ንኤርትራውነት ብበረኪና ምሕጺብሲ እንታይ ኣምጸኦ?
2025-03-09 12:23:59 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 616 timesመበቆል ስም ኤርትራ፡ ሲኑስ ኤሪትርዩስ (Sinus Erythraeus) ዝብል፡ ናይ ግሪኽ ቃል ኮይኑ፡ ትርጉሙ ድማ ቀይሕ ባሕሪ ዝብል ምንባሩ ናይ ታሪኽ ምሁራት ይሰማምዕሉ። ኢጣልያ ካብ 1882 ክሳብ 1889 ኣብ መሬት ኤርትራ ሰላሕታዊ ጉዕዞ ከተካይድ ድሕሪ ምጽናሓ፡ ብ1890 ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓንቲ ሓዳስ ግዝኣት ከም ዝሓዘት ብወግዒ ምስ ኣወጀ። ነታ ሓዳስ ግዝኣታ ከኣ ነቲ ናይ ግሪኽ ቃል ተኸቲላ “ኤርትራ” ኢላ ሰየመታ።
በዚ ከኣ እነሆ መጸውዒ ሃገርና ኤርትራ ኮይኑ ቀጺሉ። ኤርትራውነት ድማ መለልይ ዜግነትና ኮይኑ፡ ኤርትራዊ ሃገርነት ከኣ ኣብ ውሽጥና ዝሰረጸ፡ ንሃገርና ናይ ዘለና ዓሚቚ ፍቕሪ፡ ክብርን ስምዒትን መግለጺ እዩ። ኤርትራውነት ንሃገርና ዘለና ፍቕርን ክብርን እንገልጸሉ ኣምር እምበር፡ ንናይ ካለኦት ዜጋታት ስምዒትን ክብርን እንጸልኣሉ ኣይኮነን።
ኤርትራዊ ዜግነትን ኤርትራውነትን ንምጥፋእ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዝተፈላለዩ ኣካላት ተፈቲኑ ዘይተዓወተ ተጻብኦ እዩ። ቀንዲ ተግባር ናይቲ ብህዝባዊ ቃልሲ ዝሰዓርናዮ ተኸታታሊ መግዛእታዊ ስርዓታት እውን ዕላማኡ ንሱ እዩ ነይሩ። “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን” ዝብል፡ ዝነበረ መግዛእታዊ ቅኒት እውን ናብ ምድምሳስ ኤርትራን ኤትራውነትን ዝዓለመ ምንባሩ፡ ዝባደመ ዓድታት፡ ዝሃለቐን ዝተሰደን ህዝብን፡ ዝጠፍአ ንብረትን ጥሪትን ኤርትራ፡ ኣካል’ቲ ምድምሳስ ኤርትራውነት ምንባሩ ታሪኻዊ ሓቂ እዩ። ኣብዚ ክንጸር ዘለዎ ቁምነገር ድማ፡ “ኤርትራውነት” ታሪኻዊ ባይታ ዘለዎን ንመግዛእታዊ ጭካነን ፈኸራን ብቃልሲ ስዒሩ ዝተኾለዐ መንነት እምበር፡ ብነጻ ዝተለገሰ ህያብ ዘይምዃኑ እዩ።
እዚ ኤርትራውነት ከምቲ ብቓልሲ ህዝቢ ኤርትራን ኩሎም ኤርትራውያን ውዳበታትን ዝተረጋገጸ፡ ኣብ ሕልና ኩሎም ኤርትራውያን ዝሰጸረ ደኣ’በር ንፍሉይ ውድብ፡ ማሕበር፡ ወይ ሃይማኖታዊ፡ ቋንቋውን ካልእን ናይ መንነት ጉጅለን ዝተዓደለ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ ኤርትራውነት ዝምዘዝ ሴፍ ከኣ ኣንጻር ኩሎም ኤርትራውያን ዝዓለመ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ኣብ ሓንቲ ኣብ ትግራይ ከተማ ከተማ መቐለ እናተዳለወት እትዝርጋሕ “ላዛ ትግርኛ” እትበሃል መዲያ፡ ሓደ ተንታኒ ፖለቲካ እየ ባሃሊ፡ “ኤርትራውነት ብበረኪና ድዩ ብኻልእ ክሕጸብ ኣለዎ። እዚ ማለት እቲ ህዝቢ ካብ ኤርትራዊ ዱሲፕሊንን ኤርትራዊ መንነትን ክወጽእ ኣለዎ። ምኽንያቱ ኤርትራውነት ማለት ትግራዋይ ምጽላእ ማለት ስለ ዝኾነ። ኮታ ዲ-ኤርትራናይዘሽን (de-eritreanasation) ክረጋገጽ ኣለዎ” ክብል ተሰሚዑ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ካብ ምእዋጅ ጽንተት ፈሊኻ ክረኤ ዘይክእል መርዚ ዝነዝሐ ተንታኒ፡ ሓደ ካብቶም ትግራይ ኣብ መጻኢ ሃገር ክትከውን እሞ “ካብ ኢትዮጵያውነት ወጺኣ፡ ትግራዋይነት እግሪ ንክተትክል ንቃለስ ኣለና” ዝብሉ ትግራዎት ባእታታት ሓደ ምዃኑ ከኣ፡ ነቲ ጉዳይ ኣዝዩ ዘስደምም ይገብሮ። ክርደኦ ዝነበሮ ከኣ ኤርትራውነት ብደምን ኣዕጽምትን ዝደመቐ፡ ስለዝኾነ፡ ብበረኪና ተሓጺቡ ዝድምሰስ ዘይምዃኑ እዩ።
ምናልባት መንቀሊ ናይዚ ምድማቕ ዩቱብ “ላዛ ትግርኛ” ወይ ድማ፡ ኣብ ልዕሊቲ ኣብ ትግራይ ዘሊሉ ቅድሚ ምእታዉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ደም ዘንበዐ ጉጅለ ህግደፍ ዝሓደሮ ጽልኢ ክኸውን ይኽእል። እዚ ዘሕፍር ኣበሃህላኡ ግና ኣንጻር ህግደፍ ይኹን ካልእ ኤርትራዊ ጉጅለ ዘነጻጸረ ዘይኮነ፡ ኣብ ህልውናን ቀጻልነትን ኤርትራውነት ዘለዎ ክቱር ጽልኢ ዘርኢ እዩ። ምኽንያቱ ኤርትራውነት ኣብ ሕልና ኩሉ ኤርትራዊ ዘሎ፡ እምበር፡ ጽባሕ ንዝሓልፍ ጉጅለ ህግደፍ ዝተዋህበ ፍሉይ ግነዖት ስለ ዘይኮነን። እሞ ድማ ካብቲ “ህዝቢ ትግራይ፡ ናቱ ህልውና ዘለዎ እምበር ንብረት ህወሓት ወይ ካልእ ውዳበ ኣይኮነን” እናበለ ክምጉት ዝውዕል ተንታንን ንሱ ዝዋሰኣሉ መዲያን ከምዚ ዝተጠቕሰ ክስማዕ እንከሎ መመሊሱ የገርም። ነቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ድቕድቕ ናይ ኲናት ጸልማት ምስተዋሕጠ፡ ኣብ ጎኑ ኮይኑ “ዓገብ” ንዝበለ ብዙሕ ኤርትራዊኸ “ብኸመይ እዩ ዝርእዮ?” ዝብል ሕቶ እውን ዘኸትል እዩ።
ዶር ኣብይ ኣሕመድን ንሱ ናይ ዝመርሖ መንግስቲ መድያታትን ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ፡ ኣባትር ከወጣውጡ ዝውዕሉ ዘለዉ፡ ህግደፍ ኣቐዲሙ ከሻድኖምን ኣፍደገ ክኸፍተሎምን ዝጸንሖ ተኸቲሎም ምዃኖም ደጋጊምና እንዝክሮን እነወግዞን እዩ። ተንታኒ መድያ “ላዛ ትግርኛ” እውን፡ ምናልባት ነቲ ገለ ኤርትራውያን ብዝተፈላለዩ መዲያታት ዘቃልሕዎ፡ ንሓድነትን ናይ ቃልሲ ተመኩሮን ህዝቢ ኤርትራ ዘይምጥን፡ ከምኡ ከኣ ንቀጻልነት ኤርትራውነትን ዝጻባእ መግለጽታት ተኸቲሉ ንምርጓድ ዝበሎ ይመስል። ምኽንያቱ ናይቲ ዝበሎ መወከሲ ንክኾንዎ ኣስማት ክልተ ሰለስተ ኣብ መዲያታት ዝነጥፉ ኤርትራውያን ክጠቅስ ስለ ዝተሰምዐ። ስለዚ ከምቲ “ናታ ኣቐሚጣስ ናይ እንዳማታ” ዝበሃል ከይከውን፡ ነቲ ሰፊሕ ኤርትራዊ ምስልን ዜግነትን ንታሕቲ ኣውሪዶም፡ ቋንቋውን ካልእ ትሕቲ ኤርትራዊነት ዝስራዕ ናይ መንነት መርኣያ ንቕድሚት ብምምጻእ ሓድነትና ከዳኽም ዘስግእ ወስታታት ምስማዕ ኣብ ዝተለምደሉ እዋን ዝተባህለ፡ ኤርትራውነት ዘስተናዕቕ ድፍረት ስለ ዝኾነ። ግና ድማ “ንሳቶም ስለ ዝበልዎ ኣነ እንተደገምኩዎ ቅኑዕ እዩ” ምባል ቅቡል መጎት ኣይኮነን።
ህዝቢ ትግራይ ብሓጥያት ሓደ ውድብ ኣይሕተትን ኣይውከልን እዩ” ኢሉ ዝኣምን፡ ፖለቲከኛ’የ ባሃሊ፡ ከመይ ኣቢሉ እዩ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብተግባራት ህግደፍ ተሓታቲ ክገብር ክብል፡ “ኤርትራውነት ካብ ኤርትራውያን ተሓጺቡ ክጠፍእ ኣለዎ” ምባሉ፡ ክሳብ ክንደይ ካብ ክውንነት ከም ዝረሓቐ ምርድኡ ዘጸገም ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ ይጣበቕ ኣለኹ እንዳበልካ፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሳስባ ዝተላዕጠጠን ኣጽናቲ መንፈስ ዝዓብለሎን መልእኽቲ ምትሕልላፍ፡ ቅርሕንቲ ዝዕድም ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናይ ጥዕና ከምዘይኮነ ዘዳዲ ኣይኮነን። እሞ ድማ ህዝቢ ትግራይ፡ ጸላኢ ኣብ ዝዕድመሉ ግዜ ዘይኮነ፡ ፈታውቲ ከብዝሕ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ፡ እቲ ንኤርትራውነት ዘነውር ክሳብ ክንደይ እዩ ንቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝሕግዞ ዘሎ’ውን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእትዎ እዩ።
ስለዚ፡ እዚ ተንታኒ፡ ከምቲ ገለ ተጋሩ ናይ መዲያ ነጠፍቲ እውን ዝበልዎ፡ በቲ ሓደ ወገን ካብ ተደጋጋሚ ወስታታት ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራውነትን ወጺኡ ንዘይሓላፍነታዊ ኣበሃህላኡ ይቕረታ ክሓትት፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ናብ ቀልቡ ተመሊሱ፡ ምእንቲ ነባሪ ሰላም ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓፈሻ፡ ኤርትራን ትግራይን ድማ ብፍይ ኣብ ተረድኦ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣተኲሩ ንክሰርሕ ነተሓሳስቦ።
ወነንቲ መድያታትን ጋዜጠኛታትን እውን፡ መዲያ ክልተ ብልሒ ከምዘለዎ ተገንዚቦም፡ ንግዝያዊ ረብሓ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንነባሪ ናይ ህዝብታት ሰላምን ሰናይ ዝምድናን ክግደሱ ይግበኦም። “ካብ በሃሊኡስ ደጋሚኡ” ንኸይከውን ከኣ፡ ነቶም ዓዲሞም ዘዘራረብዎም ኣጋይሽ ሓላፍነታዊ መንገዲ ብምርኣይ ሞያዊ ስነ-ምግባር ከርእዩ ይግበኦም።