ናትና እጃም’ዩ ወሳኒ

2025-02-26 09:21:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 323 times

ናይዚ ነካይዶ ዘለና ፍትሓዊ ቃልሲ ዋናን ናይ ምዕዋቱ ወሳኒ እጃም ዘለዎን ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ናይ ዓወቱ  መምዘኒ ከኣ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶታት ብምምላሱን ዘይምምላሱን እዩ ዝዕቀን። እጃም፡ ናይተን ኣብ ናይ ለውጢ ቃልሲ ተሰሊፈን ዘለዋ ፖለቲካዊ ውዳበታት ኤርትራ እውን ዕዙዝ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ኤርትራውያን ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ገዛ ዓጺናን ተነጺልናን በይንና እነዕውቶ ዘይኮነ፡ ሓቢርካ ኣብ እትረብሓሉ መድረኽ ምስ ካለኦት ምትሕብባርን ምጽልላውን ከኣ ነብሱ ዝኸኣለ ቦታ ኣለዎ። እቶም ምሳና ዝተሓባበሩ ንጽድቅን ልግስን ዘይኮነ፡ ነናቶም ሕሳባትን ውጥናትን ከም ዝህልዎም ብምግዛብ ከኣ፡ ብጥንቃቐ ናይ ምዝማዶም ናይ ቃልሲ ውሕልነት ዝሓትት እዩ።

እቲ ምጽልላውን ምትሕብባርን ካብ ርሑቕን ኮነ ካብ ቀረባ ዝመጽእ እዩ። ነዚ ኩሉ ከከም ቅርበቱን ዝፈጥሮ ደረጃ ተጽዕኖን ቀዳምነት ኣትሒዝካ፡ ንምምሕዳሩ ምስትውዓልን ጥንቃቐን የድሊ። ብመንጽር’ዚ ከም ኤርትራውያን ቅድሚ ኩሉ ከነማሓድሮ ዝግበና፡ ናትና ርኢቶታታት ብምጥርናፍ ነቲ ጌና በበይኑ ዝወፍር ዘሎ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ምቅርራብ ክኸውን ይግበኦ። ምእንቲ እዚ ኢና ድማ፡ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ካብ ናይ “ኣነ በይነይ እኽእሎ እየ” ጽበት ወጺእና፡ ብሓባር ንቃለሰሉ መድረኽ ንምፍጣር ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚርና ዝተፈላለዩ ፈተናታት ዘካየድናን ተስፋ ከይቆረጽና ንቕጽሎ ዘለናን። ነዚ ከነዕውት ካብ ዘይከኣልናሉ ምኽንያታት ሓደ፡  ኣብ ክንዲ ንህልዊ ኩነታት ኣገናዚብካ ናብ ዝሓሸ መጻኢ ምቁማት፡ ንሎሚ ኣብ ዘየገልግሉና መድረኽ ዝሓለፎም ፍጻመታት ካብ ምፍንቃል ዘይምውጻእና እዩ።

ካብዚ ንሎሚ ዘይሕግዝ ከም ታሪኽ ግና ዝዕቀብ ዝግበኦ ምጽብጻብን ምትህልላኽን ክሳብ ዘይወጻእናን ብሓባር ዘቃልሰና ኩለ-መዳያዊ ዓቕሚ ክሳብ ዘየጥረናን ከኣ፡ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዘዝመጸ ዕድላት ገገዲፉና ክሓልፍ እዩ። ናይ ሓባር ዓቕሚ ዘይምፍጣር ናይ ምቕያር ክእለት  ዘስእነና ምዃኑ ንነብሮ ዘለና ፖለቲካዊ ኩነታት ባዕሉ መስካሪ ኣብርእሲ ምዃኑ፡ ፈራዲ ኣብዘይብሉ ምክሳስ ዘንብረና’ውን እዩ። ብዛዕባ ዝሓለፈ ነናትና ሓቅታት የብልናን ማለት ከምዘይኮነ ምስትውዓል ድማ ኣድላይ እዩ። 

ቃልስና ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብዝኽሰቱ ምቅይያራት እውን ይጽሎ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራዊ ዛዕባ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ፡ ሱዳን፡ ጅቡትን ሶማሊያን ዝኽሰት ዘሎ ዘሰክፍ ምዕባለታት እንተ ብኣውንታ እንተስ ብኣሉታ ዝጽሎ እምበር፡ ካብኡ ተነጺሉ ዝረአ ኣይኮነን። ብፍላይ ምስቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ናይ ካለኦት ጉዳይ ኢዱ ካብ ምእታው ዘይዓርፍ  ምዃኑ፡ እቲ ጽልዋ ብኽንድኡ ይኸብድ። ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ኣብኡ ካይተደረተ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘውረዶ ግና ብዙሕ ዘይዝረበሉ ናይ ህይወት ህልቂት ቀሊል ከምዘይኮነ፡ እተን ግዳይ ዝኾና ስድራቤታት እየን ዝያዳ ዝርደአኦ። በዚ መሰረት ኤርትራ ካብቲ መሸንቦባ በይና ከም ደሴት ተኸሊላ ክትተርፍ ሰለ ዘይትኽእል፡ ኣብ ጐረባብትና ዘንጸላሉ ዘሎ ህውከት ዘቕስነና ኣይኮነን። ስለዚ ኢና ከኣ ኤርትራዊ ጉዳይ ከነልዕል እንከለና ብዛዕባቲ ናይ ጐረባብትና ምዕባለታት’ውን ኣብ ግምት ከነእቱ እንግደድ።

ናይ ኤርትራ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ፡ ናይቲ  ዝገዝኣ ዘሎ ጉጅለ ዘይንቡር ምምሕዳርን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ግፍዕታትን ግህሰታትን ተወሲኽዎ፡ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት እውን ናይ ሕማቕ መርኣያ ኣጀንዳ ካብ እትኸውን ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ብብዙሓት “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ”  እናተባህለት ምጽውዓ ከኣ ናይዚ ውጽኢት እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ምምጻእ ሮናልድ ትራምፕ  ናብ ፕረሲደንትነት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ’ኳ፡ ሚካኤል ሮቢን፡ ፒተር ሻምን ቲቦር ናጅን ዝተባህሉ ንጡፋት ኣሜሪካውያን ጸሓፍትን ፖለቲከኛታትን ኣብ ኣድላይነት ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ኣድሂቦም  ብዝሃብዎ ንህግደፍ ዘሰንብድ  ርኢቶታት ኣጀንዳና ኮይኖም ንዛረበሎም ኣለና።

እዞም ሰብ ሃብታም ተመኩሮ ኣሜሪካውያን ባእታታት ንፖለቲካዊ ጉዳይ ኤርትራ ቆላሕታ ክህብዎ እንከለዉ፡  ተበግሰኦም ኣብቲ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ብፍላይ ኣብቲ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ ከም ዝሕግዝ ዝሰሓት ኣይኮነን። ናታቶም ሕሳብን ልዕልና ሃገሮም ክብ ናይ ምባል ኒሕን  ከም ዝህልዎም ግና ፍሉጥ እዩ። እቲ ወሳኒ ግና ናትና ናይቶም ግቡእና ክንፍጽም ኣብ መስርሕ ቃልሲ ተሰሊፍና ዘለና ኤርትራውያን እጃም ምዃኑ  ክንስሕቶ የብልናን። ከምዚ ዓይነት ዕድል ክፍጠር እንከሎ፡ ኣብቲ እዋኑ እንተዘይተጠቒምናሉ ግዜ  ዝሓለፎን ናህሩ  ዝወደአን እዩ ዝኸውን። “ሓጺን ብርስኑ”  ዝብል ብሂል ንዘይምርሳዕ ዝኣክል  እዩ።

ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ምዕራባውያን ብዛዕባ ኤርትራ ይጽሕፉን ይዛረቡን ምህላዎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዙሓት ንኤርትራዊ ጉዳይና ዝጸልዉ ናይ ቀረባ ቅልጡፋት ምዕባለታት እውን ዝኽሰትሉ ዘለዉ እዩ። “ኣብ መንጎ ህግደፍን ብደብረጼን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓትን ምቅርራባት ይፍጠር ኣሎ ተባሂሉ” ዝብል ዛዕባታት ጥራይ እኳ እንተወሲድና ክሳብ ክንደይ ብዓንተቦ ክንሓስበሎምን ክንቅረበሎምን ዝግበኣና ተረእዮታት ኣብ ቅድመና ተገቲሮም ከም ዘለዉ ዘርኢ እዩ። እዚ ጉዳይዚ ኣይኮነንዶ እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣብ ሕድሕድና ተረሓሒቕና ብጐቦ ዓይኒ እናተረኣኣና፡ ኣሳኒናን ተቐራሪብናን እውን  ክሳብ ክንደይ በዳሂ ከም ዝኸውን ተገንዚብካ ምንቅስቓስ ግደታዊ ሓላፍነትና እዩ። 

“ብምክእኣል ኣሳኒና ንቕድሚት ንሰጉም” ክበሃል እንከሎ፡ ኣብ ሕድሕድና ኣይንመዓዓድን ኣይንነቓቐፍን ማለት ኣይኮነን። እቲ ምንቕቓፍን ምምዕዓድናን ግና ኣብ ሕሉፍ ዘንበር ዘይኮነ፡ ንቕድሚት እናሰጐምካ ዝሓሸ ብሩህ መጻኢ ብምርኣይ ዝተቓነየ ክኸውን እንከሎ ጥራይ ከም ዘድምዕ ምርዳእ የድሊ። እቲ ዝመዓድን ዝንቀፍን ኣካል ከኣ ንጉዳያት  ብጥርጠራን “ስለምንታይ ስመይ ተላዕለን”?  ብዝብል፡ ብዓይኒ ትዕቢትን ስግኣትን ዘይኮነ፡ ነቲ ሓቂ ብቕንዕናን ክፉት ሕልናን ተቐቢልካ ክዕረ ዝግበኦ ናይ ምዕራይ ቅሩብነት ክህልዎ ይግባእ።“ኣብ ርእሲ ዘለካ እንተዝህቡኻ፡ ኣብ ርእሲ ልብኻ እንተዝምዕዱኻ” ብዝብል ልቦና ብጸጋ ምቕባሉ ሃናጺ እዩ። ስለዚ ድኽመታት ናይ ምእራም ቅሩብነትን ከባብያዊ ምዕባለታት ኣብ ግምት ምእታውን መሰረታውን ኣገዳስን  ምዃኑ  ብምርዳእን ተጸባይ ንዘይምዃንን ኢና “ናትና እጃም’ዩ ወሳኒ፡”  ንብል ዘለና።

Last modified on Wednesday, 26 February 2025 10:36