እገዳ ቪዛ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኣሜሪካ ብርኪናፋሶን ማልን
2026-01-02 11:06:10 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 62 timesመራሕቲ ብርኪናፋሶ፡ ማሊን ኒጀርን
መራሕቲ ማሊን ብርኪናፋሶን ከም ግብረ መልሲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሚሪካዊ ዜግነት ዘለዎም ናይ ቪዛ እገዳ ከም ዘንበሩ ኣፍሊጦም። እዚ ስጉምቲ ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ እገዳ ምንባሩ ተኸቲሉ ዝተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ ተሓቢሩ። እቲ ነዚ ብዝምልከት ዝተዘርገሐ ሓበሬታ እቲ ስጉምቲ ከምቲ ብኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እተን ሃገራት ዝወረደ ምንግልታዕ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካውያን እውን ክፍጸም ብዝብል ምዃኑ ተፈሊጡ።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን ማሊ፡ ብዛዕባቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ከምቲ ዜጋታትና ናብ ኣሚሪካ ክኣትዉን ኣብኡ ክነብሩን እንከለዉ ብመንግስቲ ዝሕተትዎ ቅድመ ኩነት ኣሜሪካውያን ናብ ሃገርና ክኣትዉ እንከለዉ እውን ተመሳሳሊ ሕቶ ክቐርቦም እዩ ክብል ኣፍሊጡ። ንሱ እቲ ስጉምቲ ግብረ መልሲ ምዃኑ እውን ጠቒሱ። ብርኪናፋሶ ብወገና እዚ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ቪዛ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ ዝምድናታት ማዕርነት ልኡላውነት ከተኽብር ቅርብቲ ምዃና ከኣ ኣፍሊጣ።
ብርኪናፋሶን ማልን ኣካል ናይቲ ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ፖሊሲ ኣሜሪካ ንኣህጉራዊ ዝምድና፡ ሃገራዊ ጽጥታን ምምካት ፈጠርቲ ራዕድን ብዝብል ሰነድ ኣጽዲቑ ምዝርግሑ፡ ኣብ ዝርዝር ምእጋድ ካብ ቪዛ ኣሚሪካ ሰፊረን ዘለዋ ሃገራት እየን። ትራምፕ ነቲ ዝወሰዶ ናይ ቪዛ እገዳ፡ “ንድሕነት ኣሜሪካ እዩ” ከም ዝበሎ ዝዝከር እዩ።
ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ብወገኑ፡ ከም ምኽንያት ነቲ ናይ ቪዛ እገዳ፡ ንክልቲአን ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ዝተወደቡ ፈጠርቲ ረዕድን ዕጡቓት ጉጅለታትን ዝንቀሳቐሱለን እየን ብዝብል እዩ ዝኸሰን። ምስ ማልን ብርኪናፋሶን ሓቢራ ካብ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (ECOWAS) ዝወጸት ኒጀር እውን ካብተን ብኣሜሪካ ናይ ቪዛ እገዳ ዝተወሰነን ሓንቲ እያ።
እዘን ብወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዝምረሓ ዘለዋ ሰለስቲአን ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኣቐዲመን ንፈረንሳ ኣርሒቐን ምስ ሩሲያ ብዝፈጠረኦ ዝምድና ኣሜሪካ ብሕማቕ ዓይኒ ክትርእየን ዝጸንሐት እየን። ብፍላይ ማሊ ሓይልታት ሩሲያን 1,500 ዕጡቓት ዋንገርን ናብ ሃገራ ክኣትዉ ዘፍቀደት እያ።