ሰኑይ 6 ሚያዝያ ሽማግለ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣቐዲሙ ተሓቢሩ ከምዝነበረ ጉባኤ ዞባ ኣብ ወርሒ ጉንበት 2026 ብመራኸቢ ብዙሃን ክካየድ ተወሲኑ ኣሎ። ቀንዲ ዛዕባ ኣኼባ እምበኣር ዕዉት ዞባዊ ጉባኤ ንምስልሳል ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ምድላው ምምዛን እዩ ነይሩ።

መጀመርታ ናይ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ድሒሩ ድማ ናይ ሓጻዪት ሽማግለ ናይ ስራሕ ጸብጻባት ቀሪቡ።

  • ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኩሉ ዝድለ ምድላዋት ተካይድ ምህላዋ ድሕሪ ምግላጽ ዘመናዊ ተክኖሎጂ ተጠቒምና እንህቦ ድምጺ ብግቡእ ምእንቲ ክቁጸርን ዝኾነ ይኹን ጽገማት ከምዘይጋጥም ንምርግጋጽን መፈተኒ ድምጺታት ክእከብ ምዃኑ ተሓቢሩ። ኩሉ ዝድለ ሰነዳት ኣብ ምድላው ከምዘላ ድማ ገሊጻ።
  • ሓጻዪት ሽማግለ ብወገና ዳርጋ ኩለን ጨናፍር ከምዝሓጸያን ንነፍስወከፍ ሕጹይ ወይ ሕጽይቲ ብደብዳቤ ክትሕብር ምዃና ሓቢራ። ተሪፉዋ ዘሎ ስራሕ ዞባ ክመርሑ ድሉዋት ዝኾኑ ኣጻርያ ናብ ጉባኤ ምቕራብ እዩ።

ምልኪ ይፍረስ! ፍትሒ ይንገስ!

ክንዕወት ኢና!

ክፍሊ ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ

6 ሚያዝያ 2026                                                                

ካብቶም  ናይ 2ይ ደረጃ ፈተና ክቐርቡ ትጽቢት ዝግበረሎም ተመሃሮ ሱዳን

ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ብሰንኪቲ ውግእ ዝተመዛበሉ ተመሃሮ ሱዳን ንምሕጋዝ፡ ኣብ 2ይ ሰሙን ወርሒ ማዝያ 2026፡ ኣብ ከተማ ጁባ 1,224 ተመሃሮ ናይ 2ይ ደረጃ  ምስክር ወረቐት ፈተና ዝወስድሉ መደብ ከም ዝሰርዑ “ሱዳን ፖስት SUDAN POST” ዝተባህለ ትካል ዜና ሓቢሩ። ካብዞም ተመሃሮ ድሮ 800 ዝኾኑ ካብቲ ተዓቚበምሉ ዝነበሩ መደበራት ከተማ ጁባ ክበጽሑ እንከለዉ፡ ኣስታት 424 ተመሃሮ ግና ብሰንኪ ናይ መጐዓዝያ ሕጽረትን ናይ ጸጥታ ስግኣትን ኣወይል ኣብ ዝተባህለ መደበር ስደተኛ  ይጽበዩ ምህላዎም ተሓቢሩ።

እዚ መደብ ምውሳድ ፈተና ናይ ደቡብ ሱዳን ምክትል ፕረሲደንትን ሚኒስተር ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ሑሴን ዓብደልባጊ ምስ ኣንበሳደር ሱዳን ኣብ ጁባ ኢሳም መሓመድ ከራርን ሚኒስተር ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኩዮክ ኣቦል ኩዮክን ድሕሪ ምዝርራብ ዝወጸ ምዃኑ እውን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። እቲ ፈተና ክሳብ 27 ማዝያ 2026 ኣብ ዘሎ መዓልታት ከም ዝፍጸም ከኣ ተፈሊጡ።

ኣንበሳደር ሱዳን ኣብ ደቡብ ሱዳን ከራር፡ ብዛዕባቲ መደብ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብሓፈሻ እቲ መስርሕ ፈተና ብሰላም ክካየድ ብፍላይ ድማ ነቶም መጓዓዝያ ስኢኖም ተዓጽዮም ዘለዉ ጸገሞም ቀልጢፉ ንክፍታሕ ኣተሓሳሲቦም።

ብወገን ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ድማ፡ ተመሃሮ ሱዳን ካብቲ ተዓጊተምዎ ዘለዉ መደበር ኣወይል ናብ ጁባ ብውሑስ መንገዲ ዝጐዓዝሉ መስርሕ ክመዓራረየሎምን ፈተናኦም ብሰላማውን ውሑስን ሃዋህው ክካየድ ኩሉ ዝከኣሎም ዘበለ ይገብሩ ከም ዘለዉ ኣረጋጊጾም።  እቲ መደብ ምሃብ ፈተና ተመሃሮ ብዝምልከቶም ሰብኣዊ ትካላት ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ይነኣድሉ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

Thursday, 09 April 2026 21:25

Dimtsi Harnnet Kassel 09.04.2026

Written by

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመደ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኣብ ዝተሳተፍሉ መድረኽ ብ7 ማዝያ 2026; ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮይኑ ክመርሕ ናይ  ዝጸንሐ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ጸብጻብ ከም ዝሰምዐ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣቃሊሐን።

ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዚ ጸብጻብ ዘቕረበ ንሓደ ዓመት ንክመርሕ ዝተዋህቦ ናይ ግዜ ገደብ ንክውዳእ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ምስ ዝተረፎ እዩ። ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ዝቐረበ ጸብጻብ’ኳ እንተዘይተገልጸ፡ ጀነራል ታደሰ ካብ 8 ሚያዝያ 2026 ጀሚሩ ንዝቕጽል ሓደ ዓመት ኣብቲ ናይ ፕረሲደንትነት መዝነቱ ንክቕጽል  ብፈደራል መንግስቲ ከም ዝተወሰነ ተሓቢሩ።

መንግስታዊ መዲያ ኮርፖሬሽ ፈነወ ኢትዮጵያ፡ ከም ዝገለጸቶ እቲ ምንዋሕ ብመሰረት ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀጽ 62 (9)ን ብኣዋጅ ቁጽሪ 359/1995፡ ዓንቀጽ 14 ንኡስ ዓንቀጽ 2 (ለ)ን  ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ፈደራል ዝተወሰነ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ጸብጻብ ዝቕረበሉ ኣኼባ፡ ብወገን ፈደራል መንግስቲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓላቓ ስታፍ ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ጌደዎን ጢመቲዎስ፡ ኣዛዚ ፈደራል ፖሊስ ጀነራል ኮሚሽነር ደምመላሽ ገብረሚካኤ፡ ሚኒስተር ልምዓት መስኖን ከባቢታት ቆላን ዶር ኣብርሃም በላይን ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጌታቸው ረዳን ክርከቡ እንከለዉ፡ ብወገን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግና ጀነራል ታደሰ ወረደ ንበይኑ እዩ ተሳቲፉ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ እታ ኣብዚ እዋንዚ ሕጋውነት ብኮምስን ምርጫ ቦርድ ዝተሰረዘ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሓያሎ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይን ዝርከብዎ ኣካል፡ ድሕሪ ሕጂ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝበሃል  ኣየድልየናን ብዝብል  ንምንዋሕ መዝነት ታደሰ ወረደ ከም ዝነጽግዎ ይሕበር ኣሎ። እዚ ኩነታት ናይቲ ሰላም ከውሕስ ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ምፍራሱ ዘመልክት እዩ። በዚ መሰረት  ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ሓይሊ ትግራይን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሕድሕድ ተጋሩ ንዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ’ውን ናብ ሓደገኛ ኣቕጣጫ ከይወስዶ ዘስግእ ዘሎ እዩ።

ቤት-ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብ4 ሚያዝያ 2026 ናይ ኣባላት ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣካይዳ። እዚ ኣኼባ’ዚ፡ ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝጸደቐ መደብ ስራሕ ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ዝካየድ ኮይኑ፡ ብኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ፖሓኤን ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮን ወ/ሮ ኣድያም ተፈራ እዩ ተመሪሑ።

ኣኼባ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤትራ፡ ተሳትፎን ንቕሓትን ደቂ-ኣንስትዮ ክብ ንኽብል ጽዑቕ ጻዕሪ ምክያድ ከም ዘድሊ ብሰፊሑ ተመያይጡ  ኣድላይነቱ ኣስሚሩሉ። ብዘይካ’ዚ ሕቶ መሰል ደቂ-ኣንስትዮ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል እውን  ብምዃኑ ኩሎም ምእንቲ ፍትሒ ዝቃልሱ ኣካላት ግደኦም ዘበርክቱሉ መድረኽ ቃልሲ ምዃኑ እቲ ዜና ኣረዲኡ። እቲ ንቕሓት ኣባላት ክብ ናይ ምባለ ዕማም  ብመንገዲ ጥምሮ     ኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ብምጽዋዕ ኣብ ቀጻሊ ተደጋጋሚ ኣስተምህሮ ክወሃብ ኣኼባ ወሲኑ።

ጥምሮ ኣብያተ- ጽሕፈት  ዉደባ፡ መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ፖሓኤ፡ መደባት ምንቕቓሕ ከካይድ  ዝቖመ ኣካል እዩ። ኣብ መደምደምታ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ተመሳሳሊ ሓፈሻዊ ኣኼባ ንኽካየድ ድሕሪ ምውሳን ኣኼባ ተዛዚሙ ክብል እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ፖሓኤ ዝተረኽበ ዜና ኣፍሊጡ። 

ኣብዚ እዋን’ዚ ንነብረላ ዘለና ዓለም፡ በይንኻ እትነብረላ ዘይኮነት፡ እቲ ሓደ በቲ ካልእ ዝያዳ ኣብ ዝጽለወሉን ዝተሓባባረሉን ዘበን ኢና እንርከብ። እቲ ምጽልላው  ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ጐረባብቲ ክኸው እንከሎ ድማ ዝያዳ ይዓዝዝ። ነዚ ምቅርራብ ካብ ዘማዕበልዎ ተረኽቦታት ሓደ ከኣ፡ እቲ ንዓለምና ናብ ሓንቲ ቁሸት ቀይርዋ ዘሎ፡ ዕቤት ኣብ ዘመናዊ መራኸቢ እዩ። እቲ ቅልጡፍ ምጽልላው ዝያዳ ኣብ መዳያት ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ፡ ጸጥታዊ ድሕንነት፡ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ዘተኩር ኮይኑ፡ ካልእ  መልከዓት’ውን ኣለዎ።

እቲ ክብደት ሕድሕድ ምጽልላው ብኣተሓሕዛኡን ምምሕዳሩን ዝውሰን ኮይኑ፡  ኣውንታውን ኣሉታዊውን መልክዓት ሒዙ ዝኽሰተሉ  ኩነታት ኣሎ። ኣየንኡ መልክዕ ይሕዝ ኣብ ምውሳን ከኣ ናይቶም ዝዛመዱ መንግስታት ግደ ወሳኒ እዩ። ኣብ መንጎ ሃገራት ዝፍጠር ኣሉታዊ ይኹን ኣውንታዊ ተጽዕኖታት፡ ነናቱ ስንብራት ዘለዎ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ጐረባብቲ ዝግበር ርክብ ግና ብቐረባ ዝርአን ብዕለታዊ ምንቅስቓስ ዝግለጽን ስለ ዝኾነ፡ ኣሰሩ ሓያል እዩ።

ዝምድና ጐረባብቲ ክሳብ ክንድዚ ወሳኒ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ “እንተ ክትድቅስ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝበሃል። ናይዚ ኣበሃህላ ትርጉም ከኣ ናይ ጐረቤትካ ጸጋ ኮነ ሕሰም፡ ኣብ ልዕሌኻ’ውን ተጽዕኖ ዘሕድር ምዃኑ ዘመልክት እዩ። እዚ ብመልክዕ ስድራቤታዊ ዝዕቀን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብደረጃ ሃገራት እውን ዝረአ እዩ። ኤርትራን ህዝባን ከኣ ናይዚ ተጸላላዊ ጉርብትና ውረድ ደይብ መሪር ተመኩሮ ኣለዎም።

ህዝብታት መንግስታቶም ብዘውሕስዎ ሰላምን ብልጽግናን ተጠቀምቲ እዮም። ብኣንጻሩ መንግስታት ምስ ጐረባብቲ ኮነ ምስ ርሑቕ ብዝፈጥርዎ ምርሕሓቕን ህውከትን ዝህሰዩ’ውን  እቶም ህዝብታት እዮም። ህዝቢ ኤርትራ በቲ ክሓልፎ ዝጸንሐን ዘሎን ህይወት ኣብዚ መዳይ’ውን መስካሪ እዩ። ኣብቲ መስርሕ ዝምድና ዝረአ ውጽኢት ከኣ መንግስታት ክሳብ ክንደይ ትርግታ ልቢ ህዝቦም ኣብ ግምት የእትዉን ኣየእትዉን ዝምዘንሉ መሰረታዊ መዕቀኒ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ንህዝቢ ኤርትራ ወሲኽካ፡ መንግስታቶም ካብ ባህጎም ወጻኢ ብምኻዶም፡  ድምጾም ዘስምዑን ናብ ዝሓሸ ልዕልና ንምብራኽ ዝቃለሱን ብዙሓት እዮም።

እዚ ኣብቶም ብዘይ ምርጫ ህዝቢ ብኢደወነኖም ኣብ ስልጣን ዝተወጥሑ ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ስርዓታት ከም ዝገድድ ካብ መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ኣብነት ዝኸውን የለን። ሳዕቤን ኢደወነናዊ ኣካይዳን ዝምድናን  መንግስታት ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ ብምዝያዳ ምስ ጐረባብቲ ኣብ ዝግበር ርክብዩ ዝንጸባረቕ። ህግደፍ በብመድረኹ ብሓፈሻ ምስ ኩለን ጐረባብትና ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ ምስታ ብኣስታት 1,033 ኪ/ሜት እትዳወበና ኢትዮጵያ ክገብሮ ኣብ ዝጸንሐ፡ ትካላውነትን ግሉጽ ፖሊስን ዘይነበሮ፡ ኣርሒቑ ዘይርእን ብጉጅላዊ ድሌት ጥራይ ዝተጨውየን ስንኩፍ ዝምድና፡ ክሳብ ክንደይ ንህዝብና ዋጋ ከኽፍሎ ከም ዝጸንሐን ከም ዘሎን ኩሉ ገዲፍካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝከላበቱ ዘለዉ ኤርትራውያን መሰኻኽር እዮም። 

ዘለናዮ ዘበን፡ ዝሃለወ ይሃልው ጽልዋን ጸጋን ዝውንና መንግስታት ከይተረፋ፡ ዶባተን ዓጽየን በይነን ዝዕንድራሉ ዘይኮነ፡ መኻይዲ ዝደልያሉ’ዩ። ነቲ በይንኻ ምንባር፡ ካብ ኣሜሪካ ጀሚርካ እተን  ሓያላት ኢና ዝብላ ሃገራት’ውን ኣይከኣለኦን። ናይ ዝተፈላለያ ላዕለዎት ሃገራት ሓለፍቲ፡ ካብ እስራኤል ናብ ዋሽንግተን፡ ካብ ካይሮ ናብ ርያድን ኣቡዛብን፡ ካብ ኣንካራ ናብ መቃድሾን ኣዲስ ኣበባን፡ ካብ ቻይናን ሩሲያን ናብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ሪያድ ናብ ኣስመራ ….ወዘተ ዝረአ  ምውንጫፍ ቀጻሊ ዜና ዝኸውን ዘሎ ከኣ በዚ ድርኺት እዩ። ብፍላይ ርክብ ጐረባብቲ ምክብባር፡ ናይ ሓባር ተጠቃምነት፡  ናይ ሕድሕድ ናጻጽነትን ኢድ ኣእታውነት ዘይፈቅድን እንተዘይኮይኑ፡ ውሑስ ዕቤትን ሰላምን ዘምጽእ ኣይኮነን።

ሓደ ሓያል እየ ዝብል ኣካል፡ ናይቲ ካልእ መዛምድቱ “ኢድ ጠውዩ”፡  ናይ “ሰዓርን ሰዓርን” ዘይኮነ ናይ፡ “ሰዓርን ተሰዓርን” ፖሊሲ መሪጹ፡ ብጉልበት ኣፈራሪሑ ዝምድና ክፈጥር ዝፍትን ግና ውጽኢቱ ግዝያዊ እንተዘይኮይኑ፡ ቀጻልን ዘተኣማምንን ርግኣት ዘምጽእ ኣይኮነን።  ንናይቲ “ሓያል እየ” ኢሉ ዝምካሕ ስርዓት  ህዝቢ ረብሓ ከምዘይከውን ከኣ ግንዛበ ክረክብ ዝግበኦ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ዝምድናኡ ምስ ኤርትራ ክቓንየሉ ዝፍትኖ ዘሎ ኣብ ሓይሊ ዝምርኮስ፡ ናይ “ዓይኒ የብለይ ስኒ የበለይ”   ፖሊሲ ከኣ በዚ መንጽር ዝረአ እዩ።

መንግስታት ከም ምሕብኢ ክጥቀምሉ ዝፍትኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራን ጐረባብታን ክደጋገም ዝስማዕ ዘሎ “ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ” ዝብል እዩ። ብደረጃ ተረድኦ እዚ ኣምር ዝድገፍ እዩ። እንተኾነ ህዝብታት፡ “ናይ መንግስታት ጉዳይ ንዓኣቶም ይምልከት፡ ንሕና ከም ህዝብታት ንዛመድ”  ኢሎም ኣብ ልዕሊ መንግስታቶም ተጽዕኖ ከሕድርሉ ዝኽእሉ ናጻነትን ዲሞክራስያዊ ዓቕምን ክህልዎም ይግባእ። እዚ ኣብ ዘይተረጋገጸሉ ዝዝመር “ህዝቢ ምስ ህዝቢ” ግና፡  ናይ መንግስታት መሕብኢ ድራማ እዩ ዝኸውን።

 ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ትሕቲ “እንታይ ከም ዝዛረብን እንታይ ከምዝሓስብን” ዝውስነሉ ምምሕዳር ህግደፍ እናሃለወ፡ መንግስቲ ኢድዱ ዘየንበረሉ መስርሕ ህዝቢ ምስ ህዝቢ የካይድ ኣሎ ምባል፡ ናይቶም በሃልቱ ብደዐ ዘርኢ እዩ። እዚ ማለት ግና ህዝቢ ኤርትራ ብቃልሱ ነዚ ወሳኒ ዓቕሚ ኣይከረጋግጾን’ዩ፡ ማለት ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ብሓደ ወገን፡ ኣብ ጐረባብትና ሃገራት ኣንጠልጢሉ ዘሎ ደበና ውግእን ስግኣትን፡ ኣባና’ውን ክዘንብ ከም ዝኽእል፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣሳፊሑ ዘሎ ጭቆናን ወጽዓን ናብ ጐረባብታና ክላባዕ ከም ዝኽእል ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። እታ ፖለቲካዊ ኩዕሶ ሓንሳብ ናብ ካለኦት ምስ ተቐለዐት፡ ብኡ ኣቢላ ትርሕቕ ዘይኮነት፡ ተመሊሳ  ከም እትቕላዕ ምርዳእ ከኣ ኣገዳሲ እዩ።

 ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ሰላሙ ክሓስብ እንከሎ፡ ብዛዕባ ናይ ጐረባብቱ ሰላም እውን ክሓስብ እምበር፡ ብዘይሓላፍነታዊ ጃህራን ዓንዳሪትን ህግደፍ ክስለብ የብሉን። ዝያዳ ድማ ሰላሙ ብናቱ  ባህግን ናይ ቃልሲ ቅሩብነትን ተዘይኮይኑ፡ ኣማዕድዩ ብዝምርቖምን ዝረግሞምን ኣልኣት ዝውሰን ከምዘይኮነ ክርዳእ ይግበኦ።

 

በሳደር ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያን ቀዋሚ ወኪል ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝኾነ ኣልዘይን ኢብራሂም ሑሴን ሓለፍቲ መንገዲ ኣየር ሱዳን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዳይረክተር ሲቪል ኣቬሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ዮሃንስ ኣርኣያ ተራኺቡ ከም ዝዘተየ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢራ።

ኣባላት ልኡኽ ሱዳን ወከልቲ መንገዲ ኣየር ቦርድን ካርጎ ኣቬሽንን ከም ዝርከብዎም እቲ ዜና ጠቒሱ። እቶም ልኡኻት እተን መንገዲ ኣየራት ሓቢረን ብዛዕባ ዝምዕብላሉን ኣገልግሎት ሲቪላዊ መጐዓዚያ ክልቲኡ ህዝብታት ስሩዕ ብዛዕባ ዝኾነሉ ኣገባባትን ከም ዝዘተዩ ከኣ እቲ ዜና ጠቒሱ። በቲ ዝተሰማምዕዎ መሰረት ዝካየድ ካብን ናብን መጓዓዝያ ንግዳዊ ምልውውዋጥ ሕብረተሰብ ክልቲኡ ሃገራት ባዛዕባ ዝኾነሉ ምዝርራቦም’ውን ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።

ኣንበሳደር ኣልዘይን ኢብራሂም ሑሴን  ኣብቲ ርክብ ኣብ ሱዳን ብዛዕባ ዘሎ ኣውንታዊ ህልዊ ኩነታት ክግምግም እንከሎ፡ ናይ መንግስቲ ሱዳን ምምሕዳር ካብ ፖርት ሱዳን ናብ ካርቱም ምምላስ ጠቒሱ፡ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም፡ ዓለም ለኻውን ናይ ውሽጢ ሃገርን ኣገልግሎት በረራ ይህብ ምህላዉ ገሊጹ። ኣብ መወዳእታ ድማ ክልቲኦም ወገናት ኣድላይነት ምሕያል ዝምድና ክልቲአን መንግዲ ኣየራት ተገንዚቦም ንናይ ሓባር ተጠቃምነት ክኸውን ከም ዝግበኦ ምርድዳኦም እቲ ዜና ሓቢሩ።

እዚ ኩነታት ዝፍጠር ዘሎ፡ ብሰንኪ ዞባዊ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ፡  ኢትዮጵያ ነቲ ብጀነራል ኣሕመድ ዳጋሎ ዝምራሕ ወገን ሱዳን ስለ እትድግፍ፡ ምስቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ኣትየምዎ ዘለዉ ምትፍናን ናብ ወግእ ከይዓርግ ኣብ ዘስገኣሉ ዘሎ ኩነታት እዩ።

ሱዳናዊ ሚኒስተርን ወከልቲ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ መኽፈቲ እቲ ስነ-ስርዓት

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪቲ 3ይ ዓመቱ ገይሩ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ሱዳን ኣብ ፖርት ሱዳን ዝጸንሐ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዋና ከተማ ናይታ ሃገር ካርቱም ከም ብሓድሽ ከፊቱ። ኣብ ስነ ስርዓት ናይቲ ዳግመ-ምኽፋት፡ ሚኒስተር  ወጻኢ ጉዳይን ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን ሱዳን ሞሓዲን ሳልምን ኣመሓዳሪ  ካርቱም ኣሕመድ ዑስማን ሓምዛን ወሲኽካ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ወከልቲ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ከም ዝተሳተፉ እውን እቲ ካብ ሱዳን ትሪቡን ዝተረኽበ ዜና ሓሓቢሩ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሱዳን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ስጉምቲ ምውሳዱ ኣመስጊኑ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ንሱዳን ታሪኻዊ ዕለት እዩ ኢልዎ። ብቲ ኣጋጣሚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወኪሎም ኣብ ጐኒ ህዝቢ ሱዳን ናብ ዝሰርሑ ኣካላት መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ሚኒስተር ሳልም ብተወሳኺ ዳርፉርን ኮርዱፉንን እውን ካብቲ በስንኪ እቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ዝበጽሖም ዘሎ በደል ክድሕኑ እዮም ዝብል ተስፋኡ ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ሚኒስተር ከም መንግስቲ፡ ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስለ ዝኾና፡ እቲ ውድብ ምእንቲ ሰላም ሱዳን ኣብ ዝወስዶም ተበግሶታት ክንተሓባበር ኢና ክብል ቃል ኣትዩ። ኣተሓሒዙ ድማ መንግስቲ ሱዳን ዝኾነ ኣካል ከገድዶ ከም ዘይፈቅድ ጠቒሱ፡ በቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ኣብ ቅድሚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ እማመ ሰላም ከም ዝምእዘዙ ኣረጋጊጹ። ካብዚ ሓሊፉ ንሚሊሻ ቦታ ከምዘይህቡ ጠቒሱ፡ ኣብ ጉዳዮም ናይ ወጻኢ ኢድ ኣእታውነት ከምዘይፈቕዱ ድማ ኣረጋጊጹ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሱዳን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባልነት ሱዳን ኣብ ናይ ምንጥልጣል ውሳነኡ ዳግመ ርኢቶ ንክገብር ኣተሓሳሲቡ። ኢጋድ ብወገኑ ዝጭበጥ ንከባቢያዊ ምርግጋእ ዝሕግዝ ስጉምቲ ንክወስድ ኣዘኻኺሩ። ብሓፈሻ ንኣስተዋጸኦ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ ንኣበርክቶ ደኒስ ብራውን ኣተሓባባሪት ሰብኣዊ ስረሓት ኣብ ሱዳን ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ብዝያዳ ድማ ነቲ ምስ ኩሉቲ ኣብ ሱዳን ዝጸንሐ ውግእ፡ እንኮ ካብ ሱዳን ንዘይወጸ ኣንበሳድር ዝንባብወ ብፍሉይ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።

Page 3 of 643