ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ፖሓኤ ምድላዋታ ጀሚራ

2026-03-16 13:00:51 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ፖሓኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 162 times

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዕለት 14 መጋቢት 2026 ፈላሚ ኣኼባ ኣካይዳ። ሽማግለ ብሰለስተ ኣባላት ካብ ነፍሲ ወከፍ ንፖሓኤ ዘቆማ ኣካላት ዝተወከሉ፥ ትሻዓተ ዝቁጽሮም ኣባላት ዝቆመት እያ። ከምዝፍለጥ ኣባላት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ድሕሪ ምርቑሖም ብዕለት 26 ለካቲት 2026 ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ  ሓው ገብረዝጊሄር ተወልደ ሕድሕድ ናይ ምልላይን ዝተነብረሎም ሓላፍነትን ዕማማን ኣነጺሩ፥ ንኣመራርሓኣ ዝምልከት ድማ ነብሳ ባዕላ ንኽትሰርዕ መምርሒ ከምዝሃባ ዝዝከር እዩ።  ኣብዚ ናይ ሌላ ርክብዚ፥ ሽማግለ ብኡ ንብኡ ሰለስተ ናይ ስራሕ ኣማእከልቲ መዚዛ ናብ‘ዚ ናይ መጋቢት ፈላሚ ኣኼባ በጺሓ።

ኣኼባ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፥ ብኣደ መንበርነት ሓውቲ ኣድያም ተፈራ ተመሪሑ፥ ንድፊ ሰነድ ጉባኤ፥ ናይ ስራሕ ምክፍፋል፥ ጉዳይ ዜናን ሓበሬታን፥ ኣጋይሽን ፋይናንስን ኣብዝብሉ ዛዕባታት፥ ኣብ ቅዋማዊ ዓንቀጻት ፖሓኤ ምርኩስ ዝገበሩ  ሰፊሕ ዝርርብ ኣኻይዳ። በዚ መሰረት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንነብሳ ኣብ ሰለስተ ንኡስ ክፍልታት ብምስራዕ፥ ንድፊ ሰነዳት ጉባኤ ቅዋም ብዘፍቕዶ መስርሕ ናብ መላእ ኣካላት ፖሓኤ ንኽበጽሕን፥ ኣብ ዝተወሰነሉ እዋኑ ተመሊሱ ክይዲ ምጽፋፍ ክግበረሉን ተሰማሚዓ። ንዜናን ሓበሬታን፥ ፋይናንስን ብዝምልከትውን ሰባታ መዚዛ ሓላፍነት ብምሃብ ወዲኣ። ኣብ ክልዚ ዝተገብረ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ነቲ ዕማማ ብግቡእ ንምክትታል ንኽጥዕም እንተዘይኮይኑ፥ ብመሰረቱ ዕማማት ሽማግለ ናይ ሓባር ስራሕ ብምዃኑ ነቲ ናይ ምትሕግጋዝን ምምልላእን መንፈስ ዝዓግት ስለዘይኮነ ኣብዝኾነ ግዜ ናይ ምውኽኻስን ምርኻብን ዕድል ክፉት ከምዝኾነ ብምርግጋጽ፥ ናይ መጻኢ ክልተ ኣኼባታት ዕለታቶም ብምውሳን ኣኼባ 14 መጋቢት ተደምዲሙ። 

ንሓርነት ብሓድነት!!!

 

Last modified on Monday, 16 March 2026 14:03