ውደባዊ ቤት ጽሕፈት ምስ መሪሕነት ዞባታት ኣኼባ ኣካይዱ

2026-01-04 20:32:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ፖ.ሓ.ኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 369 times

ምምሕዳር ውደባዊ ቤት ጽሕፈት ፖሓኤ ብዕለት 03 ጥሪ 2026 ምስ መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን ኣኼባ ኣካይዱ። ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ዝጸንሐ ናይ ትግባረ መደብ መሰረት ዝገበረ፡ ድሕሪ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነትን ፈጻሚ ኣካልን ዝተኣታተወ ሓድሽ ናይ 2026 መደብ ንምርኣይ፡ ኣተሃላልዋ ጨናፍር ኣብ ክልቲኡ ዞባታት ንምክትታልን ዝሓለፈ ናይ ስራሕ ሕጽረታትን ኣብ ግምት ዘኣተወ መፍትሒታት ንምርካብ ዘመልከተ እዩ ነይሩ።

ኣኼባ ብኣቦ መንበር ምምሕዳር ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ዝተመርሐ ኮይኑ፡ ዋላ’ኳ ዝተዛመደ እንተኾነ፡ መጀመርታ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ፖሓኤ ዝኾነ ኣካል ኣብ መንጎ ዕማማት ውልቀ ውድባትን ሰልፊን ኣብ መንጎ ሓባራዊ መደባት ፖሓኤን ዘሎ ፍልልይ ኣነጺሩ ክግንዘብን፡ ብኡ መጠን ነጢፉ ክሰርሕን ከምዝግባእ ብምጥቃስ፡ ዝጸንሐን ሓድሽን ኣብ 2026 ክዕመም ዘለዎ መጻኢ ትልሚ መደብ ስራሕ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈትን ዞባታትን ብዝርዝር ኣቕሪቡ።

ስዒቡ መሪሕነት ዞባታት ብወገኖም፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዘሎ ናይ ሓባር ጨናፍር ዝቆመሉ ቦታታት፡ ኣብ ኣሰራርሓ ዝጸንሔ ክምላእ ዝግባኦ ሕጽረታትን ዋላውን ብኣግኡ ዝተወገነ እንተኾነ ምትሕውዋስ ናይ ገለ መደባትን ዝመስል ምንባሩ ተሓቢሩ። ይኹን እምበር፡ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ቅድሚ ዋዕላ ፖሓኤ ዝጀመረ ምውህሃድ ሓባራዊ ስራሓት ምንባሩን፡ ሕጂውን ናይ ሓባር ጨናፍር ኣብ ዘይቆማሉ ቦታታት፡ ስርርዑ ከስፍሕን፡ ንዝቆማ ኣካላቱ ከደልድልን ኣብቲ ብብዝሒ ኣካላት ፖሓኤ ዝርከብሉ ቦታታት ንምሕያሉ ኣድላዪ ጻዕርታት ከካይድ ከምዘድልን ርእዩ። ብሸነክ ምምሕዳር ክማላእ ይግባኣ ዝብሎ ሓጋዚ ሓሳባት’ውን ኣቕሪቡ።

ምምሕዳር ዞባ ኤውሮጳ ብሸነኹ፡ ድሕሪ ዋዕላ ፖሓኤ ብተበግሶ ኣባላቱ ናይ ሓባር መራከቢ መስኖ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝቆመ ምንባሩን፡ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኤውሮጳ ንምምእካል ናይ ሓባር ጨናፍር ዝተመዘዙ ኣባላት ምንባሮምን ብምጥቃስ፡ ድሪሕ ዋዕላ ግን ኣብ ሐደ ውሱን ናይ ሓባር ስራሓት ብምጽማዶም ከምቲ ዝድለ ከምዘይሰጐመን ክገልጽ እንከሎ፡  ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ግን ዘድሊ ምክትታልን ምትኽኻእን ክገብር፡ ናይ ሓባር ሽማግለታት ዘይቆመሉ ከተማታት’ውን ስርርዑ ንምስፋሕ ክጽዕት ምዃኑ ኣመልኪቱ። 

ኣብ መጠረስታ ኣኼባ፡ ዝኾነ ይኹን ኣባል ከምቲ ብድልየቱ ዕላማይ ከዐውተለይ ይኽእል”ዩ፡ ኢሉ ኣሚኑ ዝተሰለፈሉ ውዳበ፡ ሕጂውን ንዝኣመናሉ ዕላማ ንምዕዋት ነፍሲ ወከፍና ብትግሃትን ተወፋይነትን ግቡእ ክንፍጽም እንተበቒዕና፡ ክንበጽሖ ንእንደሊ ክጽግመና ዝኽእል ነገር የለን ብዝብል ናይ ተስፋን ኒሕን ቃል እዩ ተደምዲሙ። 

ብሓድነት ንሓርነት!!!

Last modified on Monday, 05 January 2026 15:25