ሚኒስተር ምክልኻል ሶማሊያ፡ ኣሕመድ ሞዓለም ፊቂ

ሶማሊያ ኣብ ገማግም ባሕራ ንክካየደ ተመዲቡ ዘሎ ብዙሓት ሃገራት ዝሳተፈኦ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ፡ ኢትዮጵያ ንክትሳትፍ ዘቕረበቶ ሕቶ፡ “ምጥሓስ ናይ ዓለምን ሶማሊያን ሕጊ ማያዊ ልኡላውነት እዩ፡”  ብዝብል ከም ዝነጸገቶ “ሂራን ኦንላይን (HIRAAN ONLINE)”  ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ብ20 ሓምለ 2025 ኣፍሊጣ። እዚ ዝተገልጸ ኣብቲ ኣብ ከተማ መቃድሾ ዝተኻየደ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተጠባባቒ ሓይሊ ኣዘዝቲ ኮንፈረንስ እዩ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሶማሊያ፡ ኣሕመድ ሞዓለም ፊቂ፡ መንግስቲ ሶማሊ ነዚ ተሳትፎ ኢትዮጵያ ኣብቲ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ዝነጽግ መገግለጺ ዘውጽኤ፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወግዓዊ ናይ ተሳትፎ ሕቶ ምስ ኣቕረበት ምዃኑ ሓቢሩ። ቃል ብቓል ከኣ “ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር ኣብ ማያዊ ግዝኣትና ሓይሊ ባሕሪ ከተንቀሳቕስ ኣይንፈቅድን ኢና። ምኽንያቱ ሶማሊያ መሬታዊ፡ ማያውን ኣየራውን ልኡላውነታ ስለ እትዕቅብ ናይ ኢትዮጵያ ምስታፍ ከኣ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ዝጥሕስ ስለ ዝኾነ”  ክብል ኣብ መግለጺኡ ኣስፊሩ።

ኣብቲ መግለጺ ናይቲ ሚኒስተር ምክልኻል፡ ኢትዮጵያ ኣብ መቃድሾ ኣብ ዝተኻየደ ሓደ ኣኼባ፡ ከም ኣካል ዓቃብ ሰላም ሶማሊያ ሓይሊ ባሕራ ከተሳትፍ ዘቕረበቶ ርኢቶ፡ ምስቲ ብ1 ጥሪ 2024 ሓይሊ ባሕሪ እተስፍረሉ ገምገም ባሕሪ ንምርካብ ምስ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ መረዳድኢ ሃሳብ ዝተሓሓዝ እዩ ኢልዎ። ኣተሓሒዙ ከኣ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ማያት ሶማሊያ ክንቀሳቕሶ ዘኽእል ዝኾነ ይኹንናይ ክልቲአን ሃገራት ስምምዕ ኮነ ኣህጉራዊ ሕጊ ከምዘየለ ብሰፊሑ ምጥቃሱ እታ ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ።

ናይቲ ኣብ መንጎ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ምሕርፋፍ ጠንቂ፡ ኢትዮጵያ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ መቃድሾ ምስ ሶማሊላንድ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ምስምመዓ እሞ፡ መቃድሾ ከኣ ነቲ ተግባር ምግሃስ ልኡላውነተይ እዩ ብዝብል ብኣዋጅ መልክዕ ብምስራዝ ስለ ዝተቖጠዐት ምዃኑ ይፍለጥ። ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ እቲ ዝካየድ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ማያዊ ልኡላውነት ሶማሊያ ንምድልዳል ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተንጸባሪቑ።

ጥምረት ኣብያተ- ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ  ዘማእክሎ ሰፊሕ ኣኼባ ኣባላት፡ ብ19 ሓምለ 2025 ተኻይዱ።  ኣብቲ ብኣላይነት ሓውቲ ኣድያም ተፈራ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮን ፖሓኤ ዝተኻየደ  ኣኼባ፡ ብዛዕባ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ዘካየዶም ስረሓትን ብዛዕባ  ኣሰናዳዊት ሽማግለ ፈስቲቫል  ኤርትራ ፍራንክፎርት 2025ን ዝምልከት መበገሲ ሓሳብ ቀሪቡ ብተሳተፍቲ ምይይጥ ተኻይዱ።

ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ውደባዊ ጉዳያትን ፖሓኤ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘቕረቦ መበገሲ ሓሳብ፡ ኣገዳስነት ሕድሕድ ኣባላት ምትእምማን ምፍጣርን ኣባልነት ንምስፋሕን ዝካየድ ጻዕርን ጠቒሱ። እቲ ኣወዳድባ ብደረጃ ዞባታት፡ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኤውሮጳ፡ ሱዳን፡ ኣወስትራሊያን ኢትዮጵያን ይካየድ ከም ዘሎን ኣብ ትሕቲ እተን ዞባታት ከኣ ጨናፍር ከም ዝህልዋ ኣብሪሁ።

ካብ ቀንዲ ዕላማታት ናይቲ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ሕድሕድ ናይተን ፖሓኤ  መስሪተን ዘለዋ ኣካላት ግቡእ ምልላይን ስጥመትን ክህሉ ምግባር፡ ኣባላት ኣብ ዘዘለዉዎ ከባቢ  ህዝባውን ማሕበራውን ባይታ ዘጣጥሕሉ ኩነታት ምፍጣር፡ ምስ ኣብያተ-ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ተቐራሪብካ ምስራሕን ናይ ኩለን ኣባላት ኣብ ዘየብሉ ከባቢ እቶም ዘለዉ ናይ ፖሓኤ ውክልና ዝወስድሉ ኣሰራርሓ  ምሕያልን ዝብሉ ከም ዝርከብዎ’ውን ሓው ተስፋይ ኣስፊሑ  ገሊጹ።

ሓው ተስፋይ ደጊጋ ኣብ ኩለን ዞባታት ዘሎ ንጥፈታት ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብ፡ ብዝምልከት  ዝበጸሖ ጸብጻባት ብምጥቃስ ብዝርዝር ኣቕሪቡ። ምምሕዳራት ናይተን ዞባታት ከኣ ተወሰኽቲ መብርህታት ሂቦም። ኣብ መጻኢ በቲ ቤት ጽሕፈት ውደባ ንክዕመሙ ከም  መደብ ተታሒዞም ካብ ዘለዉ ከኣ፡ ኣብ ሓደ ዞባ ዝስራሕ ኣውንታ ናብተን ካለኦት ከም ኣብነት ምትእትታውን ዞባታት ብጋድሚዊ ርክብ ከም ዝተሓጋገዛ ምግባር፡  ዓቕሚ ንምፍጣር ዝሕግዙ ኣኼባታትን ሰሚናራትን ምስላጥ፡ ኣብ ከባቢአን ምስ ዝርከቡ ኣካላት ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝምድና ምፍጣርን ዝኣመሰሉን ምዃኖም ኣብቲ መብርሂኡ ኣስፊሩ። ብዓብይኡ ድማ ንዕዉት መጻኢ ጉባአ ፖሓኤ ምድላው ከም ዘድሊ ኣመልኪቱ።

ብኻልእ ወገን ድማ ብጻይ ጸሃየ ቀለታ ኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይቲ ካብ 1 ክሳብ 3 ነሃሰ 2025 ዝካየድ  ፈስቲቫል ኤርትራውያን ፍራንክፈርት ብወገኑ፡  ንተሳተፍቲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣድላይ ዘበለ ምድላዋት ከም ዝተጻፈፈ ሓቢሩ ኤርትራውያን ግዱሳት ንክሳትርፍዎ  መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ብወገኖም፡ ብዛዕባ ክልቲኡ ዛዕባታት ዘይበርሃሎም ጉዳያት ሕቶታት ኣቕሪቦም በብዝምልከቶም መብርሂ ተዋሂቡ። ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ክዕመሙ ዝብልዎም ሃነጽቲ ሓሳባት ኣቕሪቦም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ኣብ መጻኢ’ውን ንክቕጽል ተላብዮም።

ኣብ ትግራይ 9 ዝኣባላቱ ሓድሽ ማእከላይ መእዘዚ (command post) ከም ዝቖመ ኣፍሪቃ ኢንተልጀንስ (African Intelligence) ዝተባህለት ማዕከን ዜና  ኣፍሊጣ። ናይዚ ኮማድ ፖስት ኣባላት ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ካብ መሪሕነት ህወሓትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዝተዋጽኡ እዮም። ናይዚ ሓድሽ ማእከላይ መእዘዚ ኣካል ኣቦመንበር ዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ኣቦመንበር ናይታ ኣባልነታ ተሰሪዙ ዘሎ ውድብ ህወሓት ክኸውን እንከሎ፡ ምክትሉ ከኣ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እዩ።

እቶም ካለኦት ኣባላት ናይቲ መእዘዚ ማእከል፡ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ ፈትለወርቅ ገ/እግዚኣብሄርን ዶር ኣብረሃም ተኸስተን ካብ ህወሓት፡ ጅነራል ፍሰሃ ኪዳኑ (ፍሰሃ ማንጁስ)፡ ጀነራል ምግበይ ሃይለ፡ ጀነራል ሃይለስላሴ ግርማይ (ወዲ እምበይተይ)ን ጀነራል ዮሃንስ ወ/ጊዮርግስ (ጆን መዲድ)ን ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊት እዮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ እቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ፡ ኣብ መስርሕ ምምስራት ዘሎ “ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ዲስት)” ኣብ ከተማ መቐለ ዋና ቤት ጽሕፈት ከም ዝኸፈተ መርበብ ሓበሬታ ቲክቫህ ኢትዮጵያ (tikvah Ethiopia) ኣፍሊጣ። ኣብ ርእሲቲ ናይ መቐለ፡ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ትግራይ’ውን ጨንፈር ከም ዝኽፈተን እቲ መስርሕ ኣብ ካለኦት ዞባታት፡ ወረዳታትን ቀበለታትን ትግራይ’ውን ከም ዝቕጽል እቲ ዜና ሓቢሩ። እዚ ሓድሽ ውድብ ኣብ መጻኢ ወርሒ ነሃሰ ወግዓዊ መስራቲ ጉባአ ከካይድ ትጽቢት ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ድማ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በቶም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ከይዶም ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ኣቢሉ ናብ ትግራይ ክመሓላለፈሉ  ካብ  ዘመሓላለፎ በዓል 8 ነጥብታት መልእኽቲ፡ ወሓት ሕጋዊ ውድብ ስለዘይኮነ ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ደው ክብል፡ ህወሓት ምስ ሻዕብያ ዝገብሮ ዘሎ ርክብ ደው ከብልኣብ ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂን ዝውውር ሰብን ዝተዋፈሩ ሓዊሱ ምስ ፋኖ እናተራኸቡ ሰላም ዝዘርጉ ጀነራላት ንፌደራል መንግስቲ ኣሕሊፍኻ ክወሃቡ፡ ህወሓት ካብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክወፅእን ማሕተምን ቢሮን ንዝምልከቶም ኣካላት ከረክብ።” ዝብሉ ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።

ብዘይካ’ዚ ብ18 ሓምለ 2025 ካብ ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገሹ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ምስ ዶር ኣብይ ኣሕመድኳ እንተተራኸቡ ዝርዝር መዘራረቢኦም ግና ንመድያታት ዕጽዊ ስለ ዝነበረ ኣይተፈልጠን።

Saturday, 19 July 2025 15:20

Radio Dimtsi Harnnet Sweden 19.07.2025

Written by
Saturday, 19 July 2025 10:14

Exemplary Kindness of Youth Rahel Araia

Written by

A 26-year-old Eritrean American, Rahel Araia, had recently hosted her own birthday party. Out of the box thinking, she took the opportunity to fundraise for a righteous cause, independence war disabled and for young girls at Wadi-Sherifoy refugee school in the Sudan. The reportage we received from the USA confirmed, Ms. Araia split the funds she raised, 40% for the disabled and 60% to the young girls in Wadi-Sherifoy school.

Rahel came to learn about the above-mentioned recipients through her parents. When she shared the background information about the disabled and young school girls via a narrative video with her close friends and invited guested, they were touched and said they were very proud to participate in such righteous cause.

Rahel’s kindness won’t be measured by monetary contributions only. It is also measure by the lasting impressions of humanitarian and exemplary message it leaves with the Eritrean youth and their families.

In conclusion, giving to the needy parts of our community should not be about the quantities or qualities of the offer. It rather should be about the message it sends to the recipient. By recognizing the needy part of our community, we want to remind all to follow Rahel’s exemplary work of kindness.

Thursday, 17 July 2025 22:12

Dimtsi Harnet Kassel 17.07.2025

Written by

እድሪስ ሑመድ ብዝተባህለ ናይቲ ከባቢ ነባሪ ዝተሳእለ

ኣብ ክልል ዓፋር ኢርታለ ኣብ ዝተባህለ ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብ ቦታ፡  እሳተ-ጐመራ ብተኸታታሊ ይተፍእ ከም ዘሎ፡ ቲክቫህ ኢትዮጵያ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ሓቢራ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ናይ ክፍሊ ጂኦለጂ ሓላፊ፡ መምህርን ተመራማርን፡ ኖራ ያኒሚኦ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ እቲ ነትጒ እሳተ-ጐመራ ተፈጢሩ ሓያል ጸሊም ደሮና ከም ዘኸተለን ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ከስዕብ ከም ዝኽእልን  ብምርግጋጽ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ክጥንቀቑ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብዚ ብዙሓት በጻሕቲ ሃገር ዝመላለስሉ ኣዝዩ ተሃዋሲ ቦታ፡ እቲ ነትጒ ከጋጥም ሓድሽኳ እንተዘይኮነ፡ እዚ ናይ ሎሚ ግና፡ ዝሓየለ ብምዃኑ ናብቲ ከባቢ ቀሪቦም ምስልታትን ቪድዮታት ዝቐርጹ ወገናት ጥንቃቐ ንክገብሩን ክዕገሱን እቲ ተመራማሪ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ኣዘኻኺሩ። ኣብ ርእሲዚ ብዛዕባዚ ክስተት ኣብ ወጻኢ ምስ ዘለዉ ክኢላታት ናይቲ ተረኽቦ ይወኻኸስሉ ከምዘለዉ እውን ኣብቲ ብመርበብ ሓበሬታ ዝተዘርግሐ ዜና  ተጠቒሱ።

እዚ ናይ 15 ሓምለ 2025 ክስተት፡ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ቦታ ክሳብ ምስንጣቕ መሬት ኣኸቲሉ ዝነበረ ምንቅጥቃጥ ምትእስሳር ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣህጉራዊ ፕሮግራም ነትጒ መሬት ብወገኑ  ነቲ ተርእዮ ተኸታቲሉ ዝምዝግቦ ዘሎ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ እዩ።

መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ብ16 ሓምለ 2025 ካብ ኣዲስ ኣበባ  መቐለ ኣትዩ። ናይቲ ብፕረሲደንት እስላማዊ ጉባአ ኢትዮጵያ ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ዝተመርሐ ልኡኽ ተልእኮ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ (ፓርላማ) ቅድሚቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈደራልን ምምሕዳር ክልል ትግራይን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ናብ ውግእ ቅድሚ ምዕራጉ፡  መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዓበይቲ ዓድን ዲፕሎማትን ምእንቲ ሰላም ጻዕሪ ንከካይዱ ብዘቕረብዎ መጸዋዕታ መሰረት፡ ሰላማዊ መፍትሒ ናይ ምርካብ ጻዕሪ ምክያድ  እዩ።

እዚ ልኡኽ ነቲ ኣብ ኣተገባብራ ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ተፈጢሩ ዘሎ ፍልልይ ንምህዳእ እዩ። እቲ ልኡኽ ኣብ መቐለ ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ኣብ ሆቴል ፕላነት  ምስ ፕረሲደንት  ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ኣባላት ካቢነኡን፡፡ ምስ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ከምኡ ከኣ ምስ መራሕቲ ናይታ ሕጋውነታ ብናይ ምርጫ ኮምሽን ተሰሪዙ ዘሎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ  ህወሓትን ተራኺቡ ተመያይጡ።

እቲ ልኡኽ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክብገስ እንከሎ ብዝወሰኖ መሰረት፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለ ጀሚሩ ክሳብ ኩሉ ኣኼባቱ ዝፍጽም ምንቅስቓሳቱ  ንመዲያ ዕጽዊ ክኾነሉ ስለ ዝተኻየደን  ብኩሎም ወገናት መግለጺ ስለ ዘይተዋህበን ዝርዝር ውጽኢት ናይቲ ዘካየዶ ርክባት ኣይተሓበረን።

ውሑዳት ወገናት’ኳ ካብቲ ርክባት ኣውንታዊ ውጽኢት ዝጽበዩ እንተኾኑ፡ ናይ ብዙሓት ግምት ግና፡ ምስቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝካየደ ዘሎ ናይ ቃላት ዝለዓለ ምስሕሓብ፡ እዚ ናይዞም መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ጻዕሪ ካብ ዳግማይ ውግእ ከድሕንዩ ዝብል ተስፋ የብሎም።  

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይን ጽላል ዝተባህለ ብጉዳይ ተመዛበልቲ እትሕለቕ ሲቪላዊ ማሕበርን በብወገኖም  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ክራኸቡ እዮም ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

Page 24 of 631