“ ፖለቲካዊ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ጉዕዞና ከመይ ይመስል ብሓፈሻ ”
2025-03-30 08:22:09 Written by ክፍላይ ተኪአ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 97 timesዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡ “ፖለቲካዊ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ጉዕዞና ከመይ ይመስል ብሓፈሻ“ ኢለ ሓሳባተይ ክገልጽ እንከለኹ፡ ብመጠኑ ሕልናዊ ዕረፍቲ ይህበኒ። ከምዚ ክብል እንከለኹ፡ ኣነ ሰብ እየ ሓሙሽተ ህዋሳት ዘሎኒ ኤርትራዊ ኮይነ፡ ንኩነታተይን ኩነታት ህዝበይን ሃገረይን ክርእን ክዕዘብን ኣእሙሮይ ይድርኸኒ። ስለዚ ንኩነታትና ክገልጽ ሓላፍነት ኣሎኒ። ኣነ ጥራይ ዘይኮንኩስ ኩሉ ኤርትራዊ/ት እውን ክሓትትን ክምልስን ሓላፍነት ኣለዎ። ኣንታ ክቡር ኤርትራዊ፡ ህዝብን ሃገርን ልኡላውነትን ንስኻ ኢኻ። ስለዚ እዚ ጠቒሰዮ ዘለኹ “ፖለቲካዊ ማሕበራዊ ቁጠባዊ” ዝብል ሓረግ ናይ ሂወት መጓዕዝትኻን መነባብሮኻን ኮይኑ፡ እቲ እንኮ ዘማእክልን ሓቛፍን ንደቂ ሰባትን ህዝብን ሃገርን ቅዋማዊ ሕግና ጥራሕ እዩ።
ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡ እዚ ክብል እንከለኹ ኣብዚ 34 ዓመት ኣብ ጉዕዞ ፖለቲካና፡ ማሕበራዊና፡ ቁጠባናን ክብሪ መሰልናን ዋላ ሓንቲ ለውጢ ዘየብሉ እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ዝገደደ ምዃኑ ምስክር ዘየድልዮ እዩ። መነባብሮ ህዝብና ባዕሉ እቲ ቀንድን ሓቀኛን ዝኾነ ህያው ምስክር እዩ።
ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡ ከም ሰብ ከም ኤርትራዊ ክሓስብ እንከለኹ ስለምንታይ ኣብዚ ደረጃ ከም ዝበጻሕና ብዙሕ የተሓሳስበንን የስቆርቁረንን። ኣብዚ ሓደ ርኡይ ሓቂ ኣሎ፡ ሓደ ህዝቢ ኣብ ዝኾነ ፖአለቲካውን፡ ማሕበራውን፡ ቁጠባውን ጉዳይ ሃገሩን ገዝኡን ዘይዋሳእ እንተኾይኑ ሰብየ ምባል’ውን ከጸግሞ’ዩ ዝብል መልሲ’ዩ ዘሎኒ።
ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡ ኣነ ኣብዚ ሓፈሻዊ ጽሑፈይ ሓሳባተይ ከቕርብ እንከለኹ፡ ንሕና ኤርትራውያን እኹል-ትሩፍ ዝተፈላለየ ጸጋታት እንከሎና ከመይ ጌሩ ንዓሰርተታት ዓመታት ትሑት መነባብሮ ይህልወና እናበልኩ ከም ሰብ ከም ሓሳብ ኣቕራቢ ኣዝዩ የተሓሳስበኒ።
ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት፡ ወናኒ ፖለቲካኻን ማሕበራዊ ሂወትካን ቁጠባዊ ዕቤትካን ንስኻ ኢኻ። ሓታትን መላስን ድማ ንስኻ ኢኻ።
ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ መንእሰይ ወሎዶ ንፍትሕን ሃገርን ደው ኢሉ ይኣክል ይብል ኣሎ። ስለዚ ዓቢና ንእሽቶና ለባም ምሁር ተመራማሪ ምእመናን ክርስትያንን ሙስሊምን ኣቦን ኣደን ብሓባር እሂን-ምሂን ክንበሃሃል መድረኽ ይጠልበና ኣሎ። ሃገር ብህልኽ ኣይትመሓደርን እያ። ምስ መን ኢኻ ትተሃላለኽ ዘሎኻ። ጽባሕ ንግሆ ደቅኻ ብታሪኽ ከይከሱኻ ተሓታቲ ከይትኸውን ሕሰብ ኤርትራዊ።
ቅዋማዊ ሕግና ጉዕዞ መሰረት ሂወትና!
ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ
ሰላም ንህዝቢ ዓለም
ብክፍላይ ተኪአ
ጀርመን