ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ንዝቀሳቐሱ ዜጋታታ ኣጠንቂቓ
2026-04-29 10:10:37 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 32 timesቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ዓባይ ብሪጣንያ ዜጋታቱ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝገሽሉ ጥንቀቓ ንክገብሩ ዘተሓሳብ መልእኽቲ ብ27 ማዝያ 2026 ከም ዘውጸአ፡ በርሚንግሃም ላይቭ (Birmingham Live) ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ። እቲ መጠንቀቕታ ኣብዚ እዋንዚ ንክሕደስ ዘድለየ፡ ኣብ ኤርትራ ቀጻሊ ናይ ሓደሽ ግፋን ናይ ዕቑር ሰራዊት ምብርባርን ይረአ ብምህላዉ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ናይዚ ጥንቂ ከኣ እቲ ኤርትራ ኣብ እትርከበሉ ዞባ ዝረአ ዘሎ ሓፈሻዊ ዘይምርግጋእ ምዃኑ ኣስፊሩ።
ኣብ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ጸጥታዊ ስጉምትታት ከም ዝውሰዱ ዝጠቐሰ እቲ መጠንቀቕጣ፡ ገያሾ ዜጋታት ዓባይ ብሪጣንያ ንዝኾነ ምዕባለ ምስቲ ዝዕቆብሉ ኣካልን ዘንቀሶም ትካልንብቐጻሊ ክወኻኸሱ ከም ዝግበኦም ምዒዱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ምምዕባል ተኽእሎ ከምዘሎ ኣመልኪቱ። ዜጋታቱ ካብ ጸጥታውን ወተሃዳራውን ትካላት ክርሕቑ ድሕሪ ምምካር ከኣ ብዛዕባ ክፍጠር ዝኽእል ምዕባለ ኣፍልጦ ምስ ዘለዎም ወገናት ምውኽኻስን ሓበሬታ ምልውዋጥን ከም ዘድሊ ኣመልኪቱ።
ኣብቲ መጠንቀቕታ ብፍላይ 25 ኪሎሜተር ብኹሉ መሬታዊ ዶብ ኤርትራ ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ፍሉይ ጥንቃቐ ንክገብሩ ጠቒሱ፡ ሃንደበት ለውጢ እንተደኣ ተፈጢሩ እቶም ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ኮነ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናይ ምንቅስቓስ ዝጽገሞም ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ዘለዎ ስግኣት ሓቢሩ፡
ጸገም እንተደኣ ኣጋጢሙ፡ ናይ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዲፕሎማሲያዊ ኣካላት ብኣካል ሓገዝ ምግባር ኮነ ካብ ኤርትራ ከም ዝወጹ ምግባር ዘይከኣል ክኸውን ከም ዝኽእል ብምሕባር፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት ካብ ገዛ ክወጹን ከም መግብን ማይን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ነገራት ክሕዙን መኺሩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብዛዕ ከም ሰዓታት እቶቶን ዝኣመሰሉን ብመንግስቲ ዝወጹ መምርሕታት ከኽብሩን ከባብያዊ መዲያትታት ክከታተሉን ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቡ።