ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት፡ ሳልሳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ኣገዳስነት ውሁድ ሃገራዊ ባይቶን
2026-01-03 10:41:14 Written by Anfet Media Admin Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 159 timesሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት፡ ሳልሳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ኣገዳስነት ውሁድ ሃገራዊ ባይቶን – Anfet Media https://share.google/x1tm7EyEqel9ym5KF
ሳልሳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ዓንኬላት ኤርትራ ሰፊሕ ክትዕ ዘበገሰ ናይ መወዳእታ መግለጺ ብምሃብ ተዛዚሙ። ንኤርትራ ናብ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ክመርሕ ዝኽእል ውሁድ ሃገራዊ መድረኽ ንምህናጽ ተወፋይነት ዘለዎም ሓይልታት፡ እዚ መግለጺ እዚ ንገስጋስን ዘይተማልአ ዋኒንን ዝውክል መግጺዩ ክበሃል ይከኣል።
እቲ ዋዕላ ኣብ ሓድነትን ብዙሕነትን ዳግማይ ትኹረት ምግባሩን፡ ንወገናውን ዞባውን ምፍልላይ ምንጻጉ፡ ጽቡቕ ምዕባለ’ዩ። እዞም መትከላት እዚኦም ክለሰ-ሓሳባዊ ጭርሖታት ጥራይ ኣይኮኑን፤ ዝኾነ ተኣማንነት ዘለዎ ሃገራዊ ቅርጺ ክህነጸሉ ዘለዎ መሰረት እዮም። ብዘይካ’ዚ፡ እቲ መግለጺ ኣብ ሓባራዊ ዝተሓተ መደብ ዝተመርኮሰ “ኩለመዳያዊ ሃገራዊ ቅርጺ” ዝብል ጻውዒት ምስቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ራእይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን( ENCDC) ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን (EPF)፡ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያውዊ ለውጥን (ECDC)፡ ከምኡ’ውን ነጻ ተዋሳእቲ ሲቪላዊ ማሕበራት ዘጠቓለለ ሓደ፡ ንኹሉ ዝሓቁፍ ሃገራዊ ባይቶ ንምቛም ፍጹም ዝሰማማዕ መልእኽቲዩ እዩ። ኣብዚ መንጽር’ዚ፡ ቋንቋ’ቲ መግለጺ፡ ንነዊሕ እዋን ተጸቢናዮ ዝነበርና ፖለቲካዊ ብስለት ዘንጸባርቕ እንተላይውን’ዩ። ማዕረ ማዕሪኡ እቲ ዋዕላ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ንዝፍጠር ምብትታን ኣፍልጦ ምሃቡ እዩ። ንዓመታት ፖለቲካዊ ውዳበታት ኤርትራ ብናይ ምፍልላይ፣ ብብዙሕ መሓውራት፣ ብሕጽረት ስሙር ስትራተጂካዊ ራእይ ተሳቒየን እየን። ኤሃባደለ ነዞም ጸገማት እዚኣቶም ጠቒሱ ኣፍልጦ ምሃቡ እውን ኣወንታዊ ስጉምቲ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ምጽዳቕ መሰጋገርን ደሞክራስያውን ሰነዳት ባይቶ፡ ትካላዊ ቅርጹ የሐይልን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ዝያዳ ሓላፍነታዊ ተራ ክጻወት ድማ ይዳሎ ከምዘሎን ዘመልክት ተርእዮ እዩ።
ይኹን እምበር እቲ መግለጺ ሸለል ክበሃል ዘይክእል ክፍተታት እውን የቃልዕ እዩ። ብሓፈሻ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ሃገራዊ ተበግሶታትን ክዛረብ እንከሎ፡ ኣብኡ ከምዘይነበረ ንፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ኤልደለን፡ ውሁድ ሃገራዊ መድረኽ ንምህናጽን ኣብ ምቛም ዝሰፍሐ ሃገራዊ ባይቶ ክተሓባበርዎ ዝግባኦም ሓይልታት ክነሶም ብስሞም ካብ ምጥቃስ ይቑጠብ። እቶም ክልተ ወሰንቲ መሻርኽቲ ንጹርነት ምትእምማን ኣብ ዘዕበየሉ እዋን፡ ነዚ ሓይልታትዚ ንድሕሪት ምግዳፍ፣ ንዘይንጹርነት ኣፍደገ ከፊቱሎ። እቲ ጉባኤ ንውሽጣዊ ምፍልላይ ንምፍታሕ ዝሕግዙ ኣገባባት ከም ዝሰርዐ እውን ይጠቅስ’ዩ፣ እንተኾነ ብዛዕባ እንታይነቶምን ብኸመይ ከምዝትግበር ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይህብን። ብዘይ ግሉጽነት፡ እዚ ጽገናታት ንጻዕርታት ውህደት ዝድግፍ ድዩ ዝዕንቅፍ፡ መሻርኽቲ ኤሃባደለ ንክግምግሙ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።
እቲ ዝያዳ ዘሻቕል ድማ ኤሃባደለ ስትር ብዝበለ ኣገላልጻ ተፈጥሮኣዊ ሃገራዊ ጽላል ምዃኑ ዝገልጽ ትርጉም እዩ ኣመሓላሊፉ። በዚ ድማ ነተን ካልኦት ትካላት ናብ ማዕረ መሻርኽቲ ዘይኮነስ ናብ “ተሓባበርቲ” ደረጃ ምውራድ እዩ። ምትእምማን ብርግጽ ኣድላዪ እኳ እንተኾነ፡ ሓድነት ኣብ ግምት ልዕልና ዘይኮነስ፡ ኣብ ሓድሕዳዊ ምሕዝነት፡ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ሕሉፍ ጌጋታት ብቕንዕና ንምግጣም ድልውነትን ምስ ዝህነጽ’ዩ ኣድማዒ ዝኸውን።
ኣብዚ እዩ እቲ ጸገም ዘለዎ ስቕታ ናይቲ መግለጺ ድማ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ወሳኒ እዋን ካብ ባዕሉ ዝመርሖ ዝነበረ ጥምረት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ እናመርሐን ናብ ጉባኤ ናይ ሰፊሕ ሃገራዊ ባይቶ ንምቛም ምድላዋት እናመርሐን እንከሎ እዩ ካብቲ ጥምረት ወጽዩ። ክወጽእ ከሎ ድማ፣ እቲ ምስሓብ ግዝያዊ ምዃኑን ዘሎ ውሽጣዊ ሽግራቱ ፈቲሑ ክምለስ ምዃኑን እዩ ንመሻርኽቱ ኣረጋጊጹሎም። ፖለቲካዊ ሓይልታት ከኣ፡ ነዚ መብጽዓ’ዚ ኣኽቢሩ፡ ሃገራዊ ባይቶ ክምለስ ተስፋ ብምግባር፡ ነቲ ናይ ሓድነት ማዕቀፍ ክፉት ብምግባር፡ ንኣስታት ክልተ ዓመት ብትዕግስቲ ተጸበየ። ይኹን እምበር እቲ መግለጺ ነዚ ውዕለት እዚ ጠቒሱ ዝሃቦ መግለዚ የለን። ፖለቲካዊ ወጻኢታት/ክሳራታት ናይቲ ምስሓብ እውን ኣፍልጦ ኣይህብን። እዚ ድማ ኤሃባደለ ናብቲ ባዕሉ ኣብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዄይኑ ዝሃንደሶ መንገዲ ሓድነት ንምምላስ ንጹር ዕላማ ከምዘይብሉ እዩ ዘርኢ። እዚ ክፍተትዚ ከኣ፡ ምትእምማን ዳግማይ ምህናጽን ሓቀኛ ጻዕሪ ኣብ ዝሓትተሉ እዋን፡ ኣረጊት ቁስሊ ከይሓዊ ዕድል ዝኸፍት እዩ።
ኤሃባደለ ቅድሚ ኣብ ግዳማዊ ሓድነት ጻዕርታት ምውፋሩ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ገዛ ኣብ ስርዓት ከትሕዝ ቀዳምነት ከም ዝህብ’ውን እቲ መግለጺ ይሕብር። ውሽጣዊ ጽገና ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፡ ነቲ ዝዓበየ ሃገራዊ ፕሮጀክት ንምንዋሕ ግን መመኽነይታ ክኸውን ኣይግባእን። ኣብዚ እዋንዚ ፖለቲካዊ ሜዳ ኤርትራ ናይ ሕንቃቐ ግዜ የብሉን። ኤሃባደለ ኣብዚ ወሳኒ ሓባራዊ ስጉምቲ ዝሓትት ህሞት ንሓድነት ዝኸውን ናይ ግዜ ሰሌዳ ወይ ፍኖተ-ካርታ ዘይምህላዉ፡ ስጉምታቱ ብጥንቃቔ ይኸይድ ኣሎ ዝብል ስክፍታታት ዘሐይል እዩ።
እዚ ጉድለታት እዚ እናሃለወ እቲ መግለጺ ኣገዳሲ ስጉምቲ ንቕድሚት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ፖለቲካዊ ምትእስሳር ምስ መትከላት ሓድነትን ሃገራዊ ሓላፍነትን ዲሞክራስያዊ ለውጢን ዘንጸባርቕ እዩ። ትካላዊ ብስለትን ንገለ ካብቶም ነቲ ቃልሲ ዕንቅፋት ዝኾኑ ብድሆታት ንምግጣም ድልውነትን ዘርኢ እዩ። ብዓቢኡ ድማ መስኮት ክባኽን ዘይብሉ ዕድል ይኸፍት ስጉምቲዩ።
ነቶም ሓደ፡ ንኹሉ ዝሓቁፍ ሰፊሕ ሃገራዊ ባይቶ ንምህናጽ ቃል ዝኣተዉ ሓይልታት፡ እቲ መንገዲ ንጹር እዩ። ዘተባብዕ ቋንቋ ናብ ጭቡጥ ቃል ኪዳን፡ መትከላት ናብ መሓውራት፡ ባህግታት ድማ ናብ ናይ ግዜ ገደብ ክትርጎም ኣለዎ። ሓድነት ከም ጭርሖ ዘይኮነስ ከም ሓባራዊ ሃገራዊ ግዴታ ክስዕቦ ኣለዎ።
ኣንፈት መጻኢ ኤርትራ ብዝተበታተነ ጻዕሪ፣ ወይ ብተወዳዳሪ ተበግሶታት ዘይኮነስ፡ ንኹሎም ንፍትሕን ዲሞክራስን ልዕልና ሕግን ተወፋይነት ዘለዎም ሓይልታት ኣብ ሓደ ዘራኽብ ስሙር ሃገራዊ ድሌት ክህነጽ ከም ዘለዎ ይኣምን። ሳልሳይ ጉባኤ ኤሃባደለ ናብዚ ዝኣንፈተ ስጉምቲ ወሲዱ ኣሎ። ቀጻሊ ስጉምትታት ግን ብቕንዕናን፡ ትብዓት፡ ከምኡ’ውን ህዝብና ዝግብኦ ሓድነት ንምሃብ ብሓድሽ ተወፋይነት ብሓባር ክውሰዱ ኣለዎም።