ኣብ ጉዳይካ ጓና ኣይትኹን:

2025-10-06 12:01:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 54 times

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይፍትሓዊ ኩነታት ኮይንካ፡ መጻኢ ራህዋ ካብ እጽበ ነዊሕ ግዜ ሓሊፉ። ናብቲ ዝተመነኻዮ ራህዋ ንምብቃዕ ዘካየድካዮን ተካይዶ ዘለኻን ቃልሲ እውን ነዊሕን ዝተሓላለኸን ምዃኑ ርኡይ እዩ። እቲ ቃልሲ ብዙሕ ገጻት ዝሓዘ ሓጐጽጐጽ ዘይተፈልዮ ውረድ-ደይብ ብምዃኑ፡ ሎሚ እውን ከብኡ ከምዘይወጸ ብትኹረት ከቕልበሉ ይግበኣካ። ምእንቲ ዲሞክራስን ምዕሩይ ምምሕዳርን እናተቓለስካ፡ ነቲ ብቃልስኻ ናይ መወዳእታ መልክዕ ዘትሓዝካዮ መዝገብ ልኡላውነት ሃገርካን ከም ህዝቢ ክብርኻን ሎሚ’ውን ኣጀንዳ ኮይኑ ምቕራቡ፡ እቲ ቃልሲ ክሳብ ክንደይ በዓል ብዙሕ ገጻት ምዃኑ የመልክት።

ስለዚ እቲ ኣብ ቅድመኻ ዘሎ መዋጽኦ ከምቲ ክሳብ ሎሚ፡ ቅድም ንህግደፍ ኣሚንካ ደሓር ድማ ብኣኡ ተጓዕጺጽካ፡ ካብቲ ቀንዲ ወኒንካ ተጓኒኻ ዝጸናሕካዮ ኣይኮነን እሞ ደጊም “ጉዳየይ ባዕለይ ኣለኹዎ”  ዝብል ድምጽኻ ከተስምዕ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ካልእ ዘይዓመልካ  ግደታኻ’ዩ።

ኣብ ቅድሜኻ ዝጸንሐን ዘሎን ብደሆታት፡ ምእንቲ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ልምዓት፡ ሰላምን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ምቅላስ ጥራይ ኣይኮነን። ህግደፍ ብዘይ ኣፍልጦኻ፡ ንረብሓኻ ኣብ ዘይኮነን፡ ተሓታትነት ኣብ ዘየብሉን፡ ውግኣት እናጠበሰ ክቡር ዋጋ ክትከፍል ከገድደካ’ውን ጸኒሑ’ዩ። እዚ መሪር ህይወትካ ከም   ናይ ነዊሕ ግዜ  ዛንታ ዝንገረካ ዘይኮነ፡ ትማሊ ኣብ ትግራይ ኣትዮም ናይ ዝወደቑ ደቅኻ፡ ንቡር መርድእን ደበስን  ኣብ ዘይረኸብካሉ እዩ ዝለዓል ዘሎ። እዚ ጾር’ዚ ሕጂ እውን ካብ ርእስኻ ዘይወረደ ሓደጋ እምበር፡ ሓሊፉ ኢልካ እተዘንትዎ ኣይኮነን። ስለዚ እዩ ከኣ፡ “ደጊምስ ይኣክል ብነሓፍነት ኣብቲ ዋኒነይ ጓና ምዃን ይኣኽለኒ” ክትብል ዘይስገር ሓላፍነትካ ኮይኑ ቀሪቡ ዘሎ። ሎሚ እውን ንንዕቀት ህግደፍ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ “ከንፈረይ ረምጢጠን ርእሰይ ነቕኒቐን ክትሓልፎ እየ” እንተ ኢልካ ግና፡ ከምቲ፡ “ቀዳማይ ስሕታን ካለኣይ ዕብዳን” ዝበሃል ካብ  ህግደፍ  ንላዕሊ ንገዛእ ርእስኻ እትሓተሉ ክኸውን እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ከምቲ “ከልቢ ብዝኸፈቶ ዝብኢ ይኣቱ” ዝበሃል፡ ህግደፍን ሰዓብቱን “ተደሚርና ኢና” እናጨርሑ፡ ብዝጀመርዎ ዘይሓላፍነታዊ ጽላለ፡ ኣንጻር ልኡላውነት ሃገርካ፡  ክብርኻን ሓርበኛዊ ተሪኽካን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሃላሊ ዳንኬራ ክውቃዕ ትሰምዖን ትዕዘቦን ኣለኻ። እቲ ዘገርም ከኣ እቶም ኣንጻር ልኡላውነትካ ዳንኪራ ዝወቕዑ፡ “ምስ ጉጅለ ህግደፍ እምበር፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ጸገም የብልናን” እናበሉ ክሽሕጡኻ ዝስምዑ ምዃኖም እዩ። ነዞም ኮሓሎ መሲሎም መንቋሮ፡ “ነዓይ ንኣንጭዋስ ኣብ ሎቖታ” ካብ ምባሎምን ነቲ ፍሩይ ሓቂ ካብ ምንጋርምን ሓሊፍካ፡ ኣብ ቆይቊ ክትኣቱ ዘድልየካ ኣይኮነን። ካብ ልኡላውነትካ ደፊሮም “ሃገር ኣልቦ” ክገብሩኻ ምፍካርን ታሪኽ ምግልባጥን ሓሊፎም እንታይ ስለ ዘይደገሙ እዮም “ምሳኻ ጸገም የብልናን” እናበሉ ክሰብኩኻ  ዝፍትኑ እንድዒ።

ህግደፍ ከምቲ ልማዱ፡ ካብቲ ጨቋንን ኣግላልን ባህሪኡ ስለ ዘይወጽእ፡ ሎሚ እውን ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ኣብቲ ዋኒንካ፡ ልሳንካ ተለጒሙ ኢደ-እግርኻ ኣጣሚርካ ተዓዛባይ ኮይንካ ደቕኻ ክትግብር ጥራይ እዩ ዝደልየካ። ኣብዚ ንከታተሎ  ዘለና ንብዙሓት ዘሻቕል ምትፍናን ዞባና፡ ብመንጽር ንልኡላውነት ሃገርና ዝምልከት ታሪኽ፡ ፖለቲካ ኮነ ዓለም ለኻዊ ውዕላትን ቻርተራትን እቲ ሓቂ ምሳኻ ምስ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ዘሎ። ነቲ ኩነታት ብኣተኩሮን ኣፍልጦን ምእንቲ ክትከታተሎ፡ ካብ ህግደፍ ናይ ሓሳብ ዕጥቂ ክትሰንቕ እትጽበዮ ኣይኮነን። ዝተወሰኑ ሓለፍቲ እቲ ጉጅለ፡ ኣይኮነንዶ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኣብ ዘየብላ ኤርትራ፡ ኣብቲ ዝማዕበለ ዓለም እውን ናብ ሓፋሽ ህዝቢ ናይ ምብጻሕ ጸቢብ ዕድል ብዘለዎ ማሕበራዊ መዲያ ክጥቀሙ ምዕዛብ፡ ክሳብ ክንደይ ህዝቢ ኣብቲ ወሰኒ እዋናዊ ዋኒኑ ጓና ክኸውን ከም ዝደልዩ ዘርኢ እዩ። እቲ ዝያዳ ዘተዓዛዝብ ከኣ፡ ኣብቲ በሊሕ ወተሃደራዊ ረጽሚ እንተተበጺሑ፡ እቲ ክቡር ዋጋ ዘኸፍል ንስኻ እቲ ከጓንዩኻ ዝደልዩ ህዝቢ ምዃኑ’ዩ።

ኣብዚ ብጃህራን ፈኸራን ዝተዓብለኸ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ድሮ-ኲናት ዝመስል ጽዑቕ ፕሮፖጋንዳ ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ፡ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣብ መትከል ናይ ሃገራትን ህዝበንን ሰላምን ምርግጋእን ዝኣምኑን ዓመጽ ዘውግዙን ወገናት’ውን ሻቕሎት ሓዲርዎም በብኹርናዑ ድምጾም የስምዑ’ለዉ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብሪጣንያዊ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብ ዘጠንቀቐሉ፡  “ብሪጣንያ  ግዝኣታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝህድድ ዓመጸኛ ተግባርን  ኣቀራርባን ኣይትድግፍን’ያ” ዝብል ተሪር መልእኽቲ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምትሕልላፉ ናይዚ መርኣያ እዩ። እዚ ብኣሜሪካዊ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ’ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተደጊሙ።

 ህዝቢ ኤርትራ ንከምዚ ዝኣመሰለ ስምዕታ ደለይቲ ሰላምን ተጣበቕቲ ልኡላውነትን፡ ዝያዳ  እንተዘይኣራጒድካዮ “ጠሓኒትሲ ሓጋዚታ እንተረኣየት መዲዳ ትሓብእ” ከም ዘብለካ ኣስተውዕል። ስለዚ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ስቕታኻ ግዳይ  ሕሰም ዝኾንካዮ ንምውጻእ ብስሙር ድምጽኻ “ኣብቲ ዋኒነይ፡ ኣነ እየ ባዕለይ” ዝብል ደሃይካ ከተስምዕ ናይ ግድን ኣብ ዝኾነሉ  ወሳኒ መድረኽ ምህላውካ ኣብ ርእሲቲ ዘለካ ግንዛበ ነዘኻኽረካ። ህግደፍ ግና ስልጣኑ ካብ ምክልኻል ሓሊፉ፡ መድሕን ኣይክኾነካን’ዩ።

“ርእዮም ከም ዘይረኣዩ፡ ሰሚዖም ከምዘይሰምዑ” ኮይኖም፡ ድሌትን ፈኸራን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣለሳሊሶም ብምቕራብ፡ ከዘንግዑኻ ንዝፍትኑ እዝኒ ከይትህቦም፡ ግደታኻ እምበር ሓደራ ዘድልዮ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ዋናታቱ ባዕላቶም እሞ ደጋጊሞም ኣብ ኣደባባያት፡  ንምርድኡ ብዘየጸግም ኣቀራርባ፡  “ዕረ ይጥዓምኩም መዓር ናይ ቀደም ወደብናን ኣፍደገ ባሕርናን ከነምልስ ኢና” እዮም ዝብሉ ዘለዉ። ነዚ ዓመጸኛ ድፍረቶም፡ ሕጋውን ልኡላውን ካርታ ኤርትራ ጨራሪምካ ብምቕራብ ከሰንይዎ ጀሚሮም ከም ዘለዉ’ውን ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ ኣሎ።

ናብቶም ኣብ ሰነዳቶም ብዛዕባ ልኡላውነትን ነጻነትን ሃገራት ዓንቀጻት ኣስፊሮም ናይ ምትግባሩ ሓላፍነት ዘለዎም ዞባውን ኣህጉራውን ትካላት ስምዕታ ምቕራብ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ካብ ዘለዉ ዕማማት ሓደ ምዃኑ ኣይትዘንግዕ። ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ተግባሩን ሓላፍነቱን  ዘነጽረሉ ቻርተር ዓቀጽ 3 ንኡሳን ዓንቀጻት 1ይን 2ይን፡  “1. ኣብ መንጎ ሕድሕድ ሃገራትን ህዝብን ኣፍሪቃ፡ ሓድነትን ምትሕግጋዝን ምውሓስ፡ 2. ናይ ኣባል ሃገራቱ፡ ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ነጻነትን ምክልኻል” ዝብሉ ሓሳባት ኣስፊሩ’ሎ። ስለዚ ቃሉን ግብሩን ሓደ ክኸውንን ሃለልቲ ንከእድብን ምጽውዑ የገድስ።

Last modified on Monday, 06 October 2025 14:04