ኩነታት ሱዳንን ሓደጋኡ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ይብርኽ ኣሎ ተባሂሉ
2025-12-11 15:45:06 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 132 timesኣብ ሱዳን ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት፡ ኣብ ጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘኸትሎ ሓደጋ መመሊሱ ይብርኽ ከምዘሎ መርበብ ኣልጀዚራ ሓቢራ። ኣልጀዚራ ነዚ ዝገለጸት ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን ወተሃደራዊ ሓይሎም ንምዕባይ የካይድዎ ዘለዉ ሓደገኛ ውድድር ብምጥቃስ እዩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣልጀዚራ፡ እቲ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ዝምራሕ ወገን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉም ምስ ሱዳን ኣብ ዝዳወብ ከባቢ፡ ኣስታት 10 ሺሕ ሰልጠንቲ ዝሕዝ ወተሃደራዊ መዕለሚ መደበር ምኽፋት ምስ ጀመረ፡ እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ከኣ ኣብ ምብራቓዊ ቦታታት ሱዳን ብተመሳሳሊ ሓድሽ ግንባር ንምኽፋት ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ ምስ ዘርዘረት እያ።
ብጸብጻብ ኣልጀዚራ መሰረት፡ እቲ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ብሓልዮትን ኣድላይነትን ነገራዊ ዓቕሚ ኣቕራብነትን ዓረብ ኤምረትስ ዝምራሕ ክኸውን እንከሎ፡ ኢትዮጵያውያን ክኢላታት ድማ ነቲ መደበር መስሪቶም ከመሓድርዎ እዮም። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝምስረት ናይቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሓድሽ ግንባር ግና መን ብድሕሪኡ ከም ዘሎ ዝምልከት ዘቕረበቶ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።
ኣብ ቤንሻንጉል መደበር ዝምስረተሉ ዘሎ ምኽንያት ኣብ ጐኒ እቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ዝዋግኡ ናይ ዝኾነት ሃገር ዜጋታት ዝዕለምሉ ኮይኑ፡ ንዓኡ ዘድልዩ ቀረባት ከኣ ብወደባት በርበራ ሶማሊላንድን ወደብ ሞምባሳ ኬንያን ኣቢሎም ምስ ኣተወኡ፡ ብመንገዲ ጸጥታ ኢትዮጵያ ከም ዝመሓላለፉ ኣብቲ ሓበሬታ ተጠቒሱ። ቤንሻንጉል ዝተመርጸሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ናብ ግዝኣት ቡሉ ናይል ንከስፋሕፍሕ ክሕግዞ ተሓሲቡ ምዃኑ እውን ዜናዊ ጸብጻብ ኣልጀዚራ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብፍላይ ድሕሪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ቀረባ ኣብ ፖርት ሱዳን ናይ 2ተ መዓልታት ዑደት ምክያዱ፡ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ኣካል ዝጥቀመሉ ኣጽዋር ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ምጽዋዕ ይረገፍ ኣሎ ዝብሉ ዜናታት እውን ኣለዉ። እዚኩሉ ተደሚሩ ከኣ ሱዳን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኢድ ኣዙር ውግእ ዘካይዳላ ሜዳ ናይ ምዃና ዕድል ሰፊሕ እዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።