ሶማሊላንድን ጅቡትን ኣብ ኩለ-መዳያዊ ወጢሪ
2026-01-06 20:17:05 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 118 timesሶማሊላንድ መንገዲ ኣየር ጅቡቲ ኣብ ሰሙን 4 ግዜ ናብ ሃገርጌሳ ዝካይዶ ዝነበረ በረራ ኣጊዳ፡ እቲ መንገዲ ኣየር ብዝኾነ መልክዕ ኣብ ኣየራ ከይንቀሳቐስ እውን ወሲና። እዚ ስጉምቲ ዝተወስደ ጅቡቲ ኣቐዲማ ኣብ ሃገራ ካብ 2012 ጀሚሩ ክሰርሕ ዝጸንሐ ዲፕሎማሲያዊ ቤት ጽሕፈት ሶማሊላንድ ድሕሪ ምዕጻዋ እዩ። እዚ ናይ ጅቡቲ ስጉምቲ ብተጽዕኖ ሶማሊያ መቃድሾ ዝተኻየደ እዩ ዝብል ግምት ናይ ብዙሓት እዩ።
ናይዚ ኩሉ ወጥሪ መንቀሊ ከኣ ናይ እስራኤል ንሶማሊልላንድ ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ ምዃኑ ተፈሊጡ። ጅቡቲ ብመንጽር ከም ኬንያን ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ኣንጻር ዝምድና እስራኤልን ሶማሊላንድን ብዝለዓለ ደረጃ ትንቀሳቐስ ዘላ እያ።
ሶማሊላንድ ብዛዕባቲ ካብ 7 ጥሪ 2026 ግብራዊ ዝኸውን እገዳ መንገዲ ኣየር ጅቡቲ ኣቐዲማ ንመንግስቲ ጅቡቲ ዝሃበቶ መጠንቀቕታ’ኳ እንተዘይነበረ፡ ናብቲ መንገዲ ኣየር ግና ብጽሑፍ ምሕባራ ናይቲ ከባቢ ምንጭታት ኣረጋጊጾም። ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ መንገዲ ኣየር ብዛዕባቲ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ኣብ ቀጻሊ መብርሂ ክህቡ እዮም ዝብል ትጽቢት ኣሎ።
ጅቡቲ ብወገና ንኣፍልጦ ኢስራኤል ንሶማሊላንድ ብምቅዋምን ምስ ሶማሊላንድ ዝነበራ ዲፕሎማሲያዊ ብምቁራጽን ካብተን ቀዳሞት ሃገራት ምዃና እቶም ምንጭታት ጠቒሶም። ሰብ መዚ ሶማሊላንድ ብዛዕባ ሳዕቤን ናይ እገዳ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃቡ እምበር፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ወገናት ፖለቲካዊ ስጉምቲ እዩ ኢለምዎ። ኣብ ቀረባ መጻኢ ካብ መንግስታት ክልቲአን ሃገራት ወግዓዊ መግለጺ ክወጽእ ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ፣ መግለጽታቶም ንዞባዊ ፖለቲካዊ፡ ንግዳውን መጐዓዝያን ብኣሉታ ከም ዝጸሉ፡ ባኣውርኡ ከኣ ቁጠባዊ ቅልውላው ናይቲ ዞባ ዘጋድድ ከም ዝኸውን ግምት ኣሎ።
እዚ ኣብ መንጎ እዘን ጥቡቕ ቁጠባዊ ዝምድና ዝነበረን ሶማሊላንድን ጅቡትን ዝረአ ዘሎ ቅልውላው፡ ምስቲ ኣብ የመን ኣብ መንጎ ዓረብ ኤመረትን ሳዑዲ ዓረብያን ዝረአ ዘሎ ምፍጣጥ ምጽልላው ከም ዝህልውዎ ይግመት። እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ብ6 ጥሪ 2026 ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር እስራኤል ናብ ሶማሊላንድ ከቕንዕ እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ላዕለዋይ ልኡኽ ቱርኪ ከኣ ናብ ሶማሊያ መቃድሾ ገይሹ።