ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ሰዲህኤ ኣኼባ ኣካይዳ
2026-03-19 17:28:53 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 391 timesጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብ18 መጋቢት 2026 ስሩዕ ኣኼባኣ ከም ዘካየደት ካብ ምምሕዳር ናይታ ጨንፈር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ኣባላት ኣኼባ ኣብ መእተዊ ብዛዕባ ብደረጅ ዞባ ይኹን ኣህጉር ዝረኣዩ ዘለዉ ቅልጡፋት ፖለቲካዊ ምዕባለታት ብዝምልከት ሓበሬታ ከም ዝተለዋወጡ ተሓቢሩ።
ጨንፈር ሰዲህኤ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዚ ኣኼባኣ፡ ከም ቀዳማይ ኣጀንዳ ዝተመያየጠትሉ ዝሓላፉ ስረሓታ ምግምጋም ከም ዝነበረ እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ኣብዚ ዛዕባ ኣኼባ ጨንፈር በቲ ገምጋማ መሰረት ነቲ ሓያል ጐድና ዝያዳ ንምሕያልን ሕጽረታታ ድማ ንምዕራይ ተሳተፍቲ ከም ዝተረዳድኡ እውን ተገሊጹ።
እቲ ካልእ ኣኼባ ዝተገደሰሉ ጉዳይ ብደረጃ ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ መዳያት ኣብ መጻኢ ንክዕመሙ ዝተተለሙ መደባት ብምርዳእን ብዛዕባ ዝትግበርሉ መደባት ምስራዕን ነይሩ። በዚ መሰረት ተሳተፍቲ እቲ መደባት ዘስርሕ ምዃኑ ብምግንዛብ ንምትግባሩ ድልውነቶም ከም ዘርኣዩ እውን ተሓቢሑ። ብዘይካዚ መጻኢ ስረሓት ጨንፈር ምስላጥ ብዘኽእል ኣገባብ ኣብ መሪሕነት ዳግመ-ስርርዕ ከም ዝገበረ ካብቶም ተሳተፍቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።