
ማርያ ሄማንደዝ ስፐይናዊት ክትከውን እንከላ ቴድሮስ ገብረማርያምን ዮሃንስ ሓለፎምን ከኣ ተጋሩ’ዮም
ሓካይም ብዘይዶብ (MSF) ዝተባህለ ዓለም ለኻዊ ትካል፡ ኣብ ትግራይ ብ24 ሰነ 2021 ዝተቐትሉ ሰለስተ ኣባላቱ ዝምልከት መጽናዕቲ ዛዚሙ ከም ዝዘርግሐ ብዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። እቶም ግዳይ ዝኾኑ ናይቲ ትካል ኣባላት፡ ማርያ ሄማንደዝ ጋል 35 ዓመት፡ ቴድሮስ ገብረማርያም ወዲ 32 ዓመትን ዮሃንስ ሓለፎም ወዲ 31 ዓመትን ዝተባህሉ ምዃኖም እውን ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ።
እቲ ቅትለት እቶም ግዳያት ሰራሕተኛታት ግብረሰናይ ምዃኖም እናተፈለጠ፡ ኣብ ማእከል መንገዲ ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ምዃኑ እቲ መግለጺ ጠቒሱ፡ በቲ ቅትለት ዝሕተት ከኣ ሓይልታት ምክልኻል ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ።
እቶም 3 ግዳያት ኣብቲ ዝተቐትልሉ እዋን ናይቲ ትካል ወግዓዊ ምልከት ብዝነበራ መኪና እናተጓዕዙ ኣብ ማእከላይ ዞባ ትግራይ ኣብ ከባቢ ከተማ ዓብይ ዓዲ ብውግእ ንዝተጐድኡ ሰባት ሕክምናዊ ረዲአት ክህቡ እናተጓዕዙ እንከለዉ፡ መኪናኦም ተዓጊታ ጠጠው ምስ በለት ከም ዝተቀትሉ እቲ ትካል በቲ መምርመራዊ መጽናዕቱ ኣቃሊዑ። ትካል ሓካይም ብዘይዶብ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኣብቲ ምጽራይ ክሳተፉ’ኳ ብቐጻሊ ክጽዕር እንተጸንሐ ቃል ካብ ምእታው ሓሊፉ ዘዕግብ መልሲ ከምዘይረኸበ ኣስፊሩ።
ፓውላ ጊል ሊይቫ ፕረሲደንት ትካል ሓካይም ብዘይዶም፡ ዋላኳ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ውጽኢት መርመራ ንክወሃቦም ብተደጋጋሚ ቓል እንተ ተኣትዎሎም፡ ፖለቲካዊ ቅሩብነት ስለ ዘየለ እቲ ዝተጽበይዎ ከምዘይተረኸብዎ ጠቒሳ። ብሰንክዚ ምድንጓይ ንቤተሰብ ናይቶም ግዳያት ኮነ ንኣባላት ናይቲ ትካል ብቑዕን ወግዓውን መልሲ ምሃብ ከምዘይተኻእለ እውን ኣስፊራ። በዚ መሰረት እቲ ትካል ባዕሉ ዘካየዶ መጽናዕቲ ንክገልጽ ከም ዝተገደደ ከኣ ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ’ሎ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ እቶም ግዳያታ ናይቲ ትካል ኣርማ ዘለዎ ጻዕዳ ክዳን ሰብ ሞያ ሕክምና ለቢሶም ከም ዝነበሩ ብምጥቃስ፡ እዚ እናረኣኻ ዝተኻየደ ቅትለት ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ዘይሰብኣዊ እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ከምዘብጸሖም እውን ተሓቢሩ። ደጋጊምካ ብምትኳስ ምቕታሎም ድማ ብገርሂ ዘይኮነ ኮነ ኢልካ ዘተፈጸመ ምዃኑ ዝያዳ ከም ዘረድእ በቲ መጽናዕቲ ተረጋጊጹ ተባሂሉ።
ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ምክትል ሓላፊት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ፡ ኣንበሳደር ስዑድያ፡ ኣንበሳደር ኢማራት፡ ኣንበሳደር ግብጺ
ዝተወሰና ሃገራት ብኣባልነት ዝርከበኦ ዝለዓለ ጉጅለ፡ ጉዳይ ሱዳን ንምፍታሕ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ መጀምርያ ሰሙን ወርሒ ሓምለ 2025 ዝጀመሮ መስርሕ ከም ዝተዓንቀፈ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። እቲ ዕንቅፋት ዝተፈጥረ ግብጺ ኣብቲ ርክብ ወኪል ናይቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ክሳተፍ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ብምቕራባን ኣሜሪካ ከኣ ንርኢቶ ግብጺ ብምንጻጋን ምዃኑ ተሓቢሩ።
ናይቲ ኣብ ዋሽንግተን ብጉዳይ ሱዳን ዝተጋብአ ጉጅለ ኣባላት፡ ወከልቲ ኣሜሪካ፡ ሳዑድ ዓረቢያ፡ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ግብጽን ክኾኑ እንከለዉ፡ ቀንዲ ቆላሕተኦም ከኣ ህልዊ ኩነታት ሱዳን ዝፍተሓሉ መንገዲ ንምርካብ እዩ። እንተኾነ ብሰንኪ ፍሉይ መርገጺ ናይታ ንመንግስቲ ጀነራል ኣልቡርሃን ምስ ኤርትራን ሱዕድያን ኮይና ብቐረባ እትድግፍ ግብጺ፡ ከምቲ ዝድለ ክስጉም ከምዘይከኣለ ሓደ ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፈ ዲፕሎማት ኣፍሊጡ።
ኣሜሪካ ብሰንክቲ ኣብ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዘለዎም ኣሉታዊ ግደ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ዝተፈላለዩ እገዳታት ዝንበረትሉ መንግስቲ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ኣብቲ መድረኽ ንክሳተፍ ዝቐረበ ናይ ግብጺ ርኢቶ ብትሪ እያ ተቓዊማቶ። ኣሜሪካ ኣብ ርእሲዚ ኣብ ክንዲ መንግስቲ ጅነራል ኣልቡርሃን፡ ነቲ ብሰንኪ ናይ 2021 ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ሱዳን ዝተወገደ ሲቭላዊ መንግስቲ ወከልቲ ምዕዳም ከም ዝምረጽ’ውን ሓሳብ ኣቕሪባ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ማሕበረሰብ ሲቪላውን ፖለቲካውን ሱዳን፡ ኣብ ካልእ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ከም ዘካየዱ ሱዳን ትሪቡን ብወገና ኣፍሊጣ። እቶም ሲቪላውን ፖለቲካውን ማሕበረሰብ ሱዳን ኣብቲ ርክቦም፡ ኣብ ሱዳን ብዛዕባ ዝተፈጸመ ክሳብ ምጽናት ዓሌት ዝበጽሕ ሜላዊ መጥቃዕትታት ዝሕብር ሰነድ ከም ዘቕረቡ ድማ ተፈሊጡ።
እዚ ኩነታት ዘመልክቶ፡ ሱዳናውያን ጉዳዮም ባዕላቶም ብሰንኪ ክፈትሑ ዘይምኽኣሎም፡ ኣብ ኢድ ናይ ግዳም ሓይልታት ወዲቑ ይተሓላለኽ ምህላዉ እዩ።
ካብቶም ግዳያት ብኸፊል
ካብ ኬንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኡጋንዳ ክኣትዉ ፈቲኖም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 218 ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብሓይልታት ጸጥታ ክልቲአን ተዳወብቲ ሃገራት ከም ዝተዓገቱ ቢቢሲ ሓቢራ። ጸብጻብ ፖሊስ ናይተን ሃገራት ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ግዳያት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጉጅለታት ተኸፋፊሎም እንከለዉ እዮም ኣብ ዶባዊት ከተማ ኡጋንዳ ሞሮቶ ተታሒዞም።
ኣብታ ብ2 ሓምለ 2025 ዝታሕዘት ጀልባ፡ 74 ኤርትራውያን ክተሓዙ እንከለዉ፡ ንጽባሒቱ ኣብ ናይ ሓንቲ ቁሸት ኣጓዱ ተሓቢኦም እንከለዉ ዝተታሕዙ ከኣ 13 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 36 ምዃኖም እቲ ዜና ኣስፊሩ። ብተመሳሳሊ ኩነታት ብ5 ሓምለ ሎኪቶንያለ ኣብ ዝበሃል ቦታ ኣብ ከባቢ ዶብ ኣሰጋገርቶም ገዲፈምዎም ዝሃደሙ 13 ህጻናት ዝርከብዎም 108 ኤርትራውያን ካብቶም ብፖሊስ ዝተታሕዙ ግዳያት ምዃኖም ቢቢሲ ፖለስ ኬንያ ብምጥቃስ ኣብቲ’ቲ ዜና ኣስፊራ።
ኢንደፐንደት ዝተባህለት ጋዜጣ ኬንያ ብወገና፡ ብፍላይ ነቶም 108 ብምጥቃስ፡ ናይዞምም ህጽናትን ኣደታትን ዝርከብዎም ኤርትራውያን ግዳያትን ኣሰጋገርቶምን ጉዳይ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣላለ ኣብ ዝተባህለ መደበር ፖሊስ ኣብ ትሕቲ መርመራ ከም ዝርከብ ሓቢራ።
እዚ ናይ ኤርትራውያን ብኬንያ ኣቢልካ ናብ ኡጋንዳ ምእታው፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ዝተለምደ መስመርኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ምስቲ ኤርትራውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያን ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ ዘጋጥሞም ዘሎ ተጽዕኖን ማእሰርትን ከምኡ እውን ተገዲድካ ናብ ኤርትራ ምምላስ ዝያዳ ዝጋደድ ዘሎ እዩ።
ስእሊ፡ ተመሃሮን ኣባላት ኣካለ ጽጉማንን
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትነብር፡ ጓል 26 ዓመት ኤርትራዊት መንእሰይ ራሄል ኣርኣያ፡ ንመኽባር ዕለተ-ልደታ ኣብ ዝጸወዓቶ ኣጋጣሚ፡ ናብ መእከቢ ልግሲ (fund raising) ንጽጉማን ብምቕያር፡ ካብ ዝኣከበቶ ህያብ ገንዘብ፡ 40% ኣብ ሱዳን ከሰላ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኣካለ ጽጉማን 60% ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ዋዲ ሸሪፎይ ከም ዝለገሰትን ድሮ ናብ ባንክ ሕሳብ ናይቲ ትካላት ምእታዉን ዝበጻሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። በዚ ዝተገብር ሰናይ ተግባራ ድማ፡ ንራሄል ኣርኣያ ኣዝዩ ዕዙዝ ምስግና ይግበኣ።
ራሄል ነዚ ዝለገሰት ብዛዕባዞም ዝተጠቕሱ ሓገዝ ኩሉ ኤርትራዊ ዘድልዮም ጽጉማት ኣካላት፡ ብዝነበራ ግንዛበን ብቤተሰባ ብዝተዋህባ ሓበሬታን ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ኩነታት ብተንቀሳቐሲ ምስሊ (vedio) ብዝተስነየ ምስ ገለጸትሎም ዝለገሱ ናይቲ ኣጋጣሚ ዕዱማትን ማሓዙትን ከኣ፡ በቲ ሓላፍነታዊ ተበግሶን ተርግባርን ራሄል፡ ብዘርኣይዎ ልግስን ኣዝዮም ሕጉሳት ምዃኖም ገሊጸሙላ።
እቲ በዚ ሰናይ ግብራ ዝተዋህበ ልግሲ፡ ዝህልዎ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ኣገዳሲ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ካለኦት ከም ራሄል ዝኣመሰሉን ዝኣመሰላን ኤርትራውያን መንእሰያትን ስድራቤቶምን ዘመሓላልፎ ናይ ሰናይ ተግባር መልእኽቲ’ውን ዕዙዝን ኣብነታውን እዩ።
ንጽጉማት ወገናትካ ዝግበር ልግሲ፡ ዓቐኑ ወይ ዋሕድን ብዝሕን ናይቲ ዝልገስ ዓይነት ዘይኮነ ተገንዚብና፡ እቲ ኣገዳሲ ቁም ነገሩ፡ ኣብ ሕልና ደቂ ሰባት ዝፈጥሮ ቅሳነትን ሞራልን እዩ እሞ፡ ኩልና ሓገዝና ዝደልዩ ጽጉማት ወገናት ከምዘለዉ ተገንዚብና ኣብ ሕልናና ቦታ ክንህቦን ንራሄል ክንስዕባን በዚ ኣጋጣሚ ክንጠቕስ ንደሊ።
ስርዓት ህግደፍ፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ንምጽራይን ምምርማርን ጥሕሰታትን ብመንገዲ ፍሉይ ተልእኮ ራፖርተር ክቋረጽ ዘቕረቦ ጠለብ ብ4 ሓምለ 2025 ከም ዝተነጽገ ካብ ጀነቫ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ገሊጹ።
እቲ ምምሕዳር ህግደፍ ከም ድላዩ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ንክጥሕስን ዜጋታት ከሳቕይን ንከኽእሎ ናብ መበል 59 ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ፡ ብ25 ኣባል ሃገራት ተነጺጉ ብ4 ጥራይ ተደጊፉ 18 ሃገራት ድማ ናይ ተዓቅቦ መርገጽ ከም ዝወሰዳ እቲ ዜናዊ ሓቢሩ። እተን ንርኢቶ ህግደፍ ዝደገፋ ሃገራት ብሩንዲ፡ ቻይና፡ ኩባን ሱዳንን እየን።.
ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ተመዚዙ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝከታተል ዘሎ ሱዳናዊ ዶር መሓመድ ባብከር ዓብዱሰላም፡ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ጃማላዊ ማእሰርትን ግዱዱ ውትህድርና ብጻዕቂ ዝረኣየሉ ዘሎን ምዃኑ ብዝርዝርር ኣረዲኡ።
“ኣፍሪቃዊ ጉጅለ ምክልኻል ሰብኣዊ መሰል” ዝተባህለ ኣካል ብወገኑ፡ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝቐረበ ጠለብ ናይ ምንጻግ ስጉምቲ፡ “እቲ ተመዚዙ ዘሎ ፍሉይ ራፖርተር ንጥሕሰት ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ዲያስፖራ ምእንቲ ሰብኣውነት ዝግበር ቃልሲ እውን ሓጋዚ እዩ” ብዝብል ደገፉ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ብኤርትራ ዝቐረበ ሓሳብ ምቕባል፡ ኣብታ ሃገር ጥሕሰትን ግህሰትን ከም ድላዩ ንክፍጸም ዘፍቅደሉ እዩ ነይሩ ብምባሉ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ግዱሳት ኤርትራውያን በብውልቂ ኮነ ብደረጃ መርበባት ሓበሬታ እውን ጠለብ ህግደፍ ተቐባልነት ንከይረክብ ክጽዕቱ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር’ዩ እሞ ምስጋና ይግበኦም።
ዶር. ኣብይ ኣሕመድ ሃገሩ ብዘይኣፍደገ ባሕሪ: ሃገር ኣይትኸውንን’ያ ኢሉ
Friday, 04 July 2025 23:59 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብ3 ሓምለ 2025 ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ (ፓርላማ) ቀሪቡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝቐረብሉ ሕቶታት ኣብ ዝመለሰሉ፡ “ኢትዮጵያ ሃገር እያ እንተኾነ ብዘይኣፍደገ ባሕሪ ሃገር ኮይና ኣይክትቅጽልን እያ” ኢሉ።
ዶር ኣብይ ኣብቲ ንኤርትራ ብዝምልከት ዘሃቦ መብርሂ፡ “ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር እያ፡ እዚ ድማ መሰላ እዩ፡ ነዚ ምቅዋም ኣየድልየናን” እውን ኢሉ። እዚ ልኡላዊ ሃገራውነት ብተመሳሳሊ ናይ ጅቡትን ሶማልያን ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ኢትዮጵያ መሰል ከምዝኾነ ድማ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ከምቲ ኢትዮጵያ ንልኡላውነት እዘን ሃገራት ኣፍልጦ እትህቦ፡ ናይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ እውን ከገድሰን ይግባእ ክብል ጠቒሱ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንትግራይ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ናብ ትግራይ ጥይት ናይ ምትኳስ ድሌት ከም ዘየብሉ ጠቒሱ። ኣብ ትግራይ እቲ ህዝቢ ውግእ ከይካየድ ዝሰግእ ክነሱ፡ እንተኾነ ውግእ ዝሃርፉ ወገናት ከም ዘለዉ ንምብራህ ክብል፡ ብትግርኛ “ንድሙ ጸወተኣ ንእንጭዋ ከኣ ጻዕረ-ሞታ” ብዝብል ኣገባብ ጠቒስዎ። ሓያልነቱ ንምርኣይን ንምፍርራሕን ከኣ ሎሚ ጠባይ ናይቲ ውግእ ዝተቐየረሉ ግዜ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሎሚ ውግእ እንተተኸፊቱ ቆላሕታ ዝህብዎ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣይክህልዉን እዮም’ ውን ኢሉ።
ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ “ኣብ ዝደኸመ ደረጃ እዩ ዘሎ” ብዝብል፡ ከይዕሸዉ ድሕሪ ምዝኽኻሩ ከኣ፡ እቶም ንክሕግዝዎም ዝጽበይዎም፡ ወገናት “ንገዛእ ርእሶም ዘይኮኑ እዮም” ብዝብል ኣነኣኢሱ ጠቒስዎም። ኣተሓሒዙ ከኣ ኩሉ ማሕብረ-ሰብ ትግራይን ዲፕሎማሲያዊ ኣካላትን ውግእ ከይተኸፍተ ሰላማዊ መፍተሒ ንክርከብ ንክጽዕቱ ተማሕጺኑ፡ ጉዳይ ተበላሽዩ ድሕሪ ውግእ ምጅማሩ ዝግበር ምንቅስቓስ ግና ጠቕሚ ኣይክህልዎን እዩ ኢሉ።
እቲ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ፡ በቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝቐረበሉ ናይ ዝሓለፈ ዓመት በጀት ኣፈጻጽማ ጸብጻብ ሰሚዑ ናይ ዝመጽእ ዓመት በጀት እውን ኣጽዲቑ።
ህልዊ ኩነታት ከትማ ካርቱም ካብ ዘርእዩ ምስልታት
ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን፡ ቁጽሮም ካብ 270 ክሳብ 300 ዝኾኑ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት 5 ሓለም ምድላው ገይሮም 7 ሓምለ 2025 ድማ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ናብ ዝርከብ መድበር ስደተኛታት ኡምገርጉም-ሸገራብ ክኣትዉ ከም ዘገደዶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ግዱሳት ኤርትራውያን ምንጭታት ሓቢሮም። ዋላ’ኳ ድሌት ዘለዎም ብድሌቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም ዝኽእሉ እንተተሓበረ፡ ኤርትራውያን ግና ኣብ ሃገሮም ነዚ ዝጸውር ሓላፍነታዊ መንግስቲ ስለ ዘየብሎም ናብቲ መደበር ካብ ምእታው ካልእ ምርጫ የብሎምን።
ኢትዮጵያውያን ነበርቲ’ታ ብውግእ ዝዓነወት ከተማ ካርቱም ብወገኖም፡ ብድሌቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ፈቓደኛታት እንተዘይኮይኖም፡ በቲ ሓድሽ ውሳነ መሰረት ኣብ ምብራቕ ሱዳን ከባቢ ገዳርፍ ናብ ዝርከብ መደበር ኡምጉልጃ-ኡምራኩባ ክኣትዉ ተኣዚዞም ኣለዉ። ኣብዚ መስርሕ ናይ ስደተኛ ወረቐት መንነት ዘይጸንሖም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣስታት 700 ሺሕ ጅነ ክኸፍሉ ይግደዱ ኣለዉ።
ምስዚ ሓድሽ ውሳነ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብ ካርቱም ዝጸንሑ 6 ሺሕ ደቡብ ሱድናውያን ድማ ብዘይድሌቶም በመንግዲ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ብኻእል ወገን ከኣ ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ቀቢላዊ ጉጅለታት ሱዳን ቅድሚ ሕጂ ብህግደፍ 8 ዙር ወተሃደራዊ ታዕሊም ከም ዝወሰዱ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፡ ሕጂ እውን ሓደ ብስም ምብራቕ ሱዳን ብዝንቀሳቐስ ጉጅለ ኣቢሉ ኣብ ኤርትራ ብደገፍ ህግደፍ ወተሃደራዊ ታዕሊም ንክወስዱ ኣስታትን 50 ሺሕ መንእሰያት ይዳለዉ ምህላዎም ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኩነታት ከም ዘለዉ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ይሕበር ኣሎ። ስለዚ ብሰንክዚ እዚ ናይ ህግደፍ ቐጻሊ ኣብ ጉዳይ ሱዳንን ካለኦት ሃገራትን ኢድ ምእታዉ ኣብ መጻኢ መስርሕ ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ኤርትራ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል ናይ ብዙሓት ግዱሳት ኤርትራውያን ስግኣት እዩ።
ሰብኣዊ ትካል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል (Amnesty International)፡ መንግስቲ ኤርትራ ቀጻልነት ናይቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ተመዚዙ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝከታተል ራፖርተር፡ ንክቋረጽ ዘቕርቦ ዘሎ ጠለብ ተቐባልነት ንከይረክብ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ድማ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ካብ 4 ክሳ 7 ሓምለ 2025 ክካይዶ ተመዲብዎ ዘሎ መበል 59 ጉባአኡ ኣንጻር ሕቶ መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን ንከድምጽ ናይቲ ትካል ዳይረክተር ዞባ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ቲገረ ቻጉታህ ጸዊዑ።
ኣምነስቲ ኣብዚ ናብ ኣባል ሃገራት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ዘቕረቦ ምሕጽንታ፡ መስርሕ ምክትታል ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣይተዛዘመን ድሕሪ ምባል፡ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸመ ሰብኣዊ ግህሰታት ተሓታትነት እውን ኣይተረጋገጸን ኢሉ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ምቕጻል እቲ ፍሉይ ራፖርተር መሪሕ ግደ ዘለዎ ሕብረት ኤውሮጳ እቲ ኣብ ኤርትራ በዂሩ ዘሎ ተሓታትነት ንክትግበር ክሕግዝ ከም ዝግበኦ ኣብቲ መጸዋዕታኡ ኣስፊሩ ግህሰታት ኣብ ኤርትራ ምምዛዝ ናይቲ ራፖርተር 10 ዓመት ኣብ ዝመለኣሉ’ውን ቀጻሊ ምህላዉ’ውን ኣቃሊዑ።
ኣተሓሒዙ ከኣ ብወገን ኤርትራ ኣድላይነት ናይቲ ራፖርተር ንከቋርጽ ሒዝዎ ዘሎ ኣጀንዳ ክዕወት ዘይግበኦ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነቲ ዓብይ ሓላፍነት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዘስተናዕቕ ምዃኑ እውን ኣስፊሩ። እዚ ምምዛዝ ፍሉይ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ካብ 2012 ጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ እዩ። እንተኾነ ቅድሚ ኹሉ እቶም ዝምዘዙ ራፖርተራት ናብ ኤርትራ ናይ ምእታው ዕድል ስለ ዝተነፍጎም ክንድቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ከድምዑ ኣይጸንሑን።
ኢትዮጵያ ብ20 ሰነ 2025 ብመንገዲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራ ኣቢላ ናብ ዝተፈላለዩ ይምልከቶም ዝበለቶም ኣካላት ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ ኤርትራ ብሓፈሻ ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ተሃዋሲ ኩነታት፡ ብፍላይ ድማ ጸጥታ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ትዘርግ ኣላ ክትብል ብትሪ ከሲሳታ። ኣብቲ ደብዳበ ኢትዮጵያ “ኤርትራ ጸጥታና ንምዝራግ ተደጋጋሚ ፈተነታት ተካይድ ስለ ዘላ ነቲ ተግባር ብትሪ ንኹንኖ” ዝብል መልእኽቲ ሰፊሩ። ኣተሓሒዛ ከኣ ሕብረተሰብ ዓለም ተግባር ኤርትራ ዘብቅዓሉ ኩነታት ንክፈጥር መጸዋዕታ ቀሪባ።
ኣብዚ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ካናዳን ብዙሓት ጸለውቲ ዝበሃላ ሃገራትን ዝተጻሕፈ ናይ ስምዕታ ደብዳበ፡ ሰራዊት ኤርትራ ጋና ካብ መሬት ኢትዮጵያ ከምዘይወጸ ብምጥቃስ፡ ኤርትራ ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ዝኾኑ ኢትዮጵያዊ ጉጅለታት ብምዕጣቕን ምስናቕን ሰላም ኢትዮጵያ ትዘርግ ኣላ ዝብል ሓሳብ ይርከቦ።
ኣተሓሒዙ ድማ እዚ ዘራጊ ተግባራት ኤርትራ ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝመጸ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ንተግባራት ኤርትራ ካብዚ ንላዕሊ ከምዘይትጻወሮን ነብሳ ናይ ምክልኻል መሰል ከም ዘለዋን ኣስፊሩ። ቅድሚ ኩሉ ግና ሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዲፕሎማሲያዊ ተጽዕኖኡ ንከሕይል ጸዊዑ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኣብዚ ቀረባ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ዝፍጠር ዘሎ ምቅርራብ “ኣንጻር ሕገመንግስታዊ ኣካይዳ ልምምዳት ንዕዘብ ኣለና” ከም ዝበሎ ዝዝከር እዩ።
ነዚ ሰፊሕ ናይ ክሲ ዝርዝር ዘለዎ ደብዳበ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝተዓዘቡ ኣካላት፡ እዚ ስጉምቲ ናይ ቅድመ-ውግእ ስምዕታ ከይከውን ስግኣታቶም ይገልጹ ኣለዉ።
ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ21ሰነ 2025 ምዱብ ኣኼባ ኣካይዱ።ኣብ መኽፈቲ’ዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ደንበ ተቓውሞን፡ ዞባናን ዓለምናን ዝረአ ዘሎ ምዕባለታትን ዝፍጠር ዘሎ ስግኣታትን ከምኡ እውን ብደረጃ ሰዲህኤ ክካየድ ዝጸንሐ ምንቅስቓሳት ዘንጸባርቕ ቃል ኣስሚዑ።
ብምቕጻል ኣኼባ ከም ቀዳማይ ኣጀንዳኡ ሰሪዑ፡ ኣብ “ምምይያጥ ጸብጻባት ነፍሲ ወከፍ ኣብያተ-ጽሕፈት ሰልፊ” ኣትዩ፡ ግቡእ ሚዛናት ኣካይዱ። ኣብቲ ጸብጻባት ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ዝተራእ’ዩ ሓያላትን ድኹማትን ጐድንታት ዳህሲሱ። ኣብ ሚዛኑ፡ ኣብ ዜናዊ ስረሓት ሰልፊ ኣብ ቋንቋ ዓረብ ተፈጢሩ ዝጸንሐ ሕጽረት ንምምላእ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ ወሲኽካ ይረአ ንዘሎ ንጥፈታት ንኢዱን ኣተባቢዑን፡ እቲ መደባት ብስፍሓት ናብ ህዝብና ዝበጽሓሉ ሜላታት’ውን ዳህሲሱ።
ብዘይካዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ዝረኣዩ ዘለዉ ኣውንታታት ክቕጽል ኣተባቢዑ፡ ዝረኣዩ ድኽመታት ዝእረምሉ ኣንፈታት ከኣ ኣስፊሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ኩሉ መዳያት ግቡኣቶም ኣብ ምፍጻም ዘርእርይዎ ዘለዉ ትግሃት ኣመጒሱ።
ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ሃገርና፡ ጐረባብትናን ዞባናን ዝረኣዩ ብዛዕባ ዘለዉ ኩለ-መዳያዊ ምዕባለታት ግዜ ሂቡ ብሰፊሑ ኣብ ዝዳህሰሰሉ ከኣ፡ እዞም ዝስዕቡ ሚዝናት ኣንቢሩ።
1) መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ፡“ብዝኾነ መንገዲ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ክንውንን ኣለና” ብዝብል ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ የለዓዕል ምህላዉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብዚ ተግባሩ ንክቑጠብ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ልኡላውነት ሃገራት ዝዕቅቡን ንኣጠቓቕማ ወደብ ዝምልከቱን ኣህጉራዊ ሕግታትን ቻርተራትን ከይገሃሱ’ውን ኣጥቢቑ ኣዘኻኺሩ።
2) እቲ ድሕሪ ምኽታሙ ናይ ኣሰላልፋ ለውጢ ኣኸቲሉ፡ መተሃላለኽን መፈላለይን ኮይኑ ዘሎ ውዕል ፕሪቶርያ ምፍራሱ፡ ንድሕሪት ተመሊሱ ናብ ዘይተደልየ ህልቂትን ብርሰትን ክወስድ ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኩሎም ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝምልከቶም ኣካላት ነቲ ውዕል ምእዙዛት ኮይኖም ኣብ ግብሪ ንከውዕልዎ ጸዊዑ።
3) ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣገዳስነት ሰላማውን ልምዓታውን ዝምድና ህዝብታት ብምርዳእን፡ ነቲ “ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ ሕድሕድ ጣልቃ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቁጠባዊ ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ።” ዝብል ኣብ 4ይ ጉባአ ኣብ ዝጸደቐ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ሰፊሩ ዘሎ መትከል ምርኩስ ብምግባር፡ ብሓፈሻ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ድማ ምስቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ጥቡቕ ማሕበረ-ባህላዊ ዝምድና ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝ ዝምድና ክህሉ ከም ዘተባብዕ ደጊሙ መዚኑ።
እዚ ዝምድናኡ ኣድማዒ ንክኸውን ብተሳትፎኡን ኣፍልጦኡን ዝተደኮነ፡ ትካላዊ መልክዕ ዝሓዘን ብጸቢብ ድሌት ውሱናት ጉጅለታት ዘይጭወን ንክኸውን ክልቲኡ ህዝብታት ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ተማሂሩ ዝቆጻጸሮ ንክኸውን ክቃለስ ከም ዝግበኦ ኣዘኻኺሩ።
4) ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለምናን ዞባናን ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይፍጠር ኣብ ዘሎ ምትፍናን፡ ዝምልከቶም ናይ ቀረባ ይኹኑ ናይ ርሑቕ ሓይልታት፡ ኣብ ክንዲ ኢዶም ኣእትዮም ብዝኾነ መልክዕ ነቲ ወጥሪ ዘጋድዱ፡ ብውግእ ዘይኮነ፡ ብፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ኣገባብ ዝፍተሓሉ ኩነታት ኣብ ምጥጣሕ ክሕግዙ ጸዊዑ።
5) ኣብ ዝኾነ ኩርነዓት ዓለም፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቊበን ዘለዋ ሃገራትን ከም ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰላ ሰብኣዊ ትካላትን ንድሕነት እቶም ስደተኛታት ኩሉ ዝከኣለን ዘበለ ንክገብራ ሰብኣዊ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።
6) ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ጐረቤትና ሱዳን ዘሎ ንልዕሊ 2ተ ዓመታት ዝቐጸለ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ዘኸትሎ ዘሎ ህልቂትን ዕንወትን ብምድህሳስ፡ ተነሓናሕቲ ሱዳናውያን ጀነራላት ካብዚ ኣብራሲ ውግእ ወጺኦም፡ ጉዳዮም ንናይ ግዳም ሓይሊ ኣሕሊፎም ብዘይምሃብ ባዕላቶም ክፈትሕዎ ጸዊዑ።
7) ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ናብ ተስፋ ዝህብ ተግባራት ይስጉም ከምዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ቀጻሊ ከኣ ነዚ ኣብ ከባቢ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ብዝምጥን ንክስጉም ዘለዎ ትጽቢት ኣስፊሩ። ኣብ ርእሲዚ ደንበ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ ኣብዚ ዝረአ ዘሎ ኣዝዩ ተሃዋሲ ፖለቲካዊ ላዕልን ታሕትን ዝስማዕ ድምጺ ንምፍጣር ዘኽእል ናይ ሓባር መድረኽ ናይ ምውናን ስጉምቱ ንከቀላጥፍ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ምዱብ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ መወዳእታ ኣባላት ሰዲህኤ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ከካይድዎ ዝጸንሑ፡ ዘይሕለል ቃልሲ ደጊሙ ንኢዱ፡ ኣብ መጻኢ እውን ከይስልክዩ መጸዋዕታኡ ብምቕራብ ተዛዚሙ።