ኣብ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ግፍዒ ይገድዳ’ሎ
2026-02-02 20:28:04 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 18 timesኣብ ግብጺ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝፈጸም፡ ቅሉዕ ማእሰርቲ፡ ካልእ ግህሰታትን ኣገዲድካ ናብ ኤርትራ ምምላስን እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ፡ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜናን ገሊጸን። እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ብቐጥታ ኣንጻርቲ ንመሰል ስደተኛታት ዝምልከት ዓለም ለኻዊ ሕግታት ምዃኑ እውን ተሓቢሩ።
በቲ ዜና መሰረት፡ ኤርትራውያን ኣብ ግብጺ ብቐጻሊ፡ ካብ ጐደናታት፡ ዕዳጋታትን ኣገልግሎት መጐዓዝያን ከምኡ እውን ካብ መንበሪ ኣባይቶም ተገፊፎም ይእሰሩ። እቶም ኤርትራውያን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት’ኳ እንተተመዝገቡ፡ ብሰበብ ዘይምርካብ መንበሪ ፈቓድ ቆጸራ እናሃለዎም ከይተረፈ ብቐጻሊ እዮም ዝእሰሩ። እዞም ስደተኛታት ግዳይ እዚ ዝተጠቕሰ ሕሰማት ዝኾኑ ዘለዉ፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምምሕዳራዊ ቅልውላው ምዃኑ እውን እቶም ምንጭታት ይሕብሩ።
እቲ ጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከቶ ኣካል ዝህቦ ቆጸራታት ክሳብ 2 ዓመት ከም ዝበጽሕን ኣብቲ መንጎ ብዝፍጠር ብኩራት መንበሪ ፈቓድ ከም ዝእሰሩ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ፡ እዚ ከኣ ንዕለታዊ ማእሰርቲ የቃለዖም። እቶም ግዳያት ክሕተቱ እንከለዉ፡ ነቲ ናይ ቆጸራ ወረቐት ከርእዩ እንከለዉ በቶም ናይ ጸጥታ ኣካላት ኣፍልጦ ኣይወሃቦን። ኣብ መንጎቲ ናይ ምምዝጋብን ናይ ምጽራይ ግዜ ዘሎ ፍልልይ ከኣ ነቶም ስደተኛታት ማህሰይቲ የጋጥሞም ኣሎ።
ከም ውጽኢት ናይዚ ኤርትራውያን ተገዲዶም ናብታ ብሰንኪ መወዳእታ ዘየብሉ ውትህድርና፡ ማእሰርትን ምስዋርን፡ ገዲፈምዋ ዝተሰዱ ኤርትራ ከም ዝምለሱ ኣብቲ ጸብጻብ ተሓቢሩ። እቲ ኣገዲድካ ናብ ኤርትራ ምምላስ፡ ኣደታት፡ ህጻናትን ብዕድመ ዝደፍኡን ከም ዘጠቓልል ከኣ ተጠቒሱ። ኣደታት ብዘይደቀን ዝስጐጓል ዘሕዝን ኣጋጣሚ ከም ዝፍጠር እውን ተገሊጹ።
ኣብ ርእሲዚ ብሰንክቲ ብጾታዊ ዓመጽ ካልእ ዘይሰብኣዊ በደላትን ኣእምሮኦም ዝህሰዩ ወገናት ከም ዘለዉን፡ እቶም ደሓን ዝበሃሉ ከኣ ናይ ምስራሕ፡ ናይ ትምህርትን ብዘይስግኣት ናይ ምንባርን መሰሎም ዘይውሑስ ኮይኑ፡ ኣብ ስግኣት ናይ ማእሰርትን ምስጓጉን ከም ዝነበሩ ተጠቒሱ።