EPDP News

እስራኤል ብ26 ታሕሳስ 2025፡ ንሶማሊላንድ ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኣፍልጦ ብምሃበ ቀዳመይቲ  ካብ ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና። እዚ ኣፍልጦ ዝሃበታ ሶማሊላንድ “ስምምዕ ኣብረሃም” ዝብል ውዕል ተቐቢላ ክትግብር ቅርብቲ ምዃና ምስ ኣረጋገጸት፡ ክልቲአን ሃገራት ብዝኽተመኦ ናይ ሓባር ስምምዕ ምዃኑ ሮይተርስ  ሓቢሩ። በቲ ውዕል መሰረት ሶማሊላንድ ካብ ጋዛ ስደተኛታት ክትቅበል’ያ ዝብል ተረድኦ ኣሎ። ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ብዛዕባቲ ጉዳይ ምስ መሓዝኡ ፕረሲደንት እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ ብተለፎን ከም ዝተዛረበ ድማ ተሓቢሩ።

ናታንያሁ ሃገሩ ሶማሊላንድ ን30 ዓመታት ዝኣክል ተንጠልጢሉ ዝጸንሓ ትጽቢታ፡ ነቲ ብተበግሶ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ትራምፕ ዝተኸተመ “ስምምዕ ኣብረሃም”  ምሉእ ብምሉእ ከም እትትግብሮ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተዋህበ ኣፍልጦ ምዃኑ  ኣረጋጊጹ።

እቲ ስጉምቲ ነቲ ሶማሊላንድ ብ1991 ካብ ሶማሊያ ተፈልያ “ናጻ ሃገር እየ” ኢላ ክነሳ፡ ክሳብ ሎሚ ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ከይረኸበት ዝጸንሓቶ ኣፍደገ ዝኸፍ እዩ ተባሂሉ። ነዚ ኩነታት ዝተኸታተለ ካቢነ ሚኒስተራት ሶማሊያ መቃድሾ ከኣ ነቲ ኩነታት ንምምዛንን መርገጹ ንምግላጽን ህጹጽ ኣኼባ ከም ዘካይድ  ኣልጀዚራ ሓቢራ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ፡ ድሕሪቲ ውሳነ ናብ ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ዓብደል ራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ ደዊሉ፡ “እንኳዕ ኣሕጐሰካ” ድሕሪ ምባል፡ ሶማሊላንድ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ንከተስፍን ዘለዎ እምነት ገሊጽሉ። ወጻኢ ጉዳይ እስራኤል ብወገኑ እቲ ስምምዕን ኣፍልጦን ድሕሪ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ክካየድ ዝጸንሐ ጽዑቕ ዘተን  ክልቲኦም መራሕቲ ምውሳኖምን፡ ኣብ ስምምዕ ምኽፋት ኢምባሲታትን ምልውዋጥ ኣንበሳድራትን ዝተበጽሐ  ምዃኑ ኣፍሊጡ። ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ብወገኑ ሃገሩ “ስምምዕ ኣብረሃም” ምሉእ ብምሉእ ከተተግብር ቅርብቲ ምዃና ኣረጋጊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ሶማሊያ፡ ግብጺ፡ ቱርክን ጅቡትን ንስጉምቲ እስራኤል ብትሪ ከም ዝነጸግዎ ጋዜጣ  ጀሩሳሌም ፖስት ኣፍሊጣ።

ኢትዮጵያ ብ2024 ምስ ሶማሊላንድ፡ ንሳ ኣፍልጦ ክትሃብ ሶማሊላንድ ድማ መህነጺ ሓይሊ ባሕሪ ዝኸውን ገምገም ባሕሪ ንክትህባ ዝእምት መሰማምዒ እማመ ብምኽታም ቀዳመይቲ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ እትህብ ሃገር ክትከውንያ ዝብል ግምት ነይሩ። እንተኾነ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ሓሳቡ ቀይሩ ብመንጎኝነት ቱርኪ ምስ መቃድሾ ስለ ዝተዓርቀ ኣይቀጸሎን።

መንግስታዊ ኣካል ኢትዮጵያ አገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ኢትዮጵያ ሕቶ ስደተኛ ናይ ምምላስ ተግባር ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ኣፍሊጦም። ናይዚ ጠንቂ ብሰንኪ ብእዋኑ እኹል ገንዘብ ዘይምርካብ ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ። በዚ ድማ መሰረታዊ ዝኾኑ  መግቢ፡ ማይን ሕክምናን ምቕራብ ኣይተኻእለን ተባሂሉ። ነዚ ጸገም ተቓሊዖም ዘለዉ ስደተኛታት ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ምዃኖም ከኣ ተፈሊጡ።

ናብታ ብዝሒ ምዕቋብ ስደተኛታት ካብ ኣፍሪቃ 2ይ ደረጃ እትሕዝ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ክውሕዙ ካብ ዘገደዱ ምኽንያታት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ግርጭታትን ኣብ ሶማሊያ ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቅን ምዃኖም ድማ  እቶም ኣካላት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም። እተን ነቶም ስደተኛታት መሰረታዊ ነገራት ዘቕርባ ዝነበራ ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ኣቕርቦተን ኣብ 2025 ብ70% ከም ዝነከያ  ተጠቒሱ።

ወይዘሮ ጠይባ ሓሰን ዝተባህለት ሓላፊት ናይቲ አገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ትካል ኢትዮጵያ ብወገና፡ ሃገራ እቶም ስደተኛታት ንክዕቆቡ ዕድል ምሃብ እምበር፡ መሰረታዊ ነገራት ናይ ምቕራብ ዓቕሚ ከምዘየብላን ሕብረተሰብ ዓለም ሓላፍነት ክስከም ከም ዘለዎን ምፍላጣ’ውን ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ወይዘሮ ኣሲሳቶው ንድየ በወገና፡ ኣብ ኣዝዩ ኣጨናቒ ጉዳይ ኢና ዘለና ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘሎ ኩነታት “ሕቶ ስደተኛታት ምምላስ ይቐጽልዶ ኣይቐጽል ኣብ ቀረባ ግዜ ክንውስን ኣብ እንግደደሉ ኩነት ኢና ዘለና” ኢላ። ናይቲ ጸገም ስፍሓት ክትገልጽ እንከላ ከኣ ትካል መግቢ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ካብቲ ዝህቦ ዝነበረ ቀረብ 40% ከጉድል ከም ዝተገደደ ሓቢራ።

ዝልታን ሚሊሲክ ዝተባህለ ዳይረክተር ትካል መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ በቲ ዘለዎ ዝተሓተ ደረጃ  ንምቕጻል ንመጻኢ 6 ኣዋርሕ 90 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድልዮም ጠቒሱ፡ እዚ እንተዘይተረኺቡ ግና ኣብ መጻኢ ኣዋርሕ ኣገልግለቶም ምሉእብምሉእ ከቋርጹ ከም ዝግደዱ ኣፍሊጡ።

በዚ ኩነታት ይሳቐዩ ካብ ዘለዉ ግዳያት ኣለምዋጭ ኣብ ዝበሃል መደበር ስደተኛታት ከባቢ ዳባት-ጎንደር ዘተዓቚቦም ዘለዉ ኤርትራውያን  ቅድሚት ዝስርዑ እዮም።

በቲ ኩነታት ዝተሻቐሉ ነበርቲ ጋምቤላ ኣብ ኣደባባይ

ሓካይም ብዘይዶብ (MSF)፡ ዝተባህለ ትካል ተራድኦ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ኣብ መንጎ ብሄራት ኑዌርን ኣኝዋክን ብዝተወለዐ ሓያል ውግእ፡ ብ24 ታሕሳስ 2025 ጥራይ 47 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ልዕሊ 100 ብጥይት ዝቖሰሉ ሰባት ከም ዝሓከመን ኣፍሊጡ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብወገኖም ብ24 ታሕሳስ 2025 ታርፓም ኣብ ዝበሃል ንኡስ ዞባ፡ ፍሉይ ወረዳ ኢታንግ 47 ሰባት ምቕታሎም ንመርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣረጋጊጸሙላ። ሓደ ናይ ጥዕና ክኢላ ብወገኑ እቲ ኣሃዝ ኣፈናዊ እዩ ኢሉ፡ ንዝምልከቶ ኣካል ከየፍለጡ ኣብ ከባቢኦም ዝተቐበሩ ግዳያት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ኣመልኪቱ።

እቶም ምንጭታት ከም ዝበልዎ፡ መንገድታት ስለ ዝተዓጽወ፡  ግዳያት ናይቲ ውግእ  ኣብ ናይቲ ክልል ዋና ከተማ ናብ ዘለዋ ትካላት ጥዕና ክመጹ ከምዘይከኣሉ ኣፍሊጦም። ዝተወሰኑ ቁሱላት ግና ኣብ ጥቓ መደበር ስደተኛታት ኩለ ናብ ዘሎ ማእከል ጥዕና ሓካይም ብዘይዶብ ምውሳድ ከም ዝተኻእለ ሓቢሮም። እንተኾነ እዚ ማእከል ጥዕና እውን ካብቲ ውግእ ዝካየደሉ  ቦታ ርሑቕ ስለ ዘይኮነ ውሕስነት የብሉን ኢሎም።

ሓካይም ብዘይዶብ፡ እቲ ውግእ ብ17 ታሕሳስ 2025 ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ጸጥታ ናይታ ክልል ድሕሪ ምቕታሉ  ከም ዝጀመረ ጠቒሱ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናነሃረ ስለ ዝኸደ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝቕበሎም ዝነበረ ቁስላት ብኣኡ ደረጃ ይውስኽ ከም ዘሎ ብምጥቃስ ዝሓደሮ ስግኣት ኣፍሊጡ። ካብቶም ኣብ 24 ሰዓታት ዝተረከቦም 100 ቁሱላት ናይቶም 19 መውቃዕቲ ከቢድ ምዃኑ ኣብቲ መግለጺኡ ሓቢሩ። እቲ ውግእ ካብ ዝጅመር ኣብ 7 መዓልታት 150 ቁሱላት ተረኪቡ ከም ዝሓከመ ከኣ ኣፍሊጡ።

ክልላዊ መንግስቲ ጋምቤላ እቲ ውግእ ልዕሊ ዓቕሙ ምዃኑ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምፍላጡ፡ ናብቲ ክልል  ስሩዕ ሰራዊት ከም ዝኣተወን ኣብታ ክልል ካብ ሰዓት 8 ምሸት ክሳብ ሰዓት 6 ናይ ንግሆ ዝጸንሕ ኣዋጅ ሰዓት እቶእቶ  ክትግበር ከምዝጀመረ ከኣ ተፈሊጡ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይዕግበት ዝንጸባረቕ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፡ ኦሮሞን ጋምቤላን ከኣ ጽዕጹዕ ውግእ ይካየድ ኣሎ።

 ቀረናኩዶ

ኣብ ኤርትራ ኣብ ንኡስ ዞባ ለጎ ዓንሰባ ነበርቲ ቀረናኩዶ እትበሃለት ዓዲ፡ ብሰራዊት ህግደፍ ብጃምላ ከም ዝተኣስሩ ተወለድቲ ናይቲ ከባቢ ካብ ቤተሰቦም ዝረኸብዎ ሓበሬታ ብምጥቃስ፡  ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ሓቢሮም። ቅድሚቲ ማእሰርቲ ናይቶም ደቂ ዓዲ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ መልሻ ናይቲ ስርዓት፡  ንሓደ ያፌት የማነ ገብረማርያም ዝተባህለ ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድመኡ፡ መንእሰይ  ገረብ ቆሪጽካ  ፈሓም ኣፍሒምካ ብዝብል  ክኣስርዎ ምስ ደለዩ  ስለ ዘይተማእዘዘሎ ኣብ ክንዲ ናብ ሕጊ ምቕራብ ብጥይት ቀተልዎ።

ነባሮ እታ ዓዲ ብወገኖም ብመቕተልቲ ናይቲ መንእሰይ ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ ናብ ኣደባባይ ወጺኦም። እቶም በቲ ተቓውሞ ዝረዓዱ ነቲ መንእሰይ ዝቐተሉ ኣባላት መልሻ ድማ ተወሳኺ ሰራዊት ብምጽዋዕ፡  ኣቦን ሓውን ናይቲ ዝተቐትለ መንእሰይ ወሲኽካ ኣስታት 450፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት፡ መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ተወሲዶም ከም ዝተኣስሩ እዩ ተሓቢሩ።

እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ በቲ ማእሰርቲ ናይቶም ደቂ ቀረናዶ ጠጠው ከምዘይበለን እቲ ሰራዊት ኣብታ ዓዲ ሰፊሩ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ጉደቦ ቀረና ኩዶ ዝኾና ዓድታት ዴዳን ሓበላን እውን ኣብ ስግኣት ከም ዘለዋ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣቃሊዑ። እቲ እዚ ዝተጠቕሰ ግፍዒ ዝተፈጸመሉ ከባቢ፡ ካብቲ ኢሳያስ ሰፊሩሉ ዘሎ ዓዲ ሃሎ ርሑቕ ኣይኮነን።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ውግእ ሱዳን ዓለምለኻዊ መልክዕ ሒዙ፡ ኢትዮጵያን ናብ እትርከበን ጐረባብቲ ሃገራት ከይልሕምን ከይሰፍሕን ዘለዎ ስግኣት ይገልጽ ኣሎ። ነዚ ስግኣት ካብ ዘሕደረሉ እቲ ብኣቕረብቲ ሃገራትን ዕጡቓት ጉጅለታትን  ናብ ሱዳን ዝጓረት ዘሎ ኣጽዋር ምዃኑ እውን ሓቢሩ።

ነዚ ዝገለጸ ሓጋዚ ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መዳይ  ፖለቲካን ህንጸትን፡ ካለድ ኪያለድ ነቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሃቦ እዋናዊ መብርሂ እዩ። ኣብቲ መብርሂኡ ኣተሓሒዘ  ኣብዚ እዋንዚ ውግእ ሱዳን ናብ ከባቢ ኮርዶፋን ሰፊሑ፡ እቲ ብዳጋሎ ዝምራሕ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ብ1 ታሕሳስ ከተማታት ባኑሳን ሄግሊግን ብ8 ታሕሳስ 2025 ከኣ ዓበይቲ ከተማታት ደቡብ ኮርዶፋን ድሕሪ ምሓዙ ምዃኑ ተጠቒሱ። ከም ኣብነት  ናይቲ ውግእ ናብ ዶባት ምስፍሕ እቶም ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ዶብ ደቡብ ሱዳን ህውከት ይፈጥሩ ምህላዎም መርኣያ እዩ ኢሉ።

ሓደ ነቲ ኩነታት ብግሊ ዝተንተኖ ክኢላ ብወገኑ ንውግእ ሱዳን ዘስፈሖ ዘሎ ዶባት ጥሒሱ ናብታ ሃገር ዝውሕዝ ዘሎ ኣጽዋርን ገንዘብን ከምኡ እውን ነዊሕ ዝዝርጋሕ ፖለቲካዊ መርበባትን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብዚ ፖለቲካዊ መርበብ ቻድ፡ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣለዋ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን ይብል። ኣጽዋር ናብ ሱዳን ዝኣትወሉ መንገዲ ከመይ ከም ዝመስል ክሕብር እንከሎ ድማ ቻድ፡ ሊቢያ፡ ሩፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ፑትላንድን ደቡብ ሱዳንን ጠቒስወን።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት፡ ሆስፒታላት፡ መኸዘኒ ንብረት ሕቡራት ሃገራትን ህጻናትን ዝፈጸም ዘሎ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ድሮናት ኣዝዩ ኣሰካፊ እዩ ኢልዎ። ኣብ ከባቢ ኣብየይ 6 ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሰራዊ ምቕታሎም እውን ካብቲ ዘሻቕሊ ተረኽቦታት ሓደ ምዃኑ እቲ ሓጋዚ ዋና ጸሓፊ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣልጀዚራ ብ11 ታሕሳስ 2025 ኣብ ዘውጸኣቶ ዜናዊ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ሱዳን ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳውብ ከባቢ፡ ሓድሽ ግንባር ውግእ ክኸፍት ይዳሎ’ሎ ዝብል ሓበሬታ ምቕራቡ ተሓቢሩ። ናይዚ መንቀሊ ድማ ኢትዮጵያ ነቲ ብዳጋሎ ዝምራሕ ሓይሊ ንምሕጋዝ ኣብ መሬታ ከባቢ ቤንሻንጉል ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከል ምኽፋታ ምዃኑ ኣልጀዚራ ብተወሳኺ ሓቢራ። እዚ ኩነታት ውግእ ሱዳን ኤርትራ እውን  ናይቲ ዝለሓም ዘሎ ውግእ ግዳይ ከይትኸውን ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ።

ብ1941 ተሃኒጹ ካብ 1947 ጀሚሩ ቤት ጽሕፈ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኮይኑ ዝገልግል ዘሎ ህንጻ

ፕረሲደንት ሮናልድ ትራምፕ 30 ኣብ ዝተፈላለቱ ኢምባሲታት ተመዲቦም ክሰርሑ ዝጸንሑ ክኢላታት፡ ብህጹጽ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም ዝጸውዐ፡ ናይታ ሃገር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ብምጥቃስ ሲኤንኤን (CNN) ሓቢራ። እቶም ዝተጸውዑ ኣንበሳድራትን ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ሓላፍነት  ተመዲቦም ክሰርሑ ዝጸንሑ ዲፕሎማትን ምዃኖም ከኣ ተፈሊጡ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ነዞም ኣብ ግዜ ምምሕዳር ባይደን ዝተመደቡ ዝጽውዖም ዘሎ፡ ንዲፕሎማሲያዊ ኣሰራርሓ ናይታ ሃገር ምስቲ ቀዳምነት ንኣሜሪካ ዝብል ፖሊሲኡ ንምጥዕዓም ምዃኑ ተሓቢሩ። እቶም ብዘይተለምደ ኣገባብ ብተለፎን ከይተረፈ ዝተጸውዑ ዲፕሎማት ጠቕሊሎም ዝስጐጉ ዘይኮኑ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ  ካልእ ስራሕ ክድለየሎም እዩ ዝብል ግምት ከምዘሎ ከኣ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ዝርዝር ናይቶም ተጸዊዖም ዘለዉ ዲፕሎማት’ኳ እንተዘይገለጸ፡ እቶም 15 ካብ ኣፍሪቃ ምዃኖም ተፈሊጡሎ። ካብቶም 15 ኣብ ኣፍሪቃ ዝጸንሑ ከኣ ኣንበሳድራት ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ሶማሊያ፡ ጅቡቲ፡ ናጀርያ፡ ኡጋንዳ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዙምባበ፡ ሩዋንዳን ኮትዲቩዋርን ከም ዝርከብዎም ተፈሉጡ።

ብዛዕባቲ ምጽወዖምን መዓስ ከም ዝትክኡን ዝምልከት ዝርዝር መብርሂ ከምዘይተዋህበ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ እቲ ምቅይያር ብፍላይ ኣብቲ ኣሜሪካ ኣንጻር ፈጠርቲ ራዕዲ እትንቀሳቐሰሉ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ጽልዋ ከም ዝህልዎ ዝግመት ኮይኑ፡ ኣብ ናጀርያን ግብጽን ናይ ዝነበሩ ኣንበሳድራት ምጽዋዕ  ከኣ ምስቲ ምስ ኣሜሪካ ዝጸንሀን ጥቡቕ ርክብ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ።

 እዚ ስጉምቲ ንኣሜሪካ ናበይ ከም ዝወስዳ ኣይፍለጥን እዩ ዝበለ ሓደ ተዓዛቢ፡ ብዓለም ደረጃ  ኣንበሳደር ኣሜሪካ ዘየብለን ሃገራት ይበዝሓ ኣለዋ ኢሉ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ነቲ ስጉምቲ ነቒፎም፡ ከም ቻይናን ሩሲያን ዝኣመሰላ መወዳድርቲ ኣሜሪካ ነቲ ሃጓፍ ተጠቒመን ክብለጻሉ እየን ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎም ገሊጾም።

ፕረሲደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ፡ ፓትሪክ ሞትሰፐ

ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (CAF)፡ ኣብ ክንዲ’ቲ ኣብ ከክልተ ዓመት ክካየዶ ዝጸንሐ ውድድር፡ ካብ 2028 ንደሓር ከምቲ  ናይ ዓለም ውድድር ኣብ 4ተ ዓመት ዝካየድ ከም ዝኸውን እቲ ኮንፈደረሽ ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ኮንፈደረሽን ኣስታት 80% ኣታዊኡ ዝረክብ፡ ካብዚ ብ1957 ጀሚሩ ኣብ ከክልተ ዓመት ክካየድ ዝጸንሐ ውድድር እዩ። ኣብ ሞሮኮ ዝካየድ መበል 35 ዙርያ ውድድር ኣፍሪቃ ኣብ ቅነ ሓድሽ ዓመትን ልደትን ዝጅመር ኮይኑ፡ 18 ለካቲት 2026 ክፍጸም ትጽቢት ይግበረሉ።

እቲ ኣብ 2027 ኡጋንዳ፡ ኬንያን ታንዛንያን ብሓባር ከሰናድእኦ ኣቐዲሙ ተመዲቡ ዘሎ ውድድር ምስተፈጸመን ኣብ 2028 ሓደ ውድድር ድሕሪ ምክያዱን እቲ ኣብ 4ተ ዓመት ዝካየድ ሓድሽ ኣገባብ ውድድር ብ2029 ከም ዝጅመር ናይቲ ኮንፈደረሽን ፕረሲደንት ፓትሪክ ሞትሰፐ ኣፍሊጡ።  እዚ ሓድሽ መወዳዳሪ መደብ ካብ ተመኩሮ ሊግ ኤውሮጳ ዝተወስደ ቅዲ ምዃኑ ከኣ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ። እዚ ሓድሽ ኣገባብ እቲ ኮሚሽን ምሉእ ብሙእ ብገንዘባዊ ኣታዊኡ ነብሱ ዝኽእለሉ ክኸውን ከም ዝኽእል እውን እቲ ፕረሲደንት ናይቲ ኮሚሽን ጠቒሱ።

እዚ ሓድሽ መደብ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝተታሕዘ ኮይኑ፡ ክሳብ ሎሚ ዘይተተግበረሉ ኣብ ኣታዊ ናይቲ ኮሚሽን ከኸትሎ ዝኽእል ስግኣት ምዃኑ  ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ። እቲ ካልእ ምኽንያት ኣብ ኤውሮጳ ዝጻወቱ ኣፍሪቃውያን ክኢላታት ናብቲ ናይ ኣህጉሮም ኣፍሪቃ ውድድር ስለ ዝመጹ፡ ምስቲ ኣብ ወጻኢ ዝወዳደርዎ ከምዘይጋጮ ጌርካ ምስራዕ የድሊ ምንባሩ’ውን ከም ተወሳኺ ምኽንያት ተጠቒሱ። እዚ ናይ 2025 ኣብ ሞሮኮ ዝካየድ ውድድር ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ኣሚሪካ ዝተኻየደ ናይ ዓለም ውድድር ብዝተናበበ ከም ዝተሰርዐ ድማ ተጠቒሱ።

ኢትዮጵያ ብ1962 ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኣብ ዝኾነትሉ፡ ኣብታ ጋንታ ተሰለፍቲ ካብ ዝነበሩ 11 ተጻወቲ፡ እቶም 8 ካብ ኤርትራ ዝተመርጹ ምንባሮም መዛግብቲ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ የመልክት። ኤርትራ ናጻ ሃገር ድሕሪ ምኻና ኣብ ዝካየድ ውድድራት ግና፡ ኤርትራ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዋላ ኣብቲ ዝተሓተ ደረጃ መጻረይ ግጥማት ናይ ዘይሳተፋ  ሃገራት ኣብነት እያ።

ብስድራቤት ስዉእ ስዩም ዑቑባሚካኤል ሓረስታይ፡ ዝተሰርዐ ዝኽሪ መበል 20 ዓመት መስዋእቱ፡ ብ20 ታሕሳስ 2025 ተኻይዱ። ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝወጸ መደብ፡ ንግሆ ስድርኡን ቤተሰቡን፡  ናይ ቃልሲ ብጾቱን ፈተወቲ ስድራን ኣብ መቓብሩ ተረኺቦም ዕንበባ ኣንቢሮም። ኣብቲ መድረኽ ብጻይ ኣሰፋው በርሀ ብዛዕባ ስዉእ ስዩምን ታሪኽ ቃልሱን ሓጺር ዝኽሪ ኣቕሪቡ። ድሕሪኡ ድማ ብኣካል ካብ ኣዳራሽ ሮተርዳምን ብዙምን ብዙሓት ታሪኽ ኣባላት ቤተሰቡን ሓርበኝነት ስዩም ዘገድሶም  ናይ ቃልሲ ብጾቱን ዝተሳተፍዎ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ርክብ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ኣዝመራ ሃይሉ፡ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል ንተሳተፍቲ ኣመስጊና፡ “ደጊም  ብሓርበኝነት ስዩም ንተሓበን እምበር ሓዘን ያኣክል” ዝብል መልእኽቲ ኣስሚዓ፡ ንደቃን ኣሕዋቱን ከኣ ስዩም ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ንሃገር ብዘበርከቶ ንተሓበን ክትብል ኣተባቢዓ።   ስዩም ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ግቡእ ቦታ ኣለዎ ድሕሪ ምባላ ድማ ኣበርክተኡ ካብታ ተወዲቡ ዝተቃለሰላን ዝመረሓላን ተሓኤ ሓሊፉ፡ ናብ መላእ ኤርትራ ዝጥምት ተባዕ  ምንባሩ ጠቒሳ።

 በኹሪ ጓሉ ኣይዳ ስዩም ብወገና ብስም ኣሕዋታ ብዛዕባ ኣቦኣ  ዘለዋ ናይ ቁልዕነት ተዘክሮ ዝምልከት  ዘረባ ኣስሚዓ። ኣብቲ ቃላ ዋላ’ኳ ኣቡኣ ብሰንኪ ኣብ ቃልሲ ምጽማዱ ከምቲ ዘድሊ እንተዘየስተማቐረቶ ጓል ሓርበኛ ብምዃና ከም እትሕበን ጠቒሳ።  ኣሓቱ ለምለምን ኤልሳን ብወገነን፡ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ስዩም፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዘሕለፎ ህይወትን ናቱ ማእሰርቲ ኣብ ስዳቤቱ ዝገደፎ ስንብራትን ብምዝካር ቃለን ኣስሚዐን። ዋላኳ ንስድርኡ እንተዘይኮነ ኣብ ዕላምኡ ጸኒዑ ብምስውኡ  ከም ዘሕጉሰን’ውን ዘርዚረን።

ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣብቲ መድረኽ ቃል ካብ ዘስምዑ ሓደ ነይሩ። ገረዝጊሄር ብዛዕባ ትብዓት፡ ጽንዓት፡ ንጹርነት፡ ተወፋይነትን መሃዝነትን ስዩም ከም ዝግረም ብሰፊሑ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ብዛዕባ ስዩም ኣብ ቃልሲ እንከሎ ዝተኣስረሉ ኣጋጣምን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝገጥሞ ዝነበረ ስቓይን ንዓኡ በዲሁ ዘካየዶ ቃልስን ነብሱ ንምዕባይ ዝገብሮ ዝነበረ ቃልስን ብኣካል ዝተዓዘቦ  ብሰፊሑ ምስክርነቱ ገሊጹ። ስዩም ንዲሞክራሲ ብዛዕባ ዝነበሮ ምእዙዝነት ድማ ንኢዱ።News Item 21.12“ስዩም ዑቕባሚካኤል (ሓረስታይኣብተን ናይ መወዳእታ ሰዓታት”ብዝብል ኣርእስቲ ድማ ናይ ስዩም ናይ ሓጺር ግዜ ሕማምን መስዋእትን ከምኡ ድማ መስዋእቱ ኣብ ብዙሓት ዝፈጠሮ ስንባደን ዝገልጽ ሓጺር ጽሑፍ  ኣብቲ ኣሰንባዲ ኩነታት ብኣካል ብዝነበረ ደበሳይ በየነ ቀሪቡ።

ብጻይ ወልደየሱስ ዓማር ብወገኑ፡ ንስዩም ካብ ንእስነቱ ብኸመይ ከም ዝፈለጦ ዝምልከት ተመኩሮኡ  ኣካፊሉ። ብኸመይ ነቲ ናይ ንእስነት ዕርክነቶም ፖለቲካዊ መልክዕ ከም ዘትሓዝዎ ብኣብነታት ኣሰንዩ ገሊጹ። ንስዩም ናብ ሜዳ ካብ ዘፋነውዎ ምንባሩ ብምጥቃስ ድማ፡ ኣብ ብዙሓት ንስዩም ዘጋጠምዎ ዝነበሩ ተረኽቦታት  ተፈልይዎ ከም ዘይፈልጥ ብምጥቃስ ከኣ ብዛዕባ ትብዓትን ጽንዓትን ስዩም ኣዘንትዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ  ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ ግዜ ቀብሩ ንስዩም ስለቲ ኣበርክተኡ ዘቕረበሉ ምስጋና ደጊሙ ዘኪሩ፡ ስድራቤቱ ነቲ መድረኽ ምድላዎም ድማ ኣመስጊኑ። 

ነባር ተጋዳላይ ምሓመድ ብርሃን ብላታ ቀጻሊ ወሃቢ ቃል ነይሩ። ከም ኩሎም ከኣ ንስዩም ክጠቅሶ እንከሎ ንስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን እውን ዘኪርዎ። ስዩምን ወልደዳዊትን ብመተማ ኣቢሎም ቃልሶም ንምቕጻል ናብ ሱዳን ክኣትዉ እንከለዉ ካብ ዝተቐበልዎም ምንባሩ  ዘኪሩ። ኣብ ርእሲዚ ስዩምን ወልደዳዊትን ብዘርኣይዎ ብቕዓት ንዝተፈላለየ  መዝነት’ኳ ይሕጸዩ እንተነበሩ፡ ምርጨኦም ግና ህዝቢ ምውዳብን ምስቲ ኣሜዳ ዝነበረ ቃልሲ ምትእስሳርን ከም ዝነበረ ምስክርነቱ ሂቡ። ብዛዕባ ዘጋጥሞም ዝነበረ ብደሆታትን ዝሰዓርሉ ዝነበሩ ጽንዓትን’ውን ብሰፊሑ ኣስፊሩ።News Item 21.12 2ኣብ ርእሲዚ ንስዩም ኣብቲ “ሓረስታይ” ዝብል ስም ዘውሃቦ ማሕበር ሓረስቶት ሓቢሩ ዝመረሐ ሓው ወልዱ ነጋሲ ብዛዕባ ኩለ-መዳያዊ ብቕዓት ስዩም ምስክርነቱ ሂቡ። ሓው ነጋሽ ዑስማን ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓው ዑቕባዝጊ ድቡስ ንውብድ ሓድነት ኤርትራውያን ሓው ወልደስላሴ ዑቕበ ድማ ንግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብምውካል ድማ  ብዛዕባ ስዩምን ናይ ቃልሲ ኣበርክተኡን ኣገደስቲ  መልእኽታቶም ኣመሓላሊፎም።

ብዘይካዚ ብጻይ ጸሃየ ቀለታ ኣብ ሜዳ ብመሪሕነት ስዩም ዑቕባሚካኤል ምስ ህዝባዊ ማሕበራት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንምርኻብ ኣብ ዝኸድሉ ዘጋጠሞም ተዘክሮ ክጠቕስ እንከሎ፡ ብጻይ ፍሰሃየ ሓጐስ ድማ ቅድሚ ሕጂ ብቋንቋ እንግሊዚ ብዛዕባ ስዩም ዘዳለዋ ግጥሚ ኣቕሪቡ። ካለኦት ተሳተፍቲ እውን ተዘክሮታቶም ብዛዕባ ስዩም ኣብቲ መድረኽ ኣንጸባሪቖም። በዚ ከኣ እቲ ብኣላይነት ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ዝተኻየደ መድረኽ ተዛዚሙ።

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ማክሮ ሩቢዮ፡

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ማክሮ ሩቢዮ፡ ኢትዮጵያ ኣካልቲ ዓለምለኻዊ ዓቃብ ሰላም ክምስረት ትጽቢት ዝግበረሉ ዝኸውን ሰራዊት ናብ ጋዛ  ክትልእኽ፡ ናብ ኣብይ ኣሕመደ ደዊሉ ከም ዝሓተተ ተሓቢሩ። ብዛዕባቲ ጉዳይ ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎም ክልተ ኣሚሪካውያን ዲፕሎማት፡ “ዘታይም ኦፍ እስራኤል (The Times of Israel)” ንዘተባህለት  ጋዜጣ ከም ዝሓበርዋ ተገሊጹ።

ነዚ መበገሲ ዝኾነ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ነቲ ን2 ዓመታት ኣብ ጋዛ ዝቐጸለ ውግእ ዘቋርጽ እዩ ብዝብል ዘውጸኦ 20 ነጥብታት ዝሓዘ እማመ ሰላም ንምትግባር ምዃኑ ኣብቲ ሓበሬታ ተጠቒሱ። እንተኾነ ብዙሓት ሃገራት እማመ ሰላም ትራምፕ፡ ዕጥቂ ምፍታሕ ሓይሊ ሓማስ ዘስዕብ ብምዃኑ፡ በቲ እማመ ሕጉሳት ስለ ዘይኮና፡ እማመ ፕረሲዳንት ትራምፕ  ተቐባልነት ንክረክብ ጋና ብዙሕ  ጻዕሪ ዝሓትት እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ግብጺ ብወገና ኣቐዲማ ኣካል ናይቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ ሓላው ሰላም ሰራዊት ናብ ጋዛ ክትሰድድ ቅርብቲ ምዃና ኣረጋጊጻ እያ። እዚ ከኣ ኢትዮጵያ ፈቓደኛ ኮይና ሰራዊት እንተ ኣሰሊፋ፡  ሰራዊት ክልቲአን ሕዱር ምስሕሓብ ዘለወን ሃገራት ፊትንፊት ዘፋጥጥ ከይከውን ዝሰግኡ ወገናት ድምጾም የስምዑ ኣለዉ።

ኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብብዝሒ ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓቃብ ሰላም ካብ ዝልእካ ሓንቲ’ኳ እንተኾነት፡ ምስዚ ሎሚ ዘለዋ ዘቤታውን ዞባውን ብደሆታት፡ ነዚ ናይ ኣሜሪካ መጸዋዕታ ክትምልስ ትበቕዖ ድያ ኣይተበቕዖን ግና  ዘዛርብ ኮይኑ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ፓኪስታንን ኢንዶኑዚያን ናብ ጋዛ ሰራዊት ክሰዳ ቅሩብነት ኣርእየን ካብ ዘለዋ ሃገራት እየን። ምንጭታት ከም ዝጠቕስዎ ድማ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ማክሮ ሩቢዮ፡ ብዛዕባ መጻኢ ምምሕዳራውን ገንዘባውን ኩነታት ናይቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ረኺቡ ኣብ ጋዛ ክዋፈር ዝሕሰብ  ዓቃብ ሰላም ሰራዊት መብርሂ ክህብ ትጽቢት ኣሎ።

ብዕለት 17 ታሕሳስ 2025 ምምሕዳር ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ፖሓኤ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣኼባ ምምሕዳር ድሕርቲ ብዕለት 23 ሕዳር 2025 ዝተሰላሰለ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ዝጸደቐ ዓመታዊ ትልሚ መደብ ስራሕ ንመጀመርታ ዝካየድ ዘሎ ኢዩ።

ኣኼባ ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ ዝተመርሔ ኮይኑ፡ ሓው ተስፋይ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ብዘስምዖ ሰናይ ትምኒትን ትስፉው መጻኢ ናይ ስራሕ ግዜ ክኸውን ብዘለዎ ባህጊ ኢዩ ተጀሚሩ። ምምሕዳር ሽማግለ ኣብ ዓመታዊ መደብ ዕዮ ዝተሰረተ ክዕመሙ ዘለዎም ስራሓት፡ ህልዊ ኲነታት ዞባታት ፖሓኤ፡ ምስንዳእ መጻኢ ጉባኤ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ  ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ግዜ ዝወሰደ ኣኼባ እዩ ኣካይዱ።

ንዝተጠቕሱ  መደባት ንምስልሳል፡ ብመጀመርታ ዝጸንሔ ምምሕዳርን ነፍሲ ወከፍ ዘለዎ ናይ ስራሕ ምቅሊትን ክቕጽል፡ ብደረጃ ዞባታት ዘሎ ስርርዕ ኣባላት ፖሓኤ ክሕይልን ክሰፍን ዓብዪ ተደላይነት ስለዘለዎ፡ ነዚ ንምትግባር ከሉ ዘድሊ ናይ ኣሰራርሓ ምውህሃድን፡ ክህሉ ሕጽረታት ኣጽኒዕካ ንምውጋድ ክንሰርሕ ከምዝግባእ ርእዩ። ብዘይካዚ ኣባላት ፖሓኤ ዝላል ዘካይዶም ዘሎ ዕማማትን ምስ ካልኦት ኣካላት ብሓባር ንምስራሕ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታትን ብማዕረ ንምግንዛብ፣ ብደረጃ ዞባታትን ሓፈሻዊ ኣኼባታትን ምክያድ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ርእዩ፡ ንምትግባሩ ዘኽእል መደባት ድማ ሰሪዑ።

ሓደ ካብ መለለይታት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብቕዋም ደረጃ ኣብ ክልተ ዓመት ጉባኤ ምክያድ ዝብል ኮይኑ፡ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ኣብ ኣተገባብርኡ ንፈጻሚ ኣካል ዘድሊ ምስንዳኣት ክገብር ሓላፍነት ሂቡ ኣብ ምብጋስ ምህላዉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣኼባ ምምሕዳር ስርዒታዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ኣብ ኣባላት ጽላል ኣብ ምስንዳኡ ዝላዓለ እጃም ስለዘለዎም ዘድሊ ጻዕርታት ክገብሩ፡ ጉባኤ ኣብ ኣባላት ጥራሕ ከይተደረተ  ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ብሓሳብ ኮነ ብንዋት ምትሕብባሮም ንኸበርክቱ፡ ምምሕዳር ዘድሊ ጻዕርታትን ጎስጓስን ንምክያድ ተሊሙ።

ኣኼባ ምምሕዳር፡ ክሳብ መጠረስታ ወርሒ ጥሪ 2026 ክፍጸሙ ብዛዕባ ዘለዎም ዕማማት ናይ ግዜ ሰሌዳ ሰሪዑ ደምዲሙ። ዝስዕብ ናይ ኣኼባ ቆጸራታት ኣጽዲቁ ኣኼባኡ ደምዲሙ።

ንሓርነት ብሓድነት!!!