EPDP Editorial

ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ

ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ሓለፍቱ ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ኣብ ዘይነበሮም፡ “ደጊም ጸወታ ወያነ ተወዲኡ፡  ጉዳይ ኢትዮጵያ ከም ጉዳይና እንሕዞ እምበር፡ ሱቕ ኢልና ንዕዘቦ ኣይኮነን፡  ሓድነት ኢትዮጵያ የገድሰና እዩ።”  ዝብሉ ጭረሖታት ኣምሪሑ እዩ ዘሊሉ ናብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ተኣሊኹ። እቲ ተረኽቦ ንህዝብናን ካለኦት ተዓዘብትን ድቦላን ሃንደበትን እዩ ነይሩ። ንህግደፍ ግና ኣቐዲሙ ክኣልሞ ዝጸንሐ ውዲት ስለ ዝነበረ፡ ሃንደበት ዘይኮነ ንቡር ስጉምቱ ነይሩ። ህግደፍ በዞም ጻሕተርቲ ህውከት ጭረሖታት እናተመርሐ ከዐውቶም ሒዝዎም ዝኣተወ መደባት “ፖለቲካዊ ህልውና ህወሓት ካብ ገጽ ምድሪ ምጥፋእን ድሕሪኡ ንሱ እንተደለየ ብድሕሪት እንተደልዩ ድማ ብቕድሚት ኮይኑ ዝመርሓን ዝምዝምዛን ብጸረ ህዝብን ጸረ ዲሞክራስን ፖሊሲኡ ዝተቓነየት፡ ኢትዮጵያ ምፍጣርን ምንባሩ ደጋጊሙ ባዕሉ ይበሎ ስለ ዝነበረ ምምርማር ኣየድልዮን። ብግብሪ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ብዙሓት ሰክተራት ምልክታት ኣገዛዝኣኡ ተራእዩ እዩ። ነዚ ተግባር፡ ምስቲ ኢትዮጵያ ናይ ምብታን ሕዱር ሕልሚ ኢሳያስ ዘዛምድዎ ወገናት’ውን ኣለዉ።  

መራሒ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነዚ እኩይን ጨካንን ኣተሓሳስባኡ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ካብ ዝመረጾም መንገድታት ኣብ ውግእ ትግራይ ብምሉእ ዓቕምኻ ብምእታው፡ ደሓር መንገዲ ሰላም ከይሕዝ ድማ መመሊስካ ነዳዲ እናወሰኽካ ምስዋሩ ነይሩ። “ብጽሒት ህግደፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ-ትግራይ እንታይ ነይሩ?” ዝብል ሕቶ፡ ኣዘራራቢ እዩ ነይሩ። ነዚ ሕቶዚ ንምምላስ ርሑቕ ከይከድካ “ቀንዲ ኣጓዲኡ”  ከም ዝነበረ ሎሚ ብወግዒ ዝዝረበሉ ዘሎ እዩ። ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ፡ ብውሳነ ህግደፍ ናብ ትግራይ ኣቲኻ፡ ሰባት ምስዋር፡ ምዕናው ትካላትን ምግሃሰ መሰረታዊ መሰላት ህዝብን፡ ንመጻኢ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ምዃኑ ተገንዚቡ፡ ብሓባር ዓገብ ንክብል፡ ከሎ ጌና ጸዊዕና ኢና። እንተኾነ ብመደናጋሪ ምልዕዓል  ህግደፍ ስለ ዝተደናገረ ኣይተላዕለን። ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ደገፍቲ ሰራዊት ኤርትራ ንምምሳል፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝወርድ ግፍዒ ክቕጽል ዘተባብዑ ኣብ ናይ ጽልኢ ጫፍ ዝተንጠልጠሉን ሰብኣውነት ዝረሓቖምን ኤርትራውያን ባእታታትውን ተራእዮም እዮም። ሕጂ ብሰንክቲ ውግእ፡ ኣብ ኤርትራ ዝተዓጽወ ገዛውቲ፡ ዝተራሰያ ጥሪት ዝሞቱን ዝሰንከሉን መንእሰያትን፡ ዝዘኽተሙ ህጻናትን ዝሕብር  ደቂቕ ጸብጻብ  ምስ ረኣየን ምስ ሰምዐን፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ናይ ቅድም ስቕታኡ ከም ዝጣዓስ ርዱእ እዩ።

ንጉጅለ ህግደፍ ከጸባብቑ፡ ዕላማ ናይቲ ውግእ ጉዳይ ዶብ ምዃኑ፡ ናብቲ ውግእ ንምእታዉ ቀንዲ ምኽንያቱ  ከኣ ካብ ትግራይ ናብ ኣስመራ ሚሳይል ምትኳሱ እዩ ዝብሉ፡ ተሓይኾም ዝተደርበዩ፡ ምስቲ ኩነታት ዘይዛመዱ ሓረጋትውን ይገማድሑ እዮም። ነቲ ኩነታት ብቕንዕናን ርትዕን ንዝመዘኖ ግና፡ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ርክብ ህግደፍን ብልጽግናን፡ ዶር ኣብይ ኣሕመድ “ጉዳይ ዶብ ንኡስ ዛዕባ ስለ ዝኾነ ኣየልዓልናዮን” ኢሎም ከም ዝሓለፍዎ ዘይምርሳዕ ጥራይ እኹል ነይሩ። ደሓር ካብ ትግራይ ናብ ኣስመራን ባህርዳርን ሚሳይል ዝተተኮሰሉን፡ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተናቢቦም ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሰሜን ትግራይ  ዝኣተውሉን መዓስ ምንባሩ ንጹር እዩ።  በቲ ናይት ዕለታት ሕሳብ፡ ሚሳይል ምትኳስ ንምእታው ሰራዊት ህግደፍ ናብ ትግራይ ርትዓዊ ምኽንያት ክኸውን ብፍጹም ኣይክእልን። ብኸምዚ ዝኣመሰለ ንርኡይ ዝኽሕድ ምስምሳት ግን፡ መሳርሒ ዲክታተርን ነብስኻ ምትላልን ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ንኤርትራን ህዝባን ምሕላቕን ብጉዳይ ሃገር  ምሕላይን ዘርኢ ኣይኮነን።

ኢትዮጵያውያን ብናይ ህግደፍ ተንኮለኛ ምኽርን ካለኦት ዘይበሰሉ ረቛሕታትን ተደሪኾም ናብ ውግእ ትግራይ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ውጽኢቱ ከምቲ ዝተጸበይዎ ከምዘይከውን ካብቲ መስርሕ ቀልጢፎም ተገንዚበምዎ ነይሮም። ንህግደፍ ከይሓበርዎ “ነብሰይ ኣውጽእኒ” ኢሎም፡ ጠቕሊሎም ካብ ትግራይ ክሳብ ምስሓብ በጺሖም ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ። መስሓቢኦም ምኽንያት ወተሃደራዊ ስዕረት ነይሩ ክነሱ፡ ኣፎም መሊኦም “ከምዚ እዩ” ምባል ተጸጊሞም ከም ዝነበሩ ይዝከር። ብወገን ትግራይ ናብ ወሎን ሸዋን ሓድሽ ጸረ-መጥቃዕቲ ምስተኻየደ፡ ወዮ እቲ ውግእ ቀልጢፉ ከይውዳእ ኣብ ስግኣት ዝነበረ ህግደፍ፡ ብዓፋርን ምዕራብ ትግራይን ሰራዊት ኣእትዩ ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣወዲኡ፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ግፍዕታት ምፍጻሙ ድማ ኣብቲ እዋኑ  ኣብ ናይ ዓለም መድረኻት ተዘሪብሉ እዩ።

ኣብ ነሃሰ 2022 ዝጀመረ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ናይቲ ውግእ ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ምስተኻየደ፡ እቲ ብተደጋጋሚ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ክጸዓረሉ ዝጸንሐ መስርሕ ሰላማዊ ስምምዕ፡ ናይ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሰብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ትግራይ ቅሩብነት ተሓዊስዎ፡ ቅድም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ደሓር ከኣ ኣብ ኬንያ ኣወንታዊ ውጽኢት ኣመዝጊቡ። እቲ ህግደፍ ክኾልፎ ብዙሕ ፈቲኑ ዘይተዓወተሉ ስምምዓት፡  ልኡኽ ናይቲ ኢሳያስ ካብ ገጽ ምድሪ ክጠፍእ ዝተጸበዮ ህወሓት ብዝኸተመሉ ሰነድ እዩ ተረጋጊጹ። ህግደፍ ነዚ መስርሕ ዕረ እናጠዓሞ ብስንባደ እዩ  ተኸታቲልዎ።

ኢትዮጵያውያን ሰለምንታይ ክሳብ ክንድዚ ትጽቢት ኣብ ዘይተገብረሉ፡ ዝርዝራዊ ስምምዕ ሰላም በጺሖም ብዙሕ ኣዛሪቡ። ናይ ብዙሓት ግምት እቲ ናይ መጀመርያ ዙር ርክብ ኣብ ተጻብኦ ምቁራጽ፡ ሰብኣዊ ረዲአት ምቕራብን ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ናብ ንቡር ምምላስን ክድረት እዩ ዝብል ነይሩ። ብግብሪ ግና ኩነታት ናብቲ ቅድሚ ውግእ 2020 ዝነበሮ ምምላስ መሰረታዊ ሕመረቱ ኮይኑ፡ ክሳብ ንህግደፍ ካብ ትግራይ ንምጽራግ ዘኽእል ስምምዕ ተበጺሑ። እቲ ቀንዲ ደራኺ ውጽኢቱ ድማ “ዘይትግበር ጭረሖ ምሂዝካ ኣብ ውግእ ምንባር” ዝብል ፖሊሲ ህግደፍ ካብ ጸወታ ወጻኢ ምዃኑ ኣርእዩ።

ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኣብ ድሮ እቲ ስምምዕ ሰላም “ብውግእ ቀጻሊ መፍትሒ ከምጽእ እየ ኢልካ ምሕሳብ፡ ብመንፊት ማይ ከዕቁር እየ ከም ምባል እዩ” ዝበልዎን፡ ኣቶ ጌታቸው ረደ፡ ንውጽኢት ስምምዕ ከብርሁ እንከለዉ፡ “ካብ ታንክታት ዓጢቕና ህዝብና  ዝውዳእ ብረት ኣረኪብና ህዝብና እንተድሒኑ ከሰብቲ ኢና፡ ናብ ዘተ ክንኣቱ እንከለና፡ ዝነበረ ቀዳማይ ቀይሕ መስመርና ህዝብና ብውግእን ብጥሜትን ካብ ምማት ምድሓን እዩ።”  ዝበልዎ፡ ዝወሰድዎ ምርጫ ክሳብ ክንደይ ካብቲ ዝኸሰረ ሰይጠናዊ ኣተሓሳስባ ህግደፍ ኣዝዩ ዝለበመን ሓላፍነታውን  ምዃኑ ርኡይ እዩ።

ናይ ህዝቢ ሓልዮት ዝስመዖ ምምሕዳር ካብቲ ቀዳማይ ጌጋኡ ይመሃርን ንድምጺ ህዝቡ ጺን ይብልን እምበር፡ ነቲ  ዘኽሰሮ ኣካይዳ ኣይደግሞን እዩ። ህግደፍ ግና ከምዚ ዓይነት ረዚን ሓላፍነትን ሓልዮትን ህዝቢ ስለ ዘየብሉ፡ ክሳብ ዕርበቱ በቲ ዝፈሸለሉ ናይ ዓመጽ መንገዲ እዩ ዝቕጽል። ምኽንያቱ እቲ ክሳራ ናይ ኤርትራን ህዝባን እምበር ናቱ ስለ ዘይኮነ ኣየሕምሞን እዩ።  ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ንልኡላውነት ኤርትራ ዘይቅበል፡ ሓደገኛ ውደባ “ምምሕዳር ሓድነት ፋኖ ኣምሓራ”፡ ዝዓብድ ዘሎ ከኣ ንዘይሓላፍነታዊ ባህሪኡ ዘርኢ’ዩ። እዚ ከኣ ካብቲ ዝሓለፈ ተደጋጋሚ ፍሽለቱ ዘይተማህረን ኣብ  መጻኢ’ውን  ካብ ፍሽለት ከም ዘይድሕንን ዘመልክት እዩ።

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ዞባና፡ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብዘለዎ ክሳዳዊ ኣቀማምጣ ተሃዋሲ እዩ። ናይ ዓለምና ሓያላት ኣብ ኩለ-መዳያዊ ውድድሮም ካብ ዝብህግዎም ዞባታት ሓደ ብምዃኑ ዘርኢ ኢዩ። ብሰንኪ ታህዋሲ ባህርያት ናይዚ ዞባ ኣብኡ ዝርክባ ሃገራት ህውከት፡ ዕግርግርን ሻቕሎትን ከምዘይፍለየን ታሪኽ ዝምስክሮ እዩ። ብፍላይ ኤርትራ ኣካልዚ ዞባ ብምዃና ዝሓለፈቶ ላዕልን ታሕትን ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ ተመኩሮኣን መስካሪ እዩ። ሎሚ እውን ካቡኡ ኣይወጸትን። መሰረታዊ ትርጉም ቃልስና ቅድም ኮነ ሎሚ ግዳይ ናይዚ ፖለቲካዊ ሕልኽልኻት ካብ ምዃን ወጺእካ ኣብ ህዱእ ዞባ ብጸጋኻ እትጥቀመሉ ውሑስ ኩነታት ንምፍጣር እዩ።

እቲ ነዊሕ ዝዕድሚኡ ክንከባለል ዝጸንሐን ላዕልን ታሕትን ዘይተፈልዮን፡ ፖለቲካዊ ጉዕዞና ገዲፍካ፡ ናይ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ተርእዮታት ጥራይኳ እንተዳህሰስና ሃገርና ክሳብ ክንደይ  ብዞባዊ ምዕባለ ከም እትጽሎ ምርዳእ ኣየጸግምን። ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ሓደገኛ ጉጅለ ህግደፍ ቀዳማይ ቆላሕታኡ ንኤርትራዊ ጉዳይ ጓስዩ ዞባዊ ጉዳያት ኣብ ምትሕልላኽ ዘተኩር ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራ ጌና ግዳይ ኣሉታዊ ዞባዊ ጽልዋ ካብ ምዃን ኣይወጸትን። ህግደፍ በብግዜኡ ብዘይርትዓዊ ምኽንያታት ኣብ ጉዳይ ጐረባብቲ ኢዱ እናሰደደ  ምስ  ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ኢትዮጵያን ክኣጉዶ ዝጸንሐ ሓዊ  ነዚ ዘመልክት እዩ። እቲ ጉጅለ ዘይዛመድ ዛዕባታት እንዳዛመደ ንህዝብና ወትሩ ምስ ምዕራባዊ ዓለም ከባእሶ ዝኣልሞ ተንኮላት ኣካልዚ እዩ። ህግደፍ ድሕሪ ብ2018 ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ሓድሽ ዝምድና ምእታዉ ከኣ ኣሉታዊ ዞባዊ ጽልዋኡ ወሲኹ። እቲ ዘተባብዕ ግና ብዘይካ ውሱናት ከምኡ ዝኣመሰሉ ናይ ኣረኣእያ ስንክልና ዘለዎም ወገናት ከምቲ ዝተጸበዮ ገጽ ዝሃቦ ዞባዊ ሓይሊ የለን።

ህግደፍ ክሳብ ክንድዚ ምስሊ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ሕብርተሰብ ዓለም ደዊኑን ንህዝባ ጠሊሙን፡ ዞባዊ ህውከት ክፈጥር እንከሎ፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ እውን ናይ ዓቕምና ውሱንነትን ናይ ምጽውዋር ዓቕልና ድሩትነትን ርዱእ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መድረኽ፡ “ሰብ ጉዳይ ኢና”  ክንብል ጸኒሕና  ኢና። ሎሚ እውን እቲ ዘዛርብ ብመንጽርዚ ኣብ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ግዜ ዘይህብ ምዕባለ፡ ኣድማዕነትና ትሑት ምዃኑ እዩ እምበር፡ ኣብቲ መድረኽስ ኣለና። ኣድማዕነትና ብተናጸል ዘይኮነ፡ ብሓባር ምቅላስ ጥራይ ምዃኑ ብኣተሓሳስባ ተገንዚብና ናብ ተግባር ምስጋርና ኣብ ግዜኡ “ተዓዘብቲ ዘይኮና ሰብ ጉዳይ ምዃና” ብግብሪ ዘርኣናሉ ነይሩ። ምምስራት “ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ምፖሓኤ)፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (ኤዲኪ)ን ካለኦት በብግዜኡ ክፍጠሩ ዝጸንሑ ጽምዶታትን ልፍንትታትን ከም ኣውንታዊ ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ክንድቲ ምምስራቶም ከድምዑ ዘይምኽኣሎም ድማ ክንሓዝነሎምን ክንጠዓሰሎምን ዘይኮነ፡ ክንመሃረሎም ዝግበና እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጽዓ እናገደደ ዝመጽእ ዘሎ ኮይኑ፡ ናትና  ሓቢርካ ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ምቅላስ ከኣ እንዳሓየለን እንዳሰጠመን ኣብ ክንዲ ዝቕጽል፡ ብኣንጻሩ ምርሕሓቕና ኣገራሚ እዩ።

ብ2018 ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን  ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ክሕቆን ዝጸንሐ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣሰላልፋ ተኸቲሉ፡ ሓድሽ መልክዕ ምስ ሓዘ፡ ብዙሓት ምዕባለታት ተራእዮም። ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሐ ኣርዑት ጭቆና ህግደፍ ዝያዳ ኣግዲድዎን ሓድሽ ናይ ውግእን ስግኣትን መልክዕ ኣትሒዝዎን። ነቲ ኣብ ደንብ ተቓውሞ ኤርትራ መሰረት ሒዙ ዝነበረ፡  ፍልልያትካ ወጊንካ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ኣንጻር ህግደፍ ብሓባር ናይ ምስላፍ ኣንፈት ዘይትስፉው መልክዕ ኣትሒዝዎ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ደማዊ ውግእ ኣኸቲሉ። ኣብቲ ዝተረፈ ክልላት እታ ሃገር ከኣ፡ ነቲ ኣብ ሕቑፊ ሓደ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር ተኸኣኢሉ ክጐዓዝን መሰረታት ልምዓት ክዝርግሕን ጀሚሩ ዝነበረ ኣካላት፡ ናብ ሓደገኛ ምብትታንን ሕድሕድ ምጉናጽን መሊስዎ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ኤርትራውን ኢትዮጵያውን ጸገም ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ናብ ዞባዊ ሓደጋ ይምዕብል ከም ዘሎ  ኣፍካ መሊእካ እትዛረበሉ እዩ።

እዚ ዞባዊ ሓደጋ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ንክዓርግ፡ ብግሁድ ይኹን ብስዉር ካብ ቀረባ ይኹን ካብ ርሑቕ፡ ዝዋስእሉ ብዙሓት እዮም።  ህግደፍ ከኣ ቅድሚት ዝስራዕ ተዋሳኣይ እዩ። እዚ ሎሚ ንሕና እንምስክሮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብፍላይ ድሕሪ ኢትዮጵያውያን ኣትየሞ ዘለዉ ጸገም ብውግእ ከምዘይውዳእ ተገንዚቦም፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ናይ ሰላም ስምምዕ ምፍርራሞም፡ ኣብ ምትግባሩ ህግደፍ ዓቢ ዕንቅፋት ኮይንዎም ከም ዘሎ፡ መዘራረቢ ብዙሓት ኮይኑ ስለ ዘሎ፡  ኣግሂድካ ክዝረበሉ ዘለዎ ህግደፍ ዝሓላለኾ ዞባዊ ጸገም እዩ።

እቶም ንህግደፍን ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባኡን ኣብ ምውጋድ ቀዳሞት ተሰለፍቲ ክንከውን ዝግበኣና ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ኣካላት፡ ናይ ተሰማዕነትና ድሩትነት ብዘየገድስ፡ ምስቲ ንለውጢ ብሃንቀውታ ዝጽበ ዘሎ ህዝብና ኮይና፡ “ተዓዘብቲ ዘይኮና፡ ሰብ ጉዳይ ኢና” ዝብል ድምጺ፡ ኣብዚ ዝሕቆን ዘሎ ዞባና ከነቃልሕ ይግበኣና። ብኣንጻሩ ኤርትራዊ ሓላፍነትናን ኣብ ጉዳይና ናጻ ናይ ምውሳን መሰልናን  ዘንጊዕና፡ “እገለ ምስዚኦም እዩ፡ እገለባ  ምስቲኦም እዩ” እንዳበልና፡ ተለጠፍቲ ናይ በበይኖም፡ ነናቶም ሕሳብ ዘለዎም ኣካላት ከይኮና፡ ቁመናና ኣደልዲልና ክንረግጸሉ  ኣብ ዝግበኣና ወሳኒ መድረኽ ኣለና።

ቀደም ኮነ ሎሚ፡ ዲሞክራስያዊ መትከል ብዙሕነት ተቐቢልካ፡ ፍልልያትካ ኣመሓዲርካ፡ ቀዳምነትካ ኣነጺርካ፡ ኣብ ዙርያ’ቲ ዘሰማምዓካ ኣተሓሳስባ ኣትኪልካ፡ ዝተበታተነ ዓቕምኻ ኣወሃሂድካ ምቅላስ፡ ካብቶም ብሓባር ክቃለሱ ዝግበኦም ነቲ ሓደ ዘርብሕ ነቲ ካልእ ከኣ ዘኽስር ዘይኮነ፡ ናብ ናይ ሓባር ዓወት ዘብጽሕ እዩ። ካብቲ ብዙሕ ብሓባር ናይ ምቅላስ ምስጢራትና፡ በይንኻ ከተተግብሮ ዘይከኣልካ ሓቢርካ ከተዕውቶ ምኽኣል እዩ። ሓቢርካ ኣንጻር ህግደፍ ምቅላስ፡ “መተካእታ ዘይብሉ ግደታን መዋጸኦን እምበር ምርጫ ኣይኮነን” እንብል ከኣ ካብዚ መሰረታዊ እምንቶዚ ብምንቃል እዩ።

ብሓባር ምቅላስን ውድባዊ ኮነ ሰልፋዊ ዓቕምኻ ምሕያልን ዝመጋገቡ እምበር ዝጻረሩ ኣይኮኑን። ምኽንያቱ ኣብ ሰልፍኻ ወይ ውድብካ ዝደለብካዮ ዓቕሚ እዩ ነቲ ናይ ሓባር መድረኽካ ዘሕይሎ።  ብሓባር ተቓሊስካ ንምዕዋት ውዳበታትካ ከተፍርስ ናይ ግድን ኣይኮነን። ውዳበታትና ዓቂብና ነቲ ሓቢርና ከነዐውቶ ንኽእል ኢና ኢልና ዝጀመርናዮ ተበግሶ፡ ብሰንኪ መሰረታዊ ዘይኮኑ መፈላለይ ዛዕባታት፡ ኣብ ጉዕዞኡ ሰንከልከላት ዘጋጥሞ ዘሎ ንድሕሪት ከይምለስ ሓቢርካን ዓቲብካን ምቅላስ ኢዩ።  ከምቲ በብግዜኡ እንጭረሖ ሓድሽ ህይወት ብምስራጽ ኣብቲ በዓል ህግደፍ ዝዘርግዎ ዘለዉ ዞባዊ መጻወቲ ሜዳ “ዕዉታት ሰብ ጉዳይ’ምበር ተዓዘብቲ ከምዘይኮንና”  ከነርኢ ብቃልን ግብርን ቅሩብነትና ነሕድስ።

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ከም’ቲ ዓሳ ካብ ማይ ወጺኡ ክነብር ዘይክእል፡ ህግደፍ’ውን ብዘይ ህወከትን ዓመጽን ክነብር ዘይክእል ጉጅለ እዩ። ኩነታት ሰላም ክኸውን እንከሎ ዓቕሉ ስለ ዝጸቦ፡ ህውከት ክዘርእን ዘራጊ መኻይዲ ከናድን እዩ ዝሃልኽ። ኣብቲ ናይ ”ኣጻልኡና” ወፈራኡ፡ ሰላማውን ናይቶም ንህውከት ዝዕድሞም ሓላይን ተገዳስን መሲሉ እዩ ዝቐርብ። ዋላ ግዝያዊ ይኹን እምበር፡ ኣብ በበይኑ ግዜ በዚ ዘታለሎም ወገናት ብዙሓት እዮም። ብዓብይኡ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ጌና ግዳይ ምትላሉ ካብ ምዃን ዘይተናገፈ ዘይኢዱ ዝረኸበ እዩ።  እንተኾነ ምትላል ቀጻሊ ዕምሪ ስለ ዘየብሉ፡ ዝፈሸሉ ውዲታት ህግደፍ ብዙሓት እዮም። ካብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ጀሚሩ ህግደፍ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሰልፊ ብልጽግናን ፈጢርዎ ዝጸንሐ ናይ ህውከትን ውዲትን ጽምዶ እውን ከምቲ ካልእ ውዲታት ዝበለዐ ምስ በለዐ  ዘይተርፍ ፍሽለት ዘንጸላልዎ ዘሎ ይመስል።

ከምቲ “ቁሪ ናበይ ደሊኻ ናብ ክዱናት፡ ዕሩቓትከ ንሳቶም ደኣ ትሑዛት” ዝበሃል፡  ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ደኣ ናበይ ከይከደኒ ብዝብል፡ ኣብ ከባቢ ኤርትራ ዘሎ ዞባዊ ፖለቲካዊ ሃዋህው ናብ ምብካል ካብ ዝዋፈር ነዊሕ ግዜ ኮይንዎ ኣሎ። ኣንጻር ሓደ ጽልኢ ይጽሕትር ናብኡ መኻይዲ ዝኾኖ ንምርካብ ድማ በቲ ናይ “ኣጻልኡና” ባህሪኡ መጣፍእቲ ንምርካብ ዳምዳም ይብል። እቲ ዝኣጐዶ ሓዊ መስርሑ ወዲኡ ክጠፍእ ምስ ጀመረ ከኣ፡ ካልእ ሓዊ የሳውር። ኣብዚ ዕንክሊል ንኣጀንዳ ኤርትራ ሓንሳብ ምስ ራሕረሖ ኣይዝክሮን። ከምኡ እንዳበለ ከኣ ካብቲ መንገዲ ጥፍኣት ከይወጸ የኹድድ። ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ጉዳይ ሶማሊያ መቃድሾ ምስ ኣልሸባብ ብምድንጋጽ ክሳብ ኢትዮጵያ ኢዱ  ብምስዳዱ ዞባዊ ስግኣት ኮይኑ ተባሂሉ፡ ብቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ተወሲንዎ ነይሩ። እነሆ ድማ ሎሚ ምስቲ ሓድሽ መራሒ ሶማሊያ ተዓራሪኹ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ  ምሕማስ ምእንቲ ክጥዕሞ “ኣንጻር ኣልሸባብ ምሳኻ ሓቢረ ክስለፍ እየ” ዝብል ማይ ዘይጠዓመ ወግዒ ጀሚሩ። ምናልባት እውን ብኡ ኣቢሉ ኣብ መንጎ ሶማሊያን ኣሜሪካን ዘሎ ምቅርራብ መዝሚዙ፡ ምስሉ ኣብ ቅድሚ ኣሜሪካን ምዕራባዊ ዓለምን ናይ ምዕራይ ዘይሰምር ተስፋ ይህልዎ ይኸውን።

ህግደፍ ቅድሚ 4ተ ዓመታት፡ “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ” ብዝብል ኣንጻር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ውግእ ኣውጁ። ንብልጽግና ድማ ኣካል ናይቲ ዘይቅዱስ “ኣጻልኡና” ፖሊሲኡ ንክኸውን ብዝተፈላለዩ ሜላታት ኣረሳሲኑን መንገዱ ኣስሒቱን ኣብቲ ውግእ ጠቢስዎ። ብልጽግና ንዝተወሰነ ግዜ ከማኻኒ ድሕሪ ምጽናሕ ህግደፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳዩ ኢዱ ንከእቱ ኣፍደገ ከም ዝኸፈተሉ ተኣሚኑ። ከምቲ “ውሕጅሲ እናስሓቐ  ይወስደካ” ዝበሃል ድማ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዲቕ ዝበለ ኣዕናዊ ውግእ ኣትዩ መዛረቢ ዓለም ምስኮነን እቲ ጸገም ብውግእ ከምዘይውዳእ ምስ ተረደአን፡ ዕርክነት ምስ ህግደፍ ዘስዓበሉ መዘዝ ከስተብህል ዝጀመረ ይመስል። ድሕሪ ክንደይ ቁጽይጽይ ድማ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ስሙ ደኣ ኣይጠቐስ እምበር፡ ህግደፍ ካብ ትግራይ ይውጻእ ኢሉ ስለ ዝኣመነ ምፍታሕ ከበድቲ ብረት ሓይልታት ትግራይ ዝትግበር፡ ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ብዘይካ ናይ ኢትዮጵያ ፈደራላዊ መከላኸሊ ሓይሊ፡ ኣብቲ ቦታ  ዘለዉ ኩሎም ዕጡቓትን ምስወጹ እዩ ዝትግበር” ኢሉ ከቲሙ። እቲ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ተባሂሉ ዘሎ ብዘይውልውል ህግደፍ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ንህግደፍ ዝቐጽዕ ስምምዕ ኢትዮጵያን ትግራይን፡ ንህዝቢ ትግራይ ኢሉ ዘይኮነ፡ ንገዛእ ርእሱ ክብል እዩ ክድግፎ ዝግበኦ።

ሎሚ ተግባር ህግደፍ ንኤርትራ፡ ትግራይን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዞባዊ ርግኣት እውን ሓደገኛ ምዃኑ ተነጺሩ እዩ። ብሓፈሻ ምዕራባዊ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ፡ ፖለቲከኛታት፡ ኣባላት ሓጋጊ ኣካል፡ ሰነተራትን ዲፕሎማትን ኣሜሪካ መዓልታዊ ብዝበሃል ምስ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣጐዝጒዞም ንህግደፍ ዝግስጽን ዘጠንቅቕን መግለጽታት የውጽኡ ኣለዉ። ብልጽግና እውን ጉዕዞ ምስ ህግደፍ ዘየዋጽእ ምዃኑ ተገንዚቡ ብረቂቕ ጥበብ “ሕማቕ ሰላምን ጽቡቕ ውግእን የለን” ብዝብል፡ ካብቲ ህውከተኛ መንገዲ ህግደፍ ኢዱ ይስሕብ ከም ዘሎ ባዕሉ ዝዛረብ ምልክታት ንዕዘብ ኣለና። ጉጅለ ህግደፍ ግና ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ኣዕናዊ መንገዲ ንድሕሪት ኣብ ዘይምለሰሉ ደረጃ ስለ ዝበጸሐ፡ ኩነታቱ መዚኑ ካልእ ዝሓሸ መንገዲ ደሓን ክቕይስ እትጽበዮ ኣይኮነን።

ጉጅለ ህግደፍ ምስ ብልጽግናን ገለ ሎሚ ጠጠው ኢሎም ክሓስቡ ዝጀመሩ ናይቲ ውግእ ኣስነቕትን ኣዕጠቕትን ኣካላትን ኮይኑ ዝኣጐዶ ውግእ ንድሕሪት ንከይምለስ፡ ነቲ ንዓኡ ብዘግለለ  ግና ውጽኢቱ ሕርሕራይ ገይሩ ዘላትሞ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያን ትግራይን ካብ ምዕንቃፍ ንድሕሪት ከምዘይብል ዘማትእ ኣይኮነን። እዚ እንተዘይተዓዊትሉ ድማ ሕጂኸ ምስ መን፡ ኣንጻር መንከ? ዝብል ሕቶ ከም ዝምህዝ ርዱእ እዩ። ድሮኳ ናይ ቀደም መሓዙቱ ኢትዮጵያዊ ጉጅለታት፡ በዓል ጉንበት-7ን ግንባር ሓርበኛታትን ዝኣረገ መዛግብቲ ብምግንጻል፡ ምስ ዕጡቕ ጉጅለ ፋኖ ኣምሓራን ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ትግራይ (ደምሕት)ን “ምስውስው ክብል ጀሚሩ” ይበሃል። ዕድሚኡ እንተዘይሓጺሩ ድማ እቲ መከራ ከም ኤርትራ ንኢትዮጵያ እውን ከምቲ “ምስ ዓጋም ዝተጸገዐት ቆልቋልሲ ክትነብዕ ትነብር” ዝበሃል፡ ሰላማ  ብሰንኪ ህግደፍን ንሱ ዘታልሎምን ናይ ምዝራጉ ዕድል ክፉት እዩ።

ኣብ ከባቢና፡ ምጅማር ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000ን ምኽታም ውዕል ኣልጀርስን፡ ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት “ኣይውግእ ኣይሰላም”፡ ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቅ ዝመርሖ ምምሕዳር ህግደፍን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝምድና ምፍጣሩን ካላኦት ዓበይቲ ናይ መቐይሮ መድረኻትን ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣይተጠቕመሎምን።  እነሆ ሎሚ ድማ ህግደፍ ብዝለዐለ ደረጃ ዝተዋሰኣሉ፡ ንዓለም ዘስደመመ ኣዝዩ ከቢድ ዕንወት ዘውረደ ውግእ ኢትዮጵያን ትግራይን፡ ኣብ ቅድሚኡኳ ሓያል ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል  ብደሆ ዝጽበዮ እንተኾነ፡ ብሰላም ናይ ምፍታሕ ኣቕጣጫ ናብ ዝሓዘሉ ሓድሽ ምዕራፍ ይኣቱ ኣሎ። ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና ነቶም ሓደስቲ መድረኻት ህግደፍ እዩ ኣርዑት መግዛእቱ ከም መደልደሊ ክጥቀመሎም ጸኒሑ። ሎሚኸ ነዚ ሓድሽ ምዕራፍ ህግደፍ ድዩ ከም መንጠሪ ናብ ካልእ መልክዕ ጭቆና ክጥቀመሉ? ወይስ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ኢና፡ ካብ ዝደቀስናዮ ተበራቢርና፡ ካብ ዝተረሓሓቕናዮ ተቐራሪብና፡ ኣብ ገዛእ ጉዳይና መሪሕ ግደ ክንጻወት ከም ዝግበና ተረዲናን ናይ ሓባር ቀዳምነትና ኣነጺርናን ነዚ መድረኽ ናብ ረብሓ ህዝብና ከነውዕሎ? ብጽሞና ንሕሰበሉ። እዚ ምስዘይንገብር ግና፡ እቲ ናብ ካለኦት ኣጻብዕትኻ ምቕሳር፣ ናባና’ውን ከም ዝምለስ ንገንዘብ። 

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጉጅለ ህግደፍ ካብ ምፍጣሩ ጀሚሩ፡ ንኤርትራን ህዝባን ሓደገኛ እዩ። ግብራዊ ኣፍራሲ ተግባራቱ ድማ መስካሪ እዩ። እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብተኸታታሊ ክፍጽሞ ዝጸንሐ፡ ጥልመት፡ ክሕደትን ግህሰት መሰላትን ንሓደገኛነቱ መረጋገጽቲ እዮም። ኣብዚ እዋንዚኳ ብሰንኪ ወተሃደራዊ ክተቱ ዘይምቕባሎም፡ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዜጋታት ዝወስዶ ዘሎ ግፍዓዊ ስጉምትታትን ማእሰርትን ከም ኣብነት ዝውሰድ ጨካን ተግባራቱ እዩ። ኣብቲ ቅድም: እዞም ግፍዕታት ኣብ ኤርትራ ጥራይ  ተደሪቶም ዝተርፉ ዝመስሎም ወገናት ነይሮም። እንተኾነ ኣብዚ እዋንዚ እዚ ጉጅለ ብተግር ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ዞባዊ ሓደጋ ከም ዝኾነ ንብዙሓት ነጺርሎም ኣሎ።

ህግደፍ ካብ መጀመርታኡ ሓሓሊፉ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ውግኣት ክጽሕትርን ጽልኢ ክዘርእን እንከሎ፡ ክልተ ዕላማታት ነይረምዎ። እቲ ሓደ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጣዊ ሃገራዊ ወኒኑ ዝርኢ፡ ናብ ግዳም ከም ዘማዕዱ ንምድራኹ ነይሩ። እቲ ካለኣይ ድማ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ዞባዊ መልክዕ ንምትሓዝን “እቲ ጸገም ኣባና ጥራይ ኣይኮነን” ብዝብል መሰነይታ ንምርካብን ነይሩ። እቲ ጉዳይ ኣብ ርእሲኦም ዘይበጸሖም ናይ ቀረባን ርሑቕን ሓይልታት፡ ተግባራት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዝድረት እምበር፡ መሊኡ ናብኣቶም ከም ዝፈስስ ይርድእዎ ኣይነበሩን። ካብዚ ነቒሎም ብንቡር ዝመርሕን ጉዳይ ህዝቢ ዝዓጦን ስርዓት መሲልዎም፡ ምስኡ ናይ ዝምድና ውዕል ዝኽትሙን ንዝተወሰነ ግዜ ዝተጠቕመሎምን ነይሮም። ድሕሪ ዝተወሰነ ግና እቲ ኣብ ኤርትራ ዝጀመረ ኩሉ ዓይነት ዓመጽን በደልን ኣብ ረርእሶም’ውን ምስ ወረደ፣ ጸጸግዖም ዝሓዙ ነይሮም። ሱዳን፡ የመንን ጅቡትን ብዓብይኡ ድማ ኢትዮጵያ ናይዚ ኣብነት እየን።

ኣብቲ መጀመርያ መድረኽ ድሕሪ ናጽነት፡  ህግደፍን ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዝነበረ ግንባር ኢህወደግን ጥቡቕ ዝምድና ነይርዎም። ናይዚ ግዝያዊ ጥቡቕ ዝምድና ግዳይ ዝኾኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ከኣ ውሑዳት ኣይኮኑን። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ግና  “ክቱርያ ፍቕርስ ሕሱም ጽልኢ ይፈጥር” ከም ዝበሃል፡ እቲ ዝምድና ብዙሓት ኣብኡ ክበጽሕ እዩ ኢሎም ብዘይተጸብይዎ ሃንደበት ናብ ናይ 1998-2000 ዘስካሕክሕ ደማዊ ውግእ ተሰጋጊሩ። ክሳብ ሎሚ በሰላኡ ዘይሓወየ ዕንወትን ጽልእን ድማ ኣኸቲሉ። ህግደፍ ነቲ ኣብቲ ውግእ ዝወረደ ስዕረትን ዕንወትን፡ ዝያዳ ቂም ሒዝሉ እምበር ኣይተማህረሉን። በዚ መሰረት ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት ኣብ ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ዝምድና ምጽናሕ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ2018 ናብ  ሓድሽ ግና ድማ  ትሕዝቶኡ ዘይፍሉጥን ዘይግሉጽን ምዕራፍ ዝምድና ኣትየን። ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ድማ፡ ነቲ ኣይኮነንዶ ክትደግሞስ ክትዝክሮ’ውን ዘስካሕክሕ  ተመኩሮ ውግእ 1998-2000 ክደግምዎ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ጀመሩ።

ኣብ 2018 ምስ ህግደፍ ካብ ዝተዛመዱ  ኢትዮጵያዊ ወገናት፡ ነቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከውርዶ ዝጸንሐ ርኡይ በደላት ስለ ዘየቕለብሉ ወይ ድማ ተግባራት ዲክታተር ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ተደሪቱ ዝተርፍ እምበር ናብ ዝረገጾ መሬት ከም ዝልሕም ገይሮም ስለ ዘይተረድእዎ ኣጣቒዐምሉ። ብሄር ኣምሓራን ገለ ተቓወምቲ ኮይኖም ኣንጻር ኢህወደግ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ውድባትን  ናይቲ ግርህነት ግዳይ ዝኾኑ እዮም። ብኣንጻሩ ነቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከውርዶ ዝጸንሐ በደላት ተረዲኦምን ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይጠቐመ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዘይኮኖ ተገንዚቦምን “ብዛዕባዚ ዘይብሱል ዝምድና ሕሳብና ንግበር” ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ወገናት እውን ነይሮም። ብወገን ክልል ትግራይ ዝነበረ ትኩር ኣጠማምታ ናይዚ መርኣያ እዩ።

ሓደገኛነት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ፈሲሱ ኣብ ጐረባብቲ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኪነኡ ክሳብ ሶማልያን ካለኦት ዞባውያንን መልከዓቱ እናቐያየረ ዝምጠጥ እዩ። ክሳብ ሎሚ ዘይጠዓየ ዝምድናኡ ምስ ኢጋድ ንኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እዚ እዩ ድማ ንሓደገኛነት ጉጅለ ህግደፍ ዞባዊ መልክዕ ዘትሕዞ። ወዮም ንናቶም ሕዱር ህርፋን፡ ብናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ “ሓደ ህዝቢ ኢና፡ ኣይከሰርናን፡ ሰላሳ ዓመታት ትርጉም ኣብ ዘየብሉ ኣባኺና፡ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ክመርሕና እዩ”  ብዝብሉ ሓረጋት ተሃራሪፎም በቲ ግጉይ መንገዲ ነዊሕ ተጓዒዞም እዮም። ክንድቲ ዝኸድዎ ርሕቀት ከኣ ጉዳዮም ኣብ ሓደጋ ወዲቑን ተሓላሊኹን። ኣብቲ ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ ኢትዮጵያ-ትግራይ ጥራይ ዘይኮነ፡ መስርሕ ሰላሞም’ውን ክሳብ ክንደይ ብሰንኪቲ ሓደገኛ ውዲት ህግደፍ ክተሓላለኽ ከም ዝኽእል ምርዳኡ ዘጸግም ኣይኮነን።

ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ  ነቲ ኩነታት ዞባዊ መልክዕ ንምትሓዙ ኣገዲዱኒ ካብ ዝብሎም ምኽንያታት ሓደ ምውሓስ ልኡላውነት ኤርትራ እዩ። እንተኾነ ኣብዚ እዋንዚ ኮነ ኢሎም ርእዮም ከምዘይረኣዩ ክኾኑ ንዝደለዩ ውሑዳት ዕዉራት ደገፍቲ ህግደፍ እንተዘይኮይኑ፡ በዚ ዘይርትዓዊ ምኽንያት ንማንም ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዝውንን ከእምን ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ምዕቃብ ልኡላውነትን ህግደፍ ዝኸዶ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ዕንደራን ፈጺሞም ዝዛመዱ ኣይኮኑን። ምናልባት ነቲ ኣብ ፈቐዶ ኣዳራሻት ኢትዮጵያ ባዕሉ ተጠሊዑ ዝበሎን፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ህርፋን ዓባይ ኢትዮጵያ ከም ዘለዎ ዘመልክት ዘቕርብዎ ዘለዉ ታሪኽ ጠቀስ ምስክርነትን፡ እቲ ቀንዲ ንኢሳያስ ዝህውጾ ዘሎ፡ ኤርትራ ንኢሳቶስ ምስ ኢትዮጵያ ደሚሩ ኣስታት 126 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ዓባይ ሃገር ኢትዮጵያ  ናይ ምምራሕ  ሕልሚ ከይህልዎ ግምት ዝወሃቦ እዩ።

ኢሳያስ ክሳብ ሎሚ ኣዘራራብን ዘይግሉጽን ኮይኑ ዘሎ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ኢድ ምእታዉ ከይኣኽሎ፡ ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣብ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያውያን ክልል ትግራይን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣሉታዊ ታራ ይጻወት ምህላዉ ዞባዊ ሓደገኛነቱ ዘርኢ እዩ። ኣብ ጉዳይ ሩሲያን ዩክረይንን ኣንጻር ውጹዓት ዩኩረናውያን ምስላፉ እውን ምስዚ ደሚርካ ዝረአ እዩ። ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ “ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝውሰድ ስጉምቲ ብዞባዊ ረብሓ ኣሜሪካ ዝቃነ እዩ” ዝበሎ’ውን መልእኽቱ ረዚን እዩ።

ስለዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ እዋንዚ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ዘባዊ ሓደጋ’ውን እዩ። ንምውጋዱ ዝግበር ቃልሲ ድማ ዞባዊ ባህሪ ከም ዝህልዎ’ውን ርዱእ እዩ። እቲ መሪሕ ግደ ናትና ናይ ኤርትራውያን ምዃኑ ግና ኣይንዘንግዕ።

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብሕፈሻ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ካብ ዘጋጥም፡ ብፍላይ ድማ እቲ ምስሕሓብ ናብ ደማዊ ውግእ ምስ ተሰጋገረ፡ ኤርትራውያን ብዛዕባኡ ክንመያየጥን መርገጻትና ኣብቲ ጉዳይ ክንገልጽ ጸኒሕና ኢና። ክሳብ ክንድዚ ከም ኣጀንዳና ክንሕዞ ዘገደደና ከም ጐረቤት ስለ ዝጸልወና ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ህግደፍ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዘይጉዳዮም ኣትዮም ዝረገፍሉ ስለ ዝኾነን ህግደፍ ኣብ ዝኣተዎ ኣቲና ተግባራቱ ከነቃልዕ ናይ ግድን ስለ ዝኾነን ኢና።

ናይ ህግደፍ ኣብ ዘይጉዳዩ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ-ትግራይ ምእታዉ፡ ኤርትራውያን ብፍላይ ኣብ ዲያስፖራ ኣብ ኣመዛዝናኡ ክፈላልየና ከም ዝጸነሐ  ንኹልና ብሩህ እዩ። ኣብ መንጎ እቶም፡ በቲ ሓደ ወገን “ትግራይ ትስዕር” በቲ ካልእ ወገን ድማ “ምስ ሰራዊትና” ክጭርሑ ዝጸንሑን ጌና ዘለዉን  ዝተራእየ ምውጣጥ ቀሊል ግምት ዝወሃቦ ኣይኮነን። ኣብ’ቲ “ብዘይካ ናተይ ካልእ ቅኑዕ ምርጫ የለን” ክብል ዝጸነሓ ናይ ብዙሓት ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ዝቐየረ ናይ ኣተሓሳስባ ምውጣጥ  እንፈልጦ እዩ። እዚ ናይ ፕሪቶርያ ናይ ሰላም ስምምዕከ ኣብ ኤርትራውያን ሓድሽ ኣሰላልፋዶ የምጽእ ኣየምጽእን ድማ ኣብ መጻኢ እንርእዮ እዩ፡  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ካብ ሳልሳይ ጠቕላላ ጉባአኡ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻቱ ዘንጸባረቖም ሓሳባትን ብዝተፈላለዩ ትካላቱ ብዘመሓላለፎ ውሳነታትን እቲ መፍትሒ ኣብቲ ጫፋት ከምዘየለ ተገንዚቡ ብኣጋኡ ሰላማዊ መፍትሒ ኣሚቱ እዩ።

እቲ ውግእ ምስ ጀመረ ከይደንጐየ፡ ብደረጃ ማእከላይ ባይቶኡ ናይ ዶር. ኣቢዪን ኢሳያስን ሽርክነት ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንዅንን። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ስለዝዀነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ: ብዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት፡ መንግስታት፡ ሃይማኖታዊ ትካላትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ዝዀና ማሕበራትን፡ ነዚ ውግእ ጠጠው ንምባል ዘቕርብዎ ዘለዉ ጻውዒት ሰላም እናደገፍና፣ ብፍላይ ድማ፡ እዚ ሕጂ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ወሲዱዎ ዘሎ ናይ ዕርቂ ተበግሶ ኩሎም ወገናት ክቕበሉዎ ነማሕጽን። ኣብ ክሊ ምዕባሌታት ውግእ ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ስደትን ምዝንባልን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዕቱብ ኣቓልቦ ክህበሉ፡ ንኹሎም ስደተኛታት ዝምልከት ሓልዮትን ሰብኣዊ ረድኤትን ድማ ከበርክት ማእከላይ ባይቶ  ምሕጽንታኡ የቕርብ።  ዝበሎ ምስዚ ሎሚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን በጺሖሞ ዘለዉ ስምምዕ ሰላም ኣገናዚብካ ክረአ እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ኣርሒቑ ዝጠመተ  ርትዓዊ ርኢቶ ከም ዝነበረ ምርዳኡ ኣየጸግምን። ሽዑኳ  ከምቲ ዝድለ ሰማዒ እንተዘይነበሮ፡ ሎሚ ናብኡ ምምላሶም ምሉእ ዳኣ ይግበሮ እምበር፡ ዘሓጉስን ዝድገፍን እዩ።

ብዛዕባቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ኣፍካ መሊእካ ንምዝራብ ናይቶም ብቐጥታ ዝምልከቶም ሰብ ጉዳይ ዝርዝር መብርሂታት ምጽባይ ዘድልዮ እዩ። ብውሕዱ ግና “ንወያነ ካብ ገጽ ምድሪ ምጥፋእ” ዝብል ጭረሖ ኣምሪሑ፡ ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ተዓራሪኹ፡ ናብ ፖለቲካዊ ማዕበል ኢትዮጵያ ኢዱ ሰዲዱ ኣብ ውግእ መንእሰያት ኤርትራ ዘወደአ ህግደፍ ቀዳማይ ተሰዓሪ ምዃኑ ርኡይ እዩ። ምኽንያቱ ወያነ ቅድም ብውግእ ደሓር ብስምምዕ ሰላም ህልውናኡ ስለ ዘውሓሰ። ኣብቲ ኢሳያስ እንተተኻኢሉ ከይካየድ፡ እንተተኻይዱ ድማ  በዓል ጉዳይ ኮይኑ ኣትዩ ከምክኖ ከንባህቖሉ ዝጸንሐ ዘተን ስምምዕን፡ ስም ኤርትራ ዘይምጥቃሱ፡ ናይ ህግደፍ ክብደትን ተፈራሕነትን ዘርኢ ኣይኮነን። ኣብ ዘይጉዳዩ ኣትዩ ዝጸንሐ  ዘራጊቶ ምዃኑ ከም ዝተመዝነ ዘርኢ እዩ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ወያነ ክሳብ እትጠፍእ ንዋጋእ” ዝብል ሃላሊ ምኽሪ ኢሳያስ ዘየዋጸኦ ምዃኑ ፈሊጡ፡ ዘዋጸኦ መንገዲ ዘተን ሰላምን ምምራጹ እውን ካልእ ህግደፍ ከም ዝተሳዕረ ዘርኢ መረዳእታ እዩ። በቲ ስምምዕ መሰረት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን  ሓላው ዶብ ሰራዊቱ ምስ ኣስፈረኸ፡ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ኣብ ዘይጉዳዩ ኣትዩ ከም ዝጸንሐ ይርደኦዶ ይኸውን?፡  ከምዛ ሓጻር ጣፍዶ ምሉቕ ኢሉ ይወጽእ ወይ ኣንጻርቶም ከእንግዶም ዝጸንሐ ሰራዊት ፈደራል ይዋጋእ ክረአ እዩ። መሓዙቱ ፋኖ ግና በቲ ስምምዕ ከምኡ ቆዘምቲ ምዃኖም ምልክታት የርእዩ ኣለዉ። እቲ ሓቁ እምበኣር “ክረኣያ ክብላስ  ይእረያ” እዩ።

ክልቲኦም ኢትዮጵያውያን ወገናት ናብቲ ዘተ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ሒዘሞ ዝቐረቡ ርኢቶታት ዝተረሓሓቐ ምንባሩ ዝተዓዘብናዮ እዩ። እቲ ዝኸተምዎ ስምምዕ ግና ንናይ ሓዲኦም ርኢቶ ጥራይ ዘንጸባርቕ ዘይኮነ፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ዝተወስደ መዋጸኦ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ምዝታይ ማለት እንካን ሃባን ሰለ ዝኾነ። ምስዚ ኩሉ ብክልቲኦም ወገናት ሰለምንታይ ናትና ርኢቶ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ስምምዕ ተቐባልነት ኣይረኸበን ዝመንቀሊኡ ተቓውሞ ከም ዘጋጥሞም ዝጽበይዎ እዩ። ስለዚ ካብቲ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ዝኸፈልዎ ዋጋ ዘይንእስ፡ ተቐቢሉ ዘተግብር ባይታ ንምፍጣርን ውሑስን ቀጻልን ሰላም ንምርግጋጽን ካብ ምምካት ሸርሕታት ህግደፍ ጀሚርካ ዝጽበዮም ሓያል ብደሆታት ከም ዝህሉ ምልክታት ይቕልቀል ኣሎ።  

በቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ እገለ ከሰበ እገለ ከሰረ ዝብሉ ክርከቡ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ በዚ ውግእዚ እናሞተን እናተቐንዘወን ዝመጸ ህዝቢ ቀንዲ ተረባሒ ናይዚ ስምምዕ ክኸውን እዩ።  በዚ መንጽር ብልኡላውነት ኤርትራ እናተመጻደቐ ልኡላውነት ካለኦት ምድፋር ከም ሓላል ዝወስድ ህግደፍ ምስቶም ኣስኪርዎም ዝጸንሐ ኣካላት ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ከሳራይ እዩ። እቶም ተዛትዮም ኣብ ስምምዕ ዝበጽሑ ወገናት ግና ብሚእታዊት ሓሲብካ እገለ ክንድዚ ከሲቡ እገለ ድማ ክንድዚ ከሲሩ ዝበሃሃሉ ዘይኮኑ፡ ብውሕዱ ዋላ ንሓንቲ ማዓልቲ ትኹን ህይወት ወገናቶም ካብ ህልቂት ብምድሓኖም  ከሰብቲ እዮም። ማእከላይ ነጥቢ ስምምዖም ሕገመንግስቶም ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ኣብቲ ክኾነሎም ክምነይዎ ዝጸንሑ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ክኸውን ዝግበኦ እዮም ተሰማሚዖም ዘለዉ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ክልተ ዓይኒ ምርኣይ ኣይቅኑዕን እዩ። ምስዚ ኩሉ እቲ ጉዳይ፡ ቀንዲ ዋኒን ኢትዮጵያውያን እዩ። ኤርትራውያን ድማ ቀዳምነትና ኣጽኒዕና ዋኒንና ንግበር።

ህዝቢ ትግራይ ንኹሉ ዘጋጠሞ ሞት፡ ምምዝባል፡ ጥሜትን ብኩራት መሰረታዊ ነገራትን ተጻዊሩ ስኑ ነኺሱ ፈልከት ከይበለ ኣብ ጐኒ ደቁ ኮይኑ ዘርኣዮ ጽንዓትን መኸተን ኣብዚ ስምምዕ ንምብጻሕ  ኣስተዋጸኦኡ ልዑል ሰለ ዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ጥልመትን ብደዐን ህግደፍ ንምስባር ክመሃረሉ ዝግበኦ ተመኩሮ  እዩ። ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ እውን ካብዚ ጌና ኣብ መስርሕ ምትግባር ብደሆታት ዝጽበዮ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያውያን፡ ንመሃሮ ሕድገትን ምጽውዋርን ከም ዝህሉ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ኣብ ደውታ ኣትዩ ዝጸንሐ መስርሕ ምፍጣር ናይ ሓባር መድረኽ፡ ኣበራቢርና ናብ ግብራዊ ስራሕ ንእቶ። እንተ’ቲ “ቀጻሊ ሰላም  ብዘተ’ምበር፡ ብወግእ ኣይረጋገጽን” ዝብል ሓሳብ ህያው እዩ።

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓ ባዕዳውያንን መለኽቲ ደቂ ሃገርን፣ ንሞትን ውርደትን ካብ ዝቃላዕ ወለዶታት ኢዩ ሓሊፉ። እቲ ኣዚዩ ዝመረረን ዘሕዝንን ህይወት፡ ሞትን ውርደትን ኣጋጢምዎ ዘሎ ግን ካብ ኣብራኹ ብዝወጹ ደቁ ዝወርዶ ዘሎ ኢዩ። ካብ ባዕዳውያን ብዘይካ ሞትን ውርደትን ትጽበዮ የለን። ብቀንዱ እቲ ንቃልስና ኣበጊሱ ክቡር መስዋእቲ ክንከፍል ዝገበረ ንሱ ኢዩ ነይሩ። ንባዕዳዊ ሓይሊ ስዒርና ሃገርና ጨቢጥና ብሰላም፡ ራህዋን ፍትሕን ክንነብር ሕልምናን ብመስዋእቲ  ከንነረጋግጾ ዝወጠንናዮ ዕላማን ነይሩ።

“ጣዕሚ ማይ ዝፈልጦ፡ እቲ ዝጸምአ ኢዩ“ ከም ዝበሃል፡ ናይ ውግእ ጉድኣትን ምረትን ዝፈልጥ ከኣ እቲ ብእኡ ዝሓለፈ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብነዊሕን ተኸታተልትን መረርቲ ውግኣት ዝሓለፈ ኢዩ። እዚ ካብ ግዝኣት ጣልያን ኣትሒዝና ኣብ ልዕሊ ሃገርና ክወርድ ዝጸንሐ በደላት ክንጽብጽቦ እንኽእል ሓቂ ኢዩ። ኣብ ዘይጉዳዩን ኣብ ዘይጠቕሞን፡ ግዝኣቶም ንምስፍሕፋሕን ንምድልዳልን ምስ ኢጣልያ ተዓስኪሩ  ኣብ ሊብያን  ኢትዮጵያን ኣደዳ ሞት፡ ምርኮን ውርደትን  ምዃኑ ብምረት ዝዝክሮ ኢዩ።

እዚ ናይ ሞትን ውርደትን ሰንሰለት ድሕሪ ሃገራዊ ናጽነት እውን ብዝያዳ ገዲዱን መወዳእታ ስኢኑን እምበር ኣየኽተመን። ስርዓት ኢሰያስ “ሎሚኸ መን ተሪፉኒ ኣሎ?” እናበለ፡ በብተራ ምስ ኩለን ጎረባብትና ሃገራት ተጻብኦ ጻሕቲሩ ናብ ኲናት ኣትዩ። ኣብ ህንጸት ሃገር ከተኩር ንዝነበሮ ዓቕሚ ህዝቢ ኣብ ውግእን ሳዕቤናቱን ኣጥፊእዎ። ንውግእ ከም ቀንዲ ውራይ ብዝወሰደት ሃገር ክትምዕብል ከምዘይትኽእል ኤርትራ ብቕዕቲ ኣብነት ኢያ። ብቑጠባ፡ ብትምህርቲ፡ ብመሰረተ ልምዓትን ብቁጽሪ ህዝብን ካብ ዝነበረቶ እናንቆልቆለት ትኸይድ ከምዘላ እቲ ንኹሉ ጉዳያታ ንበይኑ ዓትዒቱ ሒዙዎ ዘሎ መራሒኣ’ውን ባዕሉ ደጋጊሙ ዝገልጾ ሓቂ ኢዩ።

ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣብ ሰላም ክነብር ዘይክእል መራሒ ኢዩ። እዚ ኩሉ ኣብ ውሽጢ ሰላሳ ዓመታት ዝወልዖ ውግኣት ኣብ ጠርጴዛ ብዘተ ክፍታሕ ዝኽእል ኢዩ ነይሩ። ብመንጽርዚ ብርሰትን ዕንወትን ደኣ የስዕብ  እምበር፡ ብውግእ ዝተዛዘመ ሽግር ኣብ ተመኩሮ ኣይነበረን። ኢሰያስ ንሃገሩን ህዝቡን ዘይሓሊ መራሒ ኮይኑ’በር ካብዚ ተመኩሮዚ ንላዕሊ መምሃሪ ስለዘይህሉ፡ ካብኡ ተማሂሩ ንውግእ ክጽየኖ ምተገብአ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልተ ዓመቱ ኣቑጺሩ ዘሎ ደማዊ ውግእ፡ መንቀሊኡ ፖለቲካውን ሕገመንግስታውን  ስለዝኾነ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክረክብ ዝነበሮ ኢዩ። ህዝቢ በዚ ደረጃዚ ክሞተሉ፡ ክበሳበሰሉን፡ ንብረትን ምዕባለ ሃገሩን ዝዓንወሉን መመኽነይታ የብሉን። ኣብ ጠረጴዛ ዘተ ክፍታሕ ውን ናይ ኩሎም ደለይቲ ሰላም ጸዋዒት ኮይኑ ዘሎ ኢዩ። ግደፍዶ ሃልሃልታ ናይቲ ውግእ ዝትንክፎም ኣካላት፡ ብማዕዶ በቲ ዝወርድ ዘሎ ሞትን ዕንወትን ኣስካሕኪሖም ንሰላም ዘእውዩ ዘለዉ ብዙሓት ኮይኖም እዮም። እዚ ብዘተ ንምዝዛም እቲ ውግእ ተታሒዙ ዘሎ ጽቡቕ ኣንፈት ኢዩ ክበሃል ይከኣል።

ጠቕሚ ኤርትራ እዚ ውግእዚ ዓሪፉ፡ ኢትዮጵያ ሰላም ክትከውን እንከላ ኢዩ። ናይ ኤርትራ ኣብዚ ውግእዚ ምእታው ናይ ውልቀ መላኺ ኢስያስ ዕንደራ፡ ናይ ስልጣን ጥሙሓትን ህልኽን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ድሌት ኢሰያስ ንምርዋይ ይመውት፡ ንብረቱ ይባኽንን ሃገሩ ትበርስን ኣላ። ፋሽስቲ ጣልያን ቅድሚ 90 ዓመታት ንኣቦሓጎታትና ናብ ትሩቡሊ ውሲዱ ኣደዳ ሞት ከም ዝገበሮም ሎሚ ድማ ውልቀ መላኺ ኢስያስ ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ኢትዮጵያ ጠቢሱ መንእስያትና ንሞትን ውርደትን ኣቃሊዕዎም ኣሎ። ኤርትራዊ ሃብቲ ይባኽን ኣሎ። ኣብ ክንዲ ንዕብየት ሃገርን  ዝሕሰብን ዝጉስጎስ፡ ብኸመይ እዚ ንኤርትራ ዘይምልከት፡ እኳ ደኣ ዝያዳ ዝጐድኣ ውግእ ንኸይዓርፍ ይጉስጎስ ኣሎ።

ኣብ ዞባና ሰላም ክነግስ፡ ኣብ ጐኒ ፍትሒ፡ ሰብኣዊ ክብርን ልዑላውነት ሃገራትን ጠጠው ክንብል ይግበኣና። ኣብ ውሽጢ ሃገርና ንዘሎ ነዚ ክብርታትዚ ዝግህስ ዓማጺ ስርዓት ብዝለዓለ ደረጃ ንቃለሶ። ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዝለመዶ ኢዩ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዝዘርግ ዘሎ። ብደቂ ህዝብን ሃብቲ ህዝብን ሃገርን ነዚ በደልዚ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ህዝቢታት እውን ክፍጽሞ እንከሎ  ድምጽኻ ሓቢእካ ሱቕ ኢልካ ምርኣዩ ገበነኛ ምትብባዕ እዩ።

ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ተጀሚሩ ሎ ናይ ሰላም ዝርርብ፡ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዘሎ ደማዊ ውግእ ኣዕሪፉ ኣብ ዞባና ሰላም ንከስፍን ናይ ደገፍ ድምጽና ከነስምዕ ግቡእን ግዴታን እዩ። ምኽንያቱ ካብ ሰላም ተረባሕቲ ስለዝኾና። ኣብቲ ዝርዝር ጉዳያት ከይተኣትወ ብቐዳምነት እቲ ምፍሳስ ደም ጠጠው ክብል፡ ኤርትራ ካብ ዘይምልከታ ውግእ ኢዳ ከተውጽእ ሕጂ’ውን ከም ቅድም ንጽውዕ ኣለና። ከምዚ መርገጽ እንሕዝ ድማ ንካልኦት ደንጊጽና ዘይኮነ  ምእንቲ ሰላምን ቅሳነትን ህዝብና ኢልና ኢና። መንግስቲ ኢሰያስ እዚ ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ክገብሮ ዝጸንሐን ዘሎን ዕንወትን ዕንደራን ኢዩ። ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ክመውት ዝጸንሐን ዝመውት ዘሎን ውሒድዎል፡  መንእሰይና ናብ ውግእ ትግራይ ወሲዱ ኣደዳ ሞት፡ መውጋእትን ምምራኽን ምግባሩ፡ ብዝኾነ መለክዒ ተቐባልነት ዘለዎ ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ብዝኾነ መንገዲ፡   ክምከትን ክሰዓርን ዘለዎ ህውከተኛ መደብ ስርዓት ኢሰያስ ስለዝኾነ፡ ኩልና ደቂ ሃገር ደለይቲ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ብሓባር ክንቓወሞ ዘለና ኢዩ።

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ ብዝሓለፎን ዝሓልፎ ዘሎን ኩነታት ርቡሕን ሕጉስን ኣይኮነን። ናይ ዘይምርብሑን ዘይምሕጓሱን መሰረታዊ ጠንቂ ድማ፡ ኣብ ኣርዑት ዋኒን ህዝቢ ዘይዋኒኑን ኣብ ስልጣን ምቕጻሉ ጥራይ ቅድሚት ዝሰርዕን ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ ምጽማዱ እዩ። ዝርዝራዊ መግለጺ ናይቲ ንህዝብና ዘየቕስኖን ዘየሕጉሶን ኩርኳሕ ሰፊሕ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ንህልውናኡ ከም ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ዘስግእ ኮይኑ ዘሎ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ናብ ከምዚ ደረጃ ዘውደቖ ምምሕዳር ህግደፍ ንዝተወሰነ ግዜ ተጸሚሙ ዝሓሸ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት ከምጽኣሉ ተጸብይዎ እዩ። እንተኾነ እቲ ምጽማሙ ነቲ ዝኸፈአ ናብ ኣዝዩ ዝኸፈአ ዝወስድ እምበር ራህዋን መስተርሆን ዘምጽአ ኣይነበረን። ኣብ መስርዕ ቃልሲ ኣንጻር ምምሕድር ህግደፍ ክኣቱ ከኣ ግድን ኮይንዎ። እንተኾነ ቃልሱ ኣንጻርቲ ጉጅለ ውሁድን ውዱብን ስለ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዝደለዮ ግዜ ዝተጸበዮ ለውጢ ከመዝግብ ኣይበቐዐን። እቲ ዝበረኸ ኣንንጻር ህግደፍ ክስመዖ ዝግበኦ ናይ ቃልሲ ድምጺ ናይ ምፍጣር ጻዕሩ ግና ቀጺሉ። ክሳብቲ ጸዊዑ ዘስምዕ ወቒዑ ዘድምዕ ድምጺ ዝፈጥር ቃልሱ ክቕጽል ግድን ስለ ዝኾነ፡ ሎሚ እውን ብኽንድቲ ክብርኾ ዝነበሮኳ እንተዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቃልሲ ዓዲ ኣይወዓለን።

ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ “ርእዩ ከምዘይረኣየ፡ ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ”  ስቕታኡ ስለ ዝደንደኖ፡  ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጣዊ ዘቤታዊ ዋኒኑ፡ ናብ ደገ ከም ዘመዓዱ ናይ ምግባር ሓደገኛ ኣጀንዳኡ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ቀጺልዎ። ምስ ሱዳን፡ የመንን ጅቡትን ዘካየዶም ዘይግሉጽ ዝምኽንያቶም ውግኣትን ኣንጻር ንናጽነት ኤርትራ ዘበርከታ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ዝጽሕትሮ ዝነበረ ጽልኢ ዕላማኡ ምድህላልን ኣቓልቦ ምቕያርን እዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኩሉ ጸይቅታት ህግደፍ ዝህቦ ዝነበረ ግብረ-መልሲ ስቕታ ምዃኑ ድማ፡ ኣንጻር ኢትዮጵያ ናይ ክልተ ዓመታት ደማዊ ውግእ ኣባሪዑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ሞት፡ ምዕናው ንብረትን ካብ መነባብሮኻ ምምዝባልን ገይርዎ። ዘየሰሓሕብ መሬት ኤርትራውን ኣግሂሱ። ነዚ ዝጻረር ሓያል ድምጺ ህዝቢ  ብእዋኑ ኣይተሰምዐን። እዚ ስቕታዚ እውን ንህግደፍ በቲ ኣፍራሲ መንገዱ ንክቕጽል ዘሻደኖ ተመኩሮ እዩ።

ውግእ ምስ ኢትዮጵያ 1998-2000፡ ብፍላይ ኣብቲ እዋኑ ናይ ኤርትራ ዶብን ልኡላውነትን ንምዕቃብ ከም ዝተኻየደ ኣምሲልካ ኣመላኺዕካ  ተገሊጹ እዩ። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ግና ናይ ጉጅለ ህግደፍ ህልኽ፡ ቂምን ኣብ ስልጣን ምቕጻልን ዝደረኾ  ጸላእቲ ናይ ምዕዳም ወልፊ ምንባሩ ተቓሊዑ እዩ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ባዕሉ “ህዝቢ ኤርትራ ክልተሻብ ተዛሪብካ ኢሉ ኣይሓተንን እዩ” ብዝብል ንዕቀትን ብደዐን ተጠሊዑ ደጋጊሙ  “እቲ ውግእ ናይ ዶብ ኣይነበረን” ክብል ተሰሚዑ። ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ምጥራር ዶብ ክዛረበሉ ዝኽእል ኩነታት ተፈጢሩ ኣብ ዝተባህለሉ መድረኽ እውን፡ ቀዳምነቱ ምጥፋእ መሪሕ ውድብ ትግራይ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) እምበር ጉዳይ ምምልካት ዶብን ልኡላውነትን ከምዘይነበረ ጸቒጡ ንምጥቃስ “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታ እዮም ዝብሉ ታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጡ እዮም” ኢሉ ሓጪጩ እዩ። እቲ ዘገርም ግና ሎሚ እውን ከምቲ “ብዘበን ውበ ዝጸመመ፡ ውበ ክብል ነበረ” ዝበሃል ነቲ ኢሳያስ ዝጠንጠኖ ጉዳይ ልኡላውነት ከኳማስዑን ብኣኡ ከመኻንይሉን ዝውዕሉ “ደገፍቱ ኢና” በሃልቲ ምህላዎም እዩ።

 ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000፡ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን መልክዕ ሒዙ ምስ ተወገነ’ “ደጊም  ሕሳብና ንግበር፡ ናብ ውሽጣዊ ኤርትራዊ ህዝባዊ ጉዳያትና ነድህብ” ንዝበሉ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ብዘይምሕረት ኣሲሩን ሰዊሩን። መማረጺ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ኣብ ምቕራብ ተስፋ ተነቢሩለን ንዝነበራ ዕሸል ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዳግማይ ከምዘይትንሰኣ ዓጽይወን። ነቶም ዝኣሰሮም እሞ ካብ ቀደም ከይወዳደርዎ ዝሰግኦም ዝነበረ ፖለቲከኛታት በብዓይነቱ ናይ ክድዓት ኣስማት ጠቂኑን ብዘይንሕስያ ኣጸሊሙን ካብ ህዝቢ ክንጽሎም ብምሉእ ዓቕሙ ጽዒቱ። ኣብቲ ኩነታት ሓያሎ ደገፍቱ ኤርትራውያን   ኣብ ክንዲ ኣብ ጐኒ’ቶም ኣንጻር ምምሕዳር ኢሳያስ ዓገብ ዝበሉ፡ ግዳያት ማእሰርቲ ዝኾኑ ዝስለፉ፡ ነቲ ናይ ህግደፍ ክስን ጸለመን ኣራጒዶም ረብሓኦም ዝጻረር ድምጺ ኣስሚዖም። ህግደፍ “ብወያነን ምዕራባውያንን ዝተገዝኡ ከደዓት” ኢሉ  ክኸሶም እንከሎ ዘሰነይዎ ኤርትራውያን ነይሮም።  ሎሚ እውን ከምቲ “ዋላ ትንፈር እምበር፡ ጤል እያ” ዝበሃል፡ ናብ ውነኦም ዘይተመልሱን ከየመዛዘኑን ዘዝበሎ ዝደግሙ ዳመቕቲ ህግደፍ ኣለዉ።

እዚ ሸፋጢ መንገዲ ህግደፍ፡ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ተስፋ ዝነበሮ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ንድሕሪት መሊስዎ እዩ። ብኣንጻሩ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዝሃልል ዘሎ ጉጅለ በቲ መንገዲ፥ ዕንወት፡ ክሕደትን ወጽዓን ክቕጽል ኣተባቢዕዎ። እነሆ ከኣ ክሳብ ሎሚ መመሊሱ ከጋድድ እምበር ናይ ምምሕያሹ ምልክት ኣየርኣየን። ከም ኣብነት ናይዚ ሎሚ ሓደጋኡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዳርጋ ተለሚዱ፡ ሓደገኛነቱ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሓደገኛ ኣጀንዳ ኮይኑ ክውገዝን ክኹነንን ንከታተሎ ኣለና። ብሓፈሻ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዘሎ ካብ ምብራስ ንብረትን ትካላትን ጀሚርካ ክሳብ ሰብኣዊ ጽንተት ይፍጸም ምህላዉ ዘሰከፎም ኩሎም ወገናት፡ ሰላማዊ መፍትሒ ክርከብ ክምሕጸኑ እንከለዉ፡ “ሓይልታት ኤርትራ ካብ ውግእ ኢትዮጵያ-ትግራይ ይውጽኡ” ዝብል ሓሳብ ከየቃልሑ ኣብ ዘይሓልፍሉ ደረጃ በጺሖም ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ሓይልታት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ዘይምኽኑይ ኢድ ምእታዉ፡ መነባብሮኡ ይከላበት፡ ህይወት ኣሽሓት ይኸፍልን ሃብቱ ይባኽንን ኣሎ።  ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ ከወግድ ዝኽእል ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝሓየለን ዝሰመረን ድምጹ እንተዘየስሚዑ ድማ እቲ ሳዕቤን በዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ዝድረት ኣይክኸውንን እዩ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ ኣብዚ ሓድሽ ተረኽቦ ትግራይ ኣተሓሳስባኦምኳ እንተ ተኸፋፈለ፡ “እቲ  ንኢድ ኣእታውነት ህግደፍን ሳዕቤናቱን ዝኹንን” ወገን ዝዓበየ ክፋል እዩ። ዝተፈላለዩ ዞባውን ዓለምለኻውን ትካላትን ማሕበራትን ሳዕቤን ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ እውን ብዝኸፍአ ከየረኻኽበሉ ብምስጋእ፡ መዓልታዊ ኢልካ ክውሰድ ብዝከኣል ናይ “ኢድኩም ካብ ዘይምልከተኩም ውግእ ሰሓቡ” ድምጾም የስምዑ ኣለዉ። ኩሉዚ ግና ነቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ወሳኒ ድምጺ መመላእታ እምበር ዝትከኦ ኣይኮነን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይምስምስን ናይ ካለኦት ኢድ ምጽባይን ኣንጻር ህግደፍ ዝበረኸ ድምጹ  ከስምዕ ደጋጊምና ንጽወዕ ኣለና።

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ከመይ ጸኒሑ? ከመይከ ኣሎ?” ኢልና ምስ እንሓትት፡ ኣብ ዝርዝርን ኣቀራርባን ደኣ ንፈላለ ንኸውን እምበር መሰረታዊ መልሲ ናይ ኩልና “ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ጭቆናን ወጽዓን ጸኒሑን ኣሎን” ዝብል ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብቲ ቅኒትን ጠንቅን ደኣ የዕጠጥዩን ምኽንያት የብዝሑን ይኾኑ እምበር፡ ህግደፍን ደገፍቱን እውን ዝሃድምሉ ሓቂ ኣይኮነን። ከምቲ ስነ-ጥበባዊ ነፍስሄር ኣብርሃም ኣፈወርቂ “ነቲ ሕማቕ ዝሓመቐ ኣለዎ” ዝበሎ፡ ሎሚ ንርእዮ ብዘለና ምልክታት፡ ኤርትራ ናይ ጽባሕ መጻኢኣ ዝኸፈአ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘስግእ እዩ። “ደጊም ዕድል ኤርትራን ህዝባን  ብህግደፍ ኣይኮነን ዝውሰን” ኢልና ተላዒልና ብግብሪ እንተ ጽዒትና ግና መጻኢ ኤርትራ ካብ ትማልን ሎምን ጽባሕ ዝሓሸ ናይ ምዃኑ ዕድሉ ዕጽዊ ኣይኮነን።

ህግደፍ ትማሊ ኮነ ሎሚ ሒዝዎ ዝጸንሐን ዘሎን ፖለቲካዊ ምርጫ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ከወግዶ ዝቃለሶ ዘሎ ወጽዓ ናይ ምውጋድ ኣንፈት ብሰንጣቕ ዝጻረር እዩ። ህዝብና፡ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰሉ ክሕለወሉ፡ ሓሳቡ ናይ ምግላጽን ምውዳብን መሰሉ ክረጋገጸሉ፡ ብጸጋታት ሃገሩ ማዕረ ናይ ምጥቃም መሰል ክወሓሰሉ፡ ፍትሒ ክሰፍነሉ፡ ብፍላይ ኣብ ሕድሕዱ ብሓፈሻ ድማ ምስ ጐረባብቱ ህዝብታት ኣብ ዘተኣማምን ሰላምን ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ዝተሰረተ ዝምድና ክህልዎ እዩ ዝቃለስ ዘሎ። ህዝቢ ኤርትራ ህግደፍ ነዚ ባህጉ ከረጋግጸሉ ንነዊሕ ግዜ ዕድል ሂቡ ተጸብይዎን ተማሕጺንዎን እዩ። መልሲ ህግደፍ ግና  ነቲ ወጽዓ ዘጋድድን ንህዝቢ ዘስተናዕቕን’ዩ' ኮይኑ ጸኒሑን ዘሎን። ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ መሰረታዊ መሰላቱ ኣንጻር ህግደፍ ክቃለስ ዘተንስኦ ምስጢር ከኣ እዚ ኣብያ ናይቲ ጉጅለ እዩ።

ተግባራት ህግደፍ “ንሕቶ ህዝቢ ኣይቅበልን እዩ”፡ ኢልካዮ ጥራይ ዝሕለፍ ዘይኮነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣዳዕዲዑ ዝጠለመ እዩ። ነቲ ከዘውትሮ ዝጸንሐ ይቕረ ዘይበሃሎ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ክፍጽም እንከሎ፡ ብዘይካ ነቶም ቁንጣሮ ብሳንቡኡ ዘተንፍሱ ደገፍቱ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ልቡ ካብ ዘውጸኦ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እቲ ብዛንታ ክንሰምዖ ዝጸናሕና “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ” ዝብል ፖለቲካዊ ቅኒት ገዛእቲ፡ ሎሚ ብትሕዝቶኡ ብህግደፍ ዝድገም ዘሎ እዩ። ገዛእቲ ከምኡ ዝበልሉ ቀንዲ ምኽንያት ንህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ጉዳዩ ከም ዘየሳትፍዎ ንምምልካት ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ እውን ካብ ጉዳያት ናይታ ብደሙ፡ ብዓጽሙን ድምጹን ዘውሓሳ ልኡላዊት ሃገር  ብዝለዓለ ደረጃ  ኣብ ኩሉ ጽላታት ከም ዝተኸድዐ ንዕዘቦ ኣለና።

ምምሕዳር ህግደፍ ብ2018 ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሓድሽ ግና ትሕዝቶኡ ካብ ህዝቢ ዝተሓብአ ምዕራፍ ዝምድና ምስኣተወ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሕቖኡ ሂቡ ምስ ኢትዮጵያውያን ወገናት ከም ዘቃየሐ ምልክታት ኣርእዩ እዩ። እቶም ኣብቲ እዋንቲ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ዝመደሮም፡ “መራሒ ናጻ ሃገር እየ” ዝብል ዝተዛረቦ እዩ” ኢልካ ክትኣምኖን ክትደግሞን ዘሕፍር ኣበሃህላታት፡ ከም ዘለዉዎ ንዘክሮ። በቲ ኣፍልቡ እንዳወቕዐ፡ ርእሱ የማነ-ጸጋም እናነቕነቐ ኣፉ ክቕደድ ክሳብ ዝደሊ ዝሰሓቖ ሰሓቕ ንብዙሓት ናይ ቀረባ ፈለጥቱ፡ “ሓድሽ ኢሳያስ ኣፈወርቂ” ከም ዝኾኖም ዝርሳዕ ኣይኮነን። በዚ ተገሪሞም “እዚ ዲክታተር እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ክነፍጎ ዝጸንሐ፡ ሰሓቕ፡ ምቕሉልነትን ፍቱሕ ገጽን ደኣ ሎሚ ካበይ ኣምጺእዎ?” ኢሎም ዝተገረሙ’ውን ውሑዳት ኣይነበሩን። እዚ ሎሚ ብግብሪ ንርእዮ ዘለና ናይ ኢትዮጵያ ኣገልጋልነቱ እምበኣር ብድሕሪቲ ሰሓቕን ኣፍልብኻ ምውቃዕን ተሓቢኡ ዝነበረ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሕቖኻ ሂብካ ምስ ብልጽግና ናይ  ምሽራው ምስጢር እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኢሳያስ ንኤርትራ ንሓንሳብ ናብ ውግእ ብምጥባስ ዝያዳ ድማ ብዝተፈላለዩ መሰናበዲ ተንኮላትን ተጽዕኖታትን ናብ ስደት ከም ዝኸዱ ብምግባር  ንኤርትራ፡ “መንእሰይ ዝሓረማ  ሃገር” ገይርዋ እዩ። ንኤርትራ ብኸምዚ ደረጃ ምስ ኣዳኸማ ድማ፡ ሎሚ ብኣማኢት ኣሸሓት ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ የእትዎም ኣሎ። ሎሚ ኢሳያስ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገሸሉ ኩነት ዘይኮነ፡ ካብ ሰራዊት ጀሚርካ ክሳብ ኣጽዋር ናይ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝተጓረተሉ ደረጃ እዩ ዝርከብ። እዚ ካልእ ኩሉ  ገዲፍካ፡ መልእኽቱ ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝካየደ ዘሎ ውግእ ቀላሳይ ምዃኑ ዝሕመዮ ዝነበረ ጋህዲ ምውጻኡ ዘርኢ መግለጺ እዩ። ምስቲ “ኢሳያስ ከም ልማዱ ብዘይኣፍልጦ ህዝቢ፡ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክቖርና እዩ” ዝብል ግምት ኣዛሚድካ፡ እቲ ተረኽቦ፡ ዘመናዊ  መልክዕ ናይ “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን” ይመስል። ምስዚ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ምእንቲ ከይቀስን ሎሚ’ውን ካብ ግዱድ ግፋ፡ ምርሳይ ንብረቱን ሳዕቤን ውግእን ኣይደሓነን። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ከምቲ “ጭሕሚ ዓርክኻ ክላጸ፡ ጭሕምኻ ማይ ልኸ” ዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋኡ ዝግበር እንተዘይገይሩ፡ እቲ ብሰንኪ ውግእ ኣብ ጐረባብትና ዝወርድ ዘሎ መከራ ኣብ ርእሲኡ ኣንጠልጢሉ ከም ዘሎ ክዝንግዕ ኣይግበኦን።

ኣብዚ ከነስተውዕለሉ ዝግበኣና፡ ተግባራት ኢሳያስ ናይ ገርሂ ወይ ምላቕ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢሉ ብዝመረጾ መንገዲ ጥፍኣት እዩ ዝጐዕዝ ዘሎ። ህግደፍ ካብዚ ፈትዩ ዝኣተዎ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ተገዲዱ እንተዘይኮይኑ፡ ፈትዩ ክምለስ ይኽእል’ዩ ማለት ዘበት እዩ። በደለኛን ህውከተኛን ምርጫኡ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ስለ ዝፈሰሰ፡ ሎሚ “ዓገብ በሃልቱን ተቓወምቱን” ንሕና ጥራይ ዘይኮና፡ ዓለም ብምልእታ እያ ብተግባሩ ተስካሕክሕ ዘላ። ህላወኡ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ፡ ብዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሕብረት ኢውሮጳ፡ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዝተፈላለዩ እቲ ዛዕባ ዘሻቐሎም ኣካላትን፡ ከምቲ ካብ መጀመርታኡ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) “ኣብ ዘይጉዳይካ ምእታውካ ንኹንኖ” ዝበሎ፡ ደጋጊሞም “ውጻእ” ይብልዎ ኣለዉ። ወረ ገለ-ገለስ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣትዩ ንዘሎ ሰራዊት ኤርትራ “ዕሱብ” ክሳብ ምባል በጺሖም ኣለዉ። ዓለም ካብዚ ተቕርቦ ዘላ ተደጋጋሚ ናይ “ካብ ዘይጉዳይካ ውጻእ” መጸዋዕታኣ እንታይ ከም እትጽበ ናታ ሕሳብን ግምትን ይህልዋ። ብናትና ተመኩሮ ግና፡ ህግደፍ ድሕሪ ሕጂ መንገዲ ደሓን ንክሕዝ ምጽዋዕ “ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ምምህላል” እዩ። ኣብ ክንዲ ሕሳብና ንገብር፡ ምስ ድርቅናን ዘይሓላፍነታዊ ተግባራትን ህግደፍ ተለማሚድና እንተቐጺልና፡ መጻኢ ኤርትራ ካብቲ ዝሓለፈን ዘሎን ዝኸፈአ ከም ዝኸውን ንረዳእ።

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ሓድነት ሓይሊ እዩ፡ ዝሓበራ ኣጻብዕቲ ኣርቃይ የጸንበዓ” ምባል፡ ኣብ ዕለታዊ ህይወትና ልሙድ  እዩ። መልእኽቱ ድማ ናይ ሓባርካ ኣብ ዝኾነ  ዋኒን፡ ሓቢርካ ምዕማም ዝያዳ ከም ተድምዕ ንምዕዛዝ እዩ። እዚ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ዝንጸባረቕ እዩ። ብፍላይ ኣብ ከምዚ ሎሚ ኤርትራውያን ኣብ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ መዋጥርን ቅልውላውን ዘለናሉ እዋን ብሓባር ምቅላስ ፍቱን መዋጸኦ ካብ ዝዀኑ መንገድታት እቲ ቀንዲ እዩ። ኩነታት ሃገርና ኣዛራብን ናይ ሓባር ኣበርክቶና ዝሓትትን ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ሎሚ ግና ጉዳይና ዝያዳ ኩሉ ግዜ ወጣርን ኣሰካፍን ኣብ ዝኾነሉ ኢና ንርከብ ዘለና።

ኣብዚ እዋንዚ ፖለቲካዊ ሕቶ ኤርትራ  ናይ ስርዓት ለውጢ ናይ ምምጻእን ዘይምምጻእን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ሃገርን ህዝብን ምህላውን ዘይምህላውን እውን ዓይኑ ኣፍጢጥሉ ዘሎ እዩ። ስለዚ ሃገር ንምድሓን ኣድላይነት ሓቢርካ ምቅላስ ብኽንድኡ ደረጃ ዕዙዝ ከምዝኸውን ርዱእ እዩ። እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ ብኸምዚ ንዕዘቦ ዘለና ደረጃ ኣተሓሳሳቢ ካብ ኮነ፡ “እስኪ ንተኣከብ መፍትሒ ክርከብ” ክንበሃሃልን ደስኪሉ ዘሎ መስርሕ ምምስራት ብሓባር ዘቃልስ መድረኽ ምርጫ ዘይኮነስ፣ መድረኻዊ ግድነት ምዃኑ ክንርዳእ ይግበኣና። ሓቢርካ ምቅላስ ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ምፍጣር ብተደጋጋሚ ተፈቲኑ ክሳብ ሎሚ ስለ ዘይተዓወተ፡ ክለዓል እንከሎ ፍጊዕ ዝብሎም ወገናት ይረኣዩ  እዮም። እንተኾነ ካልእ መተካእታ መንገዲ ዓወት ስለ ዘይብልና ክሳብ እነዕውቶ ዋላ ዕረ እናጠዓመና ደጋጊምና ከነልዕሎ ግድን እዩ። ኤርትራውያን ምሁራት፡ ነባራት ፖለቲከኛታት፡ መራሕቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ካለኦት ግዱሳት ኣካላትን እውን ከም መዋጸኦ ዘቕርብዎ ዘለዉ መፍትሒ ሓሳብ ሓቢርካ ምቅላስ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝሓለፎ ጭንቂ ፈትዩ ዝኣተዎን  ክኽፈል ዝነበሮ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለሉን ስለ ዝነበረ፡ ዝጠዓሰሉን ዘማርረሉን ኣይኮነን። ድሕሪ ናጽነት ከም ትጽቢቱ ብዘይምቕሳኑ ግና’ ሓሓሊፉ ናይ ቀደም በሰልኡ ክሓክኽ ይረአ እዩ። እንተኾነ እቲ መፍትሒ ነቲ በሰላ ሓኺኽካ እንደጋና ምድማይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ህግደፍ ዝፈጠሮ ዕንክሊል ተቓሊስካ ምስጋሩ ጥራይ  ምዃኑ  ህዝቢ ኤርትራ’ውን ኣይሰሓቶን። እነሆ ከኣ ኣብ ቃልሱ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክወርድ ዝጸንሐን ዘሎን መከራ፡ ከከም መድረኹ ደረጃኡ ክብ ለጠቕ እእናበለ ክመጽእ ዝጸንሐ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ በደል ብዘስደምም ኩነታት ኣብቲ ዝኸፈአ ጫፍ ደይቡ ኣሎ። ኤርትራ ብኣራግጽ ሰራዊት ኢትዮጵያ ትሕመስ ኣላ። ኤርትራውያን፡ ብዘይ ናይ ጾታን ካልእን ፍልልይ ካብ ህጻናት ክሳብ ዕድመኦም ደፊኦም ዓዲ ዝወዓሉ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ኣብያተ-ጸሎትን ናብ ውግእ ትግራይ ተገዲዶም ይኣትዉ ኣለዉ። ምስዚ ብዝተሓሓዘ ደቅኹም፡ ኣንስትኹም፡ ሰብኡትክን………ወዘተ ናብ ውግእ ኣይከተቱን ብዝብል ብገንዘብ ምቕጻዕ ዘይኮነ፡ መንበሪ ኣባይቶም ብምዕጻው ንህልውነኦም ብዘስግእ ዘይሰብኣዊ መቕጻዕቲ ይሳቐዩ ኣለዉ። እዚ ኩሉ በደል ኣብ ልዕሊኡ ዝወርዶ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ዕላማን ተልእኮን ናይቲ ደቁ ዝሃልቅሉ ዘለዉ ውግእ ንረብሓኡ ከም ዘይኮነ ካብ ምርዳእ ሓሊፉ፡ ዝፈልጦ ዝርዝር ምስጢር የብሉን።

ህግደፍ ናይ ህዝቢ ኤርትራ በዓል ደሓን ኮይኑ ኣይፈልጥን እዩ። ምምሕዳሩ ብጉልበት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተጻዕነ ኣርዑት ሓጺን እምበር ህዝባዊ ኣፍልጦ የብሉን። እዚ ምምሕዳር ንሱ ዝመርሖ እሞ፡ ሕቶታቱ ክምልሰሉ ዝነበሮ ህዝቢ ኣብ ትሕቲኡ ከም ዘሎ  ኣብ ግምት ዘእቱ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ጸገማት ከም ዘሎ ባዕሉ ይእመን’ሞ ተገልቢጡ ናይቲ ጸገም ጠንቂ ንሱ ባዕሉ ምዃኑ እንዳፈለጠ፡ ናብ ህዝቢ ሕቶ ብምቕራብ ዝሕጭጨሉን ዘደናግረሉን ኩነታት ይፈጥር። ህግደፍ ነቲ ረብሓን ህልውናን ኤርትራን ህዝባን ኣብ ግምት ዘየእተወ፡ ህርፋኑ ንምርግጋጽ  ዘኽእሎ ኤርትራዊ   ደገፍ ከምዘየብሉ ተረዲኡ ዶብ ሰጊሩ፡ ናይ ኣተሓሳስባ መሓዙቱ ክእክብ ይጽዕት ኣሎ። ኣብዚ እዋንዚ ህላወ ገዚፍ ቁጽሪ ሰራዊት ኢትዮጵያዊ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ኤርትራ፡ ናይዚ ኣብነት እዩ። ድሮ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል፡ ብሰንኪ ዕልቕልቕ ውጉኣት ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ናይተን ጠርበሽ ዝብላ ዝነበራ ትካልት ጥዕና ኣገልግሎት ኣብ ዘይረኽበሉ በጺሑ ኣሎ።

ኤርትራን ህዝባን ካብዚ ወዲቐምዎ ዘለዉ ሓደጋ ናይ ምውጻእ ሓላፍነት፡ ናትና ናይ ኤትራውያን እዩ። ኣብዚ ዕዉታት ክንከውን ድማ ዝተበተነ ዓቕምናን ኣተሓሳስባናን ኣቀራሪብና ውሁድ ዓቕሚ ክንፈጥር ካብ ምኽኣል ካልእ  መተካእታ የብልናን። እዚ ዝተበተነ ዓቕምኻ ጠርኒፍካ ዘድምዕ ጉልበት ምፍጣር፡ ሎሚ እነምጸኦ ዘለና ሓድሽ ቅዲ ዘይኮነ፡  ነቲ ነዊሕ ዝተጐዓዝናሉ ክነስና ግና ዘየዕወትናዮ ምሕዳሱ እዩ።  ካብዚ ዘለናዮ መዋጥር ንምውጻእ እቲ ወሳኒ ውሽጣዊ ዓቕምና ኣተሓባቢርና እንኸዶ መስርሕ ኢዩ።   ካብ ደገ እንጽበዮ ሓገዝ ከኣ ካልኣዊ ኢዩ። ሎሚ ከምቲ ሓሓሊፉ ዝረአ፡ ፍልልያትና ኣጸባቢቕና ኣብ ናይ ኣተሓሳስባ ጫፋት ረጊጽና፡ “ናተይ ይበልጽ፡ ናታይባ ይሓሽ” እናበልና ንተሃላለኸሉ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ንዘሰማምዑና ሓይልን ጉልበትን ሂብና፡ “ናይ ኩልና ተደሚሩ እዩ ዘድምዕ” ዝብል ናይ ተስፋ ድምጽና ከነበርኸሉ ዝግበኣና ግዜ እዩ።

ኤርትራውያን ተቓወምቲ ህግደፍ ኣብ ሕድሕድና ክንውግኖ ዝግበና ኣካይዳ ኣሎ። ኣብ ክንዲ፡ ተኸኣኢልካ  ሓቢርካ ምቅላስ፡ በቲ ሓደ ወገን ህግደፍ በቲ ካልእ ወገን ድማ ዘይኤርትራዊ ሓይሊ መዚዝካ እናበረኽካ፡ “ኣነስ ምስ እገለ እየ፡ ንስኻኸ ምስ መን ኢኻ?” ምብህሃል ዓቕምና ዘዳኽም ግጉይ ኣሰላልፋ እምበር፡ መፍትሒ ዘምጽእ ኣይኮነን። እዚ ማለት ግና፡ ንህልውና፡ ልኡላውነት፡ ሓድነትን ሰላምን ኤርትራ  ብዘየማትእ ዝምድና ኣይንግበር ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ምስ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ፡ ኤርትራዊ ማእከልነቱ ዘይሰሓተ፡ ኣብ ምውጋድ ናይ ሓባር ጸላእን ምውሓስ ሰላምን  ዝዓለመ ዝምድና ምግባር ርትዓውን እዋናውን እዩ።

ከም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት እቲ ቅድሚት ክንሰርዖ ዝግበኣና ነብስና ምውጋን እዩ። እዚ ድማ ብሓባር ዘቃልሰና መድረኽ ክንፈጥር ምብቃዕ እዩ። ናትና ብሓባር ናይ ምስራሕ ዕዮ ገዛ ከየሳለጥና ምስ ዝኾነ ኣካል እንገብሮ ዝምድና መሰረታዊ መፍትሒ ኣየምጽኣልናን እዩ። ሎሚ ዕላማና ለውጢ ምምጻእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሃገርን ህዝብን ካብ ሓደጋ ምድሓን እውን ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ሓላፍነት እዩ።  ስለዚ  ነቲ ካብ ቅድም  “ኣገዳስነቱ እናተረደኣና ዘየዕወትናዮ” ንምዕዋት ንጽዓት መልእኽትና እዩ።

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ውግእ ኣብ ዝርዝሩ ከይኣተና፡ ኩለ-መዳያዊ ዕንወትን ህልቂትን  ስለ ዝኾነ፡ ዝምረጽ ፖለቲካዊ  መፍትሒ ኣይኮነን። እንተኾነ መሰረታዊ ናጽነትካን መሰልካን ምስ ተገፈፈ፡ ነዚ ንምምላስን መንነትካ ንምውሓስን ካልእ ምርጫ ምስ ሰኣንካ ተገዲድካ እተኣትዎ ውግእ ኣሎ። እዚ ከኣ ቅኑዕ ውግእ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ዕድላት ምስተዓጽዎን ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነቱ ዝኣተዎ እሞ ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ዘዐወቶ ውግእ ናይዚ ቅኑዕ ውግእ ኣብነት ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ እናተዘከረ ዝነብር ዓብይ  ቦታ ዘለዎ ፍጻመ እዩ።

ብኣንጻርዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ዶብ ሰጊርካ ዝግበር፡ ህዝባዊ ረብሓ ዘየውሕስ ውግእ ዘይቅኑዕ እዩ። ዘይቅኑዕ ውግእ ኣብ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ዘይተሰረተ ስለዝኾነ ተሰዓርነቱ ዘይተርፍ እዩ። ተኸታተልቲ ገዛእቲ መንግስታት ኢትዮጵያ ፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንምምካን ብዘይፍትሓዊ፡ ተደጋጋሚ ወራራትን  ውግኣትን ኣካይዶም መወዳእትኦም ከኣ ስዕረትን ፍሽለትን ኮይኑ። እዚ ቅኑዕ ውግእ ኣብ ልዕሊ ዘይቅኑዕ ውግእ ምዕዋቱ ከምዘይተርፍ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ዘረጋገጾ ተመኮሮ ኢዩ።  ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ካብ ዕሸል ክሳብ ብዕድመ ዝደፍአ ሽማግለ ብዘይብቑዕ ወተሃደራዊ ትምህርትን ነብስኻ ናይ ምክልኻል ዓቕምን ጉልበትን ተገዲዶም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ትግራይ ኣትዮም ኣለዉ። እዚ ኢድ ኣእታውነት፡ ንህዝቢ ኢርትራ፡ ክሳራ፡ ሞትን ሕፍረትን’ምበር፡ ካልእ   ዘምጽኣሉ ክብሪ፡ መኽሰብን ዓወትን የብሉን 

ጉድኣት ውግእ፡ እቲ ውግእ ከቋርጽ እንከሎ ሽዑ ዝሓዊ ኣይኮነን። ስንብራት ገዲፉ ስለ ዝሓልፍ፡ ንዘኸተሎ ሞት፡ ስንክልና፡ ምምዝባል፡ ዝዓነወን ዝተዘምተን ንብረትን ዝፈረሰ ትሕተ-ቅርጻን፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ቁስልን ጽልእን ኣሕዊኻ ናብ ንቡር ንምምላሱ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ፡ ሓላፍነታዊ ሕድገትን ኣዝዩ ዓሚቕ ኣስተብህሎን ዘድልዮ እዩ። እዚ ናይ ሕውየት መደብ ህግደፍን ኣሳሰይቱ ሓይልታትን እናሃለዉ ክትግበር ይኽእል እዩ ኢልካ ምሕሳብ ፈጺሙ ኣይከኣልን እዩ። ምኽንያቱ ክሳብ ዘለዉ ውግእን ዕንወትን ውሁብ እዩ።

ሎሚ ኤርትራውያን ንውግእ ብዝምልከት ክልተሻብ ኢና ንረአ ዘለና። ኣብ ሓደ ታሪኻዊ መድረኽ፡ ናጽነትናን መሰልናን፡ ንምዕቃብ መተካእታ ምስ ሰኣና ኣንጻር መግዛእቲ ተዋጊእና ተዓዊትና። በቲ  ንካልእ ሓይሊ ዘይኮነ ንሓቅን ርትዕን ተኣማሚና ዘመዝገብናዮ ዓወት ናይ ጽንዓትን ዘይምርብራብን ኣብነት ኮይና ተገሊጽናን ተሓቢንናን። ኣብዚ እዋንዚ ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ሰጊሩ ናብ ትግራይ ብምእታዉ ንኤርትራ መዛረቢ ገይርዋ ኣሎ። እቲ ብዛዕባ ኢድ ኣእታውነቱ ዝወሃቦ ዘሎ መግለጽን ሚዛንን ድማ  ብኣንጻርቲ ናይ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት፡ “ኣብዘይጉዳዩ ዝኣተወ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ” ዝብል እዩ። እዚ ከኣ ዘሕፍርን ርእስኻ ዘድንን እዩ።

ሎሚ እቲ ቅድም  ምእንቲ መሰልናን ናጽነትናን ሳላ ዝተቓለስና ዘተባብዓናን “ኣጀኹም” ዝብለናን ዝነበረ ሕብረተሰብ ዓለም፡ “ካብቲ ዝወረርኩምዎ ሃገር ውጹ” ብዝብል እዩ ንጉጅለ ህግደፍ ዘጠንቅቖ ዘሎ። እቲ ናብ ትግራይ ምእንቲ ልኡላውነት ኤርትራ ኢና ኣቲና ዝበሃል ንህዝቢ ኤርትራ  በታ የዋህነቱን ፍቕሪ ሃገሩን  ኣቲኻ ከተዕሽዎ ንምፍታን እንተዘይኮይኑ ሓቅነት የብሉን። ንልኡላውነትና ኣስጋኢ ዝኸውንስ እዚ ድሕሪ ዘሊልካ ናብቲ ውግእ ምእታው ዝረአ ዘሎ ምዕባለ እዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ኣብቲ ምስ ክልል ትግራይ ዘራኽብ ብዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ዝተዛዘመ፡ ኣብ መሬት ቀዋሚ ምልክት ምንባር ጥራይ ዝተረፎ ግዜ ደኣ ይወስድ እምበር፡  ኣይኮነንዶ ከዋግእስ ከቋይቕ ዘይግበኦ ጉዳይ እዩ ዘለና።

ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያውያን ደገፍቲ ብልጽግና ኣብ ትግራይ የካይድዎ ኣብ ዘለዉ መሬት ናይ ምሽማው ውግእ ኤርትራውያን ተዋጋእቲ ስለ ዘድለይዎም፡ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኢድ ምእታዋ ቅኑዕ ኣምሲሎም ንምቕራብ ዘይፍንቅልዎ እምኒ የለን። ኤርትራ ንጉዳያ እምበር ንጉዳይ ኢትዮጵያ ኢላ ኣይኮነትን ናብ ትግራይ ኣትያ ዝብሉ ወገናት ከኣ “ካብ መቐለ ናብ ኣስመራ ሚሳይል ምስ ተተኮሰ እያ ኣትያ”   እዮም ዝብሉ። እዚኣቶም ናብ ኣስመራ ሚሳይል ዝተተኮሰሉ ዕለትን ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ  ዝወረረሉ ግዜን ዘይተረድኡ ወይ እናተረድኡ ክሓብኡ ዝደልዩ እዮም። ሎሚ ኣብ ትግራይ ብሰንክ’ቲ ሰራዊት ኤርትራ ዝሳተፎ ዘሎ ውግኣት ካብ ብደብዳብ ነፈርቲ ዓድታትን ትካላት ሲቪላዊ ኣገልግሎታትን ምፍራስ ጀሚርካ፡ ክሳብ ሰባት ሰሪዕካ ምርሻን ኣብ ልዕሊ ሲቭል ሰባት፡ ዘይተነግረ እንተዘይኮይኑ ዘይተፈጸመ ግፍዒ የለን። ካብዚ ብምንቃል እዮም ድማ ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ኣብ ታሪኽ ደማውን ኣጽናትን ውግኣት፡ ነዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ህልቂት፡ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ ዝብልዎን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኦም ብዘየገድስ ብሰብኣውነት ደጋጊሞም ዝኹንንዎን ዘለዉ።

ደረጃታቱ ከም ዝፈላለ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ከምቲ “እንተ ክትድቕስ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝበሃል ህዝቢ ኤርትራ እውን ኣብ ርእሲቲ ዝጸንሖ ወጽዓ ኣብ ዝለዓለ ሕሰምን ሓደጋን እዩ ዝርከብ ዘሎ። ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ዘሎ ናይ “ደቅኹም ንውግእ ኣቕርቡ-ኣይነቕርብን” ግብግብ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ሕጊ ዘይኮነ፡ ሓይልን ዓመጽን ስለ ዝኾነ፡  ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ግዝያዊ ዓወት የመዝግብን ህዝብና የንብዕን ኣሎ። እዞም ሎሚ ግዳያት ዝኾኑ ዘለዉ ህጻናት መብዛሕቶም ደቂ-ደቂ እቶም ናይ ነጻነት ስዉኣት ምዃኖም ድማ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ  ኣብ ግጉይ መንገዲ ተኹድድ ከምዘላ  ዘረድእ እዩ። ወያ ኣብቲ ናታ ውግእ ዘዕጠቐትን ዘስነቐትን ሓቦኛ ኤርትራዊት ኣደ፡ ሎሚ በዓል ቤታ፡ ወዳ ወይ ወዲ-ወዳ፡ ጓላ ወይ ጓል-ጓላ፡ ብሓይሊ ናብ ዘይልከቶም ውግእ ስለ ዝተወስዱ ንብዓት ተነጺፋ ትሓድር ኣላ። ከምቲ “ዓሻ ሰበይቲሲ ወዲ ሓሙታ ዘይወዳ ይመስላ” ዝበሃል፡ ነዚ እናሰመዓ፡ “ኩራዕ መንደላይ” እናተደርፈለን ብባንዴራ ኢትዮጵያ ተሰንየን ክስዕስዓን ክዕልላን ዝሓድራ ውሑዳት ኤርትራውያን ኣደታት ምህላወን: ክሳብ ክንደይ ገለ ኤርትራውያን ካብ ንቡር  ሰብኣውነት ወጺአን ምህላወን ዘርኢ እዩ። ንሳተን ጥራይ ኣይኮናን፡ ዲኖ ለቢሶም  ዋልታን ሴፍን ገቲሮም ኣብ ጎደናታት ዝፍክሩ ዝገደዱ’ውን ኣለዉ። እዚኣቶም ሓንሳብ ስለ ዝተጸለሉ ዘኽፍኣሎምን ዘጸብቐሎም ኣይፈልጡን እዮም። ንዓና ከም ኤርትራውያን ዜጋታት ግና የሕፍረና።

ሓደ ኣብ ማሕበራዊ መድያ ዝተሰምዐ ጭንቂ ኤርትራውያን ኣደታት ዘርኢ ተረኽቦ ንጥቀስ፡ “ኤርትራዊት ጓል ክልተ ስዉኣት እያ። ክንድሰብ ምስኮነት ተመርዕያ ወሊዳን። ሰብኣያ ኣብቲ ናይ ቅድም ውግእ ተሰዊኡ። ካልኣይ ሰብኣይ ምስ ተመርዓወት  ከኣ: ኣብዚ ናይ ሎሚ ናብ ትግራይ ክኸትት ተድልዩ ኣይተረኽበን። ድሕሪዚ ንሳ ሰብኣያ ከተረክብ ስለ ዘይከኣለት፡ መንበሪ ገዝኣ ተዓጽዩ ምስ ውላዳ ኣብ ማእከል ጐልጐል ተደርብያ።” እዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክሳብ ክንደይ ንኤርትራዊ’ውን ከም ዘረኻኸበሉ ዘርኢ ኣብነት’ዩ። እሞ ነዚ ዝዕዘብ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራሲ  “እዚ ኩሉ ግፍዒሲ ኣብ ምንቲ ምንታይ” ክብልዶ ኣይግበኦን?