ካብ ምዝራብ፡ “እንታይዩ መትረፊኦም በል“
2026-05-03 08:32:22 Written by ክፍላይ ተኪአ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 34 timesካብ ምዝራብ፡ “እንታይ‘ዩ መትረፊኦም በል“ ብዝብል ኣርእስቲ ከም ሰብ ኣብ ሓቂ ተሞርኲሰ ሓሳባተይ ክህብ እንከለኹ፡ ሕልናዊ ዕረፍቲ ይህበኒ። ዝኸበርካ ተዛራባይ፡ ኣነ ከም ሓሳብ ኣቕራቢ ንሕና ከም ደቂ ሰባት 5 ሕዋሳት ዘሎና ክንስና፡ ወዲሰብ ቅድሚ ምዝራቡ ኣንታይ ይብልን ይዛረብን ክፈልጥ ኣለዎ እብል። ኣብዚ እቲ ዘገርም፡ ከም ሰብ ነቲ ዝበሃል ዘረባታት ምስ ሰማዕኩ ብዙሕ እዩ ገሪሙኒ። ምኽንያቱ መጀመርያ ወዲ-ሰብ ክቡር እዩ። ካብ ኣፍካ ዝሃበካ ምዝራብ ሽግሮም ወይ ኩነታቶም ባዕሎም ከም ዝፈልጡዎ ምስትውዓል የድሊ።
ኣነ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን፡ ንነዊሕ ዓመታት ዘስተብሃልኩሉ ሓደ ነገር ኣሎ። ንሱ ከኣ እቲ ዝገርም፡ ዝኾነ ነገራት ናይ ሃገርና እንተብኣዎንታዊ እንተብኣሉታዊ ኣብ ክንዲ ከም ዘለዎ እንዛረበሎምን እንገልጾምን፡ ንኩሉ ነገራት ብዕበጦ- ዕበጦ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኸይድ ዘሎ‘ዩ። እንታይሞ ረኺብና። እንሆ ከኣ ኣብ ፖለቲካዊ - ኤኮኖሚያዊ - ማሕበራዊ ናብራና፡ ብሰንኪ ዘሎ ኩነታትና “ስለምንታይ“ ኢልና ስለ ዘይሓተትና፡ እንሆ ዘዝተወልደ ንስደት ይጐዓዝ ኣሎ። እዚ ከኣ ወዲ-ሰብ መጻኢ ራኢ ክሳብ ዘይሃለዎ ቀጻሊ‘ዩ።
ሕሰብ ኤርትራዊ/ት፡ ኩሉ ስደት ከብቅዕ “ስለምንታይ“ በል። ክቡራትን ክቡራንን፡ ከም ደቂ ሰባት ካብ ስነምግባር ወጻኢ ኢና ንዛረብ ዘሎና። እቲ ዘገርም ናይዞም ኣፎም ዝሃቦም ተዛረብቲ ነቶም “ሃገራዊ ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ“ ተመሪጾም ዝመጹን 2 ግዜ ዓወት ዘመዝገቡን ክንሶም፡ ብሰንኪ ኣብ ዝገሹዎ ምትራፎም ከይሓፈሩ “ደይሪዘርቫ እዮም ፕሮፈሽናል ተጻወትቲ ኣይኮኑን“ እናበሉ ከነኣእሱዎም ከለዉስ ከም ሰብ መጠን ኣይገርመኩምንዶ? ኣንታ ተዛራባይ ጠንቂ መትረፊኦም እንታይ‘ዩ ኣቐዲምካ ክትፈልጥ ይግበኣካ።
ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣእሙራዊ ብስለት ዝተሓወሶ ብክልተ መገዲ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ኣዮም። ኣነ ድማ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን ኣብ ጉዕዞ ሂወቶም ጽቡቕ ዕድል እምነየሎም።
ክፍላይ ተኪአ
ጀርመን