ኣቓልቦ ዘድልዮ ስቓይ ኤርትራውያን ኣብ ሊቢያ

2025-03-23 18:57:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 109 times

እዚ ምስሊ ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተወስደ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብዙሕ ዘይተዘርበሉ፡ ኣብ ውሱን ከባቢ ጥራይ ኣጀንዳ ኮይኑ ዝጸንሐ ስቓይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሊቢያ ፍሉይ ቆላሕታ ከም ዘድልዮ ዝተፈላለዩ ኣካላት ይገልጹ ኣለዉ። ነዚ ዛዕባ ብዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ ዘውጽኡ ኣካላት ሓደ ዝኾነ “ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን” ነቲ ኩነታት፡ “ነፊጾም ከይዶም ሃገር ኣልቦ ዝኾኑ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዓብይ ሓደጋ ወዲቖም ኣለዉ” ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ስደት ኣብ ኤርትራ ጌና ኣየብቀዐን” ኢሉ፡ ኤርትራውያን ከም መንግስቲ ተገዲሱ ዝሕለቐሎም  የለን ኢሉ “እቶም በዚ ተረኽቦ እንግደስ እቶም ብጉዳይ ህዝቢ እንሓምም ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኣካላት ኢና” ክብል መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።

ፖለቲካ ሊቢያ፡  ካብ 2020 ጀሚሩ ዝያዳ ክበላሾ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ከም ውጽኢቱ ቀንዲ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ ሊቢያ’ኳ እንተኾነ፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እውን ብመንገዲ ሊቢያ ናብ ኤውሮጳ ንምስገር እትምረጽ ሃገር ብምዃና ክሳብ ሎሚ ኣደዳ ኩሉ ዓይነት ሰብኣዊ ግህሰታትን ዓመጻትን ምዃኖም ጌና ቀጻሊ ዘሎ እዩ። ኣብዚ ነቶም መንግስቲ ህግደፍ ዝኸሓዶም ጽጉማት ክንገብረሎ ካብ እንኽእሎ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣህጉራዊ ሰብኣዊ  ትካላት ከይሰልከያ ክሕግዘሎምን ክጣበቓሎምን ብቐጻሊ መጸዋዕታ ምቕራብ እዩ። እቶም ግዳያት ዘስምዕዎ ዘለዉ ኣውያትን መጸዋዕታን እውን ነዚ እዩ።

ስደት መፍትሒ ከምዘይከውን ተደጋጊሙ ዝተገልጸ’ኳ እንተኾነ፡  ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ናብ ስደት ዝደፍእ ምዃኑ ግና ዝከሓድ ኣይኮነን። ስለዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስደት ዝገብርዎ ጉዕዞ ውሑስ ምዃኑ ከረጋግጹ ቅድሚ ሕጂ’ውን ተደጋጊሙ ዝተገለጸኳ እንተኾነ፡ ሎሚ እውን ክንደግሞ ንግደድ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ  ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሊቢያ ይሳቐዩ ንዘለዉ  ኤርትራውያን ስደተኛታት በብዘለና ተኽእሎ ምሕጽንታኦም ከነቃለሓሎም ከም ዝግባእ  ነዘኻኽር።

Last modified on Sunday, 23 March 2025 20:02