ክፍሊት መጐዓዝያ ኣብ ትግራይ ብዕጽፊ ወሲኹ

2026-03-09 20:55:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 35 times

ካብ ኩባንያ ሰላም-ባስ ዝተወስደ ምስሊ

ቤት ጽሕፈት ትራንስፖርት ክልል ትግራይ፡ ዋጋ ህዝባዊ ትራንስፖርት ካብ 5 መጋቢት 2026 ጀሚሩ ብ100% ከም ዝወሰኽ ኣፍሊጡ። እቲ ወሰኽ ነቲ ምስርሕ ህዝባዊ ምጉዕዓዝ መልክዕ ኣትሒዝካ ንምቕጻልን ኤለክትሮኒካዊ ኣሰራርሓ ክፍሊት ንምትእትታውን ዝተወሰነ ምዃኑ እቲ ቤት ጽሕፈት ብተወሳኺ ሓቢሩ። እቲ ውሳነ ንክውሰን ዘገደደ ቀንዲ ምኽንያት ስእነት ጥረ ገንዘብን ዋሕዲ ነዳድን ምዃኑ እውን እቲ ቤት ጽሕፈት ብመንገዲ ማሕበራዊ መዲያ ብዝዘርገሖ ዜና ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ትራንስፖርት ሓላፊ መንገድታትን መደበር መጐዓዝያታትን ኣብቲ ምጉዕዓዝ ካብን ናብን ከተማታት ትግራይ’ውን ምስቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ጥረ ገንዘብ ሕጽረት ብባንክ ኣቢልካ ምቁራጽ ትኬት ከም ዝከኣል ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት ተጓዓዝቲ ኤለክትሮኒካዊ ክፍሊት ንምክያድ ክዳለዉ ኣፍሊጡ። ወነንትን ኣመሓደርትን መጓዓዝያታት ብወገኖም ነቲ ሓድሽ ኣገባብ ኣከፋፍላ ንክዳለዉ እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ከምቲ ቤት ጽሕፈት ንግድን ሰደድን ክልል ትግራይ ኣቐዲሙ ኣጠንቂቕዎ ዝነበረ፡ ዋሕዲ  ነዳዲ ኣብ ትግራይ መመሊሱ ይገድድ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ካልኦት ኣገልግሎታት እውን ተጽዕኖታት ይፈጥር ከም ዘሎ ሓቢሩ። ብሓበሬታ ናይቲ ቤት ጽሕፈት መሰረት፡ ቅድም ኣብ ወርሒ ካብ 12 ክሳብ 15 ሚልዮን ሌትሮ ነዳዲ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዝነበረ ምዃኑ ብምሕባር፡ ድሕሪኡ ግና እናነከየ ኣብ መወዳእታ 2025 ናብ 850 ሺሕ ሌትሮ ጥራይ ከም ዝወረደን ኣብ መወዳእታ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘቋረጸ ተፈሊጡ።

እቲ ዋሕዲ ነዳዲ ንመጐዓዝያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመዳያት ኣገልግሎት ጥዕና፡ ሰብኣዊ ተግባራትን ካለኦት ወሰንቲ ኣገልግሎታትን እውን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ዘሎ ምዃኑ ናይቲ ትካል ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ። ኣብ ርእሲኡ ብሰንክ’ቲ ስእነት ነግዳዲ ዋጋ ኩሉ መሰረታዊ ኣቕሑት ከም ዝኸበረ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። ኣስታት 93 መዕደሊ ነዳዲ ኣብ ዳርጋ ናይ ምዕጻው ሓደጋ በጺሐ ከም ዘለዋ ድማ ተጠቒሱ።

 

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት በጀት ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ደሞዝ ምኽፋል ከም ዘቋርጽ ክገልጽ እንከሎ፡ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ናይታ ክልል ብወገና  ብሰንኪ ሕጽረት ዝተፈላለዩ ቀረባት ትካላት ጥዕና  ክልል ትግራይ ኣብ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ከም ዘለዋ ናይታ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ዶር ኣማኑኤል ብዝሃቦ መግለጺ ኣጠንቂቑ’ሎ።

Last modified on Monday, 09 March 2026 22:12