
ኣብዚ ዘለናዮ ዞባዊ ፖለቲካዊ ወጥሪ፡ ብዙሓት ኣዛረብቲ ዛዕባታት ክምዕብሉ ንዕዘብ ኣለና። ብሰንኪ’ዞም እዋናውያን ምዕባለታት ከኣ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣካላት፡ ናይ ርኢቶ ፍልልያት ይኽሰቱ’ለዉ። ጉዳይ “ልኢላውነት ኤርትራ” ከኣ ሓደ ካብቶም ቅድሚት ዝስርዑ ኣዛረብቲ እዋናዊ ዛዕባታት ኮይኑ ኣሎ።
ልኡላውነት፡ ህዝብን ሃገርን፡ ክቡር ዋጋ ዝኸፍለሉን ክዕቅቦ ዘለዎን; ብህዝባዊ ናይ ቃልሲ መስርሕ ዘረጋገጽ መሬት፡ ማይን ኣየርን ዘጠቓልል መሰረታዊ ናይ ሃገርነት ዓንዲ እዩ። ብፍላይ ልኡላውነት ኤርትራ ብመስዋእቲ ኤርትራዊ ዝተነድቀ፡ ብ1993 ብድምጺ ህዝቢ ዝጸንዐ፡ ብኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን ኣብ ድልዱል ባይታ ዝተሰረተ እምበር፡ ብነበረያነበረ ዝኹለፍ ኣይኮነን። ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብቲ ብ2017 ዘውጸኦ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ፡ እሞ ብብዙሓት ዝተደገፈ፡ እማመ ሓድነት ካብ ዘስፈሮም 4 መቖሚ ኣዕኑድ፡ “ንምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ” ቅድሚት ሰሪዑ ዝቃለሰሉ ዘሎ። ኣብ ብዙሓት መድረኻት ፖለቲካ ሃገርና ክለዓል እንከሎ ከኣ፡ “ልኡልወነት ናይ ህዝብን ሃገርንዶ ናይ መንግስቲ?” ዝብል፡ ሕቶ ብቐጻሊ ዝጥቀስን ዘካትዕን ኮይኑ’ሎ።
እቲ ቅኑዕ መልሲ ናይዚ መሰረታዊ ሕቶ፡ “ልኡላውነት ነቶም ምስ ግዜ ዘይሓልፉ፡ ህዝብን ሃገርን እምበር፡ ምስ ግዜ ንዝሓልፍ ስርዓትን ምምሕዳርን ዝወሃብ መግለጺ ኣይኮነን” ዝብል እዩ። ብመንጽር’ዚ ኣብ ኤርትራ ልኡላውነት ሃገርን ህዝብን ተዘይኮይኑ፡ ልኡላውነት ናይቲ ነቀይነቀይ ዝብል ዘሎ ጉጅለ ህግድፍ ዝበሃል የለን። እቲ ህግደፍ ነብሱ ንምድሓን “ነዓኡ ዝተቓወመ ልኡላውነት ሃገር ከም ዝጠለመ፡ ንዓኡ ዝደገፈ ድማ ንልኡላውነት ከምዝሕለቕ” ኣምሲሉ ክብለጸሉ ዝፍትኖ፡ መሰረት ዘየብሉ መዳህለሊ’ዩ። ብኣንጻሩ እኳደኣ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢዱ ብምእታውን ንዓመጸኛታት ብምድጋፍን፣ ልኡላውነትና ክግህሱ ንዝወጣወጡ ክዕድም ዝጸንሐን ዘሎን ዝአራጊ እዩ።
ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ክስመረሎም ካብ ዝግበኦም ጉዳያት፡ ህግደፍ ዝፍጽሞ ኩሉ ዓይንት ጥሕሰታት ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ምቅልዑ እምበር፡ “ንሱ’ኳ ከምዚ ዝግበረ” ኢልካ ደድሕሪኡ ምኻድን ተግባራቱ ምድጋምን መተካእታ ኣይኮነን። ብመንጽር’ዚ ነቲ ህግደፍ ዝፍጽሞ እሞ ደጋጊምና ዘወገዝናዮ፡ ልኡላውነት ዝጥሕስ ተግባራት እናዘርዘርካ፡ “ንሱ ስለ ዝዓበደ፡ ምስ’ቶም ልኡላውነትና ክግህሱ ዝህቅኑ ወገናት ምስላፍ ተቐባልነት የብሉን። ኣብ ክንድኡ እቲ ፍታሕ ሰማዒ እዝኒ እንተዝረክብ፡ ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲልካ ውሳነ ዶብ ኣብ መሬት ምምልካት’ዩ ነይሩ።
ህግደፍ ኣብ ውግእ ዩክረይንን ሩሲያን ዝወሰዶ ወራር ዝድግፍ መርገጽ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኢድ ኣእትዩ ኣብ ትግራይ ዘካየዶ ውግእን ሳዕቤናቱን፡ ኢሳያስ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ኢትዮጵያ ዘስመዖ ዝነበረ ታሪኽ ኣመዛቢሉ ሽውሃት ስሱዓት ዘጋድድ መደረታት፡ ኣብ ቅድሚ ታሪኽ ዝሕተተሉ እምበር ንዓኡ ዘንጊዕካ፡ ኢትዮጵያውያን ኣንጻር ኤርትራ ዝህቅንዎ ዘለዉ ወራር ጥራይ ምውሳድ ቅኑዕ ኣይኮነን። በቲ ንተግባራት ህግደፍ ክንቃወመሉ ዝጸናሕና ቃናን መትከልን፡ ንዝኾነ ወራር ምቅዋሙ ከኣ ርትዓዊ እዩ። ምኽንያቱ ግህሰት ልኡላውነትን ኣብዘይጉዳይካ ምእታውን፡ “ብመን ኣብ ልዕሊ መን ይፍጸም” ብዘየገድስ፡ ክኹነን ስለ ዝግበኦ። ካብዚ ወጻኢ፡ ንዕዘቦ ዘለና ከተወግዞ ንዝጸንሕካ ምስ ምዕቃብ ልኡላውነት ንዘይቃዶ ተግባራት ህግደፍ፡ ብኻልኦት ንኽድገም ምትብባዕ፡ ተጋራጫዊ ኣቕጣጫ ምሓዝ’ዩ።
ልኡላውነት ኤርትራ ክድፈር እንከሎ፡ ከም ንኢሳያስ መውቅዒ ጥራይ ወሲድካ፡ “ሕራይ ደኣ ኮነ” እናበልካ ናይቶም “ሓይሊ እንተሎ ሕጊ እንታይ ይዓብስ” ብዝብል ግጉይ ተረድኦ ዝሰኸሩ ወገናት መሳርሒ ምዃን ደሓር ተጣዒስካ ዘይምለስ ሕርያ እዩ። ከምቲ “ንልኡላውነት ምጥባቕን፡ ንህግደፍ ምድጋፍን ዘራኽብ የብሉን” ዝበልናዮ፡ “ልኡላውነተይ ኣሕሊፈ ኣይህብን” ንዝበለ ዓይንኻ ብጨው ተሓጺብካ “ደጋፊ ህግደፍ ኢኻ” ዝብል ስም ምሃብ ከተገናዝብ ዘይምብቃዕን ዘይብስለትን እዩ።
ብዘይካዚ ናይ’ቲ ህግደፍ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ርኢቶ ንዘለዎም ወገናት ካብ ህዝቢ ንምግላሎም ዝጥቀመሉ ኣግላሊ ስልቲ እሱር ምዃን’ዩ። ብኣንጻሩ ልኡላውነት ናይ ህዝብን ሃገርን ስለ ዝኾነ፡ ምእንታኡ ምሕላቕ መሰረታዊ መግለጺ ኣብ ጐኒ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ምስላፍ እዩ። ልኡላውነት ክድፈር እንከሎ፡ ምጽቃጥ ወይ ከኣ መራሕ መንገዲ ናይቶም ህንዱዳት ጠሓስቲ ምዃን፡ ከም ደላይ ለውጥን ሓላይ ህዝብን ጌርካ ክትገልጾ ምፍታን ከኣ “ዘበንያ ግርንቢጥስ ማይ ንዓቐብ” እዩ ዝኸውን።
ሎሚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ቃልሲ ውሕሉል ኣሰራርዓ ቀዳምነታት ዝሓትት፡ በቲ ሓደ ወገን ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ ዝማእከሉ በዓል ድርብ ዕማም ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። እቲ ንልኡላውነት ኤርትራ ዘይመልክዑ ንምሃብን ዝተረጋገጸሉ መስርሕ ጠማዚዝካ ናብ ዘይድለ ኣቕጣጫ ንምውሳድን ዝግበር ሃቐነ ከምቲ “ኩሉ ካብ ሓቁ ኣይሓልፍንዩ” ዝበሃል፡ ንበሃልቱ ኣብ ትዕዝብቲ ከውድቖም እንተዘይኮይኑ፡ ከቶ እቲ ክዉን ዝቕየር ኣይኮነን። ምናልባት “ብናይ ሓይሊ ብደዐ”፡ ተመኩሮ ዩክረይንን ሩሲያን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክደገም ዝጽበዩ እንተልዮም፡ ከምቲ “ክምካሕ ክምካሕ ኣብ ርእሱ ካሕ” ዝበሃል፡ ንዓኣቶም’ውን ጽባሕ ውሕስቲ ከምዘይኮነት ብምርዳእ፡ ኣብ መጻኢ ካብኦም ብዝሓየለ ክጽፍዑ ከም ዝኽእሉ የስተውዕሉ።
ምዕቃብ ልኡላውነት ኣብ ዓውዲ ውግእ ተሰሊፍካ ጥራይ ዝረጋገጽ ዘይኮነ፡ ህዝባዊ፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን መዳያት’ውን ስለዘለዎ፡ ኩሎም ግዱሳት ወገናት፡ ኣብቲ ተሰሊፈምሉ ዘለዉ ኣገባብ ቃልሲ ኮይኖም ግቡኦም ዝፍጽምሉ ሰፊሕ ዓውዲ’ዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብዚ መዳይዚ ብመሪር ቃልስን ሓያል ብደሆታትን ተፈቲኑ ዝተደለበ ተመኩሮ ስለ ዘለዎ፡ ምስ ህዝቡን ሃገሩን እምበር ምስ ዲክታተርነት ኮነ ወረርቲ ሕግብግብ ዝብል ኣይኮነን። ዘይኤርትራዊ ሓይሊ፡ ካብ ናቱ ሃገራዊ ሕሳብን ረብሓን ነቒሉ ብዘዕጥቐና ኣጽዋር’ዩ ራህዋ ህዝብና ዝመጽእ ኢሎም ዝኣምኑ ኤርትራውያን እንተልዮም፡ ክሳብ ክንደገይ ንግደ ህዝቢ የስተናዕቑ ከም ዘለዉ ይረደኣዮም።
ስዉእ ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል (ሓረስታይ)፡ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ጀርመን ካስል 1999፡ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ “ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ምእላይን ብዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካእን፡ ናይ ኤርትራውያን መሰል ጥራይ እዩ። …….ናይ ዝምድናታትና ምስ ሃገራት ተደላይነትን ደረጃኡን ከኣ፡ ብመንጽር ረብሓታትና ዝቕየስ’ዩ። ከምኡ እውን ንህዝብታት ዘቐደመን ኣብ ቅድሚ ዝምልከቶም ግሉጽ ዝኾነን እምበር፡ ብውድባዊ ጠቕምታት ዝተሓጽረ ዝምድና ዘይንኣምነሉ’ዩ” ዝበሎ ምዝካሩ እዋናውን ኣገዳስን እዩ።
ስለዚ ብሰንኪ ህግደፍ ኩሉ መሰላቱ ተገፊፉ ጸልሚትዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኣና በቶም ኣብ ጉዳይና ቅድሚት እንስራዕ ሰብ ዋኒን ኤርትራውያን እምበር፡ “ልኡላውነቱ ዝግሀሱ ሓይልታትን ኣሳሰይቶምን ብዝፈጥርዎ ኩነታት ክርህዎ እዩ” እናበልካ ቃል ምእታው፡ ክሳብ ክንደይ ደረቱ ዝሓለፈ ሸፈጥ ምዃኑ ህዝብና ከስተብህለሉ ዘለዎ’ዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ስም ኤርትራን ኢትዮጵያን ክለዓል እንከሎ፡ እንተ ብጉርሒ እንተ ብገርሂ ዝፍጠር፡ ኣብቲ ብዛዕባ ኤርትራ ዝበሃል ናይ ኣረዳድኣ ፍልልይ ኣሎ። ካብቲ ፍልልያት ዝንጸባረቐሉ ዘሎ እዋናዊ ኣበሃህላታት፡ ናብ ኤርትራ ገጹ ዝስንዘር ዘሎ መደረታት መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚት ዝጥቀስ እዩ። እንተኾነ ብጽሞናን ብቕንዕናን ንዝከታተል፡ እቲ ኣባላት ዝተፈላለዩ ሕብረተሰብን መድያታትን ኢትዮጵያ ዝጽሕፍዎን ዘንብብዎን ገዲፍካ፡ ቀዳማይ ሚኒስተሮምን ኣብ ዝተፈላለዩ ሲቪላውን ወተሃደራውን ጽፍሕታት ዝርከቡ ላዕለዎት ሓልፍቲ በብግዜኡ እሞ ብዘየሻሙ፡ ኣፎም ደም ክሳብ ዝወጽእ“ሕቶና ናይ ወደብ ተጠቃምነት ዘይኮነስ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ ናትና’ዩ” ዝብልዎ ንምርዳእ ተርጓማይ ዘድልዮ ኣይኮነን።
ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረዳድኣ ዘለዎም ዝመርሕዎ መንግስቲ “ክዛመድ እየ” ዝብል ኤርትራዊ ኣካል፡ ኮነ ኢሉ ዝኣትዎ ዘሎ ደሓር ዘጣዕሶ ምዃኑ ክእመን ይግብኦ እምበር፡ ነቲ ዋናታቱ ዘነጸርዎ ኣባሃህላ ዘይትርጉሙ ብምሃብን ብምጽብባቕን ከቕርቦ ኣይግባእን። ኣብ ርእሲ’ዚ ግጉይ መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ንህዝቢ ናብ ዘየዋጽእ መንገዲ ምምራሕ ምዃኑ ከሎ ጋና ምግንዛብ የድሊ። እቲ ኣበሃህላ ንጹርን ስኑድን ክነሱ፡ ዘይመስል ሕብርታት ቀባቢእካ ንዝሻቐሉ ወገናት ክትጥብር ምፍታን፡ “ንርእስኻ ተጋጊኻ ንኻሎት ምልካም” ስለ ዝኾነ፡ በሃልቱ ቀይሕ መስመር ከይጥሕሱ፡ ብጽሞና ክሓስብሉን ናብ ንቡር ክምለሱን ይግበኦም።
ሓሓሊፉ እውን ካብ ሃገርና ወጻኢ ንቃለስ ስለ ዘለና፡ ጉዳይ ልኡላውነት ቀዳምነትና ኣይኮነን። ልኡላውነት ኣብ ዓድኻ ኮይንካ ጥራይ እተከላኸለሉ ዕማም እዩ ክበሃል ይስማዕ እዩ። ወዮ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን የገድሰኒ ኢልካ እሞ ኣብ ኤርትራ መቃለሲ ባይታ ስኢንካ ኣብ ወጻኢ ኮንካ ንለውጢ እንዳተቓለስካስ፡ “ኣብ ሉኡላውነት በጺሕካ” ነዓይ ዝምልከት ኣይኮነን ብምባል፡ ኣንጻር ልኡላውነትካ ዘንቀደ እሞ ተመሓዘዎ ዘላኻ ወገን ከይተረፈ ክዕዘበካ እዩ። ምኽንያቱ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኣበይ ኮንካን መዓስን ብዘየገስ፡ ኣብ እንግደዓ ኩሉ ደላይ ለውጥን ምዕባለን ኤርትራዊ ዜጋ ዘሎ ጾር እምበር፡ ይጽናሓለይ ዝባሃል፡ ንሓንሳብ ትርዕሞ ንሓንሳብ ከኣ ተዋድቖ ሓላፍነት ኣይኮነን።
እዚ ኩሉ ምስምስ ምስቲ ናይ ምትግባር ዓቕሙ ብዘየገድስ፡ “ልኡላውነት ኤርትራ ከይገሃስኩ ኣይዓርፍን’የ” ዝብል ሓይሊ ንምዝማድ ዝመሃዝ ዘሎ እንተዘይኮኑ፡ ሰኣን ኣፍልጦ ዝመጽአ እዩ ኢልካ ተደዓዕሶ ኣይኮነን። ምናልባት ምስቲ “ንሰውራ ኤርትራን ሓርበኛታቱን፡ ብሽፍትነትን ሸፋቱን” ዝገልጽ ኣተሓሳስባ ዝምድና ከይህልዎ ዝሰግኡ’ውን ብዙሓት እዮም። ነዚ እዩ ከኣ፡ “ፈሊጡ ዝደቀሰሲ ሓርማዝ ነይንቕንቖ ደኣ ከይከውን” ዘብል። “ሎሚ ልኡላውነት ኤርትራኮ ኣብ ኢድ ኤርትራዊ ኣይኮነን ዘሎ ስለዚ ኣብ ኢድና ብዛዕባ ዘየለ ክንግደስ ኣይግበኣናን” ክሳብ ምባል ዝበጽሑ’ውን ይስምዑ’ዮም። ”ኣብ ትሕቲ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ባህሪ ዘለዎ ሓይሊ?” ዝብል ኣዛራቢ ምዃኑ ርዱእ እዩ፡ እንተኾነ “ልኡላውነት ኤርትራ ካብ ዋንነት ወጻኢ ኮይኑ” ኣብ ሃዋሁው ተንጠልጢሉ ዘሎ ከምዘይኮነ ምርዳእ ግድን የድሊ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ኳ፡ “ኤርትራ ድሕሪቲ ህዝባ ኣህጉራዊ ተዓዘብቲ ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ዳርጋ ብምሉእ ድምጺ ነጻነት ዝደገፈሉ ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም)፡ ካብ 28 ጉንበት 1993 ጀሚራ መበል 182 ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ዝተመዝገበት ልኡላዊት ሃገር እይ። ግና ድማ፡ ብሓደ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ዝበሃል፡ እንኮ በሓቲ ፖለቲካዊ ውብድ እትግዛእ ዘላ እያ” ዝብል ምስክርነቱ እዩ ዝህብ። እዚ ምስክርነት’ዚ ንክብርን ልዕልናን ህዝብን ሃገርን ዝወሃብ ቀዋሚ መረጋገጺ እምበር፡ ህግደፍ ክህሉ እንከሎ ዝህሉ፡ ክኸይድ እንከሎ ድማ ሒዝዎ ዝኸይድ ዘይምዃኑ ምግንዛብ ከኣ ካልእ ኣገዳሲ ቁምነገር እዩ። ኣብ ክንዲ ንህግደፍ ተቓሊስካ ምስዓር፡ ንዕኡ ዝረኸብካ መሲሉካ፡ ብኤርትራዊ ሃገራውነትን ልኡላውነትን ምውጋይ መሰረታዊ ገጽ ናይቲ ጌጋ’ዩ።
ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ንናይ ለውጢ ቃልሲ ዘሕይል እምበር ዘዕንቅፍ ኣይኮነን። ምእንቲ’ዚ እዩ ከኣ ምዕቃብ ልኡላውነትን ምዕዋት ናይ ለውጢ ቃልስን ተመላላእቲ እምበር፡ ንሓዲኦም ነጺልካ ምውሳድ ዘየዕውት ዝኸውን። ሃገር ከየውሓስካ “ብናይ መንግስቲ ለውጢ ጥራይ” ኣመሳሚስካ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ከተውሕስ ምሕላም፡ “ግራት ከይሓዝካ ምሩጽ ዘርኢ ከም ምንዳይ” ዝቑጸር ዝንቡዕ ኣቀማምጣ ዛዕባታት እዩ።
ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ድሕሪ ስሩዕ ኣኼባኡ ምክያድ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ፡ ብዝኾነ መንገዲ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ክንውንን ኢና ብዝብል ኣንጻር ልዑላውነት ኤርትራ የለዓዕል ከም ዘሎ ብወግዒ ዝገለጾ’ዩ። እዚ ሕቶዚ ብታሪኻዊ ይኹን ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን መዐቀኒ ቅቡል ስለ ዘይኮነ፡ ከም ዝቃወሞ ኣረጋጊጹ።” ዝበሎ ንገለ ካብቲ ዝንዛሕ ምድንጋራት ንምውጋድ የኽእል’ዩ ብዝብል እዩ።
ነዚ ብዛዕባ ምትፍናን ክልቲአን ሃገራት የማነ ጸጋም ዝገማዳሕ ዘሎ፡ ናብ ንክልቲኡ ህዝብታት ዘየርብሕ ውግእ ከይምዕብል ዘስግእ ተርእዮታት ቅኑዕ መልክዕ ኣብ ምትሓዝ ወሳኒ ዕማም ዝጽበዮ ዘሎ፡ ብሓፈሻ ህዝብና ክኸውን እንከሎ፡ ብፍላይ ከኣ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ቅድሚኡ፡ ሓቢርካ እንተዘይኮይኑ በበይንኻ ዘይስገር ብደሆ ይጽበዮ ከምዘሎ ተደጋጊሙ ዝግለጽ’ዩ። ነዚ ዝምልከት’ውን መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ “1ይ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ፡ 2ይ ምዕቃብ ልዑላውነት፡ 3ይ ምሕላው ሓድነት ህዝብን 4ይ ድማ ምትካል ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ኣብ ዝብሉ 4ተ መሰረታዊ ኣዕኑድ ኣትኪሉ ዝተጠርነፈ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ንምሕያል ዘለዎ ድልዉነት እናረጋገጸ፡ ዝሰፍሐ ጽላል ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ንክምስረት ከም ወትሩ ዕዙዝ ጸዋዒት ኣቕሪቡ።” ኢሉ።
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሓድሽ ፍቕሪ ዝነበረሉ መድረኻት፡ ንሰማዒኡ ብዘደንጸወ መደረታት፡ ብሓፈሻ ንልኡላውነት ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ንወደ ዓሰብን ገማግም ቀይሕ ባሕርናን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኣበሃህልታት ደጋጊሙ ብምቅላሑ ክሳብ ክንደይ ህዝቢ ኤርትራ ተቖጢዑን ተሻቒሉን ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ እውን እቲ ተግባር ብኻለኦት፡ መልክዑ ብዝቐየረ ኣገባብ ከይድገም እሞ ናብ ሓደጋ ዝወስድ ኣንፈት ከይሕዝ፡ ነቲ ኩነታት ብንቕሓትን ኣተኩሮን ንኽከታተሎ ብትሪ ነዘኻኽሮ።
ኣብ ዞባና ብሓፈሻ፡ ኣብ ኤርትራን ጐረባብታን ድማ ብፍላይ፡ ምስ ዓቕሚ ክፈጥረለይ ይኽእል እዩ እትብሎ፡ ተመሓዚኻ ናይ ምጥቕቓዕ ቅድድም ክረአ ጸኒሑን ኣሎን እዩ። ድሕር’ቲ ኣብ መንጎ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ውዑል ሰላም፡ ዝተራእየ ውድድርን ህልኽን፡ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተደረተ ይመስል ነይሩ። ሎሚ ግና እቲ ዝካየድ ዘሎ ተጻራሪ ክባን ዕጽዋን፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ከባቢና ዝሕቆን ዘሎ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኮይኑ ሓድሽ መልክዕ ዝሕዝ ዘሎ’ዩ። እዚ ክስተት ሕጂ ዝጅምር ዘሎ ዘይኮነ፡ ክሕቆን ዝጸንሐ ምጥልላምን ትካላዊ ሰረት ዘይነበሮ ዝምድናታትን ዘስዓቦ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ።
ኣብዚ ኣብ ጐረባብትና ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትሕልላኽ፡ ኣስማተን ቅድሚት ዝጽራሓ ዘሎዋ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን እየን። ኣብዚ ውድድር እቲ ሓደ ዝሓዘ ሒዙ ነቲ ካልእ ናይ ምጭናቕ ቅድድም ኣብ ርሱንን ዘሻቕልን ብርኪ በጺሑ ይርከብ። ህግደፍ ኣብ ጐኑ ፋኖ፡ ኦነግ፡ ሓደ ክፋል ህወሓት፡ ኣብ ምስላፍ ተጸሚዱ’ሎ። ብልጽግና ብኣንጻሩ፡ ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ፡ ብስም ግንባር ብርጌድ ንሓመዱ ዝፍለጥን ካለኦት ኤርትራውያንን ኣብ ጐኑ ንምስላፍ ካብ ምጽዓት ዓዲ ኣይወዓለን።
እቲ ጀጀንዳኻ ኣሰሊፍካ ናይ ምኽባብ ዓንኬል፡ በዚ ናይ ቀረባ ጐስጓስ ዝድረት ዘይኮነ፡ ብዝሰፍሐ መልክዑ፡ ህግደፍ፡ ግብጺ፡ ሱዳናዊ ጉጅለ ጀነራል ኣልቡርሃንን ሳዑዲ ዓረብያን ኣለዋ። ብልጽግና ብወገኑ፡ ኢማራትን ሱዳናዊ ጉጅለ ሕመቲን ኣብ ጐኑ ከሰልፍ ይጽዕት ኣሎ። እዚ ብኣላይነት ነዊሕ ኢድን ህጣራ ካዝናን ዘለዋ ኢማራት ዝዝርጋሕ ሓደገኛ ገመድ፡ ክሳብ ቻድን ሊቢያን ዝምጠጥን ንሃገረ ሱዳን ናብ ክልተ ከይመቅል ዘስግእን ምዃኑ ይግመት።
ህግደፍን ብልጽግናን ነዚ ኩሉ ውዲታት ክኣልሙ እንከለዉ፡ ክበጽሕዎ ዝደልዩ ሸቶታት ከም ዘለዎም ይነግሩ እዮም። ብልጽግና ዝሓዘ ሒዙ ኢትዮጵያ ብወገን ኤርትራ ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ ክገብራ እየ ይብል። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ሰልፊ ብልጽግና ማእከላይ ባይቶ ኣኼባ ኣብ ዝወጸ ደምዳሚ መግለጺ’ኳ፡ “ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ተፈጥሪኣዊ መሰልና ዓለም ለኸ ኣጀንዳ ጌርናዮ ኢና። በዚ መስረት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረና ዋንነት ንምምላስ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ሰጒምና ኣለና።” ይብል።
ህግደፍ ብወገኑ ብወግዒ ዝዛረበሉ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ንኣብይ ካብ ስልጣን ኣወጊድካ ኣብ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ገባሪ ሓዳጊ ናይ ምዃን ሕልሙ ስለ ዘይቀበጸ እዩ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ዝሓማዙቕ ዘሎ። እቲ ኣብ ጐኒ ህግደፍ ኮነ ብልጽግና ተሰሊፉ ክጐራበት ዝደሊ ዘሎ ወገናት’ውን፡ ንመሰነይታ ዘይኮነ፡ ነናቱ ሕሳባት ኣለዎ። ህወሓት ብውሕዱ በዚ “ጽምዶ” ዝብል ስም ተዋሂብዎ ዘሎ ኣዛራቢ መንገዲ ኣቢሉ፡ ብሰንክቲ ውግእ ተወሲዱኒ ዝብሎ መሬት ከምልስ ከም ዝደሊ ርኡይ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ስኢንዎ ዘሎ ስልጣን ክመልስ ኣይሕልንን ምባል’ውን ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሕድሕድ ፖለቲከኛታት ትግራይ፡ “መጻኢ ጉዕዞና ናብ ነጻ ሃገረ-ትግራይ ድዩ ወይ ጉዳያት ናብ ንቡር መሊስካ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይንካ ምቕጻል?” ዝብል ኣዝዩ ኣከራኻሪ ኮይንዎም ዘሎ እዩ።
ናብቲ ስፍሕ ዝበለ መድረኽ ምትፍናን ክውሰድ እንከሎ ከኣ፡ እተን ዝመሓዘዋን ንዋት ዝልግሳን ሃገራት’ውን ነናተን ሕሳብ ኣለወን። ግብጺ ምስ ዓብይ ሕዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ዝተሓሓዝ ዘይተወደአ ዋኒን ኣለኒ በሃሊት እያ። ኤመራት ከኣ ንብልጽግና ደንጊጻ ጥራይ ዘይኮነት፡ ኣካልቲ ዝተነፍጋ ቁጠባዊ ግደኡ እናዓዘዘ ዝመጽእ ዘሎ ቤት ምኽሪ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምዃን ህልኸኛ ህርፋን ኣለዋ።
እቲ ካልእ ምስ ኤርትራ ኮነ ምስ ኢትዮጵያ ንምምሕዛው ዘብዘብ ዝብል ዘሎ ወገናት’ውን ነናቱ መዕለቢ ዘይረኸበ ውሽጣዊ ዕዮ ገዛ ዘለዎ እዩ። ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ ጸገማት ናይ ሓደ መፍትሒ’ኳ ኣይገበረን። ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፡ ኦሮሞ፡ ትግራይን ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ክልል ደቡብን ዘዕለቕልቕ ዘሎ ናይ ህውከት ማዕበል ኣቐሚጡ እዩ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዘመዓዱ ዘሎ። እቲ ዘሕዝን ግና ነቲ ሓዊ እቲ ህውከተኛ ምስ ኣጐዶ፡ እቲ ኣብ ዘይወዓሎ ክቡር ዋጋ ዝኸፍአሉ እቲ መከረኛ ህዝብታት ምዃኑ’ዩ።
“በዚ ኣሰላልፋታት፡ በየናይ ኣገባብ ኣቢሎም’ዮም ነቲ ዝጽበይዎ ክበጽሕዎ ዝደልዩ?”፡ ዝብል ሕቶ ኣዝዩ ኣከራኻርን ኣሰካፍን ኮይኑ ዘሎ እዩ። እቲ ዓው ኢልካ ዝዝረበሉ ዘሎ ውግእን ወረ ውግእን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ፖለቲካዊ ዛዕባ ዞባና ክለዓል እንከሎ፡ ብቐጥታ ናብ ኣእምሮ ብዙሓት ዝመጽእ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያንሲ ወግእ ክካየድ ድዩ ኣይካየድን?” ዝብል እዩ። ናይ’ዚ ሕቶ’ዚ መልሲ ዝተፈላለየ ኮይኑ ንረኽቦ። ገለ ወገናት “ተኹሲ እዩ ዘይተሰምዐ እምበር፡ ኣብ ፖሮፖጋንዳዊ፡ ዲፕሎማሲያውን ሸመታ ኣጽዋርን እኮ ውግእ ተጀሚሩ እዩ፡ እቲ ተኹሲ ድማ ዘይተርፍዩ” ይብሉ። ካለኦት ብወገኖም፡“እቲ ዝስማዕ ናይ ውግእ ዳንኬራታት ንምስንባድን ጠመተ ህዝቢ ንምጥምዛዝን እንተዘይኮይኑ፡ ውግእ ኣይክህሉን እዩ” ክብሉ ይስምዑ።
ብደረጃ ዓለምን ኣፍሪቃን ከይተረፈ፡ ሃብታም ዲፕሎማሲያውን ፖለቲካውን ተመኩሮ ዘለዎ፡ ኤርትራዊ ኣንበሳደር ሃይለመንቄርዮስ ብወገኑ ኣብዚ ቀረባ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ “ውግእ ኣይመጽእን እዩ ኢልካ ክትሓስብ ኣይትኽእልን ኢኻ፡” ምባሉ እውን ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ። ካብቶም ውግእ ንምክያድን ዘይምክያድን ብተዓዘብቲ ኣብ ግምት ዝኣትዉ መለክዕታት፡ ናይተን ሃገራት ቁጠባውን ወተሃደራውን ዓቕሚ፡ ዓለምለኻዊ ተጽዕኖ…….ወዘተ እዮም።
ከምዚ ዝኣመሰለ ወጥሪ ክፍጠር እንከሎ፡ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጀሚርካ ብዙሓት ኣህጉራዊ ትካላት “ዓገብ” ክብሉ ምጽባይ ንቡር እዩ። እንተኾነ ናይ ካለኦትስ ይጽናሕ እሞ፡ ብዓብይኡ ድምጺ ናይቲ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ከኣ ድምጺ ናይቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኣባልነት ዝርከበኦ 8 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሓቖፈ ኢጋድ’ኳ ድምጹ ዘይምስምዑ ዘተዓዛዝብ’ዩ።
ኣብዚ ሓያል ናይ ምፍጣጥ መድረኽ፡ “ምስቲ ምስላፍ ኮነ ምስቲ ምውጋን” ንረብሓ ህዝቢ ሰለ ዘይኮነ፡ እቲ ፍታሕ “ውግእ ብዝመጾ ይምጻእ ዝድገፍ ዘይኮነ፡ ክኹነን ዘለዎ’ዩ” ዝብሉ ወገናት እውን ኣለዉ። እዚ ከኣ ካብቲ ክልተ ናይ ህውከት ህርፋን ጫፋት ወጻኢ ኮይኑ፡ ሰዲህኤ እውን ውግእ መፍትሒ ከምዘይኮነ ዝኣምን ሰልፊ እዩ። ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ ተመኩሮኡ ከም ዝነግሮ፡ ውግእ ብመን ከም ዝኽፈትን ደሓር ንመን ዋጋ ከምዘኽፍልን ኣጸቢቑ ስለዝፈልጥ፡ ምርጫኡ ኣንጻር ውግእ ከም ዝኸውን እሙን’ዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ከከም ዝጥዕሞም ንኣፍሪቃ ክማቐልዋ እንከለዉ፡ ኢጣልያ ንኤርትራ ወሪራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ኣእተወታ። መግዛእቲ ኢጣልያ ግዝኣቱ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምስፍሕፋሕ ንኣስመራ ከም ቀንዲ መንበርን መዋፈሪኡ ክትከውን ኣዕበያ። ነዚ ዘረጋገጾ ብጉልበትን ሃብትን ናይቶም ኤርትራውያን ደቀባት ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ እዋንቲ ምስዝነበሮ ውሱን ዓቕሚ ንፋሽስታዊ መግዛእታዊ ምምሕዳር ኢጣልያ ብቐሊሉ ሃንጐፋይ ኢሉ ኣይረዓሞን።
ኣብ 2ይ ውግእ ዓለም ኤርትራ ሓያላት ሃገራት ስለ ዝዘረይዋ፡ ከምተን ካለኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኤውሮጳውያን ዝነበራ ሃገራት ብቐጥታ ኣኽሊል ናጽነት ክትደፍእ ኣይከኣለትን። ብኣንጻሩ እቶም ናይ ምውሳን ተጽዕኖ ዝነበሮም ሓያላት ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኣብ ሕድሕዶም’ውን ምርድዳእ ስለ ሰኣኑ፡ ኤርትራ ካብ ትጽቢት ህዝባ ወጻኢ ን10 ዓመታት ኣብ ትሕቲ መጉዚትነት ዓባይ ብሪጣንያ ክትጸንሕ ተወሰነ።
ኤርትራ ኣብ ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝወደቐትሉ ግዜ፡ “መጻኢ ዕድል ኤርትራ” ንምውሳን ኣዝዩ ጽዑቕ ፖለቲካዊ ላዕልን ታሕትን ተኻየደ። ምምሕዳር እንግሊዝ ምስ ኩሉቲ ጨቋንን ፈላሊኻ ግዛእ ኣመሓዳድራኣን ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕ ቁጠባዊ ፖሊሲኣን፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ስለ ዘፍቀደት ኤርትራውያን ከከም ዝንባለኦም ተወዲቦም መጻኢ ዕድል ሃገሮም ክውስኑ ተንቀሳቒሶም። እንተኾነ እተን ኣብቲ ግዜቲ ዝተፈጠራ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ማሕበራት ብሓፈሻ፡ ካብ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ተጽዕኖ ብፍላይ ከኣ ካብ ኢድ ኣእታውነት ንጉሳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ናጻ ሰለ ዘይነበራ መሰረታዊ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ኣየማልኣን። ኣብ መውዳእታ ከኣ እቲ ካብ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ዝተመስረተ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ሰንከልከል ክብል ምስ ጸንሐ፡ ብ14 ሕዳር 1962 ብኢደወነናዊ ውሳነ ንጉሰ ሃይለስላሴ መሊኡ ፈረሰ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉቲ ብሕቡእን ብግሁድን ንናጽነቱ ዘካየዶ ፈተነታት ምስ መኸነን እቲ ካብ ድልየቱ ወጻኢ ዝተደኰነ ፈደረሽን እውን በቲ ዝወሰኖ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ምስተጠልመ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብዘይካ“ንመግዛእቲ ክርዕም ወይ ድማ ዝበለሐ ኣገባብ ቃልሲ ክኽተል” ካልእ ምርጫታት ኣይነበሮን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባር ስለ ዘይመረጸ ከኣ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ሕጋውን ዘይጉነጻውን ኣገባብ ቃልሲ ንናጽነት፡ ዝበልሐን ዝለዓለን ኣገባብ ክኽተል ናይ ግድን ኮነ። በዚ መሰረት ባሕቲ መስከረም 1961ብመሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ተበሰረ። ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ወድዓዊ ኩነታትን ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነትን ኣንቢቡ ኢዩ ተበጊሱ። ኣብቲ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝተመኮሩ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻእን ሓሲቦምን ምስቲ ዝነበረ ዓለማዊ ኩነታት ኣገናዚቦምን ምስ ዝተወሰነ በዓል ቤታዊ ሕጽረታት ዝኣተዉዎ ምርጫ’ዩ ነይሩ።
ቅድሚቲ ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝመራሒኦም ብባሕቲ መስከረም 1961 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ምብሳሮም፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሃገር ግብጺ፡ ብ7 ሓምለ 1960፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ትምህርትን ስራሕን ዝነበሩ ኤርትራውያን ንኣጀማምራ’ቲ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝምልከት ተኣኪቦም ምዝታዮምን ኣብቲ ዓመት ብ10 ሓምለ 11 ዝኣባላታ መሪሕነት ምምራጾምን ድማ፡ እቲ ብረታዊ ቃልሲ ብኣፍልጦ እምበር ብሃንደበት ከም ዘይተጀመረ ዘረድእ እዩ።
ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዕላማኡ እንታይ ምዃኑ ከይተረደአ ዝነቐለ ዘይኮነ፡ ኣብ 5 ጉዳያት ዘተኩር 14 ዓንቀጻት ዝሓዘ መበገሲ ሰነድ ከም ዝነበሮ ብዛዕባኡ ዓሚቕ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ዘረጋገጽዎ እዩ። ኣብቲ መበገሲ ሰነድ፡ ሰውራ ንምሕያል ከከም ኩነታቱ ብግሁድን ብስዉርን ሰፊሕ ህዝባዊ ውደባ ምክያድ፡ ሓድነት እቲ ዝምስረት ሰውራን ህዝቢ ኤርትራን ምዕቃብን ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ግንዛበ ክረክብ ጻዕሪ ምቕጻልን ዝብሉ፡ ኣይኮነንዶ ኣብቲ እዋንቲ ሎሚ እውን ኣገዳስነቶም ህያው ዝኾኑ ሓሳባት ነይረምዎ። ከም ኣካል ናይዚ ሰነድዚ ተሳትፎ ኣብቲ ቃልሲ ንዝኾነ 18 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ዝዕድሜኡ ኤርትራዊ ክፉት ምንባሩ ከኣ ክሳብ ክንደይ ኣህጉራዊ ሕጊ ውትህድርና ኣብ ግምት ዘእተወ ከም ዝነበረ ዘመልክት እዩ።
ሰውራ ኤርትራ ብባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕነት እቲ ብ1915 ተወሊዱ ብ1962 ዝተሰወአ ሓምድ እድሪስ ዓወተ ምስ ተበሰረ፡ ብዙሓት ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ክኽተልዎ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ተወሊዱ፡ ብ1934 ኣብ ሱዳን ወተሃደር ዝነበረ፡ ኣቡ ርጀላ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1962 ንሱ ዝርከቦም 20 ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ናብቲ ዕሸል ሰውራ ከም ዝተጸንበሩ ይገልጽ። እቲ ዋሕዚ ተሳትፎ ድሕሪኡ ክሳብ ነጻነት ኣየቋረጸን።
እቲ ብኸምዚ ዝኣመሰለ መስርሕ ዝሰፍሐ ሰውራ፡ ኣብ ጉዕዞ የጋጥሞ ንዝነበረ ውሽጣዊ ምፍንጫላትን ተጻብኦታትን በዲሁ፡ ናይ ኣእላፍ ጀጋኑ ህይወት ገቢሩ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ናይ ቃልስን ዓወትን ጉዕዞ ብ1991 ናጽነት ኤርትራ፡ ድሕሪኡ ከኣ ብ1993 ብረፈረንደም ልኡላዊት ኤርትራ ኣውሒሱ። እዚ ዓወትዚ ናይቲ ቃልሲ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ መዛዘሚ፡ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ምዕራፍ ከኣ መኽፈቲ እምበር፡ ናይ መውዳእታ ኣይነበረን። ምኽንያቱ “ልኡላዊት ኤርትራ ከመይ ትመሓደር?” ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ዝመለሰ ስለ ዘይነበረ። ብመሰረቱ እውን ናይቲ ቃልሲ መበገሲ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ኤርትራዊ ኣካላዊ ህልውና ጥራይ ዘይኮነ፡ ምረት ናይቲ ብኣታቶም ዝወርድ ዝነበረ ወጻዒ ኣተሓሳስባ እዩ ነይሩ። ስለዚ እዩ ከኣ ንምውጋድ ጉጅለ ህግደፍን ኣተሓሳስባኡን ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ድሕሪ ነጻነት ክቕጽል ባህርያዊ ዝኸውን።
ባሕቲ መስከረም እዚ ን64 ዓመታት መልክዓቱ እንዳቀያየረ ጌና ዘይዓረፈ ዘሎ ቃልሲ በቲ ዝበለሐ መልክዑ ዝተጀመረላ ስለ ዝኾነት ክንዝክራ ግቡእ እዩ። ኣብቲ ዝኽራ ኣብ ጸልማት ኮይኖም ብርሃን ከም ዝመጽእ ተኣማሚኖም ቃልሲ ብዛዕባ ምጅማሮምን ዝሰዓብዎም ሓርበኛታትን ገድሎም ከነዝንቱ ግድን እዩ። እቲ ቀንዲ ቁምነገር ግና “ንሳቶምስ ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኩበሙና ንሕናኸ ናበይ ገጽና ኢና?” ዝብል ንቕድሚት ዘማዕዱ ሕቶ ንምምላስ ድልዊ ምዃን እዩ። እቶም ሓርበኛታት ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኪቦም ስለ ዝሓለፉ ቅሱናት’ዮም። ንሕና ግና እቲ ሓላፍነት ጌና ኣብ እንግደዓና ስለ ዘሎ ሰብ ዕዳ ኢና። ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ ከኣ ሓደራ ክርከብ ግድን ስለዝኾነ፡ ኣብቲ ምርኽኻብ “እዚ ዓሚምና ኣለና ንስኻትኩም ከኣ መልእዎ” ዝተባህሎ ስራሕ ክንዓመም ይግበኦ። ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ሓቢርካ ምቅላስ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ኣዝዩ ዕዙዝ ኣብ ዝኾነሉ፡ ብደምን ኣዕጽምትን ተነዲቑ ብኣህጉራዊ ሕግታት ዝተዋሕሰ ልኡላውነትና እንደጋና ንድሕሪት ክመልሱ ዝደልዩ ኣካላት ኣብ ዝቀላቐልሉ ግደ መንእሰይ ኤርትራ ዝያዳ ወሳኒ ምዃኑ ምስትውዓል ከኣ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ተጸዋዊሮም፡ ተመላሊኦምን፡ ትርጉም ፍልልያዊ ሓድነት ተገንዚቦምን ብሓባር ክቃለሰሱ ኣብ ዝጥለብሉ ኢና ባሕቲ መስከረም 2025 ንዝክር ዘለና።
ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!
ባሕቲ መስከረም 2025
ሕጊ ደቂ ሰባት ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ ደረጃ መነባብሮ ተኸባቢሮምን ተኸኣኢሎምን ንክነብሩ ዘኽእል ቀይዲ እዩ። ሕጊ ድልየትን ስምምዕን ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ኣእትዩ ስለዝቐውም ድማ ንኹሉ ማዕረ ኣገልግሎትን ይህብ። እዚ ኣብ ደቂ ሰባት ጥራሕ ዝረኤ ዘይኮነ፡ ኩሉ ፍጡር ዝምራሓሉ ነናቱ ተፈጥራዊ ሕጊ ኣልዎ። ህልውና ሰባት፡ ኣብ “መን’ዩ ሓቀኛ?” ዘይኮነ፡ ኣብ “መን’ዩ ሓያለ?” ዝምርኮስ ንከይከውን ሚዛን ዝሕሉ ሕጊ እዩ። ሰባት ይኹኑ ትካላት በብደረጀኦም “እንታይ ከም ዝገብሩን እንታይ ከምዘይገብሩን” ዝድርት’ውን ንሱ እዩ። ሕጊ ኣጽኒዑ ንዘኽብሮ ዘተባብዕን ዝሕሉን ክኸውን እንከሎ፡ ንዝጠሓሶ ከኣ ናይ ምቕጻዕን ምግዳብን ጉልበት ኣለዎ።
ኤርትራውያን ካብ እንልለየሉ ሓደ ኣብ ሕጊ ዘለና ምእዙዝነት እዩ። ኣብ ኤርትራ ሕጊ ካብታ ዝተሓተት ምምሕዳር ቁሸት ጀሚሩ ክሳብ ዝለዓለ ከም ዝሰርሕ ነዊሕ ድሕረ ባይታ ኣለዎ። ኣብ ብዙሕ ከባብታት ሃገርና ንሓደ ናብ ፍትሒ ዘተግብር ዳኛ ወይ ፍርዳዊ ኣካል ከተቕርቦ ምስ እትደሊ፡ “ዝባን ሕጊ ካብ እገረይ ከይትተርፍ” ክበሃል እንከሎ፡ ደረጃኡን መዓርጉን ብዘየገድስ፡ ሰጥ ኢሉ ናብ ሕጊ ካብ ምቕራብ ካልእ ምርጫ የብሉን። እዚ ድማ ኣብ ሕብረተሰብና፡ በቲ ሓደ ወገን ንሕጊ ምምእዛዝ ዘንእድ፡ ዘይምኽባር ድማ ዘጸይፍን ተወሳኺ መቕጻዕቲ ዘኸትልን ምዃኑ ዘርኢ’ዩ። “ብሕጊ ዝተቖርጸት ኢድሲ ዳርጋ ዘላ” ኢልካ’ውን ይምሰል’ዩ።
ኣብ ኤርትራ፡ ኣይኮነንዶ ብመሰል ወዲ ሰብ፡ ብድሕነት እንስሳን ኣግራብን ከይተረፈ ዝግደሱ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎም ሕግታት እንዳባ ኣለዉ። ካብኣቶም ምስ ዕቤትን ምዕባለን ክመሓየሹ ዝግበኦም ከም ዘለዉ ከኣ ኣይከሓድን። እዞም ሕግታት እንድባ ኣብ ቅድሚ መግዛእታዊ ስርዓታት’ውን ተቐባልነት ዝነበሮም፡ ናይ ህዝብና ኣርሒቕካ ናይ ምርኣይ ልቦና ዘመላኽቱ እዮም። ናይ ኣተገባብረኦም መስርሕ ፍትሓዊ ዳንነቱን’ውን፡ ካብቲ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ዘመናውነት ዝንእስ ኣይነበረን። ከም ኢጣልያ ዝኣመሰሉ ንሃገርና ዝገዝኡ ሓይልታት ከኣ፡ በቲ ኤርትራዊ ሕጊ እንዳባታት ተመሲጦም ኣብ ምስናዱ ግደ ከም ዝነበሮም መግዛእታዊ ታሪኽና ይምስክር። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ናይቲ ባህላዊ ኮነ ዘበናዊ ሕግታት ተጠቃሚ ዘይምዃኑ ከኣ ዘቖጥዕን ንናይ መሰል ቃልሲ ዘለዓዕልን ዘሕርንን ኮይኑ’ሎ።
ናይዚ ንዛረበሉ ዘለና ሕጊ ብጽሒትን ሓያልነትን ምስ ዝገሃድ ለውጥን ምዕባለን እናማዕበለን እናዘመንን ክኸይድ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ብደረጃ ኣህጉር ዝህሉ ሰላምን ህድኣትን ንምርግጋጽ’ውን ጽልዋኡ ኣዝዩ ዕዙዝን ወሳንን ኮይኑ ንረኽቦ። ናይዚ ዕዙዝ ግደ ምብኳር ክሳብ ክንደይ ሰላም ዘሪጉ ዘይዛሪ ስግኣት ከም ዘስዕብ ከኣ፡ ህልዊ ኩነታት ዓለምና ይምስክር። ኣህጉራዊ ሕግታት፡ ውዑላትን ቻርተራትን ብሓፈሻ ዓለምና ብፍላይ ከኣ ልኡላውነት ሃገራት ዝሕልዉ ኣዕኑድ እዮም። እዞም ኣዕኑድ ኣብ ዘይክበርሉ ግና፡ ዓለምና ዓንዱ ከም ዝተሰብረ ገዛ ናይ ምፍራስ ዕድላ ሰፊሕ ምዃኑ ብዙሕ ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል።
እዞም ኣህጉራዊ ሕግታት ኣብ ውሱናት ዛዕባታት ጥራይ ዘተኰሩ ዘይኮኑ፡ ብኣኣቶም ዘይጽሎ መዳይ ናይ ህይወት የለን። ኣብ መዳያት፡ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣተገባብራ መስርሕ ፍትሕን ዲሞክራስያዊን፡ ካለኦትን ኣብ ሕገመንግስቲ ሃገራት ከም ቀወምቲ ዓንቀጻት ዝሰፍሩ ምእንቲ’ዚ እዮም። ኣብቲ ብውሳነ ህዝቢ ዝጸድቕ ሕገመንግስቲ ተመስሪቶም ዝወጹ ሕግታት ከኣ፡ ሃገራት ዝምረሓሎም እዮም። ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሕገመንግስቲ ዝተነፍገን ሃገራት ግና፡ በቶም ኣህጉራዊ ሕግታት’ውን መሰልካ ከተኽብር ከምዘይካኣል ህዝብና ዝነብሮ ዘሎ እዩ።
ዓለምና ዝተፈላለየ ስፍሓት፡ ብዝሒ ህዝቢ፡ ቁጠባዊ ዓቕምን ወተሃደራዊ ዕቤትን ብዘለወን ኣስታት 195 ልኡላዊ ሃገራት ዝቖመት እያ። ምስዚ ኩሉ ፍልልያተን ከኣ ብሕጊ ዝሕለው ነናተን መዕቀኒ ኣለወን። ንኣብነት ኣስታት 99 ካብ ኤርትራ ብስፍሓት ዝዓበያ እየን። እተን ዝተረፋ ከኣ ካብኣ ይንእሳ። ብብዝሒ ህዝቢ ዝምልከት ድማ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ብተኸታታሊ ኣብ መበል 132 ተሰሪዓ ትርከብ። ምስዚ ኩሉ ፍልልያተን ግና ኣብ ቅድሚ ኣህጉራዊ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓንቀጽ 2 ንኡስ ዓንቀጽ 4፡ ኩለን ልኡላዊ ሃገራት እየን። ኣብቲ ካልእ መዕቀንታት ዘሎ ሓላፍ-ዘላፍ’ውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ሳላ ኣህጉራዊ ሕግታት ግና፡ “እታ ዝዓበየት ነታ ዝነኣሰት፡ እታ ብዙሕ ህዝቢ ዘለዋ ነታ ውሑድ ዝህዝባ፡ ወይ እታ ዝሃብተመትን ዝሓየለትን ነታ ዝደኸየትን ዝደኸምትን ክዕምጥረአን እቲ ሕጊ ኣየፍቅደለንን’ዩ። በመጽር’ዚ እዩ ከኣ ናይ ኢትዮጵያ 130 ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝባ ምስ’ቲ ውሑድ ህዝቢ ኤርትራ ኣወዳዲራ ኣህጉራዊ ሕጊ ዘየኽብር ወስታታት ክትስንዝር እንከላ እዩ፡ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ዘይህልዋ።
ከምቲ “ክውዕየካ ብማንካ ክዝሕለካ ብኢድካ” ዝበሃል፡ ሕጊ ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ፡ ካድልየካ እንከሎ እትሕልዎ፡ ኣብ ዘይጠዓመካ ከኣ እትጥሕሶ ዘይኮነ፡ ከምቲ “ክሕልወካ እትደልዮ ከተኽብሮ’ውን” ዘለካ እዩ። ህግደፍ ብመንጽርዚ፡ እቲ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ልኡላዊ ሃገራት እናኣተወ ዝሓማዝቖን ኣብ ተመኩሮ ኡኩረይን ምስ ወረርቲ ዝተሰለፎን ወሲኽካ፡ ክሳብ ክንደይ ሕገመንግስታዊ ተጠቃምነት ህዝቢ ኤርትራ ነፊጉ፡ ይዕንድር ከምዘሎ ርኡይ እዩ። ከምዚ ምግባሩ ንህዝብና ምብዳሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ከም ድላዩ ክጥሕሶ ዝጸንሐን ዘሎን ኣህጉራዊ ሕግታት ክሕለው ዘለዎ ዕድል ከም ዝጸብብ ምግንዛብ የድሊ። እስኪ ንሕሰብ “ሓደ ጥርጡር ኣብ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ይቐርብ” ዝብል ሕጊ ኣናሃለወ እዮም፡ ኤርትራውያን ግዳያት ንዓሰርተታት ዓመታት “ኣበይ ከምዝተኣሰሩ’ኳ ዘይፍለጥሉ” ኩነታት ክፍጠር እንከሎ፡ ምስ ምንታይ ይቑጸር። ኩነታት ክጸብብ እንከሎ ግና፡ ህግደፍ’ውን በቲ ዘየኽበሮ ሕጊ ንክሐሎ እዩ ንብዓት ሓርገጽ ዝነብዕ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ንዓለምና የስግእዋ ካብ ዘለዉ፡ ናይ ሃገራት ልኡላውነት ዝዕቅቡ ኣህጉራዊ ሕግታት ምጥሓስ እዩ። ውግእ ሩሲያን ዩክረይንን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተኻየዱን ዝካየዱ ዘለዉን ውግኣት ናይዚ ኣብነት’ዮም። ኢትዮጵያ ኣንጻር ልኣላውነት ኤርትራ ተስመዖ ዘላ ቀጻሊ ወስታታት ዘስገኣና’ውን ናብ ዝኸፈአ ደርጃ ከይምዕብል እዩ። ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊያ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳንን ሰሜን ሱዳንን ናይ “ልኡላዊ ዶበይ ተጣሒሱ” ጥርዓን ብቐጻሊ ከተቕርብ እትስማዕ’ያ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ክልተ ዓይኒ ናይ ምርኣይ ተመኩሮታት ብምንቃል ኢና ከኣ፡ “ሕጊ እንተዘይሓሊኻዮ ኣይሕልወካን’ዩ” እንብል።
ኣብ መንጎ ኣቢይ ኣሕመድን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዝነበረ፡ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ዝምድና፡ ድሕሪ ምኽታም ውዑል ፕሪቶርያ በርዒኑ። ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ዝብል ኣዛራቢ ኣጀንዳ’ውን ኣኸቲሉ። እቲ ኩነታት ዘሻቐሎ ሓይሊ ዕማም፡ ኤርትራውያን ምሁራት ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ “ልኡላውነት ኤርትራን ሕቶ ተጠቃምነት ባሕሪ ኢትዮጵያን” ብዝብል ኣብ ዘዳለዉዎ መጽናዕታዊ ሰነድ፡ ነቲ ብ1982 ብብዙሓት ሃገራት ተኸቲሙ ብ1994 ድማ ክትግበር ዝጀመረ ኣህጉራዊ ሕጊ ባሕሪ ብዝምልከት ኣገዳሲ ነጥቢ ምስፋሩ፡ ኣዝዩ ዕዙዝ ይገብሮ።
ዓለምለኻዊ ሕጊ ባሕሪ፡ ሰፊሕ ዝርዝርን ኣማኢት ዓንቀጻትን ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ዝያዳ ምስ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዛመድ፡ ካብ 124 ክሳብ 132 ዓንቀጻት ሰፊሩ ዘሎ እዩ። ካብኡ ብዝያዳ ድማ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ኮና፡ መተሓላለፍቲ ከፍቅዳ ዝሕተታ ወነንቲ ባሕሪ ሃገራት ብዝምልከት ኣብ ዓንቀጽ 125 ሕጊ ባሕሪ ብንጹር ሰፊሩ ይርከብ።
ቅድሚ ዓንቀጽ 125፡ ኣብ ዓንቀጽ 124 ክልተ ኣገደስቲ ነገራት ነጺረን ይርከባ። ንሳተን ድማ “ንተጠቃምነት ምትሕልላፍ እትሓትት ሃገር” ማለት፡ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰለት፡ ካብታ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት ዋና ባሕሪ መተሓላለፊ ክትረክብ እትሕተት እያ። ኣፍደገ ባሕሪ እትውንን ሃገር ድማ፡ ኣብ ማእከል ኮይና፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንዘየብላ ሃገርን ምስ ኣገልግሎት ባሕርን እተራኽብ ድንድል ምዃና ምንጻር ኣገዳሲ እዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ “ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ እትድልዮ ዘላ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ድዩ ወይ መተሓላለፊ መስመር?”፡ ዝብል ሕቶ፡ ካብ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓሊፉ ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ዘዛርብ ኮይኑ ዘሎ ዛዕባ እዩ። መልሲ ኢትዮጵያ ነዚ ሕቶ’ዚ ንዝተወሰነ ግዜ’ኳ ኣታውን ወጻእን ዝመስል እንተነበረ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና፡ እናሰማዕካ ከምዘይሰማዕካ መሲልካ ናይ ምቕራብ ድሌት እንተዘይሃልዩ፡ “ድሌትና ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ እዩ” ብዝብል ዓይኑ ኣፍጢጡ ተነጺሩ’ሎ።
ሕቶ ኢትዮጵያ ብታሕቲ ታሕቲ ዘይኮነ፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መድረኻት ከይተረፈ ብላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን መንግስታዊ ማዕከናት ዜናን ኢትዮጵያ ዝጋማዳሕ ዘሎ እዩ። ኣብዚ ሓደ ዘየዳድን ብዙሓት ዝረዳድእሉን፡ ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ስለ ዝኾነት፡ እቲ ብኢትዮጵያ ዝሕተት ዘሎ“ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ”፡ ሕጋዊ ኮነ ርትዓዊ ተቐባልነት ስለ ዘየብሉ ዝተዓጽወ መዝገብ እዩ።
ይኹን እምበር፡“ተጠቅማነት ኣፍደገ ባሕሪ ንመተሓላለፊ፡ ምልዓሉ ግቡእ ምዃኑ ዝእመነሉን፡ ብመንጽር ዓለምለኻዊ ሕጊ ባሕሪ ምርኣዩን ኣድላይ ይኸውን። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ’ኳ እንተዘየብላ፡ ንኤርትራ ወሲኽካ፡ ምስ 4 ኣፍደገ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት እትዳወብ ስለ ዝኾነት፡ ሰፊሕ ምርጫታት ኣለዋ። ናብ ኩለን እተቕርቦ ሕቶ ተጠቃምነት ኣፍድገ ባሕሪ ከኣ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ክብደት ዘለዎ እዩ።
ዓንቀጽ 125 ናይቲ ሕጊ ባሕሪ እምበኣር፡ ሰለስተ ነናተን ረዚን መልእኽቲ ዘለወን ኣገደስቲ ንኡሳን ዓንቀጻት ኣለወኣ። በዚ መሰረት፡
ንኡስ ዓንቀጽ 1፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት፡ ብመንጽ’ቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ሕጊ ባሕሪ ሰፊሩ ዘሎ፡ መተሓላለፊ ንምርካብ ናይ ምሕታት መሰል ኣለወን። በዚ ድማ ኣብ መስርሕ ምትሕልላፍ ሰብ ኮነ ንብረት ብዝኾነ ዓይነት መጐዓዝያ ብመሬት ናይታ መተሓላለፊ እትፈቅድ ሃገር ክጥቀማ ይኽእላ።
ንኡስ ዓንቀጽ 2: መስርሕ ኣተገባብራ መሰል ምትሕላልፍ፡ ኣብ መንጎ ወናኒት ባሕርን ሓታቲት መተሓላለፊ ኣፍደገን፡ ብመንጽር ንኡስ ዞባውን ዞባውን ሕጊ ባሕሪ፡ ብመንፈስ ክልተኣዊ ተጠቃምነት ብልዝብን ብስምምዕ ጥራይ እዩ ዝትግበር።
ንኡስ ዓንቀጽ 3፡ መተሓላለፊት (ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ) ዝኾነት ሃገር፡ ምሉእ ግዝኣታዊ ልኡላውነታ ዓቂባ፡ ኣብ መስርሕ እቲ ንምትሕልላፍ ዝብጻሕ ስምምዕ፡ ዝኾነ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ምሉእ መሰል ኣለዋ። ኣብዚ እታ መተሓላለፊ እትሓትት (ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ) ሃገር፡ ብዝኾነ ኣገባብ ከተዕንቅፍ እትኽእለሉ መንገዲ የብላን።” ይብል።
ኣብ ኣተገባብራ ሰለስቲኡ ንኡሳን ዓንቀጻት ዓንቀጽ 125፡ ብሓንሳብ ዝትግበር እምበር፡ ሓደ ንበይኑ ቆንጪልካ ዝውሰዱ ኣይኮኑን። ሓደ ንኡስ ዓንቀጽ ቆንጪልካ ምውሳድ ሸፈጥ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናብ ግጉይ መደምደምታ ዝወስድ እዩ። ገለገለ ኢትዮጵያውያን ንንኡስ ዓንቀጽ 1 ጥራይ ንበይና ነጺሎም ብምውሳድ፡ “ብኸመይ?፡ ኣበይ”፡ መዓስ?” ዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ከይመለሱ፡ “ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለወን።” እትበል ሓረግ ጥራሕ ብምቅላሕ፡ ግጉይ ተረድኦ ከም ዝዝርግሑ ንዕዘብ ኣለና። ካብ ንኡስ ዓንቀጽ 2፡ “ብመንፈስ ክልተኣዊ ተጠቃምነት ብልዝብን ብስምምዕን ጥራይ እዩ ዝትግበር” ትብልን፡ ኣብ ንኡስ ዓክቀጽ 3 ሰፊራ ዘላ፡ “ኣብ መስርሕ እቲ ንምትሕልላፍ ዝብጻሕ ስምምዕ፡ “ወናኒት ባሕሪ ዝኾነ ሃገር ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ምሉእ መሰል ኣለዋ።” ንዝብላ ግና ከም ቁርን ኣስሓይታን ስለ ዝፈርሕወን ክጠቕስወን ኣይደፍሩን።
እቲ ብልዝብ ዝብጻሕ ናይ ኣጠቓቕማ ስምምዕ፡ መሰረተ-ሓሳቡ ብዓለም-ለኻዊ ሕጊ ባሕሪ ዝግዛእ ኮይኑ፡ ከከም ኩነታትን ድሌትን ናይቶም ዝሰማምዑ መንግስታት ከፈላለ ይኽእል። ንኣብነት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበር ስምምዕ፡ ካብቲ ኢትዮጵያ ምስ ጅቡቲ፡ ሶማሊያ፡ ኬንያን ሱዳንን ክትገብሮ እትኽእል ክፍለ ይኽእል። ናይ ግዜ ገደብ’ኳ ከም ኣብነት እተወሰድና፡ ገሊአን ሃገራት ናይ 10 ዓመታት ስምምዕ ክኽትማ እንከለዋ፡ ካለኦት ከኣ ነቲ ስምምዕ ናይ ዕስራ-ሰላሳ ዓመታት ክገብረኦ ይኽእላ።
ገሊኡ ስምምዕ መተሓለፊ ባሕሪ እትሓትት ሃገር፡ ካብቲ ዘራኽበን ዶብ ናብ ወደብ ከምዘይትጽጋዕ ክገብረኦ ይኽእላ። ናይ ገሊአን ድማ ክሳብ ናብ ወደብ ኣቲኻ ምጽዓንን ምርጋፍን ዘኽእል ስምምዕ ክኸውን ይኽእል። ክልቲአን ተወዓዓልቲ ሃገራት ተሰማሚዐን፡ ኣብቲ ወደብን ከባቢኡን ናይ ሓባር ወፍሪ ከካይዳ ይኽእላ፡ ኣብ ገሊኡ ስምምዕ ከኣ እዚ ተቐባልነት ዘይክህልዎ ይኽእል። እታ መተሓላለፊት ሃገር ነታ ተጠቃሚት ኣብቲ ወደብ ከም መስርሒ ማኻዚኖታት ዝኣመሰለ መሬት ክትፈቕደላ ትኽእል ወይ ኣይትፈቅድን። ጉዳይ ምቑጻር ሰራሕተኛታት ኣብቲ ወደብ ከኣ ካልእ ኣብቲ ዝርዝር ስምምዕ ዘዛርብ’ዩ።
ከም’ቲ ብዙሓት ዝምስክርዎ፡ ናይ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኩለ-መዳያዊ ዝምድና፡ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤትን ዝኣመሰሉን፡ ከም መፈራርሒ ንምውናን ኣፍደገ ባሕርን ንምድኳን መደበር ሓይሊ ባሕርን ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዝግበር ልዝብ ጽልዋ ከም ዘሕድሩ ምግባሮም ይከኣል። እቲ መስርሕን ዝብጻሕ ስምምዕን ኣድማዒ ንክኸውን ከኣ፡ ልዕሊ ኩሉ ኣብ መንጎኦም ምትእምማን ኣገዳሲ’ዩ።
“ህዝቢ ባሕሪ እዩ” ዝብል ኣበሃህላ፡ ኩሉ ዓቕምታት ሕብረተሰብ ካብኡ ዝቕዳሕ ምዃኑ ንምርኣይ ዝጥቀስ እዩ። ንሓደ ዘይትድግፎ ሓይሊ ካብ ገጽ ምድሪ ንምድምሳሱ፡ “ዓሳ ንምጥፋእ ባሕሪ ኣንጻፍ” ዝብል ኣበሃህላ፡ውን፡ ዘይትካእ ወሳኒ ግደ ህዝቢ ንህልውናን ቀጻልነትን ንምርግጋጽ ዝጥቀስ’ዩ። እቲ ምእንቲ ሓርነትን መሰረታዊ መሰላትን ዝግበር ናይ ቃልሲ ውዳበታት ከኣ፡ ፈልፋሊ ዓይኒ ማዩ ካብ ህዝቢ ወጻኢ ኣይኮነን። “ሃገር ብኸመይን ብመንን ትመራሕ?’ ክበሃል እንከሎ’ውን፡ እቲ ሕገመንግስቲ ዘጽድቕን በእኡ መሰረት ይኾነኒ ዝብሎ መሪሕነት ዘደይብን፡ እምነት ክስእነሉ እንከሎ ከኣ ዘውርድን ህዝቢ እዩ።
ኣብ ከምዚ ሎሚ ኤርትራውያን ተወዲብና ንመሰረታዊ ለውጢ ንቃለሰሉ ዘለና ፖለቲካዊ ኩነታት፡ እጃም ዝተወደቡ ሓይልታት ኣገዳሲ ኮይኑ፡ እቲ መተካእታ ዘየብሉ ወሳኒ ብጽሒት ግና ናይ ህዝቢ እዩ። ኩሉ ሰብኣዊ ዓቕሚ ናይቲ ውዳበታት ካብ ሓፋሽ ህዝቢ ዝምንጩ ምዃኑ ስፍሓት ብጽሒት ህዝቢ ዘረድ’ዩእ። እዚ ኣብቲ ንነጻነት ኤርትራ ዝተኻየደ ዝተናውሐ መሪር ቃልሲ’ውን፡ ብምስናቕ፡ ብምዕጣቕን ወሳኒ ሓበሬታ ብምልጋስን ዝግለጽ ህዝባዊ ኣበርክቶ ክሳብ ክንደይ ናይቲ ዓወት ወሳኒ ከም ዝነበረ ኣብ ታሪኽ ምዝጉብ’ዩ።
ኣብ መስርሕ ቃልሲ ኮነ፡ ናይ ምምሕዳር ጉዕዞ፡ ንብጽሒት ህዝቢ ግቡእ ኣፍልጦ ምሃብን ዘይምሃብን ናይ ሓደ ውዳበ ባህሪ መምዘኒ እዩ። ገለ ውዳበታት ንወሳኒ ግደ ህዝቢ ዘኽብሩ ንምምሳል፡ ናይ “ቃለ ዓለም “ ጭረሖታት እናቃልሑን ዘይትግበር መብጻዓታት እናኣተዉን፡ ብግብሪ ግን ንገዛእ ርእሶም ኣብ ልዕሊ’ቲ ህዝቢ ክጸዓኑ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ርሑቕ ከይከድና እቲ ምስ ህዝቢ ክራኸበሉ ዝግበኦ ዝነበረ ሕገመንግስታዊ ሰነድ ቀዲዱ ክዕንድር ዝጸንሐን ዘሎን ህግደፍ ናይዚ ዓመጸኛን ዘየናሕስን ኣካይዳ ኣብነት ኮይኑ ዝጥቀስ እዩ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ፡ “ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንበይኑ ተቓሊሱ እዩ ነጻነት ሃገር ኣውሒሱ” ዝብል ጸቢብነት ዘቃልሑ’ውን ኣይተሳእኑን።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብኣንጻር’ቲ ዓምጣሪ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ምልካዊ ስርዓትን ዘተኣታተዎ ኣዕናዊ ሳዕቤናትን ኣልጊስካ ኣብ እትምስረት ደሞክራስያዊት ኤርትራ፡ ልዕልና ሕጊ ዝሰፈና፡ ንመሰልን ክብርታትን ኩሎም ዜጋታታ ብማዕረ ንምርግጋጽ ምንጪ ስልጣን ናይቲ ዝቐውም መንግስቲ፡ ህዝቢ ምዃኑ ይኣምን” ክብል “ራኢ” ኣብ ዝብል ዓንቀጽ፡ “ወሳንነት ህዝቢ ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ዓንቀጽ፡ ኣስፊሩ’ሎ። ኣብ ዓንቀጽ 2 ቁጽሪ 2 ንኣገዳንስነት ውደባ ኣብ ዝምልከት ዛዕባ ድማ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ንምልኪ ስዒሩ፡ ንኤርትራ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘሰጋግር ሓይልን ብቕዓት ስለ ዘለዎን፡ እቲ ሳዕሪሩ ዘሎ ጽኑዕ ቊጽጽር ምልኪ፡ ንግዚኡ እምበር፡ ንሓዋሩ ካብ ድልየቱ ክዓግቶ ከም ዘይክእል እምነት ሰልፍና እዩ።” ብዝብል ኣስፊሩ’ሎ ።
ንወሳኒ ግደ ህዝቢ ብመንጽርቲ ህግደፍ ንዓመታት ዝተኸተሎ ዘይኣሳታፊ መስርሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመንጽርቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ተወዲቡ ዘሎ ሓይልታት’ውን ምድህሳሱ ኣገዳሲ እዩ። ዝኽተልዎ ኣገባብ ቃልሲ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ዲክታተር ኣወጊድካ ለውጢ ንምውሓስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ብጽሒት ህዝቢ ኤርትራ ዘይስገር እዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ልዕሊ ኩሉ ዝስራዕ ምዃኑ ብመትከል ዝቕበሉ ውዳበታት ኣለዉ። እቲ “ወሳኒ ለውጢ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዘሎ ህዝቢ ዝረጋገጽ እዩ” ኣብ ዝብል’ውን ይኣምኑ። እዚ ኣበሃህላ ንወሳኒ እጃም ህዝቢ ኣጉሊህካን ኣበሪኽካን ንምቕራቡ ዝጠመተ ርትዓዊ ኣቀራርባ’ዩ።
ብኣንጻሩ ብዙሓት ዘይቅቡላት ምስምሳት ብምዝርዛር ንግደ ህዝቢ ኣብቲ ወሳኒ ቦታኡ ዘይምስፋር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢሎም ደገደገ ምምዕዳው ጥራይ ዝመርጹ’ዉን ኣለዉ። ካብዚ ብምንቃል እዮም ከኣ ንሓንሳብ፡ “ምስ መን ተመሓዚኻ ብዘየገድስ ህግደፍ ጥራይ ይወገድ” ወይ ከኣ “ንግደ ህዝቢ ዝምልከት ድሕሪ ለውጢ ነርክበሉ” ዝብሉን ዝኣመሰሉን ምስምሳት ክዝርዝሩ ዝስምዑ። ግደ ሓቂ ግና ነቲ ቀንድ በዓል ዋኒን ዝኾነ ህዝቢ ኣጓኒኻዮ ብምሕላፍ “ምስ መን ብዘየገድስ ተመሓዚኻ ነቲ ጸረ ህዝቢ ምውጋድ ጥራይ”እኹል’ዩ” ምባል፡ ኣርሒቑ ዘይርኢ ኣዝዩ ኣጸጋምን ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘኸትልን እዩ። እዚ ምስቲ እትዛመዶ ዘለካ ርክብ ግሉጽን ትካላውን ቀጥዒ ኣብ ዘየብሉ ክኸውን እንከሎ፡ ሳዕቤኑ ዝያዳ ሓደገኛ ምዃኑ ብፍላይ ካብ ኤርትራዊ ውዳበታት ስዉር ኣይኮነን። እቲ ብግጉይ መንገዲ ዝመጽእ ለውጢ፡ ነቲ መምጽኢኡ ከም ዝመስል’ውን ከሎ ጋና ምስትውዓሉ ኣገዳሲ እዩ።
ምናልባት እቲ ንግደ ህዝቢ ምንእኣስ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ክልውጥ እንተዝኽእል ደኣ ክሳብ ሎሚ ኣበይ ጸኒሑ?” ካብ ዝብል ይነቅል ይኸውን። ኣብዚ ክሳብ ሎሚ ኣንጻር ምልኪ ዘካየዶ ቃልሲ ስለ ዘይተዓወተ፡ ኣብ መጻኢ’ውን ኣይክልውጥን’ዩ፡ ኢልካ ምድምዳም ቅኑዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ለውጢ ድምር ናይ ዝተናውሐ ቃልሲ ስለ ዝኾነ። ውጽኢቱ ክንድቲ ክኾኖ ዝነበሮ ኣይኹን እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ’ውን ካብ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ ዓዲ ኣይወዓለን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቶም ናብ ህዝቢ ኤርትራ ኣጻብዕቶም ዘመልክቱ ውዳበታት፡ “ኣነኸ ክሳብ ክንደይ እየ ህዝቢ ናይ ለውጢ ዓቕሚ ንክኸውን ምስኡ ክናበብ ጸኒሐ?” ኢሎም ክሓቱን ክምልሱን ኣገዳሲ ብምዃኑ ከስተብህሉ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ዝተፈላለያ ናይ ለውጢ ውዳበታት ሓቢረን ዝቃለሉ ጽላል ንክፈጥራ፡ ናይ ወትሩ ምሕጽንትኡ እዩ። እተን ውድባት ከ ክሳብ ክንደይ እየን ነዚ ህዝባዊ መጸዋዕታ ተቐቢለን ዘተግብረኦ ከኣ ኩላትና እንፈልጦ ስለ ዝኾነ ዝርዝር ኣየድልዮን። ህዝቢ ክሳብ ክንድዚ ንጠለቡ ጸማም እዝኒ ክወሃቦ እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ከም ዝሻቐልን ናይ ምቅላስ ፍናኑ ከም ዝህሰን ምርዳእ ኣገዳሲ ይኸውን።
“እቲ መሰረታዊ ለውጢ በቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ዝመጽእ” ንዝብሉ ወገናት፡ “ልኡማት ተቓወምቲ ህግደፍ” ብዝብል ክግለጹ ይስማዕ እዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ንወሳኒ ህዝባዊ እጃም ዘነኣእስ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናይቶም በሃልቲ ዝምድና ምስ ናታቶም ሃገራዊ ሕሳብን ረብሓን ዘለዎም ናይ ግዳም ሓይልታት ተመሓዚኻ ለውጢ ምምጻእ’ዩ እቲ ቅኑዕ’ዩ ካብ ምባል ዝነቅል እንተኾይኑ፡ ዋና ናይቲ ለውጢ ህዝቢ ኣይኮነን ናብ ዝብል ዝወስድ’ዩ። ኣብዚ እቲ ዘይቅቡል፡ ኢድ ኣእታውነትን ንህዝቢ ስቕ በል “ባዕለይ ኣለኹልካ” ኢልካ ካብ ቃልሱ ምጉናይን እምበር፡ ንናይ ሓባር ረብሓ ዝግበር ትካላውን ግሉጽን ምትሕግጋዝን ምምሕዛውን ንምጽራር ከምዘይኮነ ምስትውዓል ይግባእ።
“ኢሳያስ ኣፈወርቅ ን19 ሓምለ 2025፡ ምስ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ቃለ መሓትት ከካይድ’ዩ”፡ ዝብል ሓበሬታ ምስ ተዘርገሓ፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ነናቶም ትጽቢት ነይርዎም። ገሊኦም “ከምቲ ዝተለምደ ኤርትራዊ ኣብ ዘይኮኑ ዛዕባታት ኮለል ካብ ምባል ሓሊፉ ዘምጸኦ ሓድሽ ነገር ኣይክህሉን’ዩ” ዝብል ግምት ነይርዎም። ግምቶም ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮታቱ ዝነቅል’ዩ። ካለኦት ወገናት ግና ንትጽቢት ናይቶም ቀዳሞት’ኳ ግምት ዝህብዎ እንተነበሩ፡ “ምስዚ ንከባቢናን ሃገርናን ዘዋጥር ዘሎ ምግልባጥ ፖለትካዊ ኣሰላልፋን ንልኡላውነት ኤርትራ ዝህድድ ዘሎ ወስታታትን ገለ ሓድሽ ሓሳብ ደኾን ወስ የብል ይኸውን” ዝብል ትሑት ትጽቢት ነይርዎም። ናይዚኣቶም ግምት ከኣ ብመንጽርቲ ዘለናዮ እዋናዊ ተሃዋስነት ዘይስገርን ንቡርን ነይሩ። ንካልኦት ምጽራፍን ምስትንዓቕን ብልሕን መንፈዓትን መሲልዎም፡ ብዘይስኽፍታ“መጺኻለይዶ፡” እናበሉ ዝተጸበይዎ ኣይነበሩን ማለት’ውን ኣይኮነን። ዕለቱ ምስ ኣኸለ ዝተራእየን ዝተሰምዐን ድማ፡ ከምቲ “ኣባጉንባሕስ ዘይግርቱ ይኾልል” ዝበሃል፡ ንቀጥታዊ ኤርትራዊ ዛዕባታት ተሓሲሙ ደገደገ እዩ ኮለል ክብል ኣምስዩ።
ኣብቲ ብግምጥሊሽ ብዘይኤርትራዊ ዛዕባ ዝጀመሮ ቃለ መጠይቑ እምበኣር፡ ላዛ ዘየብሎም፡ ተሓይኾም ዝተወድኡ ሓረጋት ካብ ምኩምሳዕ ሓሊፉ ሓደሽ ኣየምጸአን። ኣብ ርእሲ’ቶም ልሙዳት “እንኮ ቀጽራውን ጐደቦን” ዝብሉን ዝኣመሰሉን መውጽእ ኣፉ፡ “ዞባዊ ኩነታት፡ ግዜ ዝሑል ውግእ፡ ዓለማዊ ስርዓት፡ ንናይ ህዝባዊ ርካባት ሃልኪ ዘገልግል፡ ህድማ ንቕድሚትን መርሓ ጐደና ኣፍሪቃን ዝብሉ፡ ካብቶም ብዘይውሁድ ቅኒትን ንጹር መልእኽትን ክደጋግሞም ዘምሰየ ሓረጋት እዮም። ካብዚ ከይረሓቐ፡ ኣሜሪካ፡ ውግእ ሩሲያን ዩኩረይንን፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኔቶ፡ ቻይናን ካለኦት ኣህጉራዊ ትካላትን እውን፡ ብምንእኣስን ኣብ ኣሰራርሐኦም ጣልቃ ብምእታውን፡ ካብ ዘኳማሰዖም ነይሮም።
ኣብቲ ንኤርትራን ጐደቦኣን ይምልከት ኢሉ ዝተንከፎ፡ ንሱዳን ጅቡትን ካለኦትን በቲ ስምዒቱ ምጥቃሱ ኣይተረፈን። ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝበሎ ነቲ ኢትዮጵያውያን ከቃልሕዎ ዝጸንሑ እሞ ኩሉ ዝፈልጦ ዓዘርቆዘር ኣብ ምዝብራቕን ታራ ምጽራፍን’ዩ ኣድሂቡ። “ኢትዮጵያ ኣይኮነንዶ 130 ሚልዮን ዋላ 180 ሚልዮን ህዝቢ ይሃልዉዋ፡ ነዊሕ ርሕቀት ዝውንጨፍ ኣጽዋር ኣለና ንበሃል ኣለና፡ ብሱዳን ኣቢልና ናብ ኤርትራ ክንኣቱ ብዝብል የፈራርሑ’ለዉ፡ ብድሮናት ኣቢልና ኣገዳሲ ዒላማታት ከነጥቅዕ ኢና ይብሉ ኣለዉ” ክብል’ዩ ስግኣቱን ስንባደኡን ኣንጸባሪቑ። “እሞ እዚ ካብ ኮነ እንታይ ክግበር ኣለዎ?” ኣብ ዝብል ግና፡ “ንሕና ድማ ኣይፋልኩምን ንብሎም” ብዝብል እዩ ተጎርቢሱ። ካብ ጸርፊ ሓሊፉ፡ ነቲ ናብ ኤርትራ ዘቕንዕ ዘሎ ትንዕምንዕን ዓሻ ድፍረትን፡ ንሓሳብ ብሓሳብ ናይ ምምካት ሞራልን፡ ዲፕሎማስያዊ ትዕግስትን ኣየርኣየን።
ኣብቲ መንጎ “ጅቡቲ ካብ ወደባ ኣብ ዓመት ክሳብ ኣርባዕተ ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ትረክብ ኣላ’ሞ፡ ንዓኣ ንምውድዳር ኢልና ወደባት ምጽዋዕን ዓሰብን ከነማዕብል ኢና ማለት ሓራም እዩ” ዝበሎ ከኣ ንብዙሓት ካብ ዘደንጸዉ ተንበርካኺ ብሂላቱ ሓደ ነይሩ። እዚ ኣበሃህላኡ፡ ዓለም ኣብ ውድድር እትነብር ከምዘላ ዝዘንገዐ፡ ምናልባት ኣብ ኣሰላልፋ ጅቡቲ ንምኽሳብ ዝተኣለሞ ውዲት’ውን ዝመስል። እንተዘይኮይኑ፡ ከምዘይትግብሮ’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ “ንሕናውን ወደባትና ንኣገልግሎት ድሉዋት ክንገብር ኢና” ዝብል መዋጸኦ’ውን ነይርዎ። ኣብቲ ማእከል ኣብ ክንዲ መርገጽን ግደን ናይቲ “ይመርሖ ኣለኹ” ዝብሎ መንግስቲ ዘንጸባርቕ ክኢላ ተንታኒ መሲሉ ክቐርብ ይፍትን ነይሩ።
ኢሳያስ ካብቲ ዘርእዮ ዝነበረ ናይ ድኻምን ስግኣትን ምልክታት ወጺኡ፡ ህዝቢ ካብቲ ዘንጸላሉ ዘሎ ዜቤታዊ ኮነ ከባብያዊ ስግኣታት ዘህድእን ተስፋ ዝሰኩዕን ሓሳብ ኣየቕረበን። ነቲ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝጻባእ፡ ብብዙሓት ኢትዮጵያውያን ወገናት ዝቃላሕ ዘሎ ግጉይ ቅኒት በዲሁ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፡ ኤርትራዊ ሃገርነት ዝኹልዕን ህያውነት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ መሰሉ ዘበርኽን ታሪኻዊ፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን መርትዖታት ክትንትን ይግበኦ ነይሩ፡ ግና ኣይበቐዖን። ሕብረተሰብ ዓለም ኣብዚ መዳይዚ ግንዛበ ንክረክብን ግደኡ ክጻወትን ዘይምዝኽኻሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብወግዒ ኣብ ሰፋሕቲ ኣህጉራዊ መድረኻት ዝተኸሰሶ፡ ኣብ ክንዲ ርትዓዊ መልሲ ምሃብ ከነኣእሶ እንከሎ፡ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ምቕራብ፡ “ዘስገድግድ ዕሸላዊ፡ ስልበጣ” ብዝብል ሸፈጥ’ዩ ኣስፊርዎ። ምስ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ዝተጻረፎ ወሲኽካ ከኣ፡ ዲፕሎማሲያዊ ድኽመቱ ኣብቲ ቃለ መጠይቕ ዝተቓለዓሉ ገጽ ነይሩ።
ብዙሓት ወገናት፡ ምስቲ በቲ ሓደ ወገን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መመሊሱ ዝውጠር ዘሎ ምትፍናን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ መንጎ ህግደፍን ህወሓትን ክፍጠር’ዩ ዝበሃል ዘሎ ተልእኮኡ ዘይነጸረ ጽምዶ ኣብ ዝዛመድ ብቐጥታ “ክዛረብ እዩ” ብዝብል ንዝነበረ ትጽቢት ጓስይዎ ክሓልፍ እንከሎ፡ ብኣንጻሩ “ኣርሒቑን ኣስፊሑን ዝሓስብ ብቑዕ መራሒ” ንምምሳል፡ ምስ’ታ ሎሚ ናይ ዓለም ሃብታምን ሓያልን ኣይኮነትን ዝበላ ኣሜሪካ፡ እሞ ድማ ብደረጃ ከባቢ ቀይሕ ባሕርዶ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኢና ጽምዶ ክንፈጥር ኢሉ። ሕሉፍ ሓሊፉ ካብቲ “መን ተመሊሱ ከይሓተንን ከይጸባጸበንን” ካብ ዝብል ልሙድ ትምክሕቱ ነቒሉ፡ ነቲ ጽምዶ ካብ 2026 ክንጅምሮ ኢና እውን ኢሉ። በዚ ንዕቀቱ ዘጉረምርሙ ዘለዉ ደገፍቱ ዝነበሩ ከይተረፉ ብዙሓት እዮም።
ከምቲ “ጉዳይ ኤርትራ ዝተወደኦ መራሒ” ዝተባህለ፡ እዚ ቃለ-መጠይቑ ከምቲ ልሙድ ንኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባ ብኣሽካዕላል ትኹረት ነፊጉ እዩ ከም መመላእታ ሰሪዕዎ። ቅድሚ ሕጂ ንነዊሕ ሰዓታት ምኒን ክብል ዘምሲ ዝነበረ ኢሳያስ፡ ንኤርትራ ናብ ዝምልከት ውሽጣዊ ዛዕባ ክኣቱ ኣብ ዝነበረሉ ሰዓት እዩ ነቲ ቃለመጠይቕ ኣቋሪጽዎ። ኣቐዲሙ ኣፋሊጥዎ ክነሱ ብምቁራጹ ዝደንጸዎም ጋዜጠኛታት በዓል ሱሌማን ዑስማን ዓበ፡ ኣብ ቃልዕ መዓስ ከም ዝቕጽልዎ ንዝሓተትዎ ዝሃቦም “ጽባሕ ኣይጥዕመንን’ዩ፡ መዓስ ከም ዝጥዕመኒ ክነግረኩም እየ” ዝብል ናይ ትዕቢትን ንዕቀትን መልሱ “ኣተሃዳድማ ዕቡያት” እዩ።
ከምዚ ናይ ምግባሩ ምኽንያት፡ ግዜ ናይ ዘይምርካብ ጸገም ገይሮም ዝርድእዎ ወገናት ይህልዉ ይኾኑ። እቲ ሓቂ ግና ግዜ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ኣጀንዳ ዝዛረበሉ ሓሳብን ሞራልን እዩ ተወዲእዎ። ቅድሚ ሕጂ ኣብተን ዝረኸበን ኣጋጣምታት፡ ኣዋርሕን ዓመትን እናጠቐሰ ከይተረፈ፡ “ክንሃንጽ ኢና፡ ከነልምዕ ኢና፡ ክነፍቅድ ኢና፡ ወፍሪ ከነጀምር ኢና….ወዘተ” እናበለ፡ ዝኣተዎ ቃላት ክጠልም ከምዝጸንሐ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ የለን። ስለዚ ነዚ መህደሚኡ ምኽንያት ዝተዓዘቡ ወገናት’ዮም፡ ድሕሪ ሕጂ ዝኣምኖ ከምዘየለ ተገንዚቡ፡ ቁምነገር ኣብ ዘይብሉ “ምኒን ምባል ዘድሓነና’ውን ግርም እዩ” ኢሎም፡ “ብዛዕባ ኤርትራ ዝተወድኦ፡ መራሒ ኤርትራ” ዝበልዎ።
ኣብ ዝኾነ መስርሕ ምንቅስቓስ፡ ውሽጣውን ግዳማውን ረቛሕታት ኣለዉ። እቲ ውሽጣዊ ብበዓልቤታዊ ዓቕምኻ እትቆጻጸሮን እተማልኦን እዩ። እቲ ግዳማዊ ከኣ ኣብ መስርሕ ዝጸልወካ ኮይኑ፡ ብግዳማዊ ኣካላትን ከባብያዊ ምዕባለታትን ዝግለጽ፡ ምስ ካለኦት ወገናት ተዛሚድካ ንናይ ሓባር ተጠቃምነት እተሰላስሎ እዩ። እዞም ውሽጣውን ግዳማውን ጽልዋታት፡ ነናቶም ህልውና ዘለዎም፡ ግና ድማ ኣብ ሕድሕዶም ዝጸላለዉ እዮም። ኣብቲ ምጽልላው እቲ ወሳኒ ውሽጣዊ በዓል ቤታዊ ምዕባለን ዓቕምን ምዃኑ ከኣ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።
መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኮነ ምምሕዳር ከም ኣካል ማሕበረ-ቁጠባዊ ጉዕዞ ካብ ዝዓሞም ሓደ፡ በብግዜኡ ዝፍጠሩ ሕቶታት እናመለስካ ምጉዓዝ እዩ። ኣብቲ ጉዕዞ መሪሕ ግደ ንዘለዎም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ይኹን ንሳቶም ዝምስርትዎም መንግስታት ካብ ዘጋጥምዎም ብደሆታት ነቲ ብትካላቶም ይኹን ብህዝቢ ዝቐርብ ኩለ-መዳያዊ ሕቶታት ክምልሱ ምኽኣሎምን ዘይምኽኣሎምን ይኸውን። እቶም በዳህቲ ሕቶታት ብዝተፈላለዩ መልከዓት ክቐርቡ ዝኽእሉ ኮይኖም፡ “ውሽጣውን ግዳማውን” ኢልካ ምጥቃሶም ድማ ካብቲ ኣቀማምጣኦም ሓደ ኮይኑ ይጥቀስ።
ውሽጣዊ ዘዕባ ነቲ ሓላፍነት ተረኪቡ ኣብ ናይ ምምራሕ ደረጃ ዘሎ ኣካል፡ ምስ ህዝቢ ብቐጥታ ዘራኽቦ እዩ። እቲ ነቲ ብቐጻሊ ብህዝቢ ዝለዓል ሕቶታት ናይ ምምላስ ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል፡ ግደታኡ ኣብ ምፍጻም ብቑዕ ኮይኑ ንኽርከብ፡ ከማልኦም ካብ ዝግበኦ መምዘንታት ሓደ፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዲሞክራሲያዊ ኣሰራርሓ ዝቕበል ኣወዳድባ ከጣጥሕ ምብቃዕ እዩ። ንኣበነት መንግስቲ እንተኮይኑ፡ ኣብ ሕገመንግስቲ ዝተሰረቱ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላቱ ዘነጸረ፡ መራኸቢ ብዙሓን ዘይበሓተን ሰብኣዊ መሰላት ዘኽብርን ምዃን ካብቶም መዕቀንታት ቅድሚት ዝስርዑ እዮም። ነዚ ዲሞራሲያዊ ትካላዊ ኣገባብ ምስዘይክተል ግና፡ ህዝባዊ ሕቶታት ክምልስን ዘቤታዊ ዕማማቱ ብዝግባእ ክውግንን ኣይክእልን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናቱ ህልውና እውን ብሓይሊ እንተዘይኮይኑ ብህዝባዊ ተቐባልነት ክወሓስ ኣይክእልን። ነቲ “ህዝበይ” ዝብሎ ወገን ዘለዎ ተኣማንነትን ምእዙዝነትን ከየርኣየ፡ “ምስ መን ብዘየገድስ”፡ ምስ ናይ ግዳም ሓይልታት ዝገብሮ ዝምድና፡ ዕድመ ስልጣኑ ካብ ምንዋሕን ጉጅላዊ ረብሓኡ ካብ ምድላብን ሓሊፉ ሕቶታት ህዝቢ ኣብ ምምላስ ብቕዓት ኣይህልዎን።
ንሓደ ምምሕዳር እቲ ዝያዳ በዳሂ ኣብ ኣተሓሕዛ ውሽጣዊ ዛዕባታት ብቑዕ ክትከውን ምኽኣልን ዘይምኽኣል ወሳኒ እዩ። ምኽንያቱ ውሽጣዊ ሓላፍነትካ ምዕማም፡ ከምቲ ምስ ግዳም ንምዝማድ ኣንቂድካ፡ ዘየዋጸኣካ እንተኮይኑ ከተወንዝፎ ዘይከኣል ዕለታዊ ተግባር ስለ ዝኾነ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እቲ ውሽጣዊ ህዝባዊ ዕማም በቲ መሪሕ ፖለቲካዊ ትካል ጥራይ ዝዕመም ዘይኮነ፡ ህዝቢ እውን ካብ ተጸባይነት ዝወጸ ልሉይ ግደ ኣለዎ። ህዝቢ ኣብቲ ሃገራውን ህዝባውን ዋኒኑ፡ ካብኡ ዝድለ እጃም ንኸበርክት ግና፡ በቲ ስልጣን ዝጨበጠ መሪሕ ኣካል፡ ኩነታት ክጣጠሓሉ ይግባእ። በቲ ይኹን በዚ ብጽሒት ህዝቢ ዘይስገር ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ። ምኽንያቱ ከምዚ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ብዝተጠናነገ ናይ ስለያ መርበብ ኣፉ ዝተለጉመን መሓውሩ ዝተኣስረን ህዝቢ፡ ናይቲ ዋኒኑ ዋና ንክኸውን ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ኣጸጋሚ ስለ ዝኾነ።
ንድሕሪት ተመሊስና ብዛዕባቲ በብግዜኡ ምስ ጐረባብቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ውግእትን ክጽሕትሮ ዝጸንሐ ጽልእን ምዝርዛር ገዲፍና፡ ጉጅለ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብ2018 ምስ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ክዛመድ እንከሎ፡ ካብቲ ብዙሕ ምኽንያታቱ ሓደ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ናብ ውሽጣዊ ኩነታቱ ዝነበሮ ኣድህቦ ገዲፉ ናብ ግዳም ከም ዘመዓዱ ንምግባሩ ነይሩ። ደሓር ግና “እንኳዕ ዳሓን መጻእኻ ናብ ኣስመራ ኣቢዪ ወለላ” እናበልካ ከምዘይተደርፈ፡ ድሕሪ ውዕል ፕሮተርያ ፍትሕ ክጅመር እንከሎ፡ ህዝቢ ብዛዕባቲ ተገላባጢ ተግባራቱ ናይቲ ጉጅለ ከምዘይዛረብ ካብ ምግባሩ ዓዲ ኣይወዓለን። ሎሚ ዘወጣውጦ ብዘሎ ናይ “ጽምዶ” ዛዕባ ዘርእዮ ዘሎ ዘይቀጥታዊ ቀልባዕባዕን እውን ካብዚ መዳህለሊ ተግብራቱ ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን። እዚ ዳሕረዋይ ካብቲ ናይ ቅድም ዝፍለ፡ ካብቶም ምስኡ ክጻመዱ ዝጽበዮም ዘሎ ኣካላት ዝያዳ “ናይ ርድኡኒ” ዝመስል ሃታሃታን ታህዋኽን ይረአ ምህላዉ እዩ።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ህግደፍ ኣሲርዎም ካብ ዝጸንሐ ተጋሩ፡ “ኣስታት 80 ፈቲሑ ናብ ዓዶም ኣፋንይዎም” ዝብል ዜና ተዘርጊሑ ሰሚዕናን ኣንቢብናን። እዚ ስጉምቲ ክወስድ እንከሎ፡ ብዛዕባቶም ኣብ መጻኢ ዕድል ሃገሮምን ህዝቦምን ሓሳብ ካብ ምሃብ ሓሊፎም ካልእ ገበን ዘይፈጸሙ ክነሶም፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ሃለዋቶም ኣጥፊእዎም ዘሎ ኤርትራውያን ብጩቕ ዘይምባሉ፡ ክሳብ ክንደይ ንውሽጣዊ ኤርትራዊ ዛዕባ ሓቢኡ “ጥዑይ መሲሉ” ደገ ገደ የማዕዱ ምህላዉ ዘመልክት እዩ። ብዙሓት ነቲ ኩነታት ብጽሞና ዝተዓዘቡዎ ኤርትራውያን ከኣ “ናይ ተጋሩ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ናብ ዓዶም ምኻዶምሲ ጽቡቕ፡ ደሃይ ናይቶም ጠፊኦም ዘለዉ ደቅናኸ?” እናበሉ ብታሕቲ ታሕቲ ይሓቱ ምህላዎም፡ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ካብ ቀዳምነቱ ኣዝዩ ርሒቑ ከም ዝጸንሐን ዘሎን የረድእ። እዚ ህድማ ኣብ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኢትዮጵያዊ ሰልፍታትን ውድባትን እውን ብሰፊሑ ዝረአ ዘሎ፡ “ውሽጥኻ እናሓባእካ ናብ ደገ ናይ ምምዕዳው ዘይቅርዑይ ኣካይዳ እዩ።
እምበኣር ብሓፈሻ ንኹሎም ነታ ሓቀኛ ትርጉማ ዘይተፈልጠ መዝሙር “ጽምዶ” ዘዳምቑ ዘለዉ፡ ብፍላይ ከኣ ንጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ፈቲኻ ጸሊእካ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ንመደንዘዚ ጭርሖታትካ ዘይተቐበሎ” ሎሚ’ውን “ብጽምዶ ተደናጊሩ” ዘቤታዊ ዛዕባኡ ዝርስዕ የለንን’ሞ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ምድንጋር ኣይክትቐስንን ኢኻ ንብሎ። ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ዋጋ ክኸፍል ዝግበኦ ነታ፡ “ዝፈከረ እንተፈከረ” ንድሕሪት ዘይትምለስ ልኡላዊት ሃገሩ እምበር፡ ነቲ ብዘይእፍልጦኡን ተሳትፎኡን ክሳብ ሎሚ ዘታለሎን ሎሚ’ውን ካብ ርእሱ ዘይወረደ ህግደፍ ዕድል ንዘይምሃቡ ከስተውዕል ነዘኻኽሮ። እቶም ንህግደፍ ከም መኻይዲ መሪጾም፡ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ ኣካላት ከኣ ካልእ ኩሉ ገዲፍና፡ ህግደፍ “ከተድልዮ እንከለኻ ኣይዞኻ፡ ጉዳዩ ምስ ወደኣ ግና ወይለኻ” ብዝብል ተበላጺ ጉርሒ ዘተሞከረ፡ ኣብ ዝወዓሎ ዘይሓድር “መጻምድቲ” ምዃኑ ከይድህለል ኣብ ርእስቲ ተመኩሮኡ ነተሓሳስቦም።
ኣብ ቃልሲ ንድሕነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን፡ ብዙሓት ኣብ ግምት ከተእትዎም ዝግበኣካ መሰረታዊ ረቛሕታት ኣለዉ። “ኣየናይ ሕቶ ንምምላስ ትቃለስ? ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ መሰረታዊ ስለ ዝኾነ፡ ብግቡእ ክንጽርን ህዝቢ ክርደኦን፡ ናይ ቀረባን ርሑቕን ትልእኮኡ ኣብ ግምት ዘእተወን ክኸውን የድሊ። “ምስ መን ትመሓዞ?፡ ብኸመይ ትውደብ? ኣየናይ ኣገባብ ቃልሲ ትመርጽ?” ዝብሉ ሕቶታት ኣቐዲምካ ምምላስ’ውን መሰረታዊ እዩ። እስትራተጅን ናይ ኣተገባብራ ሜላታትን ምሕንጻጽን ብመንን ብኸመይን ከም ትምራሕ ምንጻርን ከኣ ኣገደስቲ እዮም። ኣየናይ መቃለሲ ቦታ ትመርጽ ምውሳን ድማ ዘይዝለል’ ዩ።
ኤርትራውያን ነቲ ናይ ነጻነትን ልኡላውነትን ቃልስና ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ሜዳ፡ ኣብ ጐኒ ህዝብና፡ ምስ ዝተወሰነ ናይ ግዳም ደገፍ ኢና ኣዕዊትናዮ። ኣብዚ ድሕሪ ነጻነት፡ ን34 ዓመታት ምእንቲ ሓርነት ከነካይዶ ዝጸናሕናን ዘለናን ቃልሲ ግና፡ ኣብ ገዛእ ሃገርናን ኣብ ማእከል ህዝብናን ኣይኮናን ነካይዶ ዘለና። ምኽንያትና ከኣ እቲ “ካብ ኣፍንጫኡ ኣርሑቑ ዘይርኢ” ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብቲ ንሱ ዝመረጾ መላኺ መንገዲ ዝተፈልየ ሓሳብ ክጸውር ዘይክእል ጸቢብን ጸዋግን ብምዃኑ እዩ። በዚ መሰረት ብዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ቃልስና ነካይድ ኣለና። እዚ ማለት ግና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ጭቆና ናይቲ ጉጅለ ኮይኑ’ውን፡ ብስዉር መሰረታዊ ቃልሲ ንለውጢ የካይድ ምህላዉ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን።
“ኣበይ ኮይንና ኢና ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ንቃለስ?” ናይ ዝብል ሕቶ ሓፈሻዊ መልሲ፡ “ኣብ ዝኾነ ናይ ለውጢ ርኢቶና ዝጸውር ባይታ ዝረኸብናሉ” ዝብል እዩ። እቲ “ናይ ለውጢ ርኢቶና ኣብ ዝጸውር ባይታ” ዝብል፡ ካብ ፖለቲካዊ ባህሪ ናይቶም ነቲ ባይታ ዘመሓድርዎ ኣካላት ጀሚርካ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እቲ ቀዳማይ ተመራጺ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ምዃኑ ወትሩ ዝጥቀስዩ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ቃልሲ መጸዋዕታኻ ብቐሊሉ ናብቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ወሳኒ ህዝብኻ ክተመሓላልፈሉ ስለ ዘኽእለካ እዩ። እንተኾነ ጐረቤት ኮይና፡ ፖለቲካዊ ዝምድናኣ ምስ ኤርትራ ተሃዋስነት ኣብ ዘለዎ ሃገር ኮይንካ ምቅላስ ክሳብ ክንደይ ፈታንን ጥንቃቐ ዘድልዮን ምዃኑ፡ ዝነበረን ዘሎን ዝምድና ሓይልታት ለውጢ ኤርትራን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ።
እቲ ኣንጻሩ ንቃለስ ዘለና ስርዓት ህግደፍ፡ ንዝመርጽናዮ መቃለሲ ከባቢ ክጻረሮ እምበር፡ “ሓንጐፋይ ኢሉ ክምርቐልና” እንጽበዮ ኣይኮነን። መቃለሲ ቦታ ምስተመርጸ፡ “ኣብኡኸ እንታይን ብኸመይ ኢና ንንቀሳቐስ?፡ ዝብል ሕቶ ምምላስ ዘይስገር ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። እዚ ዛዕባ’ዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ኣብ ኢትዮጵያ ይንቀሳቐሱ ኣብ ዝነበርሉ፡ ብቐጻሊዝለዓልን ውረድ ደይብ ዝፈጥር ዝነበረን እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ብድብድቡ ንኹሉ ኣብ ሓደ ዘንቢል ኣእቲኻ፡ “ውድባት ኮና ግንባራት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ እንከለዋ ዋላ ሓንቲ ኣይሰረሓን” ዝብል ናይ ብዙሓት “መዋራዘዪ” ኮይኑ ዝስማዕ እዩ።
እዚ ሃካይን ላህመታውን ኣደማድማ ብዙሕ ዘዛርብ ኮይኑ፡ እቲ ዝሓለፈ ውረድ ደይብ ብምጥቕሉሉ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይንካ ንዝካየድ ቃልስን ምስቲ መንግስቲ ንዝግበር ዝምድናን መሰረታዊ መወከሲ ተመኩሮ ከም ዝኸውን ፈጺሙ ዝከሓድ ኣይኮነን። ነቲ ተመኩሮ ዳህሲስካ ነየናይ ትወስድ፡ ነየናይከ ኣይትወስድን ምውሳን ከኣ መስተውዓሊ፡ ዘይህዉኽን ጸዋርን ናይ ምዃን ብቕዓት ዝሓትት እዩ። ነዚ ሃብታም ተመኩሮ ገምጊምካ ርትዓዊ ሚዛን ዘይምሃብ ግና ውጽኢት መጻኢ ቃልስኻ ኣብቲ ቦታ፡ ትሕቲ ናይተን እተነኣእሰን ውዳበታትን ግንባራትን ናይ ምዃኑ ዕድል ሰፊሕ እዩ።
“መቃለሲ ቦታ ባዕልና እምበር ህግደፍ ኣይመርጸልናን’ዩ፡ ኢትዮጵያ ኮነት ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት ከኣ “ንዓና ሓራም ንህግደፍ ግና ሓላል ኣይኮናን” ምባል ግጉይ ኣይኮነን። ብመጽርዚ ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ኣብ ኢትዮጵያ “ግንባር ብርጌድ ንሓመዱ መስሪተ ኣለኹ” ብዝብል ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ናይ ስም ለውጢ እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ሓያሎ ዓመታት ጀሚርካ ዝነበረ ተበግሶ እምበር ሓድሽ ከምዘይኮነ ቅድሚ ኩሉ ምስትብሃል የድሊ። ነቶም ግንባር መስሪትና ዝበሉ፡ “ኣብኡ ኰንኩም እተካይድዎ ቃልሲ እንታይ እዩ?፡ ናይቶም ኣብኡ ንክትቀሳቐሱ ዝፈቐደልኩምን እትዛመድዎም ዘለኹምን ኣካላት ርኢቶ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ኤርትራን ህዝባን ከመይ’ዩ?፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ኢትዮጵያ፡ ከምዚ ዓለምና እትከታተሎ ዘላ እንተኮይኑ፡ ንስኻትኩምከ ብኸመይ ኢኹም ትግንዘብዎ? ኣካይዳኹምከ ትካላውን ስርዒታውን መልክዕ ኣትሒዝኩምዎ ዲኹም? ……ወዘተ” ፡ ዝብሉ ሕቶታት ክቐርብዎም እንከለዉ፡ ከም ናይ ሓሳብ ብዙሕነት ጸጋ ኣብ ክንዲ ምቕባል፡ “ስለምንታይ ንኺድ ጥራይ” ዘይበልኩምና ኢልካ ምቑጣዕን ምንጽርጻርን ቅኑዕ ኣይኮነን።
ጉጅለ ህግደፍ “መንገድኻ መንገዲ ደሓን ኣይኮነን እሞ፡ ካብ ናትካ ዝሓሸ ሓሳብ ኣለና” ክበሃል እንከሎ፡ ካብ ዝወስዶ ተጻባኢ ስጉምቲ፡ ነቶም ተወዲቦም ከምኡ ዝብልዎ፡ ኣጸሊምካ ካብ ህዝቢ ከም ዝንጸሉ ናይ ምግባር ዘይዕዉት ወስታ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝበሃሉ ዝነበሩ፡ “ልኡኻት ወያነ፡ መልመጽቲ ሻሓኒ ወያኔ፡ 5ይ መስርዕን ከደዓትን” ዝብሉ ኣሉታዊ ሓረጋት ምልጣፍ፡ ናይቲ ዘይጸዋር ባህሪኡ መርኣያ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ በቶም ኣብ ኢትዮጵያ ግንባር ብሪጌድ ንሓመዱ መስሪትና ዝበሉ ኣካላት፡ “ስለምንታይ ኣብቲ ዝወሰድናዮ ስጉምቲ ዝተፈልየ ርኢቶ ተንጸባርቑ” ብዝብል ቁጠዐ፡ ክሳብ “ንተቓወምቲ ውድባት ምስ ዝርዝር “ጸላእትና” ዝብልዎም ምስራዕን “ህግደፍ ቁጽሪ 2” ዝብል ሓድሽ ናይ ጸለመ ቅጽል ናብ ምልጣፍ ምህዋኾም፡ ኣካይዳ ህግደፍ ከም ምድጋም ስለ ዝመስል፡ ኣዝዩ ጥንቃቐ ዘድልዮ እዩ። እዚ ህዉኽ ኣካይዳ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ካብ ምዝራግን ዓቕሞም ካብ ምድኻምን ከምኡ’ውን መፍቶ ህግደፍ ካብ ምኻን ሓሊፉ ፋይዳ ከምዘየሉ ምግንዛብ’ውን ኣገዳሲ’ዩ። ብዓብይኡ ከኣ ኣብ ክንዲ ዓቕሚ ምእካብ ዝተኣከበ ምብታን ዘኸትል’ዩ።
ነቲ “ኢትዮጵያ ሃገር እያ፡ ግና ድማ ብዘይኣፍደገ ባሕሪ ሃገር ኮይና ኣይክትቅጽልን እያ” ዝብል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ “ንኣምኖ ኢና፡ ደሓር ድማ ንዓና ዝምልከተና ናይ ስርዓት ለውጢ (regime change) እምበር፡ ጉዳይ ልኡላውነት ኣይኮነን” ዝብል ብሂል፡ እቶም በሃልቱ ተመሊሶም ክምርመርዎ ዘለዎም እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣርሒቑ ዘይጥምት ስንኩፍ ኣተሓሕዛ ህግደፍ፡ ክሳብ ክንደይ ዋጋ ከም ዘኽፈለና ተመሊስካ ምዝካር’ውን የድሊ።
ካብዚ ሓሊፉ ኩሉ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክንገብሮ ኢና ዝበሃል ዘሎ መብጸዓታት፡ ምምስራት ወተሃደራዊ ክንፍታት ከይተረፈ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ እምበር ሓድሽ ከምዘይኮነ ኣስተውዕሉ። ስለዚ እቲ ኣቓልቦ ዘድልዮ፡“ኣበይ ኮይና ንቃለስ” ዝብል ጥራይ ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ምስ’ቲ ወስትታት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ልኡላዊ ቀጻልነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ብዘይትንክፍ፡ “እንታይ ኢና ክንገብር ንኽእል?” እዩ ክትኮረሉ ዝግባእ።