ሓባራዊ መድረኽ

2025-03-30 08:18:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 69 times

ዝምድና: ፖለቲኮ ወተሃደርዊ፣ ማሕበረ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ጠባያት ዘለዎ ፣ ካብ ሓደ ንላዕሊ ዝኾኑ ኣካላት ዝፈጥርዎ ምትእስሳር እዩ። ነዚ ዝምድና ንክፈጥሩ ካብ ዘገድድዎም ምኽንያታት እቲ ቀንዲ በዚ ናይ ሓባር መድረኽ ኣቢሎም ከዐውትዎ ዝደልዩ ናይ ሓባር ዕላማ  ስለዘለዎም እዩ። ተዛመድቲ ኣካላት ነቲ ዝፍጠር ዝምድና ዝደልይሉ ካልእ ምኽንያት ከኣ ነቲ በበይኖም ኮይኖም ከረጋግጽዎ ወይ ክፈጥርዎ  ዘይከኣሉ ዕማም ንምዕዋት ዘኽእል ዓቕሚ ምድላብ እዩ። ዝምድና ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ዕዉት ንክኸውን ክማልእሉ ካብ ዘለዎም ነጥብታት ድማ፡ ቀጻልነት ከም ዝህልዎ ምግባሩ እዩ።

ናይቲ ዝምድና ቀንዲ ቆላሕታ ብጐናዊ ምዕባለታት ከይተዳህለልካ፡ እቲ እተማዕድዎ ናይ ሓባር ዕላማ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ኣብዚ መስርሕ ክረአ ካብ ዘይብሉ ድማ፡ ምስ ሓደ ክትዛመድ እንከለኻ ምስ ካልእ ናይቲ ሎሚ ትፈጥሮ ዘለኻ ዝምድና ኣካል ዘይኮነ፡ ኣብ መጻኢ ግና ኣብ መስርሕ  ዘድልየካ ወገን ብዓይኒ ጽልኢ ዘይምርኣዩ እዩ። እዚ ማለት ማእከልካ ስሒትካ ናይ “ጸላኢ ጸላእየይ ፈታውየይ” ብሂል ግዙእ ዘይምዃን። እዚ ኣካይዳ ኣብ ክንዲ ነቲ ከተዕውቶ ዝግበኣካ ንምውዕዋት ትቃለስ፡ ናብ ምፍዳይ ሕነ ወሲዱ ስለ ዘህውትተካ‘ዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ ክትዛመዶ ዝግበኣካ ነቲ ናይ ሓባር ሸቶ ኣብ ምዕዋት ዝሕግዘካ እምበር ነቲ ሕነ ከተፋድዮ ዝጽገዓካ ክኸውን ኣይግባእን።

እቲ እንገብሮ ዝምድና ከኣ፡ ኣብ መሰረታዊ ጉዳይ ዘትከለ ክኸውን ይግበእ። ምስቲ ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት እትዛመዶ ኣካል መሰረታዊ ዘይኮነ ፍልልይ ክህልወካ ይኽእል እዩ። ስለዚ እቲ መሰረታዊ ናይ ሓባር ዕላማ በቲ መሰረታዊ ዘይኮነ ንኡስን ኣብ መስርሕ ክፍታሕ ዝኽእልን ፍልልያት ክሰዓርን ክኹለፍን ኣይግባእን።እዚ ንክዕወት ከኣ ትዕግስትን ጹረትን ምውናንየድሊ። ከምቲ ሰዲህኤ “ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ምስ ኩሉ ክህልዎም ዝኽእል  ፖለቲካዊ ፍልልያት፡ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዘቅንዐ ሓባራዊ ስርሓት ከካይዱ ከምዝኽእሉ ሰልፍና ይኣምን።“ ብዝብል ኣብ መትከላቱ ዘስፈሮ። መብዛሕትኡ ግዜ ዝምድናታት ክጅመሩ እንከለዉ ጸገማት የብሎምን። እቲ ጸገም ዝመጽእ መስርሕ ምስ ተጀመረ ንዘጋጥም ዕንቅፋታት እንዳጸረግካ ክትቅጽል ኣብ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ሕሉፍ ተመኩሮታትና ናይ ቃልሲ ድማ ነዚ እዩ ዘረደኣና። ቀንዲ መበቆል ናይዚ ጸገማት ድማ እቲ ናይ ዓቕሚ ውሱንነት ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ስስዕቲ ስለዝዕብልሎ ድማ እዩ። ኣብቲ መስርሕ እቲ ናትካ ሓቂ ጥራይ እንዳሰዓረ ናይ ካልኦት እንዳተነጽገ ክኸይድ ናይ ምድላይ ዝምባለ ዝወለዶ ትዕቢትን ኒሕን‘ውን ኣለዎ።

ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ክትኣቱ እንከለኻ ጥራይ ኢድካ ኣይኮነን ትመጽእ። ናትካ ርኢቶን ዓቕምን ወኒንካ ኢኻ ትኣቱ። እቲ ሒዝካዮ እትኣቱ ዓቕሚ ክወዳደር እምበር በይኑ ነቲ ናይ ሓባር ሜዳ ክዕንድረሉ ማለት ከም ዘይኮነ ምርዳእ ከኣ የድሊ። ካብዚ ሓሊፉ ክትዋሳእ ዘይኮነስ ነቲ ካልኦት ዝዋስእዎ ክትዕዘብ ጥራይ፡ ዝእቶ መድረኽ ንዓኻ ኣየርብሕን ንመዋስእትኻ’ውን ከምኡ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ውድብካ ክትዓሞ ዝግበኣካ ዕዮ ከይዓመምካ ምስ ጸገማትካ ኣብ ካልእ ናይ ሓባር መድረኽ ክትጸምድ ምፍታን እንተኾነ‘ውን ናይ ጸገም ጸገም እዩ ዝኽውን። ሓባራዊ መድረኻት ክሰፍሕን ክጸብብን ከም ዝኽእል ኣብ ተመኩሮና ርኢናዮ ኢና። ናይ ብዙሓት በብዓይነቶምን ቁጽሮም ዝተፈተኑ ውዳቤታትን ምትእስሳርን ንኹልና ልሙዳት ሓረጋት እዮም ነይሮም። ኣጀማምረኦምን ኣወዳድእኦምን ከመይ ነይሩ ካልእ ኮይኑ፡ እንተዝሕይሉን እንተዝቕጽሉን እውን፡ በበይኖም ነቲ ኩልና ብሓባር ክንፈጥሮ ዝግበናን ንጽዕተሉ ዘለናን ሰፊሕ ጽላል ወይ መድረኽ ዝትክኡ ኣይነበሩን ኣይኮኑን‘ውን። ክሳብ ነዚ ንብሎ ዘለና ሰፊሕ ጽላል ዘይተጻብኡ ምህላወም ግና ዝንጸግ ኣይኮነን። ዕላምኦም ግና ብኸመይ ተኣኪብና ንመወዳድርትና ነጥቅዕን ንነጽግን ዘይኮነስ ብኸመይ ተኣኪብና ነቲ ህዝብን ሃገርን ዘማስን ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ንቕይርን ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ንትክእን  ክኸውን ይግበኦ።

Last modified on Sunday, 30 March 2025 10:22