ኣብ ሱዳን 21 ጀነራላት ጡረታ ወጺኦም

2026-04-14 08:00:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 62 times

ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ምስ ጀነራላቱ

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ሕያሎ ጀነራላት ጡረታ ከውጽእ እንከሎ; ንዓኣቶም ዝትክኡ ሓድሽ መዓርጋት ከም ዝሃበ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢራ። እቲ ዜና ነቲ ስጉምቲ ልሙድ ኣሰራርሓ’ዩ ድሕሪ ምባሉ፡   ኣተሓሒዙ እቶም ጡረታ ዝወጹ 21 ኮይኖም፡ መዓርጎም ከኣ መጀር ጀነራል ምዃኑ ጠቒሱ። ካብቶም ጡረታ ዘወጹ ጀነራላት፡ ዲያብ ባድር ዲያብ፡ ካልድ ኣልቃዲ፡ ቃንዲል በሽርን ካሊድ ኣቤል ምታኣን ፍሉጣት ምንባሮም ኣብቲ ዜና ሰፊሩ።

ወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሱዳን ብወገኑ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሓደስቲ ናብ ዝለዓለ መዓርግ ንምድያብን ነባራት ጡረታ ንምውጻእን ምዃኑ ከም ዝጠቐሰ ኣፍሊጡ። እቲ ዜና ብተወሳኺ እቲ ምዓርግ ምሃብን ጡረታ ምውጻእን ብናይታ ሃገር ወተሃደራዊ ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን መሰረት ገይሩ  ዝተተግበረ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ እዋናውነት ናይቲ ስጉምቲ ብእስላማዊ ኣካላት ናይታ ሃገር ከም ዝተነቐፈ ተፈሊጡ። እቲ ነቐፈታ ካብቶም ጡረታ ወጺኦም ዘለዉ፡ መብዝሕትኦም ኣብቲ ኣንጻር ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ዝተኻየደ ናይ ክብሪ ውግእ ዓብይ ግደ ዝጸንሖም እዮም ብዝብል እዩ። እቲ ምትዕርራይ ኣብ ሱዳን ውግእ ካብ ዝጅመር ንኻለኣይ ግዜ ዝተኻየደ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ስጉምቲ ምስ ምኽባርን ዘይምኽባርን ወተሃደራዊ ስነ-ስርዓት ምትእስሳር ከምዘለዎ’ውን ተፈሊጡ።

ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ኣካላት ከኣ፡ ወተሃደራዊ ኩነታት ናይቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ሱዳን ኣብ ምርግጋእን ዳግመ ውደባን ኣትዩ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ ኢለምዎ።

Last modified on Tuesday, 14 April 2026 10:07