ዝኸበርካ ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ገረዝጊሄር ተወልደ

ዝኸበርካ ምክትል ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ያሲን መሓመድ ዓብደላ

ዝኸበርካ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይት ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ዮውሃንስ ኣስመላሽ

ዝኸበርኩም ወከልትን ኣባላትን ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ

ዝኸብርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ ፈስቲቫል 2025

እዚ ብስም ኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን ከምኡ‘ ውን ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ኣብ ፍራክፉርት ዝሰላሰል ዘሎ ፈስቲቫል 2025 ፍሉይ ዝገብሮ ፡ ድሕሪ ሓባራዊ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ 2024 ንካልኣይ እዋን ምጽንባሉ እዩ።

ስለ‘እዚ እምበኣር እንቛዕ ኣብዚ ኣብጸሓና፡ እንቛዕ ከኣ ብደሓን መጻእኩም።

ፈስቲቫልና ኣብ ፍሉይ ፖለቲካዊ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ፡

ሃገርና ኣብ ትሕቲ ገባቲ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ዝኸፍኤ ማሕበራዉን ፖለተኢካዉን ዲፕሎማስያዉን ኩነታት ኣብ ዘላትሉ እዋን፥

ኣብ ደገ ዝርከብ ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ 2 ሚልዮን ዝግመት፡ ገለ ሸነኽ ምስ ገባቲ ስርዓት ደው ኢሉ ኣብ በዓላቱን ፈስቲቫላቱን ክካፈልን ክስዕስዕን ከጣቅዕን እንከሎ፥

ዝበዝሔ ክፋል ኣብ ደገ ዘሎ ህዝቢ ግን፡ ናይ ኣብ በለጽን ጥቅምን ዝተመርኮሰ ናይ ሱቅ መርገጽ ሒዙ፡ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ንዕዘብ ኣሎና።

ተመኩሮ ዕጥቃዊ ቃልሲ መጀመርያ 70ታት ተመሊስና እንተረኤና፡ ህዝብን መንእሰይን ኤርትራ ብብዝሒ ኣብ ቃልሲ ምስ ተኻፈለ እዩ እተን ዝነበራ ዉዱባት  - ምስ ኩሉ ድኽመታተን - ክዓብያን ክዕወታን ክኢለን። እዚ ተኻፋልነት ህዝቢ እዩ‘ውን ናጽነት ኤርትራ ብ 1991 ዘምጸኤ።

ሕጂ‘ዉን እንተኾነ ብዘይ ተኻፋልነት ህዝቢ፡ ደንበ ተቃዉሞ ፍትሕን ዲሞክራስን ከምጽእ ኣይክእልን እዩ።

ልክዕ እዩ፡ ደንበ ተቃዉሞ ድኽመታት ከምዘልውዎ ኩላትና ንመዝኖ ጉዳይ እዩ። ተኻፋልነት ህዝቢ ግን ንቅድሚት ክደፍኦን ብኣዉንታ ክጸልዎን ይኽእል እዩ።

እቲ ብቃልስን ብመስዋእትን ዝተሃንጸ ሃገራዉነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቀራና መንገዲ እዩ ዘሎ።

በቲ ሓደ ሸነኽ ንሃገራዉነት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ዘቀሙጡ ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳት ይረኣዩ ምህላዎም፡

በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ንሃገራዉነት ኤርትራ ኣዳኺምካ፡ ብኡ መሰረት ድማ ንልዑላዉነት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ንምውራድ፡ ዝርኣዩ ፈተነታት ብጎራብቲ ሓይልታትን ሃገራትን ንዕዘብ ኣሎና። 

ስለዚ ቀንዲ ሓላፍነት ናይ እዞም ኣብዚ ፈስቲቫል 2025 ንርከብን ብሓፈሽኡ ድማ ደንበ ተቃዉሞ ንርከብን፡ ንሃገራውነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ዝዕቅብ ክኸዉን ጻዕሪ ዘድልዮ ናይ ኩላትና ቃልሲ እዩ።

እምበኣር ፈስቲቫል 2025 በዚ መንፈስ ተበጊሱ፡ ኣብ ዲሞክራስን ኣብ ፍትሕን  ክጋባእን ክበዓልን ተስፋ ይገብር።

ፍትሕን ዲሞክራስን ንሃገርና

/ ኣክሊሉ ግርማይ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሰናዳእቲ ፈስቲቫል ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ 2025  

ዝኸበርካ ኣቦ-መንበር ፖሊቲካዊ ሓይሊታት ኤርትራ!

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል 2025!

ንባይቶ ዳርምሽታትን ከባብን ኣብ ፈስቲቫልኩም ንኽትሳተፍ ብዝገበርኩምልና ዕድመ ካብ ልቢ ዝነቐለ ምስጋናኣ ተቕርብ። ናብ‘ዚ ክቡር ፈስቲቫልኩም ብኣካል ምሳኹም ንኽንውዕል ባህጊና እኳ እንተነበረ፡ ብስራሕን ካልኦት ኣቐዲሞም ዝተታሕዙ ጉዳያትን ግን ክጥዕም ስለዘይተኻእለ እንሆ ሓጺር ናይ ምሕዝነት ቃልና ብጽሑፍ ነቕርብ።

ናይ ሎም ዓመት ፈስቲቫልኩም ዓለምና ኣዝያ ኣብ እትህወጸሉ ዘላ ህሞት፡ ሓዲሽ  ፖሊቲካዊ ምግልባጥን ምሕዝነታትን ዝርኣየሉ ዘሎ ኢዩ ዝሰላሰል ዘሎ። ኣብ ከም‘ዚ ዝኣምሰለ ንሃገርና ኤርትራ እውን ዝሓወሰ፡ ተሃዋሲ፡ በዳሂ፡ ዓመጽን ግፍዕን እናሳዕረረ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ ከም‘ዚ ዓይነት ህዝባዊ ርክብ፡ ብዛዕባኡ ንምምይያጥ ዕድል ስለ ዝኸፍት ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ።

ዝተፈላለያ በርጌሳውያን ማሕበራት ከምኡ`ውን ዝተፈለየ ርእይቶ ንዝውክሉ ዉልቀ-ሰባት ናብ ሓደ መኣዲ-ዘተ ብምምጻእ ብዛዕባ ህሉውን መጻኢን ጒዳይ ሃገሮምን ህዝቦምን ንምምይያጥ ብኡ ኣቢልካ ድማ፡ መፍትሒ ዝኾኑ ሓሳባት  ንምንዳይን ንምርካብን ዝወሰድኩሞ ተበግሶ ኣዝዩ ዝነኣድ‘ዩ።

ምስሳንን ምብርታዕን በርጌሳውያን ማሕበራት እምነ-መሰረት ናይ ሓደ ዲሞክራስያዊ ሕብረተሰብን መንግስትን ኢዩ። ዕላማ ተቓለስቲ ንፍትሒ ዝኾኑ ምንቅስቃሳትን ከምኡ‘ውን ፖሊቲካውያን ውድባት ከኣ ሓንቲ ብሕጊ እትመሓደር ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንኽትህሉው ኢዩ። ሓደ ኣብ ዓመጽ ዝተመስረተ ስርዓት በኣንጻሩ በርጌሳውያን ማሕበራት ከምዘይስስና ጥራይ ዘይኮነስ ከምዘይህሉዋ እውን ኢዩ ዝገብር። ብኩራት ግደን ተራን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝንቀሳቐሳ ናይ በርጌሳውያን ማሕበራትን ፖሊቲካዊ ሰልፍታትን ከኣ እዚ ኣብ መብዛሕተን ዲክታቶርያውያን ስርዓታት፡ ብቐረባ እውን ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ እንርእዮ ዘለና ሓቂ ኢዩ ሳዕብየናቱ።

እምበኣርከስ እዚ ጀሚርኩሞ ዘለኹም ተሳትፎ በርጌሳውያን ማሕበራት ንኽትቅጽሉዎ ኣገዳስነት ኣሎው። ሃብታም ናይ ቃልሲ ተሞኩሮን ዓቕምን ከምዘሎኩም መጠን ከኣ እንተላይ እውን ምስ ኩለን ወይ ዝብዝሓ ፖሊቲካውያን ሓይሊታት ብምትሕብባር ሓደ ጥርኑፍ ሓይሊ ወይ ጽላል ንምቛም ብዝያዳ ንኽትጽዕርሉ ናይ‘ዚ እዋን ጠለብ ኢዩ‘ሞ ንኽትደፍእሉ ትጽቢትናን ሓደራናን እዩ።

ጥምረት ናይ ተቓለስቲ ንፍትሒ ምስ ዝረጋግጽ ኢዩ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ተስፋ ዝኾኖ፡ እቲ ጨቁኑ ሒዙዎ ዘሎ ጒጅለ ህግደፍ ከኣ ብቐንዱ ዝስዓር ኣብ መዋዳእታኡ ክኣ ሓንቲ ፍትሓዊትን ዲሞክራያዊትን ኤርትራ ክንምስርት እንኽእል።

ኣብ መደምድምታ ኩላትና ኣብ ዘዘለናዮን በብዝጥዕመናን ግን ክኣ እናተወሃሃድና ኣድማዒ በርጌሳዊ እጃምና ነበርክት። ከምኡ እንተጌርና ኣብ መወዳእታ ከምእንዕወት ጥርጥር የልቦን እሞ ኣይንሕመቕ።

ባይቶ ዳርምሽታትን ከባብን ካብ ምንቅስቓስ ይኣክል ዝመንጨወ ጥርናፈ ወይ እውን በርጌሳዊ ማሕበር ኢዩ። ኣብ‘ቲ ዝርከቦ ቦታን ከባብን እውን ምስ ዝተፈላለዩ በርጌሳውያን ማሕበራትን ፖሊቲከኛታትን እናተራኸበ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ከቃልሕን፣ ብመጠኑ ባህልን ስነጥበብን ሃገርና ከላልን ጽኒሑን ኣሎን።

ዕዉት ፈስቲቫል ንምነየልኩም

ባይቶ ዳርምሽታትን ከባብን

02-08-2025

ኣዳም ስቺፍ፡ ዊፕ፡ ዲክ ዱርባንን ችሪስ ኩስን ዝተባህሉ፡ ኣሚሪካውያን ሰኔተራት፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ስምዕታ ብ1 ነሃሰ 2025 ዘርጊሖም። ኣብቲ ብመንገዲ ኣዳም ስቺፍስ ካብ ካሊፎርንያ ዝዘርግሕዎ ውሳነ ሓሳብ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ንዓሰርተታ ዓመታት ክፍጸም ዝጸንሐን ዝቕጽል ዘሎን ግጉይ ኣጠቓቕማ ስልጣን፡ ናይ ግዜ ደረት ዘየብሉን ዘይሕጋውን ማእሰርትን ኣተሓሕዛኡን፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ኩነታትን ዘርዚሮም። ኣተሓሒዞም ድማ  ምእንቲ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝብህጎ ሰናይ ምምሕዳር፡ ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን እምነትን ኣብ ጐኑ ከም ዝስለፉ ቃል ኣትዮም

ካብቶም  ግዱሳት ሰኔተራት ዱርቢን ብወገኑ ኣብ ዘስፈሮ ሓሳብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ይሓልፎ ንዘሎ ኩነታት ክገልጾ እንከሎ፡ “ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ብኩራት መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ዲሞክራሲያዊ ትካላትን”ብዝብል ጠቒስዎ። ብምትሕሓዝ ድማ ኣብ ኤርትራ ካብ 1993 ክሳብ ሎሚ ምርጫ ዘይምክያዱን፡ ኢሳይስ ኣፈወርቂ ድማ ብጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ክቱር ምቁጽጻር ኣብ ሃይማኖት ኢድ ብምእታውን ብ1997 ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ ብምጭዋይን ስልጣን ብሒቱ ከም ዘሎ ኣብቲ ዝዘርግዎ ሓሳብ ኣስፊሮም።

ኣተሓሒዞም ከኣ ሰኔት ኣመሪካ፡  ነቲ ሰለስቲኦም ዘቕረብዎ ሓሳብ፡ ኣፍልጦ ከም ዝህቦን ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ንዲሞክራስን ሰናይ ምምሕዳርን ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዝረደኦን ጠቒሶም፡ ነቲ ዘንቅድዎ ዘለዉ ሓሳብ  ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ከብጽሕዎ ከም ዝጽዕሩን ኣፍሊጦም። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ስግኣት፡ ዓመጽን ጥልመትን ኮይኑ፡ ንነጻነት፡ ንዲሞክራስን ንመጻኢ ዘዋጸኦን ብድምጹ ክውስን ይጽበ ከም ዘሎ፡ ብፍላይ ሰኔተር ኩን ጠቒሱ።

እቶም ነዚ መሰረታዊ መሰላት ስለ ዝሓተቱ ሃለዋቶም ጠፊኡ ዘሎ ኤርትራውያን ኣዝዮም  ብዙሓት ምዃኖም ድማ ኣቃሊዖም። በዚ መስረት ኤርትራዊ ካብቲ ዝነብሮ ዘሎ መከራ ወጺኡ ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ክሕለወሉ ዝግባእ ህዝቢ እዩ ኢሎም ከም ዝኣምኑ መስኪሮም።

እቲ ነዚ ብዝምልከት ዘውጽእዎ፡ ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ በደላት ዝማእከሉ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ 4 ገጻት ዝሓዘ መሰረታዊ ሓሳብ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ተዘርጊሐምዎ’ለዉ።

እቶም ምሁራትን ወከልቲ ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ኦሮሞ ኣብ ኣኼባ

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ምሁራትን ተወከልቲ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ብሄር ኦሮሞ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ሓምለ 2025 ኣብ ምሪላንድ ኣኼባ ከምዘካየዱ፡ “ኦሮሞ መዲያ ኔት ዎርክ (oromo media network) ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። ኣብቲ ኣኼባኦም ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ “ክቕየር ኣለዎ” ኣብ ዝብል ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ብዘውጽእዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።

እቲ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኦሮሞ ዘይውክል ምዃኑ ጠቒሶም። ኣብ ርእሲኡ ድማ እቶም ፖለቲከኛታት ኣባላት ቄሮ፡ ኦነግን ካለኦት ውድባትን ዝርከብዎም፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ካለኦት ሃገራት ይፈጥሮ ንዘሎ ማህሰይትን ተጽዕኖን ከም ዝቃለስዎ’ውን ሓቢሮም። እዞም ምሁራትን ተወከልቲ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ኣብ መወዳእታ፡ ኢትዮጵያውያን ብሓባር ኣንጻርዚ ኣብ ኢትዮጵያ  ዘሎ መንግስቲ ንክቃለሱ ጸዊዖም። እታ ነቲ ኣኼባ ዘወሃሃደት ኮሚተ ብወገና፡  እቲ መደብ ተሰሪዕሉ ዘሎ ተመሳሳሊ ኣኼባታት ክቕጽል ምዃኑ በቲ መገለጺ ሓቢራ።  

ዶር ጸጋየ ኣራርሳ፡ ዶር ህዝቅኤል ጋቢሳን ኣቶ በቀለ ገርባን ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝተሳተፉ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ኦሮሞ እዮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ፕረሲደንት ሰልፊ ብልጽግና  ዝመርሖ ዘሎ መንግስቲ መንግስቲ ናይ ኦሮሞ ወኪልዩ እናተባህለኳ ዝሕመ እንተኾነ፡  ብፖለቲከኛታት ብሄር እውን ሓያል ተቓውሞ ዘጋጥሞ ዘሎ እዩ።

Thursday, 31 July 2025 21:44

Dimtsi Harnnet Kassel 31.07.2025

Written by

የመናውያን ኣብ መስርሕ ምግፋፍ ዓሳ

ኤርትራ 53 ኣብ ትሕቲኣ ዝጸንሑ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክትፈትሕ እንከላ፡ ጉጅለ ሑቲ የመን ብወገኑ ኣብ ትሕቲኡ ዝጸንሑ 7 ኤርትራውያን ወተሃደራት ከም ዝለቐቐ “የመን ኦን ላይን (YEMEN ONLINE)” ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። እታ መርበብ ሓበሬታ ነዚ ዝገለጸት፡ ኣብ የመን ኣውራጃ ሑደይዳ ዝርከቡ ሓለፍቲ ብምጥቃስ፡ ብ28 ሓምለ 2025 ኣብ ዝዘርግሓቶ ዜና እዩ።

እቲ ብኽልቲኡ ወገን ዝተወስደ ምልቃቕ እሱራት፡ ብናይ ሕቡራት ዓረብ ኤምረትስ መንጎኝነት ብዝተገብረ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ምልውዋጥ እሱራት መሰረት ምዃኑ እውን እቲ ዜና ጠቒሱ። እቶም የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ኣብ ከባቢ ደሴት ሓኒሽ ብኤርትራውያን ሓለውቲ ዶብ ዝተታሕዙ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ኤርትራውያን ወተሃደራት ከኣ ኣብዚ ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ምግፋፍ ዓሳ ዘሰሓሕብ ከባቢ፡ ምቁጽጻር የካይዱ ብዝነበሩ ናይ ሑቲ ወተሃደራት ተታሒዞም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ምዃኖም ተፈሊጡ።

እቶም የመናውያን ተፈቲሖም ኣብ ሃገሮም ወረዳ ካውካሽ በጺሖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ማእሰርቶም ኣብ ኤርትራ መውቃዕትን ምውራስ ጀላቡን ካልእ መግፈፊ ናውትን ዘኸተለ ከቢድ ከም ዝነበረ ምግላጾም እቲ ዜና ኣስፊሩ። ኩሉቲ ክእሰሩ እንከለዉ ሒዘምዎ ዝነበሩ ንብረት ተወሪሱ ብዘይካ ዝለበስዎ ክዳን ጥራይ ኢዶም ምምላሶም ምሕባሮም’ውን ተገሊጹ። እዚ ክስተት ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝፍጠር ናይ ባሕሪ ምስሕሓባት ከም ዘጋድዶ ከኣ ተጠቒሱ።

ብ17 ታሕሳስ 1995 ኣብ ደሴት ሓንሽ ኣብ መንጎ ኤርትራን የመንን ንሰለስተ መዓልታት ናይ “ይግበኣኒ” ውግእ ተኻይዱ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ድማ እቲ ውግእ ጠጠው ኢሉ፡ እቲ ጉዳይ ብ3 ጥቅምቲ 1996 ናብ ቀዋሚ ናይ ዕርቂ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።  እቲ ጉዳይ ዝቐረበሉ ቀዋሚ ቤት ፍርዲ ድማ ናይ ክልቲኦም ወገናት ክርክር ሰሚዑ ብ9 ጥቅምቲ ብ1998 ደሴት ሓኒሽ ግዝኣት የመን ንክኸውን ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።

Page 6 of 614