እስራኤል ብ26 ታሕሳስ 2025፡ ንሶማሊላንድ ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኣፍልጦ ብምሃበ ቀዳመይቲ  ካብ ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና። እዚ ኣፍልጦ ዝሃበታ ሶማሊላንድ “ስምምዕ ኣብረሃም” ዝብል ውዕል ተቐቢላ ክትግብር ቅርብቲ ምዃና ምስ ኣረጋገጸት፡ ክልቲአን ሃገራት ብዝኽተመኦ ናይ ሓባር ስምምዕ ምዃኑ ሮይተርስ  ሓቢሩ። በቲ ውዕል መሰረት ሶማሊላንድ ካብ ጋዛ ስደተኛታት ክትቅበል’ያ ዝብል ተረድኦ ኣሎ። ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ብዛዕባቲ ጉዳይ ምስ መሓዝኡ ፕረሲደንት እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ ብተለፎን ከም ዝተዛረበ ድማ ተሓቢሩ።

ናታንያሁ ሃገሩ ሶማሊላንድ ን30 ዓመታት ዝኣክል ተንጠልጢሉ ዝጸንሓ ትጽቢታ፡ ነቲ ብተበግሶ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ትራምፕ ዝተኸተመ “ስምምዕ ኣብረሃም”  ምሉእ ብምሉእ ከም እትትግብሮ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተዋህበ ኣፍልጦ ምዃኑ  ኣረጋጊጹ።

እቲ ስጉምቲ ነቲ ሶማሊላንድ ብ1991 ካብ ሶማሊያ ተፈልያ “ናጻ ሃገር እየ” ኢላ ክነሳ፡ ክሳብ ሎሚ ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ከይረኸበት ዝጸንሓቶ ኣፍደገ ዝኸፍ እዩ ተባሂሉ። ነዚ ኩነታት ዝተኸታተለ ካቢነ ሚኒስተራት ሶማሊያ መቃድሾ ከኣ ነቲ ኩነታት ንምምዛንን መርገጹ ንምግላጽን ህጹጽ ኣኼባ ከም ዘካይድ  ኣልጀዚራ ሓቢራ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ፡ ድሕሪቲ ውሳነ ናብ ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ዓብደል ራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ ደዊሉ፡ “እንኳዕ ኣሕጐሰካ” ድሕሪ ምባል፡ ሶማሊላንድ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ንከተስፍን ዘለዎ እምነት ገሊጽሉ። ወጻኢ ጉዳይ እስራኤል ብወገኑ እቲ ስምምዕን ኣፍልጦን ድሕሪ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ክካየድ ዝጸንሐ ጽዑቕ ዘተን  ክልቲኦም መራሕቲ ምውሳኖምን፡ ኣብ ስምምዕ ምኽፋት ኢምባሲታትን ምልውዋጥ ኣንበሳድራትን ዝተበጽሐ  ምዃኑ ኣፍሊጡ። ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ብወገኑ ሃገሩ “ስምምዕ ኣብረሃም” ምሉእ ብምሉእ ከተተግብር ቅርብቲ ምዃና ኣረጋጊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ሶማሊያ፡ ግብጺ፡ ቱርክን ጅቡትን ንስጉምቲ እስራኤል ብትሪ ከም ዝነጸግዎ ጋዜጣ  ጀሩሳሌም ፖስት ኣፍሊጣ።

ኢትዮጵያ ብ2024 ምስ ሶማሊላንድ፡ ንሳ ኣፍልጦ ክትሃብ ሶማሊላንድ ድማ መህነጺ ሓይሊ ባሕሪ ዝኸውን ገምገም ባሕሪ ንክትህባ ዝእምት መሰማምዒ እማመ ብምኽታም ቀዳመይቲ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ እትህብ ሃገር ክትከውንያ ዝብል ግምት ነይሩ። እንተኾነ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ሓሳቡ ቀይሩ ብመንጎኝነት ቱርኪ ምስ መቃድሾ ስለ ዝተዓርቀ ኣይቀጸሎን።

መንግስታዊ ኣካል ኢትዮጵያ አገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ኢትዮጵያ ሕቶ ስደተኛ ናይ ምምላስ ተግባር ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ኣፍሊጦም። ናይዚ ጠንቂ ብሰንኪ ብእዋኑ እኹል ገንዘብ ዘይምርካብ ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ። በዚ ድማ መሰረታዊ ዝኾኑ  መግቢ፡ ማይን ሕክምናን ምቕራብ ኣይተኻእለን ተባሂሉ። ነዚ ጸገም ተቓሊዖም ዘለዉ ስደተኛታት ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ምዃኖም ከኣ ተፈሊጡ።

ናብታ ብዝሒ ምዕቋብ ስደተኛታት ካብ ኣፍሪቃ 2ይ ደረጃ እትሕዝ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ክውሕዙ ካብ ዘገደዱ ምኽንያታት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ግርጭታትን ኣብ ሶማሊያ ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቅን ምዃኖም ድማ  እቶም ኣካላት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም። እተን ነቶም ስደተኛታት መሰረታዊ ነገራት ዘቕርባ ዝነበራ ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ኣቕርቦተን ኣብ 2025 ብ70% ከም ዝነከያ  ተጠቒሱ።

ወይዘሮ ጠይባ ሓሰን ዝተባህለት ሓላፊት ናይቲ አገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ትካል ኢትዮጵያ ብወገና፡ ሃገራ እቶም ስደተኛታት ንክዕቆቡ ዕድል ምሃብ እምበር፡ መሰረታዊ ነገራት ናይ ምቕራብ ዓቕሚ ከምዘየብላን ሕብረተሰብ ዓለም ሓላፍነት ክስከም ከም ዘለዎን ምፍላጣ’ውን ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ወይዘሮ ኣሲሳቶው ንድየ በወገና፡ ኣብ ኣዝዩ ኣጨናቒ ጉዳይ ኢና ዘለና ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘሎ ኩነታት “ሕቶ ስደተኛታት ምምላስ ይቐጽልዶ ኣይቐጽል ኣብ ቀረባ ግዜ ክንውስን ኣብ እንግደደሉ ኩነት ኢና ዘለና” ኢላ። ናይቲ ጸገም ስፍሓት ክትገልጽ እንከላ ከኣ ትካል መግቢ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ካብቲ ዝህቦ ዝነበረ ቀረብ 40% ከጉድል ከም ዝተገደደ ሓቢራ።

ዝልታን ሚሊሲክ ዝተባህለ ዳይረክተር ትካል መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ በቲ ዘለዎ ዝተሓተ ደረጃ  ንምቕጻል ንመጻኢ 6 ኣዋርሕ 90 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድልዮም ጠቒሱ፡ እዚ እንተዘይተረኺቡ ግና ኣብ መጻኢ ኣዋርሕ ኣገልግለቶም ምሉእብምሉእ ከቋርጹ ከም ዝግደዱ ኣፍሊጡ።

በዚ ኩነታት ይሳቐዩ ካብ ዘለዉ ግዳያት ኣለምዋጭ ኣብ ዝበሃል መደበር ስደተኛታት ከባቢ ዳባት-ጎንደር ዘተዓቚቦም ዘለዉ ኤርትራውያን  ቅድሚት ዝስርዑ እዮም።

Thursday, 25 December 2025 19:47

Dimtsi Harnnet Kassel 25.12.2025

Written by

በቲ ኩነታት ዝተሻቐሉ ነበርቲ ጋምቤላ ኣብ ኣደባባይ

ሓካይም ብዘይዶብ (MSF)፡ ዝተባህለ ትካል ተራድኦ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ኣብ መንጎ ብሄራት ኑዌርን ኣኝዋክን ብዝተወለዐ ሓያል ውግእ፡ ብ24 ታሕሳስ 2025 ጥራይ 47 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ልዕሊ 100 ብጥይት ዝቖሰሉ ሰባት ከም ዝሓከመን ኣፍሊጡ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብወገኖም ብ24 ታሕሳስ 2025 ታርፓም ኣብ ዝበሃል ንኡስ ዞባ፡ ፍሉይ ወረዳ ኢታንግ 47 ሰባት ምቕታሎም ንመርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣረጋጊጸሙላ። ሓደ ናይ ጥዕና ክኢላ ብወገኑ እቲ ኣሃዝ ኣፈናዊ እዩ ኢሉ፡ ንዝምልከቶ ኣካል ከየፍለጡ ኣብ ከባቢኦም ዝተቐበሩ ግዳያት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ኣመልኪቱ።

እቶም ምንጭታት ከም ዝበልዎ፡ መንገድታት ስለ ዝተዓጽወ፡  ግዳያት ናይቲ ውግእ  ኣብ ናይቲ ክልል ዋና ከተማ ናብ ዘለዋ ትካላት ጥዕና ክመጹ ከምዘይከኣሉ ኣፍሊጦም። ዝተወሰኑ ቁሱላት ግና ኣብ ጥቓ መደበር ስደተኛታት ኩለ ናብ ዘሎ ማእከል ጥዕና ሓካይም ብዘይዶብ ምውሳድ ከም ዝተኻእለ ሓቢሮም። እንተኾነ እዚ ማእከል ጥዕና እውን ካብቲ ውግእ ዝካየደሉ  ቦታ ርሑቕ ስለ ዘይኮነ ውሕስነት የብሉን ኢሎም።

ሓካይም ብዘይዶብ፡ እቲ ውግእ ብ17 ታሕሳስ 2025 ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ጸጥታ ናይታ ክልል ድሕሪ ምቕታሉ  ከም ዝጀመረ ጠቒሱ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናነሃረ ስለ ዝኸደ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝቕበሎም ዝነበረ ቁስላት ብኣኡ ደረጃ ይውስኽ ከም ዘሎ ብምጥቃስ ዝሓደሮ ስግኣት ኣፍሊጡ። ካብቶም ኣብ 24 ሰዓታት ዝተረከቦም 100 ቁሱላት ናይቶም 19 መውቃዕቲ ከቢድ ምዃኑ ኣብቲ መግለጺኡ ሓቢሩ። እቲ ውግእ ካብ ዝጅመር ኣብ 7 መዓልታት 150 ቁሱላት ተረኪቡ ከም ዝሓከመ ከኣ ኣፍሊጡ።

ክልላዊ መንግስቲ ጋምቤላ እቲ ውግእ ልዕሊ ዓቕሙ ምዃኑ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምፍላጡ፡ ናብቲ ክልል  ስሩዕ ሰራዊት ከም ዝኣተወን ኣብታ ክልል ካብ ሰዓት 8 ምሸት ክሳብ ሰዓት 6 ናይ ንግሆ ዝጸንሕ ኣዋጅ ሰዓት እቶእቶ  ክትግበር ከምዝጀመረ ከኣ ተፈሊጡ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይዕግበት ዝንጸባረቕ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፡ ኦሮሞን ጋምቤላን ከኣ ጽዕጹዕ ውግእ ይካየድ ኣሎ።

ግብጺ ኣብ ጥቓ ወሽመጥ ዓደን ዝርከባ ወደባት ዓሰብ ናይ ኤርትራን ዶራለህ ናይ ጅቡትን ዓቕመን ናይ ምዕባይ መደብ ከም ዘለዋ፡ ዘናሽናል (the national) ዝተባህለት ጋዜጣ ኣፍሊጣ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናይቲ  ህንጸት ዓላማ ናይ ግብጺ መራክብ ውግእ ኣብቲ ከባቢ ምስ ውሱን ግና ድማ ፍሉይ ብቕዓት ዘለዎ ሰራዊት እተንቀሳቕሰሉ ኩነታት ንምፍጣር እውን እዩ።

ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ኢትዮጵያ እታ ዝኾነ ንብረት ንምንቅስቓስ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ከም እትምርኮስ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡  ግብጺ ድማ ናታ ልዕሊ 2 ሺሕ ኪሎሜትር ዝንውሓቱ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ከም ዘለዋ ኣስፊሩ። ከምኡ እውን ግብጺ ንቀይሕ ባሕርን ባሕሪ መዲተራንያንን ዘራኽብ ወሽመጥ ሲናይ እትውንን ሃገር እያ።

ግብጺ ኣብቲ ንምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኤስያን ኤውሮጳን ዘራኽብ ቀይሕ ባሕሪ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰለት ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገር ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ከይህልወን ብትሪ ክትቃወም ዝጸንሐትን ዘላን እያ።   እቲ ስምምዕ፡ ምስ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወቂ ናብ ግብጺ ኣብ ዝበጸሓሉ፡ ምስ ጅቡቲ ድማ ዝለዓለ ልኡኽ ናይታ ሃገር  ናብ ጅቡቲ ኣብ ዝበጸሓሉ ዝተኸተሙ ምዃኑ እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ካብዚ ብዘይፍለ ግብጺ ምስ ኤርትራን ጅቡትን ድልዱል ፖለቲካውን ወተሃደራውን ዝምድና ብምፍጣር፡  ናይ ትሕቲ ባሕርን  ሄሊኮፕተራት ዝስከማን መራክባ ሓዊስካ፡ ሓይልታታ ዝንቀሳቐስሉ ኣብ ክልቲአን ወደባት ትሕተ-ቅርጻ ናይ ምህናጽ መደብ ኣለዋ። ብፍላይ እቲ ምስ ጅቡቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ናብታ ድሕሪ 1993 ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ዝኾነት ኢትዮጵያ  ዘምርሕ መስመር መንገዲ ዶራለህ ኣብ ምህናጽ ክትሳተፍ እያ።

 ቀረናኩዶ

ኣብ ኤርትራ ኣብ ንኡስ ዞባ ለጎ ዓንሰባ ነበርቲ ቀረናኩዶ እትበሃለት ዓዲ፡ ብሰራዊት ህግደፍ ብጃምላ ከም ዝተኣስሩ ተወለድቲ ናይቲ ከባቢ ካብ ቤተሰቦም ዝረኸብዎ ሓበሬታ ብምጥቃስ፡  ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ሓቢሮም። ቅድሚቲ ማእሰርቲ ናይቶም ደቂ ዓዲ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ መልሻ ናይቲ ስርዓት፡  ንሓደ ያፌት የማነ ገብረማርያም ዝተባህለ ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድመኡ፡ መንእሰይ  ገረብ ቆሪጽካ  ፈሓም ኣፍሒምካ ብዝብል  ክኣስርዎ ምስ ደለዩ  ስለ ዘይተማእዘዘሎ ኣብ ክንዲ ናብ ሕጊ ምቕራብ ብጥይት ቀተልዎ።

ነባሮ እታ ዓዲ ብወገኖም ብመቕተልቲ ናይቲ መንእሰይ ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ ናብ ኣደባባይ ወጺኦም። እቶም በቲ ተቓውሞ ዝረዓዱ ነቲ መንእሰይ ዝቐተሉ ኣባላት መልሻ ድማ ተወሳኺ ሰራዊት ብምጽዋዕ፡  ኣቦን ሓውን ናይቲ ዝተቐትለ መንእሰይ ወሲኽካ ኣስታት 450፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት፡ መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ተወሲዶም ከም ዝተኣስሩ እዩ ተሓቢሩ።

እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ በቲ ማእሰርቲ ናይቶም ደቂ ቀረናዶ ጠጠው ከምዘይበለን እቲ ሰራዊት ኣብታ ዓዲ ሰፊሩ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ጉደቦ ቀረና ኩዶ ዝኾና ዓድታት ዴዳን ሓበላን እውን ኣብ ስግኣት ከም ዘለዋ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣቃሊዑ። እቲ እዚ ዝተጠቕሰ ግፍዒ ዝተፈጸመሉ ከባቢ፡ ካብቲ ኢሳያስ ሰፊሩሉ ዘሎ ዓዲ ሃሎ ርሑቕ ኣይኮነን።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ውግእ ሱዳን ዓለምለኻዊ መልክዕ ሒዙ፡ ኢትዮጵያን ናብ እትርከበን ጐረባብቲ ሃገራት ከይልሕምን ከይሰፍሕን ዘለዎ ስግኣት ይገልጽ ኣሎ። ነዚ ስግኣት ካብ ዘሕደረሉ እቲ ብኣቕረብቲ ሃገራትን ዕጡቓት ጉጅለታትን  ናብ ሱዳን ዝጓረት ዘሎ ኣጽዋር ምዃኑ እውን ሓቢሩ።

ነዚ ዝገለጸ ሓጋዚ ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መዳይ  ፖለቲካን ህንጸትን፡ ካለድ ኪያለድ ነቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሃቦ እዋናዊ መብርሂ እዩ። ኣብቲ መብርሂኡ ኣተሓሒዘ  ኣብዚ እዋንዚ ውግእ ሱዳን ናብ ከባቢ ኮርዶፋን ሰፊሑ፡ እቲ ብዳጋሎ ዝምራሕ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ብ1 ታሕሳስ ከተማታት ባኑሳን ሄግሊግን ብ8 ታሕሳስ 2025 ከኣ ዓበይቲ ከተማታት ደቡብ ኮርዶፋን ድሕሪ ምሓዙ ምዃኑ ተጠቒሱ። ከም ኣብነት  ናይቲ ውግእ ናብ ዶባት ምስፍሕ እቶም ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ዶብ ደቡብ ሱዳን ህውከት ይፈጥሩ ምህላዎም መርኣያ እዩ ኢሉ።

ሓደ ነቲ ኩነታት ብግሊ ዝተንተኖ ክኢላ ብወገኑ ንውግእ ሱዳን ዘስፈሖ ዘሎ ዶባት ጥሒሱ ናብታ ሃገር ዝውሕዝ ዘሎ ኣጽዋርን ገንዘብን ከምኡ እውን ነዊሕ ዝዝርጋሕ ፖለቲካዊ መርበባትን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብዚ ፖለቲካዊ መርበብ ቻድ፡ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣለዋ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን ይብል። ኣጽዋር ናብ ሱዳን ዝኣትወሉ መንገዲ ከመይ ከም ዝመስል ክሕብር እንከሎ ድማ ቻድ፡ ሊቢያ፡ ሩፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ፑትላንድን ደቡብ ሱዳንን ጠቒስወን።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት፡ ሆስፒታላት፡ መኸዘኒ ንብረት ሕቡራት ሃገራትን ህጻናትን ዝፈጸም ዘሎ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ድሮናት ኣዝዩ ኣሰካፊ እዩ ኢልዎ። ኣብ ከባቢ ኣብየይ 6 ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሰራዊ ምቕታሎም እውን ካብቲ ዘሻቕሊ ተረኽቦታት ሓደ ምዃኑ እቲ ሓጋዚ ዋና ጸሓፊ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣልጀዚራ ብ11 ታሕሳስ 2025 ኣብ ዘውጸኣቶ ዜናዊ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ሱዳን ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳውብ ከባቢ፡ ሓድሽ ግንባር ውግእ ክኸፍት ይዳሎ’ሎ ዝብል ሓበሬታ ምቕራቡ ተሓቢሩ። ናይዚ መንቀሊ ድማ ኢትዮጵያ ነቲ ብዳጋሎ ዝምራሕ ሓይሊ ንምሕጋዝ ኣብ መሬታ ከባቢ ቤንሻንጉል ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከል ምኽፋታ ምዃኑ ኣልጀዚራ ብተወሳኺ ሓቢራ። እዚ ኩነታት ውግእ ሱዳን ኤርትራ እውን  ናይቲ ዝለሓም ዘሎ ውግእ ግዳይ ከይትኸውን ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ።

ብ1941 ተሃኒጹ ካብ 1947 ጀሚሩ ቤት ጽሕፈ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኮይኑ ዝገልግል ዘሎ ህንጻ

ፕረሲደንት ሮናልድ ትራምፕ 30 ኣብ ዝተፈላለቱ ኢምባሲታት ተመዲቦም ክሰርሑ ዝጸንሑ ክኢላታት፡ ብህጹጽ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም ዝጸውዐ፡ ናይታ ሃገር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ብምጥቃስ ሲኤንኤን (CNN) ሓቢራ። እቶም ዝተጸውዑ ኣንበሳድራትን ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ሓላፍነት  ተመዲቦም ክሰርሑ ዝጸንሑ ዲፕሎማትን ምዃኖም ከኣ ተፈሊጡ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ነዞም ኣብ ግዜ ምምሕዳር ባይደን ዝተመደቡ ዝጽውዖም ዘሎ፡ ንዲፕሎማሲያዊ ኣሰራርሓ ናይታ ሃገር ምስቲ ቀዳምነት ንኣሜሪካ ዝብል ፖሊሲኡ ንምጥዕዓም ምዃኑ ተሓቢሩ። እቶም ብዘይተለምደ ኣገባብ ብተለፎን ከይተረፈ ዝተጸውዑ ዲፕሎማት ጠቕሊሎም ዝስጐጉ ዘይኮኑ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ  ካልእ ስራሕ ክድለየሎም እዩ ዝብል ግምት ከምዘሎ ከኣ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ዝርዝር ናይቶም ተጸዊዖም ዘለዉ ዲፕሎማት’ኳ እንተዘይገለጸ፡ እቶም 15 ካብ ኣፍሪቃ ምዃኖም ተፈሊጡሎ። ካብቶም 15 ኣብ ኣፍሪቃ ዝጸንሑ ከኣ ኣንበሳድራት ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ሶማሊያ፡ ጅቡቲ፡ ናጀርያ፡ ኡጋንዳ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዙምባበ፡ ሩዋንዳን ኮትዲቩዋርን ከም ዝርከብዎም ተፈሉጡ።

ብዛዕባቲ ምጽወዖምን መዓስ ከም ዝትክኡን ዝምልከት ዝርዝር መብርሂ ከምዘይተዋህበ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ እቲ ምቅይያር ብፍላይ ኣብቲ ኣሜሪካ ኣንጻር ፈጠርቲ ራዕዲ እትንቀሳቐሰሉ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ጽልዋ ከም ዝህልዎ ዝግመት ኮይኑ፡ ኣብ ናጀርያን ግብጽን ናይ ዝነበሩ ኣንበሳድራት ምጽዋዕ  ከኣ ምስቲ ምስ ኣሜሪካ ዝጸንሀን ጥቡቕ ርክብ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ።

 እዚ ስጉምቲ ንኣሜሪካ ናበይ ከም ዝወስዳ ኣይፍለጥን እዩ ዝበለ ሓደ ተዓዛቢ፡ ብዓለም ደረጃ  ኣንበሳደር ኣሜሪካ ዘየብለን ሃገራት ይበዝሓ ኣለዋ ኢሉ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ነቲ ስጉምቲ ነቒፎም፡ ከም ቻይናን ሩሲያን ዝኣመሰላ መወዳድርቲ ኣሜሪካ ነቲ ሃጓፍ ተጠቒመን ክብለጻሉ እየን ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎም ገሊጾም።

ኣብ መንጎ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ጉጅለ ህግደፍን ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝነበረ ኣንጻር ህወሓት ዘቕነዐ ናይ ጥፍኣት ልፍንቲ፡ ሰፍ ዘይብል ዕንወት ኣኸቲሉ እዩ። ደሓር እቲ ውግእ ብዘይድሌትን ተሳትፎን ህግደፍ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ደው ምባሉ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ’ዩ። ናይዚ ውግእ ምቁራጽ ዝወለዶ  ምጥልላም ከኣ፡ ናብ ከቢድ  ቅልውላው ኣእትዩ’ሎ።   

ከም ሳዕቤን ናይቲ ምጥልላም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናብ ኤርትራ ዘቕነዖ ዘሎ ልኡላውነት ግሂስካ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራን ወደብ ዓሰብን ናይ ምውናን ክቱር ህርፋን ሓደ መርኣያ እዩ። እዚ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ፡ ብታሪኽን ፖለቲካዊ መምዘንን ቅቡል ዘይኮነን፡ ድፍረት፡ “ብኸመይ እዩኸ ዝትግበር?” ዝብል ሕቶ ንምምላስ  ድማ ኢትዮጵያውያን ሰብ መዚ ደጋጊሞም ክሳብ  ብሓይሊ ምውራር ከም ዝምጣጠሩ ብዘይሕፈረት ክምክሑ ይስምዑ ኣለዉ።

ናይቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና ኣባላትን ናይቲ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ሰበ-ሰልጣንን ነቲ ላዕለዎት ሓለፍቶም ዝብልዎ ደጋጊሞም ከኳማስዕዎ ምስማዕ ድማ ልሙድ ኮይኑ ዘሎ ተረኽቦ እዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራን ወደብ ዓሰብን ምውናን “ንኢትዮጵያ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ” እናበሉ የፈራርሕዎም ስለ ዘለዉ። ናይቲ መንግስቲ ዝያዳ እሙናት ዝበሃሉ ባእታታትን መዲያታትን እውን ብዘይሕፍረት፡  “ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ እምበር ሃገር ኣይኮነትን” ናብ ምባል ክመጣጠሩ ይስምዑ ኣለዉ።

ግብረ መልሲ ኤርትራውያን ነቲ “ምድጋሙ ዘሕፍር”፡ ሓሽውየ ኢትዮጵያውያን እንታይ ምዃኑ ከም ዘየዳዲ ውሁብ እዩ። ኣንጻር ልኡላውነት ሃገሮምን ክብሮምን ዝህቀን ዘሎ ድፍረት ስለ ዝኾነ፡ “ወጊድ ንዓመጸኛ ህርፋን  ግጉይ መንገድን ብልጽግና ” ዝብል ምዃኑ ንጹር ስለ ዝኾነ፡ ዝርዝር ዘድልዮ ኣይኮነን።

እዚ ጉዳይ ቀልቢ ሕብረተሰብ ዓለም’ውን ስሒቡ ዘሻቕል ዘሎ ስለ ዝኸነ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ትካላትን መንግስታትን ግብረ-መልሲ ምድህሳስ ኣገዳስነት ኣለዎ። ብ3 ታሕሳስ 2025 ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ዝደወለ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት  ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ “ናይ ኣመሪካን ኢትዮጵያን ናይ ሓባር እምነት፡ ኣብቲ ዞባ ምርግጋእን ናይ ሰላም መሰረት ምንባርን ጥራይ እዩ“ ዝበሎ ንዝተረድኦ እቲ ህውከት ዝዕድም ኣካይዳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከይስዕርር ዘጠንቅቕ እዩ። ኣሚሪካ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2025 ዘጽደቐቶ ሃገራዊ ጸጥታዊ እስትራተጂ’ውን መልእኽቱ  ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን።

ብዙሓት ወገናት፡ ነቲ “ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ የድልያ ዶ? ዝብል ሕቶ መልሶም “እወ የድልያ” ዝብል ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ነዚ ኣድላይነት ኤርትራውያን እውን ዘይንክሕዶ ሓቂ እዩ። እዚ ተረዳኦ’ዚ  ግና፡ ካብቲ ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ረጊጻ ባሕርን ወደብ ኤርትራ ክትውንን ዝብል ሃንደፍደፍ ኣዝዩ ዝረሓቐን ብመሰረቱ ዝተፈልየን ምዃኑ፡ ኢትዮጵያውያን ክግንዘብዎ ዝነበሮም ዓብይ ጉዳይ እዩ። ስለዚ ነቶም ኢትዮጵያ ከም ሓንቲ “ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር” ወደብ ንክትረክብ ንኤርትራ ክትወራ ዓለም ትድግፋ’ላ ኢሎም ዝምድሩ ክሳብ ክንደይ ንህዝቢ  የደናግሩን ይሽፍጡን ከም ዘለዉ ቅድሚ ኩሉ እቲ በዓል ዋኒን ኢትዮጵያዊ ክግንዘቦ ዝግበኦ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ጉዳይ ምውናን ኣፍደገ ባሕርን ምህናጽ መደበር ሓይሊ ባሕርን ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣጀንዳ ክኾነሉ ንዘቕረቦ ሕቶ ዝተዋህቦ ግብረ-መልሲ፡ ብዝምልከት  ቢቢሲ ከም ዘስፈረቶ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሃገራት ምዕራብን  ብንጹር  ሕቶ  ኢትዮጵያ ኣብቲ ተሃዋሲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ዘይምርግጋእ ከምጽእ ዝኽእል እዩ” ዝብል ይርከቦ። እዚ መልሲ ንዝደረኦ መሰረታዊ መልእኽቱ ንኢትዮጵያ እዩ። ጸለውቲ ካብ ዝበሃላ ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ሩሲያ እውን፡ ኣብዚ ዛዕባዚ ዝሃበቶ ምኽሪ፡ ምስ ኤርትራ ዘለኩም ጉዳይ፡ ኣብ ክንዲ ብሓይሊ ብልዝብን ዘተን ጥራይ እዩ ክተሓዝ ዘለዎ”   እያ ኢላ።

ኣብ ርእሲዚ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኢውሮጳን ኣብ ቡሩንዲ ድሕሪ  ዘካየደኦ 7ይ ናይ ሓባር ርክብ፡ ኣብ ዘውጸአኦ መግለጺንልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ናጽነት ናይ ሃገራት ሓዊስካ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሕግታትን መትከላትን ንምዕቃብ ቅሩባት ኣለና። እዞም መትከላት እዚኣቶም ናብ ዘተ ወይ ዋጋ ዕዳጋ ዝቐርቡ ኣይኮኑን።”  ዝበለኦ ከኣ ናብ ከም  ኢትዮጵያ ናብ ዝኣመሰለ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ዝመርጻ ዘቕነዐ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ብምኽንያት መበል 25 ዓመት ምኽታም ስምምዕ ኣልጀርስ ኣመልኪተን መግለጺ ዘውጸኣ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት’ውን ማእከለን “ምኽባር ናይ ሃገራት ላኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን”  ዝብል እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ደገፍቲ ብልጽግና ካብ ዝበሃሉን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ብዛዕባ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ ብቐጻሊ ካብ ምሕላም ዓዲ ዘይወዓለን፡ ትግራዋይ ፖለቲከኛ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘውጸኦ ጽሑፍ ብውሕዱ ብመንጽር ኣሰራርዓ ቀዳምነታትት፡ “ኢትዮጵያ ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ተዋሳኢት ንምዃን፡ ቅድም ቀዳድም ውሽጣዊ ጸጥታዊ ብደሆታታ ብሰላማዊ መንገዲ ክትፈትሕ ኣለዋ፡” ዝበሎ ከይጠቐስካዮ ዝሕለፍ ግብረ-መልሲ ኣይኮነን። ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ግብጺ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ኢትዮጵያ ክሳብ ምጽኣተ-ዓለም ባሕሪ ዘይብላ ኮይና ክትነብርያ” ዝበሎ ድማ መንቀሊኡ ርዱእ ኮይኑ፡  ጓሲኻዮ ዝሕለፍ ኣይኮነን።

እቶም ንሕቶ ኢትዮጵያ “ናይ ተዓገሱ”  ግብረ-መልሲ ዝህቡ ዘለዉ ኣካላት፡ መሰረታዊ መበገሲኦም እቲ ኣብ ኣጠቓቕማ  ኣፍደገ ባሕርን ወደብን፡ ናይተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ዝምልከት ዓለም ለኻዊ ቻርተር

ኣብ ዓንቀጽ 125 ካብ ቁጽሪ 1-3 ንኡሳን ዓንቀጻት ሰፊርዎ ዘሎን፡ ቻርተር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ መትከላት ዝብል ኣርእስቲ፡ ዓንቀጽ 4 ቁጽሪ 1ን 2ን ንምኽባር ልኡላውነትን ዶባትን ኣባል ሃገራት ዝምልከትን  እዮም።

ኣብ ርእሲኡ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ዘቤታዊ ውግኣት፡ “እምበርከ ከም ሃገር ክትቅጽል ድያ?” ኣብ ዝበሃለሉን ብሰንኪ ቁጠባዊ ውድቀት ማሕበራዊ ህይወት ህዝባ ኣዝዩ ኣብ ቅልውላው ኣብ ዝወደቐሉን ግዜ ምዃኑ እውን ተወሳኺ ምኽንያት ናይቶም ተዓገሱ ዝብሉ እዩ።  

Page 1 of 627