ኣብ “ነበረ’ያ፣ ነበረ” ምንባርን ሓደጋኡን

2025-03-18 14:20:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 232 times

ዝሓለፈ ፍጻመ፡ ናይ ህልውን መጻእን ተግባር መወከስን መንቀልን’ዩ። በዚ መሰርት ኣብ ሎሚ ኮይንካ ንዝሓለፈ ብዘይምርሳዕ፡ ንቕድሚት ምእማት ንቡር ኣካይዳ እዩ። ዝሓለፈ ዘይምርሳዕ ክባሃል ከሎ  ኣብ ሎሚ ኮይንካ ኣብ ሕሉፍ ተኣሲርካ ምንባር ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ካብቲ ዝሓለፈ እወንታን ኣሉታን ክትመሃር እሞ፡ ነቲ እወንታ ምስ ህልዊ ኩነታ ኣሰማሚዕካ ንክትወስድ፡ ነቲ ጌጋ ድማ ንዘይምድጋሙ ዘኽእል እዩ። ይሕመቕ ይጸብቕ ከይመመኻ ኣብ ሕሉፍ ጥራይ ተሽኺልካ ምንባር ግና ነቲ ቅድም ዘየዕወተ መንገዲ ከምዘለዎ ምድጋም ስለ ዝኾነ ዝምረጽ ኣካይዳ ኣይኮነን።

ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምእማት ናብ ዘየዕወተካ ኣተሓሳስባ ንድሕሪት ምጥማት ወይ ኣብ ዘለኻዮ ደው ምባል  ብውልቂ ኮነ ብእኩብ ዓጋቲ እዩ። ናይ ሕሉፍ እሱር ካብ ምዃን ንምውጻእ፡ ዝግበር ቃልሲ ክሳብ ክንደይ ዘመናዊ ኣተሓሳስባ ምኽታል ዘድልዮ፡ መስርሕ ለውጢ  ምዃኑ ኣብ ተመኩሮና ዝረኣናዮን ንሓልፎ ዘለናን እዩ። እዚ ብፍላይ ብደረጃ ፖለቲካዊ ውዳበታትን መንግስታትን ዘጋጥም ክኸውን እንከሎ፡ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ቀሊል ከምዘይኮነ ብተደጋጋሚ ኣብ ተመኩሮ ዝተራእየ  እዩ። እቲ ዝያዳ በዳሂ ዝኸውን ከኣ፡ ነቲ ዝሓለፈ  ብመንጽር ዝሓለፈሉ ኩነታት ከይመዘንካ፡ ከም’ቲ ዝነበሮ ሓጢጥካ ክድርበ እንከሎ እዩ።

ኤርትራውያን እቲ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ፡ በብመልክዑ ክካየድ ዝጸንሐ ቃልስና፡ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ክረአ እንከሎ ብዙሓት ኣይኮነንዶ ክትደግሞም ክትዝክሮም’ውን ዘጣዕሱ ኣሉታታት ከም ዝነበርዎ ዝከሓድ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ሎሚ ክንክተሎ ዝግበኣና፡ ነቲ ዝሓለፈ ዘይምዝካሩ ዘይኮነ፡ ብፍላይ ነቲ ግጉይን ግዜኡ ዝሓለፈን ጐኑ ከይድገም ምጥንቃቕ እዩ። ነቲ ብሰንኪቲ ሕሉፍ ጌጋታት ዝሓደረ ቂምን ህልኽን ንታሪኽ ገዲፍካ፡ ንቕድሚት ምምዕዳው ክሳብ ክንደይ ከቢድ ቃልሲ ዝሓትት ምዃኑ ካብ ኤርትራውያን ንላዕሊ ዝርደኦ የለን። ሓደ ካብቲ ንህግደፍ ሓዲርዎ ዘሎ ናይ “በሓትን ጠላምን ሕማም” ከኣ፡ መንቀሊኡ ኣብ ሕሉፍ ክትጸባጸብ ናይ ምንባር ድርቅና እዩ።

ኣብ ተመኩሮና፡ ኣብ ሕሉፍ ናይ ምንባር ስንክልና ንሓንሳብ ዝድይብ ንሓንሳብ ድማ ዝወርድ ኮይኑ፡ ኣብ ጉዕዞና ፈጺሙ ዘይለቅቕ ዕንቅፋት ኮይኑና’ሎ። ዝሓለፉን ዘለዉን መንግስታት ኢትዮጵያ ካብ ዝግለጽሉ ባህርያት ጉዳይ ኤርትራ ክለዓል እንከሎ ዘርእይዎ፡ ኣብ ሕሉፍ ናይ ምንባር ሕዱር ሕማም እዩ። ብሰንኪ’ዚ እዩ ከኣ፡ ፖለቲካ ኤርትራን ኢትዮጵያን እቲ ሓደ ክለዓል እንከሎ ነቲ ካልእ ከይተንከፎ ዘይሓልፍ። ኣብዚ እዋንዚ  ምምሕዳር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሕሉፍ ካብ  ምንባር ከም ዘይወጸ ዘርኢ ምልክት ንዕዘብ ኣለና።  ንሱ ድማ  ነቲ ከምዘይቅየር  ናይ መወዳእታ መልክዑ ዝሓዘ፡ ቀደም ንክልቲአን ሃገራት ዘራኽብ ዝነበረ ፋይል ንድሕሪት ክትመልስ ዝግበር ሃቐነኦም ኮይኑ ንረኽቦ። ኤርትራ ሓደ እዋን ብዘይፍትሓዊ መንገዲ፡ ብሰንኪ ዕዉርን ዓምጣርን ህርፋን ንግስነት ኢትዮጵያን ዘይፍትሓዊ ደገፍ መሻርኽቱን፣ ብዘይኣፍልጦን ድሌትን ህዝባ ኣካል ኢትዮጵያ ከም ዝነበረት ዝከሓድ ኣይኮነን።

እንተኾነ ፍትሒ ተቐቢራ ስለ ዘይትነብር፡ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን”  ኢሎም ብፍትሓዊ ኒሕ ተደሪኾም ናብ ቃልሲ ዝወፈሩ ኤርትራውያን፡ ንሃገሮም ናብ ንቡር ቦተኣ መሊሰምዋ። ኩሉ’ቲ  ቅድሚኡ ዝነበረ ዝርዝር ቃልስን ዝተኸፍለ መስዋእትን ገዲፍካ፡ ድሕሪ’ቲ ኤርትራ ብመንገዲ ረፈረንዶም ልኡላዊት ምዃና’ውን፡ ሓያሎ ምግንዛብ ዝጐደሎምን ብትምክሕቲ ዝዓወሩን ኢትዮጵያውያን፡ “ኤርትራ ካብ ኣዲኣ ኢትዮጵያ ኣይትፍለይን’ያ” ካብ ዝብል ናብ ሕሉፍ ካብ ምንቅዕራር ዘይወጹ ምንባሮም ርዱእ ኩይኑ፡ ክሳብ ሎሚ ካብቲ ደግሲ ዘይወጹ ምህላዎም ድማ የገርም። 

 ኣብ ዙርያ ኤርትራዊ ጉዳይና ብግሁድን ብስዉርን ዘመዓድዉ ዝነበሩን ዘለዉን ብዙሓት እዮም። እቲ ወሳኒ ግና እቲ ኣኽሊል ነጻነትን ልኡላውነትን ንክትሰቅል ናይ ደምን ድምጽን ዋጋ ዝኸፈለላ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ርእሲቲ ወሳኒ ግደ ህዝባ፡ ብሓፈሻ ኩሎም ነቲ ቃልሲ ዝደገፉ ወገናት፡ ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ታሪኽ መንግስታት ኢትዮጵያ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ተቐቢሉ ናይ ብዙሕ ዓመታት ናይ ሸንኮለል ታሪኽ ከም ዝክዕጾ ንዝገበረ ኢህወገድ ኣፍልጦ ምሃብ ግቡእ’ዩ።

ኢህወደግ ነቲ ታሪኻዊ ስጉምቲ ብምውሳዱ ዝተጠቕመ፡ እቲ ዋጋ ቃልሱ ዝረኸበ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ንድሕሪት እናተመለሰ ዘህልቖ ዝነበረ ህይወትን ዘብርሶ ዝነበረ ንብረትን ከድሕን ክኢሉ እዩ። ነፍስሄር ቀዳማይ ሚንሲተር መለስ ዜናዊ፡ ነቶም ግድን ኣብ ሕሉፍ እንተዘይነበርና ኢሎም ዘዕረምርሙ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊ ወገናት ኣብ ሓደ መድረኽ፡ “ኤርትራ ከምልስ ክዋጋእ ዝደሊ እንተልዩ ጻዕዳ ይጽናሕካ፣ መንግድኻ ጨርቂ ይግበረልካ ኢና እንብሎ፡ ንሕና ግና ምረት ውግእ ስለ እንፈልጥ ኣይንቕጽሎን ኢና” ዝበሎ፡ ሰማዒ እንተዝረክብ፡ ኣብ ሕሉፍ ካብ ምንባር ዘናግፍን ንቕድሚት ዘማዓዱን መልእኽቲ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ከምቲ “ኮር ተገልበጥ” ዝበሃል፡ ኤርትራ ቅድሚ ኢትዮጵያ ከም ውጽኢት መግዛእቲ ሃገራዊ መልክዕ ዝሓዘት ምዃና ዘንጊዖም፡ ነቲ ቀደም “ዶብ ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ እዩ”  ዝበሃል ዝነበረ ናይ ቅድመ-ታሪኽ  መዝሙር  ዘኳማስዑ ሎሚ’ውን ይስምዑ ምህላዎም የተዓዛዝብ።

ሎሚ ብብዙሓት ብድሌትን ህርፋንን ጥራይ ዝድፍኡ ኢትዮጵያውያን፣ ብደረጃ መንግስቲ ከይተረፈ፡ ንልኡላውነት ዝወሃብ ክብርን ኣህጉራዊ ሕግታትን ኣብ ግምት ዘየእቱ፡ “ስለ ዘድልየና ክንወስዶ ኢና”  ዝብልዎ ዘለዉ ኣጓጣጥ ክሳብ ክንደይ ኣብ ሕሉፍ ተሸኺሎም ከምዘለዉ ዘርኢ እዩ። ኤርትራን ኢትዮጵያን እዚ ሎሚ ሒዘነኦ ዘለዋ ቅርጺ ዘትሓዘን  ቻርተራት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን  ጓሲኻ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣልጀርስ ዝተዳነኻሉ ኣህጉራዊ ውዕላት ረሲዕካ፡ “ሓይሊ እንከሎ ሕጊ እንታይ ይዓብስ” ብዝመስል ትምክሕቲ፡ “ብዝኾነ መልክዕ ኣካል ማሕበረሰብ ቀይሕ ባሕሪ ክንከውን ኢና” ምባልሲ ምስ ምንታይኮን ክቑጸር እዩ።

ክከኣል ድዩ ኣይከኣልን ካልእ ኮይኑ፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ብምፍኽኻርን ምትህልላኽን፡ ልኡላውነት ኤርትራ ደንዲንካ፡ ብሓይሊ ተመኪሕካ ዶብ ክትጥሕስ ምፍታን፡ ሳዕቤኑ ንኢትዮጵያ’ውን ዘየናሕስየላ ምዃኑ ዘስተውዓሉ ኣይመስሉን። ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ፡ ብዘይካቲ ኣብ ውሽጣ ከም ቃንጥሻ ዝራባሕ ዘሎ ውግኣት፡ ብዛዕባቲ  ብሶማሊያ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳንን ሰሜን ሱዳንን እናተቖርመመ ዝውሰድ መሬታ ክለዓል እንከሎ፡ “ልኡላዊ መሬተይ ናብ ዝኸደኒ የብሉን ክምለስ’ዩ”  ክትብል እያ እትስማዕ። እዚ እዩ እምበኣር ልኡላውነትካ ክድፈር እንከሎ ከምዘይትቕበሎ፡ ኣንጻር ናይ ካለኦት ልኡላውነት ምትንሳእ’ውን ዘይቅቡልን ዋጋ ዘኽፍልን ምዃኑ ካብ ዘይምግንዛብ ዝነቅል’ዩ ዘብሎ።  

ኤርትራ ምድራዊ፡ ማያውን ሰማያውን ልኡላውነት ዘለዋ ሃገር እያ። ስለዚ ኢትዮጵያውያን ኣይኮነንዶ ክንዲ ወደባን ገማግም ባሕራን ዝኣክል ምምንዛዕሲ፡ ስድሪ ካብ መሬታ ምትንካፍ’ውን ወራር ምዃኑ ተረዲኦም ሕጂ’ውን ናብ ልቦም ክምለሱ  ይግበኦም።

 

Last modified on Tuesday, 18 March 2025 15:42