ሓለፍቲ ፖሓኤ ምስ ሬድዮ ኤረና ቃለመጠይቕ ኣካይዶም

2025-10-06 16:33:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 25 times

ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦመንበርን ሓው ዮሃንስ ኣስመላሽ ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታትን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡  ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ዞባናን ምስ ሬድዮ ኤረና ቃለ መተጠይቕ ኣካይዶም። ኣብዚ ቃለ መጠይቖም ኣቐዲሞም ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ በፖሓኤ “ንሃገራዊ ሓድነትን ምክልኻል ልኡላውነትን ብፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝወጸ ኣዋጅ፡” ብዝብል ብዝተፈላለዩ  ቋንቋታት ንዝወጸ  እዋናዊ  መግለጺ ብንባብ ኣቕሪበምዎ። ቀጽሊኦም ድማ ነቲ ኣዋጅ  ዝምልከትን ተዛመድትን  ሕቶታት መሊሶም።

ካብቲ ሕቶ ቀሪብሎም ዝመለስዎ ጉዳያት፡ ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ብብልጽግና ዝምራሕ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይንካ፡ ኣብ ኤርትራ መንገስቲ ንምውዳቕ ዝምድና ምግባር ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፡ ምስቲ መንግስቲ ንምትሕብባር ካብቲ ካብ ተጠቃምነት ወደብ ሓሊፉ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ግሂሱ ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ንምውናን ኣብ ሓሶት ተመስሪቱ ዘቕርቦ ዘሎ ጠለብ፡ ብእዉጅ ክሳብ ዘይሰሓበ ምዝማዱ ከምዘይከኣል ኣስሚረምሉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራውያን ኣንጻር ምግሃስ ልኡላውነት ሃገርና ክንሓብር ከም ዝግባእ ጠቒሶም፡  ብተግባራት ህግደፍ ኣቖጢዑካ ንዓኡ ዘርከብካ መሲሉካ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ከየገደሰካ  ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሒዝዎ ምስ ዘሎ ዓመጸኛ መርገጽ፡ ምስኡ ምትሕብባር ዘዋጽእ ኣይኮነ ኢሎም፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ምርጫ ዘለዎም ወገናት ከሎ ጋና ኣብቲ ምርጫኦም ዳግመ-ግምት ንክገብሩ ጸዊዖም። ኣብ ርእሲዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕቶኡ ብወደብ ዓሰብ ክጥቀም ዝብል እንተዝነብር፡ ረንሓኡ ንህዝቢ ኤርትራ እውን ስለ ዝኸውን ዓለም ለኻዊ ሕግታት ብዘፍቅዶ ምትግብራሩ ዝጽላእ ኣይመኾነን ኢሎም።

እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ውግእ መጎት፡ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ንህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ዝምልከት ምዃኑ ብምጥቃስ ብደረጃ ዞባ እውን ሰላምን ምርግጋእን ዝኸልእ ኣብ ክንዲ ፍትሕን ሕግን ልዕልና ሓይሊ ዘንግስ ሕማቕ ኣርኣያ ስለ ዝኸውን ህዝቢ ኢትዪ እውን ክቃለሶ ከም ዝግበኦ ኣመልኪቶም።

ነቲ ብወገን ኤርትራን ትግራይን ተደጋጊሙ ዝስማዕ ዘሎ ጐስጓስ “ጽምዶ”  ኣብ ዝምልከት እውን ሓሳቦም ሂቦም። ኣብቲ ዝሃብዎ ርኢቶ እዚ ጽምዶ ኣብ ተመኩሮ ውድባት ኤርትራን ትግራይን ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ እምበር፡ ሓድሽ ከምዘይኮነ ጠቒሶም፡ ክልቲኡ ህዝብታት ክራኸብን ብዝሓለፈ ምፍሳስ ደም ክድበስን ጽቡቕ እዩ ኢሎም። እንተኾነ ሓቀኛን መትከላውን እንተዝኸውን ብግሉጽነት ክካየድ መተገለጸ’ሞ ንምድጋፉን ምቅዋሙ መጠዓመ ኢሎም፡ ምናልባት ናብ ውግእ ዘእትው ከይከውን ከም ዘስግእ ጠቒሶም።

ንምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መጠይቕ፡ ኣብ መደባት ራድዮ ኤረና ናይዚ  ዕለት ምክትታል ይካኣል።

Last modified on Monday, 06 October 2025 18:54