ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ትግራይ ዳግማይ ተቘጻጻሪ ኣካል ልኢኹ

2026-02-05 19:25:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 39 times

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ትግራይ ጐንጽታት መመሊሱ ይዓርግ ኣብ ዘለወሉ፡ ናብቲ ክልል ተቘጻጻሪ ጉጅለ ከም ዝለኣኸ ብ5 ለካቲት 2026  ዘውጸኦ መግለጺ ብምጥቃ፡ መጽሐት ዘሪፖርተር ኣፍሊጣ።

 ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ተቖጻጻሪ ጋንታ ኣብ ትሕቲ ኣፍሪቃዊ መስርሕ፡ ክኢላዊ ምቁጽጻር፡ ምጽራይን ምዕዛብን ብዚ መግለጺ ዝወጸሉ ዕለትዩ ኣብ ከተማ መቐለ ኣትዩ። እዚ ዝተረጋገጸ ናይቲ ሕብረት ክፍሊ ፖለቲካውን ጸጥታውን ጉዳያት ብዝሃቦ መረጋገጺ እዩ።

እቲ ዳግማይ ተላኢኹ ዘሎ ተቘጻጻሪ ኣካል፡ ብምምሕዳራዊ ጉዳያት ስረሓቱ ኣቋሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ ብዘይጸገም መቐለ ከም ዝበጸሐን፡ ኣብ ኣተገባብራ እቲ ኣብ ፕሮተርያ ዝተኸተመ ቀዋሚ ምቁራጽ ህውከት ከም ዝቕጽል እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዚ ተቘጻጻሪ ኣካል ውዕል ፕሪቶርያ፡ መጀመርያ ናብ ትግራይ ዝተመደበሉ ግዜ ድሕሪቲ ስምም ብ2022 ክኸውን እንከሎ፡ ካብ 2024 ንደሓር ከኣ ኣቋሪጹ ከም ዝጸንሐ እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።  እዚ ኣካል ዝተመደበሉ መሰረታዊ ዕማም፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን፡ ካብ ሓይልታት ምክልኻል ፈደራል ኢትዮጵያ ወጻኢ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሓይልታት ዕጥዊ ምውራድ ምንባሩ ከኣ ከም ድሕረ ባይታ ናይቲ መግለጺ ተጠቒሱ። 

እዚ ጉጅለ ምቁጽጻር ናብ ትግራይ ዝለኣኽ ዘሎ ግዜ፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ሕድሕድ ሓይልታት ትግራይ ሓሓሊፉ ወተሃደራዊ ረጽሚ ይረኣየሉ ኣብ እዩ።

Last modified on Thursday, 05 February 2026 20:36