ምርጫ ኣብ ኢትዮጵያን ምስሕሓብ ምስ ህወሓትን

2025-12-11 20:16:06 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 118 times

ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ 7ይ ሃገራዊ ምርጫ ከካይድ ምዃኑ፡ ብ10 ታሕሳስ 2025 ናይቲ ቦርድ ዳይረክተር ወይዘሮ ሜላትውርቅ ሃይሉ ብዝሓበቶ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ቦርድ ዝርዝር ናይ ምርጫ  ኣተገባራ መስርሕ ዘውጸ ኮይኑ፡ ድሕሪ ተወዳደርቲ ዝምገብሉ፡ ናይ ምርጫ ምልክቶም ዘፋልጥሉን መረጽቲ ዝምዝገብሉን ግዜ ኣገባብን ምጥቃስ፡ 1 ሰነ 2026 ድምጺ ከም ዝወሃብ ጠቒሱ፡ ወግዓዊ ውጽኢት ምርጫ ከኣ 11 ሰነ 2026 ከም ዝግለጽ ኣፍሊጡ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ቅድሚ እቲ ዝርዝር ኣትገባብራ ምጽዳቑ ምስ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ከም ዝተመያየጠሉ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ዕላውነቱ ብብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝተሰረዘ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ድሕሪ መደብ ናይቲ ቦርድ ብወግዒ ምዝርግሑ፡ ኣብ ትግራይ 7ይ ሃገራዊ ምርጫ ኣይካየድን እዩ ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ። እዚ ምርጫ ምክያድን ዘይምክያድን ናይቲ ብ2020-2022 ውግእ ጠንቂ ካብ ዝኾኑ ሓደ  ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

 ምስ ብዝተተሓሕዘ እቲ ቦርድ ነቲ ብፕረሲደንትነት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ፡ ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ብግዝያዊ ፈቓድ ክንቀሳቐስ ድሕሪ ጸኒሑ፡ ብ9 ታሕሳስ 2025 ወግዓዊ ኮይኑ ንክምዝገብ ወሲኑ። እዚ ብኣቶ ጌታቸው ረዳን ሓያሎ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝነበሩ ኣባላትን ዝምራሕ ውድብ “ብህወሓት ክፍጸም ዝጸንሐ ጌጋታት ከእርም እየ” ዝብል ውድብ ስምረት ኣብቲ ቀጻሊ ምርጫ ክሳተፍ እዩ።

በዚ መንጽር እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ትግራይ ክፈላለዩ ዝጸንሑ ውድባት ህወሓትን ስምረትን “ኣብ ትግራይ 7ይ ምርጫ ይካየድ ኣይካየድ” ኣብ ዝብል ካልእ መፈላለይ ዛዕባ ኣጋጢምዎም ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ፡ ን7ይ ግዜ ምርጫ ንምክያድ ምድላዋት ክካየድ እንከሎ   ኣብ ኤርትራ ግና ምርጫ ዘይተኻየደ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ሕገመንግስትኮነ ሕጊ ምርጫ እውን የለን።

Last modified on Thursday, 11 December 2025 21:35