ትግባረ ውዕል ኣልጀርስ፡ ሕጂ’ውን ዘይስገር መሰረታዊ ኣጀንዳና’ዩ

2026-03-17 20:51:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 164 times

ኢሳያስን መለስን ኣብ ኣልጀርስ 2000፡ ኢሳያስን ኣብይን ኣብ ጅዳ 2018

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ1998-2000 ዝተኻየደ ምኽንያቱ ዘይግሉጽ፡ ደሓር ግና ናይ ዶብ መልክዕ ሒዙ “ውግእ ባድመ” ተባሂሉ ዝተጸውዐ ንክልተ ዓመታት ቀጺሉ። እቲ ውግእ ብኸምቲ ዘርኣዮ ቅድሚ ምስፍሑ፡ ብዘተ ንክፍታ ብተበግሶ ኣሜሪካን ሩዋንዳን ዝጀመረ ብዙሕ ጻዕርታት’ኳ እንተተገብረ፡ ስለ ዘይተዓወተ ካብ ክልቲኡ ወገናት ኣሽሓት ህይወት ሰባት በሊዑ፡ ምግማቱ ዘጸገም ንብረት ኣብሪሱ፡ ብዙሓት ዜጋታት ኣመዛቢሉ ብስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ኣዩ ተቛሪጹ።

ኣብቲ እዋን’ቲ ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝነበረ ፕረሲደንት ኣልጀርያ ማእከልነት ኣብ ኣልጀርስ እዩ ተኸቲሙ። እቲ ምኽታም ብመጀመርያ ብ18 ሰነ 2000 ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ክልቲአን ሃገራት፡ ደሓር ድማ ዝተፈላለዩ ተዓዘብቲ ኣብ ዝተሳተፍዎ ብ12 ታሕሳስ 2000 ብኢሳያስ  ኣፈወርቅን መለስ ዜና’ውን እዩ ቅድሚ 25 ዓምታት ተኸቲሙ። ነዚ ንምዝካር እዮም ድማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ብዙሓት ጸለውቲ ሃገራትን ናይቲ ስምምዕ መበል 25 ዓመት ምኽንያት ብምግባር ኣብቲ እዋኑ መግለጽታት ዘውጽኡ።  መግለጽታቶም ድማ እቲ ስምምዕ መሊኡ ክትግበርን ክልቲአን ሃገራት ናይ ሕድሕደን ልኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ከኽብራ ብኣጽነኦት ዝምሕጸን’ዩ።

ስምምዕ ኣልጀርስ ሰፊሕን ዓሚቕን ትሕዝቶ ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ኣብ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዝህብ ኮሚሽን ምቛም ካብቲ ቀንዲ ትሕዝቶኡ ነይሩ። “ናይቲ ኮሚሽን መሰረታዊ መወከሲታት፡ ኣህጉራዊ ስምምዓት 1900፡ 1902፡ 1908ን ተዛመድቲ ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ይኸውን” ዝብል ከኣ ኣካል’ቲ ኣብ ኣልጀርስ ዝተኸተመ ስምምዕ እዩ። እቲ ኮሚሽን ዶብ፡ ንክልተ ዓመታት ዝኣክል ጽዕጹዕ ጻዕርን ምጽራይን ድሕሪ ምክያድ፡ ልዕሊ 100 ገጻት ዝሓዘ ውሳነኡ ብ13 ለካቲት 2002 ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ኣብ መእተዊ እቲ ነቲ ሰፊሕ ናይ ውሳነ ሰነድ ኣመልኪቱ በቲ ኮሚሽን ዝወጸ መብርሂ ቁጽሪ 2፡ “ክልቲአን ሃገራት ዶባተን ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላትን ቅቡላት ተዛመድቲ ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ዝምራሕ ኮሚሽን ብይን ኣቚመን እየን። በዚ ድማ እቲ ኮሚሽን ዝውስኖ ዶብ ምኽላልን ኣብ መሬት ምልክት ምንባርን ቀያድን ናይ መወዳእታን ክኸውን ክልቲኦም ዝተሰማምዓሉ  እዩ። በቲ ብይን ኣፍልጦ ንዝረኸበ ዶብ ኣኽቢረን ክምእዘዛ ዝብል’ውን ኣካል’ቲ ስምምዐን’ዩ” ዝብል  ዘስፈሮ ሓሳብ ይርከብ።

እዚ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ምስተኣወጀ፡ ክልቲኦም መንግስታት ብዘይዕጻይ ምጻጻይ ከም ዝቕበልዎ ክእውጁ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ብፍላይ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ “ኣይኮነንዶ ዝሓተተናዮ ንከተማ ባድመ ወሲኽካ ዘይተጸበናዮ መሬት እውን ረኺብና” ብዝብል ቅኒት፡ ጽባሕ’ቲ ዝተኣወጀሉ ሰፊሕ ናይ ደገፍ ሰልፊ ተኻየደ። እንተኾነ ግዜ እናነውሐ፡ ብፍላይ ባድመ ንኤርትራ ከም ዝተወሰነት ተረጋጊጹ፡ ኣብ መሬት ምልክታት ናይ ምንባር ምድላዋት ምስ ጀመረ ብወገን መንግስቲ ኢህወደግ ናይ ጣዕሳ ምልክታት ተቐልቀለ። “እቲ ብይን ፍትሓዊ ስለ ዘይኮነ፡ ብመትከ’ኳ እንተተቐበልናዮ፡  ከም ዘለዎ ምትግባሩ ግና ንረብሓና ኣይኮነን”  ዘስምዕ ድምጺ ክቃላሕ ጀመረ።

እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ኢሎም ዝተቐበልዎ በይናዊ ምምሕያሽ ብዝመስል፡ “በዓል 5 ነጥብታት ፖሊሲ” ዝብል ቅዲ ኣምጽኡ። መሰረታዊ መልእኽቱ ከኣ “ኣብቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዳግመ-ርኢቶ እንተዘይተገይሩ ኣይንቕበሎን” ዘስምዕ ነይሩ። ህግደፍ ሽዑ ናብ ተግባር እንተዝእቶ ክሳብ ክንደይ መተገሀ ካልእ ኮይኑ፡ ናይ ምትግባሩ ደጋፊ መሲሉ ብምቕራብ ነቲ ናይ ኢትዮጵያ መርገጽ ብምምዝማዝ ከም መናውሒ ዕድመ ስልጣኑ ተጠቕመሉ። እዚ እዩ ድማ ናብቲ ናይ ኣስታት 16 ዓመታት  “ኣይሰላም ኣይኲናት” መድረኽ ዘእተወ።

ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ለውጢ ተፈጢሩ፡ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ተቐዳዲሙ ካብ  ዝወሰዶ ስጉምቲ “ነቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሉእ ብምሉእ ተቐቢለ ከተግብሮ ቅሩብ እየ” ኢሉ ብምእዋጅ፡ ምስ ህግደፍ ዘይግሉጽ ዝምድና ምምስራቱት’ዩ። በዚ መሰረት ድማ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ኣስመራ ብ9 ሓምለ 2018፡ ኣብ ጅዳ ድማ ብ16 መስከረም 2018 ስምምዓት ከተሙ።  ኣብቲ ስምምዖም ክልቴና ወገናት፡ ንውሳነ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክንትግብሮ ኢና”  ንዝብል 4ይ ዓንቀጽ፡ ኣብይ ኣሕመድ ብሓሙሽተ ኣጻብዕቱ ፈሪምሉ እዩ።

ኣብቲ መኻን ስምምዕ ብምኽታሞም  ክልቲኦም መራሕቲ ካብ ስዑድያ ወርቂ መዳልያ ተሰሊመምሉ፡ ኣብይ ኣሕመድ እቲ ደሓር ኣዘራራቢ ዝኾነ ሽልማት ሰላም ኖቤል ተቐቢልሉ።  ኣብይ ነዚ ኣቐሚጡ እዩ እምበኣር፡ “ኤርትራ ሃገር ዝኾነትሉ ሰነድ ኣይረኸብናን” ብምባሉ እዩ  “መስሓቕ ሸራፋት” ኮይኑ ዘሎ። ኣብ ርእሲቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ብምስታፉ ዘገልጸሉ ዝነበረ ምስጋናታት፡ ኣብ ከም ባድመ ዝኣመሰለ ቦታታት ንዝዓረደ ሰራዊት ኤርትራ ድማ “ኣብ መሬቱ እዩ ዘሎ” ዝብል ምስክርነት ዝሃበሉ’ውን ነይሩ’ዩ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነቲ ምስ ኣብይ ዝኸተሞ ስምምዕ ተመርኲሱ፡ እቲ ኮሚሽን ዶብ ኣብ መወዳእታ ዕማሙ፡ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብቶም ብሰነድ ዝተነጸሩ ዶባት ሃገራት ኣፍሪቃ ሓደ ኮይኑ’ሎ። እቲ ኮሚሽን ብ2007 ኣብ ወረቐት ወሲኑ፡ ንድሕሪት ብዘይምለስ (virtually) ሓንጺጹ ሰኒድዎ እዩ። ከመይ ከም ዝሓንጸጾ ንምርኣይ ድማ ነቲ ውዱእ ሰነድ ብ45 ደገፍቲ ስእልታት (maps)፡ ብምስናይ ናብ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ከምኡ ድማ ናብ ክፍሊ ካርቶግራፊ ሕቡራት ሃገራት ኣረኪብዎ ኣሎ”  ተኸቲሉ ኣየተግበረን። ዘይምትግባሩ ከኣ፡ ካብ መጀመርታኡ’ውን  እቲ ውሳነ ተተግቢሩ ዶባት ኤርትራ ክፍለጥ  ድሌት ከም ዘይነበሮ ዘቃለዖ እዩ።  

ስለዚ ኣብዚ እዋንዚ’ውን፡ ነቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዘርእዮ ዘሎ ዓንዳሪት ዘቃልዕ መልሲ ምሃብ’ኳ ኣገዳስን ኣድላይን እንተኾነ፡ ኣብ ክንዲ ምሉእ ብምሉእ ግዙኣት ኣጀንዳ ሰልፊ ብልጽግና ንኸውን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ከምቲ ኣብ መበል 25 ዓመት ዘርኣይዎ ተገዳስነት፡ እቲ ውሳነ ኣብ መሬት ምልክታት ብምትካል ንክዛዘም ካብ ምድፋእ  ዓዲ ከይውዕሉ ነዘካኽሮም።

Last modified on Tuesday, 17 March 2026 21:59