ህዝቢ ትግራይ ንፕረሲደንትነት ግ/ም ሕጹይ ክረቁሕ ተጸዊዑ
2025-03-26 22:26:06 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 95 timesቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ህዝቢ ትግራይ ንፕረሲደንትነት ግዝያዊ ምምሕዳር ናይቲ ክልል “ብቑዓት እዮም” ዝብሎም ሕጹያት ንክረቁሕ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻኡ (This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.) ብምሕባር ብ26 መጋቢት 2025 መጸዋዕታ ከም ዘቕርበ ዝተፈላለያ መዲያታት ኢትዮጵያ ገሊጸን። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብቲ መጸዋዕታኡ እቲ ዝርቋሕ “ስረሓት ግዝያዊ ምምሕዳር ብብቕዓት ዘተግብር ክኸውን ይግበኦ” ከም ዝበለ ከኣ ተጠቒሱ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ፡ ብናይ ግሉ ማሕበራዊ መራኸቢ ብቋንቋ ትግርኛ ክኸውን እንከሎ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክምስረት እንከሎ፡ ዝተዋህቦ ግዜ 2ተ ዓመታት ምንባሩ ጠቒሱ ኣድላይ እንተኾይኑ ንክናዋሕ ዝፈቅድ እዩ ነይሩ ክብል ኣስፊሩ። ብዛዕባ እቲ መጸዋዕታኡ ከብርህ እንከሎ ብመሰረት፡ ዓንቀጽ 62/9 ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብኣዋጅ 359/1995 ቁጽሪ 15(3) ዝጸደቐ እዩ። እዚ ኣዋጅ ኣብ ሓደ ክልል ሕገመንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ እንተወዲቑ ፈደራኣልዊ መንግስቲ፡ ነቲ ዝጸንሐ ናይቲ ክልል ቤት ምኽርን ላዕለዋይ ፈጻሚ ኣካልን ኣጊዱ፡ ተጸዋዕነቱ ናብ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምምስራት ዘኽእሎ እዩ።
ብመሰረት መጸዋዕታ ኣብይ ኣሕመድ፡ በዚ ኣገባብ ዝቐውም ግዝያዊ ምምሕዳር ዕድመኡ ካብ 2 ዓመታት ከምዘይነውሕ ብምጥቃስ፡ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኣድላይነቱ መዚኑ ን6 ኣዋርሕ ጥራይ ከናውሖ ከም ዝኽእል ኣብቲ ኣዋጅ ዝተመልከተ ምዃኑ ሓቢሩ። ነዚ ናይ 1995 ኣዋጅን ስምምዕ ፕሪቶርያን መሰረት ብምግባር፡ 9 መጋቢት ብ2015 ብዝወጸ ኣውጅ 533/2015 ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዝተመስረተ ድማ ተጠቒሱ። ናይቲ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቖመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቀንዲ ተልእኮ “ቀጻሊ ምርጫ ምድላው” ከም ዝነበረ እውን ሓቢሩ።
ስለዚ እቲ ቀንዲ ዕማም ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረ ስለ ዘይተተግበረ፡ ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ሓድሽ መምርሒ ኣውጺእካ ንቀጻሊ ሓደ ዓመት ዝመርሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ምምስራት፡ ናይ ግድን ከም ዝኾነ ኣብቲ ሕጹያት ናይ ምርቋሕ መጸዋዕታኡ ጠቒሱ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምንዋሕ ዕድመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝምልከት ኣብ ናይ ፓርላማ ኣኼባ እውን ገሊጽዎ ነይሩ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ መሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ፕረሲደንት ትግራይ ንምምራጽ ይኽትሎ ንዘሎ ኣገባብ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡሎ።