ኣብ የመን ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ከም ዝተመስረተ ተሓቢሩ
2026-02-08 20:28:24 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 85 timesሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር የመን፡ ሻያ ሙህሰን ኣል ዚንዳኒ
ብራሺድ ኣል ኣሚኒ ዝምራሕ ባይቶ የመን፡ ሻያ ሙህሰን ኣል ዚንዳኒ፡ ብቀዳማይ ሚኒስተርነት ዝመርሖ ሓድሽ መንግስቲ ከም ዝመስረተ ኣገልግሎት ዜና ሳባ (Saba News Agency) ኣፍሊጣ። እቲ ሓዲሽ መንግስቲ 34 ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ዘለዉዎ ኮይኑ፡ 3 ደቀ ኣንስትዮ ባኣባላነት ከም ዝርከቦ’ውን ተገሊጹ። እቲ ዝተመዘ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፍነት ደሪቡ ከም ዝሕዝ ከኣ ተሓቢሩ።
ካብቶም ኣባላት ካቢነት፡ ማማር ሞታሃር ኣል ኢሪያኒ ሚኒስተ ዜና፡ ጀነራል ኢብራሂም ዓሊ ኣሕመድ ሃኢዳን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ጀነራል ጣሂር ዓሊ ኦበይዳህ ኣል ኦቈሊ፡ ሚኒስተር ምክልኻልን ከም ዝርከብዎም ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። እተን ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ኣፍራሕ ዓብደልዓዚዝ ኣል ዘውባ ሚኒስተር ትልምን ዓለም ለኻዊ ምትሕብባርን፡ ኣሓድ መሓመድ ሰላም ሚኒስተር ሃገራዊ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ኢሽራቅ ፋድል ኣል መርቃኒ ሚኒስተር ፍትሕን ኮይነን ከም ዝተመዛ ተመልኪቱ።
ምምስራት ናይዚ ሓደሽ መንግስቲ የመን፡ ብመሰረት ሕገመንግስቲ ናይታ ሃገር፡ ተበግሶ ባይቶ ሃገራት ወሽመጥን ንኣተገባብራ ብዝምልከት ኣብ 2011ከምኡ እውን ኣብ 2022 ዝተወሰነ ፕረሲደንታዊ ስልጣን ናብ ፕረሲደንታዊ መሪሕነት ምስግጋር ዝምልከት ሕጊ ምዃኑ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ጠቒሱ።
እቲ ባይቶ ሓድሽ መንግስቲ ንክምስረት ዝወሰነ ናይታ ሃገር ረብሓ ንምሕላው ምዃኑ ምፍላጡ ከኣ ተሓቢሩ። እዚ ስጉምቲ ናይ ቅድም ቀደማይ ሚኒስተር የመን ኣሕመድ ኣዋድ፡ ብ3 ጉንበት 2025 ብድሌቱ ካብ ስልጣን ምልቃቕ ተኸቲሉ ዝተወስደ እዩ።
ምምስራት ናይዚ ሓድሽ መንግስቲ ነቲ ኣብ ሪያድ ንነዊሕ ግዜ ኣብ መንጎ መንግስቲ የመንን ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ናይታ ሃገር ዘሎ መሰጋገሪ ባይቶን ዝነበረ ወጥሪ ንምህዳእ ክካየድ ዝጸንሐ ምምኽኻር ስዒቡ ምዃኑ ድማ ተሓቢሩ።