ነጋሪት ውግእ ምድሳቕ፡ ንረብሓ መን?
2025-03-25 09:04:16 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 61 timesኣብዚ እዋን ኣብ ዞባና ኮነ ዓለምና ገኒኖም ካብ ዘለዉ ርሱናት ፖለቲካዊ ዛዕባታት፡ “ኢትዮጵያ ብእተልዕሎ ዘላ ናይ ዋንነት ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ምስምስ፡ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ ክላዓል ድዩ ኣይክላዓልን? ዝብል ሕቶ ቅድሚት ዝስራዕ ዘሎ እዩ። ናይዚ ሕቶ መልሲ ምስ ናይቶም መልሲ ዝህቡ ኣተሓሳባን ድሌትን ስለ ዝተሓሓዝ፡ ዝተፈላለየ ከም ዝኸውን ዘማትእ ኣይኮነን።
ገለ ወገናት “ምብርዑ ዘይተርፍን ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ውግእ ከኸውን እዩ” ክብሉ ከለዉ፡ ካለኦት ድማ “እቶም ዝፈኻከሩ ዘለዉ መንግስታት ካብቲ ወጢሩ ሒዝዎም ዘሎ ዘቤታዊ ዛዕባታቶም ንምህዳም ዝምህዝዎ ዘለዉ እምበር፡ ውሽጣዊ ኩነታቶም ውግእ ዝጸውር ኣይኮነን” ዝብል ምላሽ ኣለዎም። እቲ ካልእ ዘገርም ካብ መራሕቲ ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያ “እወ ውግእ ክካየድ እዩ፡ ወይ ኣይካየድን’ዩ” ዝብል መልሲ ዝጽበዩ እሞ ንዓኡ ከም ሓቂ ክወስዱ ሃንቀው ዝብሉ የወሃት ምህላዎም እዩ።
እቲ ከይመጽእ ዝስጋእ ውግእ፡ ዝያዳ ኣዛራቢ ካብ ዝኾነሉ ምኽንያታት፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብተኸታታሊ ውግኣት ክማስኑ ዝጸንሑ ምዃኖም እዩ። ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ን30 ዓመታት ዘካየዶ ፍትሓዊ ውግእ ዝሓደሮ ዝተፈላለዩ መልከዓት ዘለዉዎ ስንብራት ከይሓወየን ጻማ ቃልሱ ከይረኸበን፡ ኣብ ናይ ድሕሪ ነጻነት ዓመታት’ውን ብዝተፈላለዩ ህዝባዊ ኣፍልጦን ረብሓን ዘየብሎም ውግኣት ክሕመስ ዝጸንሐ ስለ ዝኾነ፡ ናብ ገዛእ ርእሱን ናብ ጎረባብቲ ህዝብታትን ውግእ ከይመጽእ ክሰግኡ እትጽበዮ እዩ። መንቀሊ ናይቲ ድሕሪ ነጻነት ዝተኻየደ ውግኣት፡ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ምምላስ መሰረታዊ ዲሞክራሲያዊ ሕቶ ህዝቢ ብምህዳም፡ ህዝቢ ናብ ደገደገ ከም ዘማዓዱ ንምድራኹን ንምስንባዱን ዝዓለመ ከም ዝነበረ ተደጋጊሙ ዝተገልጸ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክወርድ ዝጸንሐ፡ ናይ ውግእ ስንብራት፡ ካብቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብኣርባዕቲኡ ማእዝናት ናይታ ሃገር ይካየድ ብዘሎ ውግኣትን ሳዕቤናቱን ብኣዝዩ ዘተሓሳስብ ቁጠባዊ ቅልውላውን ዝሳቐን መፍትሒ ክረክብ ናብ መንግስቲ ዝጠርዕ ዘሎን ህዝቢ እዩ። ብመንጽር’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ብዝኾነ መንገዲ ወነንቲ ባሕርን ወደብን ክንከውን ኢና” ብዝብል ዝድስቖ ዘሎ ነጋት ብመንጽር’ቲ ከቢብዎ ዘሎ ወጥሪ ቀዳምነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዘይከውን ርዱእ እዩ። ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ መንገዲ ምሓዙ፡ “ኮንደኾን እቲ ዘለቕለቕ ዝብል ዘሎ ሓድነት ህዝቢ ኢትዮጵያ በዚ ይጽገን ይኸውን” ካብ ዝብል ከም ዝነቅል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። ምስዚ ግና “የለን ዝመጸ እንተመጸ ውግእ ካብ ምኽፋት ንድሕሪት ዝብል ኣይኮነን” እቲ ፈኸራ ከኣ ኪኖ መህደሚ እዩ ዝብሉ’ውን ኣለዉ።
እዚ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሕድሕዶም ዝካሰስሉን ናብ ሕብረተሰብ ዓለም ናይ “ተደፊረ” ጥርዓን ዘቕብሉ ዘለዉን ውግእ እንተተባሪዑ፡ “መን ምስ መን ክስለፍ እዩ? ዝብል ሕቶ ኣዛራብን ናይ ብዙሓት ግምት ዝወሃበሉ ዘሎን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ዝካየድ ውግእ ቀልጢፉ ዝሰፍሕ እምበር፡ ኣብቶም ጀመርቱ ተደሪቱ ዝተርፍ ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ። በዚ መሰረት ናይዚ ሕቶ መልሲ ተሃዋሲ እዩ። ምኽንያቱ ብናይቶም ተሰለፍቲ ሓይልታት ኩለ-መደያዊ ረብሓን ሕሳብን ዝውሰን ኣዝዩ ቅልጡፍ ምቅይያር ዘርኢ ስለ ዝኸውን።
ብዛዕባዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይባራዕ ዘስግእን ብዙሕ ዝዝረበሉ ዘሎን ውግእ፡ ካብ ክልቲአን ሃገራትን ዞባን ሓሊፉ፡ ብደረጃ ዓለም እውን ብዙሓት ብዛዕባ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ቅርኒ ኣፍሪቃን ኣፍልጦን ተመኩሮን ኣለና ዝብሉ ወገናት፡ ዝጽሕፍሉን ዝዛረብሉን ኮይኑ ኣሎ። ኣብቲ ዝጸሓፍ ኮነ ዝዝረብ ከይተላዕለ ዘይሓልፍ ከኣ፡ ኣብ ርእሲቲ ኩለ-መዳያዊ ህልዊ ዓቕሚ ናይዘን ክልተ ሃገራት፡ “መን ንመን ኣብ ጐኑ ከሰልፋ ይኽእላ?” ዝብል እዩ።
ኤርትራ ምናልባት፡ ንግብጺ፡ ንሳዑድ ዓረብን ብጀነራል ኣልቡርሃን ንእትምራሕ ሱዳንን ከተሰልፍ ተኽእሎ ከም ዘሎ፡ ዘመልክቱ ኣለዉ። ኢትዮጵያ ድማ ብሕቡራት ዓረብ ኢመራት፡ ብጀነራል ኣሕመድ ደጋሎ ዝምራሕ ወገን ሱዳንን ክትድገፍ እያ ዝብል ግምት’ውን ኣሎ። ከምኡ ንምግማት ዘኽእሉ ምልክታት እውን ኣለዉ። እቲ ኣሰላልፋ ብጐረቤትን ዞባን ጥራይ ዝውሰን ዘይኮነ፡ ኣርሒቑ ዝኸይድ ከምዝኸውን’ውን ዝሳሓት ኣይኮንን። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሓይሊ ባሕሪ ሩሲያ ምስ “ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ” ኣብ ስልጠናን ምህናጽ ዓቕሚ ሰብን ዝተፈራረሞ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ነዚ ዘመልክት እዩ። ድምጸን ዘየስምዓ ነቲ ኩነታት ብጽሞና ዝዕዘበኦ ዘለዋ ሃገራት ከኣ ብዙሓት እየን።
እቲ ካልእ ኣብ ኣሰላልፋ ከይተጠቕሰ ዘይሓልፍ፡ እቲ ኣብ ቀረባና ዝርከብ ሓይሊ ትግራይ እዩ። ብናይ ብዙሓት ሚዛን ነቲ ኣብታ ክልል ዘሎ ፖለቲካዊ ምክፍፋልን ዘይምትግባር ውዕል ፕሪቶርያን ተኸቲሉ፡ ተጋሩ ፖለቲከኛታት ሰልፎም ብሓባር ምስ ሓዲኦም መንግስታት ከምዘይከውን ዘመላኽቱ ተርእዮታት ኣለዉ። ብኣንጻሩ “እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ናይ እገለ ደጋፊ እዩ” ተበሃሂሎም ዝካሰስሉ ዘለዉ ኩነታት እዩ። ክልቲኦም መንግስታት ብወገኖም፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልያትን፡ ናይ ፋኖን ኦነግን ህልዊ ኩነታትን መዝሚዞም፡ ኣብዚ ኣሰላልፋ ልዕልና ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ዝብልሉ ዘለዉ እዩ።
መንግስታት ኣይኮነንዶ ክንዲ ውግእ ዝኣክል ህይወትን ንብረትን ዝህሙኽን ኣብ ስልጣን ምቕጻሎምን ዘይምቕጻሎምን ዝውስን መደብ፡ ካልእ ንኡስ ተልእኮ ንምትግባር እውን ናብ ህዝቢ እዮም ዝመጹ። ኣብ ሽዑ በጺሖም ከኣ ነቲ ውግእ ኣብ ዘየብሉ ኩነታት፡ ነቲ “ኣበይ ኣለኻ?” ኢለምዎ ዘይፈልጡ ህዝቢ፡ “መን ከማኻ፡ ዓወትና ብኣኻ እዩ ዝውሰን፡ ናይቲ ውጽኢቱ ተጠቃሚ ከኣ ንስኻ ኢኻ” ክብልዎ ምስማዕ ዝተለምደ እዩ። ህግደፍ ግና ነዚ ህዝቢ ብምርዳእ ዘይኮነ፡ ብሓይልን ኣጓጣጥን ናይ ምትግባሩ ተመኩሮ ዘለዎ ዓመጸኛ ጉጅለ እዩ። እቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ድሮ ውግእ ዘካይዶ ምዕልባጥ፡ ሎሚ እውን ዝቕጽሎ ዘሎ ናይ “ዓይኒ የብለይ፡ ስኒ የብለይ ክሳብ ደቂ 60 ዓመት ኣገዲድካ ምግፋፍ” ናይዚ መረጋገጺ እዩ።
ስለዚ ህዝቢ ኣብዚ ዘለናዮ ኩነታት፡ ህዝቢ ኤርትራ መንግስቲ “መሰረታዊ ሕቶይ ክምልሰለይ እምበር፡ ካብ ዘቤታዊ ዛዕባይ ብምህዳም ናይ ዘሳውሮ ውግእ ግዳይ ኣይከክገብረንን’ዩ” ክብልን ክጸባጸቦን ይግበኦ። እቲ ብሰንኪ ከምዚ ዝኣመሰለ ስሙርን ተባዕን ህዝባዊ መርገጽ ዘይምሓዝ ግዳይ ክኾኖ ዝጸንሐ፡ ሕጂ’ውን እቲ መፍትሒ ኣብ ኢዱ ዘሎ እምበር፡ ካብ ህግደፍ ዝጽበዮ ከምዘይኮነ ተገንዚቡ ኣንጻር ውግእ ካብ ምዝማር ዓዲ ክውዕል የብሉን ኢና እንብል።