መራሕቲ ብርጌድ ንሓመዱ ንክፍትሑ ንጽውዕ:
2025-10-28 13:28:15 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 65 timesዮናስ መብራህትም፡ ሃብቶም ገ/ጻድቕ፡ ዘርኢሰናይ መለስ (ካብ ማሕበራዊ መዲያ ዝተወስደ)
መራሕቲ ብርጌድ ንሓመዱ ጨንፈር ኢትዮጵያ፡ ብ17 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣካላት ጸጥታ ናይታ ሃገር ከም ዝተኣሰሩ፡ ብማዕከናት ዜና ክቃላሕ ቀንዩ። እዞም ዘርእሰናይ መለስ፡ ዮናስ መብራህቶምን ሃብቶም ገብረጽድቕን ዝተባህሉ መንእሰያት፡ ንዝሓለፈ 10 መዓልታት ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዘይቀረቡ እውን ተሓቢሩ።
ብዛዕባ ዝተኣስርሉ ምኽንያት ብዝተፈላለያ መድያታት’ኳ ዝተፈላለዩ ጉዳያት እንተተንጸባረቑ፡ በቶም ዝኣሰርዎም ኣካላት ግን፡ ብወገዒ ዝተገልጸ የለን። እዞም ወግዓዊ መንበሪ ፈቓድ ከም ዘለዎም ዝተገልጸ ተቓለስቲ መንእሰያት፡ ከምቲ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘቕርብዎ ዘለዉ መጸዋዕታ፡ ቅድም ኣብቲ ተታሒዘምሉ ዘለዉ ቦታ ኩሉ መሰላቶም ክሕሎን ኣብ ሓጺር ግዜ ፍትሒ ንክረኽቡን ብቐጥታ ንዝምልከቶም ኣካላት ንምሕጸን።
ምስዚ ብዝተተሓሕዘ ብዛዕባዞም ተኣሲሮም ዘለዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኢትዮጵያ ብደረጃ ስደተኛ ኮነ ብኻልእ መልክዕ ዝነብሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ግዳይ ማእሰርትን ኣገዲድካ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ምምላስን ክኾንዎ ዝጸንሑ ጠጠው ክብል እውን ነተሓሳስብ።
ብዘይካዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ኣካይደኦም ጥንቑቕን ሕግታት ናይታ ሃገርን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ዘኽብርን ክኸውን፡ ከምኡ ድማ ኣብ ሕድሕዶም ኣብ ክንዲ ምጥቕቓዕ ኣብ ስኒትን ምትሕልላይን ዝተመስረተ ርክባት ንኽህልዎምን ኣጥቢቕና ነዘኻኽር።
ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመልሰትን ኢትዮጵያን ካለኦት ዝምልከቶም ሰብኣዊ ኣካላት ኣብ ኢትዮጵያን ከኣ ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግቡእ ኣቓልቦ ክህብዎ ንጽወዖም።