ብጻይ ወልደየሱስ ዓማር ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ “ሓጺር መእተዊ ፖለቲካዊ ማሕበራትን ከመይነት ናይ ጽባሕ ሰልፍታት ኤርትራን” ብዝብል ኣርእስቲ ብ30 ጉንበት 2026 ንኣባላት ሰልፊ ኣስተምህሮ ሂቡ። እቲ ኣስተምህሮ “ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ሰዲህኤ” ኣብ ዝሰርዖ ወርሓዊ መድረኽ እዩ ተዋሂቡ።
ወልደየሱስ ኣብቲ ኣስተምህሮኡ ንታሪኻዊ ኣመጻጸኣ ሰልፊ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብቲ ቅድም ማሕበር ይበሃል ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ሰልፊ ተመሳሳሊ ርኢቶ ዘለዎም ሰባት ዝምስርትዎ፡ ከም ግንባርን ምንቅስቓስን ኣብ ህልዊ ኩነታት ጥራይ ዘተኩር ዘይኮነ፡ ኣርሒቕካ ናይ ምምዕዳው ከቢድ ሓላፍነት ዘለዎ ውዳበ እዩ ኢሉ።
ሰልፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅርጻን ዝውንን ውዳበ ምዃኑ ብምብራህ ከኣ፡ ሓደ ካብቲ ሰልፊ ዝልለየሉ ንስልጣን ናይ ምውድዳር ተልእኮ ዘለዎ ምዃኑ’ውን ኣስፊሑ ገሊጹ። ስልፍታት ከከም ፖለቲካዊ ባህሪአን ብዝተፈላለየ ኣስማት ከም ዝጽወዓ ከኣ ገሊጹ።
ናይቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ግዜ ህግደፍ ተነዲፉ ዘይተተግበረ ሕጊ ሰልፍታት ዝርዝር ትሕዝቶ ዝምልከት መብርሂ ዝሃበ ብጻይ ወልደየሱ፡ ኣብቲ ናይ 1952 ሕገምንግስቲ ኤርትራ ከኣ “ህዝቢ ፖለቲካዊ ማሕበር ናይ ምምስራት መሰል ኣለዎ” ዝብል ዓንቀጽ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ተዛማዲ ኣብነታት እውን ጠቒሱ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ 40ታት ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ሰልፍታት ብዝሐንን ፖለቲካዊ ባህረአንን ኣመልኪቱ ተንቲኑ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣብ ቅድሜና ዝጽበየና መሰጋገሪ መድረኽ ከም ዝህሉ ጠቒሱ፡ ነቲ ብደሆ ንምስጋር፡ ግደ ምምስራት ዘተኣማምን ሰልፊ ዕዙዝ ምዃኑ ብኣብነታት ናይ ዝተፈላለዩ ተመኩሮታት ኣሰንዩ ገሊጹ። ብምቕጻል ከኣ ግደ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ዝጽበየና ዘሎ ብደሆ ኣብ ዝምልከት እውን ዘርዚሩ።
ብጻይ ወልደየሱስ መግለጺኡ ብምቕጻል ኣብ ኤርትራዊ ኩነታት ከይተደረተ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ሰልፍታት ኣፍሪቃ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ኣብታ ኣህጉር ሃገራት ካብ መግዛእቲ ናጻ ካብ ምውጻእ ሓሊፈን፡ ሰልፍታት በቲ ኣብ ስልጣ ዝመጽእ ኣካል ተዓብሊለን ብሓደ ሰልፊ ስለ ዝበሓታ ኣድማዒ ዓወት ከምዘየመዝገባ ናይ ሃገራት ተመኩሮ ዳህሲሱ።
ድሕሪቲ ሰፊሕ መግለጺ ብጻይ ወልደየሱስ ዓማር፡ ብተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብ ኤርትራ ዘተኣማምና ሰልፍታት ኣብ ምምስራት ዝህሉ ብደሆታ፡ ሰልፍን ፖለቲካዊ ኣይድዮሎጅን፡ ኣብ ዓለምና ዝቀላቐል ዘሎ ናይ ሓይሊ ትርጉምን፡ ምብርባር ሃይማኖታውን ብሄራውን ስምዒታት ብመንጽር ወሳኒ ግደ ሰልፊ፡ ምምሕዳራዊ ምክፍፋል ኣብ ምምስራት ሰልፊ ዝህልዎ ጽልዋ ዝብሉን ዝኣመሰሉን ዛዕባታት ተላዒሎም ሰፊሕ ምይይጥ ብምክያድን ምስቲ ዛዕባ ዝዛመዱ ለበዋታት ብምቕራብን ኣኼባ ተደምዲሙ።
ምስጋና ኣብ ምዝርጋሕ መጻሕፍቲ ንዝተሳተፍኩም፣
ብጾት ኣባላት ሰደህኤን ተሓባበርትን
ዝኸበርከንን ዘኸበርኩምን መጽሓፍ "ተሞክሮ ተሓኤ ንሃገራዊ ናጽነትን ማሕበራዊ ፍትሕን" ካልኣይቲ መጽሓፍ ድማ "ታሪኻዊ ግደ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ" ኣብ ህዝቢ ንኽበጽሕ ብዝገበርኩሞ ድኻምን ጻዕርን እንዳኣመስገና፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ውጻኢቱ $2.000,00 /ክልተ ሽሕ ዶላር/ ንማሕበር ኣካለ-ጽጉማን፤ €3.000,00 /ሰለስተ ሽሕ ኤውሮ/ ድማ ንቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ዋድ ሸፊፎይ ምልጋሱ ዝዝከር’ዩ።
ሕጂ’ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ: ነቶም ኣብ መደበር ማሕበር ኣካለጽጉማን ኤርትራ ዝርከቡ ናይ ውግእን ተፈጥሮዊ ጸገም ዘጋጠሞም ዜጋታት ኣባላት ማሕበር ኣካለ ጽጉማን €2.000,00 /ክልተ ሽሕ ኤውሮ/፡ ንቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ዋድ ሸሪፎይ ድማ $2.000,00 /ክልተ ሽሕ ዶላር/ንኽውዕል ተወፍዩ ከም ዘሎ ክንሕብር ንፈቱ።
ዝተወፈየ ሓገዝ ዋላ’ኳ ከምቲ ዝድለ እንተዘይኮነ፥ “ላምካስ ሒሕ ትበለልካ፥ ዋላ ኣይትታሓለበልካ” ከምዝባሃል፥ ኣብ ክልቲኡ ህዝባዊ ትካላት ዝተወፈየ ሓገዝ ገለ ጸገማት ኣብ ምቅላል ተርኡ ክገብር ከምዝኽእል ትስፉዋት ኢና።
ኣሓትን ኣሕዋትን ብሓበራ፡ ኣብ ምዝርጋሕ ንዘርኣኹሞ ትግሃትን ሓልዮትን ነዚ በጺሕናዮ ዘለና እወንታዊ ውጻኢት ተሓባቢርና ስለዘብጻሕናዮ ደጊምና ነመስግን።
ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ይዓንብብ!!
ኣኽበርትኹም
ድራር መንታይ
ፍስሃየ ሓጎስ
ንጉሰ ጸጋይ
ለቨርኩዘን፡ ብምኽንያት መበል 35 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ዝቐረበ ቃል ክብሮም ዓንዶም
Sunday, 24 May 2026 20:43 Written by ክብሮም ዓንዶምለቨርኩዘን፥ ብቤት ጽሕፈት መንእሰያት ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ዝተዳለወ በዓል ናጽነት ኤርትራ ዝቐረበ መግለጺ
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣዳለውቲ ናይዚ በዓልን ዕዱማት ኣጋይሽን።
ኣብዚ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ዕለት በዓል ናጽነትዚ ምሳኹምን ኣብ መንጎኹም ኮይነ ብሓጎስ ክጽንብሎ ከሎኹ ዝስማዓኒ ፍስሓ እዝዩ ድሙቕዩ።
እንቋዕ ናብ በዓል ናጽነት ሃገርና ኣብቅዓናን፡ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩምን።
በዓል ነጻነት ኤርትራ ክዝከር ከሎ፡ እቲ ዘይሕለል መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብማዕሪኡ ስለ ዝዝከረካ ፡ ስምዒታት ኩርዓትን ሓዘንን ዝተሓዛዘሉ ክኾኑ ዘይተርፎ ኢዩ`ሞ፡ ብቐዳምነት ክብርን ዝኽርን ነቶም ነዚ ሓቂዚ ዘግሃዱ ድመቓት ስዉኣትና። ክብሮምን ዝኽሮም ዘለዓለማዊዩ።
ክቡራት ዕዱማት!
ህዝቢ ኤርትራ እቲ ንነጻነቱ ዝገበሮ ኩሉ መዳያዊ ምርብራብ ዳርጋ ልዕሊ 100 ዓመታት ዝገንበረ’ዩ። ብርግጽ ህዝቢ ኣኤርትራ ብሙሉሏኡ ነቲ ቃንዛ ብሓደ እዋን ኣስተማቒሩዎ ነይሩዩ ንምባል ዘሸግር እዃ እንተኾነ፡ እቲ ሓቂ ተቐቢሩ ስለ ዘይቅበር ግን፡ ስላ ተቓለስቲ ኤርትራውያን በበእዋኑ እንዳዓኾዀ፡ ዘይተኣደየ ህይወትን ንብረትን ህዝቢ ኤርትራ በሊዑ ብ24 ግንቦት 1991 ንሰራዊት መግዛኣቲ ስዒሩ ነጻነቱ ተጓናጺፉ።
እቲ ብማዕረ ነቲ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ገዛኢ ስርዓት ካብ ምድሪ ኤርትራ ሓግሒግካ ናይ ምልጋስ ዝተገብረ ጥምጥም፡ ነቲ ዳርጋ ን40 ዓመታት ዝኣክል ንዝነበረ ካልኣዊ ግርጭታት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናብ መሰረታዊ በሪ ምዕባለ ብምርሓው ናብ ግቡኡእ መዓርፎታቱ ንምብጻሕ፡ ኩሉ ዓቕምታት ህዝቢ ኤርትራ ጠርኒፍካ ብምስጓም ኣዝያ ምዕብልቲ ሃገር ናይ ምፍጣር ሕልሚ ንግዜኡ ተዓንቒፉ ምህላዉ ናይ ኣደባብይ ምስጢርዩ። እዛ ብዘይተኣደኒ ቃልስን ኒሕን ክዉንቲ ዝገበርናያ ሃገርና ኤርትራ፡ ደጊም ድሕሪ ነጻነታ ከምቲ እንድለዮ ዝነበርና ዘይኮነስ፡ ብምልክነት ተዋሒጣ ኣብ ኣፍሪቃስ ይትረፍ፡ ንኸባቢኣ`ውን ዘይተብህግ ድውንቲ ሃገር ኮይና ክንርእያ ብርግጽ ንልቢ ዘሎዎ ዘሕዝንዩ። ዜጋታት ብዘይሕግን ፍትሕን ናብ መወዳኣታ ዘይብሎም ኣብያተ ማኣሰርትታ ዝወርዱላ፡ መንእሰያታ ብዘይውዳእ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተስፋ ስኢኖም ግደ ስደትን ቅዝፈታትን ዝኾኑላ፡ ኣዴታትን ኣቦታትን ዝጥወሮም ስኢኖምን ዝጽቐብሮም ተሳኣኢኑ ንቡር ኣብዘይረኽብላ፡ ቆልዑት ኤርትራ ፍቕሪ ወለዶም ጡብ ኣዴታቶም ዝቐበጹላ ሃገር ክትከውን፡ ክትዛረበሉስ ይተርፈ ክትዝክሮ`ውን ዘጽልእ እዩ።
ክቡራት ተሳተፍቲ!
በዚ ኣጋጣሚዚ ክጠቕሶ ዝደልዮ፡ ኤርትራ ትኽፋእ ትጸብቕ ናትና`ያ። እቲ እንደልዮ ጽባቐ ንኽትጎናጸፍ ከምቲ ናይ ቀደም ዘይሕለል ቃልሲ ይሓትት ኣሎ። ንሕና ሰዲህኤ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጸገም ካብ መሰረቱ ብምምውሓው ኣብ ኣኤርትራ ራህዋ ንኽነግስ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ኩሉ ኤርትራዊ ኢድ ንኢድ ብምትሕሓዝ ተቓሊሱ ንመጀመርታ ንነብሱ ሓራ ብምውጻእ፡ ንኤርትራ`ውን ብሓርነት ክድብሳ መተካእታ ዘይብሉ ስለዝኾነ፡ ነዚ ንምግባር ዝተወደበ ቃልሲ መሰረቱዩ ብምባል ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ቃልሲ ዝጸናሕናን፡ ንመጻኣኢት ኤርትራ ዝበቅዕ ዕላማታትን መትከላትን ኣስፊርና እንቃለስ ዘሎና ኢና። ነዚ ክዉን ንምግባር ግን ብኣባላት ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ንበይኖም ዝዕወት ስለዘይኮነ፥ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ለውጢ ኣብ ሓደ ናይ ቃልሲ ጽላል ተጠርኒፉ፡ ኣንጻር ምልኪ ንኽቃለስ ንጽባሕ ኣብዘይባሃሎ መድረኽ ምህላውና ተገንዚብና ሃየ ኢደይ ኢድካ ንበል።
ዓወት ንቓልሲ ህዝቢ ኣኤርትራ
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ
እወ፡ ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስን ልምዓትን
ስለዝሰማዕኩምኒ የመስግን
ክብረት ይሃበለ
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ዞባ ኤውሮጵ
ኣብ መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብኣቦ መንበር ፖሓኤ ዘቐረበ ናይ ዮሃና መልእኽቲ
Sunday, 24 May 2026 11:30 Written by ገረዝጊሄት ተወልደ ኣቦ መንበር ፖሓኤመዓልቲ ናጽነት ውጽኢት ናይ ወሎዶታት ቃልስን ክቡርመስዋእትን ስለዝኾነ ንዘለዓለም ከቢሩ ክነብር እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝነብር መላእ ህዝብና በብመንገዱ ነዚ መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ዘብዕሎ ዘሎ።
ብስመይን ብስም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ንዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽተይ አመሓላልፍ።
ብፍላይ፡ ብደገን ብውሽጥን ንልዑላውነት ሃገርና ዝፈታተን ተረኽቦታት ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ ግዜ፣ ከምኡ’ውን ገለ ሓያላት ሃገራት ጸረ-ኣሀጉራዊ ሕጊ ድልየቶም ኣብ ዝፍጽምሉ ዘለዉ እዋን፣ ነፍሲወከፍ ዜጋ ንልዑላውነት ሃገርና ናይ ምክልኻል ግዴታ ኣለዎ።
እዚ ማለት፡ ብዙሓት ሰልፍታት ዝዋስኡሉ፡ ግዘኣተ-ሕጊ ዝሰፍነሉን ሰብኣዊ መሰላት ዝኸብረሉን ቅዋማዊ ምሕደራ ናይ ምትካል መብጽዓ ጠሊሙ፤ ምልካዊ ስርዓት ተኺሉ ንዘሎ ገባቲ ሓይሊ ምቕባል ኣይኰነን። እኳ ደኣ ከመይ ኢልና አብዚ ወዲቕና፡ ብከመይከ ካብዚ ማእለያ ዘይብሉ ጭቆና ተገላጊልና፣ ንቡር ናብራ ክንነብር ንኽእል ኢልና ነንሓድሕድና ክንላዘብ ከም ዘሎና እርኢ። ካብዚ ነቒለ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ድማ፡
1. ህዝብና፡ ተኾርሚኻ ሞት አሳፊሕካ ሞት ከም ዝብሃል፡ ተቓዊምካ ኣይተቓዊምካ ኣደዳ ስደትን ማእሰርትን ድኽነትን ሕማምን ኴንካ ምህላውካ ካብ ማንም ንላዕሊ ባዕልኻ እትፈልጦ ሓቂ እዩ። ስለዚ ንዘይንቡር ናብራ ከም ንቡር ምቕባል ወጊድ ኢልካ፣ ንፍርህን ራዕድን ቀንጢጥካ ንሰብኣዊ መሰልካን ክብርኻን ክትላዓል እጽውዓካ።
2. ሰራዊት ኤርትራ መሳርሒ ምልካዊ ስርዓት ካብ ምዃን ተቖጢቡ ኣብ ምክልኻል ሃገርን አብ ጎድኒ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብናን ደው ክብል እጽውዕ።
3. ሃገራውያን ሓይልታት ኤርትራ አብ ዝተሓተ ሓባራዊ ነጥቢ ተጠርኒፍና ንህዝብና ተስፋ ክንህብን አድማዕቲ ኴና ክንርከብን ሎሚ እውን ከም ትማሊ መድረኽ ይጠልበና ከም ዘሎ ካብ ቅድሚ ኩላትና ስዉር ኣይኰነን እንዳበልኩ ሓደ ሰፊሕ ጽላል ንምቛም ብዕቱብ ክንትሓሓዞ እጽውዕ።
4. ደለይቲ ፍትሒ መንእሰያት ኤርትራ ንእተጠልመ መብጽዓ መሊስኩም፣ ሰላም ዝሰፈና ብልጽግቲ ኤርትራ ንክትሃንጹ፡ ኣብ ክሊ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ መስመር ክትጥርነፉን ምስ ኩሎም ሃገራውያን ገዳይም ተቓለስቲ ሓቢርኩም ክትሰርሑን እጽውዓኩም። ናይ ኣርብዓታት ወለዶ፡ ነቲ ኤርትራ ትመቓቐል ዝብል መግዛእታዊ ሽርሒ ኣፍሲሎም፣ ሓድነት ኤርትራ ኣረጋጊጾም እዮም። ፖሊቲካዊ ሰልፍታት መስርኢቶም’ውን ንብዙሕነት ህዝብና ኣሚኖም ተቓሊሶም እዮም። ይኹን’ምበር ካብ’ቲ ንኤርትራ ብመልክዕ ፈደረሽን ኣብ ትሕቲ ሃጸያዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ክትቁረን ዝገበረ ኣህጉራዊ ውዲት ከምልጡ ኣይከኣሉን። ናይ ስሳታት ወለዶ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊሎም፡ ናጽነት ዓቂቦምን ናይ ሃገርና ልዑላውነት ኣረጋጊጾምን እዮም። ናይ ህዝቢ ልዑላውነት ኣብ ምርግጋጽ ግን ፈሺሎም ጥራሕ ዘይኮኑ መብጽዓ ሃገራዊ ቃልሲ ጠሊሞምን፡ ምልኪ ተኺሎምን እዮም። ስለዚ ድማ ፍትሕን ሰላምን ብልጽግናን ዝዓሰሎ ናይ ህዝቢ ልዑላውነት ምርግጋጽ ዕጫ ናይ ሎሚ ወለዶ ኮይኑ ኣሎ። ማዕሬኡ ኴንኩም ክትርከቡን ክትዕወቱን ድማ እምነ።
5 ኤርትራ ብስትራተጂካዊ ኣቀማምጣኣን ባህርያዊ ጸጋታታን ቆላሕታ ናይ ሓያሎይ ሃገራት ስሒባ ኣላ። ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተረሲዑ፡ መደልደሊ ምልኪ ንከይከውን እተውሃሃደ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ከነካይድ እጽውዕ።
6 ደገፍቲ ስርዓት ከም ደገምቲ ኣዕዋፍ ዝተባሃልኩሞ ካብ ምድጋም፣ ፈጣሪ ዝዓደለኩም ልቦና ተጠቒምኩም ንቕኑዕ ቅኑዕ፣ ንጌጋ ጌጋ ክትብሉ፣ ብፍላይ እቶም ኣብ ወጻኢ አብ ሃገራት ምዕራብ እትነብሩ፣ ህዝብና ተነፊጉዎ ዘሎ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ከብቅዕ ብፍላይ እኳ ደረትን ዓስብን ዘይብሉ "ሃገራዊ ኣገልግሎት"፣ ንሰብ ከም አቕሓ ፈቐዶኡ አቐምጠለይ ኢልካ ምሕዳግ፣ ንእሱር አብ ቤት ፍርዲ ዘይምቕራብ፣ ብዓቢኡ ድማ ን 35 ዓመታት ብዘይቅዋም ብግዝያውነት ምግዛእ የብቅዕ ዝብል ቃልኩም ከተስምዑ እጽውዓኩም።
7 መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍቶት ይኹን ብሓይሊ ዋና ኣፍ ደገ ባሕሪ ክኸውን እየ ዝብል መደቡ ጸረ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ስለዝዀነ ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ዘበልጽግ አብ አህጉራዊ ሕጊ ባሕሪ እተመርኰሰ ስምምዓት መሰረት ጌሩ ጥራይ ተጠቃሚ ክኸውን እጽውዕ። ዞባና ሰላም ጸሚኡዎ ኣሎ እሞ ውግእ ይኣኽሎ።
ዓወት ንፍትሓዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብና!!
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ኣስመራ!!
ዘለዓለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና!!
ጅቡታዊ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ናጀርያ ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ ኣብ መስርሕ ሰላም ቀርኒ ኣፈሪቃ ኣስተዋጸኦ ንከበርክት ከም ዝመዘዞ ናይቲ ሕብረት ክፍሊ ዜና ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ምምዛዝ ኦባሳንጆ ከም ናይ ሰላም ባእታ ክሕብር እንከሎ፡ ኦባሳንጆ ዝተረሓሓቐ ተመኩሮታት ኣብ ምቅርራብ፡ ውሕልነትን ተኣማንነትን ከም ዘለዎ ኣብ ግምት ብምእታው ናብዚ ኣገዳሲ ዕማም ከም ዝመዘዞ ጠቒሱ።
በቲ ተመዚዝሉ ዘሎ ሓላፍነት መሰረት፡ ኦባሳንጆ፡ ኣብ ኩሎም ተዛመድቲ ዛዕባታት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ተሳቲፉ፡ ኣብ ምህናጽ ቀጻሊ ምትእምማን፡ ዘተታትን ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ምርግጋጽ ቀጻሊ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃን ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ። ብመንጽር’ዚ ኦባሳንጆ ኣብ ጉዳያት ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ውሽጣዊ ውግኣት ኢትዮጵያ፡ ቅልውላው ሶማሊያን ዘይምርግጋእ ደቡብ ሱዳንን ከም ዝሳተፍ ይእመን።
ኮሚሽነር መሓመድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ናይቲ ፕረሲደንት ናጀርያ ነበር ኦባሳንጆ ነቲ መዝነት ቅሩብ ኮይኑ ምቕባል ንኢዱ፡ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ምእንቲ ቀጻሊ ሰላምን ምርግጋእን ምትሕብባር ከምዘይፍለዮ ኣረጋጊጽሉ።
ኦባሳንጆ ኣብ መስርሕ እዚ ሎሚ ኣብ ሓደጋ ምፍራስ ወዲቑ ዘሎ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ንሕብረት ኣፍሪቃ ወኪሉ ኣብ ወርሒ ነሃሰ 2021 ተመዚዙ ነቲ ናይ ምቅርራብ ኣካል መሪሑ ዘፈራሪሙ ተኹሲ ክቋረጽ ዘኽኣለ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ግጥሚ ንኽብሪ መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ
ካበ 1557 ዘጀመረ ግዝኣት ቱርኪ
1890 ዝቐጸለ ግዝኣት ጣልያን ፋሺስቲ
1941-52 እንግሊዛዊ መግዛእቲ
1952-62 ኤርትራዊ ፈደራላዊ መንግስቲ
1962-1991 ብጎበጣ ዝኣተወ ኢትዮጵያዊ ኣጽናቲ
ተሳዒሩ ተሓምሸሸ ዳኣ ህዝብና ብዝኸፈሎ መሰዋእቲ
1993 ሀዝብና ኣድመጸ ንናጽነት ኣብ ህላወ ኣህጉራዊ ተዓዘብቲ።
ብዘይ ዕረፍቲ ንመግዛእቲ ዝተቓወመ ህዝቢ ኤርትራ
ብመሪሕ ውድባቱ፣ ሰልፍታቱን ማሕበራቱን ብሓበራ
ንምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ - ሓራካ ክንዝክራ
ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ጀማሪ ናይ ሰውራ
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዘርጊሓ መሓውራ
ብ1991 ሓራ ወጸ መሬታ ምስ ባሕራ
ብ1993 ህዝብና "እወ ንናጽነት" ኣድሚጹ ልዑላዊት ገበራ።
ባሕሪ ኤርትራን ዓሰብን
ናይ ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣይፈልጥን
ብታሪኽ ዓለም ፍሉጥን ስኑድን
ሓሶት እንተተደጋገመ ናብ ሓቂ ኣይልወጥን
ልዑላውነትና ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ኣይነእቱን
ተጠቃምነት ግን ብኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን
ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ከገልግል ኣየማትእን።
ፍሉጥዩ ነይሩ ባህግን ትጽቢትን ህዝብና
ክነብር ብሰላም፣ ራህዋ ምዕብልና
ብተደጒሉ ዝኣተወ ጒጅለ ምልኪ ተኾሊፍና
ህዝቢ ቀይዱ ከይሰርሕ ከይሃንጽ ዓንያ ሃገርና
ነልግሶ ብሓድነት ከይተሓለልና ተቓሊስና።
ውልቀ-መላኺ ብዝልእኮም መሓውሩ
ንቅዋማዊ ስርዓት ዝጠልቡ ዝምድሩ
ንህዝብን ሃገርን ዝሓልዩ ተቓወምቱ ኣሲሩ
ንብዙሓት’ውን ንስደት ደፊኡ ኣባሪሩ
ሃገራዊ ቊጠባ ገቢቱ፣ ህዝቢ ጾሙ ሓዲሩ።
መንግስቲ ዝቐውም ብተሳትፎ ብዝሐ-ሰልፍታት
ንሓቅታት ዝምህሩ ዝሕብሩ ብዝሐ-ጋዜጣታት
ብሕግታት ዝካየድ ደሞክራስያዊ ምርጫታት
ሃገራዊ ባጀት ኣዊጁ ዘበርክት ህዝባዊ ኣገልግሎታት
ብቅዋማዊ ስርዓት ሃገራውን ህዝባውን ትካላት
ሃየ ንቃለስ ብሓባር ከነዐውት ነዘን ውሑዳት መደባት
ክንወጽእ ካብዚ ድሑር ኢሳያሳዊ ጸልማት።
ጭርሖኦም ዓወት ንሓፋሽ
ብግብሪ ግን ጸረ-ሓፋሽ
ታሪኽ ኣርእዩና ምልኪ ዓንዩ ክብል ፈርከሽከሽ
ጅሆ ዝተታሕዘ ህዝቢ ብሓርነት ክሕጎስ
ሽዑ እያ ሃገርና ትሕደስ ትግስግስ
ሓፋሽ ብዓወቱ ዝድበስ።
ልዑላዊት ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር!
ዓወት ንህዝቢ !!