እስራኤ ኣብ ሶማሊላንድ ኣምበሳደር መዚዛ

2026-04-19 18:40:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 117 times

እስራኤል ሚካኤል ሎትርም ዝተባህለ ዲፕሎማት ኣምበሳደር ኣብ ሶማሊላንድ ገይራ ከም ዝመዘዘት ኣልጀዚራ ሓቢራ። እስራኤል ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደት ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2026 ንሶማሊላንድ ከም ልኡላዊት ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ እዩ። እስራኤል ነቲ ስጉምቲ ዝወሰደት ናብ ቀይሕ ባሕርን መጻብቦ ባብኤልመንደብን ዝህልዋ ናይ ምቁጽጻር ድሌት ንምርግጋጽ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ህርፋና ንብዙሓት ወገናት ዘሰክፍ ኮይኑ ዘሎ ምዕባለ እዩ።

ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ዓብደራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ፡ ድሕሪ ምምዛዝ እቲ እስራኤላዊ ኣምበሳደር፡ ንናይ ሃገሩ ሓባራዊ ኣኼባ ፓርላማ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እስራኤል ነቲ ዝኣተወትሎም ቃል ብግብሪ ከም ዘረጋገጸቶ ኣፍሊጡ ሓጐሱ ገሊጹ።

ብካልእ ወገን ድማ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ሶማሊያ ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ንተግባር እስራኤል ኣትሪሩ ኮኒኑ፡ ነቲ ተግባር ብግህዶ ናይ ሶማሊያ መቃድሾ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ምግሃሳ ዘርኢ እዩ ኢልዎ።

እስራኤል ነታ ድሕሪ ልዕሊ 30 ዓመታት ኣፍልጦ ክትረክብ ትጽበ ዘላ ኣፍልጦ ምሃባ ብዝተፈላለየ ኩርነዓት ዝለዓለ ተቓውሞ ዘጋጠማ ኮይኑ፡ ብፍላይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ውድብ ምትሕግጋዝ ሃገራት ኣስላምን ሕብረት ኤውሮጳን ካብቶም ነቲ ተግባር ብትሪ ዝተቓወምዎ እዮም።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ እስራኤል ጌደዎን ሳኣር ብወገኑ ኣቐድም ኣቢሉ ሃግርጌሳ ኣብ ርእሲ ምብጽሑ፡  ብሚኒስተር ማይ ዝምራሕ ሽማግለ ልኢኹ ንክኢላታት ሶማሊላንድ ብክኢላታት እስራኤል ብዛዕባ ምምሕዳር ማይ ኣስተምህሮ ከም ዝወሃብ ገይሩ ከም ዝነበረ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ኢማራትን ዘሎ ዝምድና መዝሚዙ ነቲ ዘለዎ ህርፋን ኣፍደገ ባሕሪ ክጥቀመሉ ይንቀሳቐስ ኣሎ  ዝብል ናይ ብዙሓት ትዕዝብቲ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን “ቀይሕ ባሕሪ ካባና ሓሊፉ ንመን” ብዝብል ቅኒት መልክዕ ቀይሩ፡ ኣድላይነት ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንቑጠባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንጸጥታን ምርግጋእን ናይቲ ዞባ ወሳኒ ኣምሲሉ ከቕርቦ ዝፍትኖ ዘሎ ሓደገኛ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።

Last modified on Sunday, 19 April 2026 20:46