EPDP News

ካብ መርበብ ኤንኤል ዝተወስደ፡ ፖሊስ ኔዘርላንድ ኣብ ምኽልኻል ግጭት ኤርትራውያን

ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ከንቲባ ከተማ ሪጂክስዊጅክ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ መጋቢት 2025፡ ኤቨንት ፕላዛ ኣብ ዝተባህለ ማእከል ብኤርትራውያን ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ኮንፈረንስ ከም ዝኣገደት ኤንኤል ታይምስ (NL TIMES)” ዝተባህለት መርበብ ኣፍሊጣ።

ብመሰረት ናይታ ከተማ ከንቲባ ሁሪ ሳሂን ዝሃበቶ መግለጺ፡ ዋና ናይ ኣኼባ ማእከል’ኳ ኣቐዲሙ ናብ ምምሕዳር ናይታ ከተማ እንተዘይሓበረ፡ ናይታ ከተማ ኣመሓደርቲ ግና ነቲ ናይ ምእጋድ ስጉምቲ ንክውስኑ ንድሕሪት ከም ዘይበሉ ተፈሊጡ። መሰረታዊ ምኽንያት ናይቲ ምእጋድ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ክፍጠር ካብ ዝኽእል ምስሕሓብ ብምስጋእ ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

እቲ ዕጽዊ ኣኼባ ከካይድ መደብ ዝነበሮ ኤርትራዊ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ኔዘርላንድ፡ ዝበሃ  500 ሰባት ዝሳተፍዎ ዕጽዊ ኣኼባ ናይ ምክያድ መደብ ከም ዝነበሮ እቲ ዜና ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ብሰንክቲ ኣብ ኤርትራ ዝጭቁን ዘሎን ካብ ኤርትራ ወጻኢ እውን ንኤርትራውያን ዜጋታት  ክቆጻጸር ዝደሊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ መንጎ ኣብ ኔዘርላንድስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዘይምርድዳእ ከም ዝጸንሐ፡ ከም ኣመልኪቱ።

ካብቲ ኢሳያስ ከም መቆጻጸርን መገደድን ዝጥቀሞ ኣገባባት ኤርትራውያን ካብ ኣታዊኦም ዝተወሰነ ሚእታዊ ኣገዲዱ ክወስድ ዝገብሮ ጻዕሪ ምዃኑ እውን እቲ ዜና ኣቃሊዑ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዓመጸኛ ፖሊሲ ኢሳያስ ከኣ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኔዘርላንድስ ጠንቂ ፍልልይ ተቓወምትን ደገፍትን ስርዓቱ ኮይኑ ከም  ዝጸንሐ ተጠቒሱ። ከም ኣብነት ድማ ነቲ ናይ ቅድሚ ክልተ ዓመት ጉድኣት ዘኸተለ ግጭት ኤርትራውያን ኣብ ኔዘርላንድስ ዘኪሩ።

እታ ከንቲባ ቅድሚ ሕጂ ነቲ ናይ ኤርትራውያን ጉዳይ ብጥንቃቐ ብዘይምሓዞም ናብ ዝሰፈሐ ዓመጽ  ኣንጻር ፖሊስን ናይ ህጹጽ ግዜ ኣገልግሎትን  ናይታ ከተማ ከም ዝተሰጋገረ ዘኪራ፡ እዚ ተመኩሮዚ ድሕሪ ሕጂ ክድገም ከምዘይደልዩ እውን ገሊጻ። እቲ ዝመደቦ ዕጽዊ ኣኼባ ከይካይድ ዝተኣገዶ ኣካል ከኣ፡ በቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ከም ዝሰንበደ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ዝርርከበን ዕስራን ኣርባዕተን  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበረን ኤምባሲታት፡ ብ13 መጋቢት 2025 ናይ ሓባር መግለጺ ምውጸአን “ቡርከና/BURKENA” ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። ናይቲ መግለጺ መንቀሊ ኣብ ክልል ትግራይ መመሉሱ ዝገድድ ዘሎ ወጥሪ ምዃኑ እውን እታ መርበብ ኣፍሊጣ።

እተን ኤምባሲታት ነቲ ሓፈሻዊ ምዕባለታትን ኣብ ትግራይ ዝድይብ ዘሎ ሓደገኛ ወጥርን ይከታተልኦ ከም ዘለዋ ኣብቲ መግለጺአን ጠቒሰን፡ እቲ ወጥሪ ሃዲኡ ሰላማዊ ዘተ ክካየድ ጸዊዐን፡ እቲ ናይ ወርሒ ሕዳር 2022 ውግእ ጠጠው ዘበለ  ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ምትግባር ከም ዝተሓባበራ ቃል ኣትየን። ኩሎም ወገናት እቲ ስምምዕ ንከይጠሓስ ብዘለዎም ዓቕሚ ንክሰርሑ ከኣ ብትሪ ከም ዝተሓሳስባ ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺአን ኣስፊረን።

ነቲ መግለጺ ካብ ዘውጸኣ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበረን ኤምባሲታት፡ ናይ ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪታንያ፡ ኒውዘላንድ፡ ጃፓን፡ ነርወይ፡ በልጂም፡ ሰርቢያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመን፡ ኣየርላንድ፡ ስፐይን፡ ፈረንሳን ኢጣልያን ከም ዝርከበአን ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ’ሎ።  እቲ መግለጺ ናይ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር  ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምኻድ ተኸቲሉ ዝወጸ እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከቡ ናይ ኣሜሪካ ዝርከቦም ኣንበሳድራት ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚቲ መግለጺ ምውጽኡ ምዝርራቡ እውን “መርበብ ሓበሬታ ቡርከና” ሓቢራ።

ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ኣወስትራልያ ዑደት የካይድ ኣሎ። ኣቦመንበር ሰልፊ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣብ ጀማሪ ዑደቱ፡ ብ9 መጋቢት 2025 እዩ፡ ኣብ ከተማ መልበርን ኣቦመንበር ዞባዊ ሽማግለ ኣወስትራሊያ ምስ ዝርከቦም ኣባላት ሰዲህኤ ኣኼባ ኣካይዱ።

ኣብዚ ፈላሚ ኣኼብኡ፡ ብሓፈሻ ብደረጃ ሰዲህኤን ፖለቲካዊ ሓይልታ ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ክትግበሩ ተታሒዞም ዘለዉ መደባት፡ ብፍላይ ከኣ ጉዳይ ምንቅስቓሳት መንእሰይን ዲፕሎማሲያዊ ርክብን ዝምልከቱ ዛዕባታት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝቕልቀሉ ዘለዉ  ጠንቂ ምልዓል ውግእ ከይኾኑ ዘስግኡ ምንቅስቓሳት ብዝምልከት ንተሳተፍቲ ገሊጹ።

ኣብ መብርሂኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ውግእ ስለ ዘይርብሑ፡ “እምቢ ንውግእ፡ ሕራይ ንሰላም” ዝብል ምንቅስቓስ ከካይዱ  ከም ዝግበኦም ጠቒሱ።  ብሓፈሽኡ ሕብረተ ሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ተጽዕኖ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ዘለዎም መንግስታት እውን እዚ ዝረአ ዘሎ ምስሕሓብ ናብ  ውግእ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ብሰላም ዝፍተሓሉ መንገዲ ንምርካብ ጻዕሮም ከሕይሉ ህጹጽ መጸዋዕታታት ምቕራብ ኣድላይ እዩ ኢሉ።

ብዛዕባቲ ብኤርትራውያን መንእሰያት ዝካየድ ዘሎ ማዕበላዊ ቃልሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ከኣ፡ ጉዕዘኦም ብሰንኪ ሕጽረት ተመኩሮን ኣስተብህሎን ከይኩለፍ ምሕጋዞም ኣድላይ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሰዲህኤ ኣብዚ መዳይዚ  ንምሕጋዝ ድልዊ ምዃኑ ጠቒሱ። ኣብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ዓለም ዘለዉ ኣባላት ሰዲህኤ ድማ ዓቕሞም ብዝፈቕዶ ናይ ምትሕግጋዝ ግዲኦም ከበርክቱ ኣዘኻኺ። ኣተሓሒዙ መንእሰያት ኣባላት ሰዲህኤ ሰልፎም ናይ ምምራሕ ዓቕሚ ንክድልቡ ይስረሓሉ ከም ዘሎ ኣብሪሁ፡ ንሳቶምውን ነዚ ንምብቃዕን ሓላፍነት ንምስካም ድልውነቶም ከርእዩን  ግቡኣቶም ናይ ምፍጻም ቅሩብነት ንክቕጽልዎ ኣዘካኺሩ።

ድሕርቲ ሰፊሕ መብርሂኡ፡ ብኣባላት ንዝቐረቡ ሕቶታት መሊሱ፡ ሓገዝቲ ለበዋታት ከኣ መዝጊቡ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ እቶም ዝተቐበልዎ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ዑደቱ  ዕዉት ንክኸውን ንዝገበርዎ ኩለ-መዳያዊ ኣቀባብላ፡ ኣብነታዊ ኣበርክቶን ምቅርራብን ኣመጒሱ። ዑደቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣወስትራልያ ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝገብሮ ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ቀጻሊ ምዃኑ እውን ካብቲ ዝበጻሓና ዜናዊ  ጸብጻብ ምርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

“ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ሕረተሰብ እየን፡ ብዘይተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕወት ሰውራ የለን”፡ ዝብሉ ጭረሖታት  ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ምቕያር ሕብረተሰብ ክሳብ ክንደይ ዕዙዝን ብተመኩሮ ዝተረጋገጸን ምዃኑ ዘመልክቱ እዮም። ጓለንስተይቲ ክንድ’ቲ ኣብ ህዝባዊ ዕብየትን ቃልስን ዘለዋ ወሳኒ ብጽሒት፡ ድርብ ወጽዓ ብድርብ ቃልሲ ናይ ምክያድ ሓላፍነታ ከቢድ ምዃኑ ዘመልክት ግንዛበ’ውን እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ድሮ’ቲ “ቕልጡፍ ተግባር” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ ዝዝከር  8 መጋቢት  ዓለምለኸ መዓልቲ  ደቂ ኣንስትዮ 2025፡ ንርከብ ስለ ዘለና “እንኳዕ ኣብጸሓክን ኣብጸሓና”።

ኣብዚ እዋንዚ ብሳላቲ ነዊሕ መዋእል ዝወሰደ ቃልስን ንተሳትፎ ጓለንስተይቲ፡ ኣፍልጦ ዝህቡ ስርዓታት በብኩርናዑ ምምስራቶምን፡ ብደረጃ ዓለም ክንርኢ እንከለና፡ ተሳትፎኣ ይብርኽ ምህላዉ ምርዳእ ይከኣከል። በመንጽር ተሳትፎ ኣብ ፓርላማ ኣብነት ንምጥቃ ፡ ኣብ ሩዋንዳ 61.3%፡ ኩባ 53.1%፡ ቦልቪያ 53.1%፡ ሜክሲኮ 48.2%፡ ደቡብ ኣፍሪቃ 42.7%፡ ኡጋንዳ 34% ወንበራት ብደቂ ኣንስትዮ ዝተታሕዘ እዩ። ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ከኣ ብደረጃ ዓለም ብማእከላይ ገምጋም  ኣብ ሓይሊ ኣየር 24.1%፡ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ድማ 21.3% ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን መዛግቲ የርእዩ። እዚ ዝተጠቕሰ ኣሃዛት እኹልዩ ማለት ዘይኮነ፡ ኣብ ዝበረኸ ንምብጻሕ እቲ መንገዲ ተታሒዙ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ።

 ኣብ ኤርትራ’ኳ ፓርላማ ስለዘየለ ብዛዕባ  ተሳትፎ ዝለዓል ኣይኮነን። ካብታ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ  ጀግንነት ብምፍጻም እትምጎስ ጓለንስተይቲ ሓንቲ’ኳ ኣብ ወተሃደራዊ መዓርግ ጀነራልነት ዘይምብጸሓ፡  መርኣያ ኤርትራዊት ጓለስተይቲ ክሳብ ክንደይ ካብ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ቃልሲ ዝኸፈለቶ ዋጋ  ተነፊጋ ከም ዘላ ዘርኢ እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ግና፡ ህግደፍ ሎሚ እውን ንጓለንስተይቲ ኣብ ልዕልቲ ድርብ ወጽዓ፡ ወጽዓ  ብዝድርብ ኣገባብ ካብ ምስታፍ ዓዲ ኣይወዓለን። ኤርትራዊት መንእሰይ ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ኣብ እትጸንሓሉ ዘጋጥማ  ሓሳረ መከራ ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ።

ኤርትራዊት ኣብ ግዜ ሰውራ ንወሳኒ ተሳትፎ ጓለንስተይቲ ተግቢራቶ እያ። ኣብ ሃገርና ንዝነበረ  ባህላውን ሃይማኖታውን ዕንቅፋታ ፈንጺጋን ንኩሉ ተፈጥሮኣዊ ተጽዕኖታት ተጻዊራን ንትርጉም ማዕርነት ብንቕሓት ተገንዚባ ምስ ወዲ ተባዕታይ ብቑጽሪ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብግብሪ’ውን ኣብ ኩሉ መዳያት  ተመዓራርያ ፈጺማቶ እያ።  ኹሉ ወዲ ተባዕታይ ዝኸኣሎ ክኢላ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጸብለልታ ዘርኣየትሎም ተመኩሮታት ምንባሮ’ውን  ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ሓቂ ከምዚ ክነሱ፡ ብናይ ሓሶት ናይ “ዋዕሮ” መዝሙር ንምትላል ዝግበር ሸርሒ ህግደፍ ከኣ የተዓዛዝብ።

መላእ ህዝቢ ኤርትራ እታ ብቃልሱ ዘረጋገጻ  ሃገሩ፡ ከመይ ክትኮነሉ ከም ዝደሊ ዘማዕድዎ ራኢ ነይርዎ እዩ። እንተኾነ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት፡ ብሰንክቲ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ናጽነት  ዝተረከበ ደሓር ህግደፍ ዝተባህለ ህዝባዊ ግንባር ዝፈጠሮ ዘይተጸበዮ በሓትነት፡ ኣንጻር ትጽቢቱ ከም ዝኾነት  ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እዩ። ስለዚ እያ ድማ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ኣንጻር ትጽቢት እቲ ዝተቓለሰላ መላእ ህዝባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዓለም ደረጃ እውን ናይ ድሕረትን ጥሕሰትን ኣብነት ኮይና እትጠቀስ ሃገር ኮይና ዘላ። ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ እውን ከም ውጽኢት ናይቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ዘካይደቶ ድርብ ቃልሲ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ድርብ ኣወንታ ትጽበ ከም ዝነበረት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት፡ ኣብ ዘዝተወደበቶ ኮይና ዘንጸባረቐቶ ነይሩ። እንተኾነ ብሰንኪ ጥልመት ኢስያስን ጉጅለኡን ሕልማ ኣይተጋህደን። ብግብሪ ከኣ፣ ኣብታ ብቃልሳ ነጻ ዘወጸት ኤርትራ፡  ካብቲ ናብ ቃልሲ ክትወፍር እንከላ ዝነበራ ወጽዓ ብዝገደደ ተደራራቢ ወጽዓታት፡ ኣብ ሃገር ኮነ ኣብ ስደት  ብብዙሓት  ምጥቃሶም ዘሰክፉ ሕማቕ ተርእዮታት እትሳቐ ዘላ እያ።

ኤርትራ ናይ ሎሚ ካብ ትጽቢት ህዝባ ወጻኢ ምህላዋ፡ እቲ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ህዝቢ ዝሓልፎ ዘሎ መሪር ህይወት ርኡይ ምስክር ኮይኑ፡ ጉዳይ ዲሞክራስን ኩለ-መዳያዊ መሰልን ዘገድሶም ዓበይቲ ትካላት እውን ኣብ ፈቐዶ መድረኽ ኣውያቶም ዘስምዑላ ዘለዉ እያ። እቲ ምረት ዝያዳ ኣብ ልዕሊ ጓለንስተይቲ ዝወርድ ዘሎ ምዃኑ ከኣ ምረት ድርብ ወጽዓ ንዝርዳእ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ልዕሊ’ታ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ንካለኦት ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ዝቃለሳ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ኣብነት ዝኸውን ቅያ ፈጺማ ከተብቅዕ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን በደል፡ ካብ ድርብ ወጽዓ ክትናገፍ ይትረፍስ፡ ተራ ተሳትፎኣ ኣብ ዝተነፍገትሉ እያ እትርከብ።

ህግደፍ ብዘሕፍር ሸፈጥ፡ ብኣጻብዕ ብዝቑጸራ፡ ሕድሪ ሓርበኛታት ኣዴታተን፡ ኣሓተንን ደቀንን ዝጠለማ ባእታታት ሰብ ፍሉይ ሓለፋ ኣሳቲፉ ክወራዘ’ዩ ዝፍትን። ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ግን፡ እቲ “ድርብ ወጽዓ ብድርብ ቃልሲ” ዝብል እምነት ወትሩ ካብ ሕልነኣ ከምዘይወጽእ ርዱእ ኮይኑ፡ 8 መጋቢት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክትዝከር እንከላ ናይ ቃልሲ ሕራነኣ ዝያዳ ከም ዝብርኽ  ፍሉጥ እዩ።

ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ኣብ ቅነ 8 መጋቢት ኮይና፡ “ከመይ ኔይረ ኣብ ከመይከ ኣለኹ?” ኢላ ክትሓትት ባህርያዊ እዩ። መልሳ ከኣ “ግደይ ካብ ዝነበሮ ብራኸ ኣንቆልቊሉ” ዝብል ከም ዝኸውን ኩነታታ ዝምስክሮ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝኽሪ ብዛዕባ ብኽመይ  ናብቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ዝነበራ ብራኸ፡ ነዚ ህልዊ ኩነታትና ብዝምጥን ትምለስ ክትሓስብ እምበር፡ ስለ ዝጠተልመት  ብዘካየደቶ ቃልሲ ክትጠዓስ ከም ዘይግበኣ ፍሉጥ እዩ። ከምቲ ዝተጠልመ ሓርነት ህዝቢ ንምምላስ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡  ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ጓለንስተይቲ ንዝካየድ ቃልሲ እውን ብዘይካ ምሕዳሱን ምሕያሉን ካልእ መተካእታ የለን። ደቂ ኣንስትዮ ዘካይዳኦ ዘለዋ ቃልሲ ንተሳትፎ ጥራሕ ዘይኮነ ናብ ማዕረ ክፍሊት ንማዕረ ስራሕ ዝዓለመ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝረአ ዘሎ ግን ንኣገልግሎት  ጥራሕ ከም ዝድለያ ክኸውን እንከሎ፡ የሕዝን።

ኣብዚ ምእንቲ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ እንቃለሰሉ ዘለና መድረኽ፡ ድሩትነት ተሳትፎ ጓለንስተይቲ ካብ ዘሻቕሉ ዓበይቲ ብደሆታት ሓደ እዩ። “ብዘይተሳትፎ ጓለንስተይቲ ዝዕወት ሓርነትን ዲሞክራሲን የለን”  ዝብል ናይ ብዙሓት እምነት ካብ ኮነ፡ በቲ ብኩራት እትሻቐል ጓለንስተይቲ ጥራይ ዘይኮነት ናይ ኩልና “ናይ ህዝባ ዝኾነት ኤርትራ” እንብህግ ሻቕሎት እዩ። ብፍላይ እተን ሰብ ድርብ ወጽዓ ኤርትራውያን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣርማን መተካእታን ናይተን ሰብ ቅያ ኣደታተን ምዃነን ተረዲደን ኣብ ምብርታዕ’ቲ ክንድቲ ዝድለ ዘይጐልበተ ውዳበታት ደቂ ኣንስትዮ ንክሳተፋ፡ ኣብዚ ቅነ 8 መጋቢት ነዘኻኽረን። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና፡ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ግምትን ቆላሕታን ዝወሃቦ እምበር፡ ካብቲ ቃልሲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ተፈልዩ ዝረኣይ ከምዘይኮነን ኣበርክቶ ኩሉ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ከም ዘድልዮን ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።   

8 መጋቢት ስለምንታይ ከም እትዝከር ኣብ በበይኑ ኩርናዕ ዓለም ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ዝረደኣአ ኮይና፡ ግና ድማ ኣብቲ ኣዘኻኽራ፡ ነናብቲ ዝነብራሉ ዘለዋ ሃለዋት ከም ዝቓንይኣ ፍሉጥ እዩ። ብመንጽርዚ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ንጭረሖ “ድርብ ወጽዓ ብድርብ ቃልሲ” ምስቲ ኤርትራን ህዝባን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ህይወት  ኣገናዚባ እትበራበረሉ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ።

ኣምኒስት ኢንተርናቲኦናል (Amnesty International)፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ 600 ኤርትራውያን ተገዲዶም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ከም ዝተመልሱ ብምጥቃስ፡ ብሓፈሻ ኣገዲድካ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ከም ዝምለሱ ምግባር ንክኹነን ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።.

ኣምኒስት ኣብቲ ናብ ዓመታዊ ጉባአ ሰብኣዊ መሰል ዘቕረቦ ናይ ቃል ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ብምሕባር፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሃገሮም ወጻኢ  ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከጋጥሞም ብዛዕባ ዝጸንሐ ሕማቕ ኣጋጣምታት ዘርዚሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ንሓበሬታኡ ከም መወከሲ  ዝወስዶ ፍሉይ ተኸታታሊ ሰባብኣዊ ኰነታት ኣብ ኤርትራ፡ በብግዜኡ ከቕርቦ ብዝጸንሐ ጸብጻባት ምዃኑ ብምሕባር፡ ኩነታት ኤርትራውያን ስድተኛታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኣደታትን ህጻናት ዘጋጥም ጸገማት፡ ብዝምልከት ዘቕረቦ ጸብጻብ እዩ። እቲ ሰብኣዊ ትካል ብዛዕባ እቶም ካብ ቱርኪ ተገዲዶም ኣብ መወዳእታ 2024 ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ 180 መንእሰያት እውን ኣብቲ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ዘቕረቦ መተሓሳሰቢ ኣስፊሩ።

ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ኣብቲ ጸብጻቡ፡ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ግዱድን መወዳእታኡ ዘየብሉን ውትህድርናን ብዘይክፍሊት ምዝመዛ ጉልበትን ብዝርዝር ጠቒሱ፡ ካብ እሙናት መዲያታት ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ ብዝብል፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ወርሒ ለካቲት 2025 ጀሚሩ ብሰንክቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፍጠር ዘሎ ወጥሪ፡ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ጐስጓስ የካይድ ከም ዘሎ ኣቃሊዑ።

ኣተሓሒዙ ድማ ኩለን ሃገራት መሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምሕላው፡ ግቡኣተን ንክፍጽማ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ከምኡ ከኣ ካብ 2015 ጀሚሩ ፍሉይ ተኸታታሊ ብምምዛዝ ብዝተገብረ ጻዕሪ ኣብ ኤርትራ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰል ዝተራእየ ምምሕያሽ ከምዘየለ ጠቒሱ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ ሰሜን ጎንደር ኣለምዋጭ ኣብ ዝበሃል መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ወርሒ ጥሪ 2025 ሓሙሽተ ስደተኛታት ብዘይተፈልጡ ሰባት ተጨውዮም ኣስታት 500 ሺሕ ብር ብምኽፋል ከም ዝተፈትሑ ኣብቲ ጸብጻቡ ሓቢሩ።

ዋና ከተማ ደቡብ ሱዳን ጁባ፡ ኣብኣ ይካየድ ብዘሎ ማእሰርትን ናይ ሓይሊ መሊሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብምውፋርን ትናወጽ ከም ዘላ፡ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። ኣብቲ ኩነታት ምክትል ሓላፊ ስታፍ ናይታ ሃገር ገብሬየል ዱወፕ ደጋፊ ቀዳማይ ምክትል ፕረሲደንት ሪያክ ማቸር ብምዃኑ፡ ኣብ ዋና መእዘዚ ናይቲ መሊሻ ተኣሲሩ ከም ዘሎ  ተፈሊጡ።

.ብ4 ለካቲት 2025 ድማ ሚኒስተር ነዳዲ ደቡብ ሱዳን፡ ፖውት ፖልን ካለኦት ብዙሓት ናይቲ መቻር ዝመርሖ ሰልፊ ደገፍትን ኣብ ኣባይቶም ተኣሲሮም።  ኣካላት ጸጥታ ከኣ ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዛ ሪያክ ማቻር ተዋፊሮም ከም ዘለዉ፡ እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ማእሰርቲ ዝተኻየደ ድሕሪቲ ብጉዳይ ጸጥታዊ ኩነታት ምምሕዳራት ኢኳተርያልን ምዕራብ ባሕሪ ኣል ጋዛልን ዝተኻየደ  ፍሉይ ኣኼባ  እዩ።

ኣብ ግዝኣኣት ላዕለዋይ ናይል፡ “ጻዕዳ ሰራዊት መሊሻ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ደጋፊ ሪያክ መቻር ሓይሊ መሊሻ ኑዌር፡ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ምስተጋጨወ፡ ኣብ ከባቢ ኣብ ዶብ ምስ እትርከብ ናሲር እትበሃል ከተማ ተቖጻጺሩ ምህላዉ’ውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ። ናይቲ ሓይሊ መልሻ ምንቅስቓስ፡ ናብቲ ኣብ 2013 ዝነበረ ዘይምርግጋእ ከየምርሕ ኣስጊኡ ኣሎ። እቲ ብሪያክ መቻር ዝምራሕ ወገን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደገፍቱ ዝፍጸም ዘሎ ማእሰርቲ ተቓዊሙ፡ ንኣዛዚ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ጀነራል ፓውል ናንጐየን ተሓታቲ ገይርዎ’ሎ።

ብመሰረት ሱዳን ትሪቡን ዝዘርገሖ ዜና፡ እቲ ነቲ ሓድሽ ኩነታት ኣመልኪቱ ዝወጸ መግለጺ፡ ነቲ ማእሰርቲ ዘይሕጋዊ  ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ናይ ሓባራዊ መከላኸሊ ሓይሊ ዕማም ምክትል ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ዱውፕ ላም ከኣ ነቲ ኩነታት ሓሊኽዎ’ሎ ተባሂሉ። ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዛ ቀዳማይ ምክትል ፕረሲደንት ናይታ ሃገር ሪያክ መቻር ዝተዋፈረ ሓይሊ ከም ዘስግእ እውን እቲ መግለጺ ደጊሙ ሓቢሩ።

ሮይተርስ ብወገኑ ካብ ኬንያ ከም ዝሓበሮ ድማ፡ ኩነታት ደቡብ ሱዳን ናብቲ ካብ 2013 ክሳብ 2018 ዝነበሮ ህውከትን ዕግርግርን ከይምለስ ከም ዘስግእ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ላፍቶ ኣብ ዝተባህለ ክፍለ-ከተማ; ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፖሊስ ከም ዝተቐትሉን ሓያሎ ከም ዝቖሰሉን ኣብ ለንዶን ዝመደበሩ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝተባህለ ትካል ብ27 ለካቲት 2025  ብዘውጸኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እቶም ኣብቲ ክፍለ-ከተማ ወረዳ 22 ተኣሲሮም ዝነበሩ መንእሰያት ብ22 ጥሪ 2025 ዝተቐትሉ ብናይቲ ተኣሲረምሉ ዝነበሩ ቤት ማእሰርቲ  ሓለዋ ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ሃኒባል ሰለሞን ጉርጃን ኣታኽልቲ ኢሳያስ ሃብተጽዮንን ዝተባህሉ ሽዑንሽዑ ከሞቱ እንከለዉ እቲ ሓደ ዝምልከቶም ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስሙ ክጠቕስዎ  ዘይደለይዎ ድማ ተወጊኡ ሰኣን ግቡእ ሕክምና ከም ዝሞተ ናይቲ ኣብ ሃገር እንግሊዝ ዝመደበሩ ሰብኣዊ ትካል መግለጺ ሓቢሩ። እቶም ዝተኮሱ ኣባላት ፖሊስ ዝበልዎ ምስምስ ክሃድሙ ፈቲኖም ዝብል ምዃኑ ድማ እቲ ዜና ኣቃሊዑ።

ብዘይካዚ ኣብቲ ኩነታት ዝቖሰሉ ካለኦት ዓሰርተ ሓደ ግዳያት፡ ግቡእ ሕክምና ብሰንኪ ዘይምርካቦም ኣደዳ ስቓይ ኮይኖም ክብል፡ እውን እቲ ትካል ኣፍሊጡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኢትዮጵያውያን ሓለፍቲ ናይቶም ግድይ ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣስከሬን ክህቡ ፈቓደኛታት ከምዘይኮኑ ዝተፈላለያ ማሕበራዊ መራኸብታት ገሊጸን።

ብኻልእ ወገን ከኣ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ብወገና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ጃምላ ከም ዝእሰሩ ጠቒሳ፡ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ብዛዕባቲ ጉዳይ መብርሂ ክህቡ ክሕተቱ እንከለዉ ፈቓደኛታት ከምዘይኮኑ ገሊጻ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብቲ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ መበል 58 ጉባአ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ምሉእ ብምሉእ ንከተውጽእ ኣተሓሳሲቦም።

ሕበረት ኤውሮጳ፡ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ከተውጽእ ኣለዋ ድሕሪ ምባል፡ እቶም ኣባላት ሰራዊት ፈጺመምዎ ዝበሃ ኩሉ ግህሰታት ብዘይሻራዊ ኣካል ምሉእ ምጽራይ ክግበረሉ ይግባእ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ድማ ናይቲ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ብምጥሓስ ዝተፈጸመ ግህሰታት ግዳይ ዝኾኑ  ኢትዮጵያውያንን ዕቑባ ሓቲቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ፍትሒ ክረኽቡ ይግበኦም ምባሉ እውን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። እቲ ሕብረት ብ27 ለካቲት 2025 ናብቲ ጉባአ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ  ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት  ሰብኣዊ መሰላት እውን ከም ዘተሓሳስቦ ጠቒሱ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ናብቲ መበል 58 ጉባአ ኣብ ዘቕረቦ ናይ ላዕለዋይ ሞኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ጸብጻብ፡ ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ውግእ ትግራይ ዝተቛረጸሉ ውዕል ፕሪቶርያ ይጥሕሱ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ ብህጹጽ ክወጹ ኣለዎም ክብል ምትሕስሳቡ ተጠቒሱ። ናይቲ ዋና ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ቤት ጽሕፈት ኣተሓሒዙ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ርኡይ መጥቃዕቲ፡ ምስዋር ሰባት፡ ኣገዲድካ ዓመጽ፡ ምዝማት ንብረትን ጃማላዊ ማእሰርትን ይፍጽም ከም ዝፍጽም ዝተኣማምን መርተዖ ኣለኒ ምባሉ’ውን ተሓቢሩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪቲ ናይ 1998-2000 ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምቁራጹ፡ ክልቲኦም መንግስታት ብሓደ ተሳሊፎም ኣብ ትግራይ ከም ዝተዋግኡ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ግና ኣብ መንጎ ክልቲኦም ብዝተፈላለዩ መልክዓት ዝግለጹ ቅልውላዋት ተፈጢሮም ከምዘለዉ ሓቢሩ። ብፍላይ ድማ ድሕርቲ ብናይ ቅድም ፕረሲደንት ኢትዮጵያ ዶር ሙላቱ ተሾመ ንኤርትራ ዘቃልዕ ጽሑፍ ኣብ መርበብ ኣልጀዚራ ምዝርግሑ እቲ ወጥሪ ከም ዝተጋደደ ኣስፊሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ሙላቱ ተሾመ ዘውጸኦ ጽሑፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ርኢቶ እምበር፡ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘውክል ዘይምዃኑ ብወሃብ ቃል ናይቲ ሚኒስትሪ ኣንበሳደር ነቢያት ጌታቸው ኣቢሉ ምግላጹ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ምኒስተር ፈደራላዊ ረፑብሊክ ኢትዮጵያን ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ፈደራል ረፑብሊክ ሶማሊያ ሓሰን ሼሕ ማሕሙድን ብ27 ለካቲት 2025 ኣብ ከተማ መቃድሾ ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ፡ ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም። እዚ ርክቦም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ኣብ ቱርኪ ከተማ ኣንካራ ዝምድናኦም ናብ ንቡር ንምምላስ ዘበጽሕዎ ስምምዕ ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።

በቲ ናይ ሓባር መግለጺ መሰረት፡  መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ንናይ ሓባር ረብሓ ብሓንሳብ ክሰርሑ ኣቐዲሞም ንዝበጽሕዎ ስምምዕ ደጊሞም ከም ዘረጋገጽዎ ቅሩባን ምዃኖም ምርግጋጾ’ውን ተሓቢሩ። ብመሰረት ኣብ መንጎ ህዝብታቶም ዘሎ ታሪኻዊ ዝምድናን ዘራኽቦም ነዊሕ ዶብን፣ ኣብ መንጎኦም ኣብ መዳያት ቁጠባን ማሕበራዊ ዝምድናን ምትእምማንን ምትሕብባርን  ምሕያል ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዝተሰማምዑን ኣብ መዳይ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ ከም ዝሰርሑን ከኣ ኣብቲ መግለጺኦም ተመልኪቱ።

ኢትዮጵያን ሶማሊያን ናይ ሓባር ሸቶ፡  ራእን  ዕቤትን ዘለወን ሃገራት እየን ዝበለ እቲ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ህንጸት ናይ ሓባር እትራተጅያዊ ትሕተ-ቅርጻ፡ ናይ ሓባር ቀጻሊ ዕቤትን ቁጠባዊ ምትእስሳርን  ከዕውቱ  ከምዝተሰማምዑ ከኣ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።

ኣብ ኣንካራ ብዝበጽሕዎ ስምምዕ መሰረት፡ ተክኒካዊ ኣተገባብራ ምጅማሩ ከም ዘሕጉሶም ጠቒሶም ፖለቲካዊ ዘተን ምርድዳእን ከም ዝቕጽል ኣረጋጊጾም። ናይ ክልቲአን ሃገራት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣብዚ ቀረባ ንወተሃደራዊ መዳይ ከም ኣገዳሲ ዛዕባ ወሲዶም፡ ብደረጃ  ክልቲአን ሃገራት ጥራይ ዘኮነ፡ ብደረጃ ዞባ እውን ንጸጥታን ድሕንነትን ኣብ ዝምልከት ኣብ ስምምዕ ምጸሖም ከም ዘሕጉሶም’ውን ኣብቲ ርክቦም ምጥቃሶም እቲ መግለጺ ኣንጸባሪቑ።

እቲ ሓጺር ናይ ሓባር መግለጺ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ መጻኢ ናይ ሓባር ረብሓኦም ንምርግጋጽ ሓቢሮም ከም ዝሰርሑ ምርድደኦም ጠቒሱ፡ እዚ ድማ ናይ ሓባር ጸጥታ ብምውሓስን ሓባራዊ ቁጠባዊ ተጠቃምነት ብምዕባይን ዝግለጽ ከም ዝኸውን ምርድዳኦም ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ በቲ ሓደ ወገን  ናብ ውግእ ከይኣትዋ ዘስግኣ ዝነበራ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩለ-መዳያዊ ስምምዕ ምብጸሓን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ኣስመራ ዝተመስረተ ብዙሓት ኣንጻር ኢትዮጵያ ዘቕነዐ እዩ ዝበልዎ ኪዳን ዘይምስጓሙ፡ ናይ ዞባና ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ቅልጡፍ ምቅይያር የርኢ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

ልኡኻት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ መቃድሾ

ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ምስ ናይታ ሃገር ሓላፊ ብሄራዊ ጸጥታ ኣንበሳድር ሬድዋን ሑሴንን ኣዛዚ ሰራዊት ሶማሊያ ጀነራል ኦዳዋ ሑአሴን ብናይታ ሃገር ሓላፊ ብሄራዊ ጸጥታ ዓብዱላሂ ሳንባሉልሸ ተሰንዮም ኣብ መቃድሾ ተራኺቦም ወተሃደራዊ ስምምዕ ከቲሞም ናይ ሓባር መግለጺ ከም ዘውጽኡ፡ ጆውሃር ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሶማሊያ ኣፍሊጣ።

እቶም ጀነራላት ኣብቲ ርክቦም፡ ብዛዕባ ሰላም ሶማሊያን እቲ ዞባን ተመያይጦም ኣገዳስነት ሰላም፡ ህድኣትን ቀርኒ ኣፍሪቃን መላእ ኣህጉር ኣፍሪቃን ምዝታዮም እቲ ዜና ሓቢሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ብፍላይ ብዛዕባተን ኣብ ምዕቃብ  ሰላም ሶማሊያ ወተሃደራተን ፖሊስን ዘሳተፋ ዘለዋ ሃገራት ብፍላይ ድማ ሓይልታት ሶማሊያ ኣተሃላልዋኡን ካብ 2007 ጀሚሩ ኩነታት ሃገሩ ንምርግጋእ ክኸፍሎ ዝጸንሐ መስዋእትን ብሰፊሑ ተመያይጦም።

ኣዘዝቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብዚ ናይ መቃድሾ ርክቦም፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ሶማሊያ ሰራዊት ምልኣኹ ንኢዶም፡ እቲ ዝግበር ሰላም ናይ ምርግጋጽ ጻዕሪ መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ክኸውን ከም ዝግበኦ ምርድደኦም እቲ ዜና ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዞም ከኣ ግደ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ኣፍሪቃ ሕብረት ዓቃብ ሰላም ዕዙዝ ምዃኑ ድሕሪ ምምዛን፡ ሰራዊ ኢትዮጵያ ዘውጸኦ እስትራተጂ ኣብ ሰላም ሶማሊያ ዕዙዝ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ መዚኖም።

ኣብቲ ኣኼባ ኣብ መንጎ ፈደራል ረፐብሊክ ኢትዮጵያን ፈድራላዊ ረፐብሊክ  ሶማሊያ ዝግበር ርክብ፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማሊያ ብምኽባር በመንገዲቲ  ኣብ መቃድሾ ዘሎ መንግስቲ ጥራይ ምዃኑን ተሰማሚዖም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ ሶማሊያ ዝምደብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ተልእኮኡ ፈጺሙ ቀልጢፉ ንክወጽእ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሶማሊያዊ ዓቕሚ ንምድላብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንክሕግዝ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ዝተሓባብርሉ ስምምዕ ከም ዝኸተሙ ኣብቲ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣስፊሮም።

እዚ ስምምዕ ምስቲ ኣብ ኣስመራ፡  ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን ዝተኸተመ ኪዳን ዘየሳኒ፡ መቐጸልታ ናይቲ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ኣብ ኣንካራ ብመንጎኝነት ቱርኪ ዝበጸሐኦ ስምምዕ ኮይኑ፡ ሓድሽ ኣሰላልፋ ዘምጽእን ንኤርትራን ሶማሊላንድን ዘየሕጉስ ፍጻመ እዩ።