ካብቶም ናጻ ዝወጹ ግዳያት ብኸፊል
ሰራዊት ሱዳን ብ6 ነሃሰ 2024 ውግእ ሱዳን ካብ ዝጅመር ኣትሒዞም ኣብ ከተማ ካርቱም ተዓጊቶም ዝነበሩ ኢጣልያውያን ደናግል፡ ካህናትን 20 ሲቪል ደቡብ ሱዳናውያንን ናጻ ከም ዘውጸአ ብዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቶም ግዳያት ኣብ እምዱርማን ተዓጊቶም ከም ዝነበሩ ድማ እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እዞም ግዳያት ኣብቲ ቀጻሊ ውግእ ክካየደሉ ዝጸንሐ ሸጃና ዝበሃል ከባቢ ዝነበሩ ኣባላት ደንበስኮ ምዃኖም ዝጠቐሰ እቲ ናይ ሰራዊት ምውግለጺ፡ ፍሉይ ስርሒት ብዝበሎ ናይ ሰራዊትን ክፍሊ ስለያን ናይ ሓባር ስጉምቲ ናጻ ምስ ወጹ፡ ናብታ ዝምድናዊ ሰላም ዘለዋ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን እዮም ተወሲዶም።
ናይቲ ሰራዊት መግለጺ ከም ዘመልክቶ፡ ኣዞም ግዳያት ኣብቲ ዝነበርዎ ቦታ ናይ መግብን መድሃኒትን ቀረብ ዝግበረሎም ዝነበረ ኮይኖም፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ከውጸኦም ፈቲኑ ዘይተዓወተሎም እዮም።
እቶም ኣባላት ደንበስኮ ተዓጊተምሉ ዝጸንሑ ከባቢ፡ ካብ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2023 ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን እቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይልን ውግእ ዝተጀመረሉን ብቐጻሊ ክካየደሉ ዝጸንሐን ክፋል ከተማ ካርቱም እዩ።
ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ድሕሪ መኽፈቲ ስነ ስርዓት፡ ነቲ ቀጻሊ መስርሕ እትመርሕ ሰለስተ ዝኣባላታ ሰክረታርያ መዚዙ ኣብ ዘካየዶ ምይይጥ ኣቐዲሙ ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ተዳልዩ ዝቐረበሉ ንድፊ ቻርተርን ዝመሓደረሉ ቅዋምን ኣጽዲቑ፡ ነቲ ጽላል ንመጻኢ ክልተ ዓመታት ዝመርሕ ኣካል ብምስያም፡ ፖለቲካዊ ውሳነታት ብምትሕልልላፍን ደምዳሚ መግለጺ ብምውጻእን ተዛዚሙ።
ቻርተር ፖሓኤ ሓፈሻዊ መትከላትን ዕላማን ናይቲ ጽላል ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ከምኡ እውን ኣገባብ ቃልስን ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ዝምስረቱ ግዝያውን መሰጋገርን መንግስታት ዝቖምሉ ኣገባብ፡ ዝዓምዎ ስረሓትን ዝህልዎም ዕድመን ዘብርሁ ዓንቀጻት ዝሓቖፈ እዩ።
ናይቲ ጽላል ቅዋም ከኣ ስም፡ ኣርማን ካልእ መላለይን ጽላል ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ብዛዕባ መምዘኒ ኣባልነት ኣብቲ ጽላል፡ ግቡኣትን መሰላትን ኣባላትን ዘብርሁ ዓንቀጻት እውን ዘስፈረ እዩ። ስርዒታዊ ጽላል ፖሓኤ፡ ሓላፍነት ዝተፈላለዩ ኣካላትን ኣብያተ-ጽሕፈትን ዘነጽሩ ዓንቀጻት ኣብዚ ቅዋም ይርከቡ።
ተሳተፍቲ ዋዕላ ኣብቲ መስርሕ ምይይጥ ብዝለዓለ ተሳትፎ ዝግለጽ እሂንምሂን ዝሰፈኖ ተሳትፎ ነይርዎም። ኣብ መጻኢ መሪሕነት ጽላል ከተኲረሎም ብዛዕባ ዝግብእ ኣብ ዙርያ ምስፋሕ ኣባልነትን ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዘተኮሩ ሃነጽቲ ለበዋታት ኣቕሪቦም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ዋዕላ ንመጻኢ 2ተ ዓመታት እትመርሕ 21 ቀወምትን 3 ተጠባበቕትን ዝኣባላታ ማእከላይ መሪሕነት መዚዙ። ምስዚ ከኣ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ደንበ ተቓውሞን ኣብ ከባቢና ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታትን ዝዳህሰሰ ፖለቲካዊ ውሳነታት ድሕሪ ሰፊሕ ምይይጥ ከሕልፍ እንከሎ፡ ደምዳሚ መግለጺ ብምውጻእ ድማ ስርሑ ዛዚሙ። ዋዕላ ኣብቲ መገለጺኡ ብኣካል ይኹን ብማንዛ ንዝተሳተፉ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ወነንቲ መድያን ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ኣብ መዕጸዊ ናይቲ ዋዕላ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተላኣእከ ናይ ዓወትን ሰናይ ትምኒትን መልእኽታት ተነቢቦም።
ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ዋዕላ፡ መእተዊ ቃልን ዝሓለፈ ምንቅስቓስ ፖሓኤ ዝዳህሰሰ ጸብጻብን ብኣቦመንበር መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ ከምኡ ድማ መስርሕ ምድላው ከመይ ከም ዝነበረ ዘርኢ ጸብጻብ ብኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቀሪቡ ድሕሪ ምይይጥ ከም ዘጽደቐ ዝዝከር እዩ።
ምድላዋት ክግበረሉ ዝጸንሐ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብ6 ነሃሰ 2024 ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ ትሕቲ “ብሓድነት ንሓርነት” ዝብል ጭረሖ፡ ኣብ ጀርመን ተኸፊቱ። ኣብዚ ዋዕላ በዝይካቶም ብኣካል ዝተሳተፉ ብናይ ዙም መራከቢ ዝሳተፉ ኣባላት’ውን ኣለዉ። ኣብ መኽፍቲ እዚ ዋዕላ፡ ድሕሪ ሓጺር ጸብጻብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ኣቦመንበር ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ፡ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ።
ሓው ገረዝግሄር ተወልደ ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ ነቲ ዋዕላ ንዘዳለዉን ኩሉ ክኢሎም ኣብቲ ዋዕላ ንዝተሳተፉን ከምኡ‘ውን ብኣካልን ብዙምን ንዝተሳተፉ ጋዜጠናታትን መድያታትን ኣመጒሱ። ፖሓኤ ናብዚ ዋዕላዚ ንምብጻሕ ንዝተኻየደ ነዊሕ ጉዕዞን ዝተሓልፉ ብደሆታትን ዘርዚሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፎ ዘሎ ብዙሕ ገጻት ንዘለዎ በደላት ዘርዚሩ። መሰረታዊ ዕላማ ፖሓኤ ነዚ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ በደላት መኪትካ ናብ ራህዋን ቅሳነትን ንምብጻሕ ምዃኑ ከኣ ጠቒሱ። ፖሓኤ ዝቖመሎም 4ተ መሰረታዊ መዕቀንታት ብምጥቃስ ድማ እቶም ነቲ ጉዕዞ ምምስራት ጽላል ዝጀመርዎ እዞም ኣብዚ ዋዕላ በጺሖም ዘለዉ 3ተ ውድባት ጥራይ ከምዘይነበሩ ኣብቲ ቃሉ ጠቒሱ። ዲክታተር ኢስያስ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ንዘርእዮ ምጥላዕ ብምጥቃ ከኣ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ኣንጻርቲ ዝውጸዖም ዘሎ ጉጅለ ክቃለሱ ጸዊዑ።
ኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሓውቲ ኣድያም ተፈራ ብወገና ብወገና ኣብ ዘቕረበቶ ሓጺር ጸብጻብ፡ እታ ሽማግለ ዝቖመትሉ ኣገባብን ኣብቲ መስርሕ ዝዓመመቶ ስራሕትን ዝምልከት ሓበሬታ ኣቕሪባ፡ እታ ሽማግለ ናብቲ ዋዕላ ዝቀርብ ንድፊ ሰነድ ኣብ ምድላው፡ ነቲ ዋዕላ ዘድሊ ገንዘብን ካልእ ቀረባትን ኣብ ምርካብን ቦታ ዋዕላ ኣብ ምድላውን ንዝገበረቶ ጸዕሪ ኣመልኪታ፡ ኣብቲ መስርሕ ንዝተሓባበሩዋ ኣካላት ከኣ ኣመስጊና፡ ዋዕላ ንምክያድ ዘኽል ቁጽሪ ከም ዘሎ ኣበሲራ። ኣብቲ ዋዕላ ንዝተሳተፉ ኣባላት ፖሓኤን ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ወነንቲ ሚድያን ድማ ዕዙዝ ምስጋና ኣቕሪባ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣሕዋት ገረዝጊሀር ትወልደ፡ ያሲን መሓመድ ዓብደላን ካሕሳይ ጉፍላን ብሓባር ኣብ ጉዕዞ መሰጋገሪ ኣካል፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብያተ-ጸሕፈት ፖሓኤ ዝተዓሙ ስረሓት ዝምልከት ጸብጻብ ኣቕሪቦም ብተሳተፍቲ ድማ ጸዲቑ።
ኣብ መወድእታ መኽፈቲ ተሳተፍቲ ዋዕላ፡ ቀጻሊ መስርሕ ኣኼባ እትመርሕ 3ተ ዝኣባላታ ሰክረታርያ መሪጾም ቀጺሎም።
ኣብ ጉዳይ ሱዳን ሰፊሕ ዘተ ንምክያድ ዘኽእል ካለኣይ ዙር ናይ ምድላው ኣኼባ፡ ካብ 9 ክሳብ 12 ነሃሰ 2024 ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝካየድ ምንጭታት ናይቲ ሕብረት ኣፍሊጦም።
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙር ናይ ምድላው ዘተ፡ “ምስቲ ናይ ዝወደቐ ስርዓት ሓይልታት ውግእ ኣኼባ ምክያድ” ብምኹናን በዂሮም ዝነበሩ ኣካላት ሱዳን ኣብዚ 2ይ ዙር ከም ዝሳተፉ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ዓቕሚ ሓይልታት ሰላምን ሲቪል ሕብረተሰን ሱዳን ኣብ ምስፋሕ ከም ዝሕግዝ ድማ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ጉዳይ ሱዳን ፍሉይ ልኡኽ ኢጋድ፡ ላውረንስ ኮባንዲ ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመዲቡ ዘሎ ርክብ ሱዳናውያን ከም ዝካየደ ኣረጋጊጹ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳማይ ዙር ዘይንበርሩ ተሳተፍቲ ኣብዚ 2ይ ዙር ሰፊሕ ናይ ምስታፍ ዕድል ከም ዝወሃቦም ኣረጋጊጹ።
ምንጭታት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ርክብ፡ ጉጅለ ተዳሙን፡ ብኣል ሓሰን ኣል መርቃኒ ዝምራሕ ሰልፊ ኡማን ካለኦት ኣብቲ ቀዳማይ ዙር ዝበኾሩ ጉጅለታትን ከም ዝሳተፉ ኣረጋጊጾም። ብዛዕባ ተሳትፎ ናይቲ ኮሚኒስት ሰልፊ ሱዳን ግና ዝተረጋገጸ ጸብጻብ የለን።
እቲ ኣሰናዳኢ ኣካል ብወገኑ ነቲ ኣኼባ ዝምልከት ተክኒካዊ ምድላዋት ከም ዝተጻፈፈ ብምርግጋጽ፡ ኣብ ርእሲ እቶም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ፡ ብኣል ሂሉ ዝምራሕ ምንቅስቓስ ሕርነት ህዝቢ ሱዳን፡ ብዓብደል ዋህድ ኑር ዝምራሕ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን፡ ዓረባዊ መበቆል ዘለዎ ሰልፊ ባዕስን ካለኦት ምንቅስቓሳት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ክሳተፉ እዮም።
ናይ ኣመሪካ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ቶም ፐሪየሎ ብወገኑ፡ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየደ ናይ ሱዳናውያን ኣኼባ ኣብ ዝምልከት ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ክተሓባበር ምዃኑ ብዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣብ ምምሕዳር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሓላፊት ድሕንነት ሰቪል፡ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ኣምበሳደር ኡዝራ ዘያ፡ ካብ 4 ክሳብ 8 ነሃሰ 2024 ናብ ኣዲስ ኣበባን ናይሮብን ከም እትገይሽ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣመሪካ ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እታ ዲፕሎማት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰብ መዚ ሕብረት ኣፍሪቃን ሲቪላዊ ማሕበራትን ክትራኸብ እያ። ኣብቲ ርክባታ ብዛዕባ ኣገዳስነት ብዙሕነት፡ ግሉጽነትን ልዕልና ፍትሒ፡ ምምዕባል ሓለዋ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ መሰላትን ምስ ዝምልከቶም ክትመያየጥ እያ። ብዘይካዚ እታ ኣመሪካዊት ሓላፊት ኣብ መደበር ስደተኛታት ከይዳ፡ ኩነታት ክንክን ህጻናት፡ ትምህርትን ጥዕናን ከምኡ እውን ኣመሪካ ኣብቲ መደበር ንዝርከቡ ስደተኛታትን ማሕበረ ማሕበረሰብን ክትዕዘብ እያ። ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዝለዓለ ሰብኣዊ ደገፍ እተቕርብ ሃገር ምዃና እውን ኣብቲ ዝወጸ ናይ መድያ ጋዜጣዊ መግለጺ ተጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እታ ኣመሪካዊት በዓልቲ መዚ ኣብ ኬንያ ድማ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኬንያ ተራኺባ ብዛዓብቲ ኣብ ኢትዮጵያ እተልዕሎ ኣጀንዳ ከም እትመያየጥ እቲ ንመገሸኣ ብዝምልከት ናይ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እዛ ኣመሪካዊት ነቲ ኣብ መንጎ ኬንያን ኣመሪካን ዝጸንሓ ናይ 60 ዓመታት ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ኬንያ ግዝኣተ ሕጊ፡ ጸረ ምጥፍፋእን ተሓታትነትን ኣብ ምሕያል ዝሕግዙ ዛዕባታት ከም ዝተላዕሉ ተፈሊጡ።
ብዘይካዚ ዞባዊ ጉዳያት ከም እተልዕልን ከምኡ እውን ብዛዕባ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን መሰል ምእካብን ኣብ ዝምልከቱ መሰረተ ሓሳባት ኣብ ኢትዮጵያን ኬንያን ከም ዘልዕሉ ተሓቢሩ።
ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ መጠን ሸርፊ ብር ምስ ናይ ወጻኢ ገንዘብ ኣብ ዕዳጋ ብናጻ ዝውሰን ንክኸውን ብ29 ሓምለ 2024 ኣዊጁ። እዚ ኣዋጅ ዝወጸ ብሓፈሻ ካብ ግዜ ምምሕዳር ኢህወደግ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ምስ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን፡ ባንኪ ዓለምን ካለኦት ትካላት ገንዘብን ከዋጥጥ ድሕሪ ምስንሑ ዝመጸ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኸትሎ ዝኽእል ቅልውላው ብምስጋእ እዚ ናይ ሽረፊ መጠን ካብ መንግስታዊ ምቁጽጻር ናጻ ንክገብሮ ቅሩብ ኣይነበረን። እንተኾነ ናይ ግድን ካብዞም ዓለም ለኻዊ ገንዘባዊ ትካላት ልቓሕ ስለ ዘድለዮ እሞ ነዚ ቅድመ ኩነት ከየማለኤ ልቓሕ ኮነ ሓገዝ ከምዘይወሃቦ ምስ ተነግሮ ተገዲዱ ዝኣተዎ እዩ።
ድሕሪቲ ኣዋጃ ምውጽኡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ባንክ 57 ብር ዝሽረፍ ዝነበረ ሓደ ዶላር ኣሜሪካ፡ ናብ 76.23 ብር ከም ዝደየበ፡ ኣብ ካለኣይ መዓልቲ ድማ ናብ 90.60 ብር ከም ዝበረኸን እቲ ወሰኽ ኣብ መስርሕ ምድያብ ከም ዘሎን ብሉም በርግ/BLOOMBERG ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣፍሊጡ። እዚ ነቲ ኩነታት ናይ ጸሊም ዕዳጋ ኣብ ከመይ ደረጃ ምህላዉ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ቅልጡፍ ወሰኽ ኣብ ዶላር ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዝረአ ዘሎ ኮይኑ መዓልታት ክውስኽ እንከሎ ከኣ ብቐጻሊ ዝንህር ከም ዝኸውን ናይቲ ዓውዲ ፈላጣት የመልክቱ ኣለዉ።
ኣዲስ ስታንዳርድ/ADDIS STANDARD ብወገና ከም ዝገለጸቶ ድሕሪ እቲ ስጉምቲ ብብሄራዊ ባንክ ምውሳዱ እሞ ክትግበር ምጅማሩ ትካል ገንዘብ ዓለም/ IMF ኣብ 4ተ ዓመታት ዝትግበር ናይ 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ንኢትዮጵያ ከም ዘጽደቐ ኣፍሊጣ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ብደረጃ ልቓሕን ሓገዝን ክወሃቦ እዩ ዝጽበ።
እዚ ኩነታት ዘስዓቦ ናይ ዋጋ ናህሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ስግኣት ፈጥሩ ከም ዘሎን ኣብታ ሃገር ዝመደበሮም ናይ ወጻኢ ትካላት፡ ከምቲ ቅድም ኣብ ኬንያ ደሓር ድማ ኣብ ናጀርያ ዝተኸስተ ህዝባዊ ናዕቢ ከይለዓል ከም ዝሰግኡ ይገልጹ ኣለዉ።
መንግስቲኢ ኢትዮጵያ ነቲ ዝኽሰት ናህሪ ንምክልኻል ብዝብል ዝተሓተ ደሞዝ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክሳብ 300% ዝበጽሕ ወሰኽ ክገብርኳ እንተወሰነ እቲ ስግኣት ብኸምዚ ከምዘይፍታሕ ብዙሓት ወገናት ይገልጹ ኣለዉ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቅድም ጉንበት-7 ዝበሃል ዝነበረ ሎሚ ኢዘማ ተሰይሙ ብዶር ብርሃኑ ነጋ እናተመርሐ ምስ ብልጽግና ዝጸርሕ ዘሎ ሰልፊ ንውሳነ ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ “ግዜኡ ዘይሓለወ” ብዝብል ብወግዒ ተቓዊምዎ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ዲሞራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ኤርትራን ሰልፊ ዲሞራሲ ህዝቢ ኤርትራን ክዋስእሉ ዝጸንሑ ጽላል ኣብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ ነሃሰ 2024 ናብ ሓባራዊ ዋዕላን ፈስቲቫልን ክኣቱ እዩ። እቲ ዋዕላ ነቲ ዝጸንሔ ኣካይዳ ናብ ምቛም ወግዓዊ ጽላል ዘሰጋግር ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ፈስቲቫል ድማ ውጽኢት ናይቲ ዋዕላ ዝብሰረሉ እዩ። ናይ ክልቲኡ ኣገደስቲ መድረኻት ኣሰናዳእቲ ሽማግለታት ድማ ምድላዋተን ኣጻፊፈን ኣለዋ።
እዚ ዋዕላ ኣብ ርእሲ እቲ ጽላል ብወግዒ ዝምስረተሉ ምዃኑ፡ ኣብ መጻኢ እቲ ጽላል ዝምረሓሉ ኣገደስቲ ሰነዳት ከጽድቕ እዩ። ኣብዚ ዝጸድቕ ውሽጣዊ ቅዋም እቲ ጽላል ካልኦት ኣባላት ወሲኹ ዝሰፍሓሉ መንገዲ ዝእምትን ኣብ ነንሕድሕዱ ከመይ ከም ዝናበብን ዘብርህ ዓንቀጻት ከም ዝህልዎ ዘማትእ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ንመጻኢ ነቲ ጽላል ዝመርሕ ኣካል ምስ ተጠባበቕቱ ኣብዚ ዋዕላ ክስየም እዩ። ካብዚ ብዘይፍለ ከኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ዝስየም ሓጋጊ ኣካል ዝነጥፋ ፈጸምቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ክንጸራ እየን።
እዚ ጽላል ክሳብ ሕጂ ተመስሪትሎም ዘሎን ኣብቲ ዋዕላ ዝጸድቁን መሰረታዊ መዕቀኒ ኣዕኑድ ፡ ልኣላውነት ኤርትራን ህዝባን ምዕቃብ፡ ዲክታተርያዊ ምምሕዳር ህግደፍ ምውጋድን ኣብ ክንድኡ ዲሞክራስያውን ቅዋማውን ስርዓት ምትካል፡ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ምውሓስ፡ ኤርትራዊ ብዙሕነት ምንጽብራቕን ኩሉ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ምኽባርን ዝብሉን ነፍሲ ወከፎም ሰፊሕ ዝርዝር ዝሓቖፉን እዮም። እዘን ጽላል ዘቑማ ዘለዋ ውድባት ካብዚ ውጻኢ ዘሰማምዐን የለን ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ እዚኣቶም ቀዳምነት ዝተዋህብሉ ምኽንያት፡ መሰረታውያን መለለይታት ቃልሲ ኤርትራ ኮይኖም፡ ብብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ተቐባልነት ስለ ዘለዎም ዝሰፈሐ ሓይሊ ንምጥርናፍ ዘኽእሉ እዮም ካብ ዝብል ዝተወስዱ እዮም።
ናይዚ ጽላልዚ ምምስራት ኣብ ጉዕዞ ሓድነት ተቓውሞ ኤርትራ ናይ መጀመርያን መወዳእታን ስጉምቲ ዘይኮነ፡ ከም ቁልዒ ዝውሰድ እዩ። ነዚ ቁልዒ ንህግደፍ ክልብልቦ ናብ ዝኽእል ሓያል ህዝባዊ መጋርያ ንምምዕባሉ ድማ ናይ ኩሎም ብመንገዲ ምጥርናፍ ኣቢልካ ዓቕሚ ኣብ ምፍጣር ዝኣምኑ ወገናት ጻዕርን ተሳትፎን ከም ዝሓትት ፖሓኤ ኣዕዚዙ ይኣምንን ምእንታኡ ይቃለስን። ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ ካልኦት ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውዳበታት’ውን ከም ናቶም ክወስድዎን ክሳተፍዎን ፖሓኤ ወትሩ ዝጽውዕን ኣብቲ ዋዕላ ከጉልሖ ትጽቢት ዝግበረሉን።
ምምስራት ጽላል ኣብ ደንበት ተቓውሞ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ዝወድቕን ዝትንስእን ዘሎ እምብር፡ ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ከም ዘይተዓወተ ናይ ኩልና ተዘክሮ ዝምስክሮ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና፡ ዝሃቦ ትምህርቲ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ካብቲ ዝሓለፈ ናይ ምትንሳእን ምውዳቕን ስግኣት ብምንቃል ከምቲ “ብተመን ዝሰንበደስ ብልሕጺ ተዳህለ” ዝበሃል ምስላ፡ “ተበግሶ ፖሓኤኸ ክዕወት ድዩ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ይስማዕ እዩ። እዚ ስግኣት ካብቲ ዝሓለፍናዮ ዘይተዓወተ መስርሕ ዝነቅል እምበር፡ ካብ መሬት ሓፊስካ ዝውረ ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ። ፖሓኤ’ውን ኣብ ግምት ዘየእትዎ ኣይኮነን። እንተኾነ ሎሚ ትማሊ ኣይኮነን። እቶም ተዋሳእቲ እውን ኣብቲ ዝቐደመ መስርሕ ዝነበሩ’ኳ እንተኾኑ፡ ምስ ትማሊ ዘይኮነስ ምስ ሎሚ ዝስጉሙ ዘለዉ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ቃልሲ ብውረድ ደይብ ዝተመልአ ኣብ መወዳእታ ብብራኸ ዝድምደም እምበር ልሙጽ መንገዲ ከምዘይኮነ ምርድኡ የድሊ። እቲ ቀንዲ ዝጽላእ ከኣ ናይ ምውዳቕን ምትንሳእን ሓጐጽጐጽ ዘይኮነ፡ ካብቲ ውድቀት ዘይምምሃር እዩ።
ስለዚ ናይዚ ፖሓኤ ዝምስርቶ ጽላል ናይ ምዕዋት ውሕስነት፡ በቲ ትማሊ ዘይነበረ ሎሚ ዝምዕብል ዘሎ “ምእንቲ ሓቢርካ ምቅላስ ክቡር ዋጋ ክኸፍል እዩ” ዝብል ግንዛበ ዝተበገሰ ጌርካ ዝውሰድ እዩ። ኮታ ናይ ሎሚ ናይ ምዕዋት ተስፋና ካብ ናይ ትማሊ ፍሽለት ምምሃርና ዝነቅል እዩ። ብኣተሓሳስባ ኣብቲ ናይ ትማሊ እንተንህሉ ግና ናብዚ ዋዕላ ንምብጻሕ ፖሓኤ ዝያዳ ሰለስተ ዓመታት ኣይምተጸመመን። ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝፈላልየካ ንእሽቶ ተጉልሕ፡ ነቲ ዘሰማማዕካ ዝዓበየ ዝያዳ ኣጀንዳ ንምግባሩ ዝረአ ዘሎ ኣተሓሕዛ ተስፋ ዝህብ እዩ። ከምኡ እውን እቲ ናይ ትማሊ ኣብ ሕድሕድካ “ብማይ ቀጠነ” ምጽልላምን ምክሳስን ሎሚ ዘይምህላዉ ነቲ መንገዲ ምጽውዋርን ምክእኣልን ሒዝናዮ ንቃለስ ከም ዘለና ዘርኢ ስለ ዝኾነ፡ ክንዕቅቦ ዝግበኣና እዩ።
ናይቲ ኣብ ጽላል ፖሓኤ ዝጠራነፍ ዘሎ ሓይሊ ናይ ብዝሕን ዓይነትን ውሱንነት ዘሰክፎም ወገናት እውን ይስምዑ እዮም። እዚ እውን ዘየዛርብ ኣይኮነን። እንተኾነ በቲ ሓደ ወገን እቲ ጽላል ሒዝዎ ይብገስ ናይ ዘሎ ኣተሓሳስባ ንጹርነትን ህልዊ ኤርትራዊ ባይታን ዳህሲሱ ዝብገስ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ነብሱ ዝኸኣለ ዓቕሚ ምዃኑ ምርድኡ የድሊ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ብመሰረቱ ጽላል ናይ ምፍጣር ምስጢር በበይኑ ክወፍር እንከሎ ዘየድምዕ ዝተበተነ ዓቕሚታት ናብ ሓደ ኣምጺእካ ከም ዘድምዕ ንምግባሩ ስለ ዝኾነ፡ ምምስራት ጽላል ካብ ናይ ዓቕሚ ውሱንነት ንምውጻእ ካብ ዝውሰዱ ስጉምትታት እቲ ቀዳማይ ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ እዩ።
ዘይሩ ዘይሩ፡ ናይዚ ብወግዒ ዝምስረት ጽላል ፖሓኤ ረብሓን ኣገዳስነትን ንኣባል ውድባቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቃልሲ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ናቱ ልሉይ ኣስተዋጸኦ ዘንብር እዩ። ኣገዳስነቱ ክሳብ ክንድዚ ኣብተን ዝምስርተኦ ዘለዋ ውድባት ጥራይ ዝድረት ካብ ዘይኮነ፡ ኩሎም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ኣባላት ናይቲ ጽላል ካብ ምዃን ጀሚሮም፡ ምስቲ ጽላል በብዝኽእልዎ ክተሓባበሩን ደገፎም በብዝጥዕሞም ኣገባባትን ክእለትን ከበርክቱን ፖሓኤ ኣብ ድሮ ዋዕላኡን ፈስቲቫሉን ይጽውዕ ኣሎ።
More...
ኤርትራውያን ናይ ሓርነት ተቓለስቲ ኣብ ቅድሜና ዓበይ ዕማም እዩ ዘለና። ዕማምና ብሓፈሻ ክግለጽ እንከሎ፡ መሰረታዊ ናይ ስርዓት ለውጥን ኣብ ክንድኡ ምዕዋት ምዕዋት ዲሞክራሲ እዩ። እዚ መስርሕ ብዙሓት ምዕራፋት ዘለዉዎ፡ ናይ ብዙሓት ተሳትፎ ዝሓትት፡ ዝተፈላለዩ ገጻትን ብድሆታትን ዝሓቖፈ ከከም ግዝይኡን ኩነታቱትን ምትንሳእን ምውዳቕን ኣይፍለዮን። እቲ ክሳብ ሕጂ ዝመጻእናዮ ጉዕዞ ናይ ቃልሲ ድማ ነዚ እዩ ዘርኢ።
እዚ ዓብይ ዕማም፡ ናይ ብዙሓትን፡ ብብዙሓትን ዝስራሕ፣ ንብዙሓት ድማ ዘርብሕ እዩ ኢልናዮ ኣለና። ኣብዚ መስርሕ ናይ ብዙሓት ዓወት ንምምዝጋብ ድማ ዓቕምኻ ምውዳብ መሰረታዊ ቅድመ-ተደላይነት ዘልዎ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ድማ ኣብ ኤርትራ ምውዳብ ኣካል ናይቲ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮ ቃልስና ኮይኑ ዝምዝገብ። ኣወዳድባ ከከም ዕላማ፡ ቅሩብነትን ምርጫን ናይቶም ዝውደቡ ዝተፈላለየ መልከዓት ዝሕዝ ምዃኑ ፍሉጥ’ዩ። ካብቶም ልሙዳት ኣወዳድባታት ፖለቲካዊ ውድብን ሰልፍን ብቀዳምነት ዝጥቀሱ እዮም። ብደረጃ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ሲቪላዊ ማሕበራትን ምውዳብ እውን ኣብቲ መስርሕ ነናቶም ግደ ዘለዎም ምጥርናፋት እዮም። ምውዳብ ናይ ሓባር ከተዕውቶ ዝግበኣካ ዕላማ ስለ ዘለካ ዝግበር ታራ ናይ ሰባት ምትእኽኻብ ዘይኮነ፡ ከከም ጠባይ ናይቲ ውደባ ክመዝንዎ ዝግበኦም፣ መዐቀኒታትን ቅጥዕታትን ኣለዉ።
ኣብ ምውዳብን ምልዕዓልን መበገሲኻ ምንጻርን ኣማዕዲኻ እትርእዮ መዓርፎ ምእማትን፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ብሓፈሻዊ መልክዕ እንተኾነ እውን ናይ ቀረባን ርሑቕን ራኢኻ ኣብ ግምት ዘእተወ እስትራተጅን ስልትን ምስኣል ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ብወግዒ እተጽድቐሉን መጻኢኻ እትእውጀሉን ዕላውን ሕጋውን መድረኽ ምድኳን የድሊ። ንከምዚ ዝኣመሰል ዕማም ጉባአ ሓደ ካብቶም ልሙዳት መድረኻት እዩ። ኣብዚ መስርሕ ብፍላይ ፖለቲካዊ መልክዕ ውዳበ፡ ራኢኡ ዘንጸባርቐሉ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ፡ ኣካላት ናይቲ ውዳበ ጠርኒፉ ዘወሃህድ ቅዋም፡ ኣብ መስርሕ ምትግባር መደባት ዝወዳደሩ ዘይኮኑ፡ ዝመጋገቡን ሕድሕዶም ዝቆጻጸሩን ሓገግቲ፡ ፈጸምትን ፈረድትን ኣካላት፡ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝምረጽን ዝወርድን ነቲ ዕማም ዘተግብርን ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ ከኣ፡ ዝሕተትን ፖለቲካዊ መሪሕነት፡ ንፖለቲካዊ ሕጋዊ ውድድር ድልዊ ምዃንን ዝኣመሰሉ ቅሩብነታት ዘሳሲ ክኸውን ይግበኦ። ኣብዚ ብዝሕን ብቕዓትን ኣባላት ናይ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ኣድላይ ምዃኑ ኣየዘራርብን’ዩ። እቲ ወሳኒ መሰረታዊ መምዛኒ ግና፣ ናይቲ ዝምረሓሉ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ዝሕንጽጾም መድረኻዊ ፖሊሲታትን ኩለ-መዳያዊ ኤርትራዊ ምሉእነትን ንጹርነትን እዩ።
ብኻልእ ወገን ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ መደብ ዕዮ ወኒኖም ንሓላፍነት ዘይወዳደሩ፡ እቲ ፖለቲካዊ ውዳበታት ካብቲ ዝምረሓሉ ብጉባአ ዘጽደቖ መስመር ከይወጸ ናይ ምትግባር ዓቕሙ ከተርንዕ ዝሕግዙ፡ ህዝቢ በቲ ብስሙ ዝንቀሳቐስ ውዳበታት ንከይጥለም፣ ዘኽእሎ ዓቕምን ንቕሓትን ንክውንን ዘበራብሩ፡ ከምኡ እውን ኣብ ምዕቃብ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን ክብርታትን ዝጽዕቱ፡ ምስ ፖለቲካዊ ውዳበታት ዝተሃላልኹ ዘይኮኑ፡ ዝመላልኡን ሚዛን ንምሕላውን ዝቆጻጸሩን ሲቪላዊ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን እውን፣ ነብሱ ዝኻኣለ ግደ ዝጻወት ኣገዳሲ ውዳበ እዩ። ኣብ ኩሎም እዞም ውዳበታት እቲ ዋና ተዋሳኢ ህዝቢ እዩ። ስለዚ ህዝቢ፣ ምስ መን ከም ዝውደብ ብናጽነት ንክውሰንን ይሕሸኒ እዩ ዝብሎ ንኽሓርን፣ እተን ፖለቲካዊ ይኹና ሲቪላዊ ውዳበታት ዕላመአን እንታይ ምዃኑ ብንጹርን ግሉጽነትን ክገልጻሉ መሰረታዊ ተደላይነት ኣለዎ።
ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ትካል ብደረጃ ውዳበ ጸኒሕካ፡ ኩነታት መዚንካ ናብ ሲቪላዊ ማሕበር ምስጋር ምናልባሽ ዘጸገም ክኸውን ይኽእል። ብኣንጻሩ ኣብ ሲቪላዊ ማሕበር ወይ ምንቅስቓስ ጸኒሕካ ናብ ፖለቲካዊ ውድብ ኮነ ሰልፊ ምድያብ እውን ዘይከኣል ኣይኮነን። እዚ ምስግጋራት ግና ብመጀመርታ ነቲ መሰረታዊ መስርሕ ኣውዳድባ ክኽተል ኣድላይ እዩ። ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ንከይደናገር እቲ ዝውሰድ ስጉምቲ ብግሉጽነት ከም ዝፍለጥ ምግባሩ፡ ነቲ ኣብቲ መስርሕ ዝዋሳእ ውድብ ድዩ ምንቅስቓስ ምስ ህዝቢ ዘላልዮ ኣገዳሲ ተግባር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ተግባራት ፖለቲካዊ ውደባን ዕማማት ሲቪላዊ ማሕበራትን እናደባለቕካ ምጉዓዝ፡ ነቲ ዝንቀሳቐስ ኣካል ኮነ ንህዝቢ ስለ ዘደናግር ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ክንግዘቦ ዘድሊ እዩ። እዚ ካብቲ ዝፈጥሮ ናይ ህዝቢ ምድንጋ ንላዕሊ፣ ኣብኡ ተሰግሲጎም ንምፍራሱ ዝሰርሑ ክጽፈዩ’ውን ዕድል ዝኸፍት እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ “ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውደቤታት መነመን እየን?” ሲቪላዊ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ከ?” ዝብል ሕቶ ክቐርብ እንከሎ፡ ብቐሊሉ መልሲ ምርካብ ከም ዘጸገም ፍሉጥ እዩ። ካብቲ ምኽንያታት እቲ ቀንዲ ናይቶም ኣካላት ኣበየናይ ደርጃ ውዳበ ከምዘለዉ ዘየነጽሩ ምዃኖም እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ወይ ኣብ ሲቪላዊ ማሕበራት ምውዳብ ናይ ምርጫ እምበር ናይ ፖለቲካዊ ብቕዓት መምዘኒ ከምዘይኮነ ምርዳእ የድሊ። ከምቲ ንገለ ወገናት ዝመስሎም እቶም ኣባላት ውድባትን ሰልፍታትን ምዃን ዝመርጹ ዝያዳ ፖለቲካዊ ፍልጠትን ተመኩሮን ዘለዎም፡ እቶም ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ዝውደቡ ከኣ ዝተሓተ ፖለቲካዊ ኣፍልጦን ተመኩሮን ዘለዎም ጌርካ ዝውሰድ ግጉይ ተረደኦ ኣሎ።
ከምቲ ቃልስና ምዕራፋት ኣለዉዎ ዝበልናዮ፡ ቀንዲ ቆላሕተና ኣብቲ ናይ ሎሚ ምትኳር ክኸውን እንከሎ፡ ብዛዕባቲ ዝሓለፍናዮ ምዝካርን ንጽባሕ እንሓስቦ ምእማት ድማ ኣድላይ እዩ። ናይ ሎምን ጽባሕን ዕማማት ተመጋገብቲ ኣብ ርእሲ ምዃኖም ንሓደ ኣካል “ንኺድ” ክትብሎ እንከለኻ “ናበይ?” ምስ በለካ ሕቶኡ ብግቡእ ክትምልሰሉ ዘይስገር ግደታ እዩ። ኣብ ኣመላልሳ ናይቲ ሕቶ ቀይሕ መስመር ሰጊርካ፡ ኣብ ንህዝቢ ዝምልከቱ ጉዳያት ኣቲኻ ኣብዘይህልውንኡን ተሳትፍኡን ከይትውስን ምጥንቃቕ የድሊ። ካልእ ናብ ናይ ጽባሕ ነቋመት ክበሃል እንከሎ፡ ኣብቲ ናይ ሎሚ ቀዳምነት ከየድማዕካ ነጢርካ ናብ ጽባሕ ጥራይ ምምዕዳው ማለት ኣይኮነን።፡ “ናይ ሎሚ ንግበር ናይ ጽባሕ ሽዑ ነርከበሉ” ካብ ዝብል ስምዒት “ንኺድ ጥራሕ” ካብ ምባል ክንጥንቀቕ ናይ ግድን እዩ። “እስኪ ከምዚ ንግበር” ክትብል እንከለኻ፡ “ጽባሕከ ናብይ ንምብጻሕ?” ዝብል ሕቶ ንምምላስ ድልዊ ምዃን የድሊ። እዚ ጉዳይ ብፍላይ ኣብዚ ኣዝዩ ተሃዋስን ተመዝማዝን ምዕባለታት ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ምስ ከባቢናን ጐረባብትናን ኣብ እንሓስቦ ዝምድናታት ብግቡእ ከነቕልበሉ ካብ ዝግበኣና እዩ።