ከጀቲል ትሮንቮል ዝተባህለ ተመራማሪ ጐንጽን ሰላምን ኣብ ሓድሽ ዩኒቨርሲቲ ኦስሎ፡ ኣናዶሉ ንዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ናብ ውግእ እንተዓሪጉ ካብ 10 ክሳብ 15 ሃገራት ኢደን ዘእትዋሉ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምጥቃስ ስግኣቱ ገሊጹ።
እቲ ተመራማሪ፡ ኤርትራ ዝሓለፈቶም ዝተፈላለዩ ታሪኻዊ ምዕራፋት ብምድህሳ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነቱ 30 ዓመታት ከም ዝተቓለሰት ጠቒሱ፡ ናይ ኢትዮጵያ ብወደብ ዓሰብ ምጥቃም ድሕሪ’ቲ ኣብ 1998-2000 ዝተኻየደን ህይወት ኣሸሓት ዝሃለቕሉን ውግእ ከም ዝተቋረጸ ኣስፊሩ። ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2018 ንቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክተግብሮ እየ ብምባሉ፡ ንሽልማት ኖበል ሰላም ዘብቀዖ ሰላም ተፈጢሩ ነይሩ ኢሉ። ደሓር ግና ውግእ ትግራይ 2020-2022 ተኸቲሉ እቲ ሃዋህው ሰላም ከም ዝተዘርገን ኢትዮጵያ ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ከተቕርብ ብምጅማራ መሊሱ ከም ዝተጋደደ ኣብቲ ጽሑፉ ኣስፊሩ።
ኣብዚ እዋንዚ ይረአ ብዘሎ ወጥሪ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ውግእ እንተጀሚሩ፡ ካብ 3 ኣህጉራት ካብ 10-15 ሃገራት ዝሳተፋሉ ኢድ ኣእታውነት ክፍጠር ይኽእል እዩ ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ኩነታት ምስ ተመኩሮ ውግእ ኮንጎ ብምዝማድ “2ይ ውግእ ዓለም ኣፍሪቃ” ዝብል ስያመ ብምሃብ፡ ኣብቲ ጽሑፉ ገሊጽዎ’ሎ። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ዝጀመረ ድሕሪ ውግእ 1998-2000 እኳ እንተኾነ፡ እዚ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ዝተጋደደ ድሕሪ ምኽታም ውዕል ፕሪቶርያ እዩ ከኣ ኢሉ።
እቲ ወጥሪ ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ ዝበጸሐ፡ ኢትዮጵያ ብ2024 ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን ወደብ ዓሰብን ናይ ምውናን ሕቶ ምስ ኣልዓለት እዩ ዝበለ እቲ ፕሮፌሶር፡ ናብዚ ዝደፈኦ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ፋኖ ኣምሓራን ሓይልታት ትግራይን ሓቢሮም ኣንጻር መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝስለፉ ክሕግዝ ምስ ጀመረ እዩ ይብል። እቲ ኢትዮጵያ ኣብ 2025ን መጀመርታ 2026ን ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጸሓፈቶ ናይ ጥርዓን ደብዳበታት፡ ኤርትራ በዓል ፋኖ ኣምሓራን ህወሓትን ብምዕጣቕን ሰራዊታ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ዘይምውጸኣን ከም ዘሻቕሎ ዘመልክት’ዩ ክብል’ውን ገሊጹ።
ፕሮፌሶር ትሮንቮል፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ዝኽፈት ውግእ፡ ካብኣተን ሓሊፉ ንዘይምርግጋእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጠንቂ ከም ዝኸውን ኣጠንቂቑ። ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይን ዶብ ኤርትራን ብብዝሒ ሰራዊት ምእካብ ሓደገኛ ምልክት ብምዃኑ ስግኣቱ ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ዝምልከቶም ዞባውን ዓለም ለኻውን ትካላት፡ ውግእ ንከይክፈት፡ ኤርትራ ካብቲ ኢትዮጵያ ሕቶ ዋንነት ባሕሪ ንከተልዕል ከም ምኽንያት ተቕርቦ ዘላ ኢድ ኣእታውነት ክትቁጠብ፡ ኢትዮጵያ ድማ ካብቲ ተርእዮ ዘላ ወተሃደራዊ ምልዕዓላት ንከተቋርጽ ዲፕሎማሲያዊ ተጽዕኖኦም ንከሕይሉ ጸዊዑ።
ሓደጋ ካብ ዘጋጠመሉ ቦታታት ሓደ
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ፡ ጋሞ ኣብ ዝተባህለ ዞን፡ ብሰንኪ ከቢድ ዝናብ ዘኸተሎ ምህማም መሬትን ሕያል ውሕጅን፡ 5 ኣባላት ሓደ ስድራቤት ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ከም ዝሞቱ “ኢትዮጵያ ኢንሳይደር” ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ እቲ ሓዳጋ ናይ ዘጋጠመላ ወረዳ ጋጫ ባባ ኣመሓዳሪ ኣቶ ብሩክ ቡጻ ብምጥቃስ ሓቢራ። በቲ 11ን 12ን መጋቢት 2026 ዘጋጠመ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ 70 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣስታት 120 ዝኾኑ ከኣ ሃለዋቶም ከምዘይተፈለጠ እታ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሎጣ።
ናይቲ ዞና ኣመሓዳሪ በቲ ምህማም መሬት ካብ 4 ወረዳታት ንዝተመዛበሉ ልዕሊ 3 480 ግዳያት ብመንግስቲ ናይቲ ክልል መግቢ፡ መድሃኒትን ካልእ ቀረብን ዝምልከት ዝተወሰነ ህጹጽ ረዲአት’ኳ እንተተዋህበ፡ ናይቶም ዝሙቱ ግዳያት ኣስከሬን ንምውጻእን ናይቶም ሃለዋቶም ዝጠፈአ ኩነታት ንምጽራይን ዘኽእል ናይ መሳርሒ ሓገዝ ግና ከምዘይረኸቡ ጠቒሱ።
ናይቲ ዞና ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሓደጋት ስግኣትን ኣቶ መስፍን ብወገኑ፡ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ከባቢ ሰፊሕን ንመራኸቢ ዘይምችእን ብምዃኑን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ግቡእ ጸብጻብ ስለ ዘይቀረበ ናይ ዝሞቱ፡ ደሃዮም ዝጠፈአን ዝተመዛበሉን ሰባት ቁጽሪ ካብቲ ዝተጠቕሰ ክዛይድ ከም ዝኽእል ኣፍሊጡ። ፕረሲደንት ክልል ደቡብ አቶ ጥላሁን ከበደን ዶር ደምሴ ኣድማሱ ዝተባህለ ኣመሓዳሪ ዞና ጋሞን ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ብኣካል በጺሖም ነቲ ኩነታት ከም ዝተዓዘብዎን ንቤተሰብ ግዳያት ከም ዘጸናንዑን እውን ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ኣፍሊጣ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ሓዘን ከም ዝኣወጀ ከኣ ተፈሊጡ።
ትካል ፕረሲደንት ሚካየል ዊልያም
ኤምባሲ ሱዳን ኣብ ኣሜሪካ፡ ዊልያምስ (TWG) ዝበሃል ትካል; ብመንጎኝነት ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ከም ዝቖጸረ እቲ እምባሲ ካብ ዋሽንግተን ብዝዘርገሖ ዜና ኣፍሊጡ። እቲ መንጎኛ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ብዘሎ ስምዒት፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ኣሜርካን ብዛዕባ ስትራተጅያዊ ቆንስላዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ኩነታት ናይ ምጥጣሕ ሓላፍነት ከም ዝህልዎ ኣብቲ ዜና ሰፊሩ።
እቲ ውዕል ካብ 1 ጥሪ ክሳብ 31 ታሕሳስ 2026 ጸኒዑ ዝጸንሕ ከም ዝኾነን እቲ ኤምባሲ ነቲ ትካል ኣብ ወርሒ 60ሺሕ ዶላር ከም ዝኸፍሎን እውን ተሓቢሩ። በቲ ስምምዕ መሰረት እቲ ኣሜሪካዊ ትካል፡ ብስም ሱዳን ተክኒካዊ ትልሚ ከም ዘውጽእን ኣብ ቅድሚ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ባይቶን ጉጅለ ሓሰብትን ንድሌታት ናይቲ ኤምባሲ ከም ዝውክልን ተሓቢሩ።
እቲ ኣብ ትሕቲ ናይ ወጻእተኛታት ምዝገባ ሕጊ፡ እቲ ምስቲ ኤምባሲ ዝተሰማመዐ ትካል፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ኣካላት ፈደራል መንግስቲ ኣሜሪካን ዝምድና ናይ ምህናጽ ተግባራት ክህልዎ እዩ። ነቲ ስምምዕ ካብ ኣንበሳደር ሱዳን ኣብ ኣሜሪካ መሓመድ ዓብደላ እድሪስ ብዝበጸሖ ደብዳበ መሰረት፡ ናይ ትካል ፕረሲደንት ሚካየል ዊልያም እዩ ፈሪምዎ። እቲ ስምምዕ ምስጢራዊ ዓንቀጻት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ናይ 30 መዓልታት ናይ ጽሑፍ ቅድመ-ስምዕታ ብምቕራብ ክስርዝዎ ይኽእሉ ዝብል ዓንቀጽ ይርከቦ።
ኣሜሪካ፡ ምስ መንግስታት ግብጺ፡ ስዑዲ ዓረብን ኢማረትን ኮይና፡ ጉዳይ ሱዳን ናይ ምፍታሕ ኣጀንዳ ሒዛ ከም ዘላ ዝፍለጥ እዩ። ትልሚ ሰላም ኣሜሪካ ብናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ኣቢልካ ናብ ቀጻሊ ውግእ ምውጋድን ምምስራት ሲቪላዊ መንግስትን ምብጻሕ ዝብል እዩ። ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ህልውና ኢማራት ኣብቲ ሽምግልና ዕቃበኡ ከስምዕ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።
ወዲ 56 ዓመት ወዲ ኣያቱላህ ዓሊ ካመኒ፡ ሞጅታባ ካመኒ፡ ኣብኡ ብምትካእ ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ኮይኑ ንክመርሕ ብቤት ምኽሪ ሊቃውንቲ ናይታ ሃገር ከም ዝተመርጸ፡ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣፍሊጠን። እዚ ምርጫ ኣብኡ ብናይ ኣሜሪካን እስራኤልን ናይ ሓባር መጥቃዕቲ ምማቱ ድሕሪ 9 መዓልታት እዩ ተኻይዱ።
እዚ ሓድሽ ተመሪጹ ዘሎ ተካኢ ኣብኡ፡ ቅድሚ ሕጂ መንግስታዊ ስልጣን ዘይነበሮ፡ ኣብ መድረኻት ክዛረብ ዘይተሰምዐ፡ ብዘይካ ውሱናት ስእልታት ብህዝቢ ዝፍለጥ ብዛዕብኡ ዝሕብር ምልክታት ዘይጸንሖ ምዃኑን ጽልውኡ ድሩት ምዃኑን ኣብቲ ንድሕረ-ባይትኡ ዝምልከት ዝወጸ መግለጺ ተጠቒሱሎ።
ሞጅታባ ካመኒ፡ ድሕሪ ምምራጹ ነቲ 47 ዓመት ዝዕድመኡ እስላማዊ ረፑብሊክ ኢራን ከቐጽል እዩ ብዝብል፡ ፕረሲደንት መስኡድ ፐዘሽኪኣን ወሲኽካ ብናይታ ሃገር ጸለውቲ ፖለቲካዊ ባእታታትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ኣልጀዚራ ሓቢራ።
መራሕቲ ቻይና፡ ሩሲያ፡ ዑማንን ዒራቕን ድሕሪቲ ምርጫ ናይ ሓጐስ መልእኽቲ ካብ ዝሰዳዱ ኮይኖም፡ ብፍላይ መራሒ ሩሲያ ብላድሚር ፑቲን ኣሰር ኣብኡ ንክሕዝ ዘለዎ ትጽቢት ገሊጹ፡ ኣብ ጐኑ ከም ዝስለፍ ኣፍሊጡ። ፕረሲደንት ፑቲን ብወገኑ ኣብ ምምራጽ መራሒ ኢራን ግደ ክህልወኒ ነይርዎ ብዝብል ነቲ ምርጫ ዓብይ ጌጋ ምዃኑ ጠቒሱ ዝቕጽል ኣይኮነን ኢልዎ።
10ይ መልቱ ሒዙ ዘሎ መጥቃዕቲ ኣሜሪካን እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን፡ ብሓፈሻ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ናይቲ ከባቢ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢራን ኣዝዩ ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዱ ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ኣብ ዘይፍለጠሉ ደረጃ ኮይኑ ዓለም ዘሻቕል ዘሎ እዩ።
ካብ ኩባንያ ሰላም-ባስ ዝተወስደ ምስሊ
ቤት ጽሕፈት ትራንስፖርት ክልል ትግራይ፡ ዋጋ ህዝባዊ ትራንስፖርት ካብ 5 መጋቢት 2026 ጀሚሩ ብ100% ከም ዝወሰኽ ኣፍሊጡ። እቲ ወሰኽ ነቲ ምስርሕ ህዝባዊ ምጉዕዓዝ መልክዕ ኣትሒዝካ ንምቕጻልን ኤለክትሮኒካዊ ኣሰራርሓ ክፍሊት ንምትእትታውን ዝተወሰነ ምዃኑ እቲ ቤት ጽሕፈት ብተወሳኺ ሓቢሩ። እቲ ውሳነ ንክውሰን ዘገደደ ቀንዲ ምኽንያት ስእነት ጥረ ገንዘብን ዋሕዲ ነዳድን ምዃኑ እውን እቲ ቤት ጽሕፈት ብመንገዲ ማሕበራዊ መዲያ ብዝዘርገሖ ዜና ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ትራንስፖርት ሓላፊ መንገድታትን መደበር መጐዓዝያታትን ኣብቲ ምጉዕዓዝ ካብን ናብን ከተማታት ትግራይ’ውን ምስቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ጥረ ገንዘብ ሕጽረት ብባንክ ኣቢልካ ምቁራጽ ትኬት ከም ዝከኣል ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት ተጓዓዝቲ ኤለክትሮኒካዊ ክፍሊት ንምክያድ ክዳለዉ ኣፍሊጡ። ወነንትን ኣመሓደርትን መጓዓዝያታት ብወገኖም ነቲ ሓድሽ ኣገባብ ኣከፋፍላ ንክዳለዉ እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ።
እቲ መግለጺ ከምቲ ቤት ጽሕፈት ንግድን ሰደድን ክልል ትግራይ ኣቐዲሙ ኣጠንቂቕዎ ዝነበረ፡ ዋሕዲ ነዳዲ ኣብ ትግራይ መመሊሱ ይገድድ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ካልኦት ኣገልግሎታት እውን ተጽዕኖታት ይፈጥር ከም ዘሎ ሓቢሩ። ብሓበሬታ ናይቲ ቤት ጽሕፈት መሰረት፡ ቅድም ኣብ ወርሒ ካብ 12 ክሳብ 15 ሚልዮን ሌትሮ ነዳዲ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዝነበረ ምዃኑ ብምሕባር፡ ድሕሪኡ ግና እናነከየ ኣብ መወዳእታ 2025 ናብ 850 ሺሕ ሌትሮ ጥራይ ከም ዝወረደን ኣብ መወዳእታ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘቋረጸ ተፈሊጡ።
እቲ ዋሕዲ ነዳዲ ንመጐዓዝያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመዳያት ኣገልግሎት ጥዕና፡ ሰብኣዊ ተግባራትን ካለኦት ወሰንቲ ኣገልግሎታትን እውን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ዘሎ ምዃኑ ናይቲ ትካል ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ። ኣብ ርእሲኡ ብሰንክ’ቲ ስእነት ነግዳዲ ዋጋ ኩሉ መሰረታዊ ኣቕሑት ከም ዝኸበረ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። ኣስታት 93 መዕደሊ ነዳዲ ኣብ ዳርጋ ናይ ምዕጻው ሓደጋ በጺሐ ከም ዘለዋ ድማ ተጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት በጀት ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ደሞዝ ምኽፋል ከም ዘቋርጽ ክገልጽ እንከሎ፡ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ናይታ ክልል ብወገና ብሰንኪ ሕጽረት ዝተፈላለዩ ቀረባት ትካላት ጥዕና ክልል ትግራይ ኣብ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ከም ዘለዋ ናይታ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ዶር ኣማኑኤል ብዝሃቦ መግለጺ ኣጠንቂቑ’ሎ።
ኣምኒስት ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ክምርመር ጸዊዑ
Saturday, 07 March 2026 11:44 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣምኒስት ኢንትርናሽናል (amnesty international)፡ ብ6 መጋቢት 2026 ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (OLA) ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብን ዝተፈጸመ ገበናት ንክጻረ ጸዊዑ። መግለጺ ኣምኒስት እቲ ሰራዊት ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ብጾታዊ ዓመጽ ጅሆ ክሕዝ፡ ንሓዋሩ ክጨውን ክቐትልን ከም ዝጸንሐን ንብረት ህዝቢ ክዕንውን ክዘምትን ምጽንሑ’ውን ገሊጹ።
መግለጺ ኣምኒስት ኢንተርናሽናል፡ እቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ኢሉ ካብ ዝጠቐሶም ከባብታት፡ ሳዮን ኣንፊሎን ዝተባህሉ ኣብ ዞባ ቀሌም ወለጋ ዝርከቡ ወረዳታት ይርከብዎም። እቲ መግለጺ ኣብዚ እዋንዚ’ኳ እንተወጸ ንዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ክልል ኦሮሞ ብሰንኪ ውግእ ሓበሬታ ኣብ ዘይነበረሉ ዕጽዊ ኩነታት ዝተፈጸመ ተግባር ምዃኑ ኣስፊሩ። ነዚ መግለጺ ዝሃበን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከጻርዮ ዝሓተተን ቲገር ቻጉዝ ዝተባህለ ዳይረክተር ኣምኒስት ኣብ ደቡባውን ምብራቓውን ኣፍሪቃ እዩ። እቲ ወኪል ኣተሓሒዙ ኩሎም ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ኣካላት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ተሓተቲ ንክኾኑ እዩ ጸዊዑ።
እቲ መግለጺ ናብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብቐጥታ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ድማ፡ ብመጀመርያ ናይ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ምእዙዝ ክኸውን ይግበኦ ኢሉ። ኣብ ርእሲዚ ድማ ብገበን ንዝሕተቱ ኣባላቱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኣቕሪቡ ክቐጽዖም ይግበኦ ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ። ኣብ ክልል ኦሮሞ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ናይ ብዙሓት ህይወት ከም ዘጥፈአን ንብረት ከም ዘዕነወን ድማ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።
ኣምኒስት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መደምደምታ ንምብጻሕ፡ 10 ካብኣተን 7 ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመአን ናይቲ ጾታዊ ዓመጽ ግዳያት ዝኾና መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘዘራረበን ካብ ትካላት ጥዕና እውን መሰኻኽር ከም ዝተወከሰን ኣፍሊጡ። በቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ዓመጽ ኢድ ኣለዎም ኢሉ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ። ኣምኒስት ኣዝዩ ዘሕዝን ኢሉ ዝጠቐሶ ከኣ እተን ግዳይ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣባላት ስድራቤትክን ደገፍቲ መንግስቲ እዮም ብዝብል ሰበብ ዝተዓመጻ ምዃነን ኣብቲ መግለጺኡ ኣስፊሩ።
ኤውሮጳዊ ልኡኽ ኣብ ጀነቫ ኣብ መጀመርያ ወርሒ መጋቢት 2026 ዝተኻየደ መበል 61 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ንህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ብስም 40 ሃገራት ናይ ሓባር መግለጺ ምውጽኡ ናይቲ ልኡኽ ክፍሊ ፕረስን ሓበሬታን ኣፍሊጡ።
እቲ መግለጺ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣብ ርክባት ሰብኣዊ መሰል፡ ብፍላይ ድማ ኰነታታ ኣብ ኣተሓሓዛ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ከመይ ደርጃ ከም ዝርከብ ንምግምጋም ኣብ ዝተከፍተ መድረኽ ምስታፋ ኣመስጊኑ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ቀጻሊ ነዚ ዛዕባ ኣብ ዝምልከት መድረኻት ክትሳተፍ ከም ዝጽበ ገሊጹ።.
ኣብ መስርሕ እቲ ኣብ መጻኢ ወርሒ ስነ 2026 ከተካይዶ መዲባቶ ዘላ 7ይ ዙርያ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ መሰል ሓስብካ ምግላጽን ነጻነት ናይ ማሕበራትን ምእካብን ክወሓስ ትጽቢትና እዩ ኢሉ እቲ መግለጺ። እንተኾነ በቲ ኣብታ ሃገር ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ጃምላዊ ምእሳርን ምክልባትን ምእንቲ ሲቪላዊ መሰል ዝቃለሱ ወገናት ወሲኽካ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ መሰል ተጣበቕትን ናይ ብሕቲ መዲያታትን ዝፍጸም ዘሎ ቀጻሊ ምትዕንቓፋት ነተን መግለጺ ዝውጽኣ ሃገራት ከም ዘሻቕለን ዘርዚሩ። ብሰንክ’ዚ ተግባራት ብዙሓት ካብ ሃገሮም ክወጹ ከም ዝተገደዱ’ውን ጠቒሱ።
መሰል ሲቪላዊ ኣካላት ምሕላውን ንመዲያታት ምቹእ ኩነታት ምፍጣርን ፍትሓዊ ምርጫ ንምክያድ ኣገዳሲ ቀድመ-ኩነት እዩ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ብዓለም-ለኻዊ ሕግታት ሰብኣዊ መሰላት ክትቅየድ ድማ ብትሪ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ፥ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ወተሃደራዊ ምፍጣጥ ከም ዝከታተሎ ኣብቲ መግለጺ ኣስፊሩ። ነቲ ኩነታት ብኹሎም ዝምከቶም ኣካላት ምህዳኡ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሕብረተሰብን ዞባዊ ምርግጋእን ሓደገኛ ሳዕቤን ከኸትል ዝኽእል ሓዲሽ ውግእ ከይፍጠር ዝዓግት ወሳኒ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያን ካለኦት ተዋሳእቲ ኣካላትን እቲ ኣብ ክልላት ኦሮሞ፡ ኣምሓራን ትግራይን ዝረአ ዘሎ ወጥርን ምግሃስ መሰላትን ንክቋረጽ ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ንክወስዱ ንጽውዕ እውን ኢሉ እቲ መግለጺ። ኣተሓሒዙ ድማ ውዕል ፕሪቶርያ እምነ-ኩርናዕ ሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያን እቲ ዞባን ምዃኑ ኣዘኻኺሩ፡ ከም ኣገዳሲ መንጠሪ ናብ ሰላማዊ ዘተ ንክውሰድ ከኣ ጸዊዑ።
ኩሎም ወገናት ካብ ጥሕሰትን ዓመጽን ክዕቀቡ ይግበኦም ብምባል፡ ሰብኣዊ መሰል ምኽባር ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕባቶም ዝፍጸአሙ ጥሕሰታት ተሓታትነትን ፍትሕን ከረጋግጹ’ውን ተማሕጺኑ። ብምትሕሓዝ ከኣ ንግደ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ካለኦት ዞባዊ ትካላትን ኣብ ዘተን ምርግጋእን ኣፍልጦ ከም ዝህብ እቲ ብስም 40 ሃገራት ኣብ መበል 61 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ መግለጺ ጠቒሱ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ እውን ኣስታት 42 ሃገራት ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ መግለጺ ኣውጺአን ከም ዝነበራ ዝዝከር እዩ።
ብኢትዮጵያ ብዝኣተዋ ዝተወቕዐ ተባሂሉ ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ዝተዘርገሐ ምስሊ
መንግስቲ ሱዳን ሰብ መዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሮናት ካብ ግዝኣቶም ናብ ግዛኣታ ኣትየን ክድብድባ ስለ ዘፍቀዱ፡ ብ2 መጋቢት 2026 ብዘውጸኣቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ብወግዒ ምኽሳሳ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። ሱዳን ምኽሳስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ክትብል ስጉምቲ ስለ እትወስድ፡ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ክኸውን’ዩ ዝብል መጠንቀቕታ እውን ኣቕሪባ።
ኣብቲ ናይ 2 መጋቢት ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን ሱዳን፡ መንግስቱ ነቲ ኩነታት ክትቆጻጸሮ ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲትን መጀመርታ መጋቢትን 2026 ምእታው ድሮናት ናብ ሱዳን ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝተረጋገጸ ኣፍሊጡ።
መንግስታዊ ማዕከን “ኣገልግሎት ዜና ሱዳን” ብወገና፡ እተን ድሮናት ኣብ ውሽጢ ሱዳን ዒላማታት ናይ ምውቃዕ መደብ ከም ዘለወን ኣረጋጊጸ ኢላ። እቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ነቲ ተርእዮ “ህውከተኛ ባህሪ’ዩ” ኢሉ፡ ግጉይን ዘይቅቡልን ድሕሪ ምባል፡ ኮነ ኢልካ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሱዳን ንምግሃስ ዝተኣልመ እዩ ከም ዝበሎ እውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ። ከምኡ’ውን መንግስቲ ሱዳን ግዝኣታ ንምሕላው ስጉምቲ ናይ ምውሳድ መሰላ ሕልዊ እዩ ኢሉ።
እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብዚ ንሳልሳይ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንኢትዮጵያ ነቲ ብጀነራል ሕሚቲ ንምሕጋዝ ኢድ ምእታዋ ብኸምዚ ብወግዒ ክኸሳን ከጠንቅቓን ናይ መጀመርታኡ እዩ። ጸሓፊት ወጻኢ ጉዳይ ዓባይ ብሪጣንያ ብወገና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ርክብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሱዳን ተኹሲ ጠጠው ምባል ዘይተኻእለሉ ምኽንያት ክልቲኦም ወገናት ብናይ ወጻኢ ሓይልታት እናተሓገዙ “ኣነ ክስዕር እየ፡ ኣነባ ክስዕር” ዝብል ምትህልላኽ ስለ ዘለዎም’ዩ ክትብል ጠቒሳ ነይራ እያ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባቲ ክሲ ወግዓዊ መልሲ ዘይሃበ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ኩነታት ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ዞባና ዘሎ ኣሰላልፋ ናብ ቅሉዕ ውግእ ከይምዕብል ናይ ብዙሓት ስግኣት ኮይኑ ዘሎ እዩ።
ብ1896 ኣብ መንጎ ሰራዊት ዳግማዊ ምነሊክን ኢጣልያን ውግእ ተኻይድሉ ዝበሃል ጎቦታት ሶሎዳ
መበል 130 ዓመት ውግእ ዓድዋ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ትግራይን ብ2 መጋቢት 2026 ተዘኪሩ። ኣብቲ ዝኽሪ ምስቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ወጥሪ፡ ኣብ ክልቲኡ ወገናት ናይ “መጻእኩኻ” ምፍኽኻር እዩ ክንጸባረቕ ውዒሉ። ፈኸራ ላዕለዎት መራሕቲ ብልጽግና፡ ናብ ትግራይ ጥራይ ዘተኮረ ዘይኮነ፡ ዝያዳ ናብ ኤርትራ ዘቕነዐ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣብ ኣደባባይ ኣዲስ ኣበባ ዝተዘከረሉ፡ ኩሉ’ቲ ጭረሖታት ከምቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ባህሊ ተወሲዱ ዘሎ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ጥሒስካ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ንምውናን ዘቕነዐ ጃህራን ፈኸራን ዘንጸባርቕ ነይሩ።
ኣብ ኣደባባይ ኣዲስ ኣበባ መደረ ዘስምዑ፡ ፕረሲዳንት ታየ ኣጽቀስላሰ፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ከንቲባ ኣዳነሽ ኣበቤን እዮም። ኩሎም ዘንበብዎ ጽሑፋት ከኣ ሓደ ሰብ ጽሒፉ ኣባዚሑ ከም ዝሃቦም ብዘምስል ልኡላውነት ኤርትራ ምግሃስ፡ ከም ናይ ዓወት ዓድዋን ምህናጽ ሓጽቢ ህዳሰን ከነረጋግጾ ኢና ዝብል ህርፋን’ዩ ኣቃሊሑ።
ከም’ቲ ሓቁ ግና ናይ ግዜ ውግእ ዓድዋ ንጉስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዳግማዊ ምነሊክ፡ ድሕሪ ውግእ ዓድዋ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሩባ መረብ ከይተሳገረ ሰራዊቱ ሒዙ እዩ ዝተመልሰ። ንናይ ሚነሊክ ሩባ መረብ ሰጊሩ ናብ ኤርትራ ዘይምእታው ዝተፈላለዩ ምስምሳት ክህብሉ ዝፍትኑ’ኳ እንተለዉ፡ እቲ ሓቀኛ ምኽንያት ግና ምነሊክ ንኤርትራ “ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኢጣልያ ዝነበረት ጐረቤት ኢትዮጵያ ሃገር” ምዃና ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ናብ እንዳማቱ ግዝኣት ንዘይምእታው ዝወሰዶ ስጉምቲ እዩ። እዚ ከኣ ምነሊክ ነቲ ሎሚ ንዝተወሰኑ ላዕለዎት መራሕቲ ብልጽግና ምውሓጥ ኣብዩ ዘዕገርግሮም ዘሎ “ሃገርነት ኤርትራ” ኣፍልጦ ዝሃበሉ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ።
ብዛዕባ ኲናት ዓድዋ ካብ ተላዕለ ኢትዮጵያውያን፡ ካብቶም ምስ ኢጣልያ ተሰሊፎም ኣስታት 8,000 ኤርትራውያን፡ ኣብ ኢዶም ካብ ዝወደቑ ዝተፈላለዩ ሰነዳት ብዝተፈላለየ ኣሃዛት ዝገልጽዎም ናይ ኣስታት 400 ክሳብ 800 ዝበጽሑ ሰባት የማናይ ኢድን ጸጋማይ እግርን ቆሪጾም ኣዝዩ ኣሰቃቒ ዘይሰብኣዊ ተግባር ዝፈጸምሉ እዩ። ነቶም ኣብ ኢዶም ዝወደቑ ኢጣልያውያን ወተሃደራት ግና እግሮም ሓጺቦም እዮም ብሰላም ኣፋንየሞም።
ዳግማዊ ሃጸይ ሚነሊክ ብ2 ጉንበት 1899፡ ምስ ኢጥልያ ውዕል ውጫለ ክፍርም እንከሎ’ውን እቲ ዘፋለሶምን ናብ ዳግማይ ውግእ ዘእተዎምን ናይ ኤርትራ ሃገርነት ዘይኮነ፡ ካልእ ናይ ዓንቀጽ 17 ናይ ኣተረጓጉማ ሽፈጥ ምዃኑ መዛግብቲ ታሪኽ ዝሰነድዎ እዩ።
ስለዚ ውግእ ዓድዋ ነቲ ንኤርትራ ዝገዝእ ዝነበረ መንግስቲ ኢጥልያ’ኳ ስዕረት እንተነብረ፡ ብዛዕባ ሃገርነት ኤርትራ ግና ባይታ ዘንጽፈ እዩ ነይሩ። ንዝኽሪ ዓድዋ ከም መንጠሪ ንምውራር ኤርትራ ክትገብሮ ከኣ ዘሳኒ ኣይኮነን። ኢጣልያ እንደጋና ብ31 መጋቢት 1936 ኣብ ማይጨው ተዋጊኣ ብምስዓር ንኢትዮጵያ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝገዘአታ ከኣ፡ ነቲ ቅድሚኡ ዝነብረ ውዕላት ኣፍሪስካ፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ንምሕዋስ ዘይኮነ፡ ከምቲ ብግብሪ ዝተራእየ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካልእ ግዝኣት ኢጥልያ ንምውሳኽ እዩ ነይሩ።
ገለ ክፋል ናይቲ ብሓዊ ዝሓረረ ኣባይቲ
ኣብ ሱዳን ምምሕዳር ዳርፎር ኣብ ዝርከብ ዝተመዛበሉ ዝተዓቖብሉ መደበር ካልማ ብ1 መጋቢት 2026 ልዕሊ ሓደ ሺሕ ኣባይቲ ብባርዕ ሓዊ ከም ዝዓነዉ ካብቶም ግዳያት ብዝተረኽበ ሓበሬታ ተፈሊጡ።
ካልማ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ብሰንኪቲ ብ2023 ኣብ ሱዳን ዝተባረዐ ውግእ ዝተመዛበሉ ስድራቤታት ዝዕቖብሉ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ። እቲ ዘጋጠመ ሰፊሕ ባርዕ ኣካልቲ በብግዜኡ ዘጋጥም ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ ቀንዲ መንቀሊኡ ብሰንኪ እቲ መስርሒ ኣባይቲ፡ ምስ ምልውዋጥ ኩነታት ኣየር ብቐሊሉ ሓዊ ስናኸስ ነገራት ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።
ናይቶም ኣብ ዳርፎር ዝርከቡ ሱዳናውያን ተመዛበልቲ ኣወሃሃዲ ኣካል ወሃቢ ቃል ኣዳም ራጃህ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ባርዕ በቲ ዕለት ንግሆ ኣብ መደበር ካልማ ካብ ዝርከቡ ንኡሳት ማእከላት ኣብ ቁጽሪ ሓደ እዩ ጀሚሩ። ብሰንኪ ልዕሊ 1000 ኣባይቲ ምዕናዎም ብዙሓት ተመዛበልቲ ብዘይመጽለሊ ከም ዝተረፉን ኣደዳ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ብኩራት ከም ዝኾኑን ከኣ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።
ረጃል ኣተሓሒዙ እቲ ሓዊ ካብ ሓደ ገዛ ተላዑሉ፡ በቲ ጸቢም መተሓላልፋን ተጸጋጊዑ ዝተሰርሐ ኣብይትን ቀልጢፉ ከም ዝለሓመ ኣፍሊጡ። በቲ ዝተፈጥረ ነበልባል ከኣ ኣብ ኣባይትን ኣብ መኽዘናትን ዝነበረ ንብረትን ቀረባትን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓነወ በቲ ዜና ተገሊጹ። ኣብቲ ግዜ ባርዕ ፍሉይ ጸገም ዝነበረን ኣደታት ጉድኣት ከም ዘጋጠመንን ናብ ሆስፒታል ንያላ ከም ዝተወዳን ክፍለጥ ተኻኡሉ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ወሃቢ ቃል ናይቲ መደበር፡ ሕብረተሰብ ዓለምን ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካላትን መጽለሊ፡ መግብ፡ ማይን ስኣመሰሉን መሰረታዊ ሰብኣዊ ድሌታትን ብህጹጽ ኣብ ምቕራብ ንክተሓባበሩ ጸዊዑ። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ምህናጽ መደበርን ትሕተ- ቅርጻን ንክተሓባበሩ እውን ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።