
ካብታ ኣስታት 23 ሺሕ ህዝቢ ከም ዝነብረላ ዝንገር ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ 61 ኪሎሜተር ንወገን ደቡብ ብ23 ሕዳር 2024 4.4 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑን 10 ኪሎሜተር ዝዕምቆቱን ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ፡ ቮልካኖ ዲስከቨርይ (volcano discovery) ዝተባህለ ትካል ሓቢራ። ኣብቲ ከባቢ ዝቕመጡ ነበርቲ በቲ ምንቅጥቃጥ ንኡስ ስምዒት ከም ዝሓደሮም ከኣ እታ መርበብ ሓቢራ። ኣብታ ካብቲ ምንቅጥቃጥ ዘጋጠመሉ ቦታ 127 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኣስመራ እውን ንኡስ ስምዒት ኣሕዲሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘለዋ ግምት ቮልካኖ ዲስካቨር ጠቒሳ።
ናይቲ ኣብ መሬት ዝፍጠር ምንቅጥቃጥ ደረጃ ዝዕቀን፡ ብክብደትን ዕምቆትን ናይቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝፍጠር ነውጺ ኮይኑ፡ ናብቲ እዚ ዘጋጠመሉ ቦታ ዘሎ ርሕቀትን ቅርበትን እውን ናቱ ተጽዕኖ ኣለዎ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለትን ሰዓትን ኣብ ዓፋር ኢትዮጵያ ካብታ ኣስታት 37 ሺሕ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ኣዋሽ 6 ኪሎሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ ቦታ፡ 4.6 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅትቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ ተሓቢሩ። እዚ እውን ኣብታ ካብቲ ምንቅጥቃጥ ዘጋጠመሉ ፍሉይ ቦታ 151 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ኣዲስ ኣበባ ከይተረፈ ኣዝዩ ንኡስ ስምዒት ከም ዝተፈጥረ ተፈሊጡ።
ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት፡ በቲ ምንቅጥቃጥ ጉድኣት ከም ዝውረደ ዝሕብር ጸብጻብ ዘየለን ኮይኑ፡ ኣብ መጻኢ ግና ኣብቲ ዝተጠቕሰ ከባብታት ከቢድ ምንቅጥቃጥ ከየጋጥም ከም ዘስግእ ይጥቀስ።
ብሰንኪ ውግእ ተመዛቢሎም ዝጸንሑ፡ ካብ መጀመርያ ወርሒ ሓምለ 2024 ናብቲ ናይ ቅድም መረበቶም ከባቢ ጸለምቲ ዝተመልሱ ተጋሩ፡ ብዝተፈላለዩ ብደሆታት ይጽገሙ ከም ዘለዉ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ብዕምቆት ዘቕረበቶ ሰፊሕ ጸብጻብ ሓቢሩ።
እታ መርበብ ሓበሬታ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2024 ኣስታት 56 ሺሕ ብሰንክቲ ን2 ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ካብ ዞባታት ሰሜናዊ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ተመዛቢሎም ዝጸንሑ ተጋሩ፡ ናብቲ ናይ ቅድም መረበቶም ምምላሶም ዝሕብር ጸብጻብ ከም ዘቕረበ ብተወሳኺ ኣስፊራ። ካብኣቶም እቶም 34,971 ናብ ወረዳታት ጸለምቲ፡ ላዕላይ ጸለምትን ማይጸብርን ዝተመልሱ ምዃኖም’ውን ኣብቲ ሰፊሕ ጸብጻብ ተጠቒሱ። እንተኾነ ካብ ዝምለሱ ድሕሪ ኣዋርሕ እውን ነቶም ተመለስቲ ብመንግስትን ሰብኣዊ ትካላትን ቃል ዝተኣትወሎም ደገፍ ክረኽቡ እውን እንተዘይካኣሉ ሓድሽ ህይወት ክሰርዑ ይቃለሱ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ። ካብቲ ክቐርበሎም ዝነበሮ ግና ዘይቀረበሎም፡ ኣገልግሎታት ጥዕናን ትምህርትን ከም ዝርከቦ ይሕበር።
እታ መረበብ ሓበሬታ ካብቶም ተመለስቲ ብዛዕባ ኩነታቶም ዘዘራረበቶም ኣብቲ ከባቢ ናይ መንግስቲ ሰራሕተናታት ዝነበሩ ፡ ምሉእ ብምሉእ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋጥሞም ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ብኩራት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ምንቅስቓስ ነጻነትን ካብቶም ዘስግእዎም ዘለዉ ብኩራታት ምዃኖም ገሊጾምላ። እተን ዝተመልሱለን ወረዳታት ብማእከላይ መንግስትን ክልላዊ ምምሕዳርን ስለ ዝተረሰዓ፡ ኣብ ትሕቲ ሓያል ጸቕጢ ከም ዘለዋ ኣፍሊጦም። ካለኦት እታ መርበብ ዝሓተተቶም ተመዛበልቲ ናይቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ብደሆታት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከም ዝገልጸሉ ከኣ ሓቢራ።
ኣብዚ እዋንዚ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኣገባብ ኣመላልሳ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ዝተፈላለየ ኣረዳድኣ ከም ዘሎ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝግለጽ ዘሎ እዩ። ገለ ወገናት ኩነታት ምሉእ ብምሉእ ናብቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበሮ ክመለስ ይግበኦ ክብሉ እንከለዉ፡ ካለኦት ወገናት ከኣ ተመዛበልቲ ይመለሱ፡ ናይ መሬት ዋንነት ግና ኣብ መጻኢ ብመሰረት ሕገመንግቲ ኢትዮጵያ ክፍታሕ ይግበኦ ዝብል ርኢቶ ኣለዎም። እቲ ፍልልይ ኣብ መንጎ ትግራይን ፈደራል መንግስትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ተጋሩ እውን ስሙር ኣረኣእያ የለን።
ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ዝወሃበሉ ኣብ ብሉ ናይል ዝርከብ መደበር ትካል መግቢ ዓለም
ናይ መደበር ሓላፊ ዝርከቦም ሰለስተ ሰራሕተኛታት ትካል መግቢ ዓለም (WFP)፡ ኣብ ሱዳን ግዝኣት ብሉ ናይል ኣብ ሰዓታት ለይቲ ኣብ መደበሮም ብ19 ታሕሳስ 2024 ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትሉ ቢቢሲ ንምንጭታት መንግስቲ ሱዳን ብምጥቃስ ሓቢራ።
ብመሰረት ካብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ሱዳን ዝወጸ መግለጺ፡ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ያቡስ ኣብ ዝበሃል፡ ከባቢ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ዘሎ ናይቲ ትካል መደበር ብዝተኻየደ ናይ ለይታዊ መጥቃዕቲ እቶም ሰራሕተኛታት ከም ዝሞቱ ኣፍሊጡ። ዳይረክተር ትካል መግቢ ዓለም ሲንዲ ካይን ብወገኑ እቲ ቅትለት ከም ዘጋጠመ ብምርግጋጽ፡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ትካል ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ምቅለዖም ከም ዘሕዝኖ ምሕባሩ ሱዳን ትሪቡን ብወገና ተቒሳ።
ናይቲ ሚኒስትሪ መግለጺ ሞት ናይቶም ሰራሕተኛታት ከም ዘሕዝኖ ገሊጹ፡ ኣብቲ ከባቢ ናይ መንግስቱ ወተሃደራዊ ህላወን ምንቅስቓስን ከም ዘየለ ኣመልኪቱ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ሱዳን ንይቲ ቅትለት ተሓታቲ መን ምዃኑ ንምፍላጥ፡ ምጽራይ የካየዱ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ሱዳን ዝንቀሳቐስ ዘሎ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ወገን ኣብዚ ጉዳይ ርኢቶኡ ክህብ ትጽቢት ይግበረሉ ከም ዘሎ እቲ ዜና ቢቢሲ ኣመልኪቱ።
ቱርኪ ኤርትራውያን ኣገዲዳ ምምላሳ ግጉይ ምዃኑ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ተነጊርዋ
Tuesday, 17 December 2024 20:30 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሱዳናዊ ራፖርተር፡ ዶር መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር
ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ቱርኪ ኤርትራውያን ኣገዲዳ ናብ ሃገሮም ምስጓጓ ግጉይ ምዃኑ ዝሕብር መልእኽቲ፡ ብ16 ታሕሳስ 2014 ከም ዝለኣኸላ ተሓቢሩ። እቲ ሰነድ እቶም ኣቐድም ኣቢሎም፡ ብመንግስቲ ቱርኪ ተገዲዶም ዝተሰጉ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ዝተፈላለዩ ግህሰታትን ስቓይን ከም ዘጋጥሞም ብምጥቃስ ዝሓደሮ ሻቕሎት ገሊጹ።
እቲ ብሰለስተ ላዕለዎት ራፖርተራት ሰብኣዊ መሰል ተዳልዩ ናብ ቱርኪ ዝተላእከ ሰነድ፡ ንቱርኪ ብዛዕባ ምእሳርን ኣገዲድካ ናብቲ ዝተፈላልዩ ሓደጋ ከጋጥሞም ዝኽእል ኤርትራ ምምላሶምን ዝምልከት መብርሂ ክወሃቦም ከም ዝሓትት’ውን ተሓቢሩ። እቲ ጸገም ናብ ዘጓንፎም ኤርትራ ኣገዲድካ ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ምስ መሰረታዊ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰል ዝጻረር ምዃኑ’ውን እቶም ራፖርተራት ከሲሶም።
እቲ ስጉምቲ ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕግን ስምምዓት ኣንጻር ምስቓይን ኣገዲድካ ናብ እተስግእ ሃገር ምስጓግን ኮይኑ፡ ቱርኪ ብ1988 ኣብቲ ሰነድ ዝኸተመት ሃገር ምዃና እውን ጠቒሱ። እቶም ራፖርተራት ኣብቲ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፡ ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራ፡ ስቓይን ከቢድ ሰብኣዊ ግህሰትን ከም ዘኸትል ጠቒሶም፡ ኣብ ርእሲኡ ንዝይተወሰነ ግዱድ ውትህድርናን ምስዋርን ዘኸትል ምዃኑ ከኣ ኣመልኪቶም።
እዚ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተገዲዶም ዝተሰጉ ኤርትራውያን ከም ዝተራእየ፡ እቶም ራፖርተራት ጠቒሶም፡ በዚ መሰረት ሕቡራት ሃገራት ኣይዲን ኣብ ዝተባህለ መእከቢ ማእከል ቱርኪ፡ 50 ዝኾኑ፡ ኤርትራውያን ግዳያት ሕጂ’ውን ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ተኣሲሮም ይውቅዑን ምስ ኣዝማዶምን ናይ ሕጊ ኣካላትን ከይራኸቡ ይኽልከሉን ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።
ድሕሪ ሕጂ ናይ ሰብኣዊ መሰል ክኢላታት፡ ቱርኪ ንመደባት ምስጓግ ኤርትራውያን ንከተቋርጾን መነባብሮ ናይቶም ሒዛቶም ዘላ ከተመሓይሽን ከም ዝጸውዑን ብወገን ቱርኪ ግና ቅልጡፍ መልሲ ከም ዘይተረኽበን ተፈሊጡ። ነቲ ናብ ቱርኪ ዝተለእከ ሰነድ፡ ናይ መወዳእታ መልክዕ ዘትሓዘ፡ ሱዳናዊ ዶር መሓመድ ዓብደልሰላም ባቢከር ፍሉይ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።
ስእሊ ካብ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን
ፕረሲደንት ኤርደጋን፡ ቱርኪ ንሱዳን ዝወሃብ ሓገዝን ሓድነት ሱዳን ኣብ ምሕላው ዘለዋ ጽኑዕ መርገጽን ብምሉእ ዓቕማ ከም እተሕድሶ ከምኡ’ውን ሱዳንን ሕቡራት ዓረብ ኤመረትን ናይ ምትዕራቕ መደብ ከም ዘለዋ ምግላጹ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ኣፍሊጣ። ፕረሲደንት ቱርኪ ነዚ ዝገለጸ ብ13 ታሕሳስ 2024 ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ብተለፎን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ምዃኑ ከኣ እታ ኣገልግሎት ዜና ኣፍሊጣ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝሸምገለ፡ ፕረሲደንት ጠይብ ኤርዶጋን፡ ድሕሪ ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ብተለፎን ምዝርራቡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሃገሩ ናብ ሱዳን ዝግበር በረራ ነፋሪት ኣብ ቀረባ ግዜ ንምሕዳስን ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝን ንምቕራብን ቅርብቲ ከም ዘላ’ውን ሓቢሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ንምድልዳልን ኣብ ሕርሻ፡ ንግድን ዝኣመሰሉን ቁጠባዊ ሰክተራት ዘለዎም ዝምድና ንምሕያል ዘኽእል ወፍሪ ንምክያድ ሃገሩ ቅርብቲ ምህላዋ ኣረጋጊጹ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ቱርኪ ንሱዳንን ሕቡራት ዓረብ ኤመረት ኣቀራሪብካ ንምትዕራቕ ድልውቲ ምህላዋ ኣብቲ መግለጺ ምጥቃሱ እታ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሳ።
ጀነራል ኣብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ብወገኑ፡ ናይ ቱርኪ ደገፍን ምትሕብባርን ተቐቢሉን ንኢዱን፡ ፕረሲደንት ኤርደጋን ብዞባውን ዓለም ለኻውን ደረጃ ሰላም ንምስፋን ይገብሮ ንዘሎ ጻዕርን ኣብ ጉዳይ ሲርያን ንዘርኣዮ ኣተሓሕዛን ኣመስጊኑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ቱርኪ ነቲ ኣብ ሱዳን ብሰንኪቲ ብጀነራል ሕምቲ ዝምራሕ ተወርዋሪ ፍሉይ ሓይሊ ዝተላዕለ ዝበሎ ውግእ፡ ኣብ ምውጋድን ቁጠባዊ ወፍሪ ኣብ ምትብባዕን ንእትገብሮ ጻዕሪ ከም ዝድግፍ ኣረጋጊጹ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ሱዳንን ኤምረትን ናይ ምትዕራቕ መደብ ዘለዎ መራሒ ቱርኪ፡ ናይ ግዳም ሓይልታት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢዶም ካብ ምእታው ንክቑጠቡ ምጽውዑ ሱዳን ትሪቡን ብወገና ኣፍሊጣ። ኣብ መንጎ ጀነራል ኣልቡርሃንን መንግስቲ ኤመረት ፍልልይ ዝተፈጥረ፡ ሱዳን ኤመረት ንጀነራል ደጋሎ ዕጥቂ ተቕርብ ኣላ ብዝብል ስለ እትኸሳ ምዃኑ ዝዝከር እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢድ የእትዉ ካብ ዘለዉ ሓደ ጉጅለ ኢሳያስ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። ስለዚ ከምቲ ጉዳይ ሶማልን ኢትዮጵያን ብመንገዲ ቱርኪ ሰላማዊ መንገዲ ብምሓዙ ተኾሊፍዎ ዘሎ፡ ጉዳይ ሱዳን ካብ ኢዱ ከይወጽ ከም ዘሰንብዶ እውን ፍሉጥ እዩ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ሰባት ኣብ ገዛእ ቤቶም፡ ቦታ ስረሖን ካልእ ቦታን ዘጋጥሞም ጥሕሰት ሕግን መሰልን ኣጻርዩ ፍትሒ ከም ዝረኽቡን ማሕበረሰብ ሰላም ንክኾውን ዘረዳድእን ትካል እዩ። ከምኡ እውን ብመሰረት’ቲ ኣብ ፓሪስ ብ1995 ዝጸደቐ፡ ሕጊ ናይ ሰባት ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላት ኣብ ምውሓስ ዝሰርሕ ኣካል እዩ።
ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰል 10 ታሕሳስ፡ በብዓመቱ ዝተፈላለዩ ጭረሖታት ብምቅላሕ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ 2024 ከንጸባርቕ ዝተሓርየ ጭረሖ ከኣ “መሰልናን መጻኢናን ሕጂ” ዝብል እዩ። ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል፡ ሰላማዊትን ማዕርነታዊትን ዓለም ኣብ ምፍጣርን ግብራዊ መፍትሒ ኣብ ምርካብን ኣውንታዊ ጽልዋ ከም ዘለዎ ይኣምን።
ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ መጀመርያ፡ ብደረጃ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰፊሕ ምይይጥ ተኻይድሉ፡ ኣብ መወዳእታ ብጠቕላሊ ጉባአ ናይቲ ትካል ብ1948 እዩ ጸዲቑ። ኣብቲ ኣብ መጀመርያ ዝጸደቐ ሕጊ፡ ንኹሉ ወዲ ሰብ ማዕረ ዝብጽሕዎ 30 ቀንዲ መሰላትን ነጻነታትን ከም ዝሓቁፍ ከኣ ሰነዳቱ ይሕብሩ።
ኢሊኖር ሩሰቨልት፡ ከም ኣደመንበር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ምጽዳቕ እቲ ናይ 1948 ቻርተር ግደኣ ዕዙዝ ከም ዝነበረን ኩሉ ግዜ ከም ናታ ኣውንታዊ ኣህጉራዊ ውርሻ ኮይኑ ዝዝከር ዘሎ እዩ።
ኣብቲ ቻርተር ካብ ዝሰፈሩ ኣገደስቲ ዓንቀጻት፡ ብህይወት ናይ ምንባር፡ ካብ ስቓይን ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ነጻ ምዃን፡ ካብ ባርነትን ናይ ጉልበት ምዝመዛን ነጻ ምዃን፡ መሰል ነጻነትን ሓርነትን ምውሓስ፡ መሰል ምርካብ ፍትሓዊ ፍርድን ካብ ዘይሕጋዊ መቕጻዕቲ ነጻ ምዃንን ዝብሉ ይርከብዎ። ዓንቀጽ 9 ናይቲ ቻርተር ከኣ ግዳይ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ምጭዋይን ስደት ንዘይምዃን የመልክት።
ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይወርድ ካብ ዘሎ በደላት “ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት” ጐሊሑ ዝረአ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እቲ 47 ዝኣባላቱ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ጥሕሰት ንክውገድ ብተደጋጋሚ ከቕርቦ ዝጸሐ ምጽንታ ታት ኣይተተግበረን። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ኩሎም እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ንምኽባር ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ቆላሕታ ከይነፍግዎ ንጽውዕ።
ፋና ዝተባለት መንግስታዊት መደበር ተለቪዥን ኢትዮጵያ፡ ብ9 ታሕሳስ 2024 ኣብ ዘቕረበቶ “ናታ እናሓረራስ ናይ እንዳማታ ተኽውስ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረበቶ ፍሉይ ምድላው፡ ንኢሳያስ “ካብ ምርጫን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ክሃድም ኣብ ወንበሩ ዝኣረገ” ብዝብል ገሊጻቶ። ኣተሓሒዛ ድማ ብኸቢድ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጸገም እትሳቐ ዘላ ሃገር እናመረሐ፡ ኣብ ምውርዛይ ብጉዳይ ካለኦት ሃጋራት ዝውዕል ኣገራሚ ዲክታተር ምዃኑ ከኣ ኣስፊራ።
እታ ተለቪዢን ኣይኮነንዶ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ካለኦት ከም ኣሜሪካ ዝኣመሰላ ብዝማዕበለ ዲሞክራሲ ዝምረሓ ሃገራት’ውን ፍጹማዊ ዝበሃል ሕገ-መንግስቲ የለን ምስ በለት ድማ፡ ከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ካብ ሕገ-መንግስቲ ዝሃድሙ ብናይ ኢትዮጵያ ሕገመንግስቲ ክወራዘዩ ዘገርም እዩ ኢላቶ። ናይ ኢሳያስ ብዘይ ምርጫ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ጠቒሳ ከኣ፡ ቅድሚ 16 ዓመታት ንምርጫ ብዝምልከት ንመደበር ተለቪዥ ኣልጀዚራ ብዛዕባ ዝሃቦ ናይ ስንባደ መልሲ ብምጥቃስ፡ ኢሳያስ ካብ ኩሉ ዓይነት መስርሕ ዲሞክራስን ምርጫን ዝብህርር ምዃኑ ኣቃሊዓ።
ኢሳያስ በብግዜኡ መንእሰያት ኣሰልጢኑን ኣዕጢቑን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ኣስሪጉ ሰላም ዝዘርግ ምዃኑ ዘንጊዑ፡ ብዛዕባ ሰላም ጐረባብትን ዞባን ዝሰብኽን ኣብ ኣስመራ ኣንጻር ኢትዮጵያ ንዝቖሞ ናይ 3ተ ሃገራት ኪዳን ኣስመራ (ASMARA-AXIS) ምእንቲ ዞባዊ ሰላም ምዃኑ ክጠቅስ ምፍታኑ ኣዝዩ ከም ዘገርም እውን ኣብቲ ንምቅላዑ ዝተዳለወ ፍሉይ መደብ ተጠቒሱ። ኣብ ክንዲ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ብኩራት ኤልክትሪክ፡ ኢንተርኔትን ካልእ ቀረባትን ምሕሳብ፡ ኣብ ቁጠባዊ ኩነታት ናይታ ኣብ ዓመት ብገምጋም ካብ 8% ንላዕሊ ዕቤት ተመዝግብ ዘላ ኢትዮጵያ ክወራዘ ምፍታኑ ካልእ ዘተዓዛዝብ ዛዕባ ምዃኑ ከኣ ኣስፊራ። ኣብ ርእሲዚ ኢሳያስ “20% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንክስደድ ዘገደደ” ብዝብል እውን ኣብቲ መደብ ተገሊጹ።
ካብ ምኽታም ስምምዕ ፕሪቶርያ ንደሓር፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዝምድና ጽቡቕ ከምዘየለ’ኳ ምልክታት ክርእዩ እንተጸንሑ፡ ኢትዮጵያ ኣንጻር ኢሳያስ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ዘቃልዕ ርእይቶ ከተንጸባርቕ ናይ መጀመርያ እዩ።
ኣማኢት ኤርትራውያን ካብ ኣዲስ ኣበባ ተገዲዶም ብመንገዲ ዓሰብ ብኣውቶቡሳት ከም ዝተስጉ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ክገልጻ እንከለዋ፡ ኣስታት 10 ዝኾኑ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ኬንያ ሲፒሊ ላከፒኣ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ኤሪ-ጋዜት ሓቢራ።
እቶም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኤርትራ ግዳይ ስደት ዝኾኑ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ መብዝሕትኦም ብሰንክቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይስሉጥ ኣሰራርሓ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታ ሕብራት ሃገራት፡ ተመዝጊቦም ናይ ስደተኛ መንነት ወረቐት ክወሃቦም ሓቲቶም ዘይተዋህቦም ክኾኑ እንከለዉ፡ ውሱናት ምስ ናይ ስደተኛ መንነቶም ግዳይ ዝኾኑ ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።
እዞም ግዳያት ኣብ ኤርትራ ካብ ዝወርዶም ማእስርትን ካልእ ዝተፈላለዩ በደላትን ክድሕኑ ናብ ኢትዮጵያ ተሰዲዶም ከብቅዑ፡ ብጭካነ ተገዲዶም ክምለሱ እንከለዉ ህይወቶም ውሑስ ከምዘይከውን ርዱእ እዩ። ነቲ ምስጓግ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት’ኳ ዝወሃቦ እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ጽልእን ዘይምትእምማንን እዩ።
ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ብተመሳስሊ ኩነታት ናብ ኤርትራ ተሰጒጎም፡ እንደጋና ተመሊሶም ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ግዳይ ምስጓግ ዝኾኑ ከም ዘለዉዎም ድማ ተፈሊጡ። እቲ ዘሕዝን ድማ ኣባላት ፖሊሲ ኣዲስ ኣበባ ንማእሰርቲ ኤርትራውያን ከም ምንጪ ኣታዊ ይጥቀምሉ ምህላዎም እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብውሕዱ 10 ዝኾኑ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከቋርጹ ክብሉ፡ ኣብ መንገዲ ዝረኸብዎም ሰባት ብዘቕረብዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ኬንያ ሲፒሊ ላይክፒያ ዝተባህለ ከተማ ኣብ መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ዜና ኤር-ጋዜት ሓቢሩ።
ናይቲ ተኣሲረምሉ ዘለዉ መደበር ፖሊስ ኣዛዚ፡ ፍራንሲስ ንጋንጋ ከም ዝሓበሮ፡ ካብቶም ተኣሲሮም ዘለዉ እቶም ክልተ ኣብ ኬንያ ዝጸንሑ መራሕቲ መንገዲ ከይኮኑ ኣተርፉን’ዮም። እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ኣተሓሒዙ “እቶም ግዳያት ክሲ ዝጽበዮም ዘለዉ እዮም” ምባሉ ተፈሊጡ።
እዞም ኩሎም ኤርትራውያን ጉጅለ ህግደፍ ብሰንኪ ዝወስዶ ዘይሓላፍነታዊ ስጉምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዋጋ ዝኸፍሉ ዘለዉ እዮም። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ነዚ ንኤርትራውያን ዘጋጥሞም ዘሎ ግህሰታት ኣቓልቦ ንክህብዎ ንምሕጸን።
ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ7 ታሕሳስ 2024 ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ሰዲህኤ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ምስ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ኣባላት ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ዜና፡ ”ትርጉምን ኣገባብ ኣጸሓሕፋን፡ ርእሰ-ዓንቀጽን ሓተታን፡ ኣባላት ሰልፊ ተሳትፎኦም ኣብ ዜናዊ መዳይ ንምሕያል ዝዕድም መጸዋዕታን” ብዝብሉ ዛዕባታት መበገሲ ሓሳብ ድሕሪ ምቕራቦም ሰፊሕ ምይይጥ ተኻይዱ።
ኣብቲ ቀዳማይ ዛዕባ ንኣጸሓሕፋ ርእሰ-ዓንቀጽን ሓተታትን ዝምልከት መባእታዊ መበግሲ ሓሳብ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ተሳተፍቲ ዝያዳ ንምንጻር ሕቶታትን ዝተፈላለዩ ሓሳብት ኣቕሪቦም። ኣባላት ምምሕዳር ድማ ኣብቲ ዝቐረበ ሕቶታት ተወሳኺ መብርህታት ሂቦም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቤት ጽሕፈት ዜና ቀንዲ ኣተኩሪ ብዛዕባ ዝሰርሓሎም ዘሎ ዜናዊ ዝዕባታት ሓጺር ጸብጻባዊ መብርሂ ቀሪቡ። ምስዚ ብዝተተሓዘ ዘጋጥሙ ሕጽረታትን ኣባላት ነቲ ሕጽረታት ኣብ ምውጋድ ክሳተፍሎም ዝግበኦም መዳያትን ብዝርዝር ቀሪቦም።
ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብ ርእሲቲ ዜናዊ ስራሕ ንምሕያል ከካይድዎ ዝጸንሑ ጻዕሪ ኣብ መጻኢ ጻዝያዳ ከተኩርሎም ዝግበኦም፡ ብቋንቋታት ትግርኛን ዓረብን ጽሑፋት ምቕራብ፡ ትርጉም ካብን ናብን ቋንቋ ትግርኛን ዓረብኛን፡ ምሕያል መደብ ዩቶብ ባህግና፡ ዝተዳለዉ መደባት መዚንካ ሃናጺ ርኢቶ ምሃብ፡ ምድላዋት ቤት ጽሕፈት ዜና ናብ ብዙሓት ኣብ ምብጻሕ ምንጣፍን ዝኣመሰሉን ምዃኖም ኣብቲ መብርሂ ቀሪቡ።
ተሳተፍቲ ኣብዚ ዛዕባ’ዚ እውን ዝያዳ ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዶም። ሕጽረታት ምጽብጻብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ሕጽረታት ኣብ ምውጋድ ሰልፋዊ ዓቕሚ ንምጥቃም ኣባላት ከከም ክእለቶምን ዝንባሌኦምን ከም ዝሳተፉ ትስፉውን ሓሳባት ኣቕሪቦም። ምስዚ ብዝተተሓሕዘ ዜናዊ ስረሓት ኣብ ምሕያል ይሕግዙ ብዛዕባ ዝብልዎም ሓሳባትን ስራሓት ዜና ንክስነዱ ዘለዎ ተደላይነትን ኣብ ዝምልከቱ ሃነጽቲ ርኢቶታን ለበዋታትን ኣቕሪቦም። ከምዚ ዝኣመሰሉ መመይየጢ መድረካት ቀጸልቲ ክኾኑ ከኣ ለበዋ ኣቕሪቦም።
ኣብ መወድእታ ቤት ጽሕፈት ዜና ነቲ ብተሳተፍቲ ዝቐረበ ሓሳባት ኣብ ግምት ኣእትዩ ከም ዝሰርሕ ኣረጋጊጹ፡ ነቶም ነቲ መደብ ዝወደቡ ኣብያተ ጽሕፈትን ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉን ኣመስጊኑ ኣባላት ሰልፊ ከኣ በቲ ዝኣተዉዎ ቃል መሰረት ኣብ መጻኢ ተሳትፈኦም ከሕይሉ ደጊሙ ብምጽዋዕ ኣኼባ ዛዚሙ።
ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሞ፡ ኣባላት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ዝተዳለወሉ መደበር ክኣትዉ ከም ዝጀመሩ ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እዞም ናብ መደበር ዝኣትዉ ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት፡ ኣባላት ማእከላይ እዚ ናይቲ ሰራዊት ኮይኖም፡ ሳኒ ነጋሳ ዝተባህለ ላዕለዋይ ኣዛዚኦም ብ1 ታሕሳስ 2024 ምስ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሞ ብዝተፈራረሞ ናይ ሰላም ስምምዕ መሰረት ምዃኑ ተፈሊጡ።
ናይ ክልል ኦሮሚያ ቤት ጽሕፈት ርክብ ብ3 ታሕሳስ 2024 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ናብቲ ዝተዳለወሎም መደበር ዝኣትዉ ዘለዉ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝተቐበሉ እዮም። ክልል ኦሮሞ’ኳ ብወግዒ እንተዘይገለጾ፡ እቶም ናብ መደበር ዝኣትዉ ዘለዉ፡ ናይቲ ክልል ማሕበራዊ መድያታት ከም ዝጠቐሰኦ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሽዋ ከባቢ ግንደበረት፡ ቾቢ፡ አልፋታ፡ ኣምቦ፡ ሚድከኛን ጂብታን ዝተባህሉ ቦታታት ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኮይኖም ቁጽሮም ክሳብ 800 ከም ዝበጽሕ ተሓቢሩ።
ናይቲ ካልእ ኣካል መሪሕነት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብወገኑ፡ ኣብ ዘውጸኦ ተጻራሪ መግለጺ፡ እቶም ጸዋዒት ተቐቢሎም ብስምምዕ ናብ ክልል ኦሮርሞ ኣትዮም ዝበሃሉ ዘለዉ፡ መንግስቲ ኦሮሚያ ቃልሶም ንከዳኽም ባዕሉ ዝፈጥሮም እዮም ብዝብል ተቓውመኦም ገሊጾም። ነቶም ዝፈራረሙ ሓለፍቲ ድማ ኣቐዲሞም ካብቲ ሰራዊት ተሰጒጎም ዝነበሩ እዮም ኢለሞም። ዝተፈላለዩ ምንጭታት ከም ዝብልዎ፡ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ዝተፈራረምሉ ሰነድ ኣይተገለጸን።
ቅድሚ ሕጂ እቲ ብኩምሳ ደሪባ ወይ ጃል ማሮ ዝምራሕ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ኣብ ታንዛንያ ዝያዳ 10 መዓልታት ዝወሰደ ዘተ ኣካይዱ ብዘይስምምዕ ከም ዝተበተነ ዝፍለጥ እዩ።