ቻይና ብሰንክቲ ምስ ታይዋን ዘለዋ ጸገም ሃገር ክትከውን ከምዘይትደልያ ኣስፊሩ።
እንተኾነ ምስዚ ኩሉ ተጻብኦታት፡ ሶማሊላንድ መሓዛ ኣሜሪካ ንክትክውን ትብዓትን ቅሩብነትን ከም ዘለዋ ብምጥቃስ፡ ብመንጽርቲ ፈጠርቲ ራዕዲ ንምቁጽጻር ዝግበር ቃልስን ኣብ ቁጠባዊ መዳይን ምስ ኣሜሪካ ንክትመሓዞ ድልውቲ ከምዘላ ሓቢሩ፡ እዚ ቅሩብነታ ብግብሪ ኣድማዒ ንክኸውን ከኣ ናይ ሃገርነት ደረጃኣ ንክሕለወላ እጽውዕ ኣለኹ ኢሉ።
ኣብ 1960 ሃገር ኮይና ነይራ ክነሳ፡ ብውሳነኣ ምስ ሶማሊያ መቃድሾ ዝተጸንበረት ሶማሊላንድ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኩሉ መምዘንታት ኣማሊኣን ካብ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ዲሞክራሲያዊ ዝበሃል ምርጭታት እናካየደትን፡ ከም ሃገር ኣፍልጦ ናይ ምርካባን ዘይምርካባን ዛዕባ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት መራሒኣ ዓብደራሕማን መሓመድ “ዒሮ”፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ኣሜሪካ ክበጽሕ’ዩ ዝብል ሓበሬታ’ውን ኣሎ።
ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 2025 ኣብ ዘውጸኦ መጽናዕታዊ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣጽሊለን ካብ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ከም እትርከብ ሓቢሩ። እቲ ሓበረታ ኢትዮጵያ ኣዕቊባቶም ዘላ ስደተኛታት ኣስታት 1,094,838 ምዃኖም ክጠቅስ እንከሎ፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ ሃገር ኡጋንዳ ከኣ 1.8 ሚልዮን ኣዒቊባ ከም ዘላ ተጠቒሱ።
ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ተመዛበልቲ ብዝተፈላለዩ ኩርነዓት ናይታ ሃገር ክኾኑ እንከለዉ፡ ኩሎም ውጽኢት ኣብ ሃገራቶም ናይ ዘሎ ጐንጽታት፡ ውግኣትን ግህሰት መሰረታዊ መሰላትን እዮም። እቲ ብ23 ማዝያ 2023 ኣብ ሱዳን ዝተኸፍተ ውግእ ሕድሕድ ብዝተፈላለየ ኣቕጣጫታት ተመዛበልቲ ናብ ኢትዮጵያ ንክኣትዉ ከም ዘገደደ ከኣ ኣብቲ መጽናዕቲ ተጠቒሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ 6 መጋቢት 2024 ጀሚሩ፡ ምስ ናይታ ሃገር ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን፡ ትካል ውሽጣዊ ምምዝባልን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ብምትሕብባር ዲጅታላዊ ምምዝጋብ ብምክያድ፡ ናይ ስደተኛታት ብዝሕን ዓይነትን የጻፍፍ ከም ዘሎ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዘለዉ ስደተኛታት ቁጽሪ ብደረጃ ሃገር ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዙ፡ ደቡብ ሱዳናውያን 445, 245 (41%)፡ ሶማላውያን 361.053 (31%)፡ ኤርትራውያን 180, 361 (17%)፡ ሱዳናውያን ድማ 96, 817 (9%) ቅድሚት ዝስርዑ እዮም። በቲ መጽናዕቲ መሰረት፡ ካብ ጠቕላላ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ስደተኛታት 52% ደቂ ኣንስትዮ 48% ድማ ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ካብኣቶም ዝበዝሑ ካብ 25 ክሳብ 49 ዓመት ዝዕድመኦም ክኾኑ እንከለዉ፡ ክሳብ ደቂ ልዕሊ 60 ዓመት እውን ይርከብዎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት 20 መደበራት ስደተኛታት ክርከቡ እንከለዉ፡ እተን ብብዝሒ ተዓቚበሙለን ዘለዉ፡ ኣዲስ ኣበባ 79,612፡ ዓፋር፡ 62, 630፡ ኣለምዋጭ፡ 19,748፡ ጋምቤላ 409, 540፡ ጂጂጋ፡ 47, 655 ካብቶም ቅድሚት ዝስርዑ እዮም። ካብዘን መደበራት ኤርትራውያን ዘለዉወን፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ዓፋርን ኣለምዋጭን እየን።
ኣብ ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋንዚ 11.6 ሚልዮን ተመዛበልቲ ክህልዉ እንከለዉ፡ ካብዚኣቶም እቶም 2.8 ሚልዮን ካብ ሃገሮም ወጻኢ ተዓቚቦም ዘለዉ እዮም።
ኣብ መንጎ ኣቢይ ኣሕመድን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዝነበረ፡ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ዝምድና፡ ድሕሪ ምኽታም ውዑል ፕሪቶርያ በርዒኑ። ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ዝብል ኣዛራቢ ኣጀንዳ’ውን ኣኸቲሉ። እቲ ኩነታት ዘሻቐሎ ሓይሊ ዕማም፡ ኤርትራውያን ምሁራት ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ “ልኡላውነት ኤርትራን ሕቶ ተጠቃምነት ባሕሪ ኢትዮጵያን” ብዝብል ኣብ ዘዳለዉዎ መጽናዕታዊ ሰነድ፡ ነቲ ብ1982 ብብዙሓት ሃገራት ተኸቲሙ ብ1994 ድማ ክትግበር ዝጀመረ ኣህጉራዊ ሕጊ ባሕሪ ብዝምልከት ኣገዳሲ ነጥቢ ምስፋሩ፡ ኣዝዩ ዕዙዝ ይገብሮ።
ዓለምለኻዊ ሕጊ ባሕሪ፡ ሰፊሕ ዝርዝርን ኣማኢት ዓንቀጻትን ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ዝያዳ ምስ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዛመድ፡ ካብ 124 ክሳብ 132 ዓንቀጻት ሰፊሩ ዘሎ እዩ። ካብኡ ብዝያዳ ድማ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ኮና፡ መተሓላለፍቲ ከፍቅዳ ዝሕተታ ወነንቲ ባሕሪ ሃገራት ብዝምልከት ኣብ ዓንቀጽ 125 ሕጊ ባሕሪ ብንጹር ሰፊሩ ይርከብ።
ቅድሚ ዓንቀጽ 125፡ ኣብ ዓንቀጽ 124 ክልተ ኣገደስቲ ነገራት ነጺረን ይርከባ። ንሳተን ድማ “ንተጠቃምነት ምትሕልላፍ እትሓትት ሃገር” ማለት፡ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰለት፡ ካብታ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት ዋና ባሕሪ መተሓላለፊ ክትረክብ እትሕተት እያ። ኣፍደገ ባሕሪ እትውንን ሃገር ድማ፡ ኣብ ማእከል ኮይና፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንዘየብላ ሃገርን ምስ ኣገልግሎት ባሕርን እተራኽብ ድንድል ምዃና ምንጻር ኣገዳሲ እዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ “ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ እትድልዮ ዘላ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ድዩ ወይ መተሓላለፊ መስመር?”፡ ዝብል ሕቶ፡ ካብ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓሊፉ ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ዘዛርብ ኮይኑ ዘሎ ዛዕባ እዩ። መልሲ ኢትዮጵያ ነዚ ሕቶ’ዚ ንዝተወሰነ ግዜ’ኳ ኣታውን ወጻእን ዝመስል እንተነበረ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና፡ እናሰማዕካ ከምዘይሰማዕካ መሲልካ ናይ ምቕራብ ድሌት እንተዘይሃልዩ፡ “ድሌትና ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ እዩ” ብዝብል ዓይኑ ኣፍጢጡ ተነጺሩ’ሎ።
ሕቶ ኢትዮጵያ ብታሕቲ ታሕቲ ዘይኮነ፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መድረኻት ከይተረፈ ብላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን መንግስታዊ ማዕከናት ዜናን ኢትዮጵያ ዝጋማዳሕ ዘሎ እዩ። ኣብዚ ሓደ ዘየዳድን ብዙሓት ዝረዳድእሉን፡ ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ስለ ዝኾነት፡ እቲ ብኢትዮጵያ ዝሕተት ዘሎ“ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ”፡ ሕጋዊ ኮነ ርትዓዊ ተቐባልነት ስለ ዘየብሉ ዝተዓጽወ መዝገብ እዩ።
ይኹን እምበር፡“ተጠቅማነት ኣፍደገ ባሕሪ ንመተሓላለፊ፡ ምልዓሉ ግቡእ ምዃኑ ዝእመነሉን፡ ብመንጽር ዓለምለኻዊ ሕጊ ባሕሪ ምርኣዩን ኣድላይ ይኸውን። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ’ኳ እንተዘየብላ፡ ንኤርትራ ወሲኽካ፡ ምስ 4 ኣፍደገ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት እትዳወብ ስለ ዝኾነት፡ ሰፊሕ ምርጫታት ኣለዋ። ናብ ኩለን እተቕርቦ ሕቶ ተጠቃምነት ኣፍድገ ባሕሪ ከኣ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ክብደት ዘለዎ እዩ።
ዓንቀጽ 125 ናይቲ ሕጊ ባሕሪ እምበኣር፡ ሰለስተ ነናተን ረዚን መልእኽቲ ዘለወን ኣገደስቲ ንኡሳን ዓንቀጻት ኣለወኣ። በዚ መሰረት፡
ንኡስ ዓንቀጽ 1፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት፡ ብመንጽ’ቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ሕጊ ባሕሪ ሰፊሩ ዘሎ፡ መተሓላለፊ ንምርካብ ናይ ምሕታት መሰል ኣለወን። በዚ ድማ ኣብ መስርሕ ምትሕልላፍ ሰብ ኮነ ንብረት ብዝኾነ ዓይነት መጐዓዝያ ብመሬት ናይታ መተሓላለፊ እትፈቅድ ሃገር ክጥቀማ ይኽእላ።
ንኡስ ዓንቀጽ 2: መስርሕ ኣተገባብራ መሰል ምትሕላልፍ፡ ኣብ መንጎ ወናኒት ባሕርን ሓታቲት መተሓላለፊ ኣፍደገን፡ ብመንጽር ንኡስ ዞባውን ዞባውን ሕጊ ባሕሪ፡ ብመንፈስ ክልተኣዊ ተጠቃምነት ብልዝብን ብስምምዕ ጥራይ እዩ ዝትግበር።
ንኡስ ዓንቀጽ 3፡ መተሓላለፊት (ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ) ዝኾነት ሃገር፡ ምሉእ ግዝኣታዊ ልኡላውነታ ዓቂባ፡ ኣብ መስርሕ እቲ ንምትሕልላፍ ዝብጻሕ ስምምዕ፡ ዝኾነ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ምሉእ መሰል ኣለዋ። ኣብዚ እታ መተሓላለፊ እትሓትት (ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ) ሃገር፡ ብዝኾነ ኣገባብ ከተዕንቅፍ እትኽእለሉ መንገዲ የብላን።” ይብል።
ኣብ ኣተገባብራ ሰለስቲኡ ንኡሳን ዓንቀጻት ዓንቀጽ 125፡ ብሓንሳብ ዝትግበር እምበር፡ ሓደ ንበይኑ ቆንጪልካ ዝውሰዱ ኣይኮኑን። ሓደ ንኡስ ዓንቀጽ ቆንጪልካ ምውሳድ ሸፈጥ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናብ ግጉይ መደምደምታ ዝወስድ እዩ። ገለገለ ኢትዮጵያውያን ንንኡስ ዓንቀጽ 1 ጥራይ ንበይና ነጺሎም ብምውሳድ፡ “ብኸመይ?፡ ኣበይ”፡ መዓስ?” ዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ከይመለሱ፡ “ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለወን።” እትበል ሓረግ ጥራሕ ብምቅላሕ፡ ግጉይ ተረድኦ ከም ዝዝርግሑ ንዕዘብ ኣለና። ካብ ንኡስ ዓንቀጽ 2፡ “ብመንፈስ ክልተኣዊ ተጠቃምነት ብልዝብን ብስምምዕን ጥራይ እዩ ዝትግበር” ትብልን፡ ኣብ ንኡስ ዓክቀጽ 3 ሰፊራ ዘላ፡ “ኣብ መስርሕ እቲ ንምትሕልላፍ ዝብጻሕ ስምምዕ፡ “ወናኒት ባሕሪ ዝኾነ ሃገር ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ምሉእ መሰል ኣለዋ።” ንዝብላ ግና ከም ቁርን ኣስሓይታን ስለ ዝፈርሕወን ክጠቕስወን ኣይደፍሩን።
እቲ ብልዝብ ዝብጻሕ ናይ ኣጠቓቕማ ስምምዕ፡ መሰረተ-ሓሳቡ ብዓለም-ለኻዊ ሕጊ ባሕሪ ዝግዛእ ኮይኑ፡ ከከም ኩነታትን ድሌትን ናይቶም ዝሰማምዑ መንግስታት ከፈላለ ይኽእል። ንኣብነት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበር ስምምዕ፡ ካብቲ ኢትዮጵያ ምስ ጅቡቲ፡ ሶማሊያ፡ ኬንያን ሱዳንን ክትገብሮ እትኽእል ክፍለ ይኽእል። ናይ ግዜ ገደብ’ኳ ከም ኣብነት እተወሰድና፡ ገሊአን ሃገራት ናይ 10 ዓመታት ስምምዕ ክኽትማ እንከለዋ፡ ካለኦት ከኣ ነቲ ስምምዕ ናይ ዕስራ-ሰላሳ ዓመታት ክገብረኦ ይኽእላ።
ገሊኡ ስምምዕ መተሓለፊ ባሕሪ እትሓትት ሃገር፡ ካብቲ ዘራኽበን ዶብ ናብ ወደብ ከምዘይትጽጋዕ ክገብረኦ ይኽእላ። ናይ ገሊአን ድማ ክሳብ ናብ ወደብ ኣቲኻ ምጽዓንን ምርጋፍን ዘኽእል ስምምዕ ክኸውን ይኽእል። ክልቲአን ተወዓዓልቲ ሃገራት ተሰማሚዐን፡ ኣብቲ ወደብን ከባቢኡን ናይ ሓባር ወፍሪ ከካይዳ ይኽእላ፡ ኣብ ገሊኡ ስምምዕ ከኣ እዚ ተቐባልነት ዘይክህልዎ ይኽእል። እታ መተሓላለፊት ሃገር ነታ ተጠቃሚት ኣብቲ ወደብ ከም መስርሒ ማኻዚኖታት ዝኣመሰለ መሬት ክትፈቕደላ ትኽእል ወይ ኣይትፈቅድን። ጉዳይ ምቑጻር ሰራሕተኛታት ኣብቲ ወደብ ከኣ ካልእ ኣብቲ ዝርዝር ስምምዕ ዘዛርብ’ዩ።
ከም’ቲ ብዙሓት ዝምስክርዎ፡ ናይ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኩለ-መዳያዊ ዝምድና፡ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤትን ዝኣመሰሉን፡ ከም መፈራርሒ ንምውናን ኣፍደገ ባሕርን ንምድኳን መደበር ሓይሊ ባሕርን ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዝግበር ልዝብ ጽልዋ ከም ዘሕድሩ ምግባሮም ይከኣል። እቲ መስርሕን ዝብጻሕ ስምምዕን ኣድማዒ ንክኸውን ከኣ፡ ልዕሊ ኩሉ ኣብ መንጎኦም ምትእምማን ኣገዳሲ’ዩ።
ዓሰርተ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብሕቡእ ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ክብሉ ብ10 ነሃሰ 2025 ኣብ ሓንቲ መዝሓሊት (refrigerated) ናይ ጽዕነት መኪና ከም ዝተታሕዙ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ (AFP) ኣፍሊጣ። ናይ ዓዲ እንግሊዝ ዝምልከቶም ከባብያዊ ሓለፍቲ ከም ዝገለጽዎ፡ እዞምባብ ፈረንሳ ናይ ምንባር ተስፋ ዝቖረጹን ብዓቕሊ ጽበት ዘይውሑስ ምርጫ ዝወሰዱን ኤርትራውያን ብሰንኪ ክቱር ዛሕሊ ኣብ ስቓይ ወዲቖም ከም ዝተረኽቡ ኣብፍሊጦም።
እዞም ኣደታትት፡ ህጻናትን ትሕቲ ዕድመን ዝርከቦም ኤርትራውያን ኣሕምልቲ ኣብ ዝጸዓነት መኪና ምንባሮም ዝተፈልጠ፡ እቲ መራሒኣ ድምጾም ምስ ሰመዐ ምዃኑ፡ ኣብብቲ ናይ ኤኤፍፒ ዜና ተጠቒሱ። ሓደ እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ዝምልከቶ ክርስቲያን ቨድለጎ ዝተባህለ እንግሊዛዊ፡ እቶም ኤርትራውያን ብሰንክ’ቲ ዛሕሊ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት በጺሖም ከም ዝነበሩ ምስክርነቱ ሂቡ።
ካብቶም ግዳያት ኣርባዕተ ሽዑንሽዑ ናብ ሆስፒታል ክውሰዱ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ሓደ ሰብኣዊ ማሕበራዊ ተረኪቦም። እቲ ዛዕባ ዝምልከቶ ሓላፊ ብወገኑ ከም ዝበሎ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ካብ መሬት ፈረንሳ ክወጹ ከም ዝደልዩ ገልጹ፡ ናይታ ብሕቡእ ዝተሳፈሩላ ዓባይ መኪናመራሒ ከምዘይተኸሰሰ ድማ ተሓቢሩ። በቲ ዜና መሰረት ዋላ’ኳ ኣብ ወደብን ናይ ትሕቲ መሬት መራኸብታትን ጽኑዕ ጸጥታዊ ምክትታል እንተተግብረ፡ እቲ ብዓበይቲ መካይን ኮነ ብኻልእ ኣገባብ ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝግበር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ክዕገት ኣይተኻእለን።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ጅቡቲ ናብ የመን ደሓር ከኣ ናብ ሳዑዲ ዓረብያ ብጀላቡ ንምእታው፡ ኣብ ዝግበር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ኣብ ባሕሪ ብምጥሓሎም ሓያሎ ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም መንእሰያት ከም ዝሃለቑ ቢቢሲ ሓቢራ።
ባህግና Bahgna Media 10.08.2025 ቃል ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ማሕበርን መግለጺ ኣቦ መንበር ፖሓኤን
Written by Eri-Bahgna MediaMedia
“ህዝቢ ባሕሪ እዩ” ዝብል ኣበሃህላ፡ ኩሉ ዓቕምታት ሕብረተሰብ ካብኡ ዝቕዳሕ ምዃኑ ንምርኣይ ዝጥቀስ እዩ። ንሓደ ዘይትድግፎ ሓይሊ ካብ ገጽ ምድሪ ንምድምሳሱ፡ “ዓሳ ንምጥፋእ ባሕሪ ኣንጻፍ” ዝብል ኣበሃህላ፡ውን፡ ዘይትካእ ወሳኒ ግደ ህዝቢ ንህልውናን ቀጻልነትን ንምርግጋጽ ዝጥቀስ’ዩ። እቲ ምእንቲ ሓርነትን መሰረታዊ መሰላትን ዝግበር ናይ ቃልሲ ውዳበታት ከኣ፡ ፈልፋሊ ዓይኒ ማዩ ካብ ህዝቢ ወጻኢ ኣይኮነን። “ሃገር ብኸመይን ብመንን ትመራሕ?’ ክበሃል እንከሎ’ውን፡ እቲ ሕገመንግስቲ ዘጽድቕን በእኡ መሰረት ይኾነኒ ዝብሎ መሪሕነት ዘደይብን፡ እምነት ክስእነሉ እንከሎ ከኣ ዘውርድን ህዝቢ እዩ።
ኣብ ከምዚ ሎሚ ኤርትራውያን ተወዲብና ንመሰረታዊ ለውጢ ንቃለሰሉ ዘለና ፖለቲካዊ ኩነታት፡ እጃም ዝተወደቡ ሓይልታት ኣገዳሲ ኮይኑ፡ እቲ መተካእታ ዘየብሉ ወሳኒ ብጽሒት ግና ናይ ህዝቢ እዩ። ኩሉ ሰብኣዊ ዓቕሚ ናይቲ ውዳበታት ካብ ሓፋሽ ህዝቢ ዝምንጩ ምዃኑ ስፍሓት ብጽሒት ህዝቢ ዘረድ’ዩእ። እዚ ኣብቲ ንነጻነት ኤርትራ ዝተኻየደ ዝተናውሐ መሪር ቃልሲ’ውን፡ ብምስናቕ፡ ብምዕጣቕን ወሳኒ ሓበሬታ ብምልጋስን ዝግለጽ ህዝባዊ ኣበርክቶ ክሳብ ክንደይ ናይቲ ዓወት ወሳኒ ከም ዝነበረ ኣብ ታሪኽ ምዝጉብ’ዩ።
ኣብ መስርሕ ቃልሲ ኮነ፡ ናይ ምምሕዳር ጉዕዞ፡ ንብጽሒት ህዝቢ ግቡእ ኣፍልጦ ምሃብን ዘይምሃብን ናይ ሓደ ውዳበ ባህሪ መምዘኒ እዩ። ገለ ውዳበታት ንወሳኒ ግደ ህዝቢ ዘኽብሩ ንምምሳል፡ ናይ “ቃለ ዓለም “ ጭረሖታት እናቃልሑን ዘይትግበር መብጻዓታት እናኣተዉን፡ ብግብሪ ግን ንገዛእ ርእሶም ኣብ ልዕሊ’ቲ ህዝቢ ክጸዓኑ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ርሑቕ ከይከድና እቲ ምስ ህዝቢ ክራኸበሉ ዝግበኦ ዝነበረ ሕገመንግስታዊ ሰነድ ቀዲዱ ክዕንድር ዝጸንሐን ዘሎን ህግደፍ ናይዚ ዓመጸኛን ዘየናሕስን ኣካይዳ ኣብነት ኮይኑ ዝጥቀስ እዩ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ፡ “ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንበይኑ ተቓሊሱ እዩ ነጻነት ሃገር ኣውሒሱ” ዝብል ጸቢብነት ዘቃልሑ’ውን ኣይተሳእኑን።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብኣንጻር’ቲ ዓምጣሪ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ምልካዊ ስርዓትን ዘተኣታተዎ ኣዕናዊ ሳዕቤናትን ኣልጊስካ ኣብ እትምስረት ደሞክራስያዊት ኤርትራ፡ ልዕልና ሕጊ ዝሰፈና፡ ንመሰልን ክብርታትን ኩሎም ዜጋታታ ብማዕረ ንምርግጋጽ ምንጪ ስልጣን ናይቲ ዝቐውም መንግስቲ፡ ህዝቢ ምዃኑ ይኣምን” ክብል “ራኢ” ኣብ ዝብል ዓንቀጽ፡ “ወሳንነት ህዝቢ ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ዓንቀጽ፡ ኣስፊሩ’ሎ። ኣብ ዓንቀጽ 2 ቁጽሪ 2 ንኣገዳንስነት ውደባ ኣብ ዝምልከት ዛዕባ ድማ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ንምልኪ ስዒሩ፡ ንኤርትራ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘሰጋግር ሓይልን ብቕዓት ስለ ዘለዎን፡ እቲ ሳዕሪሩ ዘሎ ጽኑዕ ቊጽጽር ምልኪ፡ ንግዚኡ እምበር፡ ንሓዋሩ ካብ ድልየቱ ክዓግቶ ከም ዘይክእል እምነት ሰልፍና እዩ።” ብዝብል ኣስፊሩ’ሎ ።
ንወሳኒ ግደ ህዝቢ ብመንጽርቲ ህግደፍ ንዓመታት ዝተኸተሎ ዘይኣሳታፊ መስርሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመንጽርቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ተወዲቡ ዘሎ ሓይልታት’ውን ምድህሳሱ ኣገዳሲ እዩ። ዝኽተልዎ ኣገባብ ቃልሲ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ዲክታተር ኣወጊድካ ለውጢ ንምውሓስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ብጽሒት ህዝቢ ኤርትራ ዘይስገር እዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ልዕሊ ኩሉ ዝስራዕ ምዃኑ ብመትከል ዝቕበሉ ውዳበታት ኣለዉ። እቲ “ወሳኒ ለውጢ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዘሎ ህዝቢ ዝረጋገጽ እዩ” ኣብ ዝብል’ውን ይኣምኑ። እዚ ኣበሃህላ ንወሳኒ እጃም ህዝቢ ኣጉሊህካን ኣበሪኽካን ንምቕራቡ ዝጠመተ ርትዓዊ ኣቀራርባ’ዩ።
ብኣንጻሩ ብዙሓት ዘይቅቡላት ምስምሳት ብምዝርዛር ንግደ ህዝቢ ኣብቲ ወሳኒ ቦታኡ ዘይምስፋር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢሎም ደገደገ ምምዕዳው ጥራይ ዝመርጹ’ዉን ኣለዉ። ካብዚ ብምንቃል እዮም ከኣ ንሓንሳብ፡ “ምስ መን ተመሓዚኻ ብዘየገድስ ህግደፍ ጥራይ ይወገድ” ወይ ከኣ “ንግደ ህዝቢ ዝምልከት ድሕሪ ለውጢ ነርክበሉ” ዝብሉን ዝኣመሰሉን ምስምሳት ክዝርዝሩ ዝስምዑ። ግደ ሓቂ ግና ነቲ ቀንድ በዓል ዋኒን ዝኾነ ህዝቢ ኣጓኒኻዮ ብምሕላፍ “ምስ መን ብዘየገድስ ተመሓዚኻ ነቲ ጸረ ህዝቢ ምውጋድ ጥራይ”እኹል’ዩ” ምባል፡ ኣርሒቑ ዘይርኢ ኣዝዩ ኣጸጋምን ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘኸትልን እዩ። እዚ ምስቲ እትዛመዶ ዘለካ ርክብ ግሉጽን ትካላውን ቀጥዒ ኣብ ዘየብሉ ክኸውን እንከሎ፡ ሳዕቤኑ ዝያዳ ሓደገኛ ምዃኑ ብፍላይ ካብ ኤርትራዊ ውዳበታት ስዉር ኣይኮነን። እቲ ብግጉይ መንገዲ ዝመጽእ ለውጢ፡ ነቲ መምጽኢኡ ከም ዝመስል’ውን ከሎ ጋና ምስትውዓሉ ኣገዳሲ እዩ።
ምናልባት እቲ ንግደ ህዝቢ ምንእኣስ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ክልውጥ እንተዝኽእል ደኣ ክሳብ ሎሚ ኣበይ ጸኒሑ?” ካብ ዝብል ይነቅል ይኸውን። ኣብዚ ክሳብ ሎሚ ኣንጻር ምልኪ ዘካየዶ ቃልሲ ስለ ዘይተዓወተ፡ ኣብ መጻኢ’ውን ኣይክልውጥን’ዩ፡ ኢልካ ምድምዳም ቅኑዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ለውጢ ድምር ናይ ዝተናውሐ ቃልሲ ስለ ዝኾነ። ውጽኢቱ ክንድቲ ክኾኖ ዝነበሮ ኣይኹን እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ’ውን ካብ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ ዓዲ ኣይወዓለን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቶም ናብ ህዝቢ ኤርትራ ኣጻብዕቶም ዘመልክቱ ውዳበታት፡ “ኣነኸ ክሳብ ክንደይ እየ ህዝቢ ናይ ለውጢ ዓቕሚ ንክኸውን ምስኡ ክናበብ ጸኒሐ?” ኢሎም ክሓቱን ክምልሱን ኣገዳሲ ብምዃኑ ከስተብህሉ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ዝተፈላለያ ናይ ለውጢ ውዳበታት ሓቢረን ዝቃለሉ ጽላል ንክፈጥራ፡ ናይ ወትሩ ምሕጽንትኡ እዩ። እተን ውድባት ከ ክሳብ ክንደይ እየን ነዚ ህዝባዊ መጸዋዕታ ተቐቢለን ዘተግብረኦ ከኣ ኩላትና እንፈልጦ ስለ ዝኾነ ዝርዝር ኣየድልዮን። ህዝቢ ክሳብ ክንድዚ ንጠለቡ ጸማም እዝኒ ክወሃቦ እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ከም ዝሻቐልን ናይ ምቅላስ ፍናኑ ከም ዝህሰን ምርዳእ ኣገዳሲ ይኸውን።
“እቲ መሰረታዊ ለውጢ በቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ዝመጽእ” ንዝብሉ ወገናት፡ “ልኡማት ተቓወምቲ ህግደፍ” ብዝብል ክግለጹ ይስማዕ እዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ንወሳኒ ህዝባዊ እጃም ዘነኣእስ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናይቶም በሃልቲ ዝምድና ምስ ናታቶም ሃገራዊ ሕሳብን ረብሓን ዘለዎም ናይ ግዳም ሓይልታት ተመሓዚኻ ለውጢ ምምጻእ’ዩ እቲ ቅኑዕ’ዩ ካብ ምባል ዝነቅል እንተኾይኑ፡ ዋና ናይቲ ለውጢ ህዝቢ ኣይኮነን ናብ ዝብል ዝወስድ’ዩ። ኣብዚ እቲ ዘይቅቡል፡ ኢድ ኣእታውነትን ንህዝቢ ስቕ በል “ባዕለይ ኣለኹልካ” ኢልካ ካብ ቃልሱ ምጉናይን እምበር፡ ንናይ ሓባር ረብሓ ዝግበር ትካላውን ግሉጽን ምትሕግጋዝን ምምሕዛውን ንምጽራር ከምዘይኮነ ምስትውዓል ይግባእ።
More...
ቀዳማይ ሚንስተር ሱዳንን ግብጻዊ መዘናኡን ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃቡ
ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ካሚል ኢድሪስን ግብጻዊ መዘናኡ ሙስጠፋ ማድቡሊን ነቲ “በይናዊ” ዝበልዎ ፖሊሲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ናይል ከም ዝነጽግዎ ኣፍሊጦም። ኣብ ናይ 7 ነሃሰ 2025 ናይ ርክቦም እቲ ግብጻዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ከም ሓድሽ ዝምስረት ዘሎ መንግስቲ ሱዳን ዘለዎ ደገፍ ኣረጋጊጹ።
እዞም ላዕለዎት ሓላፍቲ ክልቲአን ሃገራት፡ ነዚ ዝገለጹ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ከም ቀዳማይ መገሽኡ ናብ ካይሮ ኣብ ዝኸደሉ እዩ። ኣብቲ ንፖሊሲ ኢትዮጵያ ዝነጸግሉ ርክቦም፡ ኢትዮጵያ እትወስዶም ስጉምትታት ምስ ዓለምለኻዊ ሕግታትን ስምምዕ 1959 ኣብ ጠቓቕማ ማይ ናይልን ዝጻረር ብምዃኑ እዩ ምባሎም ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
ሱዳንን ግብጽን፡ ኣብቲ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ 1929ን 1959ን ስምምዓት ፍትሓዊ ስለ ዘይነበረ ዳግመ-ርኢቶ ንክግበር ዝጸወዓቶ ናይ ኡጋንዳ (ኢንተበ) ኣኼባ “ኣንጻር ረብሓና እዩ” ብዝብል ኣይተሳተፋን። በቲ ናይ ቀደም ስምምዕ መሰረት ካብ ማይ ፈለግ ናይል፡ ግብጺ 55 ቢልዮን ኩቢክ ሜትሮ፡ ሱዳን ከኣ ናይ 18 ቢልዮን ኩቢክ ሜትሮ ቀዋሚ ብጽሒት ኣለና በሃልቲ እየን።
ናይ ግብጺ ቤተመንግስቲ ወሃቢ ቃል ከም ዝገለጾ፡ እቲ ሱዳናዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ’ውን ፍሉይ ርክብ ኣካይዱ እዩ። ኣብቲ ፍሉይ ርክብ ግብጺ ናይ ሱዳን ግዝኣታዊ ሓድነት ከም እትድግፍ ምግላጹን ሃገሩ ንህድኣት ሱዳን ብምሉእ ልቢ ከም ትሰርሕን ቃል ምእታዉ እውን ተጠቒሱ።
ኣብቲ ርክብ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ መዳያት፡ ወፍሪ፡ ጥዕና፡ ትምህርትን ሙያዊ ስልጠናን ንክተሓባበራ ከም ዝተረዳድኡ’ውን ተሓቢሩ። ኣብ ርእሲዚ እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ብዛዕባ ዞባዊ ጸጥታን ምርግጋእን ከም ዝተዘራረቡ ከኣ ተገሊጹ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ “ጉዳይ ፈለግ ኣባይን ኣፍደገ ማሕርን መጻኢ ዕድል ኢትዮጵያ ዝውስኑ እዮም” ክብል ዝጸንሐ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ፈለግ ኣባይ ዝሃነጾ ዓባይ ግድብ ህዳሰ፡ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም 2025 ንምምራቕ ኣብ ምሸባሸብ’ዩ ዝርከብ።