EPDP News

ሚካኤል ሩቢን

ኣሚሪካዊ ጸሓፊ ሚካኤል ሩቢን፡ ናሽናል ሰኩሪቲ ጆርናል (National Security Journal) ኣብ ዝተባህለ መጺሐት ኣብ ዘሕተሞ ጽሑፍ፡ ሎሚ እውን ኤርትራ ንሰሜን ኮርያ ተኸቲላ፡ ኣብ ትሕቲ ዝለዓለ ጭቆናን መሪር ወጽዓን  ትነብር ዘላ ሃገር ምዃና ኣብ ናይ 23 መስከረም 2024 ጽሑፉ ሓቢሩ። ሩቢን ኣብቲ ጽሑፉ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ነታ ሃገር ብሓይልን ዓመጽን የመሓድራ ኣሎ ምስ በለ፡ ምርጫ ዝነጽግ፡ ነታ ሃገር ከም ናይ ግሉ ትካሉ ዝሪኣ፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት፡ ገደቡ ዘይፍለጥ ግዱድ ውትህድርናን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘዘውትር፡ ጉልበት መንእሰያት ብዘይክፍሊት ብመልክዕ ባርነት ዝምዝምዝ ክብል ጠቒስዎ።

ብሰንኪ ምምሕዳር ዲክተረ ኢሳያስ፡ መንእስያት ኤርትራ ናብ ስደት ከም ርሑ ከም ዝግደዱ ብምጥቃስ ከኣ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ጉዕዞኦም ናብ ስደት ኮነ ኣብተን ዝተሰድወን ሃገራት ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ብዝርዝር ኣስፊሩ። ኤርትራውያን ኣብ ስደት ፈቓድ ህግደፍ መሊኦም 2%  ናይ ኣታዊኦም  እንተዘይከፊሎም እቲ ሳዕቤን ነቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ቤተሰቦም’ውን ከም ዘረኻኽበሎም ከኣ ኣቅሊዑ።

ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ዝድግፉ ኣለዉ፡ ምስ በለ፡ እዚኣቶም ወይ ብምምሓድር ኢሳያስ  ዝርብሑ ወይ ድማ ንስለያ ዝተቖጽሩ ከም ዝኾኑ ዝተጠቐሰ ጽሑፍ ሩቢን፡ እዚ ኣገባብ ካብ ኣሰራርሓ ሰሜን ኮርያ ዝተወስደ ስልቲ እዩ ኢልዎ። ኢሳያስ  ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዎ እስትራተጂ ንምዕዋት፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘዋፍሮም ደገፍቱ 4ይ ግንባር ከም ዝብሎም ምስጠቐሰ፡ ቀንዲ ተልእኮ 4ይ ግንባር ነቶም ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ንናጽነትን ዲሞክራሲን ዝቃለሱ ኤርትራውያን ምዕንቃፍን ምቅዋምን ምዃኑ እውን ኣስፊሩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ክረአ ዝጸንሕ ጐንጽን ግጭትን ከኣ ደገፍቲ ኢስያስ  ነቶም ምስ ርኢቶኦም ዘይሰማምዑ ኤርትራውያን ስለ ዘጥቅዕዎም እዩ ኢሉ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 2ተ ዓመታት ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ንመሰሎም ዝቃለሱ ኤርትራውያን ንተግባራት ደገፍቲ ኢሳያስ ምስቲ ሰማያዊ ማዕበል ኮይኖም ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካን ካልእ ከባብን ክምክትዎ ጸኒሖም ድማ ኢሉ። ጸረ ደሞክራሲን ደገፍቲ ኢስያስን ጉጅለታት እዚ ኣንጻሮም ብደገፍቲ ዲሞክራሲ ዝግበር ዘሎ ቃሲ ንተቐባልነቶም የህስሶ ከም ዘሎ ክርድኡ ምጅማሮም ድማ ኣብቲ ጽሑፉ ኣስፊሩ።

ሚካኤል ሩቢን ከም ዘስፈሮ፡ ኣብዚ እዋንዚ ደገፍቲ ኢሳያስ ማሕበረ-ኮማት፡ ነቶም ምእንቲ ዲሞክራሲ ኣንጻሮም ዝቃለሱ ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ምኽሳስ ከም ሜላ ሒዘምዎ ከም ዘለዉ ሓቢሩ፡ ኣብ ኣሚሪካ ክሲታት ዝተመስረተሉ  ግና ድማ እቲ መስርሕ ፍርዲ ጠጠው ዝበለሉ ኣብነታት ኣስፊሩ። እቶም ዘቕረብዎ ክስታት ዘይተዓወተሎም፡ ኣስታት 7 ሺሕ ኣባላት ዘለዉዎም ማሕበረ-ኮማት ደገፍቲ ኢሳያስ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምንኣድን ኢስያስን  ምድላው በዓላትን ጽብላት ጥራይ ዝተጸምዱ እዮም ኢልዎም።

ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ጉዳይ ዝሕዛ ኣብያተ ፍርዲ ኣሜሪካ ሓቀኛታት ክኾና ይግበአን ኢሉ፡ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ እውን ነቲ መስርሕ ፍርዲ ብቐረባ ክከታተሎን ክስንዶን ይግበኦ ኢሉ።

ዑመር ኣልበሸር ኣብ ካርቱም ናብ ቤት ፍርዲ ንምቕራብ ካብ መኪና እናወረደ ኤኤፍፒ)

ናይ ቀደም ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽርን ካለኦት 3 ላዕለዎት ሓለፍቲ ሱዳን ነበርን፡ ካብቲ ተዳጒነምሉ ዝነበሩ ወተሃደራዊ መደበር፡ ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ሱዳን ናብ ዝርከብ ሆስፒታል መረወ ከም ዝተወስዱ መርበብ ሓበሬታ “ሱዳን ትሪቡን”  ኣፍሊጣ። እዚ ስጉምቲ ዝተወስደ ናይዞም ናይ ቀደም ሓለፍቲ ጥዕናዊ ኩነታት ስለ ዘንቆልቆለ ምዃኑ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

እቶም ወዲ ሰይድና ካብ ዝበሃል ወተሃደራዊ መደበር ናብቲ ሆስፒታል ዝተወስዱ ናይ ቅድም መራሕቲ ሱዳን፡  ዑመር ኣልበሺር ፕረሲደንት፡ ዓብደልርሒም መሓመድ ሑሴን ሚኒስተር ምክልኻልን መሓመድ ሑሴን ሚኒስተር ስፖርትን መንእሰያታን ዝነበሩ ምዃኖም ጠበቓ ኣልኣሚን ሰይድ ሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢሉ ድማ ምክትል ፕረሲደንት ዝነበረ በክሪ ሑሴን ሳልሕ ብተመሳሳሊ ኩነታት ናብቲ ሆስፒታል ከም ዝተወስደ እቲ ጠበቓ ጠቒሱ።

ናይዞም ናይ ቅድም መራሕቲ ጥዕናዊ ጸብጻብ ተዓዚቡን ኣብቲ ወተሃደራዊ መደበር እኹል ሕክምና ከምዘየለ ተረዲኡን ናብቲ ሆስፒታል ንክውሰዱ ስጉምቲ ዝወሰደ፡ “ብጾት ኣብ ሰራዊት” ዝተባህለ ወተሃደራዊ ጉጅለ ምዃኑ እቲ ዜና ኣፍሊጡ። እቲ ጠበቓ ከም ዝጠቐሶ ዑመር ኣል በሺርን እቶም ካለኦት ሓለፍትን  ምስ ብዕድመ ምድፍኦም ተተሓሒዙ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ከም ዝሳቐዩን ናይ ወጻኢ ሕክምናን ቀጻሊ ምክትታልን ከም ዘድልዮምን ገሊጹ።

ጠበቓ ኣልኣሚን፡ ዑመር ኣልበሺርን እቶም ካለኦት ናይ ቀደም ሓለፍትን፡ 5 ዓመትን ፈረቓን ስለ ዝተኣስሩን ወተሃደራዊ ደህንነት ሱዳን ንክፍትሑ ወሲኑ ስለ ዝነበረን ብናይ ሰብ ዋሕስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንክወጹ ጸዊዑ።

በሺርን መተኣስርቱን ብ2019 ካብ ስልጥን ምስ ወረዱ፡ ኮበር ኣብ ዝበሃል ቦታ ተኣሲሮም ምስ ጸንሑን ኣብ ወርሒ ማዝያ 2023 ውግእ ምስ ተኸፍተ ድማ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሞም ከም ዝነበሩን እቲ ዜና ጠቒሱ።

ጋዜጣኛታት፡ በቃሉ ኣላምረውን በላይ ማናየን

ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈጥሑ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት በቃሉ ኣላምረውን በላይ ማናየን ካብ ሃገሮም ከም ዝተሰዱ ባዕላቶም ንመርበብ ሓበሬታ “ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ሓቢሮም። ንድሕንነቶም ክብሉ ኣብየናይ ሃገር ጠዓቚቦም ከም ዘለዉ ዘይገለጹ፡ በቃ ኣላምረውን በላይ ማናየን፡ ድሕሪ ማእሰርቲ ክስደዱ ዝተገደዱ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህይወቶም ዘስግእ ምፍርራሕን ምክትታልን ስለ ዘጋጠሞም ምዃኑ ኣፍሊጦም።

እዞም ጋዜጥኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣስሩ፡ ብምኽንያት እቲ በቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡  ከም ኣድላይነቱ ከኣ ኣብ ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያ ንክትግበር ተባሂሉ ዝተኣወጀን ኣብ ወርሒ ጉንበት 2024 ዘብቀዐን ኣዋጅ ፍሉይ ኩነታት እዩ። መስራትን ኣካያድን “ኣልፋ መዲያ” ዝነበረ በቃሉ ኣላምረው እቲ ፍሉይ ኩነታት ምስተኣወጀ ድሕሪ 2ተ መዓልታት ዝተኣስረ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከብ “ኣዋሽ ኣርባ” ኣብ ዝበሃል ወተሃደራዊ መደበር ኣብ ዝተደኮነ ጽንኩር ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተሳቐየ ገሊጹ።

በላይ ማናየ እውን ከም በቃሉ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ  ዝቓይ ዘጋጠሞ ኮይኑ፡ መስራትን ኣካያድን “ኢትዮ-ኒውስ” ዝተባህለ ትካል መድያ ዝነበረ እዩ። በላይ እውን ኣብቲ ማእሰርቲ ኣዝዩ ከቢድ ስቓይ ከም ዘሕለፈን ክሳብ ናይ ኣካል መጉዳእቲ ከም ዘጋጠሞን ንመርበብ ሓበሬታ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ሓቢሩ።

እዞም ካብቲ ስሩዕ ቤት ማእሰርቲ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ምስጢር ቦታትን መደበራት ፖሊስን ብዝተፈላለዩ ናይ ጸጥታ ኣካላት ይሳቐዩ ከም ዝነበሩ ጠቒሶም፡ ንክስደዱ ዘገደዶም ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣይኮነንዶ ናብቲ ዝፈትዉዎ ናይ መድያ ክእለቶም ክምለሱ፡ ብህይወት ክነብሩ ከምዘይክእሉ ስለ ዝተረድኡ ምዃኖም ካብቲ ዘለዉዎ ቦታ ኣፍሊጦም።

ጋዜጠኛ በቃሉ ኣላምረው ቅድም “ኣውሎ” ኣብ ዝበሃል መዲያ፡ ደሓር ድማ ኣብ “ኣልፋ ሜድያ፡ ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ውግእ ዝካየደሉ ዝነበረ  ግዜ፡ ርትዓውን መሳጥን ዜናታትን ትንትናታትን ብምቕራብ ገኒኑ ዝነበረ ብተደጋጋሚ ዝተኣስረ መንእሰይ ጋዜጠኛ እዩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሓላፊ መደብ ስፖርት ዝነበረ ጋዜጠኛ ተስፋልደት መብራቱ (ቶፖ)፡ ንህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ሃገር ነርወይ ፖለቲካዊ ዕቑባ ከም ዝሓተተ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ጋዜጠኛ ዑቕባ ዝሓተተ ካብ ኤርትራ ናብ ኣብ ፓሪስ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሃሰ 2024  ዝተኻየደ መበል 33 ኦለምፒት ንምስታፍ ካብ ኤርትራ ምስ ወጸ እዩ።

ጋዜጠኛ ተስፋልደት መብራህቱ፡ ብዛዕባ ኣብ ነርወይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ምሕታቱ መግለጺ ዘይምሃቡ፡ ንድሕነቱ  ብምስጋእ ምዃኑ፡ ብቐረባ ዝከታተልዎ ዘለዉ ቀረቡ ኣፍሊጦም። እዞም ብዛዕባኡ ዝሓበሩ  ንድሕረ-ባይታኡ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ 2ይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኣስመራ ወዲኡ፡ ብ1999 ኣብ 9ይ ዙር ሳዋ ተሳቲፉ፡ ድሕሪኡ ብ2003 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብጋዝዜጠኝነት ብቀዳማይ ዲግሩ ከም ዝተመረቐ ዘርዚሮም።

 ተስፋልደት ኣብ ተለቪዥንን ሬድዮን ኤርትራ ከምኡ’ውን ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ከም ኣዳላውን ኣቕራብን መደባት ስፖርት፡ ዶክተራት ኣብ ስቱዲዮን ካላኦት ምድላዋትን፡ ን20 ዓመታት ዘገልገለ ክኢላ እዩ። ብዘይካ’ዚ ብውልቁ፡  ብቶፖ ኤሪ-ኢንተርተይመንት ኣብ እትፍለጥን ካልኦት ዝተፈላለያ ቻነላትን ምስ  ብርክት ዝበሉ ህቡባትን ጸለውትን ሰነጥበበኛታትን፡ ከምኡ’ውን ከም ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ቱር ዲ ፍራንስ 2024 ቢንያም ግርማይ፡ ኦሎምፒካዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን ካልኦትን  መደባት ስፖርት ብምቕራብ  ዓቢይ ዝና  ዝረኸበ ምዃኑ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ጠቒሱ።

ተስፋልደት ኣብ ኣስመራ እንከሎ፡ ኣብ ዩቲብን ካልኦት ማሕበራዊ መራኸብን ጸገም ኤርትራውያን ስፖርተኛታት ኣብ ዘቃልሓሉ ካብ ኣባላት ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ጸቕጥን ምፍርራሕን የጋጥሞ ከም ዝነበረ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።

ተገደስትን ነጠፍትን ትካላት ሰብኣዊ መሰል፡ መንግስቲ እስራኤል ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ውግእ ጋዛ ንምምልማል ምውሳኑ፡ መዝማዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቶም ስደተኛታት ማሕበረ-ቁጠባውን ህይወትን ዘመዛብል ምዃኑ ኣጠንቂቖም።

መብዛሕትኦም ካብዞም እስራኤል ናብ ውትህድርና ክትምልምሎም ትሓስብ ዘላ ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ብሰንኪ ውግእ፡ ማእሰርቲ፡ ጥሕሰት መሰልን ፖለቲካዊ ጸቕጥን ምንባር ስኢኖም ካብ ሱዳን፡ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ዝተሰዱ ምዃኖም እቲ ካብ መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ። ኣብዚ እዋንዚ ንኣገልግለቶም ቀዋምን ሕጋውን መንበሪ ፈቓድ ክወሃቡ እዮም ብዝብል ግዳይ ይኾኑ ከም ዘለዉ እውን እቲ ዜና በተወሳኺ ገሊጹ።

 ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ንስደተኛታት መንበሪ ፈቓድ ብምሃብ ናብ ውትህድርና ንምውሳዶም ዝፈጸሞ ተግባር፡ ብዝተፈለላዩ ትካላት ሰብኣዊ መሰል ጥሕሰት ምዃኑ ብምጥቃስ ክነቕፍዎ ከም ዝጸንሐ እቲ ዜና ኣመልኪቱ። ቅድሚ ሕጂ ንዝተወሰኑ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ዘበርከቱ እንተዘይኮኑ፡ ኣብ ውትህድርና ንዘገልገሉ ስደተኛታት ዝተዋህበ ፍሉይ ደረጃ መንበሪ  ከም ዘየለ ከኣ ተጠቒሱ።

ነቲ ጉዳይ ምስ ናይ ኣሜሪካ ዝኣመሰለ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምፍጻምን ምርካብ መሰል ዜግነትን  ከዛምድዎ ዝፍትኑኳ እንተለዉ፡ ብኻልእ ወገን ከኣ ነቲ ተግባር፡ ዘይሞራላውን ጥሕሰት መሰልካ ናይ ምጥቃም  ናጽነትን ምዃኑ ይገልጽዎ ኣለዉ። ኣብ ርእሲዚ  እስራኤል ብጀኦግራፊ ንእሽቶ ብኣሰፋፍራ ህዝባ ድማ ተሃዋሲትን መሓዛ ዘየብላን ብምዃና፡ ነቲ ኩነታት ዝያዳ ኣሰካፊ ከም ዝገብሮ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ። 

እቶም ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዝግደሱ ኣካላት ከም ዝጠቐስዎ፡ እቲ መፍትሒ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ነቶም ኣብ እስራኤል ኣብ ጭንቂ  ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝሰግርሉ ኩነታት ምፍጣር ጥራይ እዩ። ካለኦት ወገናት ከኣ እስራኤል ናይቶም ኣብ ሃገራ ዘለዉ ስደተኛታት መሰል ናይ ምሕላው ግደታ ስለ ዘለዋ ሓላፍነቶም ክትወስድ ይግበኣ ዝብል ሓሳብ ኣንጸባሪቖም።

ነዚ ብዝምልከት ኣብ እስራኤል ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብዚ ኣንጻሮም ዝሕሰብ ዘሎ መጻወድያ ብኸመይ ከም ዝድሕኑ ንክሓስብሉ  ብዝተፈላለዩ ወገናት መጠንቀቓታ ይህቡ ከም ዘለዉ   ተፈሊጡ።

መዓርፎ ነፈርቲ ፖርት ሱዳን

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘይተጸበዮ ግዜ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ኣስመራ በረራኡ ምስ ኣቋረጸ፡ ካብ ባሕቲ ጥቅምቲ 2024 ጀሚሩ ናብ ፖርት ሱዳን ዕለታዊ በረራ ከም ዘካይድ ሓቢሩ። እዚ ሓድሽ በረራ ናብ ፖርት ሱዳን ዝተሰርዐ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድን ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ኣብ ቻይና ተራኺቦም ብዝበጽሕዎ ስምምዕ መሰረት ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ኣስመራ በረራኡ ካብ ዝቋረጸሉ ምኽንያታት ሓደ ኣብ ባንክ ኤርትራ ዝነበሮ ናይ ናቕፋን ወጻኢ ሸርፍን ሕሳቡ ተዓጽዩ ገንዘቡ ኣንቀሳቒሱ ናብ ኢትዮጵያ ከመሓላልፍን ደሞምዝ ሰራሕተኛ ክኸፍልን ስለ ዘይከኣለ ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ። ተዓዘብቲ ግና ብመሰረቱ ነቲ ምቁራጽ ቀንዲ ዝደረኸ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት እናሓደረ ዝሃስስ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና እዩ።

ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ወገናት ነቲ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ፖርትሱዳንን ብመተማ ዝጸንሐ ኣጸጋሚ ናይ መሬት መጐዓዝያ ዘቃልል ክኸውን እዩ። ክሳብ ሕጂ ናብ ፖርትሱዳን ክትበርር ዝጸንሐት መንገዲ ኣየር ግብጺ ጥራይ እያ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ፖርት ሱዳን ናይ ኣየር ርሕቀት 736 ማይልስ (1,184 ኪ/ሜ) ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ከኣ 436.12 ማይልስ (701.78) ኮይኑ፡ ካብ ኣስመራ ናብ ፖርት ሱዳን ከኣ 306 ማይልስ (492 ኪ/ሜ) እዩ።

ኣብ ሓያል ምትህልላኽ ኣትዮም ዘለዉ፡ ጌታቸው ረዳን ደብረጼን ገ/ሚካኤልን

ኣቦ መንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፈጻሚ ኮሚተ ናይቲ ውድብ ብዝወሰኖ መሰረት፡ ምስ ህግደፍ ብምስጢር ክራኸቡ ከም ዝጸንሑ ተኣሚኑ። ንሱ ነዚ ዝግለጸ ከም ውጽኢት ናይቲ ኣብቲ ውድብ ተፈጢሩ ዘሎ ምክፍፋል፡ ኣቦመንበር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምክትል ኣቦመንበር ህወሓትን ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ “እቲ ብደብረጼን ዝምራሕ ወገን ኢደ-ወነናዊ ጉባአ ዘካየደ ብድሕሪት ዝኣምኖ ሓይሊ ስለ ዘለዎ እዩ” ንዝበሎ መልሲ ንምሃብ ብዝዓለመ እዩ።

ከም መግለጺ ዶር ደብረጼን ነቲ ርክብ ብፈጻሚ ኮሚተ ተመዚዙ ዘካየዶ ኣቶ ጌታቸው ምዃኑ ጠቒሱ፡ ነቲ ርክብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ እውን ከም ዝፈልጦ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ “ዛራ መድያ ኔትዎርክ”  ትካል ዩቱብ፡ “ካብ ምንጭታተይ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ” ብዝብል እቲ ቀዳማይ ርክብ ኣብ ዱባይ ኣብ መንጎ ጌታቸው ረዳን የማነ ገብረኣብን ከም ዝተኻየደ ጠቒሳ፡ ደሓር ግና ብወገን ጌታቸው ኣብ ሃዘሞ ዳግማይ ምርኻብ ክቕበል እንከሎ፡ ህግደፍ ግና ኣብ ምጽዋዕ ንራኸብ ስለ ዝበለት ምርድዳእ ስኢኖም ከም ዝተቋረጸ ሓቢራ። እንተኾነ እቲ ርክብ ብመንገዲ ጌታቸው ምዃኑ ተረፊ ካልእ ሰብ ብምትካእ ከም ዝቐጸለ ዝሕብሩ ወገናት ኣለዉ።

ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ፡ ነቲ ርክብ ብዝምልከት ኣብ መንጎ’ተን ብዶር ደብረጼን ገ/ሚካኤልን ብጌታቸው ረዳን ዝምራሓ ጉጅለታት ህወሓት ምክሕሓድ ዝፍጠር ዘሎ፡ ኣብ ዕላማ ናይቲ ርክብ ስለ ዝተፈላለዩ እዮም  ዝብል ግምት ኣለዎም።

እዚ ኣብ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ነቲ ቀጻሊ ሰላም ከስፍን ተስፋ ተነቢርሉ ዝጸንሐ ሎሚ ግና ኣብ ፖለቲከኛታት ትግራይ ዘሰሓሕብ ዘሎ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያ ንድሕሪት ከይመልሶ ስግኣት ኣሎ።

ሚኒስትሪ ሃገራዊ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ክሳብ ሞት ተፈሪዶም ዝነበሩ ዝርከብዎም 178 ተጋሩ  ቅድም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝነበሩ፡ ብ10 መስከረም 2024 ብናጻ ከም ዝተፈትሑ ተሓቢሩ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ እዚ ብናጻ ናይ ምፍታሕ ስጉምቲ ዝተወሰነ፡ እቶም ግዳያት ብዘቕረብዎ ናይ ምሕረት ሕቶ መሰረት እዩ። እቲ ብኣዋጅ ቁጽሪ 840/2006 ዓንቀጽ 3 ዝቖመ ናይ ምሕረት ቦርድ በቲ ዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት ዝሓደሮም ጣዕሳ ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዝወሰነ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እዞም ብናይ ደቡብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ዕማም ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ፡ ክሳብ ሞትን ናይ ነዊሕ ዓመታት ማእሰርትን ዝተፈርዱ ኣብቲ ውግእ ዝተጀመረሉ ምስ ህዝባዊ ወያኒ ሓርነት ትግራይ ዝምድና ፈጢሮም ብዝብል ብክድዓት ሃገር ስለ ዝተኸሱ ምንባሩ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። እዞም ሎሚ ዝተፈትሑ ኣካል እቶም ንሓጺር ግዜ ተኣሲሮም ዝተፈትሑ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ወተሃደራት ምዃኑ ተጠቒሱ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት፡ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ሚራብ ኣባያ ኣብ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ኣስታት 83 እሱራት ወተሃደራት ተጋሩ ዝነበሩ ብግፍዒ በቶም ዝሕልዉዎም ዝነበሩ ከም ዝተቐትሉ ጽሒፉ ከም ዝነበራ ኣብዚ ምፍታሕ 178 ወተሃደራት ዝሓበረ ጸብጻብ ተመልኪቱ።

በቲ ዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት፡ ናይዞም ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ዝነበሩ 178 ወተሃደራትን ናይ ካለኦት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምሩኻት ውግእ ምፍታሕ ኣካል ናይቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተበጽሐ ውዕል ምቑራጽ ተጻብኦ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ሚኒስትሪ ናይዞም ተፈሪዶም ዝነበሩ ምፍታሕ ኣካልቲ ውዕል ፕሪቶርያ ንድሕሪት ከይምለስ ዝውሰድ ስጉምቲ እዩ ኢልዎ።

ፕረሲደንት ትካል ሓለዋ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን፡ ሃዲያ ሓሰበላ

ነጠፍቲ activists ሱዳናውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ሃገረን ብህጹጽ ተኹሲ ጠጠው ክብል፡ ሰብኣዊ ቀረብ ክማላእን ምሉእ እገዳ ኣጽዋር ብምትግባር፡ ውሕስነት ብዘለዎ ወግእ ክቋረጽን ከም ዝጸወዓ ማዕከን ዜና “ሱዳንስ ትሪቡን” ኣፍሊጣ።

ሃዲያ ሓሰበላ ዝተባህለት ፕረሲደንት ትካል ሓለዋ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን፡ ኣብ ከተማ ካምፓላ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ዘስመዓቶ መደረ፡ ንምቁራጽ ተኹስን ረዲአት ዝቐርበሉ ኣፍደገ ምኽፋትን እዋናዊ ቀዳምነት ዝወሃቦ እዋናዊ ኣጀንዳ እዩ ክትብል ገሊጻ። ኣተሓሒዛ ድማ ንተሳተፍቲ ኣብዚ እዋንዚ “ኣብ መላእ ሱዳን ቀረብ ኣጽዋር ክቋረጽ፡ ሓለዋ ሲቪል ሕበረተሰብ ክግበርን ሰብኣዊ ቀረብ ብስሩዕ ክቕጽልን ክንሰማማዕ ይግበኣና” ከም ዝበለት እቲ ዜና ጠቒሱ።

ሃዲያ ሓሰበላ ኣተሓሒዛ፡ ንግዝያዊ ሰላም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንቐጻሊ ዘተኣማምን ሰላምን ንሰውራ ታሕሳስ ናብ ንቡር ንምምላስን ክንሰርሕ ይግበኣና ከም ዝበለት እውን ተሓቢሩ። ኣብ ርእሲኡ ኣካላት ሃገራዊ ሰልፊ ጉባአ ሱዳን ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ መስርሕ ሰላም ከም ዝግለሉ ክንገብር ኣለና ድሕሪ ምባል፡ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ኣንጻርቲ ሲቪል ሕብረተሰብ ንምክፍፋል ዝግበር ምንቅስቓስ ንክስለፋ ጸዊዓ።

ናይዚ ኣብ ካምፕላ ዋዕላ ዘካየደ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ዝሓቖፈ ትካል ምክትል ፕረሲደንት ቡታይና ዲናር ብወገና፡ እዚ ኣብ ሱዳን ዝተፈጥረ ውግእ መብጸዓታት ሰውራ ታሕሳስ ንምምላእ ዕድል ዝኸፍት ክኸውን  እዩ ኢላ፡ ግደ ሱዳናውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘጉልሕ ኣጀንዳ ንክዓስላ ጸዊዓ።

ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ኣብ ቱርክ ኣዲን ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተዳጒኖም ከም ዘለዉን ናብ ኤርትራ ተገዲዶም ኣብ ናይ ምምላስ ሓደጋ ከም ዝወደቑን ሓቢሩ። እቲ ጸብጻብ ኣምንስቲ ከም ዝገለጾ ቅድሚ ሕጂ ብተመሳሳሊ ኩነታት ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዓዲ ኣብየቶ ኣብ ዝበሃል ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከም ዘለዉ ሓቢሩ። እዞም ጌና ኣብ ቱርክ ተታሒዞም ዘለዉ ብዘይድሌቶም እንተተሰጒጎም እውን ኣብ ትሕቲ ጨካን ስርዓት ኤርትራ ኣደዳ ማእሰርቲ፡ ስቓይን ካልእ ሰብኣዊ ግህሰትን ከም ዝኾኑ ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።

እቲ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካል፡ መንግስቲ ቱርኪ ንኩነታት እቶም ኤርትራውያን ኣብ ግምት ኣእትዩ ኣገዲድካ ናይ ምስጓጎም መደቡ ኣቃሪጹ ብመሰረት’ቲ ብ1951 ዝፈረሞ ንኣተሓሕዛ ስደተኛታት ዝምልከት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ነዞም ኤርትራውያን መሰል  ዕቑባኦም ከኽብረሎም ጸዊዑ።

ኣምንስቲ እቶም ግዳያት ንቐረቦም ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከም ዝሓበርዎ፡ ንክስጎጉ ተዳለዉ ከም ዝተባህሉን ናይ መግቢ፡ ሕክምና፡ ክዳንን ካልእ መሰረታዊ ቀረባትን ጸገም ከም ዘለዎም ምሕባሮም ጠቒሱ፡ ብዛዕባቲ ዝተወሰኖም ኣገዲድካ ናብ ኤርትራ ምምላሶም  ነብሶም ናይ ምክልኻልን ሓሳቦም ናይ ምግላጽን መሰል ከም ዝተነፍጎም ገሊጹ።

ቅድሚ ሕጂ’ውን ካብ ማልታ፡ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከምዝተጠረዙ ዝዝከር ኮይኑ፡  ምስ ተመለሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝዳጎኑ ዝዝከር እዩ።

ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ሓንቲ ካብተን ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዓ ሃገራት ከምዝኾነት ይፍለጥ። በዚ መሰረት ኣብ ኤርትራ ብዘይክስን ብዘይፍርድን ዓመታት ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት፡ ፖለቲከኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ካለኦት ዜጋታትን ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ኣምንስት ኢንተርናሽናልን ካለኦት ሰብኣዊ ትካላት ብተደጋጋሚ ከቃልዑ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ’ዩ።