ኣብ ዝኽሪ ዓድዋኸ እንታይ’ዩ ተባሂሉ?

2026-03-03 21:13:46 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 26 times

ብ1896 ኣብ መንጎ ሰራዊት ዳግማዊ ምነሊክን ኢጣልያን ውግእ ተኻይድሉ ዝበሃል ጎቦታት ሶሎዳ

መበል 130 ዓመት ውግእ ዓድዋ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ትግራይን ብ2 መጋቢት 2026 ተዘኪሩ። ኣብቲ ዝኽሪ ምስቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ወጥሪ፡ ኣብ ክልቲኡ ወገናት ናይ “መጻእኩኻ” ምፍኽኻር እዩ ክንጸባረቕ ውዒሉ። ፈኸራ ላዕለዎት መራሕቲ ብልጽግና፡ ናብ ትግራይ ጥራይ ዘተኮረ ዘይኮነ፡ ዝያዳ ናብ ኤርትራ ዘቕነዐ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣብ ኣደባባይ ኣዲስ ኣበባ ዝተዘከረሉ፡ ኩሉ’ቲ ጭረሖታት ከምቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ባህሊ ተወሲዱ ዘሎ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ጥሒስካ  ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ንምውናን ዘቕነዐ ጃህራን ፈኸራን ዘንጸባርቕ ነይሩ።

ኣብ ኣደባባይ ኣዲስ ኣበባ መደረ ዘስምዑ፡ ፕረሲዳንት ታየ ኣጽቀስላሰ፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ከንቲባ ኣዳነሽ ኣበቤን እዮም። ኩሎም ዘንበብዎ ጽሑፋት ከኣ ሓደ ሰብ ጽሒፉ ኣባዚሑ ከም ዝሃቦም ብዘምስል ልኡላውነት ኤርትራ ምግሃስ፡ ከም ናይ ዓወት ዓድዋን ምህናጽ ሓጽቢ ህዳሰን ከነረጋግጾ ኢና ዝብል ህርፋን’ዩ ኣቃሊሑ። 

ከም’ቲ ሓቁ ግና ናይ ግዜ ውግእ ዓድዋ ንጉስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዳግማዊ ምነሊክ፡ ድሕሪ ውግእ ዓድዋ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሩባ መረብ ከይተሳገረ ሰራዊቱ ሒዙ እዩ ዝተመልሰ። ንናይ ሚነሊክ ሩባ መረብ ሰጊሩ ናብ ኤርትራ ዘይምእታው ዝተፈላለዩ ምስምሳት ክህብሉ ዝፍትኑ’ኳ እንተለዉ፡ እቲ ሓቀኛ ምኽንያት ግና ምነሊክ ንኤርትራ “ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኢጣልያ ዝነበረት ጐረቤት ኢትዮጵያ ሃገር” ምዃና ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ናብ እንዳማቱ ግዝኣት ንዘይምእታው ዝወሰዶ ስጉምቲ እዩ። እዚ ከኣ ምነሊክ ነቲ ሎሚ ንዝተወሰኑ ላዕለዎት መራሕቲ ብልጽግና ምውሓጥ ኣብዩ ዘዕገርግሮም ዘሎ “ሃገርነት ኤርትራ” ኣፍልጦ ዝሃበሉ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ።

ብዛዕባ ኲናት ዓድዋ ካብ ተላዕለ ኢትዮጵያውያን፡ ካብቶም ምስ ኢጣልያ ተሰሊፎም ኣስታት 8,000 ኤርትራውያን፡ ኣብ ኢዶም ካብ ዝወደቑ  ናይ ኣስታት 400 ሰባት የማናይ ኢድን ጸጋማይ እግርን ቆሪጾም ኣዝዩ ኣሰቃቒ ዘይሰብኣዊ ተግባር ዝፈጸምሉ እዩ። ነቶም ኣብ ኢዶም ዝወደቑ ኢጣልያውያን ወተሃደራት ግና እግሮም ሓጺቦም እዮም ብሰላም ኣፋንየሞም።

ዳግማዊ ሃጸይ  ሚነሊክ ብ2  ጉንበት 1899፡ ምስ ኢጥልያ ውዕል ውጫለ ክፍርም እንከሎ’ውን እቲ ዘፋለሶምን ናብ ዳግማይ ውግእ ዘእተዎምን ናይ ኤርትራ ሃገርነት ዘይኮነ፡ ካልእ ናይ ዓንቀጽ 17 ናይ ኣተረጓጉማ ሽፈጥ ምዃኑ መዛግብቲ ታሪኽ ዝሰነድዎ እዩ።

ስለዚ ውግእ ዓድዋ ነቲ ንኤርትራ ዝገዝእ ዝነበረ መንግስቲ ኢጥልያ’ኳ ስዕረት እንተነብረ፡ ብዛዕባ ሃገርነት ኤርትራ ግና ባይታ ዘንጽፈ እዩ ነይሩ። ንዝኽሪ ዓድዋ ከም መንጠሪ ንምውራር ኤርትራ ክትገብሮ ከኣ ዘሳኒ ኣይኮነን። ኢጣልያ እንደጋና ብ31 መጋቢት 1936 ኣብ ማይጨው ተዋጊኣ ብምስዓር ንኢትዮጵያ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝገዘአታ ከኣ፡ ነቲ ቅድሚኡ ዝነብረ ውዕላት ኣፍሪስካ፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ንምሕዋስ ዘይኮነ፡  ከምቲ ብግብሪ ዝተራእየ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካልእ ግዝኣት  ኢጥልያ ንምውሳኽ  እዩ ነይሩ።

Last modified on Tuesday, 03 March 2026 22:29