ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ሽልማት ዩኒስኮ ተዓዊቱ
2026-05-02 15:59:51 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 104 timesህንጻ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ካርቱም
ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን፡ ብደረጃ ዓለም ብዩኒስኩ (UNESCO) ዝወሃብ ሽልማት ዓለም ለኸ ናጻ ፕረስ 2026 ከም ዝተዓወተ ካብ ካርቱም ተሓቢሩ። እቲ ሽልማት ነቲ ማሕበር ብዩኒስኮ ዝተዋህበ ኣብ ውግእ ናይቲ ማሕበር ኣባላቱ ብዘርኣይዎ፡ ኣንጻር ጥሕሰ መሰል መዲያ ብቑዕ ስነዳ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ።
እቲ ሽልማት እቲ ማሕበር ኣብ ግዜ ውግእ ዘጋጠሙ ጥሕሰታት ብምቅዋም ንዘርኣዮ ትግሃት ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ንግህሰት መሰል መዲያ ዝምልከቱ፡ ብሰንክቲ ውግእ ናይ ዝሞቱ 14 ሰራሕተኛታት መዲያ ወሲኽካ ብዛዕብ 67 ፍጻመታት ከም ዝሰነደ ተሓቢሩ።
ዳይረተር ዩኔስኮ ካለድ ኢል-ኣናኒ፡ ናይቲ ማሕበር ኣባላት ፍሉይ ትብዓትን ተወፋይነትን ከም ዘርኢ’ዩ ገሊጹ። እቲ ትብዓት ናይቶም ጋዜጠኛታት ንካለኦት ክኢላታት እውን ናይ ውፉይነት ምእንቲ ሓቂ ኣብነት ኮይኑ ከም ዝጥቀስ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ዝተዋህበ ሽልማት ኣብ መዳይ ናጻ ፕረስ፡ ድምጺ ንዘይብሎም ድምጺ ብምዃንን ንዲሞክራሲያዊ መሰል ምጥባቕን ናይ ትብዓት መርኣያ እዩ ኢልዎ።
ኣቦመንበር ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ዓብደልመንዑም ኣቡ እድሪስ ብወገኑ፡ እዚ ሽልማት ኣብ ሱዳን መድያታት ኣብ ዝተዳኸማሉ ግዜ ዝተዋህበ ብምዃኑ እዋናዊ እዩ ኢልዎ። ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ሽልማት ፕረስ ንክዓቢ ግደኡ ንክጻወት ናብ ሕብረተሰብ ሱዳን መልእኽቲ ከም ዘመሓላልፍ ኣመልኪቱ። እቲ ሽልማት ንኹሎም ምስቲ ጽንኩር ኩነታት ግቡኦም ንዝፈጸሙ ጋዜጠኛታት ሱዳን ዓብይ መዘከርታ እዩ ክብል ጠቒስዎ። ነቶም ጸኒዖም ዝተቓለስ ጋዜጠኛታት ክብሪ ምዃኑ እውን ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ኣስፊሩ።
እዚ ሽልማት ካብ 1997 ክወሃብ ዝጀመረ፡ ዓመታዊ ኮይኑ፡ ብውልቂ ይኹን ብእኩብ ብሉጽ ስራሕ ንዘርኣዩ ክወሃብ ዝጸንሐ፡ ብደረጃ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዝወሃቡ እዩ።