ህወሓት ግዜኡ ዝሓለፈ ቤት ምኽሪ ናብ ቦታኡ ክምለስ ወሲኑ
2026-04-20 18:33:49 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 26 timesማእከላይ ኮሚተ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ካብ 15 ክሳብ 16 ማዝያ 2026 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ እቲ ብ2020 ብፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ኣብ ዘይነበሮ ምርጫ ዝተመርጸ፡ ደሓር ድማ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ዝፈረሰ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ናብ ቦታኡ ክምለስ ወሲኑ። እቲ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚተ ብዘይካዚ ህዝቢ ትግራይ ምስ ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያን ወገናትን ህዝቢ ጐረባብቲ ሃገራትን ዝምድናኡ ንምድልዳል ክካየድ ዝጸንሐ መስርሕ ብዝሓየለ ንክቕጽል ምውሳኑ ብ19 ማዝያ 2026 ብዘውጸኦ ደምዳሚ መግለጺ ኣረጋጊጹ።
ድሕሪቲ ኣኼባ ምድምዳሙ ድማ እቲ ማእከላይ ኮሚተ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ብኣባልነት ዝርከብዎን “ኮንስል ኣመራርሓ ዓቕምታት መኸተ ትግራይ” ብዝብል ዝፍለጥ ኣካል፡ ብ17ን 18ን ማዝያ 2026 ርክብ ብምግባር እቲ ኣኼባ ብዛዕባ ዝተዘራርበሎም ኣጀንዳታትን ዝወሰኖም ውሳነታት መግለጺ ከም ዝሃበ እውን ኣብቲ ዝወጸኦ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ህወሓት ከምዚ ዝኣመሰለ ስጉምቲ ዝወሰድ ዘሎ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጀነራል ታደሰ ወረደ ንቐጻሊ ሓደ ዓመት ፕረሲደንት ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮይኑ ንክቕጽል ምስ ኣናወሓሉ እዩ። ህወሓት ነቲ ግዜኡ ዝሓለፈ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ናብ ሓላፍነት ዝመልስ ዘሎ፡ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሪሱ ንምትካኡ ብምሕሳብ እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣቐዲሙ በቲ ዝተናወሓሉ ናይ ሓደ ዓመት መስረት ኣብ ኣስልጣኑ ከም ዝቕጽል ዘረጋገጸ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ድሕሪቲ ንፕረሲደንትነቱ ዝነጽግ ውሳነ ማእከላይ ኮሚተ ዝሃቦ መግለጺ የለን።
ነዚ ውሳነ ዝምልከት ርኢቶ ተጋሩ ዝተኸፋፈለ ኮይኑ፡ ከምቲ ደገፍቲ ዘለዉዎ፡ ብኣንጻሩ እቲ ቤት ምኽሪ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝፈረሰ ኣብ ርኢስ ምዃኑ፡ ብመሰረት ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ክልል ትግራይ ከኣ ሓሙሽተ ዓመቱ ኣሕሊፉስ 6 ዓመት ስለ ዝገበረ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቅቡልነት የብሉን ዝብል ርኢቶ የቃልሑ ኣለዉ። ኣብ ርእሲኡ ምፍራስ ውዕል ፕሪቶርያ ዘመልክት ብምዃኑ ውግእ ከም ምዕዳም ስለ ዝውሰድ ዝቃወምዎ ኣለዉ።
ናይ ቅድም ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ፡ ነቲ ውሳነ ብዝምልከት ሰፊሕ ዝርዝር ዝሓዘ ተጻራሪ ግብረ መልሲ ከውጽእ እንከሉ፡ ብሓጺሩ “ኣዝዩ ዘስግእን ዘሰክፍን ግጉይ ስጉምቲ እዩ” ኢልዎ። ፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቐረባ ዝከታተል፡ ጋዜጠኛ፡ ደራስን ተመራማርን ማርቲ ፕላውት ብወገኑ፡ ነቲ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ “ነቲ ዝጸንሐ ወጥሪ መሊሱ ዘጋድድኩ እዩ” ኢልዎ። ኣብዚ እዋንዚ እዚ ወጥሪ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ናብ ኣዕናዊ ውግእ ከይምዕብል ኣብ ተጋሩ ከቢድ ስግኣት ተፈጢሩ’ሎ።